ምስ ጸላኢ ዝዓርኽ እናሓደረ ይሓንኽ! ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት
ቻይናውያን ክራገሙ ከለዉ ኣብ ዘይርጉእ እዋን የንብርካ ይብሉ። ዘሎናዮ እዋን ብሓቂ ዘይርጉእን ቅልውላው ዝመልኦን ውግእ ወረ ውግእ ዝበዝሖን ምዃኑ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሃገርናን ኣብ ጐረባብትናን ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ውግእ ተጠኒሳ ብናጽነት ዝተወልደትን ዝተደበሰትን ሃገር ስለ ዝዀነት ድሕሪ’ቲ መሪር ኲናትን መስዋእቲ ኣእላፍ ደቃን፡ መንገዲ ሰላም ተኸቲላ ጐደና ሕውየትን ልምዓትን ምዕባለን ሒዛ ንቅድሚት ክትግስግስ ናይ ወትሩ ናይ ኩልና ተስፋን ድሌትን ነይሩ። እንተዀነ ግና ጽባሕና ካብ ሎሚ ንክሓይሽ እናተጸበና፡ ብተደጋጋሚ ኲናት መንእሰይ ክሃልቕን ሃገርና ክትዓኑን ዘይተጸበናዮ መርገም ዝመስል ወሪዱና።
እቲ ዝነውሐን ኣዚዩ ደማዊን ኲናት ምስ’ታ ወትሩ ንሃገርናን ንባሕርናን እትምነ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግና እቲ ስርርዕ ሓይልታት ብዘገርም ቅልጣፈ ተቐያይሩ፥ እታ ጸላኢትና ዝነበረት ኢትዮጵያ ያኢ ፈታዊት ኰይና፡ እቲ ሓውናን ጐረቤትናን ህዝቢ ትግራይ ድማ ከም ጸላኢ ተቘጺሩ፡ ብቂምን ቅርሕንቲን ዝተሳወረ ንረብሓ ኢትዮጵያ ዝተሓንጸጸ፡ ንሃገራዊ ኤርትራዊ መንነት ዝግህስ፡ ሰራዊትና ምስ ጸላኢ ንክዓርኽ፡ ንሕና ወትሩ ንክንሓንኽ ዝገበረ ውሽጣዊ ኲናት ተወሊዑ። ታሪኽ ይድገም ከም ዝበሃል ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ፥ ኢትዮጵያ ብደገፍ ሶቬት ሕብረት ምብራቕ ጀርመን ኩባን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸመቶ ህልቂት ተረሲዑ፡ ኣብ’ዚ እዋን ድማ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ካልኦትን ተሻሪኻ ንመንነቱ ደው ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዶብ ምስጋራ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ክትርደኦ ድማ ዝኸብድ ግርምቢጥ ሽርክነት’ዩ።
እቲ ናይ ሰላም ሃዋርያ ዝመስል ዝነበረ ኣብ ሓጺር ጊዜ ንናይ ኖበል ሰላም ሽልማት ዝበቕዐ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነቲ ኩሉ ዝበሎ መብጸዓታት ናብ ቋንቋ ወራርን ኲናትን ቀይሩ፡ ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ሓቢሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ምእዋጁ ንኩሉ ዘስደመመ’ዩ። ሕማቕ ዕድልና ኰይኑ ከኣ፥ መራሕ-ህግደፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ’ታ ንዓመታት ዘድመየትና ኢትዮጵያ ዘይቅዱስ ቃል-ኪዳን ኣሲሩ፡ ኣንጻር’ቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተሰለፈን ዝተሰየፈን ህዝቢ ትግራይ፡ ሰራዊቱ ኣብ ዘይምልከቶ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣኽቲትዎ።
ኣብ’ቲ ቅድሚ ኲናት ምእዋጁ ዝነበረ ሃዋህው ሰላም ዘበሰረ ጽቡቕ ጉርብትና ብዝመስል ኣብይ ንኣስመራ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ክማላለሱ፡ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ድማ ሰላም ሃሪፉ ሓድሽ ለውጢ መጺኡ ፍቕሪ ስዒሩ ኢሉ ብዕልልታ ተቐቢልዎ። እንተዀነ እዚ ብስም ሰላም ዝተራእየ ናይ ክልተ መራሕቲ ዳንኬራ በዓንተቡኡ ጅምር ክብል ሕቡእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ንክልል ትግራይ ዘዋሰነ፡ ንጐንደር ባህርዳር ኣዋሳ ግና ዝሓቘፈ ምንባሩ ንኩልና ከገርም ጀሚሩ። ድሕሪ’ቲ ኩሉ ድራማ ድማ በቲ ናይ ሰላም ውዕል ዝበልዎ ዝተኣልመ ውዲት፡ ብወገን ኢትዮጵያ “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ጉልባብ፥ ብወገን ኤርትራ ድማ “ወፍሪ ንውሑስ ህላወ” ብዝብል ምስምስ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ኲናት ኣዊጆም፡ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ብዕሊ ሃንዳሲ ኣካል ናይ’ዚ ወራር ኰይኑ፡ ምስ ጸላኢ ዓሪኹ ዶብ ሰጊሩ ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ወትሩ ዘሕንኽ ተግባር ክፍጸም ብጋህዲ ርኢናዮ። ኤርትራ ልዕላዊነታን ዶባታን ከተውሕስ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተደገፈ መሰላ ኢዩ፡ ብስም ምውሓስ ዶብ ክትሰግር ግና ብሕጊ ዘሕትት ወራር’ዩ።
ህላወኡ ንምውሓስ ዝቃለስ ህዝቢ ትግራይ የስገኣኒ’ዩ ዝብል ማይ ዘይዓቊር ግርምቢጥ ስነ-መጐት ህግደፍ ማንም ክኣምኖ ዝኽእል የለን። እዚ መደናገሪ ምኽንያት ግና ነቲ ን20 ዓመት ንመናውሒ ስልጣን ዝተጠቕመሉ ወያነ ከም ጠንቂ ኩሉ ሽግራትና ገይሩ ንከእምን፡ ኣብ ክንዲ ንኩልና ዘርብሕ ጽቡቕ ጉርብትና ምፍጣር፡ ንሕና ክንህሉ፡ ወያነ ክጠፍኡ ኣለዎም ዝብል ናይ ዓሳታት ምብልላዕ ዝመስል እከይ ውሳኔ፥ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንክሃልቕ ተፈሪዱ። ቀላይ ንጥሚቕ ተንቀላውጣ ከም ዝበሃል፥ እዛ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገረ-ኤርትራ ነዛ ልዕሊ ሚእቲ ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ወራሪት ኢትዮጵያ ክትረጋጋእ ኣለዋ ካብ ዝብል መስደመም ሓልዮት፡ መንእሰያት ኣህሊቕካ ቁጠባ ኣዕኒኻ፥ ነቲ ናይ “መደመር” ስነሓሳብ ዘቀላጥፍን ንልዑላዊነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ከይከውን ኩሉና ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።
እቶም ወትሩ ንህላወና ዘስግኡና ካብ 40ታት ጀሚሮም ዝፈላለዩና፡ ን30 ዓመታት ዘድመዩና፡ ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ፡ ኤርትራ ንክትግንጸል ውግእ ኣይመድለየን ነይሩ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ምፍላዮም ሕጉሳት ኣይኰኑን ወዘተ እናበሉ ብልዑላዊነትና ዘሽካዕልሉ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ታሪኹ ዝረስዐ ስርዓት ህግደፍ ምስኦም ምውጋኑ፡ ንሕድሪ ስዉኣት ጥልመት፡ ነዛ ሃገርን ህዝባን ድማ ንዕቀት ዘጉልሕ ሓቂ’ዩ። ሓንቲ ንርእሳ ብዘይ ቅዋምን ሕጊን እትመሓደር ሃገር፡ ዶብ ሰጊራ ዘራይ ኢትዮጵያ ኰይና ሕጊ ከተኽብር፡ ጽምብላሊዕሲ መዓኮራ ዘይከደነት መሬት ከደነት ዘብል ንኩልና ዘነውርን ዘሕፍርን’ዩ።
ሽሕ’ኳ ንጊዜኡ ብግፋን ብሓይሊ ብረትን ንመንእሰያትና ናብ ዘይፈልጥዎ ቦታን ዘይምልከቶም ኲናትን እንተሸመምዎም፡ ንመንፈን ሞራልን ህዝቢና ግና ከቶ ክስዕርዎ ስለ ዘይክእሉ ኣደራዕ ዝመረሮ ህዝቢ ክለዓል ምዃኑ ክርድኦም’ዩ። ሰደትናን ዋሕድናን ካልእ ሽግራትናን ከይኣኽለና ኣብ ኲናት እንዳማትና ምስ ጸላኢ ምዕራኽከ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ዝቐደመ ቊስሊ ከይሓወየ ህዝብና ብሕሰምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላውን እናተሳቐየ፥ ምስሊ ሃገርና ተደዊኑ፥ ሰራዊትና ብወራርን ዓመጽን ብሕብረተሰብ ዓለም ተዀኒኑ፥ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጐረባብቲ ኣሕዋት ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ድማ ናይ ቂምን በቀልን ሕነ ምፍዳይን ጸሊም ታሪኽን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከም ዝበጽሕ ኰይኑ። ስለ’ዚ ኣብዚ ተኣፋፊ ህሞት ኣብ ዓሌታዊ ኲናት ኢትዮጵያ ምእታው ሕጂኸ መንእሰይ ንረብሓ መን? ንምንታይ ዕላማ’ዩኸ ሃሊቑ? ኢልና ብተደጋጋሚ ክንሓትት ጥራይ ዘይኰነስ ዓገብ ክንብል ንኩልና ዝምልከት ሕልናዊ ሓላፍነት’ዩ።
ኣሉ ቀጣን እናበለ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝኣተዎ ኲናት፥ ስርዓት ህግደፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊን ዝተገብረሉ ተደጋጋሚ ጻውዒት ነጺጉ፡ ኩነታት ብዘገርም ቅልጣፈ ተቐያይሩ፡ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዓወታት ክጓናጸፉ፡ ወረርቲ ሓይልታት ክሰዓሩን ክማረኹን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ እቲ ሕቶ ጐንደር ኬድካ እንታይ ኣምጻእካ? ኰይኑ። ኤርትራ ድማ ኣብ’ዚ ኲናት ትግራይ ኣሳሳዪት ወራር ኢትዮጵያ ምዃና፡ ነቲ ምስ ጸላኢ ዝዓርኽ ወትሩ ይሓንኽ ዝብል ኣርእስቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ዝያዳ ዘረጋግጽ ሓቂ’ዩ።
ዕላማ ናይ’ቶም ብታንክታትን ድሮናትን ዝተሰነዩ ወረርቲ ፈሺሉ፥ ዕጫኦም ክማረኹን ብጭሉቕ ክወጽኡን ኰይኑ፡ እቲ ዝተዓመጸን መሰሉ ዝተጋህሰን ህዝቢ ትግራይ ኣብ’ዚ ርሱን እዋን ሕነ ንምፍዳይ ዶብ ሰጊሩ ኲናት ክቕጽል ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን። እንተዀነ ግና ጌጋ ብጌጋ ስለዘይእረም፡ ከም’ቲ ምትእትታው ኤርትራ ዝተቓወምናዮ፡ ገበሩኒ ክገብር ዓዲ ነየናብር ስለ ዝዀነ፥ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሕነ ካብ ምፍዳይ ክቊጠቡ ብዕቱብ ንላቦ። ሑጻን ማይን መታርፍቲ ከም ዝበሃል፥ ጐረባብቲ ኣሕዋት ህዝብታት ብሰላም ተሳንዮም ዝነብሩ ብሕድገትን ልቦናን ደኣ’ምበር፡ ሕነ ምፍዳይን ቀጻሊ ደም ምፍሳስን ነቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ዕንወትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ከዐርዮ ስለ ዘይክእል፡ ሰዓሪ ዘይብሉ ኣጥፊእካ ምጥፋእ፡ ናይ እኩብ-ባዶ ጸወታ ወይ zero-sum game ጥራይ ኢዩ ውጽኢቱ።
ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ግርጭታት ብውግእን ብብረትን ከም ዘይፍታሕ እዚ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዓቢ ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል። ክንስዕሮም ኢና ብዝብል ትዕቢት ዝኣተኻዮ ኲናት፡ ተመሊሱ ሂወትን ዕንወትን ከም ዘኽፍለካ፡ ምስኡ’ውን ስዕረት ከም ዘሎ ምርሳዕ ሓደገኛ’ዩ። ካብ ኲናት ዝርከብ ረብሓ ስለ ዘየለ ከኣ፡ ፍልልያት ብልቦናን ልዝብን ዳኝነትን ምፍታሕ ጥራይ’ዩ ዘዋጽእ።
ህዝብና ብድርብ ቀውሲታት ኲናትን ሕማም ኮሮና ቫይረስን ኣብ ዝጥቀዓሉ ዘሎ ሕሱም እዋን፡ ኩሉ ዓቕሚ ሃገር ንሰላምን ነዚ ሕማም ንምክልኻልን ክውዕል ይግባእ። ኩለን ሃገራት ህዝበን ከድሕና ኣንጻር ኮሮና ክታበት ዝዝርገሓሉ ዘለዋ ትስፉው ህሞት፡ ብኣንጽሩ እቲ ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ ጊንጢ ስርዓት ህግደፍ ግና፡ ጉዳይ ኲናት ዓጥጥዎ ነቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝምእከል ኮቫክስ ዝበሃል ኣጋባብ ክታበት ተሓሲሙ ክሳብ ሕጂ ዘይምጅማሩ እናስደመመና፡ ህዝብና ንምድሓን ብህጹጽ ክታበት ክረክብ ድምጽና ከነስምዕ እዋኑ ይሓትተና’ሎ።
እምበኣር ካብ’ዚ ዘሎናዮ መዋጽኦ፥ ልዕሊ ኩሉ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ርሒቕና፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕዱር ሽግራት ህጹጽ ፍታሕ ንምርካብ ብቀዳምነት ንስርዓዮ። ማሃትማ ጋንዲ “ከም’ቲ ክትርእዮ እትደሊ ለውጢ ኩን” ከም ዝበሎ፥ ሃገርና ካብ ቀጻሊ ኲናትን ስደትን ሕጊ-ኣልቦነትን እትድሕነሉ፥ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ወራር ከም መምሃሪን መለበሚን ክንጥቀመሉ፡ ካብ’ዚ ኲናትከ እንታይ ረቢሕና እንታይከ ከሲርና ኢልና ገምጊምና፡ መጻኢና ከነውሕስ ይግባእ። ደጋፊን ተቓዋሚን ዝብል ሻራዊ ፖለቲካ ገዲፍና፡ ኣንጻር ዓመጽ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ደው ኢልና ዘየጣዕስ መርገጽ ንውሰድ። ኣብ ሃገርና ሕጊን ፍትሒን ክነግስ፡ ህዝብና ድማ ምስ ጐረባብቱ ካብ ጽልኢን ቂምን ሕነ ምፍዳይን ሓራ ኰይኑ ክነብር፡ ንመጻኢ ወለዶ ነባሪ ሰላምን ስኒትን ሰናይ ጉርብትናን ክነውርሶ ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ።
እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንስዉኣትና!
ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።
“ሃገርና ካብ ቀጻሊ ኲናትን ስደትን ሕጊ-ኣልቦነትን እትድሕነሉ፥ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ወራር ከም መምሃሪን መለበሚን ክንጥቀመሉ፡ ካብ’ዚ ኲናትከ እንታይ ረቢሕና እንታይከ ከሲርና ኢልና ገምጊምና፡ መጻኢና ከነውሕስ ይግባእ። ደጋፊን ተቓዋሚን ዝብል ሻራዊ ፖለቲካ ገዲፍና፡ ኣንጻር ዓመጽ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ደው ኢልና ዘየጣዕስ መርገጽ ንውሰድ። ኣብ ሃገርና ሕጊን ፍትሒን ክነግስ፡ ህዝብና ድማ ምስ ጐረባብቱ ካብ ጽልኢን ቂምን ሕነ ምፍዳይን ሓራ ኰይኑ ክነብር፡ ንመጻኢ ወለዶ ነባሪ ሰላምን ስኒትን ሰናይ ጉርብትናን ክነውርሶ ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ። ”
ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።
ዝበልኩምዎ : ኩሉ ኡዋናውን ኣገዳስን እዩ ::
ብፍላይ እቲ ብዛዕባ ሃገርና ዝበልኩምዎ : ሓቂ እዩ ::
ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከትውን : መብዛሕቲኡ ሓቂ እካ እንተ ኾነ : ወያኔን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ዘይሙኻኖም ከዘኻኽር ኣፍቁዱለይ ::
ብሰንኪ ናይ ወያነ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጎንጺ ኤሪትራ : ቡዙህ ህወት ተጋዳላይ ከም ዝጠፍአ ዶ ትፈልጡ ?
“ንጀብሃ ንሕና ኣጥፊእናያ” እሎም ከም ዝጃሃሩ ዶ ትፈልጡ ?
ንኤሪትራውያን ብሃይማኖትን ዓሌትን ናይ ምፍላይ መደቦም ክ … ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ዲዩ ?
ሕጂውን : ክሳብ ዝረጋገጽ ቡዙሕ ክንዛረበሉ አይንደልን እምበር : ብዘይካ ቆልዑት ኡሱራት ውግእ ከም ዘይብሎም ከምስሉ ዝፍትንሉ ዘለው ቀንዲ ምኽንያት : ንኤሪትራዊያን እሱራት ውግእ በሙሉእም ከም ዝረሸኑ ዝገልጽ ተባራሪ ወረ ኣሎ ::
ህግደፍ ከም ዘይግደስ ስለ ዝፈልጡ : መን ክሓተሎም ኢሎም እዮም ዝኾኑ :: እዚ ናይ ውግእ ገበን : ኤሪትራዊ ንምጽናት ዝዓለመ እዩ ክኾውን ::
ጀነራላት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለው ግን ሓቂ ምፍላጥ ኣይካኣልን ::
ስለዚ : ልብና ምስቲ ዝተበደለ ህዝቢ ትግራይ እምበር : ህወሓት (ወያኔ) ሕማቅ ረኺባ ንብለሉ ምኽንያት የብልናን :: ንሶም’ስ ኢዶም ኣይስኣኑ ::
What do politicians do? play politics, exploit situations or create them to fulfil their ambitions, they will lie, cheat, deny, betray a former ally or embrace an old foe…and the poor people sway like a sea grass where the current drifts…. history remains the same as a reference point, those who are complaining of aggression today where aggressors yesteryear, the players are the same, they just switched roles and taking the poor people along with them, it is a never ending cycle of doomsday scenario as long as those tools are available to the politicians— ignorance, tribalism, regionalism, poverty, religion..etc , yep W.H. there is a perfect storm brewing in Ethiopia and woyane seems to be surfing on top of the white cap with famine menacing on the backdrop and the poor people on each side swaying back and forth one more time uprooting one another.
“there is a perfect storm brewing in Ethiopia and woyane seems to be surfing on top of the white cap with famine menacing on the backdrop and the poor people on each side swaying back and forth one more time uprooting one another.”
k. tewolde
ኩቡር ዶቶረ :
ዝበልካዮ ሓቂ እዩ :: ሓላፍነት ዘይስሞዖም መራሕቲ ብዕድላት ህዝቢ ይጻወቱ ::
ኣቢይ ኣሕመድን መራሕቲ ወያነን : ብህወት ህዝቦም ዝግደሱ ከም ዘይኮኑ ሪእና :: እቲ ካብኦም ዝገደደ ስርዓት ህግደፍ ውን ብዘይካ ውግእ ካልእ ስራሕ ስለ ዘይደሊ : ነቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ መንእሰያት ኣብ ሓዊ ጠጢቁ ምስ ተመልሰ : ዓወት ወያነ ንግዚኡ ስራሕ-ኣልቦ ገይሩዎ ኣሎ ::
ቁጽሪ ናይቶም ብወያነ : ብጂምላ ተረሺኖም ዝባሃል ዘሎ : ብልክዕ ምፍላጥ ኣይተኻእለን ::
ብሸነኽ መራሕቲ ህግደፍውን ምፍላጡ ዝካኣል ኣይመስለንን :: ገበኖም ንምሕባእ ከስቅጡ እዮም :: ኤሪትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ኣብ ምንጎ ክልተ ጸላእቲ ዝግበር ናይ ፖሊቲካ ምጥላዕ ይጠፍእ ኣሎ ::
ህዝቢ ኤሪትራ : ካብ “ኩፉእና-ኣሕሊፍና-ኣይንህቢን” ዝብል ኣጽናቲ ህልኽ ወጺኡ ነቶር ሓቢሮም ዘጥፉኡዎ ዘለው በላዕቲ ሰብ ሓቢሮ ክግሕፎም ኣሎዎ ::
Dear W.H., one thing people seem to forget in this carnage of humanity is, woyane ruled Ethiopia for 27 years, so they showcased what they can and cannot do as Ethiopians, so did HGDEF in Eritrea for 30 years and counting, that’s a combined of 57 years of tinnitus in our ears of these names, the capitanos on both side lived a good life, bought luxury homes and invested the stolen money and sent their kids to elite western schools and some even intermarried… now those masses who are butchering each other with no mercy, what are they trying to accomplish? build a hut with corpses or make shin guards with human skin, may be worse drink suwa from a human skull? .. Miskin Hizbey, that was not on my mind when I left the spoils of my childhood and headed to the field many full moons ago.
You two are not adding anything of material to what is tomorrow’s Eritrea. Re-think and reshape your tomorrow. Still, until a soul is gone there is work but from we we could see, your comments are unproductive. But that seems very much the nature of all us Eritreans – experts of everything and anything. Reshaping the future is never too late and does not need to be conforming to the old saying. Here is a saying from someone who is still despised by many as we leave you two: “The education of a man is never completed until he dies,” and even better use this “True patriotism sometimes requires of men to act exactly contrary, at one period, to that which it does at another, and the motive which impels them — the desire to do right — is precisely the same.“
You comments has a buried traps and insinuating remarks. “ብሰንኪ ናይ ወያነ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጎንጺ ኤሪትራ”? A nation has an interest as a person has a friend some one said. If anyone walks in to your house and destroys your peace then the only one who is weak is the one who is occupying the house. Here are the enemies of Eritrea as we all hear it: Ethiopia, Weyane, USA, France, CIA, Promise land, Saudi Arabia, Russia, OAU. We are sure we have missed some – the enemy of this crumbling young nation of Eritrea is her own people. No one else.
If you have facts show it else this statement is toxic and very serious “ብዘይካ ቆልዑት ኡሱራት ውግእ ከም ዘይብሎም ከምስሉ ዝፍትንሉ ዘለው ቀንዲ ምኽንያት : ንኤሪትራዊያን እሱራት ውግእ በሙሉእም ከም ዝረሸኑ ዝገልጽ ተባራሪ ወረ ኣሎ”
If you were both men of service, we think you are, stand to the true teaching of service men! i.e., leave the battle front where it belonged and build on what is now and tomorrow. Perhaps the last comment from us to bring you to today. Respect everyone’s case regardless of who and what they have to fight for. Once, in a life time, we assume you like many of our loved once we miss dearly stood up for what we all have now – a nation of Eritrea. So are others for whatever they think and believe.
We are sure now that you will be throwing your token remarks but again find peace and work towards what is ailing the house not what others are up to.
‘speaking words of wisdom, let it be…’ remember this iconic song from the Beatles?.. just speaking words of wisdom here and there, what is wrong with that? you want us to stop talking? isn’t what this dialogue space is all about? hover your cursor over the green circle comment sign to your left, what does it prompt you to do?…. last but not least,’–the enemy of this crumbling young nation of Eritrea is her own people. No one else.’… dear Mike, we are coming finally at a confluence, that’s where my statement ‘BLAME NO ONE!’ springs from, not from a guilt you ascribed to. Pick up the torch Mike before it flickers out and take it to the caldron and ignite the flames of lasting freedom, justice, democracy and rule of law.
It might not be pretty, but at least we have provided you a real estate to run on. RESPECT! as the Jamaicans greet one another.
Subject: “ምስ ጸላኢ ዝዓርኽ እናሓደረ ይሓንኽ”! ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት, 8th July 2021
QUOTE “What is the classical definition of tragedy?
Alternative Title: Classical tragedy. Tragedy, branch of drama that treats in a serious and dignified style the sorrowful or terrible events encountered or caused by a heroic individual.” UNQUOTE Source: Internet; word by word..
Sadly, it fits very well to the gallantry of the ERITREAN PEOPLE, under any circumstance and any period of TIME. .