ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ካብ ተቐባሊ ሽልማት ኖቤል፡ ናብ ዕሉል ገሃሲ ሰብኣዊ መሰል
እታ ዕቁር ባህርያዊ ሃብታን ሰብኣዊ ጸጋታታን፡ ኣብ ክንዲ ድኽነትን ድሕረትን ትውግደሉ፡ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ትሃንጸሉ፡ መነባብሮ ህዝባ ተማዕብለሉ፡ ስርዓተ ሕጊ ተንግሰሉን ህዝባዊ ስልጣን ትተኽለሉን ሰላም ሓሪምዋ ዘሎን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ሓላፍነት ዝጎደሎምን ስሱዓትን ብህርፋን ስልጣን ዝዓወሩ መራሕታ፡ ህዝባ ኣብ ቀጻሊ፡ ኩናት ሓድሕድ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ስደት፡ ሕማምን ድንቁርናን ተቃሊዑ ይርከብ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ድማ ብፍላይ፡ ሓንሳብ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ጭፍለቃ ካልእ እዋን ድማ ብሰበብ መሬት፡ ሃይማኖትን ውድድር ስልጣንን ዝነቅል ቀቢላዊ ግጭትን ከምኡ’ው ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ዶባዊ ምስሕሓብን ኣብ ሓድሕድ ጉዳያት ጣልቃ ምእታውን፡ ብዘይካ ቅልጽምካ ሰብሲብካ ሓዊ ምውላዕ፡ ልቦና ዝመልኦ ዘተን ምጽውዋርን ኣይርአን ኢዩ።
ዓለም ዘለዋ ሰብኣዊ ዓቅምን ገንዘብን ኣወሃሂዳ ነቲ ህይወት ሰብ ዝቀዝፍን ቁጠባ ዘልምስን ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝለዓለ ምርብራብ ኣብ ተካይደሉ ዘላ ኣዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ህልቂትን ምምዝባል ሰለማውያን ሰባትን ድማ፡ ንስግንጢርን ሕልና ኣልቦን መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዘግሃደ ፍጻመ ኢዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርምን ዘሐዝንን ከኣ፡ እቲ ኣዕናዊ ኩናት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት(2019) ሽልማት ኖቤል ዝተቀበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምምብርካኽ ምእዋጁ ኢዩ።
ኣብ 2018፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኩናት ምትፍናን፡ ብሰላም ክፍታሕ ተበግሶ ስለዝወሰደን ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ክምለስ ስለዝሓገዘን ተባሂሉ ናይ 2019 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ። ብተግባር ከምዝተራእየ ግን፡ እቲ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ንጉስ ክኸውን ካብ ንእስነቱ ባህጊ ዝነበሮ ኣቢዪ ኣሕመድን ዝተገብረ ንህዝቢ ዘይተነግረን ዘይንጹርን ስምምዕ ሰላም፡ ውልዕ ኢሉ ኢዩ ቅሂሙ። እቲ ኣቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣቃልቦን እምነትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ናይ ሓሶት ስምምዕ ሰላም ተጠቂሞም፡ ተቃወምቶም ዘጽንትሉ፡ ናይ ስልጣን ሕልምታቶም ዝፍጸመሉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝድፈረሉን ድሌታት ባዕዳውያን ዝትግበረሉን መደባት ከነጣጥፉ ጸኒሖምን ካብ ነገስታት ስዑድያን ኢማራትን ድማ ዓስቢ ክድዓቶምን ተደቢሮም ጫማ ምልሓሶምን፡ ክሳዶም ዘይጸሮ ኣዋርቅ ተሸሊሞምን ሚልዮናት ዶላራት ተቀቢሎምን።
መርኣያ ናይቲ ኣቢዪ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንነዊሕ ኣዋርሕ ክጥጅእዎ ዝጸንሑ ዘይቅዱስ ተንኮላት ከኣ፡ እቲ ብ4 ሕዳር 2020፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘይፈልጦን ኣብዘይምልከቶን ኩናት ተጠቢሱ ደቁ ዝኸሰረሉ፡ ልኡላውነቱ ዝተደፍረሉን ምስ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ዝተዘርኣሉን ገበን’ዩ። ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደን ገና ዝቅጽል ዘሎን ኩናት፡ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ዓንደርቲ ኣቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን እኳ እንተኾኑ፡ ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሽልማት ሰላም ዝተዋህበ ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ኣቢዪ ኣሕመድ ኢዩ። ገለ ካብቲ ንኣቢዩ ኣሕመድ ብገበን ኩናትን ሰብኣዊ ህልቂትን ዘሕትቶ ድማ ሒደት ጭብጥታት ምጥቃስ ይከኣል፡፡
ሓደ፡ መበገሲ ናይቲ ኩናትን ንሱ ዘስዓቦ ዕንወትን ንምፍላጥ ብናጻ ኣካል ምጽራይ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ፡ ብጉልባብ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ልዕሊ ወከልቱ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመረጸ ህዝቢ ትግራይ፡ ዓለም ሓቂ ከይፈልጥ፡ ኣገልግሎት ተለፎን፡ መጓዓዝያ፡ ባንኪ፡ መብራህቲ፡ ኢንተርነትን ረጊጥካን ኣቋሪጽካን ብሓይሊ ንምድቋስ ኩናት ምእዋጅ፡ ዘይሓላፍነታውን ዘይቅቡልን ኢዩ።
ክልተ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ሃገራትን ዞባውያን ውድባትን፡ ኩናት ጠጠው ክብልን ሰብኣዊ ቀረብን ኣገልግሎትን ክፍቀድን ድሕነት ህዝቢ ክሕሎን ዝተገብረ ምሕጽንታን ጻውዒትን ብምሕሳም ኩናት ምቅጻል፡ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ከምዝፈናቀልን ኣብ ሓደጋ ምውዳቅን፡ ብሓላፍነት ዘሕትት ኢዩ።
ሰለስተ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 4 መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መታን ኣብቲ መዓስከራት ግቡእ ንጥፈታቶም ከካይዱ፡ መሳለጥያ ክቅረብ፡ ጥጡሕ ባይታ ክፍጠረሎምን ተኹሲ ከቋርጽን ንዝቀረበ ጻውዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብጥሜት፡ ብሕማምን ስነኣእምራዊ ጭንቀትን ምስቃዮምን ኣብ መንጎ ሓዊ ተቀርቂሮም ንሞትን መውጋእትን ምቅልዖምን፡ ብዕጡቋት ጉጅለ ህግደፍ ምጭዋዮምን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ውዕላት ስደተኛታት ስለዝኾነ ብገበን ዘሕትት ኢዩ።
ኣርባዕተ፡ ኣብቲ ሰራዊት ክልላት ኣምሓራን ሶማልያን ከምኡ’ውን ተገዲዱን ብዘይኣፍልጦን ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ዝተጠብሰ ሰራዊት ኤርትራ ተሓጊዙ ዝካየድ ዘሎ ኣቢዪ ኣሕመድ ዝኣወጆን ምኽሪ መላኺ ኢሳያስ ዘለዎን ህልቀታዊ ኩናት ፡ “ሰላማዊ ሰብ ኣይቀተልናን፡ ንብረት ኣይዘመትናን፡ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ጥራይ ኢዮም” ኢልካ ንዓለም ምድንጋር፡ ንሓቂ ምቅባርን ካብ ተሓታትነት ምህዳምን ገበን’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳን ተሰዲዶም ካብ ዘለዉ ኣስታት 50 ሽሕ ዝበዝሑ ቆልዓ ሰበይትን ህጻናትን ከምዝኾኑን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን መቀለን ብሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቀትሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዘለዉን ድማ ጭቡጥ ምስክር ኢዮም።
ሓሙሽተ፡ መላኺ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ንተወላዶ ትግራይ ንምጽናትን ንምርዓድን ከካብ ዘለውዎ ጽፍሒታትን ሓላፍነትን መንግስቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ሰራዊት ምክልኻል ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሶማል ኣብ ምኽባር ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ደቂ ትግራይ ዕጥቆም ብምውራድን ካብ ቤቶም ከይንቀሳቀሱ ብምእዛዝን፡ ብምእሳር፡ ካብ ስርሖም ብምብራር ንብረቶም ብምዝማት፡ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ብምድስካል፡ ተለፎናቶም ብምቁራጽ፡ ዘርኢ ናይ ምጽናት ሽርሒታት ብምክያድ ኢሰብኣዊ ተግባራት ተፈጺሙ።
ብኣጠቃላሊ፡ ናይዚ እዋን’ዚ ውልቀ መላኺ ኣቢዪ ኣሕመድ ምስ ገዲም መላኺ ኢሳያስ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጉልባብ ምኽባር ሕጊ ዘካይዶ ዘሎ ኩናት ዘይቅቡልን ኣሕጉራዊ ሕግታት ዝጠሓሰን እሺ ኢሎም ንዘይኣምኑልካን ብሓይሊ ምጭፍላቕ እምበር፡ እቲ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብቂዑ እንከሎ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣመኽንዩ ስልጣን ክቅጽልን ዝህንጠ ዘሎ መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ኢዩ። ዓርኪ ሰባር ነቃዕ ከምዝብሃል ድማ፡ ምስቲ ን30 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ እናጨፍጨፈን ብልኡላውነት ኤርትራ እናተዋገየን ትልኽ ዝብል ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝግበር ዕርክነት ንባዕሉ ምስ ገበነኛ እትገብሮ ጽግዕግዕን ዘይቅዱስ ኪዳናትን ኣእዳውካ ብደም ዝጨቀወ ገበነኛ እምበር ጻድቕ ክገብረካ ኣይክእልን’ዩ። ኩሉ ህሉዉ እከይ ተግባራት ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ፡ ካብ ተቀባሊ ሽልማት ኖቤል፡ ናብ ዕሉል ገሃሲ ሰብኣዊ መሰል ስለዝተቀየረ፡ ቀይሕ ናይ ገበን ወረቀት ክወሃቦ’ዩ ዝግብኦ።
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 4 ታሕሳስ 2020
ReplyForward |
Well said Emma.
This personality didn’t show up to the Horn’s political arena haphazardly, somebody gambled on him and set him up with the grazmach of adihalo as his wingman, that gamble’s outcome is yet to be seen, if it doesn’t work there is always plan B, of course at the expense of the poor people. Folks, once again, these characters are occupying too much of our time these days because that’s what they like– the spotlight and we’re giving it to them, lets heed Haw Wedi Hagher’s advice, ‘GUDAYNA NIGBER’, this way we can put the Eritrean people back into the spotlight like we did then.
Commentary 7 Dec 2020
We knew who Issayas was in the first quarter of 1991. That was twenty nine (29) years ago — almost the longevity of the struggle (30 years) for the liberation of Eritrea We are still talking , writing, insulting each other while skirting around like ‘qudda’ without going onto the climax of the ‘guailla’ >>> ‘sibra’ . Ahhhhhh….. if only Issayas didn’t know our inherent DEEPEST characteristic nature. But he knows us so intimately. After all, he was born, raised, cultivated, and educated in Eritrea. Burt with ONE VERY UNFORTUNATE LABLE & CALLED as AGAME. He grew up HATING that label and consequently developed salient DEEP hatred for the Eritrean society I.e. fully charged personality, covered by hatred.
What is so extraordinary consequence of that seemingly unimportant name-calling is the fact that Issayas, with his deeply affected characteristic, joined the Eritrean Liberation Force (ELF) struggle where his crafty and hateful nature was able to crack the ELF right along its natural weakness — basically RELIGION. And so, the consequence of that division was the formation of EPLF, under Issayas, which lead to the liquidation of ERITREANS by ERITREANS in the middle of a simulatneous war for the liberation of Eritrea from Ethiopia!!! It is simply unimaginable by others to fathom TWO BROTHERS KILLING EACH OTHER WHILE AT THE SME TIME FIGHTING KIN NEIGHBOURS!!!
And so the mystery of Eritrean people goes on, and on, on permanent struggle for THAT ELUSIVE TRUE LIBERATION of ERITREA. There is always ‘TOMORROW’. In the process, TIME has its own surprises and applies it on the pure hearted Eritreans, thus witnessing YOUNG ERITREANS obliged to sacrifice their LIFE for neighbourhood wars while ERITREANS from SAFE distance abroad are busy appealing to the international community to save Eritrea. The international community, true to its inherent characteristic, is busy writing papers and fulfilling their obligations to warrant their monthly rich salary and pleasure of traveling abroad — with attractive per diem, apart from their salary, of course.
And so, where do we go from here? We don’t go [DO NOT GO] anywhere. We make ourselves busy writing >>> as I AM doing now <<<< and just enjoy the peaceful and tranquil Life abroad far, far, far away from our DEAR HOME of YESTERYEARS, which turned out to be Purgatory. Who wants to live in Purgatory? NONE, as attested, clearly and dangerously, by the FLOOD OF ERITREAN REFUGEES abandoning their beloved Eritrea at ANY COST under the sun >>> as we are already witnessing, and/or hearsay. To reiterate, we have been doing THAT for twenty-nine (29) years. Haven’t we?!?! THE END
” …. joined the Eritrean Liberation Force (ELF) struggle where his crafty and hateful nature was able to crack the ELF right along its natural weakness — basically RELIGION ”
rezen
ሰላማት ንኩሉኹም ፣
ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ስሚዒታት ፥ ኣብ መዳ ኤሪትራ ኩሉ ግዜ ነይሩ ። ማሕበራዊ ቡዙሕነት ኣብ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ፥ ኩሉ ፍልልያቱ መሰረት ዝገበረ ስሚዒታት ናይ ንሕና ንሶምን ክህሉ ባህሪያዊ እዩ ።
ንኣብነት ፥ ቡዙሓት ቀቢላታት ኣብ ዘለዎኦ ሃገር ከም ሶማል ፥ ብኹሉ ካልእ (ዓሌት/ሃይማኖት) ሓደ ክንሶም ፥ ኣብኡ’ውን ፍልልያት ኣይተረፈን ።
እቲ ጸገም ቀቢላ ወይ ሃይማኖት ዘይኮነስ ፥ ነዚ ፍልልያት ዘሳዉር ፖሊቲከኛ ምህላዉ እዩ።
ከምቲ እሰያስ ዝበሎ ፥ ኣብ መዳ ኩቱር ጽልኢ ናይ ክርስትያን ዝነበረ ኣይመስለኒን ። ምኽንያቱ ቅድሚ ንሱ ምምጹኡ ይኹን ብድሕሪኡ ፥ ደቂ ሰንሒት (ክርስቲያን) ከም ዝነበሩ ይዉረ ።
ግን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ፥ ነቶም ኣብ ገድሊ ክጽንበሩ ንዝመጹ ደቂ ከበሳ ብዓይኒ ጥርጠራ ምርኣይ ነይሩ።
ግን ከምኡ ከንሱ ፥ ኣብ ከምኡ ጹንኩር ኩነታት ፥ ዝቃለሱ ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ደቂ ከበሳ ነይሮም ። ገብረህወት ሕምብርትን ፥ ገብረህወት ቀለታን ከም ኣብነት ክጠቅስ ይደሊ።
ነቶም ተፈንጪሎም ፥ ኣብ ዓላ ዓስኪሮም ዝነበሩ ተጋደልቲ ንምምላስ ዝኸደ ሉኡኽ ተ.ሓ.ኤ. መብዛሕቲኦም ደቂ ከበሳ እዮም ነይሮም ።
ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ፥. ኢቲ ዲሒሩ ዉግእ ሓድሕድ ዘስዓበ ቀንዲ ምፍሕፋሕ ኣብ ሞንጎ ኣስላም እዩ ነይሩ ።
ቡዙሓት ዓድታቶም ብጸላኢ ዝነደደ ፥ ከምኡ’ውን በተሰቦም ብጦርሰራዊትን ኮማንዶስን ዝተቀትሉ ፥ ኣብ ቃልሲ ይስለፉ ብምንባሮም ፥ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስሚዒታት ፥ ኣብ ሞንጎ ኤሪትራውያን ፥ ከምቲ እትዮጵያ እትደልዮ ዝነበረት ፥ ደም ምፍሳስ ንኸየኽትል ቡዙሕ ጥንቃቀ ዘድሊ ጹንኩር መድረኽ ከም ዝነበረ ንሰሚዕ ።
እሰያስ ፥ ጀብሃ ሓራዲት ደቂ ከበሳ እያ እሉ ፥ ብዘይ ገለ ሕቶ ፥ ንሓምሳ ዓመት ስልጣን ክብሕት ኪኢሉ ። ሎሚ እቶም ንዑኡ ኣሚኖም ኩሉ ዘረከቡዎ ህዝባዊ ግንባር ፥ ንሱ ካብታ ንመዳ ዝመጻላ ዕለት ጀሚሩ ፥ ብዘይካ ጽልኢን ቅርሕንቲን ምስዋር ፥ ዝዋዓሎ ጂግንነት የለን ይብሉ ኣሎው።
ኣብ ኤሪትራ ንሃይናኖታዊ ጽልኢ ቦታ የለን ።
You put it in a plain but objective language W.H. just keep your power points coming, a prominent American political scientist said,’ we are tribal in nature..’, the problem is those who seize our tribalism as an opportunity for their personal gain, and nobody has exploited that than the one who is lying down and getting daily head to toe massage by his young concubines in adi halo looking the youngest among his peers— over half a century reign and still going strong>>> what happened to the Eritrean I knew then?
ሰላማት ኩቡር ዶቶረን ፥ ኩቡራት ኣሕዋት፣
ኣብ መዳ ዝነበረ ኩንታት እትገልጽ ፥ ብጅግና ተጋዳላይ ገብረመድሂን ዘገርጊስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኣላ።
ተጋ. ገብረመድሂን ብ1969 ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ ፥ ኣብ ኣገዳሲ ምዕባሌታት ሰዉራ ኤሪትራ ዝተሳተፈ ሰብ እዩ።
ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ንዓዲ ኩልና ኸይዱ ፥ ነፍሱ ይምሓሮ።
ኣርእስቲ እታ መጽሓፍ፥
ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ታሪኽ ሰዉራ ኤሪትራ።
ሰላማት ኣሰና
ኢሳያስ ዘሰልጠኖ ከልቢ ንዑኡ ዝመስል ኩርኩር ምስ ወለደ፡ ኢሳያስ ነቲ ኩርኩር መንዚዑ ነዲኡ ወላዲቱ (ነታ ከልቢ) ክቀትላ ቾብ ኢሉላ፡ ክርኩርን ከልብን ሓመድ ይላሓሱ ኣለዉ። ንዓና ንኤርትራውያን የሰምብደና፥ የሕዝነናን ንጉሂ፡ ዎዮ ኩርኩር ኣብ ክንዲ ፈታዊ ሰብ ዝኸውን ብንግሁኡ ኣራዊት ተቀይሩ።
ኣብ ጉዳይና ክንኣቱ ተኾይኑ፡ ሕማም ኤርትራ ኣብ ኣርባዓታት ምስ ምውላድ ፖለቲካዊ ንቅሓት ኤርትራውያን እዩ ዝውለድ፡ በቲ ናይቲ ዘበን (ዘበነ 1940ታት) ኣታሓሳስባ፦
1. ሃገር ብመነጽር ዓዲ ዝርኢ (ጉርማጽ – ተጎታቲ)
2.ብባህልን ቋንቋን ዝጎዛዚ (ጽግዕተኛ – ተጎታቲ)
3.ዉሑ ሃገራዊ ራኢ ዝነበሮ (ገስጋሲ – ሶጓሚ)
እዞም ፍልልያት ገና ብዕሸሎም ብልዝብ ክፍትሑ ዝግቦኦም ዝነበረ ተበለጽቲ ንጊዝያዊ ረብሓ ክብሉ ኣናሃሂሮም ብፍላይ ኣብ ዘበነ ጀብሃ 1960ታት (ዘበነ ክፍልታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ናብ ሕድሕድ ምጥፍፋእ እዩ ኣምሪሑ፡ ጀብሃ ዓባይ ከምቲ ዝሓሰበቶን ዝጀመሮቶን ምጽራይ ከይሰለጣ ተሪፉ ንሳ ተሓጺባ ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ፡ ውላድ ጀብሃ ዝኾነት ሻዕቢያ፡ ረጊኣ ነቲ ሕማም መምያ ከየውጸአት፡ ከም ዝጸናሓቶ ቀጺላ እነሆ ህዝቢ ተጽንት፡ ሕጂ
ውን ንርጋእ ሕማምና ብልክዕ ነለሊ፡ ሕማምና ካብ ናይ ኢሳያስ ተንኮል ንላዕሊ
ዩ። ኢሳያስ ከም ባልዕ (parasite) ኣብኡ ተሓቢኡዩ ዓብዩ ክጠፍእ
ውን ዝዳናደን ዘሎ፡ ከም ቆልዓ ኣይንጠበር፡ ዓበይቲ ኢና፡ ስቃይ ህዝብና ይረዳኣና፡ ኣብ ሓደ መጋባእያ ኮፍ ኢልና ሕማምና ብልዝብ ንፍታሓዮ።“ሕጂውን ንርጋእ ሕማምና ብልክዕ ነለሊ፡ ሕማምና ካብ ናይ ኢሳያስ ተንኮል ንላዕሊዩ።”
ቀሺ ማርስ
እንታይ እዩ ሕማምና ?
ቁሩብ ፥ እንተ ትግልጸልና ምሓሸ ።
እንተ ተዛረብናሉ ፥ ይፍለጥ።
እንተ ተፈሊጡ ፥ ይፍወስ።
“ኢሳያስ ከም ባልዕ (parasite) ኣብኡ ተሓቢኡዩ ዓብዩ ክጠፍእውን ዝዳናደን ዘሎ፡ ከም ቆልዓ ኣይንጠበር፡ ዓበይቲ ኢና፡ ስቃይ ህዝብና ይረዳኣና፡ ኣብ ሓደ መጋባእያ ኮፍ ኢልና ሕማምና ብልዝብ ንፍታሓዮ።”
ቀሺ ማርስ
ኩቡር ሓው ቀሺ ማርስ፣
እሰያስ ፥ ንሕና ስለ ዝተሓባበርናዮ ፥ ንፍልልያትና ከናሃህር ጸኒሑን ኣሎን ፥ ግን ኣብ ባይታ ጸኒሑዎ እምበር ኣይጀመሮን ።
ኢቲ ፍልልያት ፥ ኣብ ሓደ ቡዙሕነት ዘለዎ ሃገር ክህሉ ባህሪያዊ ኢዩ ። ኢዚን ካልእን ንምፍታሕ ግን ፥ ፖሊቲካዊ ስልጣን ፥ ኣብ ኢድ መን ኣሎ ወሳኒ ጉዳይ ኢዩ።
ኣብ ኢድ ሓደ ዝያዳ ዘቅስሎ ወይስ ሓላፍነት ዝስሞዖ መራሒ ? ። ንሙዃኑ ፥ ኢዚ ፍልልያት’ዲዩ ፥ ዉሽጣዊ ምርርግጋእ ከሊኡና ፥ ኣብ ሃገርና ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾውን ዘሎ ? ውይስ ካልእ ጸገም ኣለና ? ።
ጸገምና ፥ ከም ዝርዳኣኒ (ገለ ዉሑድ ካብቲ ቡዙሕ ንምጥቃስ) ፣
1. ቱሑት ደረጃ ምዕባለ ፥ ብፍላይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ
2. ዘይምትእምማን
3. መግዛእታዊ ውርሻታት
4. ሃገራዊ ሓላፍነቶም ሸለል ዝበሉ ሙሁራት
5. ኣንጻር ሃገራዊ ኣጀንዳና ዝሰርሕ ጎረበት
6. ሃገር ኣብ ኢድ ዝፈሸለ ጉጂለ ምህላዋ
7. ተስፋ ቆሪጹ ዝተሰደ ሓድሽ ዎሎዶ
8. ሓቢሮም ክሰርሑ ዘይክእሉ ፖሊቲካዊ ጉጂለታት
9. ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ መራሒ ዘይምህላው
ከምቲ ዝበልካዮ ፥ ብልዝብ ንፍታሓዮ ።
ሙሁራትና ይምሩሑና ፥ ሓቢርና ንሃገርና ንስራሕ።
እዚ ዎ ዳሓንኩም ።
ወሰኽ ፥
ኣብዘን ዘሓለፋ 4 ውይ 5 ዓመታት ፥ ክናፈስ ጸኒሑ ዘሎ ፥ ብሽም “ኣግኣዚያን” ዝፍለጥ ናይ ህልቂት ስነ-ሓሳብ (apocalyptic narrative) ፥ ንመንእሰያትና ማኣዝን ምስሓት ጥራይ ዘይኮነ ፥ ንሓባራዊ ጥፍኣት ይምልምሎም ክምዘሎ ምፍላጥ የድሊ ። ኢዚ’ውን ክሓልፍ እዩ እልካ፥ ሸለል ምባሉ ዓቢ ጌጋ እዩ ። ኩሉ ሃገረይ ዝብል ፥ ጉድኣት ከየስዓበ ከሎ ፥ ክገጥሞ ይግባእ።
W.H. if you have a vast audience listening, I can hear a pin drop, you meticulously condensed some of our woes in 9 paraphrases and capped it with a foreign threat, it is a priceless schooling no one should take for granted, keep hammering it home if there is any wood left out there.
ስላማት ኩቡር ዶቶረን ፥ ኩሉኹም ኣሕዋተይ ፣
ጸገማትና ዳርጋ ኩሉ ኤሪትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ።
ሎሚ ፥ ህግደፍ ገለ ማህሰይቲ ዘየስዓበሎም ሰባት ፥ እንተሊዮም ፥ ብጣዕሚ ዉሑዳት ኢዩም።
ግን እቶም ግዳያት ፥ ብሓባር ምስራሕ ምስ ዘይክእሉ ፥ ኢዚ ሓደ ካብቶም ፍሽለት ብሃገር ደረጃ ተረኺቡ ከም ዘሎ ዘርኢ (Failed State) ፥ ምልክታት ኢዩ።
ሓርነት ፥ ድሕሪ እታ እንኮ ህወት ተሰሪዓ እትርክብ ፥ ሉዑል ሰብኣዊ ክብሪ እያ ። ሰብ ኣብ ህወቱ ሕጉስን ሓራን ክኾውን ፥ ዝኾነ ካልእ ኣካል ከሕድጎ ዘይግባእ ፥ መሰረታዊ ሕጋዊ መሰሉ እዩ ። ብዘይ ሓርነት ፥ ቀጻልነት ህወት ደቂ ሰባት ፥ ዉሕስነት የቡሉን። ስለዚ ንህላወና ሙኽኑይ ይገብሮ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለኒን(raison d’être )።
ካብ ሓባራዊ ውድቀት ብድድ ኢልና ፥ ምትእምማን ዝሕግዝ ኩነታት ንምፍጣር ሓቢርና ንስራሕ። ኩነታትና ኣብ ኑቡር ንምምላስ ንዛተ ። ንነባሪ ሰላምን ራህዋን ባይታ ነጠጥሕ።
ናይ ጽባሕ ሰላም ፥ ፍረ ናይ ሎሚ ስራሕ እዩ ።
ከምቲ ዝባሃል ፥ “comme on fait son lit on se couche” ፣ ክም ኣናጻጽፋ ዓራትካ እኻ ትድቅስ ። ዓራትካ ጹቡቅ እንተ ዘይንጺፍካ ፥ ጹቡቅ ኣይትድቅስን።
ዝለዚ ፥ ዓራት ምንጻፍ ሓላፍነት ናይዚ ሒጂ ዘሎ ሙሁር ዎሎዶ እዩ።
ህዝቢ ይጽበየኩም ኣሎ ።
Amazing! what a prudence, lets gather in this table and exchange advices and solutions instead of bullets, for bullets don’t communicate any language except silencing the speaker, bullets are the end of communication, you can see the result in plane sight, it only serves those who want to hide behind it– the eerie silence. Keep speaking W.H. for your words are more soul piercing than bullets.
CIA turning blind eyes in support of Abiy , double CIA agent installed in Addis by USA Embassy in Ethiopia to kill Tigrians and hand out resources for the most powerful countries. Amhara militia killed kids , raped women , robbed churches, banks and other public assets. We are no more Ethiopians , do not belong to Ethiopian orthodox church infested with thugs and witches and magicians contributing to the genocide of Tigrians and Oromos. USA is telling us they learned the intervention of Eritrea and genocide of Tigrians after One month. This is a complete mockery on the lives of innocents including Kids. USA and other countries need only to get raw materials and human power from poor countries. they proved their intentions and acts time and again by supporting only and only the most powerful parties in the so called developing countries at the expense of mass killings of poor! What a pity!!Silence is the worst crime!