ውድዓዊ መልእኽቲ ንኽቡር ህዝቢ ኤርትራ
ሓባራዊ ክብርን መንነትን ታሪኽን ብሓፋሽ ህዝቢ እዩ ዝሕሎ፣ ዝኽበር፣ ዝምዕብልን
ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንሓደ ብባህሉ፣ ብመንነቱ፣ ብርእሰ ተኣማንነቱ ብታሪኹ፣ ብሰብእውነቱ፣ ብስነልቦኑኡን ሕቡን ዝኾነ ህዝቢ ናብ ወድቀት ንምብጻሕ፣ ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ንምምላስ ጨካንን ባርባራውን ተግባራት ይግበር ኣሎ። እዚ ምስ ምሉእ ተሳታፍነት ናይቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ትካሉን ዝግበር ዘሎ ኣጽናቲን ድሑርን ዘመተ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንዕዘብ ኣለና። ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጥፍእትን ይኹንኑዎን ኣለው። ብምሉእ ተኣማንነት ክብሎ ዝደሊ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓው ኮይኑ ኣበርቲዑ ቃልሱ ብዝላዕለ ፍናን ኣበርክቶን ክቃለስ ናይ ግድን ከምዝኾነን ከምዝቃለሰን ፍሉጥ እዩ። እወ ፣ ብጀካ ነቶም ብፍላጥን ብጥቕምን ምስቲ ኣጽናቲ ህግደፍ ተሰሊፎም ንጥፍእት ህዝቢ ዝተሰለፉ ዕዳ ኤርትራ ገዲፍካ፣ ንግዜኣኡ ብሰንኪ እቲ ለይትን መዓልትን ብዝነገሮም ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ክፉእ ዘመተ፣ ድንግርግር ዝብሎም ገለ ኤርትራውያን ኣለው። ግን እቲ ንቡር ኩነታት ስለ ዝዕብልል፣ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ለባም እዩሞ ንነባሪ ክብርታቱን ልዕላውነቱን ጥቕሙን ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓው ተሓባቢሩ ክሕልዎን ከህጥሮን ከምኣለዎስ ፍሉጥ እዩ። ካልእ ኣማራጺ እውን የልቦን ብርዱእ ምኽንያት። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሕጂ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ነውራም ተግባራትን ኣጽናቲ ወረራን ኣዝዩ ከስተብህለሉ ጀሚሩ ኣሎ። ከም በዓል ተረኛ ጽባሕ እውን እዚ ናይ እምብራጦርያውያንን፣ ተስፋሕፍሕቲ፣ ኣሃዳውያን ወረራ ናብኡ ከምዝኸውን ይፈልጥ ኣሎ። ብብዙሕ በጨቕታን ዕላዊ ሓቤረታን ንርእዮን፣ ነስተንትኖን ንሰምዖን እውን ኣለና (ኣብነት፡ ናይ ነሓሰ 24, 2021 ናይ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕላዊ ናይ መዕከ ንዜና (EBC Official Documentary) ሰነድ ምውካስ ይከኣል)። ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚ ኣዚና ከነስተውዕለሉ ዘሎና ዓቢ ጉዳይ ኣሎ። እንተድኣ ንሃገርና ንፎቱ ኮይና ኣብዚ ክርዳኣና ዘለዎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱ፣ ክብሪታቱን፣ ንመረበቱን ንቛንቁኡን፣ ታሪኹን ከም ህዝቢ ንኽነብርን ነቶም ገበትን፣ ትምክሕተኛታትን ዘረፍትን እቲ ክፉእ ጥሙሖም ኣብ ህዝቢ ከየተግብሩ ዕድል ንኸይህቦም ኣበርቲዑ ይቃለስ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ።
እወ እንተድኣ ንሃገርና ንፎቱ ኮይና ኣብዚ ክርዳኣና ዘለዎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱ፣ ክብሪታቱን፣ ንመረበቱን ንቛንቁኡን፣ ታሪኹን ከም ህዝቢ ንኽነብርን ነቶም ገበትን፣ ትምክሕተኛታትን ዘረፍትን እቲ ክፉእ ጥሙሖም ኣብ ህዝቢ ከየተግብሩ ዕድል ንኸይህቦም ኣበርቲዑ ይቃለስ ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ቀጻሊ ህሞት እዚ፣ ከክፉኡ እናሃንደስካ ብግዚያዊ ናይ ውልቀ ጥሙሕ ተደሪኽካ ኣማዕዲዩ ብሩንዶ ስጋ ይርኢ ከምዘሎ እንስሳ ህርድግ ኢልካ ምእታው ማለት ኣብ ሃሚ ምእታው ማለት ከምዝኾነ ክርዳእና ኣለዎ። ንሕና ኤርትራውያን ግድነታዊ ዕዮ ገዛ ኣሎና። እዚ ድማ እቲ ካባና ዝድለ ምግባር እዩ። ብፍላይ እቲ ብስሩዕ ዝጎድኣናን ናብ ሓሳባዊ ዝኾነ ዘስክረና ዘሎ ናይቶም ንፈልጠልኩም ዝብሉናን ዘዕሽውናን ገዲፍና ክምህዝቢ ንዘላቒ ህላዌናን ህላዌ ሃገርናን ከነውሕስን እንተድኣ ደሊና ምስ ህዝቢ ትግራይ ተሓባቢርና ክንቃለስ ግድነታዊ እዩ። እዚ ማለት ድማ ብኹሉ ናይ መምዘኒ መቓን ክንርእዮ ኣለና። ብዝድምዕ ስትራተጂካውያን ንኹን። ካብ ናይ ካለኦት ንማሃር። ኣብዚ ዓለም እዚ እኹል መወከሲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኣሎ። ሃገር ብዘይ ጸጋን ክእለትን በቲ ዝድለ ዘይወነን ህዝቢ ሃገር ክትኸውን ከም ዘይትክእል ክፍለጥ ኣለዎ። ባንዴራ ኣንበልቢልካ ብጂኦግራፊ ተማእክልካ ማለት ፈጺሙ እኹል ከምዘይኮነ ነስተውዕል። ነቲ ናይ ዕሙትን ዘየዋጽእን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስሚዒታዊ ኣምር ገዲፍና፣ ስትራተጂካዊን ብልሕን ብዝመልኦ መንገዲ ብዕቱብ ክንሕዞ ዘለና ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ንረዳእ።
እዚ ናይ ናይ ኤርትራ ውልቀ መራሒን ጉጅለኡን (ናይ ጥፍእት ትካላቱን) ምስ እቶም መስፍናዊ ወኒ ዝዓብለሎም ኣሃዳውያንን ኣምሓራን መሻርኽቶምን ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽን ንምጽናትን ዝገብሮ ዘሎ ድሑርን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኣራዊታዊ ተግባርን ብምሉእ ሓይልና ክንቃለሶ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ህዝባዊ ዕማም እዩ። ኣድላይነቱ ድማ በዞም ዝስዕቡ ውድዓዊን ክውንነታውያን ምኽንያታት እዩ። 1. እዚኦም ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝብሉ ነፍጠኛን ካለኦትን ናትና ናይ ኤርትራ ሃገርነት ኣብ ዝኾነ ጊዜ ክዋሓጠሎም ኣይክእልን እዩ። ድሮ እኳ (ከምቲ ኩሉ ጊዜ) ዓው ኢሎም ዝትምነይዎን ዝብህግዎን ብተንኮልን ሽርሕን ድማ ዝዋስኡዎ ዘለዎ ሕማሞም ነባሪ እዩ ። ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝባሃል ጀሚሩ ኣብቲ ኩሉ ዘረባኦም ጽሑፋቶምን ብግልጺ ተንጸባሪቑ ንርእዮ ኣለና። ቁሩብ ጥልቕ ኢልና እንተድኣ ተዓዚብና ድማ ብንጹርን ብዘገርምን ክትንተን ይከኣል እዩ። ብፍላይ እዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጡምሖም ክገድፉዎ ኣይኮኑን ኣታ ዝደልዩዋ “ዓባይ ኢትዮጵያ” ንህዝቢ ትግራይ ኣምበርኪኾምን በታቲኖምን ክግብትዋን ክርምስዋን ዕድል እንተ ድኣ ረኺቦም፣ እቶም ቀጺሎም ገንሸል ዝኾኑ ድማ ንሕና ኤርትራውያንን ኢና። እዚ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዓንኬል ስቅያትና እዩ። እዞም ናይ ባዶሽ መኽዘን ትምክሕታውያን ንዓና ንኤርትራውያንን ንተጋሩ ኣሕዋትናን ተረዳዲእናን፣ ተደጋግፍናን ተሓባቢርናን ሰላም ጌርና ከይንምርሽ ማሕበረ ቁጠባ ከባብና ብሕኑንን ብዘሌቐታውን ንምምዕባል ክይንቀዳደም ኣብ ቅድሜና እእማን እንዳደረበዩ፣ ሓጹር እንዳሓጸሩ ኣሸጊሮምና። ብቐጻሊ ዝኣልምዎን በቲ ዝለመዱዎ ክቕጽሉን ዘይተእደነ ድልየትን ጻዕርን ዝገብሩ ዘለው ድማ ነዚ ህንደሰኦም ብዓወት ንምትግባር እዩ። ትንፋስ እንተረኺብና ንሕናን ተጋሩ ኣሕዋትናን እንታይ ተእምር ከም እንሰርሕ ስለዝፈልጡ እዮም። ብዘይ ሕብእብእ ድማ ይዛረብሉ ኣለው። ንሕናውን ንቕርዓት ነውጻኣዮ ሓፋሽ ይፍለጦ። ንሱ ድማ ከምቲ መጋቢ ሐዲስ እሸቱ አለማየሁ ከይተፈለጦ ዝበሎ እዩ “እዞም ኤርትራውያንን ተጋሩን እዚኦም ዕድል እንተ ረኺቦም ስላም እንተ ጌሮምን ኣንተታሓባቢሮምን ኣይክንክእሎምን ኢና። ነቲ ናይ ሓሶት ገባቲን ዓብላሊን ታሪኽና ከጋልጽዎ ክርዕምዎን እዮም። ክንፈላልዮምን ፈላሊና ከነዳኽሞም ክንጽዕር ኣዩ ዘድልየና። እቲ ናይ ምንሊክን፣ ሃይለስላሰን ካለኦትን ንምብትታኖም ንምባእሶም ዝተገብረ ሜላን ብልሓትን እንዳተጠቐምና ኢና ብቐጻሊ ኣብ ሞንገኦም ቅርሕንቲ ክንፈጥር ዘለና”። ስለዚ ነዚ ኩነታት እዚ ንምፍጣር እነሆ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ መዳያዊ ኣጽናቲ ኣሎ፡ ዝባሃል ወራሪ ኣኽቲቶም ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ወረራ ከፊቶም ንህዝቢ የባሳብሱ፣ ንህዝቢ ከቢቦም ብጥሜት የሳቕዩ፣ ንብረት የዕንው፣ ህዝቢ ይቐትሉ ኣለው። (2) እቲ ኣምብራጦርያዊ መስፍናዊ ሕልሞም ከተግብሩ ኣንተድኣ ኮይኖም፣ ንተጋሩ ኣዳኺሞም ናብቲ ናይ ኣሃዳዊ ምዕሪት ክምልኡዎምን ክጽንብርዎምን ብኸምኡ ድማ ናብ ንኣሽቱ ዞናታት ቀይሮም መንነቶም፣ ክብርታቶም፣ ቋንቋን ያታን፣ ወዘተ ነበረያ ነበረ ክገብሩ እዮም እዚ ኩሉ ዝፍሕትሩ ዘለው፣ እነሆ እቲ ገባቲ ተግባር ብኹሉ መዳያት ከተግብርዎ ምስ ዘራያቶምን ዓንገልቶምን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ዘይፍንቅልዎ እምኒ እውን ኣይክህሉን እዩ። ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ ናይ መንነት ሕቶ እዩ፣ ናይ ህዝቢ መባእታዊ ክብርታት ሕቶ እዩ። ብሽርሕን ብተንኮልን ብዓመጽን ብወታሃደራዊ ሓይልን ነውራም ገባቲ ኣሃዳዊ ሓይሊ ዝምብርከኽ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይን ተታሊሉ ይኹን ኣሜን ኢሉ ሰጊዱ መንገዱ ይስሕት እዩ ማለት ዘይኮውን እዩ። ዘበት እዩ፣ ናይ መሰረታዊ ናይ ህልውናን፣ መንነትን፣ ባህላውን፣ ሰብእዊ ክብርታትን ሕቶ ስለዝኾነ። እዚ ክርዳኣና ኣለዎ ዝተዘርበ እንደተዘርበ። ናይ ዝሓለፉ 140 ዓመታት ክፉእ ናይ ዓመጽትን ገባቲ ታሪኽ ህያው እዩ ኣብነፍሲ ወከፍ ኣእምሮ ትግራዋይን ከምኡውን ኤርትራዊ ክስትንተን ኣለዎ። ተመሊስካ ህላውነትካን፣ መንነትካን፣ ቋንቋኻን፣ ያታኻን፣ ክብርታትካን ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ሰብእውነትካ ከም ዘይህሉ ምግባር ስለዝኾነ ዘይሕሰብ እዩ። 3. እዞም ኣሃዳውያን ትምኽሕተኛታትን ንሕና ብዙሓት ኢና ናይ ኢትዮጵያ ተሓለቕቲ ኢና ምባል እምበር ካልእ መዋጽኢ ኣንጻር እቲ ውድዓዊ ሓቂ ካልእ ዘንብሮም ከምዘየልቦ ስለዝፈልጡ፣ ናይ መንነት ቅልውላው እውን ስለዘለዎም ፣ እነሆ ብዕውር ጽልእን ተንኮልን ጭካነን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሚቶም ኣለው። ታሪኽ ከምዝምስክሮ ድማ ናይ ካለኦት ህዝብታት ብፍላይ ኣብ ደቡብን ምብራቕን፣ ደቡብ ምዕራብን ኣብታ ሃገር መሬትን ዓድን ወሪሮም ተረስትዮም ነፍጠኛታት ኮይኖም እንታይ ከምዝገበሩ ንፈልጥ ኢና። እታ ሓንቲ ጥሙሖም ድማ “ጨፍሊቕካ ጨፋሊቕካ ሓንቲ ሃገር፣ ሓደ ናይ ዝተፈብረኸ ታሪኽ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ልቦና፣ ከምኡውን፣ ወዘተ” ዘለዋ እብራጦርያዊት ኢትዮጵያ እንደገና ናይ ምጥያስን፣ ቀጻሊት ናይ ምግባርን እዩ። መን ከምዘይምለኸሎምን ከምዘይብዳሃሎምን ይፈልጡ እዮም ብርዱእ ምኽንያት። መን ወራሲ ታሪኽን ያታን ክብርታትን ስልጣነን ናይ ዝሓለፈ ሽሕ ዓመታት ከምዝኾነ ይፈልጡ እዮም። ብፍላይ ኤርትራውያንን ተጋሩን ከም እሕዋት ህዝብታት ኣንተተሓባቢሮም ከምዘብድሁሎም ፍሉጥ እዩ። እወ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ምዃኖም ታሪኽ ክብርታትን ይመስክር። እቲ ትግራይትን ትግርኛን ዝሕመረቱ ግእዛዊ ሳባዊ ውርሻ ይመስክር። እዚ ኩሉ ይፈልጥዎ ድማ እዮም፣ ናይ ትማሊ ቅድሚ ትማሊን ህያው ታሪኽ ስለ ዘሎ። ብኡ ምኽንያት እዮም ብምሉእ ሓይሎም ብዙሕ ዝጽዕሩ ዘለው። እታ ርእሶም ተናውጾም ድማ እዚኣ እያ፡ “እዚኦም ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣንተድኣ ተሳማሚዖም፣ ሰላም እንተድኣ ፈጢሮም ኣብ መንጎኦም። ብሓባር እንተድኣ ንማሕበረ-ቑጠባ ምዕባለ ሰሪሖም ኣይክንኽእሎምን ኢና ብምባል ኣነሆ ብሰፍነግ ሓሞት ሰትዮም ፈንጠራዕ ይብሉ ኣለው። 4. ናዓና ንኤርትራውያን ሃገርና ኤርትራ ክትምዕብል፣ ክትስውድን፣ ኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን እውን ኣንተድኣ ብሰናይ ጒርብትናን ተሓጋጋዝነትን ሰላም ረኺቦም፣ ነቲ ቦታ ስልጡንን መስሕብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝገብሩዎ ኣዳዕዲኦም ይፈልጡ እዮም። እዚ እዩ ሑሕ ዘብሎም ዘሎ። ሆ ዘብሎም ዘሎ። ምናውራታት ኣንዳማሃዙ ንዓና ከባእሱ ህርድግ ዝብሉ ኣለው (ርኣይዎም እቶም ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ናይ ድሑር ፕሮፖጋንዳን ናይ ብዕራይ ወለደን ማይ ቀጠነን ሓሶትን ብቐጻሊ ዝነዝሑ ዘለው ናይ ኢትዮጵያ ከምኡውን ናይ ህግደፍ ደገፍቲ ሶሽያል መዲያታትን። (4) ሕዝቢ ኤርትራውን ኣብዚ ዘለዎ ኩነት እዚዩ ተኣፋፊን ናይ ዝመጽእ 70-80 ዓመታት ነጥበ መቐይሮን ከምጽእ ተራ ዘለዎን ወሳኒን ጉዳይ ምዃኑ ክርደኦ ኣለዎ። ሕጂ እዩ እቲ ጊዜ ምሉእ ደገፍናን ተሓባብረትናን ምስ ሓውና ጅግና ህዝቢ ትግራይ ብግብሪ ንገልጽሉ። ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ወሳኒ ጉዳይ እዩ ድፋዕና ነጠናኽር ካብ ናይ ዳሕራይ ዘየዋጽእ ጣዕሳ። ወላ እቶም ንኤርትራ ንሓልየላ ኢና ዝብሉ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተደናገጽትን ኣባላትን ከይተረፉ ካብቲ ዘለውዎ ናይ ጌጋ ኩነተ ኣእምሮ ወጺኦም ኣዝዮም ክሓስብሉ ኣለዎም። ሕጂ ናይ ውጽኢት ዘይርከቦ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጊዜ ኣይኮነን። እዞም ብዙሕ ዝዛረቡ ዘለዎ ተደናገጽቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ይሕሰቡሉ እንተድእ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ዝግደሱ ኣንተ ኾይኖም። እወ ክንጸቕጠሉ ዘለና ድማ እዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ናይ ሞትን ሕየትን ህዝባዊ ቃልሲ ኣብዚ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ እዩ። (5) ንኹሉ ኤርትራዊ ኮነ ትግራዋይ ድማ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ፈላሊኻ ምርኣይ ከድሊ እዩ። እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተረደኦ ይኸይድ ኣሎ ቃሉን ደገፉን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ብዙሕ መድረኻት የስምዕ ኣሎ። ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ ከምዝባሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ዘንብሮ ቀደም ይፈልጦ ኣዩ ኔሩ ሕጂውን ዘዋጽኦ እንታይ ምኻኑ ነዞም ሕሉፋት ደግፍቲ ህግደፍን ተበለጽቲ ኣሃዳውያን ኢትዮጵያ በተግባር ክነግሮም ጀሚሩ ኣሎ ኣበርቲዑ ድማ ክቕጽል እዩ ዘየጠራጥርን እዩ። ደጊምሲ ይኣኽለና ክንጋገ የብልናን እቲ ውጽኢት ጌጋና ብዙሕ ዋጋ ስለ ዘኽፈለና፣ ሕጂ እውን ካብቲ ዝሓለፍናዮ ብዕጽፊ ከኽፍለና ስለዝኾነ። እንተ ተጋጊና ኣብ ህዝብን ሃገርን ምጥላዕ ማለት እዩ። እቲ ጉዳይና እውን ኣብ ናይ ሓደ ክፉእን ተንኮለኛን ጃንዳ ኢስያስን ትካሉን ሰኪዔት ምእታው ኣንተኮይኑ፣ ኣቲ ዝመጻና ሓደጋ ንኽትሓስቦ ዘሸግር እዩ ዝኸውን። ናይ ህዝቢ ሓላፍነት እዩ ክሓስበሉ እቲ ዘዋጽእ። ነዚ ምርዳእ ሕጂ የድልየና ኣሎ ከይደንጎና ናይ ኣፈርክቡ ጉዳይ ስለዝኾነ። (6) ህዝቢ ኤርትራ መበቆሉን፣ ያትኡን፣ ክብርታቱን፣ ባህሉን መናብርቱን ሓውን ናይ ሓዋሩ ደጋፊኡን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ብውድዓዊ መርትዖ ምኽንያት። እቲ ዝበዝሕ ሓፋሽ ህዝቢ እውን ብዓይኑ ዝርእዮን ኣብ ደልሃመት ቅድሚ ሕጂውን ዘእተዎ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ምቹእ መድረኽ ክፍጠረሉ ነፍሲ ወከፍና ንጽዓር። እወ ካብ ህዝቢ ኩሉ ዝከኣሎ ከምዝኾነ ካብ ሓዝቢ ዘምልጥ ከይዘየሎ ምፍላጥ። ክልቲኡ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ድማ ናይዞም ውሑዳት ጃንዳ ህግደፍን ዕሙታት እእምሮኦም ዝተሓጽበን ዝሰንከለን ዝበልዑዎ ጥራይ ዝፈልጡ ደገፍቶምን ዝዝረብ ዘሎ ወዛልን ድሑርን፣ ናይ ደንቆሮን ዘረባን ፕሮፖጋንዳን ዋጋ ክህበሉ የብሉን። (7) ኣብዚ ከም ሕመረት ነጥቢ ሓሳብ ንምድጋም ድማ፣ እዞም ጸላእቲ ህዝቢታትና ድማ እንተሓቢርናን ኣንተደጋጊፍና ኣብ ማይ ዝኣተወ ጨው ከምዝኾኑ ይፈልጡ እዮም። ዓቕሎም ጸቢብዎም ብሓደገኛ ኣካያይዳ ፈላልዮም ከምበርክኹናን ክግብቱናን ከም ድርዳር ስጋ ዝረኣየ ኣራዊት ኣፎም ከፊቶም ክውሕጡና ይህንደዱ ኣለው። ግን ሕጂስ ደው በለለይ ክብለጸልካ ከምዝኾነ ብዙሓት ለባማት ይነግሩና ኣለዎም ንስማዕዮም ኢና። እወ ኣይከውንን እዩ ድማ ንህዝቢ ዝስዕር ኣብ ታሪኽ ስለ ዘይተራእዬ። ይኣኽለና ዝሓለፉ ዘበናት። (8) እታ ወሳኒት ጊዜ ድማ እዚኣ እያ ንዓና ንኤርትራውያን። ምዩቕ እናበልና ንኸይንነብር ዘዋጻኣና ስትራተጂካዊ ስልቲ ክህልወና ኣለዎ። ክንፈልጦ ዘለና እቲ ሓደጋናን ሽግርናን ገፊሕ እዩ። እቶም ስሱዓትን ውልቀ መለኽትን በዚ ኮነ በቲ ዘለው ዝሓልምዎ ድማ ህዝብና ዓቕምን ብቕዓትን ስኢኑ፣ ተዘርዚሩን ሃሲሱን ጽግዕተኛ ገንሸልን፣ ጊልያን መዝሓል ጥይትን ኮይኑ ክርእዪ እዮም ዝሓልሙ። እንተ እቲ ጉቡእና ዘይፈጸምና ግን ተፈጥሮ ኋጓፍ ስለ ዘይትፈቱ እቲ ናብ ዓድናን መረበትናን ጽግዕተኛን ጊልያን ወሰንተኛን ክንከውን ንነብስና ንፈርድ ኣለና ማለት እዩ። እዚ ንኹልና ክስቆረና ኣለዎ፣ እወ ንፍለጦ። ዓይንና ድማ ቋሕ ነብል። እዚ ሓደጋ እውን ኣሎ እዩ ክስወጠና ዘለዎ። ኣብ መምዓልቱ ዝቀያየር ጊዜን ፖለቲካዊ ተርእዮን ኢና ንዕዘብ ዘለና። ኣሽንኳይ ንሕና ገና ብኽልተ እግርና ጠጠው ዘይበልና፣ ዓርሞሸሽ ሃገራት ዝነበራ እውን ነበረያ ነበረ ክኾናን ሕማቕ ኣዋዳድቓ ክወድቃን ርኢናን፣ ተዓዚብናን ሰሚዕናን ኢና ኣብዛ ዓለም። ኣርሒቕና፣ ኣጽዒቕና፣ ኣንዊሕና፣ ኣዕሚቚና ድኣ ንሕሰብ። (9) ብሕውነት ምንባር ምስ ጎረቤትካን ሓውካን ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ተሓባቢርካን ተደጋጊፍካን ምንባር ድርዒ፣ ነቕ ዘይብል ድፋዕ ናይ ክልቴና እዩ። ከም ኣሕዋት ህዝብታት፣ ንሕና ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣሕዋትናን መንነትና ክብርታትና ዓቂብና ኣድሚዕናን ክንነብር ምድግጋፍን ምትሕብባርን ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ኣብዚ ጊዜ እዚ የድልየና ኣሎ። ፈቲና ጸሊእና ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ቦታ ኢና ኩልና ንርከብ ዘለና። እወ እቲ ዝወርድ ጉድኣት ናይ ኩሉና እዩ። ድሮ እኳ ንርእዮ ኣለና። እቲ ዝዓበየ ዕዳስ ክንዲ ኣቐዲምካ ዘዋጻኣካ ስትራተጂካዊ ኮንካ ምሕሳብን ዘዋጻኣካ ጠጠው ኢልካ ምስትንታንሲ፣ ብኣምሮ ሕጽበት ህግደፍ ተሓጺብካ ኣንጻር ነባራዊ ህልውናኻን ምዕባሌኻን ጠጠው ማብል ማለት እዩ። ናትና ነገር ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ እንተኾይኑ ግን ብርግጽ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብቐጻሊከምጻኣልና እዩ ብቐጻሊ ህልውናና ከም ህገርን ህዝብን ዘይጽወርን ሓደገኛን ድማ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ፈታኒ መድረኽ እዚ፣ ናይ ህልኽ ፖለቲካ ገዲፍና በቲ ዘተሓባብረና ድኣ ንተሓባበር እምበር። ገንሸል ናይቶም ንውልቃዊ ረብሓታቶምን ጥሙሖምን ኣቐዲሞም ክፈላልዩና ዝደልዩ ስሱዓትን ተበለጽትን ገበትን ኣይንኹን። ኔው ንበሎም። እቲ ናይ ምዕባለ መስርሕ ዘይጉሰ ስለ ዝኾነን ህዝቢውን ዓርሞሸሽ ሓይሊ ስለዘለዎ፣ ህዝብና ኣብ ዓምጣሪ ኢድ ሓላፍነት ዘይስመዖም ከምበዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ተንኮለኛታትን ቂመኛታትን ኣጽነቲን ተጎተቲ ኣይንኹን። ፈቲና ጸሊእና እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ምቕያሩስ ዘይተርፍ ክውንነት እዩ። ግን እጃምና ነበርክት ናይ ቀዳምነት ዕማምና እውን ክኸውን ኣለዎ ምእንቲ ከም ሃገርን ጥርኑፍ ህዝብን ምእንቲ ክንነብር። ነዚ ኹሉ ናይ ጥፍእት ዋዕዋዕ በዝን በትን ከም ንስሪ እንዳጠመትና ከም ኣንበሳ እንዳጓዘምና ክንሕልዎ ኣለና ብዝኾኑ ዘቘጸልጸሉን ብምቁር ማዓር ዝተዓብለሉ መታለልቲ ቓላት ናይ ፖልፖታውያን ጃንዳ ህግደፍ እንዳተታለልና ኣይንንበር። እቲ ቀንዲ ናይ ጊዜ ሕቶ እዩ ነቲ ዘይተርፍ ድማ ነቀላጥፎ ። እቲ ንሕና ኤርትራውያን ንደልዮ ማለት ህላውነትን ምዕባለናን ምዕባለ እሕዋትና ተጋሩን ቀጻልን ከም እምኒ ዓረን ዝኸውን ድማ ምምልላእ ምስዝህሉ እዩ። ምዕባለ ግድነታዊ ተማላላእነት እዩ ዝሓትት ። እንደገና ንኽንፈልጥ፣ እቲ ንዘላቒ ዘዋጻእና ድማ ንሱ እዩ። ብባዓል ኢሳያስ ዝተሳወረ ሕዱር ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳኢናን ኣብራሲናን እዩ። ሰሰናዩ ንህዝታት ኤርትራን ትግራይን። ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ክዕወቱ እዮም ብሓዊ ዝተፈተኑ ወርቂ ስለዝኾኑ።
ህላዊ ሰናይ (01/26/2022)
“ብፍላይ ኤርትራውያንን ተጋሩን ከም እሕዋት ህዝብታት ኣንተተሓባቢሮም ከምዘብድሁሎም ፍሉጥ እዩ። እወ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ምዃኖም ታሪኽ ክብርታትን ይመስክር። እቲ ትግራይትን ትግርኛን ዝሕመረቱ ግእዛዊ ሳባዊ ውርሻ ይመስክር። እዚ ኩሉ ይፈልጥዎ ድማ እዮም፣ ናይ ትማሊ ቅድሚ ትማሊን ህያው ታሪኽ ስለ ዘሎ። ብኡ ምኽንያት እዮም ብምሉእ ሓይሎም ብዙሕ ዝጽዕሩ ዘለው። እታ ርእሶም ተናውጾም ድማ እዚኣ እያ፡ “እዚኦም ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣንተድኣ ተሳማሚዖም፣ ሰላም እንተድኣ ፈጢሮም ኣብ መንጎኦም። ብሓባር እንተድኣ ንማሕበረ-ቑጠባ ምዕባለ ሰሪሖም ኣይክንኽእሎምን ኢና ብምባል ኣነሆ ብሰፍነግ ሓሞት ሰትዮም ፈንጠራዕ ይብሉ ኣለው”
ህላዊ ሰናይ (01/26/2022)
ትማሊ ፣ ወያኔ ኣብ ስልጣን ከለዉ ፣ ጉዳይ ዶብ ሕጋዊ መደምደምታ ክግበረሉ ፣ ብቡዙሓት ሃገራት ተለሚኖም ፣ ኣቢዮም።
ትማሊ ፣ ንኹለን ብሄራት ከም ዘይበሉ።
እዚ ናይ ሓሶት “እሕዋት እና” ፣ ይኣክል።
ሓቂ ዶ ክንዛረብ ወይስ ፣ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ዕንክሊል ክንነብር ?
– ንህዝቢ ኤሪትራ ፣ ኩሎም ጎረባብቱ ዝኾኑ ኣህዛብ ፣ እሕዋቱ እዮም።
ምስቶም ኩሎም ኣብ ዶባት ዘለዉ ፣ ታሪክ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ናይ መዉሱቦ ዝምድና ዉን ኣለዎ። ትግረ ዝዛረቡ ደቂ ቆላ ፣ ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝዳወቡና ኣሕዋት እዮም።
ትግርኛ ዝዛረቡ ደቂ ከበሳ ፣ ምስ ቡዙሓት ዝዳወቡና ደቂ ትግራይ ፣ ናይ በተ-ሰብ ዝምድና ኣሎዎም። ዓፋርን ሳሆን’ዉን ፣ ኣብ ዶባት ጂቡትን ኢትዮጵያን ምስ ዝዳወቡና ፣ ኣሕዋት ኣለዎም።
ስለዚ ፣ “እሕዋት እና ” ምባል ፣ ንሱ ኣይኮነን ጸገምና።
– ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ዘሎ ማህሰይቲ ፣ ብፍላጥን መደብን ወያነ ፣ ህዝቢ ዋጉኡ ክኸፍል ሙዃኑ እንዳ ተፈልጠ ፣ ኣሕዋት እና ከይተባህለ ፣ ኣብ ስልጣን ከሎዉ ፣ ንሶም መሰረት ዝገበሩሉ ጉጉይ ፖለቲካ እዩ።
ጉዳይ ዶብ ተወንዚፉ ንኽተርፍ ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ፣ብምልኪ ታሓኒቁ ዘሎ ህዝብና ፣ ዕጫ ሶማል ንክረክ ዘይፈተኑዎ ሜላ ኣይነበረን።
ሕጂ ፣ ብሓቂ ኣሕዋት እና ፣ ዝብሉ እንተ ሃሊዮም ፣ ኩሉ እቲ ከባእሰና ዝኽእል ነገራት ፣ ንፍታሓዮ ክብሉ ይግባእ ። ዶብ ፣ ነገር መድለይ ንክኾዉን ፣ ሕጂ’ዉን ይጽናሓልና እንተ እሎም ግን ፣ ንሶም’ዉን ክኸስሩ ሙዃኖም ክፈልጡ ኣሎዎም።
– ኢትዮጵያዊያን ፣ ኣብ ምንጎኦም ሰላም ክህሉ ድልየትና እዩ። ንሕና ከም ጎረበት ሃገር ድማ ፣ ካብ ሰላም ተረባሕቲ ኢና።
ንዑ ምሳና ተሰለፉ ዝብል ፣ ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ኣዉያት ግን ቁቡል ኣይኮነን።
ዉግእ ሓድ-ሕድ ናይ ሓባር ዕንወት እዩ።
ኩሉ ንህዝቡን ሃገሩን ቅሳነትን ራህዋን ዝምነ ፣ መገዲ ሰላም እዩ ዝመርጽ።
ሰላም ንኹላህና ይኹን።
‘እዚ ናይ ሓሶት “እሕዋት እና” ፣ ይኣክል።’…W.H., you can palpate the surface of the belly with eyes closed and give a diagnosis, you can smell the familiar whiff from miles away… this malignant ‘brotherhood’ is what got us in this strange neighborhood we reside today to begin with… I identified the enemy early and often and I fought him ferociously and paraded him back where he came from but, this elusive ‘brother’ blind-sided me, he is shifty, he can change is color like a chameleon… harvest my organs alive and build a villa on my father’s land he confiscated… this ‘brother’ who deprived me of my mother’s love and affection when I needed it most… and still doing it 2 generations later.. so much for brotherhood!
Dear W.H. keep it simple and real as always… no sugar coating.
“ኢትዮጵያዊያን ፣ ኣብ ምንጎኦም ሰላም ክህሉ ድልየትና እዩ። ንሕና ከም ጎረበት ሃገር ድማ ፣ ካብ ሰላም ተረባሕቲ ኢና።
ንዑ ምሳና ተሰለፉ ዝብል ፣ ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ኣዉያት ግን ቁቡል ኣይኮነን።
ዉግእ ሓድ-ሕድ ናይ ሓባር ዕንወት እዩ።
ኩሉ ንህዝቡን ሃገሩን ቅሳነትን ራህዋን ዝምነ ፣ መገዲ ሰላም እዩ ዝመርጽ።
ሰላም ንኹላህና ይኹን።”
እዘን ኣርባዓን ሓሙሽተን ቃላት እንታይ ይጎድለን?
፻፱ ካብ ምእቲ እንተ ኣጎናፈጽናየን ይበዝሐንዶ?
በሉ፣ ነታ ተፈታዊት ኤርትርያ አንተዘይረሲዕናያ፣ ፍረዱሞ ዓዲ ንእቶ::
ሰላማት ኩቡራት ኣሕዋተይ ዶቶረን ረዘነን ፣
ከመይ ትቅንዩ
ኣብ ትግራይ ፣ ዉግእ ጠጠዉ ኢሉ ፣ ኣብ ሞንጎና ነባሪ ሰላም ክህሉ ዘይደሊ ሰብ ዘሎ ኣይመስለኒን።
ካብ ኩሎም ሸነኻት ፣ ኣብዚ ዉግእ’ዚ ብከንቱ ዝሞቱ ዘለዉ መንእሰያት ፣ ኣብ ምዕባሌ ናይዚ ከባቢ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ምሃለዎሞ።
ንጸገማት ፣ ብቀዳምነት ብሰላም ክትፈትሕ ምሕሳብ ግን ገና ፣ ከም ባህሊ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓይልታት የለን። ብሰንኩ ፣ ናይ ዉግእ ሓዋሁ ቀጻሊ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ትግራይ ፣ ናይ ኣማኢት ኣሻሓት መንእሰያት ፣ ዳሃይ ከም ዘየለ ክዉረ ቀንዩ። ተመሳሳሊ ወረ ብሸነኽ ኤሪትራ እኳ እነተ ዘይተሰምዐ ፣ ዉሑድ ዘይኮነ ጥፍኣት ተረኺቡ ከም ዝህሉ ንስቶ ኣይመስለንን።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንከለዉ ፣ ” ዋናታት ባሕሪ ክንኮዉን እንየና … ” ዝብሉ ምህላዎም ፣ ብጣዕሚ ዘደንጹ እዩ።
“ነገር ዘይጸገበ ፣ ጓል ዋጣ ይሕጸ ” ከም ዝባሃል ፣ ነግራማት “ደደባት” ዉሑዳት ኣይኮኑን።
“ደደቢት መዲያ” ፣ ዉእግ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ይመስሎም ዳኣ ከይህሉ ?
ሃገር ናይ መንግስቲ ወይ ዉድብ ንብረት ከም ዘይክነት ምዝካሮም ኣድላይ ብሞንባሩ ፣ ኣማንኤል እያሱ ፣ ብዋጋ ኤሪትራ የገልግሎም ከም ዘየለ ገሊጾሎም ኣሎ። ዝምስገን ሱጉምቲ እዩ።
ኣንቱም “ደደባት” ልቢ ግበሮ።
ምስ ህዝቢ ኤሪትራ ፣ ብዘይካ ሰናይ ጉርብትናን ሕዉነትን ፣ካልእ ዘዋጻኣኩም ኣይኮነን።
‘ንጸገማት ፣ ብቀዳምነት ብሰላም ክትፈትሕ ምሕሳብ ግን ገና ፣ ከም ባህሊ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓይልታት የለን። ብሰንኩ ፣ ናይ ዉግእ ሓዋሁ ቀጻሊ እዩ።’… indeed W.H… for over half a century.
Armed to the teeth, even the NATO and the Russians are giving peace and diplomacy a chance… but here we are nations and soon vying to be a nation at the bottom of totem pole, couldn’t even feed their people 3 square meals a day, one trying to wipe another from the face of the earth… no wonder the world looks away and pretends it is happening in planet krypton.
“ ውድዓዊ መልእኽቲ ንኽቡር ህዝቢ ኤርትራ”
ሰላማት: እስኪ ንድሕሪት ተመሊስና ንርኣዮ ናይ ዝሓለፈ ህይወትና
ብመስተንከር ዝኾነ ናይ ሰላስ ዓመት ኵናት ኤርትርያ ብመጀመሪያ ታሪኻዊ ገድሊ ሓርነታ ተጎናጸፈት
ካይዋዓለት ካይሓደረት ከዓ ምስጢራዊ ጋዶ ተጎናጸፈት
ንየማን ኣይትብሎ ንጸጋም ንቕድሚት ኣይትብሎ ንድሕሪት
መጸ ወዲ ዓዲ ክኸውን መራሕ መንግስቲ፣ ፈተኽን ጸላእክን
እሞ ሕጅኸ ናበይ ኣቢሉ አዩ አቲ ጋዶ
ፈተና ጸላእና መንገድና ኮይኑ ኣሎ ንማዕዶ
ኣሪቨደርቺ ተፈታዊት ኣዝማሪኖ፣ ኣይተዓደልክን ክትኮኒ ሓራ አረ።
እኳድኣ መንገዲ ይጽረገልኪ ኣሎ ክትኮኒ ታሕትን ላዕልን ጉዞ
ኣየ ዕድል፦ አንታይኮን በዲልና ኢና ኣንታ ክቡር የዋህ ፈላጺ ቆራጺ ኣባጅጎ
ሰላማት ረዘን ን ኩቡራት ኣሕዋተይ
ንዑ ኣብ ጎንና ኮይንኩም ተዋጉኡ ፣ ዝብል መልእኽቲ ወያነን መሰልቶምን ፣ ከደናግረና የብሉን ።
መንግስትን ህዝብን ሓደ ኮይኖም ኣይጠፈልጡን።
መንግስትን ህዝብን እንዳበልካ ኣብ ዝግበር ኣሽካዕላል ፣ እቲ ቀዳማይ ግዳይ ህዝቢ እዩ።
ናይ ህዝቢ ርእቶ ሰሚዖም ዘይፈልጡ መለኽቲ ጉጂለታት ወይ ስርዓታት ፣ ቀጻልነቶም ምዉሓስ ብቀዳሞነት ሰሪዖም ፣ ኣብ ኣግላሊ ፖሊቲካዊ ቁርቅስ ፣ ንፍርቂ ክፍለ ዘመን ተጸሚዶም ይርከቡ።
ንኻልኦት ዕድል ዘይትህቡ ንዝበለ ኩሉ ፣ ካብ መገዶም ኣንዳ ኣለዮ እዮም መጺዮም።
ናይ ህዝቢ ርእቶ እንተ ዝስማዕ ፣ እዚ ዉግእ’ዚ ኣይምሃለወን።
ናይ ህዝቢ ነጻ ርእቶ ዝስማዓሉ ፣ ሕጋዉነት ዘለዉ ፣ ሓቀኛ ፖሊቲካዊ መስርሕ ኣብ ከባቢና የለን።
ናይ ህዝቢ ርእቶን ድልየትን ዘይዉክል ፣ ኣዝኽራሪ ፣ ኣግላሊ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ፣ ኣብ ስልጣን ንኽቅጽል ፣ ህወት ኣሻሓት መንእሰያት ምዉፋይ ዓቢይ፣ ገበን እዩ።
ብኣሳታፊን ዲሞክራሲያዉን መስርሕ ዝመጸ ፣ ምንጪ ሕጋዉነቱ ፣ ድልየት ህዝቢ ዝኾነ ፣ ቅዋማዊ መንግስቲን ትካላቱን ጥራሕ እዮም ፣ ነባሪ ሰላም ዘምጹኡ።
ኣብ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ዘሎ ዉሽጣዊ ጎነጽን ፖሊቲካዊ ወጥሪ ፣ ንዉግእ እንኮ ኣማራጺ ዝገበረ ኣይኮነን።
ዕድል እንተ ተዋሂቡዎ ፣ ህዝቢ ብወክልቱ ፣ ብሰላም ክፈትሖ ይኽእል እዩ።
ልብናን ጾሎትናን ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ንኹላህና ሰላም ይሃበና።
This prudent and factually sane perspective is unique in our homeland today like the person who is saying it. These 2 waring enterprises were in the business of manufacturing a specimen for decades, it looks they have achieved their goal in their respective own terms at home and the migrant diaspora– a specimen who thinks alike and executes commands remotely or proximally without question… the social media abound with multiple names and logos the more they speak the more they sound the same, the blood money permeates through the cyberspace staining the attires and studios of the mouthpieces and the loyal consumers get their buzz every day from it.
W.H., you are a breath of fresh air in this stench, you are a whiff of fragrance in this cesspool…
You are an endangered species!!
“It looks they have achieved their goal in their respective own terms at home and the migrant diaspora– a specimen who thinks alike and executes commands remotely or proximally without question…“
k.tewolde
ከመይ ትቅኒ ኩቡር ዶቶረ፣
እወ … እቶም ናይ እከይ ፖሮፓጋንዳ መማህራን ፣ ብሓቂ ታዓዊቶም። ብምልካዊ ስነ-ሓሳብ ዝተመልመለ ካድር ቡዙሕ እዩ ።
ካብ ላዕሊ ንዝማሓላለፈሉ ትእዛዛት ፣ ንታሕቲ ከም መቃልሕ ዝደግም። ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ናይ ምሕሳብ መሰል’ዉን ዝተነፍጎ። ጎዶሎ-ኣእሙሮ ኾይኑ ንኽነብር ዝተፈርደ ዜጋ።
ብሰንኩ ፣ እሰር ተባሂሉ ይኣስር ፣ ምኽንያት ከይሓተተ። ቅተል ተባሂሉ ይቀትል ፣ እንታይ ዝገበረ ከይበለ። ንሱ’ዉን ይስዕቦም ከግሮምሪም ምስ ጀመረ።
ንኹሎም እቶም ፣ ብሰንኪ ድኽመታቶም ፣ ንህዝቦም ንምብስባስ ፣ ብዘይ ዕረፍቲ ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት ፣ እቲ ኩሉ ዝካኣሎ ኣምላኽ ፣ ኣብ ልቦም ይምለሶም።
W.H. keep the home lights burning, eventually the lost cows will find their way back to their den.
Hopefully, you and me and plenty like us will be around to share a big kura full of fresh milk and savor the homecoming… AMLAK YIKA’ALOYU.
Eritreans and Tegaru are not brothers. He who profess’ such none sense is either an out right sellout or a simpleton. Eritreans are civilized people to whom justice and law are the Gold Stand of their lives, while Tegaru are barbarians who live in accordance with the Law of Jungle, which is affirmed, among many others, by their heinous crimes they perpetrated in the Amhara and Afar regions. Tegaru claim to an Axumite civilization but their barbarities contradicts their claim. Currently Black people are the majority in Washington D.C. but did they build it ? NO. It is the same logic with the Tegaru. Just because they are there does not qualify them for a title of ownership of civilization. No. Their outrageous and barbaric character disqualify them.