ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ነቲ ትማሊ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምሳይል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ `ፋሽሽታዊ ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ጅግና ሰራዊት ምክልካል ትግራይ ብዓጸፋ ብምምላሽ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብሚሳይል ከምዘጥቅዖ ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ትማሊ ኣብ መዓርፎ ነፈርታት ባህርዳርን ጎንደርን ዝዓለበ ሮኬታት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝተኮሱዎ ተንዘግዛጊ ሚሳይላት ከምዝኾነ ሓቢሩ።
እቲ ትማሊ ዝተተኮሰ ሮኬታት ኣብ ልዕሊ `ቲ ኣብ ዓዘዞ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ጎንደር 10 ኪሎሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ጎንደር ከፊላዊ ጉድኣት ከምዘውረደ፡ እቲ ተርሚናል ዓንዩ በረራ `ውን ኣቃሪጹ ከምዘሎ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ክሕብሩ ከለዉ፡ እቲ ናብ ባህርዳር ዝተተኮሰ ግን ኣብ ጥቓ ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሊቡ ጉድኣት ከምዘየውረደ ኣገንዚቦም።
እንተኾነ፡ ዝኾነ ንትግራይ ኣብ ምጥቃዕ ዘገልግል መዓርፎ ነፈርቲ ሕጋዊ ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ኣቐዲሞም ኣፍሊጦም እዮም።
መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ጎንደርን ንወተሃደራዊ ይኹን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከምዝውዕሉ ድማ ይፍለጥ።
እቶም ደቂቕን ማእከላይን ብረት ገይሮም እዮም ዝዋግኡና ዘለዉ፡ ብነፈርቲ ድላይና ንገብር ኣለና እናበሉ ክጀሃሩ ዝቐነዩ ኣብይ ኣሕመድን ጀነራላቱን፡ ሕጂ ግልብጥ ኢሎም፡ ህውሓት ኩሉ ዘለዎ ኣጽዋር ይጥቀመሉ ኣሎ ኢሎም ክኸሱን ክውጭጩን ይስምዑ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ነተን ንህዝቢ ትግራይ ዝድብድባ ዘለዋ ነፈርቲ ውግእ ኣብ መበገሲኤን ከነርክበለን ኢና፡ ስትራተጂካዊ ኣጽዋር `ሰሜን እዝ ዓጢቕና ኣለና` ኢሉ ኣቐዲሙ ንዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ እቶም ንህዝቢ ትግራይ ብኸበባ ኣብ ምጥቃዕ ከም ሓንቲ ኣሃዱ ዝተሓባበሩ ዘለዉ ደገፍቲ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀመላኺ ኢሳይያስን `ኣበይ ደኣ `ሎ `ቲ ምሳይል ወያነ` ክብሉ ከባጭዉ ቀንዮም እዮም።
እቲ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ፡ ካብ ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ኣዝዩ ዝቐረበ ርሕቀት ዝርከብ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ባጽዕን ንሓይልታት ምክልካል ትግራይ ብድሕሪት ብወገን ኤርትራ ዝወቅዕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣምሓራ የራግፈሉ ምህላዉ ከይኣክል ብኸቢድ ብረትን ብኣጋርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣካል ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሃገርና ኤርትራ ድሮ ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማ ገይሩዋ `ሎ።
ማዕከናት ዜና ዓለም `ውን፡ ድሕሪ`ዚ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክልሕም ከምዝኽእል ስግኣቶም ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።
THE WAR WILL NEVER STOPS UNTILL ALL THE WAYANE JUNTA ARMIES AND ITS WEAPONS COMPLETELY DISMANTLED.
VICTORY TO DR. ABI-AHMED AND ITS RESPECTED PARTY.
Those who wished bad things to Tigrean people are the most unstable and cowards. In fact Weyane is going to win the war and will free Eritrean and Ethiopian people again.
How about the HGDEF junta and its parasitic machinery which you are familiar with all your life. If you are at peace, you must be on high dose of benzos or not Eritrean at all. How long do you know this young Czar? Tifoso individuals and parties all your life, when are you gonna be on the side of the poor people for once before you go to our universal destination–the dark hole?
QUOTE: Subject: Rockets fired at two Ethiopian cities, Eritrean capital Asmara” , BBC News AFRUCA , 15 Nov 2020
The Tigrayan forces fired rockets across the border into neighbouring Eritrea, after claiming Ethiopian soldiers were using an Eritrean airport to attack Tigray.The Tigrayan forces fired rockets across the border into neighbouring Eritrea, after claiming Ethiopian soldiers were using an Eritrean airport to attack Tigray. UNQUOTE
CIA turning blind eyes in support of Abiy , double CIA agent installed in Addis by US Embassy in Ethiopia to kill Tigrians and hand out resources for the most powerful countries. Amhara militia killed kids , raped women , robbed churches, banks and other public assets. We are no more Ethiopians , do not belong to Ethiopian orthodox church infested with thugs and witches and magicians contributing to the genocide of Tigrians and Oromos. USA is telling us they learned the intervention of Eritrea and genocide of Tigrians after One month. This is a complete mockery on the lives of innocents including Kids. USA and other countries need only to get raw materials and human power from poor countries. they proved their intentions and acts time and again by supporting only and only the most powerful parties in the so called developing countries at the expense of mass killings of poor! What a pity!!Silence is the worst crime!