Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ሓንሳብ’ዶ… ክንሓልም፧

Atv Asena by Atv Asena
12th July 2020
in Articles, Featured, Tigrinya
3
0
SHARES
682
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter


ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ሰብነት ምእንቲ ከልብሳ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክፍልም’የ።

ኣነ ኣብ ከረን’የ ዓብየ። ከም ተውለ፡ ልሳነይ ቋንቋታት ትርግርኛ፣ ብሌንን ትግረን እናበራረየ። ቆልዑ ከለና፡ ሃይማኖት ካብ ሽም ዝደምቕ መለለዪ ኣይነበረን፣ ካብ ባህልን ቋንቋን ዝድልድል መለለዪ ኣይነበረን። ንቋንቋታትን ባህልታትን ከረን ብናይ ሓባር ዋንነት ኢና ንለብሶ ዝነበርና። እቲ ሃይማኖት ውን ከምኡ። ኣዴታትና ኣብ ግዜ ክረምቲ ብሓንሳብ ይምህለላ፣ በዓላትና ብሓባር ነብዕል፣ ኣብ ቤት ጸሎት ከኣ ነናብ ንኣምኖ ኣንቃዕሪርና ንልምን።

ሕጂ ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ፡ እሞ ከኣ እዞም ፖለቲካ ወሰና-ወሰን ዝብርሆም፡ ናብ ሓደ ዝዘጠጠ ወዛል ፖለቲካ ክሰብኩ ክርኢ ከለኹስ ይገርመኒ። ነቲ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክሳብ ዝጠራጠሮ ይገርመኒ። ብናፍቖት ተለዊሱ ዝወቀበ ተዘክሮ (romanticized memory) ከይከውን ከኣ እጠራጠር።

ግደ ሓቂ፡ እዚ ውህደት’ዚ፡ ቁሩብ ክብን ለጠቕን ደኣ ይብል ይኸውን እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ክፋል ኤርትራ ዘጓንፈካ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ፍቕሪ ዝወለዶ ውህደት ከኣ ኢዩ። ብፍቓዱ ብሓንሳብ ክነብር ናይ ዝመረጸ ህዝቢ፣ መብዛሕትኡ ከኣ ነዊሕ ብዘይከደ ናይ ስጋ ሕረግ ዝተጠምረ ፍቕሪ ስድራቤት። ስለዚ ከኣ ኢያ እዛ “ንጸዋወር” እትብል ቃል ጠላሕ ዘይትብለኒ። መቸም ገለ ለባማት ኣያታትን ኣዴታትን ንገሊኦም ሃወኽቲ (ብፍላይ እቶም ኣብ ሃይማኖት ዓሪዶም ዘዕገርግሩ) ንኽምዕዱ ክጥቀሙላ ሰሚዕኩም ኣለኹም።

Get Yoast SEO Premium(Opens in a new browser tab)

ባእሰይ ምስ ‘ንጸዋወር’፡ “መን ኢዩ ንመን ክጾሮ፧” ብዝብል ኢዩ ዝጅምር። ክልተ ምኽንያታት ከኣ ኣለዋኒ፤ ‘ንጸዋወር’ እትብል ቃል ኣብ ውሽጣ ጉጅለኣዊ ድሕረ-ቓና (undertone) ስለዘለዋ፡ መን ኢዩ ኣንጻር መን ክጉጀል ዝብል ሕቶ የለዓዕለልካ። ነቲ ኣነ ዝፈልጦ ውሁድ ህዝቢ (ኣሞታተይ፣ ሓዎቦታተይ፣ ሕትኖታተይ፡ ኣኮታተይ፣ እኖን- ኣቦሓጎታተይን) ኣብ ካንቦታት ስለ እትመቓቕለለይ ባህ ኣይትብለንን’ያ።

እታ ካልአይቲ ምስ “ንጸዋወር” ተኳርየና ከኣ፤ ንሓደ ቤተሰብካን መማቕልቲ ርስትኻን እትጻወሮ፡ ወይ ሕውዋይ ምስዝኸውን ወይ ከኣ ህውከተኛ ምስዝኸውን ኢዩ። ስለዚ ንጸወዋር ሲ ኣይዘረባን፡ ተጓንየኒ ኣላ። ኣብ ቦታ ‘ንጽዋወር’ ሲ ‘ንለብም’ እትብል ቃል ዝያዳ ምተሰማምዓትኒ።

ደድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅድሚ ቤት-ትምህርትን መዋእለ-ህጻናትን ብቑጽሪ ዝነሃረ፡ ኣብያተ እምነት ኢዩ ነይሩ። ብብዝሕን ጻዕቅን ማይክሮፎናት ዝሓንገረ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን። እቲ ዝጽሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-እምነት እናሃለወ እቲ መጋውሒ (ማይክሮፎን) ንደገ ዝቐንዓሉስ እንታይ ኮን ኢዩ ብልሓቱ ኢልካ ትሓስብ። ናይ ብሓቂ፡ ጸሎት/ሰላት ሰብ ልኢኽካ ዝዕመም ነይሩ እንተዝኸውን (outsource ዝግበር ነይሩ እንተዝኸውን)፡ ሳላ ብዝሐንን ኣብ ማይክሮፎን ዝነበረን ፍቕርን፡ ጸሎትን ድዓን ኣብ ቤትካ ከለኻ ዳርጋ ምተዓመመ። ሱር ናይ ከምዚ ዝዓይነቱ ተርእዮስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣሓዋት ዝፍጠር ባህ ዘይብል ናይ ውድድር ቁሩቁስ ዶ ኾን ይኸውን ኢልካ ከኣ ትሓስብ።

መበቆላዊ ዕላማ ደወልን እዛንን፡ ንኣማኒ ግዜ ጸሎት ንምዝኽኻርን ንጸሎት ንምጽዋዕን ኢዩ ነይሩ ኢለ እግምት። ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ግን ሳላ ቴክኖሎጂ ዝተሳእነ የለን። ተራ ማይክሮፎናትን ደወልን ኣብ ቤተ-እምነት፡ ከም መግለጺ መንነትና ጥራይ ደኣምበር ተግባራዊ መዓላ ዳርጋ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ውሱናትን ቀንድን፤ ማለት ጥንታውያን ቤተእምነታት፣ ዓበይቲን ቀንድን መሳጊድን ቤተክርስትያናትን (እዚአን ውን፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ እንተበዝሓ ካብ ክልተ ኣይሓልፋን እየን) ክሕጸር ምተገብአ።

ንኤርትራውያን፡ መከራ ብጅምላ ካብ ዝኮናተረና ዛጊት 60 ዓመት ኣቑጺርና ኣለና። ብጅምላ ካብ ንስደድ ከኣ 50 ዓመታት። እተን ንስራሕን ንዑቕባን እንኸደን ሃገራት፡ ካብቲ ናህና ማሕበራዊ ኣቃውማን ውህደትን ዝተፈልያ ኢየን። ወላኳ ንእምነታትና ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ንማቐሎ እንተኾንና፡ ስርዓትን መረዳእታን ኣምልኾና ግን ብከባቢና ኢዩ ዝቃነ። ንኣብነት፤ ኣብ ስዑድያን ኣብ ቫቲካንን ዝነብሩ ክልተ ውፉያት ኣመንቲ፡ ኣብ እምነቶምን ኣተገባብርኡን ዝህልዎም መረዳእታን ንፍጹምነት ዝቐረበን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ኢዩ ኢለ እኣምን። ብኣኡ መጠን ከኣ ናይዞም ክልተ ሰባት ርእዮተ-ዓለም (ዓለማዊ ግንዛበ)፡ ተራጻምን ተሻማውን ናይ ምዃን ዕዙዝ ተኽእሎ ኣለዎ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ እታ ምጽውዋር እትብል ኣምር ኣገዳሲት’ያ። እንተዘየለ፡ ንምሸቱ ክልተ ዝገደፍካዮም ንጽባሒቱ ሓዲኦም ጥራይ ክጸንሓካ ስለዝኽእል።

“መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ” እንድዩ፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ተረኽቦ ኴይኑ ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢልና ኣለና። ምስ ኩሉ በሰላታትና ከኣ ብዙሓት ጠቐምቲ ተመኮሮታት፣ ትምህርትን ትዕዝብትን ንቐስም ኢና። እንተኾነ፡ ኣብ ማእከል ሓደ ብባህልን ብካልእ ዓለማዊ ግንዛበታቱን ካባና ዝፍለ ሕብረተሰብ እናነበርና፡ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ፡ ናይ ባህልን ኣረኣእያታትን ላሕኲ ክህሉ ግድን ኢዩ።

ብመንጽር እዚ፡ ነዚ ላሕኲ እንመምየሉ ሚሐ ክህልወና ወሳኒ ይመስለኒ። ዓንዲ መሰረት ናይ’ዚ መመመዪ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ከም ሓደ ስድራቤት ዘዕበየና ጥምረት እንተኾነ ከኣ፡ ከም ዋልታ ካብ ናይ ደገ ሕማማት ክከላኸለልና ኢዩ። ኣይበሎ ደኣምበር፡ ግንዛበታትናን መወከሲታትና ብነብሲ-ወከፍ እንነብረለን ሃገራትን ሕብረተሰባትን እንተተገሪዙ፡ ካብ ዓድና ፖሊቲካዊ ጸገም ኣውጺኡናስ ንሕና ከኣ ማሕበራዊ መከራ ጽዒንና ክንምለሳ ከም ማለት ኢዩ ዝኸውን።

ልክዕ’ዩ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገማትና ብዙሕ’ዩ። ብመንጽሩ፡ ማሕበራዊ ጸጋ ደኣምበር ማሕበራዊ ጸገም ግን የብልና። ስለዚ፡ ብጽልዋ ናይዚ ኣብ ደገ ዘጋጥመና ተመኩሮታት፡ ንነብስናን ነተን ውሑዳት ሒቕታታትናን ብ ጓና ቃላት ክንገልጸንን ደጋዊ ምስሊ ከነትሕዘንን ኣይግባእን።

እስከ ኣይትነቕንቑኒ፡ ሓንሳብ ክሓልም፤

ኣቕድም ኣቢለ፡ ስርዓት ኣምልኾን መረዳእታን እምነታት ብከባቢያዊ ጽልዋታት ኢዩ ዝቃነ ኢለ ነይረ። ንማሕበራዊ ኣቃውማናን ውህደትናን ዝመሳሰል፣ እሞ ከኣ ተመሳሳሊ ሃይማኖታትዊ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ንመለበሚ ከም መወከሲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ሕብረተሰብ መን ኣሎ፧ ካብዝን ካብትን ቅንጥብጣብ ክንሽምጥጥ ንኽእል ንኸውን። ነዛ ሕቶ ብምልኣት ክምልስ ዝኽእል ግን ኣሎ ኣይብልን። ፍሉያት ኢና ኣይኮነን ምጉተይ። ናትና ባህርያዊ ፍሉይነት ኣለና ኢየ ዝብል ዘለኹ። ንዘለና ማሕበራዊ ጸጋታት ክንዕቅብ፡ ሰሪ ከነውሕድን ዘድልየና ናውቲ ምሳና ኢዩ ዘሎ።

ኣብ ደረት ትርኢት ብሃንቀውታ እነማዕድዎ መጻኢ፤ ደረታት እምነቶም፣ መንነቶምን ዜግነቶምን ዘለልዩ ንቑሓት ዜጋታት ምህናጽ እንተድኣ ኴይኑ፡ እቲ ናብዚ ዘብጽሓና መንገዲ ካልኦት ኣብ ዝመላለስዎ ዓንኬል ኣይክንረኽቦን ኢና። ንሕና ባዕልና ኣብ ዝቐለስናዮ፣ ንዓና ዝመስልን ንመጻኢ ባህግታትና ብዘንጸባርቕን ትልምታት ኢና ክንበጽሖ እንኽእል። ኣብ ውሽጢ መስጊድ፡ ንመሰል ክርስትያን ዝሕለቕ ኣስላማይ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትራይን ኮይኑ ከኣ ንመሰል ኣስላማይ ዝሕለቕ ዜጋ ክኹስኩስ ዝኽእል ትልሚ። ናይ ሎሚ ትልሚታትና ከኣ ናብዚ ዝኣመተ ክኸውን ዝግብኦ ይመስለኒ።

እሞ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ቲዮሎጂ፣ ሃይማቶታዊ ፍልስፍናን፣ ታሪኽን ኮለጅ (College of Theology, Religeous Philosophy and History) ከመይ ይመስለኩም፧ ካብዚ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ፈላጣት “ሓጹር ልምድታት” ወይ “cage og norms” ዝብልዎ ታኼላ ከውጽኣና ዝኽእል መሳልል፡ ፍልጠት (ዝተወደነ ሓበሬታ) ጥራይ ስለዝኾነ።

THE END – ሕልሚ ተፈጸመ። ናይ መዛዘሚ ሙዚቃ ካባኹም።

ርሑስ ክረምቲ ይግበረልና!
@ፍትዊ ወልዳይ

Previous Post

ATV: ኣብ ሰያትል፡ ሓደጋ መኪና ዝፈጸመ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዳዊት ቀለተ ብፖሊስ ተኸሲሱ Dawit

Next Post

ATV: ኣሃዱ ኮማንዶ መሪሑ ኣቢይ ንምድጋፍ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተላእከ `ጻዕዳ` ዝተባህለ ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ

Next Post
ATV: ኣሃዱ ኮማንዶ መሪሑ ኣቢይ ንምድጋፍ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተላእከ `ጻዕዳ` ዝተባህለ ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ

ATV: ኣሃዱ ኮማንዶ መሪሑ ኣቢይ ንምድጋፍ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተላእከ `ጻዕዳ` ዝተባህለ ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ

2.5 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Danilo
Danilo
4 years ago

As your name suggests, you are for sure came up in this world by choice of your parents probably a mix of Christian and Muslim or reside on good nehiebour hood society .ref. ERITREA as a whole !!

4
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

“ንሕና ባዕልና ኣብ ዝቐለስናዮ፣ ንዓና ዝመስልን ንመጻኢ ባህግታትና ብዘንጸባርቕን ትልምታት ኢና ክንበጽሖ እንኽእል። ኣብ ውሽጢ መስጊድ፡ ንመሰል ክርስትያን ዝሕለቕ ኣስላማይ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትራይን ኮይኑ ከኣ ንመሰል ኣስላማይ ዝሕለቕ ዜጋ ክኹስኩስ ዝኽእል ትልሚ። ናይ ሎሚ ትልሚታትና ከኣ ናብዚ ዝኣመተ ክኸውን ዝግብኦ ይመስለኒ።”
@ፍትዊ ወልዳይ
———++++——–

ኣብ ኤሪትራ ፥ ብዙሕነት ሃይማኖት ፥ ቋንቋ ፥ ባህሊ/ልምዲ ፥ ዓሌት /ዘርኢ (ethnicity) ፥ ንሕብረተሰብ “ሞዛይካዊ” መልክዕ ሂቡዎ ይርከብ ።
እዚ ፉሉይ ኤሪትራዊ ባህሪ ኣይኮነን ። ተመሳሳሊ ቡዙሕነት ዘለወን ሃገራት ቡዙሓት እየን።
እዚ ቡዙሕነት ዋላ ኣብተን ፥ ንሕና ሓደ ብሄር ወይ ዓሌት እና ዝብላ ሃገራት’ዉን ፥ ቡዙሓት ከም ዝነበሩ ፥ ግን ኣብ ጉዕዞ ነዊሕ ዘመናት ናይ ብሓባር ምንባር ፥ ከም ዝተዋሃሃዱ ታሪኽ ይሕብር ።
እታ ዝበዝሐ ክፋል ዓልምና ዝገዘአት ዓባይ ብሪጣንያ ፥ ህዝባ ሓደ ዓሌት ዲዩ ነይሩ ? ኣይፋሉን ፥ ሰልትስ ፥ ኖርማንስ ፥ ኣንግሎ-ሳክሶንስ .. ወዘተ።
እዚ ካብኮነ እቲ ሓቂ ፥ ስለ ምንታይ እያ እታ ንእሽቶይ ምጭዉቲ ሃገርና ፥ ብዙሕነታ ምምሕዳር ይጽግማ ዘሎ ?
ሕጽር ዝበለ መልሲ ፥
– መግዛእቲ ፥ ተቃዉሞ ህዝቢ ንምድኻም ዝጥቀሞ መላታት።
– ኣብ ገለ ሙሁራትን መራሕትን ዝረአ ፥ ሃገርን መንግስትን ንዖኦም ወይ ንወገኖን ክትመስል ዘሎዎም ባህጊ ።
– ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ፥ ቡዙሕነት ካብ ዘይምቅባል ዝብገስ ስግኣት።
– ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ፥ ሃገራዊ መንግስትን ፖሊቲካዊ መስርሕ ዘይምህላዉ።
– ዉግእ ዘስዓቦ ስደትን፥ ብሰንኩ ዝስዕብ ፥ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ።
ኣብ ኤሪትራ ፥ ሃገራውነት እንተ ተዳኺሙ ፥ ኩሉ ሰብ ካብኡ ንታሕቲ ዘሎ መዕቆቢ ዝኾኖ ክደሊ ግድን እዩ ። ስለዚ እቲ ዓቢ ሓደጋ ኤሪትራውነት ምድኻም እዩ።
ኤሪትራውነት ምድኻም ፥ ሃገር ማዕናው ማለት እዩ።
እቲ ኻልእ ፍልልያት ፥ ኣብ ጽላል ሃገር ፥ ብልዝብ ዝፍታሕ እዩ።

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

I wouldn’t dare shake you up from your beautiful dream Fitwi,I drift away myself from time to time,this current Eritrea we see is as alien and as far away from our wildest dreams,it is a sum total of over fifty years of social and political tampering by those who abhor the pure and pristine national concept and the social bond that glued those who fought and died for that concept.And here is the melancholic but clairvoyant music you requested to wrap it up…..LIBEY QEDEM NERU KIBRETKA MIHLAW,ANTA HIJIDO YIHAYISH QULQUL AFKA MI’ELAW, YEHZINENI YESQUERQURENI NE’AY MILIKAMKA,BIKE NIBA’E DE’AA HIJI MISAY QUENKA.

3
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply