ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ
ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ
ጸሕፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ነቲ ጉዕዞ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ንምዕዛብን ንምድጋፈን ናብ ኢትዮጵያ ብዕለት 11/3/2023 ኣትዩ ። ብሊንከን ምስቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምኽትሉ ደመቀ መኮንን፣ ምስ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣቦ ወንበር ሙሳ ፋቂን ንመንግስቲ ትግራይ ወኪሉ ንኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተዘራሪቡ እዩ። ጌታቸው ረዳ ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ ናይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኮይኑ ተኣመሪጹ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እውን ኣጽዲቂሉ።
ብዕለት 16/03/2023 ጋዜጠኛ ፋና ዮናታን ዮሴፍ ንብሊንከን ከምዚ ኢሉ ይሓቶ፥ ኣብዚ መጺኻ ነቲ ውዕል ፕሮተሪያ ኣብ ምትግባሩ ምሕጋዝን ምስቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብን እዩ። ኣብዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውዑል ከምቲ ዘድሊ ይትግብሮ ዶ ኣሎ?
ብሊንከን ከምዚ ክብል መሊሱ፥ ኣነ ከም ዝመስለኒ ውዑል ፕሮተሪያ ጽቡቅ ይኸይድ ኣሎ – ኣብ ምድሓን ሂወትን ኣብ ምቅያር (ምምሕያሽ) ናብራ ኣገደስቲ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። ። ድምጺ ብረት ትም ኢሉ ፥ ሓገዛት ንትግራይ ይኣቱ ኣሎ፥ ንህዝቢ ኣገልግሎት ምሃብ ተጀሚሩ። ወተሃደራት ትግራይ ከቢድ ብረቶም ኣረኪቦም እዮም። ናይ ደገ ሓይልታት ይወጹ ኣለዉ። እሱ ጥራሕ ኣይኮነን ይበል ብሊንከን ካብ መንግስቲ ዝተነግረኒ ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያት ከም ተሓታትነት ናይቲ ተፍጺሙ ዘሎ ገበናት ክህሉ፥ መሰጋጋሪ ፍትሒ (Transtional justice) ኣብ ግብሪ ክውዕል ፍቃደኛታት ከም ዝኾኑ ።
እዚ ናይ ደገ ሐይልታት ይወጹ ኣለዉ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ። ኢሳያስን ሊሂቃን ኣምሓራን ገና ምሉእ ብምልኡ ኣይወጹን ። ብዙሓት ወብሳይታት ናይ ኤሪትራን ናይ ኣምሓራን ሰራዊት ኣብ ትግራይ ህዝቢ የባሳብሱን ገዛውቲ የፍርሱን ከም ዘለዉ የቃለሓ ኣለዋ። ይኹን እምበር ብሊንከን ንኣብይ ጸቅጢ ኣብ ምግባር ዝቑጠብ ዘሎ እዩ ዝመስል ። መንግስቲ ኣመሪካን – ሕብረት ኤሮጳን ናይ ኤሪትራን ኣምሓራን ሰራዊት ካብ ትግራይ ጨሪሱ ስለ ዘይወጸ እዮም ብቀጻሊ ክወጹ ዘዘኻኽሩ ዘለው። ከምኡ እውን ብሊንከን ምስ ጌታቸው ረዳ እንታይ ከም ተዛረበ ዝወጸ መግለጺ የለን። ሓንቲ ክትበርህ ዘለዋ ግን ብሊንከን ኣመሪካ ምስ ተመልሰ ዝሃቦ ዜና ዑደቱ ዕውት ከምዝነበረ እዩ። ነቲ ህዝቢ ትጽቢት ዝገበረሉ ማለት ሰራዊት ኤትጵያ፣ ኤርትራ ኣምሓራን ፣ ትግራይን ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ከም ዝፈጸሙ መብርሂ ሂቡ። ኣብይ ኣሕመድ ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ከይትኣቱ ኣብዩዋ ዝነበረ ብሕቡራት መንግስታት – ዝቆመት መርማርት ሽማግለ ከም ተቀበላ እውን ተገሊጹ።
ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወሃብ ናይ መሰል ወዲ ሰብ ዝግህሱ ሃገራት ዓመታዊ ጸብጻባት ንኣምሓራ ገበን ዓሌት ምጽናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝፈጸሙ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚኣ ንኣምሓራ ኣይተዋሕጠትሎምን። ኣንጻራ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ይዛረቡ ኣለዉ ።
ኩነታት ኣብ ባይታ ዝኸይድ ዘሎ ሪኢኻ ግን ሰላም ገና ዘተኣማምን ኣይኮነን። ኢልሳ ጭሩም ተጣባቂት፥ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኤሪትራውያን ኣብ ፈይስ ቡክ ከም ዝጸሓፈቶ፥ ኢሳያስ ንሓዲሽ ኩናት ይዳሎ ኣሎ። ኣብ ሚኒስትርታት ተወዚዖም ዝነበሩ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅድመ ክልተ ሰሙን ንሳዋን ካልኦት ቦታታትን ተወሲዶም ኣለዉ ግፋ ኣብ ሙሉእ ሃገር ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ በልጁም ዝመደበሩ ፥ ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፕሮግራም ምስ ኣፍሪቃ (EEPA. Europe External Programme with Africa) ከምዚ ይብል ፥ ኣብ ትግራይ ዞባ እገላ ሰራዊት ኤሪትራ ናይ ከቢድ መሳርያን ፍኪስ መሳርያን ልምምድ ብተደጋጋሚ የካይዱ ኣለው ።
ብዕለት 23/03/2023 ኣብ ወብ ሳይት ዝወጸ ምጽራይ የድልዮ እዩ እንበር ዘሰንብድ እዩ። እቲ ወረ ኤሪትራ ኣብ ራማን ሽራሮን ኩናት ከፊታ ዝብል እዩ። ኢሳያስ ኣይገብሮን እዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእለን ኢኻ። መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ሰላም ዕንቅፋት ከይገጥሞ ናተይ ኢላ እናጸዓረት ከላ ስለምንታይ ኢሳያስ ኣንጻር ሰላም ኣንጻር ድልየት ጃንዳ ኢሉ ዝጽውዓ ዘሎ ዘይመሰታኡን ዘይዓቅሙን ኣመሪካ ይዓይ ኣሎ ። እዚ ባህሪያት ኢሳያስ ንዓለም ገረሞ እዩ። ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃና ክፈልጡ ዝመራመሩ ምሁራት ይቃላቀሉ ኣለዉ። ብዕለት 22/10/2022 መጺሔት ብሉምበርግ ምስ ፕሮፈሶር ሃሪ ቨርሆኢቨን፣ ናይ ኤሪትራ ተማራማሪን ፈላጥን (expert) ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ምስ ዝገበርዎ ዝርርብ ንኢሳያስ ክገልጾ እንከሎ ከምዚ ይብል “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተኣደነ ሓደገኛ ወሳኔታት ዝወስድ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ዘይግድሶ ፖለቲከኛ እዩ ኢሉ ይገልጾ። ዋላ ካብ ዓለም ይነጸል ኢሳያስ ቀዳምነት ዝህቦ ስልጣኑ ከምይ ገይሩ ክም ዘናውሕ እዩ። ብወገኑ ሓደ ከንያዊ ጸሓፋይ “ኢሳያስ ብመገዲ ኩናት እዩ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኢዱ ክእቱ ዝኸኣለ ይብል። ኤሪትራውያን እውን ብወገኖም ኢሳያስ ብዘይ ኩናት ክነበር ኣይክእልን ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። መልሲ ሓንቲ እያ ኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ንኢሳያስ ክልተ ካብተን ንስልጣኑ ዘናወሓ ሓይላት ረቋሒታት እየን። እተን ካላኦት ምዕናው ነተን ንህዝቢ መሰሉ ዝሕልዋ ዓንድታ/ትካላት እየን። ካብኤን ሓንቲ ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኾና ሲቪላዊ ማሕበራት ከም ዘይፍቀድ ምግባር እዩ። ህዝቢ ብዘይ ሲቪላዊ ማሕበራት ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ዘይሕሰብ እዩ።
ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስትራተጂ ኣብ ግምት የእቲኻ ኣዚ ዝፍኖ ዘሎ ወረ ኤሪትራ ብወገን ራማን ሽራሮን ተኽሲ ከፊቱ ዝብል ኢሳያስ ኣይገብሮን እዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ ። ኩናት ውሕሰነት ስልጣኑ ከም መለከታዊ እምነት ስለዘወሰዶ ኣብ ውሽጣዊ ህዋሳቱ ሰሪጹ ይርከብ፥ (He has internalized this strategy in his system) ። ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ። ዓቅሚ ግን የብሉን ንህዝቢ ኤሪትራ ኣብ ዓዘቅቲ ኩናት የእቲዩ ድሕረይ ኤሪትራ ሳዕሪ ኣይብቆላ ዝዓይነቱ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
እዚ ኣምነት እዚ ግን ን 20 ዓመታት ሰሪሕሉ እዩ። ሕጂ ግን ንጥፋት ህዝቢ ኤሪትራን ጥራሕ ዘይኮነ ንጥፋቱ እውን እዩ። እዚ ኩናት እዚ ድሮ ኣሸሓት ሂወት ኤሪትራውያን ብኸንቱ በሊዑ። ከምቲ ኢልሳ ጭሩም ዝበለቶ ንስልጣኑ ንምሕላዉ ኣብ ኩናት ዝመትሉ ኤሪትራውያን ብብዝሒ ይግፈፉ ኣለዉ። እምነቱ ኣብ ሓውሲ ጽላለ ኣድሂብሉ እንተዘይ ከውን ስለምንታይ ኢሳያስ ምስ በዓል ኣመሪካ ይወዳደር ኣሎ። ዋላ ምስ ሩስያ እንተ ተዓራረኸ መሳሪሒኦም ይኽውን እምበር ማዕርነት ዘይብሉ ዝምድና ንረብሓ ሓያላት እዩ። ንሩሲያ ኣብ ኤሪትራ እግሪ ከምዝተኽሉ ገይሩ- ብውክልና ( by proxy) ኣንጻር ምዕራብ ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ዝገደደ ባርነት የእትውዎ።
“እምቢ ንኩናት ሕራይ ንሰላም፥ ዝጭርሕኡ ጎስጓስን ሰላማዊ ሰልፊን ብዲፕሎማሲያዊ ስረሓት ተሰንዩ ብቀጻሊ ክካየድ ኣለዎ። ብሓጺሩ ሀገሩ ንምድሐን ታሪክ ዝሰርሓሉ ጊዜ እዩ። እዛ ጊዜ ንጠቀመላ ንስርሓላ።
ኣብዚ ጊዜ እዚ ህዝቢ ኤሪትራ ብሓፈሽኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ሓያል ብድሆ ገጢምዎ ኣሎ። ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ እንተ መኪትዎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤሪትራ ዘሎ ህዝቢ ዓቢ ፍናንን መተባብዕን ምኾነ ነይሩ። እዚ ጊዜ እዚ ወሳኒ ጊዚ እዩ። ወይ ኣብ ኩናት ወረ ኩናትን ህዝብና ብህግደፍ ተጸሚዱ ይጥፋእ ወይ ድማ ፍትሕን ሰላምን ወሪዱ ሕዝቢ ኤሪትራ ኣብ ቁስሉ ምሕዋይን፡ ሂወቱ ምምራሕን፡ ዝዓነወት ሀገሩ ምህናጽን ክተኩር ዕድል ምርካብ። ፍትሒ ንህዝቢ ኤርትራ ኢልካ ጎስጓሳት ምክያድ ህዝቢ ዓለም ዝቅበሎ እዩ። ኣብ ወርሒ 7, 2014 ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ሽማግለ ኣብ 2016 ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ኣቅሪባ ፥ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ኤሪትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ብመራሕቲ ተፊጺሙ እዩ፥ እታ ሽማግለ ነቲ ጸብጻብ ሰኲሪቲ ካውንሰል – ኣብ ናይ ዓለም ፍርዲ ቤት ክቀርብ ጻዊዒት ኣቅሪባ ነይራ – ኣይቀረበን ግን። ሽዑ እያ ሽላ ከሳሩስ ፣ ፍልይቲ ኣቅራቢት (Special Rapportier) – ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ፡ ንህዝቢ ኤሪትራ የሕሊፍኩም ሂብኩሞም ኢላ ብቁጥዐ ዝተዛረበት፤ ኣብዚ ጊዜዚ ሐያል ተውሳኺ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ዘሎ ናይ ኩናት ገበንን ምግሃስ መሰል ህዝቢ ትግራይን እዩ። ከምልጥ ከኣ ኣይክእል እዩ ። ንደለይቲ ፍትሒ ሐያል ተወሳኺ ነጥቢ ከግልግል ይኽእል እዩ። ደለይቲ ፍትሒ ነተን ዘዔውታ ዘለዎ ጸጋታት ኣወሃሂዱ ዓቢ ጎስጓስ ከካይድ ይኽእል እዩ። ነቲ ስራሕ ዘሳልጥ ገንዘብ ምውጻእ ጸጋታት ናይ ምሁራት፣ ውፉያት ጸጋታት ወዘተ። እቲ ስራሓት ምስ ተጀመረ ናቱ ናህሪ ኣለዎ። ባዕሉ እዩ ዝዛረብ። ታርኽ ግን ክስራሕ ኣለዎ። ከምቲ ዝድለ እውን እንተዘይተዓዊቱ ናይ ሞራል ዕግበት ኣለዎ።
ሓደ ኣብነት መእሰያትና ብስም ብርገድ ንሓመዱ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምግባር ነቲ ብሰም ፈስቲቫል ንኩናት ዝውዕል ገንዘብ ምእካብን፥ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ምስዋርን- ንኤሪትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምፍርራሕን መኪቶሞ ኣፍሺሎሞ። ነቲ ፈስቲቫላት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዝስረዝ ብምግባሮም። ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ዓሲሎሞን፡ ብገንዘብ ኣዋጺኦሙሎም ። እዚ ውጻኢት ኣብ ባይታ ወሪድካ ምስራሕ ዘምጻኦ እዩ።
ይቅጽል
“ንደለይቲ ፍትሒ ሐያል ተወሳኺ ነጥቢ ከግልግል ይኽእል እዩ። ደለይቲ ፍትሒ ነተን ዘዔውታ ዘለዎ ጸጋታት ኣወሃሂዱ ዓቢ ጎስጓስ ከካይድ ይኽእል እዩ። ነቲ ስራሕ ዘሳልጥ ገንዘብ ምውጻእ ጸጋታት ናይ ምሁራት፣ ውፉያት ጸጋታት ወዘተ። እቲ ስራሓት ምስ ተጀመረ ናቱ ናህሪ ኣለዎ። ባዕሉ እዩ ዝዛረብ። ታርኽ ግን ክስራሕ ኣለዎ። ከምቲ ዝድለ እውን እንተዘይተዓዊቱ ናይ ሞራል ዕግበት ኣለዎ። ”
ጴጥሮስ ተስፋገርጊስ
ደንበ ፍትሒ ወይ ደንበ ተቃዉሞ ፣ ክሳብ ሎሚ ፣ ንስርዓት ኢሰያስ ዘስግእ ምጥርናፍ ክገብር ኣይካኣለን። ብሰንኪ ዉግእ ትግራይ ዝወሰዱዎ ተጻራሪ መርገጻት ፣ ናይ ሓባር ስትራተጂ ክህሉዎ ኣይካኣለን።
ስርዓት ኢሰያስ ፣ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ምትእትታዉ ሙኹናንን ፣ ንግዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብን ፣ ኡኹል ነይሩ። ካብኡ ሓሊፉ ፣ ምስ ወያነ ብሓንሳብ ክንሰሪሕ ኢና ምባል ግን ፣ ነቲ ጉዳይ ኣንፈቱ ክም ዝስሕት ገይሩዎ። ብሰንኩ ኣብ ደንበ ፍትሒ ፍልልያት ክህሉ ሩዱእ ነገር ኢዩ ነይሩ።
ሓድነት ኤሪትራ ዕላማ ዝገበረ ፣ ብዓሌትን ሃይማኖትን ህዝባ ናይ ምብትታን ፈተነ እንዳ ተኻየደ ፣ ንዑኡ ዝኹንን ፣ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ብመሪሕነት ወያነ ዝተዋህበ ዕላዊ መግለጺ ኣይነበረን።
ስለዚ ኣብ ጉዳይና ፣ ብዉጽኢት ተግባራቶም ፣ ኢሰያስን መራሕቲ ወያነን ፣ ሓደ ሙዃኖም ኣይሳሓትናን። ክልቲኦም ፈተዉቲ ኩይናት።
ህዝቢ ኤሪትራ ፣ ባዕሉ ግዳይ ጨካን ምልኪ ብምዃኑ ፣ ደቆም ኣብ ዘይምልከቶም ዉግእ ወፊሮም ክቀትሉን ክቅተሉን ክሪኢ ብድልየቱ ኣይኮነን። ቡኡ ምኽንያት ፣ ዓገብ ዘይበለ ዉሑድ ኢዩ።
ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ፣ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ሓቢሩ ንኽሰርሕ ምእንቲ ፣ ቀዳምነቱ ፣ ሓድነት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤሪትራዊያን ክኾዉን ኣሎዎ።
ወያነ ፣ ንህዝቢ ትግራይ ኣኽሲሮምዎ ፣ ግን እቲ ጉዳይ ንዖኦም ጥራሕ ኢዩ ዝምልከት። ንሕና ብዝኾነ ምኽንያት ፣ ምስ ወያነ ናይ ሓባር መደብ ክህልወና ኣይክእልን። ንሶም ናይ ትግራይ ህግደፍ ኢዮም። ብሰንኮም ኣብ ደንበ ተቃዉሞ ፍልልያት ክህሉ ኣይግባእን።
ብዘይ ሓድነት ፣ እዚ በላዒ-ሰብ ጉጂለ ምእላይ ኣይካኣልን። ስለዚ ትግራይ ባዕሎም ኣሎዉዎ ፣ ንሕና ኣብ ጉዳይና ነቶክር።
ወዳሓንኩም።
‘እዛ ጊዜ ንጠቀመላ ንስርሓላ።’ …
This moribund regime has been dead and reborn many times, this kind of opportunity came and went 1001 times, it looks like we favor nibbling at expired food because the taste is familiar, the stench of its carcass is so offensive it is sipping south of the border and beyond making people gag all day long… we don’t need sophisticated tools to bury it six feet under once and for all, all we need is make a decision to do so.
‘ንሶም ናይ ትግራይ ህግደፍ ኢዮም።’ carbon copy indeed W.H, and Hizbi Tigray will deal with them in due time.
W.H. reiterates, ‘ንሕና ኣብ ጉዳይና ነቶክር።’… let’s take care of this domestic decomposing pestilence so that we can breathe fresh air unless we are used to the funky odor.
ሰላማት እሕዋተይ
ኩቡር ዶቶረ ከመይ ቀኒኻ
“we don’t need sophisticated tools to bury it six feet under once and for all, all we need is make a decision to do so.”
ጹቡቅ ፣ ኣለኻ።
ህግደፍ ፣ ብፍላይ ሕጂ ፣ ካብቲ ሉሙድ ስሩሑ (ዉግእ) ክሰናኽል ጀሚሩሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ፣ ካብ መግዛእቶም ክገላገል ዝምነ ብቁጹሪ ዜጋታትና እንዳ ተዓጻጸፈ ይመጽእ ኣሎ።
እሞ እንታይ እዩ ጸገምና ዝብል ሕቶ ክላዓል ግድን ይኾዉን። ናዓይ ዝራኣየኒ ፣ ገለ ካብኡ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።
1. ጉጂለ ህግደፍ ፣ ብጭካነ ፣ ዝወዳደሮም የለን። ዝኾነ ምስኦም ፣ ንእሽተይ ጉዳይ ዘላቶ ፣ ዋላ መበገሲኣ ዘይምርድዳእ ይኹን ፣ ሞት ኢዮም ዝምነይሉ። ብድሕሪኡ ፣ ኣበይን ከመይን ንረኽቦ ኣብ ዝብል መደብ ኢዮም ዝሰግሩ። ቡኡ ምኽንያት ፣ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤሪትራ ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተሰሚዑ ዘይፍለጥ ፣ ዓሚቅ ራዕዲ ፈጢሮም ኣሎዉ። ኢዚ ፣ ብዘይ ናይ ህዝቢ ምድግጋፍ ፣ ምስዓሩ ኣይካኣልን።
2. ደንበ ተቃዉሞ ፣ ሓደ መሪሕነት የቡሉን።
ካብ ህዝቢ ዝእክብ ፣ ዝብትን ይበዝሕ።
ኣብ ቃልሲ ፣ ሃገራዊ ዕላማታት ከም ቀዳምነቱ ዝሰረዐ መሪሕነት እንተ ዘይሃሊዩ ፣ ዉጺኢቱ ዕንክልል ጥራሕ ኢዩ።
3. ሓደ ዝተማሓየሸ ሃገራዊ ቋም ፣ ከም ናይ ህዝቢ መዕሰሊን ፣ ናይ ጉዕዞ መወከሲ ሰነድ ከይገበረ ፣ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝሓሸ መተካእታ ሙዃኑ ንህዝቢ ከዕግብ ዝኽእል ፣ ፖሊቲካዊ ሓይሊ የለን። ህግደፍ ኣሊኻ ፣ ኣብ ቦቱኡ እንታይ ከተቀሚጥ ትደሊ ኣለኻ ፣ ህዝቢ ክፈልጥ ይደሊ እዩ። ዘረባ ፣ ኣይጠቅምን። ናይ ህግደፍ ኣሽካዕላል ፣ ክድገም ዝደሊ የለን። ኢቲ መገዲ ኑጹር እንተ ዘይኮይኑ ፣ ምሳኻ ዝገይሽ የለን።
4. ሃገራዊ ሓድነት ቀዳምነት ኩሉ ኤሪትራዊ ክኾዉን ኣሎዎ። ዉድብና ምባል ይኣክል። ሃገረይ ፣ ህዝበይ ንበል። ነንበይንና እንገብሮ ጻዕሪ ፣ ኣድማዒ ዝኾዉን ፣ ጡርኑፍ ምስ ዝኾዉን ጥራሕ ሙዃኑ ፣ ብተግባር ንሪኢ ኣለና። ሃገራዊ ጥርናፊ ፣ ናይ ዓወት መሰረታዊ ቅድመኩነት ኢዩ።
ብኣዉራጃ ፣ ብሃይማኖት ፣ ብዓሌት ንኽፈላለዩና ዝተዋፈሩ ሃሱሳት እንዳ ተኸተልና ፣ ንህግደፍ ክንኣሊ ኣይንኽእል።
ንምዝኽኻር ዛኣክል።
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት ኤሪትራ
Humble Opinion
IF I MAY SAY SO WITH UTMOST HUMILITY, I can’t resist commenting that the fellow is doing what HE WANTED TO DO — AT ANY COST >>> and in broad day light too !!!!!!!
He is so daring. Needless to say, the REACTION ought to be on the other side of the table.
The fellow survived for some sixty hears [correct me, please ] and still going strong and knudging elbows with International Respectable Leaders around the GLOBE. As the American expression goes goes, “GIVE ME A BREAK”.
THE END
Are you saying we should let him do what he is doing ?
Only someone who is insensitive to the suffering of his/her people say what you have just said …
I just couldn’t understand or rather accept what you were trying to say …. Are you serious ?
Come on … Rezen !!
QUOTE: Are you saying we should let him do what he is doing ? UNQUOTE
NOT AT ALL, NOT AT ALL, Dear ወዲ ሃገር
‘knudging elbows with International Respectable Leaders around the GLOBE’…. rezen, you’re not talking about the pariah of adi halo, if you are, the last video clip I saw was him cupping his hand behind his ear in Kenya trying to intercept a barrage of questions from Intenational press after years of confinement in his playboy retreat.
We are the shelf prolonging the shelf life and portraying the strongman image to otherwise a fallible pensioner who is having a hard time moving his bowels. I agree, “GIVE ME A BREAK”.
Let’s learn from Georgians and the Israeli people, yeah, bullies can be stopped—- just turn around and pop them in the nose.
Without us, they are nothing, unite and make the world a better place.
The Admin had deleted my message.
I hope they reconsider W.H., you are the one who keeps me glued here, besides the unflinching love for the people who made me leave the spoils of my childhood behind many moons ago. Asena, let’s keep the good conversation going, that’s all we got for now.
የቀንየለይ ኩቡር ዶቶረ
ኣሰና ዝሃበና ዕድል ከመስግን እፈቱ።
ግድን ኣይኮነን ኣብ ኩሉ ዝላዓል ጉዳያት ክንሳማማዕ። ናይ ሪኢቱ ፍልልያት ባህሪያዊ ኢዩ።
ብዓመጽ ፣ ብምግዳድ ኩሉ ሪኢቶኻ ክቅበል ምግባር ፣ ፍታሕ ኣየምጽእን።
ኣነ ዝብሎ ጥራሕ ክስማዕ ኣሎዎ ፣ ዝብል ሓሳብ ፣ ኣብ ግዜ ኢንተርነት ፣ ብግስ ከይበለ ፉሹል ኢዩ።
እንተርነት ፣ ካብ ዓፈና ህግደፍ ፣ ነጻ ገይሩና ኣሎ።
ብጉቡእ እንተ ተጠቂምናሉ ፣ ኣታሓሳስባና ከነማሓይሽ ፣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትና ዘለና ፍልልያት ከነጽብብ ፣ ንህዝብና ኣብ ዘዐዉቶ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ከነዕስል ፣ ዓቢይ ዕድል ረኺብና ኣለና። ግን ብሰንክ ናይ ኣታሓሳስባና ድኽመት ፣ ዝረአ ለዉጢ ኣይገበርናን።
ንኣሰና ደጊመ የመስግን።
“. ግድን ኣይኮነን ኣብ ኩሉ ዝላዓል ጉዳያት ክንሳማማዕ። ናይ ሪኢቱ ፍልልያት ባህሪያዊ ኢዩ።” ወዲ ሃገር
ክቡር ወዲ ሃገር
ይበል! ይበል ! ይበል !
ግሩም ምኽሪ
እንተ ኣቓልቦ ሂብናዮ ፣ ገዲፍና ናህሪ
ይሰምዓና ይኸውን እዝጊ ፥ ፈጣሪ ገባሪ ።
ኣምየን ፡ ኢንሻላህ ።
In the resistance taboo land where business is executed with a whisper of one man, a strange phenomenon emerges… by now everybody knows nothing is surprising in HGDEF’s backyard——- a selected delegation mostly comprised of individuals sanctioned by the west for their war crimes is dispatched by adi halo arrives in Addis in suites to enjoy an Ai exhibition, what is next? sha’ebiya and weyane high school reunion party at the Sheraton? when is gonna the poor people of Mensura and Gerat Kahsu get a break…?!
Your thoughts??
ሰላማት ዶቶረ ከመይ ቀኒኻ
ዑደት ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ፣ ኑጹር ዝኾነ ምኽንያት ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ጥዕና ዘለዎ ጉዳይ’ዉን ኣይመስልን።
ኣብ ትሕቲ “ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምድልዳል ” ዝብል ኣርእስቲ ፣ ዓቢ ጸጥታዊን ወታሃደራዊን ሉኡኽ ምስዳድ ፣ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ስምምዓት ከይህሉ ዘስግእ ኢዩ።
ህግደፍ ዝገብሮ ዝምድናታት ፣ ኣብቲ ሃገር ንዝነብሩ ኤሪትራዊያን ሙቁጽጻር እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ንግዲ ኮይኑ ኣይፈልጥን።
ካብ ስራሕ (ዉግእ) ቦኺሮም ስለ ዘለዉ ፣ ቆቢዕ ቀዲድካ ምስፋይ ዝዓይነቱ ምንቅስቃስ ክኾዉን’ዉን ይኽእል ኢዩ።
ብዞኾነ ፣ ንህዝቢ ዝጠቅም ነገር ክገብሩ ኢዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ከም Center for Research and Documentation ዝፍለጥ መርበብ ፣ ሓደ ካብቶም ናይ ደገ ስለያ ማዕከናት ፣ ኣብ ዝመሓላልፎ ዜና ፣
ብሓድሽ ኤፍሬም ዝምራሕ ወታሃደራዊ ሉኡኽ ፣ ንመራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ስነ-ፍልጠት ኩናት ዘተኮረ ኮርስ ክህብ ቀኒዩ ኣሎ ፣ ይብል።
ንግዜኡ ፣ ዘገርም ኢዩ ፣ ኢልና እንተ ሓለፍናዮ ይሓይሽ።
‘…ንህዝቢ ዝጠቅም ነገር ክገብሩ ኢዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።’
W.H.
they never did and never will, it is a mere optics, a public stunt, a sleezy one as usual, they look like they just raided a salvation army store…
is there anybody left to replace these collector’s item bunch… while the world is moving on at the speed of light, our homeland looks frozen holding the yellow jerrican and windswept beyond recognition. I am aching for you my beloved.
“… while the world is moving on at the speed of light, our homeland looks frozen holding the yellow jerrican and windswept beyond recognition. I am aching for you my beloved.”
k.tewolde
ዓለም ብናህሪ ንቅድሚት እንዳ ተጓዓዘት ፣ ሃገርና ብቀጻሊ ተንቆልቅል። እወ ፣ ኩቡር ዶቶረ ፣ እዚ ኢዩ እቲ መሪር ሓቂ።
ካብ ዉድቀትና ከመይ ንትስእ ፣ ዝብል ሕቶ ፣ ናይ ኩላህና ክኾዉን ምተገበአ ፣ ዝሓቱን መልሲ ዘለዎም ግን ፣ ክሳብ ሎሚ ኣማዕዲዮም ይጣማመቱ ኣልዉ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ማዓልትታት ዝራእናዮም ፣ መራሓቲ ህግደፍ ፣ ብምርኩስ ክኸዱ ዝተረፎም የለን። ቀይ ቀይ ዝብሉ ደቂ ሰብዓ። ከምኡ ከንሱ ፣ ድሕረና ሳዕሪ ኣይብቆላ ከም ዝበሉ ተግባራቶም ይሕብር።
እቲ ዓብይ ጸገም ፣ ከምቲ ደጋጊምና እንብሎ ፣ ድኽመትና ኢዩ። ንሶም ፣ ክሳብ ብሓደ ዝኸዱ ኣብ ምዕናይ ሃገር ተጸሚዶም ዘለዉ።
ኤሪትራዊ ፣ ገና ንለዉጢ ቁሩብ ኣይኮነን።
‘ኤሪትራዊ ፣ ገና ንለዉጢ ቁሩብ ኣይኮነን።’… indeed W.H…. is not only ready for change, but also is deeply refractory for change… reason———–
HGDEF has woven itself into the DNA of our society over the years.
HGDEF has sipped into the pristine aquifer of our drinking water and tainted it.
HGDEF has manufactured a new generation which has no clue of Eritrea of yesteryear (generational gap).
HGDEF has emasculated the Eritrean man.
When I look in the mirror, HGDEF is staring back at me.
BECOME THE CHANGE YOU WANT TO SEE.
መረገም ደኾን ይኸዉን ፧፧፧፧
ካበይ ዝመጸ?
ህዝቢ ኤርትርያ ተውሳኹ አንታይ በደለ
አሞ አዝጊ እዩ ጸሊኡና
እታይሞ በዲልና ተውሳኽና
ንድለ ድኣ ፤ ገለስ ኣለና ዝተሓብኣና
መርገም ድኣ ካይከውን ?
አንታይሞ ገሩ አቲ ንጽህ ኤሪትራዊ
ደይ ሽገይ ሃቡኒ ኣይተካፉኡኒ ዝበለ
ወይ ኢርትራ ዕድል ዘይብላ
ኮሪዓ ትነብር ብራሃጻ
ኣሜን ኢንሻላህ
ስለ ምንታይ ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ኣሎ ፣ ንዝብል ሕቶ ብ ChatGPT ዝተዋህበ መልሲ ፤
There are several reasons why Iseyas Afewerki has been able to maintain his grip on power in Eritrea for so long. One reason is that he has effectively suppressed opposition and dissent through a combination of authoritarian tactics, including censorship, intimidation, and imprisonment of political opponents and journalists. Additionally, he has been able to maintain the loyalty of the military and security forces, which has helped him to stay in power. Another factor is that Eritrea is a one-party state, with the People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) being the only legal political party in the country. This has made it difficult for opposition groups to gain a foothold and challenge the ruling party. Finally, some people in Eritrea may support Iseyas Afewerki’s leadership because they believe that he has brought stability and security to the country, despite the challenges it has faced.
It is a great portrayal of the reason for the longevity of the most brutal humanoid alive in modern history, however, the only one who can tell us the quintessential reason why this invasive toxic species still thrives is Hizbi Eritra himself.
And Hzbi Eritra is the only one who can clean the pond and enjoy the sight of kaleidoscope of fish swimming in it…. even cast a line for the first time and catch a meal.
You don’t know what you’re deprived of my fellow citizens- fishing in your own backyard…
just hauled a 30pound yellowfin in coral reef sound in a foreign land. It would have been fulfilling if it was off Gergusum beach with all my comrades who gave it all.
Once my childhood pristine playground Cambo Eritra Kemy Qeniki—- a military camp that is for all sorts, a prison camp of your own righteous owners, a land that never emancipates her offsprings and set them free, a place where seeking asylum is a foreign policy, a venue where congregation is forbidden… talking about gentrification of a neighborhood like no other…
what happened to the homeland I knew, and I adored?
became so remote and inhospitable like planet Pluto,
inhabited by extraterrestrials who speak incognito,
who dance in unison to the music of the jumbotron blaring from adi halo,..
It is a specter I could never have imagined in my wildest dreams.
Hagerey, wake me up from this nightmare.
“what happened to the homeland I knew, and I adored?”
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ ከመይ ቀኒኻ
እታ ንፈልጣ ኤሪትራ ፣ ኣካላታ በሪሱ ፣ መልክዓ ሃሲሱ ፣ መነባብሮ ህዝባ ተረሚሱ።
ብሰንኪ መን ዝብል ሕቶ ፣ ኣዕጋቢ መልሲ ገና ኣይረኸበን። ይኹን እምበር ፣ ብዘይ ኣፍሉጦና ዝተገብረ ኣይኮነን። እንዳ ራእና እንዳ ሰማዕና ፣ ገለ ካባና’ዉን ፣ ንገበነኛታት እንዳ ኣንጨብጨቡ ፣ ዉሑዳት ዘይኮኑ ቁጽሪ ዜጋታትና ዝተኻፈሉዎ ፣ ብመደብ ዝዋዓልናዮ ጥፍኣት ኢዩ።
ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ንዝመጸት ሃገር ፣ ክብሕቱዋ ክብሉ ፣ ብዘይካና ዝተጋደለ የለን ፣ ብዘይካና ታሪኽ ዘለዎ የለን ፣ ብዘይ ዉድብና ካልእ የለን ፣ ኢሎም ፣ መራሕቲን ካድራትን ህዝባዊ ግንባር ፣ ቅርሕትን ጽልእን ዝሰፈና ፣ ፍሽልቲ ሃገር ንክትኾዉን ፈሪዶምዋ።
እቲ ዘገርም ፣ ሕጂ ነዐኦም’ዉን ዘይትኾዉን ኮይና።
ንሶም ፣ ንደቅና እንታይ ዉሕስነት ገዲፍናሎም ንሓልፍ ኣለና ፣ ዝብል ሕቶ ፣ ኣብ ኣእሙሮኦም ዘሎ ኣይመስልን።
ንህዝቢ ኣበሳቢሶም ፣ ንብጾቶም ኣጥፊኦም ፣ ንብረት ህዝቢ ዘሪፎም ፣ ጡጡሕ ናብራ ክነብሩ እንዳ ተመነዮ ፣ ዕድመ ኣርኪቡዎም።
ኳኺቶ ዘሪእካ ፣ ስርናይ ክትሓፍስ ትጽበ ?
ሕጂ ፣ ንሶም’ዉን ኸሲሮም።
ብህወት ከለዉ ተረሲዖም።
ንደቆም ዘየቅስን ታሪኽ ገዲፎም።
It is crucifixion Friday (Arbi SQlet), … ‘ Father forgive them for they don’t know what they are doing.” He said it a long time ago on the cross, we still don’t know what the heck we doing…
He offered us his only begotten son as a sacrifice, that’s abundant love…
Hagerey ab libiki temelesi.
Bruk Meskel W.H.
ቡሩኽ መስቀል ፣ ኩቡር ሓወይ።
ሩሑስ ባዓል ፋስጋ ይግበረልና።
Khartoum!!! a safe passage and haven for generations of Eritreans seeking a better life or escaping the terrestrial inferno of tyranny,not to mention the backdrop of our revolution. Sahafa was the neighborhood I took a hiatus before I proceeded to my western destination, fond memories there…I am weeping for the city, I am praying for the hospitable people, … I can smell the acrid whiff of HGDEF all over the besieged sanctuary from where I am, it is a metastatic disease, it is a plague….
ruhus Easter, W.H.
Hope peace comes with the dawn.
“Khartoum!!! a safe passage and haven for generations of Eritreans seeking a better life or escaping the terrestrial inferno of tyranny,not to mention the backdrop of our revolution.”
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ
እወ ፣ ህዝቢ ሱዳን ጡዑምን ፣ተቀባል ጋሻን ኢዩ ፣ ግን ፣ ልክዕ ከማና ፣ ዝጠቅሞ ስርዓት ኣየጥረየን።
መግዛእቲ እንግሊዝ ምስ ኣብቀዐ ፣ ቡዙሕ ከይጸነሑ ፣ ወታሃደራት ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ክመጹ ጀሚሮም። ቡዙሓት ፓርቲታት ዘሳትፍ ፣ ናይ ደሞክራሲ መስርሕ’ዉ ንገለ ግዜ ዕድል ረኺቡ ነይሩ። ይኹን እምበር ፣ ንሰራዊት ካብ ፖሊቲካ ምርሓቅ ፣ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ዘይረኸበ ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸገማት ናይ ሱዳን ኢዮም።
ሕጂ ፣ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ መኮነናት ሰራዊት ዘሎ ፣ ናይ ስልጣን ዉድድር ፣ ኣብ ዉግእ ሓድሕድ ኣቲዮም ፣ ኣብ ኩለን ከተማታት ይቃተሉ ኣሎዉ።
ሰራዊት ኣብ ፖሊቲካን ንግድን እንተ ተዋፊሩ ፣ ኣብታ ሃገር ሰላም የለን ፣ ምዕባሌ የለን። ኣብ ሃገርና’ዉን ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸገማትና ንሱ ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ንሕና ፣ ካብ ሽሕ ኪሎመተር ንላዕሊ ንዉሓት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ከለና ፣ ዓሳ ምብላዕ ዝተነገፈና ፣ ንሶም’ዉን ፣ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ብሕርሻ ሃብታማት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትኾዉን እንዳኻኣለት ፣ ኣብ ጥቆኦም ካብ ዘሎ ዉሕጅ ኒል ፣ ዝስተ ማይ’ዉን ምስሓብ ኣይካኣሉን።
ወታሃደራዊ ስርዓት ዘማሓድራ ዘሎ ሱዳን ፣ ኣብ ምብትታን ገጻ ከይተምርሕ ቡዙሕ ስግኣት ኣሎ። ንዑኡ ኣመኽንዩ ፣ ህግደፍ ፣ ኣብ ምስራቅ ሱዳን ኢድ ከእቱ ዓብይ ተኹእሎ ኣሎ።
“ጃንዳ ዋሺንግቶን ተሪፋትና …” ኢሎ ፣ ሃገር ብምልእታ ኣብ ዘየድሊ ዕስክርና ክትነብር እንዳ ጻዓረ ፣ ኣብ ጎረቤትና ዝተወለዐ ሓዊ ምጉህሃር ፣ ቀሊል ኢዩ።
ንኹላሃና ሰላም ይሃበና።
ሩሑስ ፋስካ ይግበረልና።
ዘመነ ኣሽካዕላል ፣ ኣብቂዑ።
ዉግእ ሓድ-ሕድ ኢትዮጵያውያ ምስ ተዛዘመ ፣ ህግደፍ ፣ ንቀጻሊ ዕስክርና ፣ ምኽንያት ዝኾኖ ኣጀንዳ ከይሓዘ ተረፈ። ቡኡ ምኽንያት ፣ ኣብ ሃገርና ፣ ስግኣት ዝመለኦ “ሁዱእ” ኩነታት ፣ ተፈጢሩ ኣሎ።
ቡዙሓት ኤሪትራዊያ ፣ ህግደፍ ፣ ነገር ከይጻሕተረ ክነብር ኣይክኦልን ዝብል ሪኢቶ ኣሎዎም።
እሞ ፣ ክሳብ ማኣስ ኢዩ ፣ እዚ ዘይሩጉእ ኩነታት ክቅጽል ?። እንዲዒ።
ህግደፍ ፣ ነቶም ካብ ግፍዕታቱ ሃዲሞም ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ፣ ንዓዱኹም ተመለሱ ክብል ይስማዕ። ክሳብ ሕጂ ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን።
ኣቀዲምኩም ፣ ነቶም ኣብ ጎዳጎዲ ደፊንኩምዎም ዘለኹም መንእሰያት ፍትሑ። ቋም ክትግበር ኣፍቁዱ ፣ ዝብል መልሲ ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ።
መንእሰይ ወለዶ ነቂኹ። ዘመነ ኣሽካዕላል ፣ ኣብቂዑ።
‘Ya hi orr, Yerushaleim!!’… ‘let there be light.’ Your words are prophetic W.H.
I hope this is the quiet before the storm,
the storm that will wash away the toxic mildew of HGDEF
the storm that will cleanse the sins that was made by the nation itself
the storm that will bring healing springs and waterfalls to the homeland
the storm that will be proceeded by a Super bloom of chrysanthemums of liberty, freedom, rule of law, and the pursuit of happiness…
‘ዘመነ ኣሽካዕላል ፣ ኣብቂዑ።’… let your words prevail my trench companion.
ወታሃደራዊ ምልኪን ሳዕቤናቱን።
ሱዳን ከም ኣብነት።
ወታሃደራዊ ምልካዊ ምሕደራ ፣ ኣብ ታሪኽ ናይ ሱዳን ፣ ኢቲ ዝኸፈአ ምዕራፍ ኢዩ።
እቲ ኣብ መጨረሻ ሰማንያታት ፣ ብተማሃሮን ተኸተልትን ፣ ዶ. ሓሳን ኣልቱራቢ ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ፣ ንሱዳን ኣብዚ ሕጂ ዉጺኢቱ ንሪኢ ዘለና ደረጃ ዕንወት ኣብጺሑዋ ይርከብ።
ዑመር ኣልባሺር ፣ ድሕሪ እቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ፣ ካብ መደበኛ ሰራዊት ስግኣት ስለ ዝነበሮ ፣ ማዕረ ዓቅሚ ዘለዎ ፣ ንፓርቲ ዝሕሉ “ማለሺያ” ኣቂሙ።
ብድሕሪኡ ፣ ዉግእ ደቡብ ሱዳን ብምምኽናይ ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሱዳን ፣ ብ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍለጥ ማለሽያ ከም ቃንጥሻ ቦቂሉ።
ሳዓብቲ ዑመር ኣል-ባሺር ፣ ሰራዊት ሱዳን ፣ ካብ እንግሊዛዊያን ወሪሱዎ ዝባሃል ትካላዊ ኣሳራሪሓ ፣ ብዉሽጢ ከም ዝዳኸም ገይሮምዎ። ቡኡ ምኽንያት ፣ ኣብ ኩሉ ግንባራት ደቡብን ምዕራብ ሱዳን ዘካየዶ ዉግኣት ፈሺሉ።
ብ “ሕመድቲ ” ዝፍለጥ ናይ ዉግእ ሹመኛ ዝመርሖ ፣ ጃን-ጃዊድ ዝባሃል አረመናዊ ማሊሻ ፣ ካብ ሰራዊት ንላዕሊ ብዝረኸቦ ሓለፋታት ፣ ጸብለል ክብል በቂዑ።
ካብ መደበኛ ሰራዊት ወጻኢ ፣ ንጥቅሚ ሓደ ጸቢብ ጽንፈኛ ፖሊቲካዊ ጉጂለ ዝቆመ ማለሺያ ፣ ንሱዳን ከቢድ ዋጋ የኽፍላ ኣሎ።
ኣብ ሃገርና ኤሪትራ ዘሎ ኩነታት ፣ ተማሳሳሊ ሳዕቤን ክህሉዎ ከም ዝኽእል ምርዳእ የድሊ።
“ሰራዊት ኤሪትራ” ፣ ናይ ህግደፍ ማለሺያ ክኾዉን ፣ እቲ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፣ ኣማሲዩኡ ንኤሪትራን ህዝባን ከድሚ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊትን ናይ ጸጥታ ትካላት ታሓቢኡ ፣ ንህዝብና ደም የንብዕ ኣሎ።
ቀጻልነቱ ንኸዉሕስ ፣ ህዝቢ ከም ዝፋለስ ክገብር ጸገም የቡሉን። ሰራዊት ኣገልጋሊ ህግደፍ ክሳብ ዝኾነ ፣ ማሕበራዊ ሰላም ክርከብ ኣይክእልን።
ሱዳን ኡኹል ኣብነት ኢዩ።
ንሓዉናን ጎረበትናን ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ሰላም ይሃቦም።
You can’t put it in a clear and concise way W.H.
(“ሰራዊት ኤሪትራ” ፣ ናይ ህግደፍ ማለሺያ ክኾዉን ፣)… It already is, and the outcome–‘ንህዝብና ደም የንብዕ ኣሎ።’…. it is the African klepto- militaristic algorithm. As long as the eastern and western oligarchs get access to the vast resources of the dark continent, the local tribal chiefs of these militias will be well compensated and free to do whatever they want to do without impunity to their own poor people.
Anybody wearing a red ruby 24 karat diamond in their finger? or a pure nugget bling swinging from their neck in a rap concert?…… Think again.
Why Chad? How come the Sudanese brethren are not heading to Eritrea – the most peaceful nation on earth? could it be the transit fee is unaffordable?
HGDEF is so good at creating a market niche for himself.
The bleeding of the dark continent continues, and then the neo colonizers show up to dust off the crime scene.
That is the outcome when you don’t love and respect your own brother.
This is the grim scenario when you let a stranger sneak in through the backdoor into the family room for a meagre fee.
When we gonna learn to love ourselves and manage our own affairs?
“Why Chad? How come the Sudanese brethren are not heading to Eritrea …”
k.tewolde
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ
እቲ ብ “ጃንጃዊድ” ዝፍለጥ ማለሺያ ፣ ማሕበራዊ ባይቱኡ ካብ ዳርፎር (ሴሜናዊ ምዕራብ ሱዳን) ኢዩ።
መራሕቱ ፣ “ሕመድትን” ሓዉኡ ፣ ከምኡ’ዉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ ሓይልታት መራሕቲ ፣ ካብ “ሪዘቃት” እትባሃል ቀቢላ ኢዮም።
ድሕሪ ምዝዛም ፣ እቲ ብመንግስቲ ዑመር ኣል ባሺር ዝተሳወረ ዉግእ ሓድ-ሕድ ዳርፉር ፣ ጃንጃዊድ ፣ ከም ፣ “ሁጹጽ ናይ ደገፍ ሓይሊ ” ፣ ናይ ሰራዊት ትካል ተሰሪዑ ፣ ኣብ ካርቱም ሰላማዊያን ሰባት ክቀትል ጸኒሑ። እዚ ብቡዙሕ ገበናት ዝሕተት ሓይሊ ኢዩ።
መርገጽ ህግደፍ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፣ ካብ ታዓዘብቲ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ግን ቀጥታዊ ምትእትታዉ ዘየፍቅድ ኩነታት ተጓኒፉዎ። እቶም ምስ ህግደፍ ጹቡቅ ዝምድና ዘለዎም ፣ ናይ ምስራቅ ሱዳን ሓይልታት ፣ ንሰራዊት ሱዳን ከም ዝድግፉ ምስ ሓበሩ ፣ ነዖኦም ዝጻባእ መርገጽ ክወስድ ኣይደፈረን።
እተን ኣብ እንተርነት ዘለዋ ዘይዕላዊያን ናይ ህግደፍ መርበባት ፣ ንማለሺያ ከም ዝድግፋ ዘርኢ መግለጺታት ከዉጻኣ ጸኒሐን አለዋ።
እዚ መሪር ዉግእ ፣ ኣብ ዳርፉር ንዓመታት ክቅጽል ይኽእል ኢዩ።
መንግስቲ ግብጺ ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ኢደን ከየእትዋ ኣጠንቂቁ ኣሎ። እቲ መልእኽቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህግደፍን ዝዓለመ ይመስል።
ንህዝቢ ሱዳን ሰላም ይሃቦም።
Amen W.H., ‘the market’s chaos suites the thief’ from tigrina’s old adage…
it is all about the precious metals, oil and location…
The saga continues at the expense of the poor innocent people…
Displacement (gentrification), social degradation, irreversible cultural and historical havoc…= an outpost for foreign predators.
እታ ሰራም መንፊት ህግደፍ …
“ኣንቱም መንእሰያት ንዓዱኹም እተዉ … !! ” ፣ ዝብል ፣ ብቱሑት ድምጺ ዝስማዕ ጻዊዒት ህግደፍ ፣ ብዘይ ሙቁራጽ ይቅጽል ኣሎ።
ምስቲ ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፣ ንመንእሰያት ዕላማ ዝገበረ ፕሮፓጋንዳ ፣ ስሒት ኢሎም ፣ ምስኡ ዝጥቀሱ ፣ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት’ዉን ኣሎዉ።
ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ፤-
– ብገበን ዘይሕተት ኩሉ ፣ ንዓዱ ክኣቱ ጸገም የቡሉን።
– ነቶም ህግ ዘምጻኣቶ ናጽነት ኣይንደልን ኢሎም ፣ ኣብ ስደት ክነብሩን ክመቱን ንዝመረጹ ገበነኛታት ዝምልከት ኣይኮነን።
ዕላማ ናይዚ ዘረባ ኑጹር እዩ። ንተጋዳላይ ነበር ፣ ብፍላይ ተጋዳላይ ተሓኤ ፣ እቲ ጻዊዒት ናዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ፣ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ።
እዛ ሰራም መንፊት ህግደፍ ፣ ንሕብረተሰብ ኤሪትራ ኣብ ምቡቃጽ ኣሪጋ። መንእሰይ ይኹን ዓቢ ፣ ሎሚ ሰማዒ የብላን። ካብ ገበናቶም ባህሪሩ ፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ፣ ተመሊሱ ኣርዑት ምልኪ ክስከም ኢዩ ኢልካ ፣ ፊጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ኣንቱም ጠላማት ፣ ንመን ኢኹም ከተታልሉ ?
‘እዛ ሰራም መንፊት ህግደፍ ፣ ንሕብረተሰብ ኤሪትራ ኣብ ምቡቃጽ ኣሪጋ።’… an old strainer indeed W.H., despite the intense and anesthetic indoctrination in the gulags of sawa, the youth who broke free an got exposed to the western democracy are smart enough to identify the all too familiar halitosis of those who were barking in their face not long ago.
‘ንተጋዳላይ ነበር ፣ ብፍላይ ተጋዳላይ ተሓኤ ፣ እቲ ጻዊዒት ናዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ፣’… hmmm….
I have 3 surgical cases in the OR to tend to. Thank you.
HONEST CURIOSITY
a). WHEN WILL ERITREA BE A FREE COUNTRY TO RULE AND
DETERMINE IT’S DESTINY?
b). WHAT WAS THE INHERENT PURPOSE OF THE THIRTY YEAR-
WAR AGAINST ETHIOPIA?
c). WAS IT NOT TO HAVE INDEPENDENCE, FREEDOM, LIBERTY,
UNDER AN INDIGENOUS LEADERSHIP ???????
d). IF SO, WASN”T THE OPPORTUNITY TO HAVE INDIGENOUS
LEADER GOOD ENOUGH FOR THE PURPOSE?
e). IF THE NEW INDIGENOUS LEADER WAS NOT — IS NOT — UP TO
THE ERITREAN DEMOCRATIC DESIRE AND ASPIRATION, WHAT
WILL THEN BE THE NEXT DECISIVE STEP TO TAKE. FOR THE
GOOD OLD ERITREANS TO TAKE???
f). <<< ( f for failure) OBVIOUSLY, THE WHOLE IDEA WAS TO HAVE
THE FIRST AND FOREMOST GOAL OF ERITREAN
INDEPENDENCE. ALAS, VERY SAD TO SAY, GOOD HEARTED
ERITREANS WERE SHATTERED MERCILESSLY BY THE
UNEXPECTED CRUELTY. ONE OF THEIR OWN COMPATRIOTS, OF
THIRTY YEARS, HAD HIS OWN IDEA OF INDEPENDENT ERITREA.
HIS LEADERSHIP IS STILL GOING STRONG. IT MUST BE SAID
THAT IT IS AN EXTRAORDINARY ACCOMPLISHMENT OF
INHERENT INTENSE DESIRE — BY AN AMBITIOUS, DARING,
DECISIVE, SINGLE PERSON.— WITH INHERENT REMINDER OF
THE USUAL SAYING >>>”TAKE IT OR LEAVE IT.”
THE END
Apparently, this ‘strongman’, ‘Authoritarian’ culture and mindset is woven into the DNA of the humankind, especially in third world countries like Eritrea where ignorance and poverty is prevalent- a breeding ground of tyrants, a fertile ground for adi halo’s prototype… no surprise here my friend rezen, the soil is rich for him to thrive this long, he doesn’t have any special powers, he is a human being like me and you who catches flu and wipes his ass halfway clean after a good dump.
AB A’ADI E’EWURAT HADE E’AYNU YINEGS… It doesn’t take colloquial English to explain this.
”TAKE IT OR LEAVE IT.”
ሰላማት ኩቡር ረዘን
ከመይ ቀኒኻ
“HIS LEADERSHIP IS STILL GOING STRONG. IT MUST BE SAID
THAT IT IS AN EXTRAORDINARY ACCOMPLISHMENT OF
INHERENT INTENSE DESIRE — BY AN AMBITIOUS, DARING,
DECISIVE, SINGLE PERSON.— WITH INHERENT REMINDER OF
THE USUAL SAYING >>>”TAKE IT OR LEAVE IT.”
ክትብሉ ዝደለኻ ፣ ተረዲኡኒ ክኾዉን ተስፋ እገብር።
ተድንቆ ድኻ ዘለኻ ?።
እቲ “EXTRAORDINARY ACCOMPLISHMENT” ትብሎ ዘለኻ እንታይ ኢዩ ?።
ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ቆልዑት ፣ ነቶም ብ1967 ተሰዲዶም ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ማዓስከራት ሱዳን ፣ ብድኽነት ዝሳቀዩ ዘለዉ ዜጋታትና ኣርኪቦምዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ሓሊፎምዎም። ኣብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ይርከቡ ኣለዉ። ንስኻ ሓደ ካብኦም ክትኮዉን ከም እትኽእል እግምት።
ስለዚ እዚ ሰብ ዝመስል ሰይጣንን ብጾቱን ፣ ኢንታይ ዘሕብን ስራሕ ገይሮም ትብል ኣለኻ ?።
ሰብኣዊ ሪህራሀ ዝጎደለና ቡዙሓት እና። ካልኦት ክሳቀዩ ነመኽኒ ፣ ኣባና ምስ በጸሐ ነእዊ። እዚ ኢዩ እቲ ዓቢ ድኽመትና።
ኣብ ሓደ ዱኹምን ድኻን ዜጋና ዝወረደ ግፍጺ ፣ ሓቢርና ዓገብ ክሳብ ዘይበልና ፣ ንኩላህና በብእብረ ከረኻኽበልና ዝጽበየና ዘሎ መከራ ኢዩ።
ንድሕነትና ኢልና ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ንግፍዒ ዓገብ ምባል ፣ ሕልና ናይ ዘለዎ ኩሉ ሰብ ሞራላዊ ግዴታ ኢዩ።
ወ ዳሓንካ።
‘ንግፍዒ ዓገብ ምባል ፣ ሕልና ናይ ዘለዎ ኩሉ ሰብ ሞራላዊ ግዴታ ኢዩ።’… should I say anything more?
HAMOTNA FESISU NAY LOMI ERITRAWYAN…
We don’t mean what we say and we don’t say what we mean.
We defend the indefensible and we worship the satanic idols.
We sleep with our enemy and wake up under their bed in the morning.
We hate our brothers and sisters, but we laugh and dance with strangers.
we sell organs of our children and build villas with the proceeds…
What a perfect tool for a thief—- he doesn’t have to pick up a fork to eat.
he figured us out early, and it ain’t no trait to admire but a sinister character to abhor.
We have done more harm to ourselves than our adversaries.
More Eritreans died at the hands of their own than the enemy.
It is an autophagia, self-consumption.
It is a deeply wounded nation which desperately needs repentance, introspection, genuine prayers…. and a comprehensive colossal reconciliation.
Otherwise, this Lucifer from within-(us), will continue to pulverize and blow us to abys like we never existed.
The ultimate survival skill is to recognize your enemy.
Over half of a century of destitution and strife, what does it take?!
“It is a deeply wounded nation which desperately needs repentance, introspection, genuine prayers…. and a comprehensive colossal reconciliation.”
k.tewolde
እወ … ኩቡር ዶቶረ ፣ ዕርቂ የድልየና ኣሎ።
ኣበይሞ ክርከብ።
ዕርቂ ንግበር እንተ ኢልካዮም ፣ መን ምስ መን ባእሲ ኣለዎ ትብል ኣለኻ ? ፣ ብዝብል ሕቶ ይምሉሱልካ። ቡኡ ምኽንያት ፣ ኣብ ክንዲ ሰላም ፣ ህዝቢ ኣብ ነባሪ ህዉከት ከም ዝነብር ገይሮምዎ ይርከቡ።
ንሃገርናን ህዝባን ካብዚ ተጎዝጊዙዎም ዘሎ ቡዳ መዋጽኦ ይሃቦም።
“ንሃገርናን ህዝባን ካብዚ ተጎዝጊዙዎም ዘሎ ቡዳ መዋጽኦ ይሃቦም።”
He is a deadly leech indeed, wrapped around the olive tree sucking the life out it for decades rendering it dry and crunchy with golden hue. He ominously depicted it on his banner which is the trademark of his killing enterprise.
Hizbey, ab libka temeles!! if there is any left.
I have a question
When will Eritrea identify its interest and common action for tranquil, peaceful, progresive LIFE ??? That is all I have to say. Call me naive etc etc etc and I will accept it, for peace.
ኩቡር ሓዉና rezen
ኣብ ኣየናይ ደንበ ኣለኻ ?
ክቡር ወዲ ሃገር
ኣብ ቁጽጽር ደንበዶ ኣተና?!
ድሕሪኡኸ ናበይ ?
ብድሕሪኡ ዳኣ ፣ መካየድትና ምስ ፈለጥና ፣ ንሃገርና ገጽና እና !!
ዳሓን ኣይትሰከፍ። ንበይነይ ይሕሸኒ ፣ ምስ ዝኾነ ደንበ ክቁጸር ኣይደልን ክትብለኒ ፣ መሰልካ ስለ ዝኾነ ፣ ብኣኽቡሮት ጥራሕ ኢየ ዝቅበሎ።
ናዓይ መካይደይ ምፍላጥ ኣድላይ ኢዩ።
ምስ ደንበ ኢሰያስ ክጎዓዝ ኣይደልን። ኣብ መገዲ ክቀትሉኒ !
ኣባግዕ ተመሲሎም ፣ ምሳና ዝዉዕሉ ቶዃሉ ዉሑዳት ስለ ዘይኮኑ ፣ ምስ መን ብዕላማ ንራኸብ ምፍላጥ ፣ መባእታዊ መትከል ናይ ዝኾነ ተቃላሳይ ኢዩ።
ተባዕ ኣይሞተ ፣ ፈራሕ ኣይሞተ ፣ ላንጋ ላንጋ ሞተ።
ወ ዳሓንካ።
Over half a century of lies, deceit, and repression of all sorts took a toll on the already beaten society and this is the catastrophic outcome— confusion, muteness, paranoia, total submission, catatonic fear and yes— the vacillating prototype who faces in the direction of the wind.
BMENDEQ NAY QALAT MEHBII’E ZISERIH
DEFAR TI’EBITEGNA NISEMAY ZIKUHKUH
MAHAZA INSISA KEM KELBI ZINEBIH…
Indeed, the matador in adi halo has successfully cloned himself across the spectrum of our bamboozled society.
BMENDEQ NAY QALAT MEHBII’E ZISERIH
DEFAR TI’EBITEGNA NISEMAY ZIKUHKUH
MAHAZA INSISA KEM KELBI ZINEBIH…
” ደፋር ትዕብተኛ ንሰማይ ዝኩሕክሕ
ብመንደቅ ናይ ቃላት መሕበኢ ዝሰርስ
ማሓዛ እንስሳ ከም ከልቢ ዝበሕ ”
ኩቡር ዶቶረ
እዚ ናይ ሰይጣን ሃዋሪያ ፣ ኣብ ኩሉ ነቃዓት ናይ ሕብረተሰብ ፣ ዘቀያይም ሓሳባት ኢዩ ክሱክዕ ጸኒሑ። ኢነሆ ድማ ሎሚ ፣ ደም ዘንባዓና ዘሎ ጉጂለ ፣ ሓቢርና ምእላይ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ወዲቅና ንርከብ።
“ኣነ የለኹላን ዝብል የዋህ ” ፣
“ክሳብ ዘለና ንብላዕ ጥራሕ ፣ዝብል ሕልና ኣልቦ” ፣
ከምኡ’ዉን ካልኦት ተማሳሳሊ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ፣ ፍረ ናይ ዘመነ- ኢሰያስ ፣ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ ኢዮም። ንሶም’ዉን ግዳያት ኢዮም።
ብሓደ ድምጺ ፣ “ንትዕብተኛታት ቦታ የለን …!!” ፣ ክሳብ ንብል ፣ ስቃይና ክቅጽል ኢዩ።
Whatever happened to your kind Wedi Hagher in its truest sense?
The one who speaks clearly as the Alaskan glacier, directly as the bow released from an arrow of a professional archer, politely like a choir boy on the altar….
Whatever happen to the Eritrean who use to recognize me from a distance and run to hug me with an open arm?
What the heck happen to the neighbor who use to storm into my living room grab me by the hand playfully and drag me to join them for afternoon coffee?
Where is my high school friend who whispered the word ‘sewra’ for the first time into my innocent heart?
Where are the characters like HIA and the ones who put it all on the line for us?
Where is the Eritrea I knew and fought for once?
The one like my mom’s zigni with all the secret ingredients to die for.
Who manufactured this current one?
Who are these aliens residing in my homestead?
‘ብሓደ ድምጺ ፣ “ንትዕብተኛታት ቦታ የለን …!!” ፣ ክሳብ ንብል ፣ ስቃይና ክቅጽል ኢዩ።’
indeed, it seems like we got used to it (SIQAY).
“ Where is the Eritrea I knew and fought for once?
The one like my mom’s zigni with all the secret ingredients to die for.”
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ
ኣብታ ናትካ ፣ ናይ ቀደም ኤሪትራ ፤-
– ሽጋራ እንዳ ኣትከኽኩ ምህረይ ከይሪኡኒ ፣ ኢልካ ትስከፍ።
– ካባኻ ዝዓቢ ሰብ ኮፍ ንኽብል፣ ብድድ ኢልካ ትትስእ።
– ምስ ደቂ ጎረበትኩም ፣ ጣዓምት ትበልዕ።
– ኣብ ጥቃ እንዳ መስተ እንተ ሪኦምኻ ፣ ቡኡ ዝሓልፉ ዓበይቲ ፣ ካብዚ ራሓቅ ይብሉኻ።
– ኣቦይ ሰንጋል ሓሚሞም ኢሎም ፣ ጎረባብቲ ታኣኪቦም ፣ ንሆስፒታል ይኸዱ።
– ንቀብሪ ኣቦይ መሓመድ ኢሎም ፣ ክሪስትያን ንመቃብር ኣስላም ይኸዱ።
– ንግደት ማርያም ዳዓሪት ኢሎም ፣ ኣስላም’ዉን ኣብኡ ታኣኪቦም ይዉዕሉ።
– መርዓ ኣለና ኢሎም ፣ ክልተ ዳስ ይተኽሉ።
– ይገይሽ ኣሎ ኢሎም ፣ ከፋኑዉኻ ዝመጹ ይበኽዩ።
– ዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ እንተ ሪኦም ፣ ንወደይ መርቁዎ ይብሉ።
– ተናዲዶም ፣ ተባኢሶም ፣ ይቅረ ይብሉ።
– ተቃቲሎም ፣ ሰብ ሞይቱዎም ፣ ካሕሳ ንቅበል ይብሉ።
– ስርቂ ፣ ነዉሪ ነይሩ ፣ መዉሱቦ ይኸልእ።
– ሓሶት ፣ ነዉሪ ነይሩ ፣ ክብሪ ሰብ የጉድል።
– ንዓበይቲ ፣ ክብሪ ነይሩ።
– ንናእሽቱ ፣ ሓልዮት ነይሩ።
እዚ ኩሉ ፣ ንነዊሕ ዘመናት ፣ ብሰላም ሓቢርካ ብምንባር ዝተዋህለለ ፣ ሉዑል ሰብኣዊ ክብርታት ፣ ዳርጋ ቡሙሉኡ ዓኒዩ።
ጠሚሮምና ዝነበሩ ፣ ማሕበራዊን ሰብኣዊ ክብርታት ምስ ዓነዉ ፣ ልብና ተራሓሒቁ ፣ ዝስደድ በዚሑ ፣ ገዛዉትና ታዓጺዩ ፣ ግራዉትና ነቂጹ ፣ ወለድና ጉሂዮም ፣ ዝሞቱ ቀባሪ ሲኢኖም ፣ ደቅና ጠፊኦም። ኣዉያት በዚሑ ፣ ሰማዕቲ ግን ዉሒዶም።
እታ ንስኻ ትፈልጣ ምቅርቲ ኤሪትራ የላን።
ኣብ ልዕሊ ዑናኣ ፣ ኣሳፊሑ ዝነብር ጋኒን ኣሎ።
ኦ ኣምላኽ ፣ ጥፍኣትና ከይጸብጸብካ ፣ ታዓረቀና።
ስቃይኩም ይኣክል በለና።
‘ጠሚሮምና ዝነበሩ ፣ ማሕበራዊን ሰብኣዊ ክብርታት ምስ ዓነዉ ፣ ልብና ተራሓሒቁ ፣ ዝስደድ በዚሑ ፣ ገዛዉትና ታዓጺዩ ፣ ግራዉትና ነቂጹ ፣ ወለድና ጉሂዮም ፣ ዝሞቱ ቀባሪ ሲኢኖም ፣ ደቅና ጠፊኦም። ኣዉያት በዚሑ ፣ ሰማዕቲ ግን ዉሒዶም።’ …. current Eritrea, are you listening? What is left?! or are you busy with your asylum case to be heard? or surfing the internet for a discount airline ticket to go back home?
Adi halo’s GANIEN did his homework, and we were the ‘homework’.
Do you know that Eritrea W.H. outlined in a snapshot ever existed?
What kind of nation are you looking for?
A training camp for lease?
A commute for human trafficking?
A black market?
A nuclear waste dumpster for chunk a change.?
An organ harvesting hub?
A cheap metallurgical steal for foreign sharks?
An outpost for a foreign power?
A place ruled by warlords who divided it into subzones to carry out their loot? …
The Singaporean model impeccably at work, W.H. hmmm
They raped and desecrated this beautiful gift from our martyrs.
Give me back my simple, humble and pristine homeland and I can show you how to build a nation from that bedrock, it ain’t that hard if you approach it with good heart and honest intent.
W.H., let your kind multiply and fill the earth. Thanks again.
A nuclear waste dumpster for chunk a change.?
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ
ኣብ ዓዲ ጥልያን ፣ Berlusconi ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣዉራጃታት እታ ሃገር ፣ ህዝቢ chemical and nuclear waste ኣብ ከባቢና ክቅበር ኣይነፍቅድን ኢሉ ስለ ዝተቃወመ ፣ መንግስቲ ፍታሕ ይደሊ ነይሩ። ንደገ ክሰዱዎ ድልየት ከም ዝነበረ’ዉን ይፍለጥ።
እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መጨረሻ ፣ እንታይ ፍታሕ ከም እተረኽበሉ ብዕሊ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
Paolo Berlusconi ሓዉ ንጠቅላይ ምንስተር ፣ ኣብ ባጽዕ ገለ ቡሩህ ዘይኮነ ስራሕ ከም ዝነበሮ ቡዙሕ ሰብ ይዝክር። ክልቲኦም ኣሕዋት ፣ ምስ ኢሰያስ ጹቡቅ ዝምድና ነይሩዎም። ቡኡ ምኽንያት ፣ ኢሰያስ ፣ ኣብ Sardegna እትባሃል ደሴት እታ ሃገር ፣ ኣብ እንዳ Berlusconi ንዕረፍቲ ገለ ግዜ ከም እተቀመጠ ኣብ ማዕከናት ዜና ተገሊጹ።
ኤሪትራ ሃገርና ፣ ካብ “ኑክለያር ጎሓፍ” ነጻ ዲያ ፣ ወይስ ፣ እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ዝምድናታት ዘስዓቦ ዓቢ ሚስጢር ኣሎ ?
ኢዚ ፣ ገለ ካብቶም ፣ ድሕሪ ስርዓት ኢሰያስ ፣ ብሁጹጽ ክፍተሹ ዘለዎም ጉዳያት ኢዮ።
I can only imagine W.H., I can only ponder what can come oozing out once that tightly sealed (secretive) Pandora box is cracked open.
I can only imagine…my stomach flips just thinking about it.
Hizbey, you deserve better.
መራሕቲ ህግደፍ ፣ ኣብ ከቢድ ናይ ስንፍላል መድረኽ።
ኣብ እንተርነት ዘለዋ ፣ ናይ ህግደፍ ናይ ፕሮፓጋንዳ መርበባት ፣ ኣንጻር መራሒ ሰራዊት ሱዳን ፣ ገለ ወስ ከብላ ጸኒሐን። ከምኡ’ዉን ፣ ኢሰያስ ፣ ሰራዊት ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ኣድላይ እኳ እንተኾነ ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝኾዉን ኣይኮነን ፣ ክብል ሰሚዕናዮ። ዘረባ መራሒ ማለሺያ ፣ ጀነራል “ሕመትቲ” ዝደግም ዝነበረ ይመስል።
ሱዳናዊያን ፣ ነዚ ምትእትታዉ ፣ ቀልጢፎም መልሲ ሂቦምሉ። ኣብ ምስራቅ ሱዳን ፣ ምስ ኢሰያስ ጡቡቅ ዝምድና ዘለዎም ሓይልታት ፣ ምስ ጀነራል ቡርሃንን ሰራዊት ሱዳን ወጊኖም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ዉግእ ሓድ-ሕድ ፣ ኣብ ምስራቃዊ ሱዳን ፣ ቀልጢፉ ብምቅሃሙ ፣ ንኢሰያስ ዝኾዉን ስራሕ ኣይተረኽበን።
ሕጂኸ ኢንታይ ከነመኽኒ ፣ ዝብል ሕቶ ፣ ኣብ ኣእሙሮ መራሕቲ ህግደፍ ኣሎ። ዑደት ቻይና ፣ ቡኡ ዝተደረኸ ይመስል።
እቲ እንኮ ዕላማ ናይ ቻይና ፣ ምስ ንህዝቦም ዘይሓልዩ መራሕተን ብምስምማዕ ፣ ባህሪያዊ ሃብቲ ናይ ዱሑራት ሃገራት ሙጉሕጓሕ ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ፣ ናይ ቻይና ኩባንያታት ተቆጻጺረንኦ ዘለዋ ፣ ናይ ወርቂ ዕደና ፣ ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ፣ ኡቶቱ’ኸ ፣ ኣብ ኢድ መን ኣሎ ፣ ህዝቢ ዝፈልጦ ነገር የለን።
ህግደፍ ፣ ምስ ቻይና ይኹን ወይ ምስ ካልኦት ፣ ንህዝብና ዝጠቅም ነገር ክገብር ኢዩ ኢልካ ምጽባይ ፣ ባህርያት ናይዚ ጨካን ጉጂለ ዘይምርዳእ ዘርኢ ኢዩ።
ቻይና ፣ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገርና ተቆጻጺራ ፣ ንኢሰያስ ኣከናልካ ኢንተ በለቶ ፣ ንጥፍኣትና ኢያ ትሰርሕ ዘላ።
ንህዝቢ ኤሪትራ ክሓልዩ ፣ ካብኦም ንጽበዮ ነገር ኣይኮነን። ንሶም ንጥቅሞም ኢዮም ዝሰርሑ።
ህግደፍ ፣ ካብዚ ዘለዎ ናይ ሰንፈላል መድረኽ ወጺኡ ፣ ክሳብ ንህዝቢ ጂሆ ዝሕዘሉ ሓድሽ ጎንጺ ዝረክብ ፣ ምስ ቻይና ብምትሕብባር ጽርጊያ ንሰርሕ ኣለና ክብል ኢዩ። ጽርጊያ ምስራሕ ፣ ወይ ዓሳ ምግፋፍ ጸጊሙና ኣይፈልጥን። ንሱ ኣይኮነን ጸገምና።
ሓቢርና ክንግሕፎም ዘይምኽኣልና ኢዩ ጸገምና።
W.H. KEMEY QENIKA, simply put your hunch is spot on. ‘Freedom comes out from the barrel of a gun.’ CMTT “(Redbook), how we interpret that today, we leave up to the ones who live and die by the gun. That little book would have been the best seller in some parts of the western hemisphere today, isn’t that ironic, don’t you think?
Nobody knows better than the geriatric in adi halo who just walked down memory lane in this once predominantly agrarian economy since his last visit how it transformed itself into a behemoth of industrial and technological marvel comparing to his little nation during his entire tenure. I wonder what his host think about him.? What a long-term investment in the horn. The CCP know how to take care of their people their way–by excavating resources from weak nations like ours led by parasites who live off handouts and sucking the life out of their people…. that’s how they build these underwater mega projects which boroughs miles to connect one city to another.
32 years later, still reciting the RED BOOK…
Even the CCP put it in the archives a while back and picked up the western playbook.
In the end, W.H. last line sums it all.
‘ሓቢርና ክንግሕፎም ዘይምኽኣልና ኢዩ ጸገምና።’
“ I wonder what his host think about him.?”
k.tewolde
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ
ናይ ቻይና ኮሚኒስት ፓርቲ ፣ ኣብ መትከልና ኣለና እንዳ በለ ፣ ንዑኡ ንጎኒ ኣቀሚጡ ፣ንርእሰማልነት ቀዳምነት ካብ ዝህብ ነዊሕ ዓመታት ገይሩ ኣሎ።
“ዱሙ ጸላም ዲያ ወይስ ጻዕዳ ዘይኮነስ ፣ ኣንጭዋ ክትሕዝ ትኽእል ዲያ ኢዩ ዝግድስ ” ኢሉ ደንግ ሺያዎፒንግ ይባሃል።
ማለት ፣ ድሕሪ ነዊሕ ዕንክልልን ብሽም “ባህላዊ ሰዉራ” ዝተገብረ ገደብ ዘይነበሮ ዕንወት ፣ ብስነሓሳብ ምኻድ ከም ዘየዋጽእ ፈሊጦም ፣ “ፕራግማቲዝም” ተቀቢሎም።
ብዛዕባ ኢሰያስ ፣ እንታይ ኮን ይሓስቡ ንዝብል ሕቶ ፣ ብርግጽ እንታይ ሪኢቶ ኣለዎም ምፍላጥ ኣይካኣልን። ግን ፣ ሓደ ፣ ቡዙሕ ናይ ሰብ ባህሪያት ዘይብሉ ፣ ጨካን ፍጥረት ሙዃኑ ኣጸቢቆም ከም ዝፈልጡ እግምት።
ንቀጻልነት ምቁጽጻር ፣ ናይቲ ዋና ዘይቡሉ ባህሪያዊ ሃብቲ ፣ ንዑኡ ፣ ከም ሓደ ወሳኒ ሰብ ማእከል ዝገበረ ፣ ጉሁድን ሱዉርን ፖሊሲ ከም ዝህልዎም እግምት።
ረብሓ ሃገሮም ፣ ካልኦት ፣ ኣብ እንታይ ዓይነት ኩነታት ምስ ዝህልው ፣ ዝያዳ ከም ዝረጋገጽ ዝስሕቱ ኣይኮኑን። ቻይና ኣብ ዕዳ ኣእትያተን ፣ ከም ቁርዲድ ትመጽየን ዘለዋ ሃገራት ዉሑዳት ኣይኮናን።
ኣብተን ዕዳ ክመልሳ ዘይካላ ሃገራት ፣ ህዝቢ ብድኽነት ይሳቀ ምህላዉ ኣየሰክፎምን።
ንኢሰያስን ስርዓቱን ፣ ንህዝቦም ዘድሚዩ ዘለዉ በላዕቲ-ሰብ ሙዃኖም እንዳ ፈለጡ ፣ ብዓቢ ጭብጨባ ክቅበሉዎም ከለዉ ፣ ቁጠባዊ ጥቅሞም ንሙዉሓስ ዝገብሩዎ ጉርሒ ሙዃኑ ክንስሕት ኣይግባእን።
ህዝቢ ኤሪትራ ፣ ኣብዚ’ጉዳይ’ዚ ዝረአ ጥቅሚ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ሕጂ’ዉን ፣ ባህሪያዊ ሃብቱ ናበይ ኣቢሉ ከይፈለጠ ኢዩ ኣብ ናይ ስደት ከርተትን ፉጹም ድኽነትን ክነብር።
እዚ ኹሉ ብስንኪ ድኽመትና።
‘ባህሪያዊ ሃብቱ ናበይ ኣቢሉ ከይፈለጠ ኢዩ ኣብ ናይ ስደት ከርተትን ፉጹም ድኽነትን ክነብር።’ quips W.H… ‘Penny wise dollar fool’ as the old saying goes… HGDEF is an expert of deflecting your attention from the dollar or blatantly denying you access to it, if you compete, he will shut you down, if you thrive, he will cut you down, if you shine, he will mow you down. That’s why he trains you to think and be poor from your infancy and urges you to leave your home and make a living abroad and visit back with members only card every now and then for a fee. HGDEF is lethally envious and awash with complex, he is a sinister and insecure character who sells a nation for a bargain.
HGDEF is a culture of lies, deceit and incompetency.
If he could HGDEF would have sold sand to the Bedouin for a dollar…
In the end, W.H. last line sums it all…
‘እዚ ኹሉ ብስንኪ ድኽመትና።’