Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

Memorial Service Aron Berhane – ስነስርዓት ቀብሪ ስዉእ ጋዜጠኛን መምህርን ኣሮን ብርሃነ – ቀዳም 8 ግንቦት 2021 – ቶሮንቶ

Atv Asena by Atv Asena
7th May 2021
in English-News, News
1
0
SHARES
792
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ፕሮ. ኣሮን ብርሃነ [1969-2021]

ነፍሰ-ሄር ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ካብቶም ሓምሽተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን መበል ራብዓይ ኰይኑ፡ ብ 06 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ኣስመራ ተወልደ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ኣሮን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመ – ወዲ 09 ዓመት ኣብ ዝኣኸለሉ’ዩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተላእከ። ኣብ 1983፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር መሃይምነት ዝካየድ ዝነበረ ሰፊሕ ወፍሪ መምህር ኰይኑ ተመደበ።

ድሕሪ 1991 ኣሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ መንደፈራ መምህር ኰይኑ ክሳብ’ቲ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ እዋን ሰርሐ። ኣብ 1996 ናብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ትምህርቱ እናተኸታተለ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ፈላሚት ብሕታዊት ጋዜጣ “ሰቲት” ብምዃን፡ ክሳብ’ቲ ኵለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብመንግስቲ ዝተዓጸዋሉ መስከረም 2001 ሰርሐ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ፡ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሪ ተመረቐ።

ኣብ 2001 ናብ ካናዳ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ ‘ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት’ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።

መምህር-ጋዜጠኛ ኣሮን፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቱ ኣብ ካናዳ ርየርሰን ዩኒቨርሲቲ ብምቕጻል፡ ንስደኛታትን ምጥያሶምን ኣብ ዝብል ዓውዲ ናይ ማስተርስ መጽናዕቱ ብዓወት ፈጸመ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ’ውን፡ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስነጽሑፍን ብደረጃ ሰርቲፊኬት ኣጽንዐ።

ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን’ውን ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ንነጀው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። ብተወሳኺ ኣሮን፡ “Life-line Syria” ኣብ ዝተባህለ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ስደተኛታትን ሶርያ ዝግደስ ትካል፡ ንሓጺር ግዜ መጽናዕታዊ ስርሓት ኣካይዱ እዩ።

ብተወሳኺ ኣሮን፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታት፡ ተመዛበልትን ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮም ሰባትን ኣብ ምሕጋዝ፡ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብወለንታ ክዋሳእ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብኣህጕራውያን ትካላት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ኣብ ሓደጋ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ተጸዋዒ ኰይኑ’ውን ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣካዳሚያዊ ጕዕዞኡ፡ ካብ 2004 መስራቲ፡ ወናኒ፡ ኣካያዲን ዋና ኣሰናዳእን ትካል ጋዜጣ መፍትሕ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ። ብመገዲ’ዚ ትካል፡ ተሓቲሙ ይዅን ብመገዲ ኢንተርነት ብዝዝርጋሕ ጽሑፋቱ ኣቢሉ ድማ ኣሮን ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን ይዅን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋኡ ከስርጽ ጽዒቱ። ብኣበርክቶኡ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ ከኣ እዩ ነይሩ።

ኣሮን፡ ንስለ መሰል ፕረስን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ሰፊሕ ምጕትን ምጥባቕን ሓያለ ሽልማትን ተዋሂብዎ እዩ። ገለ ካብኡ፡

– ጋዜጣ መፍትሕ ‘National Ethic and press Council Canada; “ሃገራዊ ቤትምኽሪ ስነምግባር መድያን ፕረስን ካናዳ” ብዝብል ትካል ንብሉጽ ዓንቀጽን ስእልን ዝወሃብ ሽልማት።

– ሽልማት ሀልማን ግራንት – ሂዩማን ራይትስ ዋች!

 – ኣብቲ ዝተኸበረ Donner/CJFE ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደጋ ዝብል ኣብ ኮሌጅ ማሰይንን ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶን ብኣባልነት ክርቛሕ እንከሎ፡ PEN Lecturer-in-Residence ዝብል ሽልማት ከኣ ተዋሂብዎ እዩ።

ጋዜጠኛ፡ ኣሕታሚ፡ መስራቲ፡ ዋና ኣሰናዳኢ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዕውት ሽልማታትን ዝዀነ ኣሮን ብርሃነ ሓው፡ ውሉድ፡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን ኣቦሓጐን እዩ። ንብዙሓት ዝመሃረ፡ ዘተባብዐ፡ ሞራል ዘስነቐ፡ ኣብ ጸበባ ንዘለው ብጾቱ ከይተሓለለ ዝተማጐተ፡ ህርኩት ኣባል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ካናዳውያን ኸኣ ነበረ።

ነፍሰ-ሄር ኣሮን ብርሃነ፡ በዓልቲ ቤቱ ምልእተ ምስ ደቖም፡ ፍረወይኒ፡ ሙሴ፡ ኤቨን፡ ከምኡ ድማ ወዲ ጓሉ ኤልናታን ሓዲጉ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ይርከብ።

መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ! ሕሰም ኣይትርከቡ!

ቤተሰብ ኣሮን ብርሃነ።

Previous Post

ምሕዝነት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ብቐጥታ ኣብ ሳተላይት ቲቪ ኣሰናን ናይ ኩሎም ማሕበራዊ መራኸቢታትን

Next Post

Protected: MEMBERSHIP APPLICATION FORM / ቅጥዒ መመልከቲ ኣባልነት

Next Post

MEMBERSHIP APPLICATION FORM / ቅጥዒ መመልከቲ ኣባልነት

2.5 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Stella Riesom
Stella Riesom
3 years ago

He is a hero for many special to the new generation.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply