እተን ብዘይጠይቂ እናተጻዕና፡ ከም ጽምብላሊዕ ጽቡቓትን ተሃወስትን ኢና ዝብላ ኣእዱግ
ወዲ ሰብ መንግስቲ ከቕውምን ብእኡ ክመሓደርን ዝወሰነ፡ ካብ ዘየድሊ ግርጭትን ሕጊ ኣልቦነትን ምእንቲ ክድሕን ኢዩ። መንግስቲ ብመሰረቱ ንህዝቢ ዘማሓድር ሕግታት ምፍጣር’ዩ ዕማሙ፡፡ ሕግን ስርዓትን ናይ ምንጋስ ሓላፍነት ይስከም። ካብዚ ሓሊፉ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክሕሉ ትጽቢት ይግበረሉ። ካብ ግዳማዊ ተጻብኦን ጣልቃ ኣታውነትን ብምክልኻል፡ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓቕምታቱ ብምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ክበጽሖ ዝኽእል ብራኸ ዕብየት ንኽድይብ ባይታ ከንጽፈሉ ዝግብኦ ኣካል ኢዩ።
ይኹን’ምበር ኩሎም መንግስታት ነዚ መሰረታዊ ቅጥዒ የማልኡ ማለት ኣይኮነን። ብዙሓት ስልጣን ዘዕበዶም ውልቀሰባት፡ መንግስቲ ብምቁጽጻር ጸጋታት ህዝብን ሃገርን ንምግባት ክጥቀሙሉ ጸኒሖም ኢዮም። ናይ መንግስትነት ሕጋውነት ተጠቒሞም፡ ንመንግስቲ ናይ ሕጊ ኣልቦነት፡ ራዕድን ሽበራን ምዝመዛን ቀንዲ መሳርሒ ገይሮም ዝጥቀሙሉ’ውን ኣለዉ።
ስለዝኾነ ንገለኦም መንግስቲ ኢልካ ምጽውዖም ኣሸጋሪ ኢዩ። መንግስቲ ተባሂሉ ቅዋም ወይ ዝምርሓሉ ሕጊ ዘይብሉ ኣካል እንታይ ትብሎ? መራሒ ሃገር ወይ መንግስቲ እናተባህለ፡ ቅዋም ጥሒሱ እናሃለለ፡ ሕጊ የኽብር ኣለኹ ንዝብል እንታይ ኢልካ ትጽውዖ? ኣብ ክንዲ ኣገልጋሊ ህዝቢ፡ ከም ጎይታ ልዕሊ ሕጊ ወጺኡ፡ ከም ሕጊ ፍጹም ምእዙዝነት ዘስገድድ ምስ ምንታይ ትጽብጽቦ?
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብዮት ኣሕመድ ይኹን ዶናልድ ትራምፕ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብሓደ ይኹን ብኻልእ ክፉእ ተግባር ዝምዝገቡ ውልቀ ሰባት ኢዮም። ንማለቱ’ዮም ሰብ ዝብሃሉ። እምበር ካብ ናብ ሰብ ናብ ሰይጣን ከም ዝቐርቡ ዘማጉት ኣይኮነን። ስለዚ ካብ መራሕቲ ገዛእቲ ኢልካ ምጥቃሶም ይምረጽ። ብዝኾነ እዞም ሰለስተ ዓንደርቲ፡ እቶም ክልተ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ሳልሳይ ኣብ ኣመሪካ እናነበሩ፡ ብዙሕ ዘመሳስል’ዩ ዘለዎም።
ክቱር ነብሰ ጽልኣትን፡ ክገልጹዎ ዘይክእሉ ፍርሕን ኣለዎም። መጀመርያ ፍቕሪ ዝተሓረሙ፡ ድሒሮም ፍቕሪ ዝተሓሰሙ ፍጥረት ኢዮም። ስለዚ ናይ ፍቕሪ መርኣያ ዝኾነ፡ ብመንነቱ ዝሕበን፡ መትከል ዘለዎ፡ ንሰብኣውነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ፡ ውሽጣዊ ሰላሙ ይኹን ሓሞቱ ምሉእ ሰብ፡ ኣብ ውሽጦም ንዘሎ ባዶነትን ጽልእን ኣጉሊሑ ስለዘርእዮም፡ ከጥፍኡዎ ወይ ከዳኽሙዎ ይጽዕሩ።
ብዘይካ ኣነ፡ ንዓይ፡ ምእንታይ፡ ባኣይ፡ ብሳላይ ካልእ ሕማም የብሎምን። በይኖም ኣድለይቲ ኣብ ዝኾኑላ ዓለም’ዮም ዝነብሩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን፡ ውልቃዊ መንነቶምን ዘለዎም ኣፍልጦን ንቕሓትን ዝንቡዕ’ዩ። ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ቅንጣብ ተገዳስነት የብሎምን። ይግባኣኒ’ዩ ዝብል ሕማም ዘጥቀዖም በለጸኛታት’ዮም።
ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ብዘስዕቡዎ ህልቂት፡ ዓመጽ፡ ጭካነ፡ ጎነጽ፡ ብኽነት፡ ዕንወት፡ ድሕረት፡ ድንቁርና ተሓተቲ ክኾኑ ምዃኖም ጥርጥር የልቦን። ኣብ ርእሲኡ በቲ ኩሉ ሕማቕ ተግባራቶም፡ ኣርኣያ ናይ ሕምቀት ብምዃኖም’ውን፡ ክኽሰሱን ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡን ኢዮም። ምኽንያቱ መራሒ ሃገር፡ ናይ ጽቡቕ ኣርኣያ ክኸውን’ዩ ዝግብኦ። ንኻልኦት ሰባትን መጻእቲ ወለዶታትን ብኣወንታ ምጽላው ማለት፡ ኣብ ህዝብኻን ሃገርካን ዘለካ ክቱር ፍቕሪ ምግላጽ ጥራይ ተባሂሉ ክሕለፍ ኣይክእልን። ካልእ ዓይነት ንኽልቲኦም ብተወሳኺ ተገልግለሉ ዝበለጸን ዝረቐቐን መንገዲ’ውን ኢዩ።
እዞም ሰለስተ ዕሉላት ግን፡ ንሕጊ ይጽየኑ ምዃኖም’ውን የመሳስሎም’ዩ። ውጹኣት ቀይዲ በተኻት’ዮም። ካብ ነብሶም ኣብሊጾም ዝፈትዉዎ ከኣ ሓደ ነገር ጥራይ’ዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ስልጣን ኢዩ።
ኢሰብኣውያን’ዮም። ህይወት ሰብ ምሕላፍ የደስቶም። ሰላም ህዝቢ ዘሪግካ ኣብ ራዕዲ ክነብር ምፍራዱ ባህታ ይፈጥረሎም። ብተግባርን ብዘረባን ወዲ ሰብ የዋርዱ፡ የነውሩን የዳፍኡን። ብቐንዱ ህላወኦም ንባዕሉ፡ ንደቂ ሰባት ውርደት’ዩ።
ንደቂ ሰባት ዘርብሕ ራኢ ይኹን ሕልሚ የብሎምን። ስለዝኾነ ናይ ካልኦት ራኢ ምዕፋን ከም ዕላማ ይወስዱዎ። ንዘዋናውን ሕልሚ ካልኦት፡ ናብ ዘባህርር ሕልሚ ንምቕያር ከይደቀሱ ይሓድሩ።
ጽቡቕ ድሌት ዝብሃል ነገር ኣይፈልጡን። ንህዝብን ሃገርን ይትረፍ፡ ንመሓዙቶምን ናይ ቀረባ ፈተውቶምን’ኳ ጽቡቕ ክምነዩ ዓቕሚ የብሎምን። ምኽንያቱ ልቦም ነቒጹ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ዝበቑሎ ኣይኮነን። ሕስድና ሓደ ካብ መለለዪ ባህርያቶም ኢዩ። ናይ ካልኦት ጽቡቕ ቅዱስ ቅንኢ ኣሕዲሩሎም፡ ካብኣቶም ተማሂሮም ንስራሕ ኣብ ክንዲ ዝጎዩ፡ ነቲ ናይ ካልኦት ስራሕ ንኸዕንዉ፡ ወይ ጽቡቕ ስም ካልኦት ንኸጥፍኡ’ዮም ዝደፋፍኡ። ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።
ብዛዕባ ዝፈጸሙዎ ጌጋ ወይ ጥፍኣት፡ ሓላፍነት ክስከሙን ክሕተቱን ፈጺሞም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ ግን ዋላ ካልኦት ንዝሰርሑዎ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ስራሕ፡ ንሳቶም ክስየሙሉን ኣድናቖት ክረኽቡሉን’ዮም ዝጠልቡ። ዝተመነዩዎ ናእዳ እንተሓሪምካዮም ጸላኢኦም ኢኻ። ዝፈጸሙዎ ጌጋን ጥፍኣትን እንተነጊርካሎም ከኣ፡ ከም ዕንቅፋት ይርእዩኻ’ሞ ኣንጻርካ ወራር ይእውጁ። ጌጋ መናብርቲ ወዲ ሰብ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ካብ ጌግኦም ተማሂሮም ክዓብዩን ክልወጡን ከምዘለዎም ክኣምኑ ዓቕሚ የብሎምን። ዝዓበየ ጸገሞም፡ ብትዕቢት ልቦም ስለዝተደፍነ፡ ንትሕትና ከም ድኽመት’ምበር ከም ሓይሊ ክርእዩዎ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ስለዚ ሰስግኡ ንዓና ዓዓጽሙ ንኸልቢ እንዳጎረቤትና ከምዝብሃል፡ ዝኾነ ዘጋጥም ጌጋ ወይ ጥፍኣት፡ ናብ’ቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ክጽጋዕ ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ግዳማውያን ሓይልታት፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ’ውን ፈጣሪ፡ ኩሉ ግዜ በቲ ባዕላቶም ዝፍጽሙዎ ጌጋ ተሓተቲ ኢዮም።
እቲ ዘደንጹን ዘጉህን ግን ተኣምራታዊ ብዝኾነ ንዓታቶም (ወይ ንደገፍቶም) ጥራይ ክርድኦም ብዝኽእል ዝንቡዕ ርትዒ፡ ነቲ ግዳይ ጌግኦም ወይ ጥፍኣቶም ዝኾነ ምስኪን ህዝቢ ወይ ወገን፡ ሓላፍነት ናይ’ቲ ባዕላቶም ዝፈጸሙዎ ጥፍኣት ኣሰኪሞም፡ ተሓታቲ ክገብሩዎ ምርኣይ ኢዩ።
ስዕረት ዝብሃል ኣብ መዝገበ ቃላቶም የለን። ንህይወት ኩሉ ሳዕ ከም ናይ ውድድር መድረኽ ኢዮም ዝርእዩዋ። ምምልላእ ይጽየኑ። ውድድር ኣብ ዘይብሉ ውድድር ይርእዩ። ውድድር ኣብ ዘየድልየሉ ውድድር ይፈጥሩ። ሰዓርን ተሳዓርን እንተዘየልዩ፡ ብዝበኣሰ ዓቕሎም የጽቡቡ። ሰዓርን ተሳዓርን ተፈልዩ ክፍለጥን ክዋዓዋዕን ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ትንኩልና ናብ ምፍሓስ ይኣትዉ። ከም ገለ ኢሎም ብገለ ክቆጻጸሩዎ ዘይክእሉ ሓይሊ እንተተሳዒሮም፡ ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ እዝጊ ዝጸልኣሎም’ዮም። ሽዑ ጥራይ’ዮም መሬት ክትውሕጦም ዝምነዩ። ንስዕረቶም ኣነኣኢሶም፡ ዘየለ ዓወት ምፍጣር ድማ ኣመሎም’ዩ።
ድርብ መለክዒ ፍሉይ መለለይኦም’ዩ። ንሳቶም ክውዕሉዎ ከለዉ ቅኑዕ ዝበሉዎ ተግባር፡ ካልኦት ክንዲ ሓደ ሚእታዊት ካብኡ’ኳ እንተዋዓሉዎ፡ ሻቡ ገበን ክብሉዎ ዕጅብ ኣይብሎምን።
ብምትላል፡ ምድንጋር፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብ ምግፋሕ፡ እንተኾይኑልካ ህዝቢ ምንቛት፡ እንተዘይኮይኑ ከተተፋንኖ ምጽዓር ካልእ እዞም ሰለስተ ዕሉላት ዝልለዩሉ ባህርያት’ዩ።
ሓንቲ ንኢሰያስ ካብቶም ክልተ ትፈልዮ ነገር ግን ኣላ። ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ክፈትዎ ኢሉ ብዘረባ ኣይጥብሮን’ዩ። በዓል ትራምፕ “ኩሉ ግዜ ሓቂ ክነግረኩም’የ” እናበሉ፡ ኣብ 1,455 መዓልታት 30,529 ሓሶት ይዛረቡ። እንቋዕ ካልኦት ዓዋናት ዝጎስሙዎ ሓሶት ኮነ’ምበር፡ ከኒና እንተዝነብር፡ ተነፊሑ ምሞተ ትራምፕ!
ናብ ኢሰያስ እንተተመለስና፡
“ኤርትራዊ ምስ ኢትዮጵያ ተሓዊስካ’ለኻ። ባስታ! ምስ ኢትዮጵያውያን ሓደ ህዝቢ ኢና። ኢለ’ለኹ! ኣነ ንኢትዮጵያ ዋላ ብህይወተይ ክሓልፈላ’የ። ኩሉ ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና ኢና። ካብ ሎሚ ኣቢቹ ክመርሓና’ዩ። ንኤርትራ ዋላ ይሽጣ ዝምልከቶ የለን” ክብል ቅንጣብ ሕፍረት የብሉን።
“ቅዋም ኣበይ ኣትዩ ኢሰያስ?” ምስ ትብሎ፡ “ቀቲለዮ ግዲ!” ይብለካ። “ፖለቲካዊ ለውጢ ዝደሊ እንታይ ይኹን?” እንተበልካዮ፡ “ናብ ማርስ ወይ ወርሒ ይኺድ ግዲ!” ይብለካ። “ንህዝቢ ኤርትራ ኣበይ አእተኻዮ ኢሰያስ?” እንተበልካዮ፡ “ኣጽኒተዮ ግዲ! ዓድታቱ ኸ? ኣባዲመየን ግዲ! ከተማታቱ ኸ? ኣዕንየየን ግዲ! ደቁ ኸ? ኣጥፊአዮም ግዲ! ሕድሪ ስውኣቱ ኸ? ናይ ምንታይ ሕድሪ?” ይብለካ ተጠሊዑ።
“ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ’ምበር ናይ መን ሕድሪ ድኣ?” እንተበልካዮ፡ “ኣየገድሰንን’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ሓድሽ ኣበባ ሓወልቲ ናይ ሃይለስላሰ ተሰሪሑ ባህ ኢሉኒ’ሎ!” ይብለካ። ኣሸበሸብ፡ “ቁሩብ ከ ብዛዕባ ናይ ኤርትራን ህዝባን ጉዳይ እንታይ ይኹን? ዋላ ታ ስናዕ ሓወልቲ መሰል ሽዳ ኳ ኣብቲ ማእከል ከተማ ኣይትድርብየሉን? ነብሱ መታዓሻሸዊ እንተኾነቶ’ባ ቁሩብ” ክትብሎ ዕድል እንተትረክብ፡ ምናልባት “ንኣቢ ሕተትዎ” ክብል ዝኽእል ሰብ’ዩ።
መቸም እዞም ገዛእቲ ከመይ ኢሎም’ዮም ከምዚ ዓይነት “መራሕቲ ሃገር” ኮይኖም፡ ዝብል ሕቶ ክልዓል ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ኣካራኻሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ስልጣን መባላሸዊ’ዩ ይብሃል ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን ሃብቲ ባህርያትካ ቀይሩ ዘይኮንካዮ ኣይገብረካን’ዩ ከምዝብሃል፡ ብተመሳሳሊ ስልጣን’ውን፡ ሓቀኛ መንነትካ ከጉልሕ’ምበር፡ ሓድሽ ባህርያት ክፈጥረልካ ዝኽእል ኣይመስልን።
ስለዚ ብዙሕ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ነገራት’ኳ እንተሃለወ፡ ብሓፈሽኡ ግን ዝኾነ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ፡ ብሓደ ይኹን ብኻልእ መንገዲ፡ ኣብ ዝገዝኦ ወይ ዝመርሖ ህዝቢ ሕመረት እንታይነቱ ክንጸባረቕ ናይ ግድን ኢዩ። ካብ ኢሰብኣዊ ሰብ ሰብኣዊ መሪሕነት ክትጽበ ዝክኣል ኣይኮነን። ገዛእ ርእሱ ዝጸልእ ሰብ፡ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዘለዎ መራሒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።
ንኣብነት ዶናልድ ትራምፕ ንውሰድ። ዶናልድ ጆን ትራምፕ ከም መበል 45 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ዘገልገለ ሰብ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ትራምፕ ኣብ ስልጣን እናሃለወ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ መንግስቱ ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ዝፈተነ ቀዳማይ መራሒ ሓንቲ ሃገር ከይኮነ ኣይተርፍን። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ጥሪ 6 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኣብ’ቲ ብካፒቶል ዝፍለጥ ኣባላት ባይቶ ዝእከቡሉ ህንጻ ንዝተፈጸመ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ዘጥፈአ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝቐስቀሰ’ዩ ዝንገረሉ ዘሎ።
ከም ሳዕቤን’ቲ ፍጻመ፡ ብዙሓት ኣመሪካውያን ነቲ ዝምክሑሉ፡ ከም ቅዱስ ቦታ ዝርእዩዎ ምናልባት ግን ንነዊሕ እዋን ከም ትሑዝ ዝወሰዱዎ ዲሞክራስያዊ መሰሎም፡ ዲሞክራስያዊ መስርሓቶምን ትካላቶምን፡ ኮንዶኾን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ከም ዋዛ ክኸስሩዎ ይኽእሉ ምንባሮም ተሰቊሩዎም ከምዝሰንበዱ ይፍለጥ።
ብዙሓት ንሱ ነታ ሃገር፡ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ምፍልላይ ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ይኸይድ ምሃልዉ’ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ናይ ስልጣን ዘመኑ፡ ብዛዕባ ውጽኢታውነት ዲሞክራስያዊ መስርሓት ናይታ ሃገር፡ ሓሶትን ዝንቡዕ ሓበሬታን ኣብ ምዝርጋሕ ብምንጣፍ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ መስርሓት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዩዎ ብምድፍፍእ ይኽሰስ። ሕጊ ኣልቦነት ክስዕርር፡ ኣብ ክንዲ ርትዒ ድንቁርና ከስፋሕፍሕ’ውን መሪሕ ተራ ከምዝተጻወተ ይንገረሉ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ፡ ስደተኛታትን ንዕኡ ዘይድግፋ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ኲናት ከምዝኣወጀ ብሰፊሕ ይዝረብ።
ብሓጺሩ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዙሓት ነቲ ዝኸፍአ ዝብሃል ባህርያት ወዲ ሰብ ኮሪዖም ከንጸባርቕዎ ፍቓድ ዝሃበ መራሒ’ዩ ኮይኑ ተረኺቡ። ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ድማ ከምዝሓመቐ ፕረዚደንት ክምዝገብ’ዩ።
እዚ ኣብ መዝገብ ሕማቓት ዝሰፈረ ትራምፕ ግን ከመይ ዓይነት ሰብ’ዩ? ስለምንታይ ከ ከምኡ ዓይነት ሰብ ኮይኑ፡ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ምህርቲ ጓል ሓዉ ሜሪ ትራምፕ፡ ብዛዕብኡ ዝበለቶ ምምልካት ይክኣል።
ከም ኣበሃህላኣ፡ ዶናልድ እቲ ዝሓመቐ ሰብ ኢዩ። ካብ ቁልዕነቱ በኣቡኡ ለዋህ ምዃን ድኽመት ምዃኑ’ዩ ዝንገር ነይሩ፡፡ ሓደ ጥራይ ሰዓሪ ክህሉ ከምዝኽእል እናተነግረ’ዩ ዓብዩ፡፡ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ኣዲኡ ብጽኑዕ ብምሕማማ፡ ኣቡኡ ድማ ፍቕሪ ስለዝነፈጎ፡ ፍቕሪ ወለዲ ክረክብ ኣይክኣለን። ብሸውዓተ ዓመት ዝዓብዮ ቦኽሪ ሓዉ ፈቃር፡ ለዋህ፡ ለጋስን ብምንባሩ፡ በቲ ኣዝዩ ሃብታም፡ ግን ከኣ ክፍኣት ዘድንቕ ኣቡኡ ክዋረድን ክሳቐን ይርኢ ነይሩ። በዚ ተደሪኹ ነብሱ ከድሕን ወሲኑ። ነቲ ናይ ኣቡኡ ትካል ክርከብ’ውን ባህጊ ነይሩዎ። ነዚ ክረክብ ግን መጀመርያ፡ ኣቡኡ ክኣምነሉን ክቕበሎን ኣድላዪ ኮይኑ ረኺቡዎ። ኣቡኡ ክኾርዓሉ ምእንቲ ሰባት ኣዳፊኡ፡ ሓስዩ፡ ሰሪቑ ይኹን ኣታሊሉ’ውን እንተኾነ ክዕዉት ክጽዕር ጀሚሩ። ንሜሪ ትራምፕ ንባዕላ፡ ጓል 16 ዓመት እንከላ ኣቡኣ (ቦኽሪ ሓዉ ንትራምፕ)፡ ወዲ 42 ዓመት ምስ ኮነ ብሕማም ድሕሪ ምማቱ፡ ክኣልያን ክሕብሕባን ይትረፍ፡ ምቅሊት ውርሻኣ’ኳ ክህባ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ካብ ኣቡኡ ግን ዝተመነዮ ቆላሕታ፡ ኣድናቖትን ተቐባልነትን ክረክብ ክኢሉ።
ኣብ ሽምግልንኡ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሒ ናይታ ኣብ ዓለምና ዝሓየለት ሃገር ምስ ኮነ’ውን፡ ምድፋእ፡ ብልሽውና፡ ምትላል፡ ሓሶት ይኹን ብድዐ ከቋርጽ ኣይክኣለን። ብስንኩላን ኣላጊጹ። እሰሮ፡ ርገጾ፡ ኮንኖ፡ ንዮ በሎ ዝብል ጽዩፍ ቋንቋ ብምጥቃም ሰባት ኣዳፊኡ። ንደገፍቱ ድማ ኣናዓዒቡዎም። ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ ቆላሕታ ብምርካብ ግን፡ ባዶነቱ ክመልእ ፈቲኑ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ዕጫ ኩሎም ዓመጽትን ትዕቢተኛታትን በጺሑዎ። መዓልተን ሓልየን፡ እተን ክልተ ልዕሊ ብዙሕ ካልእ ዝጽየነን ስዕረትን ውርደትን ደበኽ ኢለን። ፈተውቱን ሓገዝቱን ወጊዞሞ። ዕድኡ ተራቢሑ። ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ጭብጥታቶም ኮሚሮም ክስታት ክምስርቱ ይጽበዩዎ ኣለዉ። መጻኢኡን መጻኢ ደቁን ጸልሚቱ።
ኢሰያስን ኣብዮትን’ውን ብመዓልቶም ክስዕቡዎ ኢዮም። ክሳብ ሽዑ ግን እስከ ኣሕጽር ኣቢልና፡ ዛጊት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብጺሖሞ ዘለዉ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ንመልከት።
ክልቲኦም ብውድቀት ክልተ ሃገራት ተሓተቲ ኢዮም። ምኽንያቱ ፋንድ ፎር ፒስ ዝተባህለ ሓደ ጎነጻዊ ግጭታት ኣብ ምክልኻልን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ድሕነት ኣብ ምርግጋጽን ዝነጥፍ ዘይመንግስታዊ፡ ኣመሪካዊ ትምህርታውን ናይ መጽናዕትን ትካል ከምዝሕብሮ፡ ሓደ መንግስቲ ብግቡእ ዘይዓዪ ወይ ሕጋውነቱ ዘጥፈአ እንተኾይኑ፡ እታ ሃገር ውድቕቲ (ፈይልድ ስተይት) ኢያ። ብተወሳኺ፡
“ሓንቲ ሃገር እንተደኺማ ከምኡ’ውን፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ዝነበሮ እንተወሪዱ መንግስቲ ክዓኑ ተኽእሎ ኣሎ” ይብል እቲ ናይ ፋንድ ፎር ፒስ ጽሑፍ። ብመሰረት እቲ ጽሑፍ ሓንቲ ሃገር፡
– ግዝኣታ ክትቆጻጸር ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ እንተበጺሓ፡ ወይ ባዕዳውያን ሓይልታት ናብ ግዝኣታ ኣትዮም ዝፍጽምዎ ተግባራት ከም ሕጋዊ ተወሲዱ ዝሕለፍ እንተኾይኑ፡
– ሓባራዊ ውሳነ ንምውሳድ ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን እንተተዳኺሙ
– ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከተቕርብ እንተዘይክኢላ
– ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ማሕበረ-ሰብ ርእሳ ክኢላ ምስ ካልኦት ሃገራት ክትዋሳእ ዘይትኽእል እንተኾይና፡ ዝወደቐት ሃገር (ፈይልድ ስተይት) ተባሂላ ክትጥቀስ ትኽእል።
እቲ ናይ ፋንድ ፎር ፒስ ጽሑፍ ፡
“እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኣዝዩ ካብ ምድኻሙ ዝተላዕለ፡ ግብሪ ክእክብን ኣድላዪ ነገራት ከቕርብን እንተዘይክኢሉ፡ ዝበዝሐ ካብ ግዝኣቱ ኣብ ባይታ ብዝነኣሰ መጠን ጥራይ ዝቆጸጻሮ እንተኾይኑ ግቡእ ኣገልግሎት ኣይህብን። እዚ ኣብ ዝኽሰተሉ ብልሽውናን ገበንን ይስዕርር። ስደተኛታትን ከይፈተዉ ካብ ቤቶምን ንብረቶም ዝመዛበሉ ክፋላት ሕብረተ ሰብ ክርኣዩ ይጅምሩ። ጣልቃ ኣታውነት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ይኽሰት። ርኡይ ቁጠባዊ ምንቁልቋል የጋጥም። ኣብታ ሃገር ውሽጣውን ግዳማውን ወታሃደራዊ ምትእትታው’ውን ከጋጥም ይኽእል” ይብል።
በዚ መሰረት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኹሉ ካብዚ ዝተጠቕሰ መለክዒታት ዝወደቓ ሃገራት ኢየን። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ 1997 ዓ/ም ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘይነበሮ ስርዓት ስልጣን ሒዙ ብምህላዉ፡ ዘይሕጋዊ ስርዓት’ዩ። እታ በዚ ዘይሕጋዊ ስርዓት ትመሓደር ዘላ ሃገር ድማ፡ ዝወደቐት ሃገር ካብ ትኸውን ዳርጋ 25 ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ ማለት’ዩ። ብዝተረፈ ናይ ኤርትራ ነገር ኩሉ ዝፈልጦን ኣፍና ደም ዝወጽኣሉን ስለዝኾነ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከነብል።
ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ናይ ኣብዮት ኣሕመድ ስርዓት እንተርኣና’ውን፡ ብሓደራ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕ፡ ክሳብ ግዜ ምርጫ ክጸንሕ ስልጣን ተዋሂቡዎ ከብቅዕ፡ ብለበዳ ኮሮና ኣሳቢቡ ምርጫ ብምሕሳም፡ ነገር ኣዴኻ ከምዝላኣኸትካ ዘይኮነ፡ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ ገይሩዎ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኢትዮጵያ ትብሃል ሃገር ከም ዘይነበረት ገይሩዋ ኣሎ። ንሱ’ውን ፌደራላዊ ሕገ መንግስቲ ናይታ ሃገር ናብ ስልጣን ከምዘየምጽኦ፡ ሕጊ ጥሒሱ፡ ሕጊ ከኽብር ብዝብል ምስምስ፡ ለበዳ ኮሮና ከይዓጀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ኲናት ኣዊጁ። ባዕዳውያን ሓይልታትን ሚልሻ ኣምሓራን ኣሰሊፉ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ከምዝቐተለን ከምዘቕተለን’ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ። መቸም በየናይ ናይ ኲናት ገበናት ከምዝኽሰስ መርመርቲ ይጭነቆም’ዩ ዘብል።
ተመሊሱ’ውን ምርጫ ክካየድ’ዩ ክብል ይስማዕ ኣሎ። ፌደራላዊ ሕገ መንግስቲ ብግብሪ ኣፍሪሱዎ ኢዩ። ስለዚ በየናይ ሕገ መንግስቲ የማሓድር ኣሎ ዝተፈልጠ ኣይኮነን። ዘካይዶ ምርጫ ሕጋውነት ክህሉዎ ድዩ? በየናይ ሕገ መንግስቲ ኸ’ዩ ሕጋውነት ክህሉዎ ዝጨነቐ ይጭነቆ’ዩ ዘብል።
ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህላወ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ካብ ተኣመኑ፡ ሱዳን ዝጎበጠቶ መሬት ከምዘለዎም’ውን ካብ ተዛረቡ፡ ኣብዮት ኣሕመድ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ከኽብር’ውን ኣይክኣለን። ቅድሚ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ዓሌት ናይ ምጽናት ወራር፡ ኣብታ ሃገር ድሮ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ንህዝቢ ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሓሪሙዎ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ካልእ ክፋላት ናይታ ሃገር እንተኾነ’ውን ህዝቢ ግቡእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዘይክኣለ ይንገር።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ግን ጥምየት፡ ስእነት፡ ሽግር ከም ተወሳኺ ናይ ህልቂት መሳርሒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብሓጺሩ፡ ኢትዮጵያ’ውን በቲ ኣቐዲሙ ዝርኣናዮ ኩሉ መለክዒታት ዝወደቐት ሃገር’ያ ኮይና ዘላ።
ኣቐዲምና ከምዝርኣናዮ፡ እቶም ክልተ ሕሱማት ገዛእቲ ከም ሰብ’ውን ዝወደቑ ኢዮም። ስለዚ’ዮም ክልተ ሃገራት ኣውዲቖም ዘለዉ። እቶም ንኸምዚኦም ዝበሉ ዝድግፉ ሰባት ኸ ከመይ ዝበሉ ሰባት ይኾኑ?
ብብዙሕ መንገዲ ከም መራሕቶም ዓመጽቲ ናይ ምዃን ባህጊ እናሃለዎም፡ ግን ዓቕሚ ከምዝጎድሎም ኣሚኖም ጊላ ናይ ምዃን ጽሕፍቶ ዝመረጹ ኢዮም። ብቐንዱ ሰብኣውነቶም ዝኸሓዱ፡ ሕልንኦም ዝቐተሉ ኣእዱግ’ዮም ምባሎም ጸርፊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣድጊ’ኳ ዋናኣ ብዘይጠይቂ ኣይጽዕናን’ዩ። እንተኸፊኡዋ ብምንዳሕ ነብሳ ክትከላኸል ከምትኽእል ስለትፈልጥ ኣይትምሕርን’ያ። እዞም ደገፍቲ ዓመጽቲ ግን ብዘይጠይቂ ተጻዒኖም ዞጋሕ እናበሉ፡ ከም ጽምብላሊዕ ጽቡቓትን ተሃወስትን ክመስሉ ያኢ ዘይኣልሙዎ ውዲት የለን። ይኹን’ምበር፡ ሰብ’ኳ ኣይኮኑን።
ቅድሚ ዝኾነ ፖለቲካዊ መርገጺ፡ ዜግነት፡ ሃይማኖት ይኹን ብሄር፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ኣካዳምያዊ እንታይነት ወይ መንነት ዝተፈጥረ ሰብኣውነት’ዩ። እዚ ኩሉ ካልእ ዝህሉን ክምዕብል ዝድለን፡ ወዲ ሰብ ከም ሰብ፡ ከቢሩን ቀሲኑን ምእንቲ ክነብር ጥራይ’ዩ።
ሰብ መጀመርያ ሰብ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ፡፡ ብስቓይ ካልእ ከምኡ ወዲ ሰብ ዝሕጎስ፡ ብውርደት ወዲ ሰብ ዝፍሳህ፡ ብዕንወት ዝድሰት ሰብ፡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ወዲ ሰብ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። መርኣያ ሰብኣውነት ክኸውን ዘይክኣለ ኩሉ ድማ ልክዕ ከም ኢሰያስ፡ ኣብዮትን ትራምፕን፡ ንነብሱን ንኹሉ ካልእ ወዲ ሰብን ስቓይ’ዩ። ልክዕ ከም ትራምፕ ድማ ዕጭኦም መወዳእታ ኩሉ ግዜ ውርደትን ስዕረትን ኢዩ።
ዓወት ንዉጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን!
ውድቀት ንወረርትን ዓመጽትን!
ኤደን ኢያሱ
Dear Eden everything you said is full of veracity and genuinely true, however forget the two foreign characters you mentioned in your narration, talk about the domestic menace to society we know intimately and his inhumane ways we grew accustomed to through the armed struggle for liberation years, with his mission done locally, he is just exporting it south of the border, it might be new for hizbi tigray not for us, we are paying dearly for our complicity then– 2 generations and counting.. it was a close call here where I call home today but the people spoke, the democratic instruments prevailed and the domestic terror repelled, back home the land has been a quicksand for its inhabitants for over half a century– it is night and day, there is no comparison here.
ክብርቲ ኃውትና ኤደን
ጽሑፍኪ ብሓቂ ነዞም ሰይጣናዊያን ውልቀ መለኽቲ ልክዕ ምስልታቶም ኢኺ ኵድጭ ኣቢልክዮ። ኣእዱግ ቢልኪ ክትሰምይዮም ንኣድጊ ውርደት’ዩ፡ ከመይ ቀዳሞት ኪምስሉ ኣብ ዓለም ክልተ ፍጡራት ኣለዉ ግቡእ ኣስማት ዘይረኸቡ “ንኣድጊ ክብረት ንሰበይቲ ድማ ብርሃን” ክንብሎም ይግብእ ይብሉ። ስለቲ ንጹርን ባህርያት እዞም ኣጋንንቲ ምግላጽኪን ሰዓሪ ጽልመት ብርሃን ስልዝኾነ ኵሉ ብጻላምን ምስጢርን ዘዳለዉዎ ናይ ህልቀት ውዲት ጊዜኡ በጺሑ ይግላህን ይቃላሓን ኣሎ። ከምቲ ቀሲስ ዶር. ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ “ናይ ሕጊ ተፈጥሮ ቀስት ነዊሕ’ዩ እንተኾነ ወትሩ ናብ ፍትሒ’ዩ ዝደንን፡” ስለዝኾነ ዓማጺ ናብ ፍርዲ ዝቐርበሉ ኢዱ ዝረኸበሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይኪኸውንን’ዩ። ተስፋን ጽንዓትን ኣዕኑድ ናይቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ፍዳ ፈጣሪ እያተን። ፍትሒ ዘይብሉ ድማ ሰላም ኪሰፍን ኣይክእልን’ዩ። ደጊመ የቐንየለይ ክብረት ይሃበልይ እብል።