ብርጌድ ንሓመዱ ንቃልስታት ኤሪትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሂዎት ሂብዎ እዩ
ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ 14/06/2023
ጥቃ ሓደ ሚልዮም ዝኾኑ ኤሪትራውያን ነቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረድ ዘሎ ጭቖና ክጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቅባ ሓቲቶም ይነብሩ ኣለዉ። ካብኣቶም ግን ኣብ ጉዕዞኦም ብሓደጋታት ዝመቱ እሸሓት እዮም። ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ከለዉ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝመቱ ። ካብ ሊብያ ንዓዲ ጣልያን ክሳገሩ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ። ኢሳያስ ንኣቢይ ኣህመድ ብምድጋፍ ኣብ ሐድሕድ ኩናት ኢትይጵያ ምስ ኣተወ ሰራዊት ኤሪትራ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ናይ ኤሪትራውያን መዓስከራት ኣትዮም ክሳብ 10,00 ኢሪትራውያን ጨውዮም ንኤሪትራ ውሲዶሞም እዮም። መዓስከር ሽመልባ ብሓዊ ምስ ዓነወት ኣብኣ ዝነበሩ 20,000 ዝኾኑ ኢሪትራውያን ጊሊኦም ኣበይ ከምዝኸዱ ዝተፈልጠ ነገር የልን ብዙሓት ኣለም ዋጭ ዝበሃል መዓስከር ኣብ ጎንደር ተሰሪሕሎም ናባኡ ዝኸዱ ኣለዉ። ገሊኦም ግን ን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም እዮም። ጎንደር ግን ናይ ኣምሓርራ ፋኖ ዝንቀሳቀስሉ ቦታ ስለዝኾነ ቁሱናት ኣይኮኑን። ንኣብነት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ 2023 ክልተ ኣቦታት ኣብ መዓስከር ኣለም ዋጭ ዝነብሩ ዝነበሩ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ተላኢኹዎም ክወስድዎን ናብ ዕዳጋ ምስ ከዱ ፋኖ ረኺቦሞም ገንዘቦምን ሞባይሎምን ወሲዶም ቀቲሎሞም። ብኤሪትራውያን ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ተገይሩሎም። እቲ ቀብሪ ናይ ኣብዮቱታ ዝተሓወሶ ይመስል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ሰላም የብሎምን ነቶም ወረቀት ዘይብሎምን ስደተኛታትን ጊዚኡ ዘሕለፈ ወረቀት ዝሓዙን መንግስቲ ኣኢትዮጵያ በልማማ ይኣስሩዎም እዮም። ኣብዚ ንዜ ኢሳያስ ነቲ ኣቢይን ትግራይን ዝፈረሞዎ ሰላም ተቛዊሙ ወተሃደራቱ ኣየውጽእን ስል ዝበለ ኩናት ክኸፍቱሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ እቲ ዝዓበየ ስግኣት ንልዕላውነት ኤርትራ ክኸውን ይኽእዩ። ኢሳያስ ሞት ኤሪትራውያን ኣይግድሶን እዩ። ኩናት መናውሒ ስልጣኑ ኢሉ ስለ ዘኣመነ። ስለዚ ህልቂት ኤሪትራውያን ኣይግድሶን እዩ። ኣብዚ ንኤርትራ ዘምልከት ውግእ ሓድ ሕድ ኢትዮጵያ ክሳብ 50,000 ኤርትራውያን ሞይቶም ይበሃል ኣሎ። ከም ህዝቢ ንጸንትን ኣለና።
እቲ ሓቂ ከምዚ ከሎ ግን ብዙሓት ዑቅባ ዝረኸቡ ኤሪትራውያን ምስቲ ካብ ሀገሮም ዘሳጉጎም ህግደፍ ዝመደቦ ጽንብል ነጻነት ተረኺቦም ክስዕስዑን ንኢሳያስ ክውዱሱን ክምጉስን ተራእዮም ። እዚ ብቀሊል ክትገልጾ ዘይከኣል ሐደ ኣዚዩ ዘገረም ተርኢዮ እዩ። ከመይ ገይሮም ኣብዚ ሰራዊት ኢሪትራዊ ዝጸንተሉ ዘሎ ጸልማት ጊዜ ኣብ ክንዲ ሰራዊትና ንሃገሮም ምለሶም ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት የእቲኻ ኣይተጽንቶም ኢሎም ጎስጓሳትን- ሰላማዊ ሰልፍን ዘካይዱ ንኢሳያስ ናይ ሞራል ድጋፍ ክህቡዎ ኣብቲ ናይ ናጽነት ጽንብል ከማዕርጉ ይረኣዩ ። እንተ ወሓደ እቲ ጽንብል ንዝክሪ ናይቶም ስዉኣትን ኮይኑ ዝነኦምን ተወፋይነቶምን ዘመጉስ ምገበርዎ። ናይ ናጽነት ጽምብል ኣይተካፈሉ ማለተይ ኣይኮነን። ግን ናቶም ፍሉይ ጽምብል ክገብሩ ምኸኣሉ።
ኣብዚ ብርገድ ንሓመዱ ዋልታ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ከይኖም ነቲ ህግደፍ ናይ ነጻነት ጽንበል መዝሚዙ መኤከብ ገንዘብን ናይ ጽልኢ ዘመተ ኣብ ልዕሊ ኢሪትራውያን ደላይ ፈትሕን ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ ኣቃሊዖሞ እዮም።
ብርገድ ንሓመዱ ነዚ ጽንብላት ኣብ ገሊኡ ከተማታት ከሰርዝዎ ከለዉ ኣብ ገሊኡ ግን ኣይተሰረዘን። እቲ ህግደፍ ዘይተረዶኦ ግን እቲ ጽንበል ይሰረዝ ኣይሰረዝ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ነቲ ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኢሪትራ ኣቃሊዑ እዩ። ናይ እዘን ከተማታትን ህዝቢ ምስቲ ውጹዕ ህዝቢ ኢሪትራ ናይ ምድንጋጽ ስሚዒት ከሕደረለን ኪኢሉ።
ንኣብነት ኣብ ሽወደን ብ 7 ኣባላት ባይቶ ሊበራል ፓርቲ በዚ ሰላማዊ ሰልፋታት ተባራቢሮም – ሕልነኦም ደሪኽዎም – ነቲ ኢሪትራ ኢምባሲ ኣብ ልዕሊ ኤሪትራውያን ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ምፍርራሕ ካብ ድሞዞም 2% ቀረጽ ኣገዲድካ ከምዝኸፍሉ ምግባር ተጸኒዑ ተሪር ስጉምቲ ክውሰዶ ከም ዘለዎ ንመንግስቶም ኣዘኻኺሮም። ኣብ ነይጸርላንድ ነቲ ኣብ ከተማ ረጂስዊጀክ Rijswijk – ጽምብል ናጽነት ቅድሚኡ ዘነበረ ፈስቲቫልስ ምስራዝ ጥራሕ ዘይኮነ እታ ክንቲባ ናይቲ ከተማ ቀጺሉ ዝመጽእ ፈስቲቫል ኣይክፍቀድን እዩ ኢላ።
ካልእ ሕቶ ኣላዒሉ ዘሎ እቶም ካብ ጭቆና ህግደፍ ኣሃዲምና ኢሎም ዑቅባ ዝረኸቡ ምስቲ ጨቛኒኦም ክስዕስዑ ከሎው እምበር ዶ እቲ ዝሃብዎ ቃለመጠይቅ ሓቂ እዩ መፍፍርመራ ይገበረሉ ደረጃ ተበጺሑ እዩ።
ስለምንታይ ኢዮም ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበታትን ዘሎ ፡ ቁጥባ ኤርትራ ኣዕኒዩ ዘሎ ህግደፍ ሓቢሮም ዝስዕስዑ። መን እዮም እዚኦም ፣ድሕሪ ባይቶኦም እንታይ ይመሰል ስለምንታይ ኢዮም ማእዝኖም ኣጥፊኦም ዝበል ሕትታት በተን ዓድታት ዑቅባ ዝህባ ንቡር እዩ።
እዚ ክውንነት ክውንነት ክንዛረበሉ እንተኮንና እዚኦም ግዳይ ናይቲ መግዛእቲ ህግደፍ እዮም። ግዳይ ስነ ኣእሙራዊ ሕጽቦ ። ንሳቶም ናይዚ ምዕቡል ዘመንና ኣብ ባርነት ዘለዉ እዮም፡(modern slavery ) ብፍርሒ ዝረዓዱ እዮም። ፍርሒ ሓደ መሳርሒ ባርነት እዩ። እዚኦም ሓገዝ ዘድልዮም ምኽሪ ዘድልዮም ግዳያት እዮም። እቲ ሕቶ ዘሎ እተን ናይ ፖለቲካን ናይ ማሕበረ ሰብ ውድባት ናይቶም ስደተኛታት ንቅሓትን ፍልጠትን ሓፍ ዘበል ኣስተምህሮታት ኣዳልዩ ሚሂሩ ይፈለጥ ዶ? ብዝተወደበ መገዲ ቀጻሊ ሓገዝ ይገብረሉ ዲዩ?
ብሕልፊ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ኣብ ሱዳንን ካልእ ቦታታትን ዝሳቀ ስደትኛታት ምሕጋዝን ክሳዕ ክንደይ እዩ። ስነ ጥበባዊት ድሃብ ፋቲንጋ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግቶን- ሕቡራት መንግስታት ብይኣክል ዝተዳለወ ዋዕላን ትልሂትን “ ሃየ ነቶም ኣብ ሱዳን ብጥምየት ዝሳቀዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኢደይ ኢድካ ኢልና ንሓግዞም ኢላ ዓቢ መልእኽቲ እያ የሕሊፋ ኣድላይነት ምሕጋዝ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝሳቀዩ ዘለዉ ኢሪትራውያን ግርም ገይራ ኣስሚራትሉ እያ። ናይ ብሓቂ ኣዞም ኣብ ኩቱር ሽግር ወዲቖም ዘለዉ ካብ ደለይቲ ፍትሕን ካብቶም ኣስቂቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ኤሪትራውያን (Silent majority) ቆላሕታ ሲኢኖም ኣለዉ። እቶም ንህግደፍ ዝድግፉ ግን ሽግሮም ከልዕልዎ ኣይደልዩን እዮም።
ማዕረ ማዕረ ንሰላምን ምሕጋዝ ብጥሜት ዝሳቀ ዘሎ ህዝብናን ድሕሪ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ከም ዝትከል ብመጽናዕቲ ቀሪቡ ናብ ህዝቢ ክቀርብ ዝከይድ ዘሎ ጻዕርታት ተስፋ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ እዩ።
ይቅጽል
ንሓበረታ፡ From Friday 16/06/2023 to Sunday 18/06/2023 Helen Kidane of Eritrea Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR) and Mulubrhan Temelso director of Foundation of Human Rights in Eritrea/ based in Neitherland/Holland are attending a conference in London organized by War Resisters International Titled Antimilitarist Roots.
They will be presenting about indefinite national service and the human rights implication of involving Eritrean army in the war in Ethiopia.
“እዚ ክውንነት ክውንነት ክንዛረበሉ እንተኮንና እዚኦም ግዳይ ናይቲ መግዛእቲ ህግደፍ እዮም። ግዳይ ስነ ኣእሙራዊ ሕጽቦ ። ንሳቶም ናይዚ ምዕቡል ዘመንና ኣብ ባርነት ዘለዉ እዮም፡(modern slavery ) ብፍርሒ ዝረዓዱ እዮም። ፍርሒ ሓደ መሳርሒ ባርነት እዩ። እዚኦም ሓገዝ ዘድልዮም ምኽሪ ዘድልዮም ግዳያት እዮም። ”
ጴጥሮስ ተስፋገርጊስ
ብርግጽ ፍርሒ ኣሎ። ግን ካብኡ ንላዕሊ እዩ።
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ፣ ካብ ናይ ሰሜን ኮረያ ዘይዉሕድ ፣ ራዕዲ ኢዩ ዘሎ።
ኣብ ደገ ፣ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ፣ ናይ ፍርሒ መንደቅ ሰይሩ ፣ ሰባት ገጾም ቀሊዖም ፣ ብድፍረት ንስርዓት ኣብ ምብዳህ ዝርከቡሉ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና። ቅድሚ ገለ ዓመታት ፣ እዚ ፈጺሙ ዝካኣል ኣይነበረን።
ስለዚ ፣ ናይዞም ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ጸገም ፣ ምስ ህግደፍ ዝነበሮም ፣ ናይ ጊላነት-ዝምድና ናፉቆት ጥራሕ ኢዩ ኢልካ ምሕላፉ ፣ ኡኹል ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጎንጺ ፣ ወይ ገለ ሸነኻት ካብኡ ፣ኣብ መንኢሰያትና’ዉን ዘየድሊ ሳዕቤናት ኣትሪፉ ኣሎ። ንሱ ምፍታሽ ኣድላይ ኮይኑ ይስማዓኒ።
Kemey Qenika W.H., this current dismal situation of our people, can only be solved by our people, because they only intimately know the solution, it is a unique phenomenon imposed on them by themselves, HGDEF might present itself as an authoritarian enterprise, but also, it is a culture, an attitude, a mindset, a lingo… prevalent in our homeland and those who already deserted it and living abroad.
You don’t have to look far for a solution, it is looking back at you in the mirror.
Like I said before, we are the agar upon which the fungus (HGDEF) blooms.
Till we admit this and start working ‘on the man in the mirror’, well! our homeland will continue to boast MEDEBER as its tech hub and refugees as its main export.
That’s SING-A-POOR delivered from adi halo.
“You don’t have to look far for a solution, it is looking back at you in the mirror.”
k.tewolde
ከመይ ቀኒኻ ፣ ኩቡር ዶቶረ
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ፣ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻር ሓደ ጨካን ጉጂለ ኢዩ ዘሎ።
ኩሎም እቶም ፣ ናይ ሕልናን ኣእሙሮን ድኽመት ዘለዎም ሰባት ፣ ኣብ ናይ ስለያ ስራሕ ተዋፊሮም ፣ ኣብ ፎቆዶ ጎደናታት ታዓኒዶም ፣ መን እንታይ ይገብር ኣሎ ክከታተሉ ስለ ዝዉዕሉ ፣ ታኣኪብካ ክትላዘብ ዘፍቅድ ኩነታት የለን።
በንጻሩ ፣ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ፣ ካብ ህግደፍ ሪሒቁ ፣ ብነጻ ክንቀሳቀስ ኣብ ዝኽእለሉ ሃገራት እንዳነበረ ፣ ተረዳዲኡ ፣ ተመዲቡ ፣ ገለ ክገብር ዘይምኽኣሉ ፣ ብጣዕሚ ዘጉህይ ጉዳይ ኢዩ።
ኩሉ ከስምረሉ ዝግባእ ፣ እቲ እንኮ ፣ ዓቢይ መድረኻዊ ዕማም ፣ ነዚ ጨካን ጉጂለ ብዝዋሓደ ዋጋ ምእላይ ኢዩ። ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ፣ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ፣ ንዝተማሓየሸ ቁዋም ፣ ከም መምሪሒ ሰነድ ተጠቂሙ ፣ ሓደ መሪሕነት መሪጹ ክንቀሳቀስ እንተ ጀሚሩ ፣ ለዉጢ ኣብ ሩሑቅ የለን።
ኩቡር ዶቶረ ፣ ከምቲ ደጋጊምካ እትብሎ ፣ ብርግጽ ፣ ለዉጢ ምምጻእ ኣብ ኢድ ህዝብና ኢዩ ዘሎ።
ነዚ ኣረመናዊ ጉጂለ ፣ ብሓደ ድምጺ “ፎእ !” ንበሎ። ብድሕሪኡ ዝስዕብ መድረኽ ፣ ናብ ራህዋ ዝወስድ መገዲ ክኾዉን ተስፋ ኣሎ ።
ኣብ ጓል ነገር ተሸኺልና ፣ ልብና ተራሓሒቁ ፣ ነምጾኦ ቁልጡፍ ለዉጢ ክህሉ ኣይኮነን።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ፣ ንሱዉኣትና።
‘ነዚ ኣረመናዊ ጉጂለ ፣ ብሓደ ድምጺ “ፎእ !” ንበሎ።’ I wish I had the heart and soul like yours W.H., yes, in the face of adversity there is hope, in the core of fragility there is strength, in the blanket of darkness there is light…yes, my dear friend, you are the embodiment of that.
The evil will perish and the good will prevail.
A BOLD ninety plus y/o ustaz Haj. stuck his head out and challenged and went to prison and died at the hands of the pussycats who still cannibalize their own children, and the rest of the able body played spectators while this grim drama unfolded—– no wonder the old beast still yawns and licks his bloody chops in his den.
Is this the curse we’re going to pass on for generations to come? if there is going to be any left.
I pray for the intervention of the Divinity.
Mom warned me about these enemies when I was little, she called them ‘LOKMEGNATAT’, ‘the ones who bite the hand that feeds them.’, now I know what she meant, she is smiling down at me today from heaven, I caught a wide mouth bass off Islamorada this morning and told her this one is for you mom and released it to the ocean. Anybody had/have a clairvoyant mom like that? she knew this was coming, and she didn’t want me to be any part of it, I gave Her a deaf ear, she understood and blessed me.
IN RETROSPECT.
Enjoy your weekend.
ከመይ ቀኒኻ ኩቡር ዶቶረ
“Mom warned me about these enemies when I was little, she called them ‘LOKMEGNATAT’, ‘the ones who bite the hand that feeds them.’”
ሓትነይ (መንግስተ -ሰማይ የዋርሰን) ፣ ካብ ሎኽመኛታት ምስ ኣጠንቅኻኻ ፣ ሕልና ዘይብሎም ሰባት ከስዕቡዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ከም እተገንዘባ ክንርዳእ ንኽል። ከምኡ ድማ ኮነ።
ምንም ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ሎኽመኛታት ፣ ነቶም ደቅና ይምሩሑና ኢሉ ፣ሙሉእ እምነት ዘንበረሎም ህዝቢ ፣ ብዉግእን ጥምየትን ይጥፉኡዎ ኣለዉ።
” … and the rest of the able body played spectators while this grim drama unfolded—–”
ኢዚ ኢዩ እቲ ዓቢ ጸገምና።
እቶም ብ”መንካዕ” ዝፍለጡ ሓርበኛታት ፣ ቀዳምት ግዳያት ምልኪ ኢሰያስ ፣ ብጸቶም ኣዉያቶም እንዳሰመዑ ብጅምላ ሃሊቆም።
ብድሕሪኡ ፣ ኢዶም ዝጸናሓቶም ሲዒቦም።
ኩሎም እቶም ፣ ንጉጂለ ኢሰያስ ፣ ብፍርሒ ወይ ጥቅሚ ፣ ብጸቶም ክቅተሉ ወይ ክስወሩ ዓገብ ዘይበሉ ፣ ሲዒቦምዎም።
ህዝቢ’ዉን ፣ ህዝባዊ ግንባር ዉድብና ኢዩ ፣ ካብኡ ንላዕሊ ሓላይ የብልናን እንዳ በለ ፣ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ክከስስ ጸኒሑ። ገለ ገይሩ ክኾዉን ኣሎዎ። ሱቅ ዘይብል … ወዘተ።
ድሕሪ 91 ነቶም ዕርቂ ንግበር ዝበሉ ኣባላት ተሓኤ ምንእኣስ ጉኑን ነይሩ። ” እዞም ትርፍራፍ ጀብሃ ፣ ኣለና ዲዮም ዝብሉ ዘለዉ ? “። ካብ ካድራት ሻዕቢያ ፣ ንዓመታት ፣ ደረት ዘይቡሉ ብደዐ ሰሚዕና።
እቶም ብጾቶም እንዳ ተቀትሉ ፣ ገበናት ጉጂለ ኢሰያስ ከመኽንዩ ዝጸንሑ ጂ15’ዉን ብማዓልቶም ተሰዊሮም። እቲ ንሳቶም ዝወሰዱዎ ሱጉምቲ ኣድላይ እኳ እንተ ነበረ ፣ ግን ዶንጊዩ። ህዝቢ ክስዕቦም ይጽበዩ ነይሮም ፣ ግን ባዕሎም ይፈልጡ ዝበለ ይበዝሕ ነይሩ።
እዚ ነዊሕ ታሪኽ ናይ ምክሕሓድ ፣ መደምደምታ ከይተገብረሉ ፣ስቃይና ቀጻሊ ኢዩ።
‘እዚ ነዊሕ ታሪኽ ናይ ምክሕሓድ ፣ መደምደምታ ከይተገብረሉ ፣ስቃይና ቀጻሊ ኢዩ።’… W.H. you capped it eloquently in few words, sobering!
That’s why the nation is doing ‘GAM/MAN’, MEKANEK/ REWUH since you and I left.
W.H., Wedi Hatney indeed, you remind me of those days and the kids I played hide and seek (CHIRCHIR) (SALBATI) and (BALINA) with… only this time we reconnected in this platform in a mature and profound way displaying our scars and grooves as signs of our tortuous journey. It feels like you were always there with me.
Where do the rest of DEQI HATNEY GO???
ኩቡር ዶቶረ
ኣብ ሃገርና ፣ ከምዚ ሎሚ ከይኾነ ፣ ጎረባብቲ ሓደ ዓብይ ስድራ-ቤት ምንባሮም እዝክር።
ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሃገርና ዝመጹ ፣ ብፍቅርን ሰላምን ይነብሩ ነበሩ።
እምነቶም ፣ ዓሌቶም ፣ ኣዉራጃኦም ብዘየገድስ ፣ ታሓላሊዮም ፣ ተኻባቢሮም ይነብሩ ነበሩ።
ንሕና’ዉን ቆልዑ ፣ ምስ ደቂ ጎረበትና ዘሕለፍናዩ ንእስነት ፣ወትሩ ብናፉቆት እንዝኩሮ ኢዩ።
ሎሚ ፣ ስርዓተ ምሕደራ ደርጊ ይቅጽል ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ካብኡ ገዲዱ።
እታ ናይ ደርጊ “ቀበሌ” ፣ መን መጺኡ ፣ መንከ ገይሹ ሓቡሩና ኢላ ፣ ስድራ ተባሳብስ። ጎረባብቲ ነንሕድሕዶም ከም ዝስልዩ ትገብር። ብግዲ ኣብ ህግደፍ ክምዝገቡ ፣ ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ትእዝዝ። ኣብ ኣኼባ ዘይተረኽበ ትቀጽዕ። ነቲኦም ተጠንቀቅሎም ትብል። ተባራሪ ወረ ትነዝሕ ። ዘይምትእምማን ከም ዝነግስ ትገብር።
ሰብ ካብ ስሩሑ ንኸተዓናቅፍ ፣ ኣፍራይ ኣብ ዘይኮነ መደባት ህግደፍ ተዋፍር። ናይ ሓደ ዉድብ ታሪኽ ትሰብኽ። ኤሪትራ ፣ ህግ ኢያ
ትብል ።
ብሰንኪ “ቀበሌ” ፣ ደኺመ ዝበለ ይጥርጠር ፣ ኣይፋለይን ዝበለ ይስወር።
“ቀበሌ” ፣ መሳሪሒ ፋሺስታዊ ጉጂለ እያ።
ንሳ’ዉን ማዓልታ ትጽበ ኣላ።
‘“ቀበሌ” ፣ መሳሪሒ ፋሺስታዊ ጉጂለ እያ።’ yes indeed, the word itself sounds so ancient, so primitive like the minds who utilize it as their neolithic tool of suppression against the poor people—— you can take the man out of the cave, but you can’t take the cave out of the man.
‘ኤሪትራ ፣ ህግ ኢያ
ትብል ።’… good reminder, HGDEF is not the only Eritrean, there are millions of others who are living and passed away including the one I am quoting.
W.H., have you seen a caveman in a zoom meeting with earbuds lately?
Looks are deceiving.
‘Brigade Nihamedu.’ indeed! They unearthed a treasure trove—- a freshly preserved olive with a blue turf, it fits them perfectly, their true identity, they waved it with pride and danced to its glory, it is the one the Eritrean people hoisted when they welcomed their sons and daughters home, it is the symbol which ignited the Eritrean nationalism and heralded our armed struggle, it is a nonpartisan emblem which manifests the Eritrean soul…. you can’t keep a human being blindfolded forever… ”
Soon this BlueWave will engulf our homeland and the mother will welcome her children with an open arm from the top of Debresina.
RUBA RUBA SAHLE AHA!
TESHEFINA GIME
AYTERATERN ANE
NI’AKI AMINE.
An op-ed from an American journalist reads, ” …in his confirmation hearing Thomas said, he brought (something different) to the court, namely his empathy for the downtrodden people, instead he brought an unusually intense self-hatred which spills to how he deals with cases involving black people.”… referring to SC judge Clarence Thomas.
Rings a bell of someone familiar.??
There is a common human thread here whether you went to Harvard or Addis Ababa university.
People don’t become who they are today without the past which chiseled their persona.
I found the quote interesting.
Subject: “ብርጌድ ንሓመዱ ንቃልስታት ኤሪትራውያን ደለይቲ ፍትሒ
ሂዎት ሂብዎ እዩ” ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ 14/06/2023
Very Humble Questions
a). Why is it only two wonderful. dedicated individuals who constantly
write about Eritrea ?
b). No doubt, they are to be admired and remembered in History — if
Eritrea is survived, retaining its liberty and dignity .
c). Honestly, one can’t help wondering ……………..
.
HUMBLE HONEST QUERY
WHAT HAPPENED TO THE WORLD KNOWN STAMINA OF THE LEGENDARY FORCE of ERITREA????
Humble Puzellment 22 Feb 2024
What happen ???
a) Does it mean NO MORE OF THE INCISIVE ARTICLES ????
b) Does it mean ———–Oh Lord, NO, NO, NO ——-
c) PLEASE, PLEASE, PLEASE.
d) AMEN
a) 16 commentaries via three writers
b) Is that the end of Eritrea?
c) Are there other messages more than three??
d) Is it the end of……………………………………..??
“ብርጌድ ንሓመዱ ንቃልስታት ኤሪትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሂዎት ሂብዎ እዩ”
“ሂዎት ሂብዎ ” !?!?!?!? !?!?
abey allo?!?!? HaQuu. Nizareb.
a) What happened to http://www.assenna.com????
b) Where are the well known admirable writers?????????
c) Can it be they are physically tired of writing about Eritrea??????????
d) To be absurd (very absurd) one is inclined to ask >>> WHERE IS ERITREA ?!?!?!?!?!
e) IS IT POSSIBLE THAT THE WELL KNOW ERITREA IS VANISHED AS A CITY ?????
f) IS IT ———- ?!?!?!?!?!?!?!?!
g) OH! Oh! OH! Where is the leader of Eritrea? Just a humble question, please.
———-THE END ————
Thank you, assenna.com.
I was worried that I may have gone off line.
Thank you, again.