The Dog who Owned Hoover Dam v The Man Who Owned Dam Adi-Halo.
እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ
`A family away from home` ማለት ብመገሻ ካብ ገዛኻ ርሒቕካ ክንስኻ ምስ ስድራቤትካ ዘለኻ ኮይኑ ከምዝስምዓካ ዝገብሩ፡ መቐረት ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘዘኻኽሩ ምቕሉላት ስድራቤት መሓርን ናጽነትን ምስ ደቆም፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ላስቬጋስ ብነፋሪት ኣብ ክንዲ ትበርር፡ ቦታ መርኣዪ መታን ክኾነካ ብመኪና ከነብጽሓካ ምስ በሉኒ እቲ ድሮ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስን ከባቢኣን ዝርአን ዝብጻሕን ከይተረፈ ከይሓልፈኒ ምእንታይ ላዕልን ታሕትን ክብሉዎ ዝቐነዩ ኳ እንተኸበደኒ፡ እቲ መቐረቶም ንስክፍታይ ስለዘሰነፎ ብኡንብኡ ንኺድ ኢለዮም። ነቲ ጥዑም ቅንያት ሕጉስ ጉዕዞ ተወሲኹዎ።
ወዮ ድኣ ነቲ ምስ ኩነታት ሃገርና ኣተሓሒዘ ጦብላሕታ ዘሕደረለይ ንእሽቶ ትዕዝብቲ ንጣዕሞም ሰጊረ ክብሎ ስለዘይደለኹ እምበር ሞገሰይን ምስጋናይን ከምዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ጭልፍ ኣቢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብዝኾነ፡ ድሕሪ እቲ ዘይጓዳእ ኩነታት ኣየር ዝነበሮ ናይ ምድረበዳ ጉዕዞ ኣብ ላስቬጋስ ምስ በጻሕና`ውን ንጽብሓይቱ፡ ናብ ስራሕካ ከይኣተኻ ግድን ክትበጽሖ ዘለካ ቦታ ኣሎም ዓሰርተታት ኪሎሜተራት ናብ Hoover Dam ወሲዶምኒ።
ገና ነቲ ኣብ ደረት ክፍሊ ሃገራት Nevadaን Arizonaን ዝተደኮነ ሓጽቢ ብጽሕ ምስ በልኩዎ ቅድሚ ኹሉ ተመስጦይ ዝሰሓበ እቲ ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ`ቲ ካብ 1931 ክሳብ 1936 ኣብ ዝተሃንጸ ዓቢ ሓጽቢ እሙን ዓርኪ እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ `ሞ ኣብ 1941 ምስ ሞተ ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ሓጽቢ ቀቢሮም ኣብ ልዕሊ መቓብሩ The Dog Who Owned a Dam ኢሎም ዝገበሩሉ መዘከርታ እዩ።
ኣመሪካውያን ይኹኑ እንግሊዛውያን ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዘለዎም ኣኽብሮት `ኳ እንተዘይሓደሰኒ፡ ብኡ መንጽር ነቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንወዲ ሰብ ብሕልፊ ብመራሕቱ ዝወርዶ ሕስረት ደጊሙ ከየተሓሳሰበኒ ኣይተረፈን። በዚ ኸኣ`የ፡ `እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ሓጽቢ ዓዲ-ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ` ዝብል ዘለኹ።
እቲ ብውሑዱ ንጸገም ማይ ኣስመራ ክፈትሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ክህነጽ ከሎ፡ ካብ ኣስመራ ከይተረፈ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ዝወፈሩ ኣዴታትን ቆልዑን እዮም እምኒ ደርብዮምሉ። እንተኾነ፡ እቲ ሓጽቢ መሐከልን መጀለብን ኢሳይያስ ኮይኑ ደኣ`ዩ ተሪፉ እምበር ፍረ ኣይተረኽቦን። እታ ኣብ ግዜ ጥልያን ብቦምባ ማይ ዝበጽሓ ዝነበረ ኣስመራ ከም ቀደማ ብስእነት ማይ ተዋሪዳ፡ እቶም ዓዲ-ሃሎ ወፊሮም ኮረት ዘቐበሉ ቆልዑ፡ ኣብ ጽርግያ ካብ ዝነትዐ ቦምባ ጥዕንኡ ዘይተሓለወ ማይ እንተረኸቡ ጨቖቕ ክብሉ እዮም ተራእዮም።
ኢሳይያስ ንዓዲ ሃሎ መሐከሊ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከለኹ ተራ መሐከሊ ማለተይ ኣይኮነን። ካብቶም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እምነት እናጒደለሎም ዝኸደ፡ ብተገዛእነቶም ከይተረፈ ፍጊዕ ዝበሉዎ ተለኣኣኽቱ ክርሕቕ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ሰፊሩ ዘሎ። እቲ ሓደ እዋን ንገማግም ባሕሪ ባጽዕ ካብ ጸላእቲ ደጀን ደኾን ይኾነኒ ኢሉዎ ዝነበረ ኢሳይያስ ምትእምማን ስኢኑ፡ በርጊጉ፡ ናብ ከበሳ ተመሊሱ ካብ ጸላእቱ ዕርዲ ዝኾኖ ንእሽቶ ባሕሪ ክስርሕ ነይሩዎ። እቲ ኣብ ሓደ ደረት ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ከም ሃብታማት ሓረስቶት ኣፍሪቃ ገዛ ሃኒጹ ዝነብር ዘሎ ኢሳይያስ፡ እቲ ሰብ ሰርሖ ቀላይ ብነብሱ ካብ ዝደልዩዎ ጸላእቲ ዘተኣማምን መሕብኢ ኮይኑኒ ኣሎ ኢሉ ከምዝሓስብ ኣብቲ ቦታ ወሲዱዎ ዘሎ ዓመታት ንባዕሉ ምስክር እዩ። ካብ ዞባ ናብ ዞባ ሰሙናዊ እናተንቀሳቐሰ `ደባይ ፕረዚደንት` ኮይኑሉ ዝነበረ ዓመታት እቲ ንቲቪ-ኤረ ጥራይ ዝሰምዕ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ልምዓታዊ ስርሓት ዝከታተል ዘሎ ይመስሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ ግን ብኣመና ምንቅስቓስ ካብ ጸላእቱ እዩ ዝሃድምን ዝኽወልን ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት 1ይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝህነጽ ዝነበረ፡ `ፕሮጀክት ጻዕድ ኣሓርማዝ` ክብል ዘናሽዎ ዝነበረ ህዳሰ ግድብ ንዝተሰመዖ ቅንእን ህልኽን ምወጽኢ`ውን ገይሩዎ እዩ። ኢሳይያስ፡ ብዘይካ ብዛዕባ ነብሱ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ።
ብዝኾነ፡ ዲጋ ዓዲ ሃሎ ነቶም ብፍቕሪ ውልቀመላኽነቱ ሃለዋተን ዘጥፍኣ ኣንስቲ ማጨሎተን ምዃኑ `ውን ነቲ እንዳ ጠንቆልቲ ዝመላለስ ኢሳይያስ ካልእ ተወሳኺ ጸጋ ዓዲ-ሃሎ እዩ።
በቃ፡ ጥቕሚ ናይቲ ክንደይ ገንዘብን ጉልበትን ህዝቢ ኤርትራ ዘህለኸ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ በዚ ንኢሳይያስ ዘለዎ ጸቢብን ድሑርን ውልቃዊ ረብሓታት ጥራይ እዩ ዝምዘን።
ብኣንጻሩ እቲ ቅድሚ 85 ዓምታት ኣብ እዋን`ቲ Great Depression ተባሂሉ ዝፍለጥ ጽንኩር መዋእል ኣመሪካ ዝተሃንጸ፡ እቲ ከልቢ ብኽብረት ዝዝከረሉ ዘሎ ካብ ላስ-ቬጋስ 48 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ Hoover Dam ግን ንኽፍሊ ሃገራት ኔቫዳ፡ ኣሪዞናን ካሊፎርንያን ምንጪ ጸዓት ኮይኑ ዘገልግል ንዓመት ብሓደ ሚልዮን ቱሪስት ዝብጻሕ ኣገዳሲ ቑጠባዊ ኣበርክቶ ዘለዎ ሓጽቢ እዩ።
ኣብቲ ክንድ`ዚ ዝኣክል ዓቢ ቁጠባዊ ጠቕሚ ዘለዎ ሓጽቢ፡ ነቲ እሙን ዓርኪ እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ ከልቢ ዘይምርስዖም ከኣ `የ ነቶም ኣመሪካውያን ዘድነቕኩዎም። እቲ ብነጻ ጉልበት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎታትን ኣዴታትን ንዘስርሖ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ንውልቁ ዝወነኖ ስአብኣይ ግን፡ ኣሽንባይ ዶ ንረሃጽን ጉልበትን መንእሰያት ኤርትራ፡ ንመስዋእቲ እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጹ ጀጋኑ ኤርትራ `ኳ ኣይዘከሮን። ንዓኣቶም ረሲዑን ኣረሲዑን፡ ነታ ብሃታ ሃታ ንመዘከርታኦም ዝተተኽለት ሽዳ ከይተረፈ ምሕዩ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ራሻዊ ደራሲ ፑስኪን ተኺሉ `ሎ። እቲ ዝገርም ግን፡ ናይቲ ከም ኣመሉ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንውልቁ ዝተቓለሰን ብጸጋታት ኤርትራ ንውልቁ ዝነበር ዘሎን ኢሳይያስ ኣይኮነን። ንሱ ደኣ መዓስ ንዲጋ ዓዲ-ሃሎ ጥራይ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ እንድዩ ከም ጊላኡ ወኒኑዎ ዘሎ። ኢሳይያስ ን50-60 ዓመታት ደም ህዝቢ ኤርትራ ሰትዩ ክንሱ፡ ኣብ ክንዲ `ይኣኽለካ ተረታዕ ብሕጊ` ዝብሃል፡ `ወዲ ኣፎም ብሪ` እናተባህለ ብግዳያቱ ይዝመረሉን ይውደስን ምህላዉ እዩ እቲ ዘሕንኽን ዘሕፍርን ውድቀት።
ብሓቂ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ንሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ ክርአ ኸሎ፡ ናይ ከልብን ናይ ሰብን ፍልልይ ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎም። ሰይጣን ዓዲ-ሃሎ ካብ ከልቢ ይኹን ካብ ሰብ ክፋኡ መወዳድርቲ የብሉን።
ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ፡ ወራሪ ይደምሰስ!
ኣማኑኤል ኢያሱ – ካብ ኔቫዳ ሕመኣ
“ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ፡ ወራሪ ይደምሰስ፦
ኣማኑኤል ኢያሱ – ካብ ኔቫዳ ሕመኣ”
ሰላም ክቡር ኣማኑኤል
ንመንታይ ተቕንኣኒ
ኔቫዳ ሕመኣ እናበልካኒ
ብጥዑም ግዝየ ርኢና ነርና
ተፈታዊት ኣዝማሪና
ኣየ ግዝየ ግዝየ ተቐያያሪት ግዝየ
ማዓስዩኸ ንርእያ እታ ብልጭ ኢላ ዝጠፍአት ግዝየና
ሀረርታና ማሕመሐ ብሃንቀውታ ።
Enjoy Yourself, Dear Amanuel, and THANK YOU for the FIELD of http://www.assenna.com
You should have swung by my house; I would have sent you back home with a basket full of fresh Florida citrus. Yep, it is past time not only to evict the dog from his kennel but also from our minds. Y’all look good, God bless.
Brothers,
He will be in my hometown (naturalized) on Saturday and will hopefully have a word with him.
First time to face him and will see his reaction.
ሰላማት ደቂ ሃገር
* እንታይ ድኣ ጠፍአ ድምጽና
* ቀቢጽና ዲና
* ወዲ ኣፎም ድላዩ ክገብር ምስረኣና
* ኣየ ጉድ እንታይኮን ጌርና ኢና እዚ ኹሉ መርገም
* በሉ እስኪ ኩቡራት ደቂ ሃገር ንኽኣሎ ድኣ
* ተፈጥሮ ዕድልና ካብኮነ መንገድና
* መርገም ድኣ ካይከውን ካይተፈለጠና
* ዝኾነ ኮይኑ ንኽኣሎ ድኣ ከም ዕድልና ።
አንታይ ድኣ ሱቕ ኣብዚሕና ፧
ተወዲኡ ድዩ መንገድና፤ ካን ኣኺሉና ፧
አዚ ኾነ መወዳእታ ታሪኽ ኤሪትርያና
እሞኸ መን ኮነ መተካእትና
ዝኾነ ኮይኑ : አንታይ ተረፈና ካብ ድሓን ኩኒ አረ ምባል ብውሕጅ ንብዓትና ፧፧፧፧
‘If you don’t have something good to say, say nothing at all’…
‘እሞኸ መን ኮነ መተካእትና’?
the answer is obvious, you see them dancing in the capital of our occupiers and all over the world, that’s what we got replaced with.
The Eritrea, the people and the ideals we fought for was gone before the ‘liberators’ set foot in the capital but they chose to keep quiet, so this tacit posture is not a new culture, it is decades old…’አንታይ ድኣ ሱቕ ኣብዚሕና ፧’…
Even this medium stopped celebrating the day, because 31 years later it is becoming more evident what this day ushered to the Eritrean people— carnage, mayhem, social decadence, cultural degradation, loss of identity, ‘Independence’… the list goes on and on.. ‘ዝኾነ ኮይኑ : አንታይ ተረፈና ካብ ድሓን ኩኒ አረ ምባል ብውሕጅ ንብዓትና ፧፧፧፧’… I did my weeping a long time ago, I can’t lacrimate no more. I am all dried up.
QUOTE: “ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡
ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ
ዩ ዘሎ` ኢሎም 21ST JUNE 2020″ UNQUOTEI LOVE this quotation — I will keep it for ever and ever. FULL STOP
Poor Amaniel Eyassu: after decades of serving the treacherous, kleptomaniac woyane for money, now, as the end of woyane is coming by leaps and bounds, he has become extremely disillusioned and confused. But again, such is the eventualities of all traitors. Like Amaniel Eyassu, the notorious traitor,Tekle Aden, was also convinced of finding of ever flowing fountain of wealth and comfort under his master, Mengistu Hailemariam, but of course in vain. After The Mighty EPLFs defeated Mengistu and his soviet surrogates, the notorious Tekle Aden, in shame and disgrace died in the gutters in addis abeba. The fate of this traitor, Amaniel Eyassu, is also the same. Mark My Words!!!!!
t.g. you have a unique way of name calling and very bold predictions… that said, besides this altered and unrecognizable visage of our poor nation, what would you say the fate of adi halo and its current resident is before the years end??
Ethiopia and its super power nations surrogates…. USA, USSR….tried, of course in vain, to foil Eritrean Freedom Movement, of which the result was the complete defeat of Ethiopian army and surrogates and the dawn of Eritrean Independence. The Western countries, hiding behind the treacherous and kleptomaniac woyane, tried to nip Eritrean independence in the bud but again the result is the complete demise of woyane. However, the Western countries have not yet given up their pathological obsession to scrap Eritrean from world map. Lately,under the guise of implementing the Constitution, they are manipulating some naive and gullible Eritreans to achieve their evil cherished goal. Unfortunately for them, our people are far wiser and can see their evil scheme in its inception. After all, our people are the descendants of ancient civilization. By the way, our people are the cradle of civilization of the Horn of Africa. The Tegarus, Amhara and others are the beneficiaries of our cultures, language and way of life. As to your question, Adi Halo has been there since time immemorial and it will be there for eternity. If you are referring to Isaias Afewerqi: like any one else, he will pass away pretty soon. Remember, China did not collapse after Chairman Mao, neither will Eritrea after Isaias Afewerqi. The Mighty Young EPLFs that have mercilessly routed out woyane, will stand up and foil any enemy that dear to mess with The Home Of The Brave!!!
‘ If you are referring to Isaias Afewerqi: like any one else, he will pass away pretty soon.’… t.g. you just broke the hearts of his fans– their eternal immortal idol.
As to the rest of your answer, it sounds like you’re still reciting the 1970’s splinter manifesto and flipping through the pages of the Red Book…. ‘After all, our people are the descendants of ancient civilization.’… t.g. where are you getting this artifacts? library of congress!?
I am not surprised of your low self esteem. But again, you would not have supported the vicious enemy of our people, little woyane, had you had some confidence in yourself.
“Remember, China did not collapse after Chairman Mao, neither will Eritrea after Isaias Afewerqi. The Mighty Young EPLFs that have mercilessly routed out woyane, will stand up and foil any enemy that dear to mess with The Home Of The Brave!!!”
ሳላማት ኩቡራት ኣሕዋተይ።
ኣበይ ኣላ EPLF ወይ ህዝባዊ ግንባር ?
እንታዎት ኢዮም “The Mighty Young EPLFs” ትብሎም ዘለኻ ፤ ኣበይከ ኣሎዉ ?
ዉሑድ ዘይኮነ ክፋል መሪሕነት ህግ ፤ ኣብ ዒራዒሮ ሓቂቁ። እቲ ነባር ተጋዳላይ ዝባሃል ፤ እቲ ብ91 ናጽነትን ኣጽናትን ሒዙ ዝኣተወ ፤ ኣብ ምንጎ ፤ ኣብ ስደት ዝሳቀ ዘሎን ፤ ምስ ኢሰያስ ተመሳሲሉ ፤ ንዕለታዊ እንጀራ እንዳ ተሻቀለ ፤ ድምጺ ኣልቦ ኾይኑ ክነብር ዝመረጸ ፤ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ይርከብ።
እዞም “ሓያላት መንእሰያት ሻዕቢያ” ትብሎም ዘለኻ ፤ ምልላዮም ጸጊሙኒ። እቶም ኣብ ገደብ ዘይቡሉ ዕስክርና ብኣርዑት ህግደፍ ዝሳቀዩ ዘለዉ ዲዮም ? ፤ ወይስ ፤ እቶም ኣብ ምዕራብ ዝተወልዱ ፤ ኣብ ባዓላት ህግደፍ ዝዓስሉ መንእሰያት ?
ሃገርና ወዲቃቶ ዘላ ደረጃ ፤ ንኹሉ ሃገራዊ ድቃስ ዝኸልእ እዩ።
ንቀጻልት ሓደ ጸቢብ ፤ ጨካን ፤ ካብ ረብሓ ሃገሩን ህዝቡን ሪሒቁ ዝዕንድር ዘሎ ጉጂለ ፤ ዝግበር ምጽብባቅ ፤ ኣነዋሪ ተግባር ኢዩ።
ኢሰያስ ክመዉት እዩ ምባልካ ፤ ገሪሙኒ።
እም እቶም ዘምሉኹዎ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ?።
ሰብ ሙዃኑ ፤ ክጋገ ከም ዝኽእል ፤ መዋቲ ሙዃኑ ፤ ዝዘንገዑ ዓያሹ ምህላዎም ህዝቢ ይዕዘብ ኣሎ።
ምት “ማኦ” ንቀጻልነት ናይ ፖርቲ ጸገም ኣይነበረን።
ልክዕ ኣለኻ። ግን ንሶም ፤ ከም ህግደፍ ፤ ሰብ ሰሪሑ ክነብር ዝኸልከሉ ኣይኮኑን። ንሶም “ካብ ምዕራብ ንማሃር” ዝብል ጭርሖ ኣልዒሎም ፤ ሎሚ ፤ ቁጠቦኦም ካብ ዓለም ኣብ ካላኣይ ደረጃ ሰሪዖም ዘለዉ ኢዮሞ። ከም ህግደፍ ፤ ግላዊ ንብረት ዝዝርፉ ፤ ነጋዳይ ዝጥፉሹ ፤ መንእሰይ ዎሎዶ ዝዕስቡ ፤ ኣብ ዘይምልከቶም ዉግኣት ኢዶም ዝሕዉሱ ፤ ንህዝቦም ብድኽነት ዝሕምሱ ጠላማት ማኣስ ኮይኖም !!።
ወያኔ ይሃሉዉ ፤ ይጥፉኡ ፤ ንህዝቦም ይምልከት።
ዶብና ኣዉሒስና ፤ ምስ ኩሎም ጎረባብትና ፤ ብሰላም ክንነብር ኢዩ እንኮ ምርጫ ህዝብና።
ስልጣን ህግደፍ ንምንዋሕ ዝግበር ፤ ናይ ናዕቢ ፈኸራ ከብቅዕ ኣሎዎ።
No captions needed. Missing you like the Sahara misses the rain, W.H.
It looks like the levy has been breached…
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ
ከመይ ቀኒኻ መምህረይ !
ስደት መሪሩኒ ፤ ከም ህዝበይ። ካልእ ምተኻእለ።
ኣብ ልዑል ፈጣሪ ተስፋ ኣለኒ ። ኣብ ሃገርና ኣይተርፍን ከይኣኻኸበና።
የቀንየለይ ኩቡር ሓወይ።
ኢን ሻላህ — ኣሜን ።
You are reciting the deadly mistakes of the treacherous woyane, who is now completely defeated , humiliated and on the verge of disintegration. This spectacular victory was not accomplished miraculously but by the Mighty Young EPLFs. Remember the Defense Forces of Eritrea will always be EPLFs because it is a Badge of Honor, Invincibility, Patriotism, Martyrdom etc.
ተወልደ ገ/ማርያም
ት ከም “ጣኦት” ተምልኾ ንጉስ ዓዲ-ሃሎ ሃገር ሞይታ ኢሉካ ‘ዩ።
ቲቪ ኤረ ምርኣይ ገዲፍካዮ ዲኻ? ኣያኻ ኣይስማዕ ‘ዩ ዘብል።
“ባጽዕ ሉል ትመስል ኔራ ሕጂ ግን ዓንያ
መዕልቦ ነፈርቲ የለን
ወደባት የለዋን
ትሕተ-ቕርጺ የለን
ጸዓት የለን
ሕርሻ የለን”
z’ተደምረናል
ኣቢ ንስኻ ምርሓና
ጉዳይ ዶብ ኣይገድሰናን
ክልተ ህዝቢ ኢሉ ዝሓስብ ዘይፈልጥ ጥራይ ‘ዩ”
ምምሕዳር የለን [ናተይ]
ዝሓስብ ሰብ የለን [ናተይ]
ቃል መራሒኻ ሓላፊ ዲጋ ዓዲ ሃሎ
Simon, can you imagine at this stage of the game there are people who think like t.g. gracing the realm of Eritrean politics. It is mind boggling…. no wonder why my ‘self-esteem’ is in the gutter.
ኣንታ ሓወይ ፤ እንታይ ኣእተወካ ናይ ወያኔ ፤ ጉዳይ ሃገርካ ዘይትገብር።
ንዝረመስካያ ሃገር ሪኡ ፤ ህዝቢ ሓላፍነት ንኸየሰክመካ ፈሪሕካ ፤ ብቀጻሊ ፤ ካብ ካልእ ጠምቱ ክትብል ትነብር ፤ ክሳብ ማኣስ ፤ ንመን ከተዑሹ። እዚ ኣረጊት ኣሽካዕላል ፤ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ፤ ትሕተ-ዕድመ ቆልዑት ከይተረፉ ነቂሖምሉ። ወያኔ ፤ ኣመሪካ ፤ ክትብሉ ዓሪቡኩም። እም ኻኣ ዉጽኢት ዘይቡሉ።
ንደቂ ሃገር ፤ ወያነ ኢኹም ፤ ዓጋመ ኢኹም ኢልካ ፤ መሰረታዊ መሰላት ምንፋግ ፤ እንታይ ኢዩ ሳዕቤኑ ይርዳኣካ ዲዩ ?። ነዚ ዘይርዳእ ወይ እንዳፈለጠ ዘባላሹ ሰብ ፤ ዶንቆሮ ወይ ብኩቱር ጽልኢ ኣእሙሮኡ ዝሰንከለ ክኾዉን ኣሎዎ።
ወያኔን ህግደፍን ፤ ብዘይካ ኣብ ክልተ ሃገር ምንባሮም ፤ ደቂ ሓደ ቤት-ትምህርቲ እዮም።
ክልቲኦም ፈተዉቲ ህዉከት። ስልጣን ንህዝቢ ነኸየረክቡ ፤ ኣብ ዘየድሊ ዉግኣት ኣዋፊሮም
፤ “ብሰንኪ ወያኔ ፤ ብሰንኪ ሻዕቢያ . . .” እንዳ በሉዎ ፤ ንጃምላዊ ህልቂት ኣቃሊዖምዎ ይርከቡ።
ብሻዕቢያ ምሽቃጥ’ዉን ይኣክል። ቀደም ዝምተ ሽጣራ ጠላማት እዩ።
እንታይ ጹቡቅ ገይርኩምሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ? ። ኣማኢት ቶናት ወርቂ ኣብ እተፍሪ ሃገር ፤ ፊዉሲ ስደዱለይ ፤ ገንዘብ ሓጉዙኒ ኢሉ ንደገ ደብዳቤታት ክጽሕፍ ይዉዕል ኣሎ። መንእሰይ ወሎዶ ፤ ሽፍታ ሒዝካልና መጺኻ ስለ ዝብሉዎ ፤ ማሕበራዊ ተነጽሎ ኣጥቂዑዎ ፤ ኣብ ዘለዎ ስደት ፤ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ሲኢኑ ይነብር ኣሎ።
ኤርትራ ፤ ብሰንኪ ህግደፍ ፤ ብኹሉ መዐቀኒታት ፤ ፍሽልቲ ሃገር ኮይና ትርከብ። እቲ ፈሪሃ-እግዚኣቢሔር ዝኾነ ህዝባ ፤ ንሰማይ ዘቅነዖ ኣዉያትን ምህለላን ፤ ቁቡል ከም ዝኾዉን ኣይጠራጠርን።
ኤርትራ ሃገረይ ፤ ብፍቅርን ሰላምን ህዝባ ታሓቢና ፤ ንዘልኣለም ነጻ ትንበር።
ክብርን ዝኽርን ንጀኑ ሱዉኣትና።
W.H., you condensed a compelling resume as usual… who is hiring? NRA???
ዕድልና ኮይኑ
ሀ) ዝኾነ ኤሪትራዊ ዝኾነ ሓሳቡ ንኽገልጽ / ንኽትገልጽ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ
ዘይጠፍእ ምስክር ይመስለኒ ።
ለ) ናይ ተፈጥሮ ሞት አንተኾይኑ ኩላህና በብግዘና ክንከይድ ኢና ::
ሐ) ኣብዘዘለናዮ ባይታን ግዜን ግን ከምክእለትና >> ብሰላም >> ብሕውነት
>> ብፍቕሪ አንተሕለፍናዮ ንኹሉ ሓጎስ ምኾነ ::
መ) ዕድልና ኮይኑ ግን ጠባይና ስርንግጥ ካብ ኮነ አንታይሞ ይገበር
ከምዝተዋህበና ንጔሰ ስጋብ አለተ ሞትና::
ኢን ሻላህ — ኣሜን ።