ብጻይ ኣልኣዛር ሓላፍየይ ዝነበረ ኣዝዩ ተባዕ፡ ክኢላ፡ ዝተፈላለየ ብቕዓት ዝነበሮ፡ መትከሉ ዘይቅይር ሰብዩ። ጂ 15 ምስ ተኣስሩ ድማ ምስ ገለ ኣዕሩኽቱ ከዕልሉ ከለዉ ጂ 15 ከዳዓትዮም ዝብል ዘረባ ከም ዘይቅበሎ ምስ ገለጸ ንጽባሒቱ ከም ዝተኣስረ እፈልጥ። ሓንቲ ዘረባ ተዛሪብካ እሞ ንሰብ ኣይጸረፍካ፡ ኣይቀተልካ፡ ኣይሰረቕካ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ጸልማት ክትእሰር ማንም ሰብ ክሓስቦ’ውን ዘጸግም ናይ ኣረሜናት ስራሕ’ዩ። ኢሰያስ ግን ይመስሎ ኣሎምበር ውዒሉ ሓዲሩ መዓልቱ ኣሎዎ።
© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television