ናይዚ ኣዕናዊ ኩናት ሕብእ ኣጀንዳ ልዕላውነት ኤሪትራ ምጥፋእን ነቲ ብ 1991 ዝተሳዕረ ናይ ኣምሓራ መስፍናዊ ስርዓት ምምላስን እዩ።
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ኣብዚ ጊዜ እዚ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከታ ኣዕናዊ ሕድ ሕድ ኩናት ኢትዮጵያ ኣትያ ከም ሀገር ትሃሉዶ ወይስ ኣይትሃሉ ኣብ ዝበሃለሉ ቀራኒ መንገዲ ትርከብ። ኢሳያስን ኣቢይን እንተሲዕሮም ልዑላውነት ኤርትራ ድሓን ኩኒ። ትግራይ እንተሲዒራ ግን ሎኡላውነት ኤሪትራ ክዕቀብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገብረ ወራር ብናይ ኢትዮጵያ ምክልኻል ሰራዊት፥ ፥ናይ ኤሪትራ ሰራዊት ፥ናይ ኣምሓር ሚሊሽያ ፥ ናይ ሶማል ሰራዊት፡ ብተወሳኺ ናይ ኢሚረትስ ድሮናት ነቲ ናይ ወያነ ዓበይቲ ኣጽዋራት ዘዕነዋ እዩ ተኻይዱ። ኣቢይን ኢሳያስን ነዚ ዓረምሾሻዊ ሐይልታት ሒዞም ኣብ ቑሩብ መዓልታት ብዓወት ክዛዝምዎ መደብ ምግባሮም ዘገረም ኣይኮነን። እቲ ዘገረም ግን ከመይ ገይሮም ወያነን ህዝቢ ትግራይን ከም ማይን ጸባን ተዋሂሂዶም ነዚ ዘርኢ ትግራይ ንምጥፋእ ተሃንዲዱ ዝመጸ ገዚፍ ሐይሊ ኣፍሽለሞ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ህላውነት ትግራይ ተረጋጊጹ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኩናት ናብ መሬት ኣምሓራን ኣፋርን ተሰጋጊሩ ኣሎ። እቲ ኩናት ተውዲኡ ማልት ግን ኣይኮነን። ነቶም ክልኦት ዉጹዓት ህዝብታት ከም ኦሮሞ ኣገው ቅማንት በንሻንጉል ሲዳማ ቃልስታት ፍናን ኮይንዎም ቓልሶም ብዝለዓለ ደረጃ የሰላስልዎ ኣለዉ። ናይ ውጹዓት ኣህዛብ መትክላዊ ሐድነት ተረጋጊጹ እዩ።
እዚ ወራር ንህዝቢ ትግራይ ሞትን ስደትን ዕንወትን ኣኸቲሉ ኣደዳ ጥምየት ገይርዎ እዩ። ኣብይን ኢሳያስን ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍጺሞም ዝብል ክስታት ኣብ ሪእሲኦም ተንጠልጢሉ ኣሎ ። ብኸመይን መኣስን ከም ዝኽሰሱ ግን ጊዜ ዝውስኖ እዩ። ምስ ውጺኢት ናይዚ ኩናት ዝተኣሳሰረ እዩ።
ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ መን እዩ ጀሚርዎ ዝብል አከራኻሪ እኳ እንተ ኮነ ምኽንያቱ ግን ብሩህ እዩ። ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራልያዊ ስርዓት ኣፍሪሱ ብናቱ ውድብ ብልጽግና እትምራሕ ኣሃዳዊት (መስፍናዊት) ስርዓት ክሃንጽ ድልየት ስለዘለዎ እሞ ወያነ ዕንቅፋት ከምዝኾኑዎ ተረዲኡ ንዖኦም ምጥፋእን ንዓታቶም ዝወለደት ትግራወይቲ ማህጸን ምምካንን ዝተበገሰ ኢሰብኣዊ ኩናት እዩ ። ናይ ኢሳያስ ምትእትታው ከኣ ናይቲ ናይ 1998 ትርጉም ዘይብሉ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ሕነ ምፍዳይ ብሓደ ወገን በቲ ካልእ ድማ ትግራይ መተሓላላፊ (bafer zone) ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ስለዝኾነት እቲ ንኤርትራ ልዕላውነታ ኣፍሪስካ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር መደቡ ከምቲ ዝደልዮ ክኸይድ ስለዘይከኣል እዩ ። እቲ ቀንዲ ሕቡእ ኣጀንዳ ግን ኣምሓራ ሊሂቃን (ብፍላይ ተረፍ መረፍ ናይ ደርግን ንጉስ ሀይለ ስላሴን) ናይ ኢሳያስን ኣቢይን ህርፋን ስልጣን መዝሚዞም ነቲ ብ1991 ዝተሳዕረ ጭቛኒ መስፍናዊ ስርዓት ኣምሓራ ምምላስ እዩ።ከም ዝፍለጥ ኣምሓራ ንናጽነት ኤርትራ ኣትይተቀቦልዎን ጥራሕ ዘይኮነ ብወግዒ ኣብ ናቶም ማኒፈስቶ እውን ኣስፊሮሞ እዮም። መሊሶም ክገብጥዋ ኩሉጊዜ ምቹእ ጊዜ እናተጸበዩ እዮም- ሕጂ ግን ኢሳያስ (ኤሱ) ኣብ ብሩራዊ መብልዕ ቁርሲ ገይሩ እንሃቱልኩም ይብሎም ኣሎ።
ከምቲ ጋዜጠኛ ተኣምራት ነገራ ዝበሎ። “ ትግራይ ጥራሕ ነጥፈኣያ እምበር ዕድመ ንኢሳያስ ንኤርትራ ኣድኪሙልና ስለዘሎ መወጽ እናመወጽና ክንሕዛ ቀሊል እዩ። እዚ ዘብረሃልና ንኤሪትራ ክገብጡ ትግራይ ዕንቅፋት ኮይናቶም ኣላ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ትግራይ ንሂዎቶም ክብሉ ናይ ኤሪትራ ልዑላውነት ዋልታ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ዋላ እውን ደለይቲ ፍትሒብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተጸልዮም ክርድእዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኢሪትራ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል ዘሎ ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ዝከኣሎም ዲፕሎማስያውን ፋይናንስያውን ሐገዝ ይገብርሎም ኣለዎ። እዚ ካብ ሰብኣዊነት ሕልና ዝተበገሰ ኮይኑ ዓወት ትግራይ ዓወት ውጹዕ ህዝቢ ኤሪትራ ስለዝኾነ እውን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ምስ ጎረባብትና ዝኾነ ሐውና ህዝቢ ትግራይ ሰላም እምበር ጽልኢ ኣየዋጽእን እዩ። ነቲ ወራር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣውሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ጽልኢ ካብ ሕጂ ናይ ሰላምን ምትሕልላይን ዘርኢ ዘሪእካ ምሕዋዩ ኣድላየ እዩ። እቲ ዞባና ሰላም ሰፊንዎ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያዋን ምዕባለ ከድህብ መታን። ሰላም ክነግስ ኩናት ደው ክብል ሰራዊት ኤሪትራ ንዓዱ ክምለስ ኢሪትራውያን ምስ ተጋሩ ኮይኖም ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ። እዚ እውን ዘርኢ ሰላም ምዝራእ እዩ። ሰራዊት ኤሪትራ የዔርዩ ከይጸነተ ካብ ኩናት ክወጽእ ኣለዎ።
ገሊኦም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ነዚ ሓቂ ጎስዮም ንህዝቢ ትግራይን ኤሪትራን ከቀያይሙ ኣንጻር ወያነ ቀጻሊ ዘመተ የካይዱ ኣለዉ።እዚ ናይ ፖለቲካ ዕንደራ እዩ። ህዝቢ ኤሪትራ ሓደ ዕድል ተኺሲትሉ ኣሎ ክንጥቀመሉ ኣለና። ብእንግሊዝ “Seize the momntum’ ይብሃል። እዚ ዕድለ እዚ ክምዝመዝ ዝግበኦ እዩ። እዚ ኩናት ንኢሳያስ መጥፊኢኡ ክኸውን ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘሎ።
እቶም ንወያነ ብቀጻሊ ናይ ጽልኢ ዘመተ ዘካይዱ ሓንቲ ምኽኒት ዝገብሩላ ንሕና ኣንጻር ወያነ እምበር እቲ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ዝኣመሰለ ሰብ ዘኽበር ህዝቢ እዩ ምስኡ ጽልኢ የብልናን ይብሉ። ንወያን ጸሊኦም ምስ ህዝቢ ትግራይ ፍቅሪ ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። እዚኣ ሸፈጥ እያ ከምቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዝበሎ ህዝቢ ትግራይን ወያነን – ሐቢሮም ኩናት የካይዱ ስለ ዘለዉ -እዚ ኩናት ህዝባዊ እዩ ። ስለዝኾነ ከኣ ክሳዓሩ ኢልካ ዘይ ሕሰብ እዩ ይብል ። ብናቱ ገምጋም እዚ ኣዕናዊ ኩናት ብሰላም ብዝርርብ ክደምደም ኣለዎ ። ሓላፍነት ዝመልኦ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘረባ። እቲ ዝበዝሔ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ከም ናይ ኣንተኒዮ መርገጺ እዩ ዘለዎ ። በንጻሩ ብጽልኢ ወያነ/ትግራይ ዝዘቅበቡን ኣብ ሕሉፍ ዝነብሩን – ብሕልፊ ብ 1981 ወያነ ምስ ሻዕቢያ ከይና ካብ ኤርትራ ኣውጺኣትና ዝብሉ ውልቃውያን ኣካል ደለይቲ ፍትሒ። ብዛዕባ ትግራይ እንታይ ገደሰና ጉዳይና ዘይንገብር ኢሎም ነቲ ደላይ ፍትሒ ኣብ 2 ከፋፊሎሞ ኣለዉ። ገሊኦም እውን በቲ ዋጋ ዘይብሉ ናይ ኣግኣዝያን ዘመተ ሕብረት ተዛረብቲ ትግርኛ ዝባህረሩ እዮም። ኤሪትራ ብኤሪትራውያን ጥራሕ እናበሉ ነቲ ኣብ ዓዲ ፍኒሕነሕ ዝብል ዘሎ የደናግርዎ ኣለዉ። እዞም ኣብ ደገ ዘለዎ ናይ ኣፍ ጥራሕ ኢዮም ዝበል ምግሩምራም ካብቶ ኣብ ዓዲ ይስማዕ ኣሎ። ብዘይ ሐገዝ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና እንታይ ክገበር ይድለ። ክገበር ዝኽእል እንተዝኸውን 20 ዓመት ኣብ ጸልማት ኣይምነበረን። ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዝኽሪ 20 ዓመት ናይ ሕልና እሱራት ኣብ 18 መስከርም 2001 ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታን – ክትዝከር ከለኻ ክሳብ ክንደይ ናይ ምብዳህ ሕሊናና ወዲቁ ከም ዘሎ ይርድኣካ። ናይዚኦም ሓጸር ዛንታት ዘለዎ ስእላዊ ምራኢት ኣብ ሎንደን ዝተዓዘበሰብ – ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ምዃኑ ይርዳእ። ከም ኣብነት ስእሊ ጀነራል ዕቅበ እነሆ።
ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ከበርከት እንተ ኮይኑ ኣብቲ ክገብሮ ዝኽእል ግን ዘይገብሮ ዘሎ ከተኩር ምተገበኤ፥ ነንሕድሕዱ ክባላዕ ጊዜኡ ብኸንቱ ከየጥፍኤ ። እዚ ኩሉ ሂወት ሰራዊትና ኣብ ኢትዮጵያ እናጠፍኤ ከሎ ጉዳይና ንግበር ማለት እንታይ ማለት እዩ። ደቆም ሐቂፎም ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ደቁ ከም ቆጽሊ እናረገፉ ሪዒዱን ተንበኪኹን መዓንጣኡ ሓቂፉ ዘሎ ህዝቢ ንኢሳያስ ብዘይ ናይ ደገ ሐገዝ ከልግሱዎ ክምድሩ ከለው ናይ ሞራል መሰል የብሎምን። እምበር ዶ ብስነ ልቦና ዝተሃንጹ እዮም ዘብል እዩ። መእሰያትና ይጸንቱ ሃገርና ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትመሓደር ኤሱ ፈሪድዋ ኣሎ። ስለዚ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩናትን ብዘየወላውል ጉዳይና እዩ፡እት ዝዓበየ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ እምበር፡፡ ምጾታት እዩ።
ኣብቲ ብኣደ መንበር ዶክቶር ከውሰር ኣብደልቃደር ምስ ዶክተር ኢብራሂም ሱራጅን መምህር ናስር ዓሊን ዝነበረ ዘተ ዶክተር ኢብራሂም ነቶም ምስ ትግራይ ንተሓባበር ዝብሉ ናይ ወያነ ዑሱባት ኢዮም ኣብ ዝብለሉ ደረኛ በጺሑ። ቁጽሮም ንምቁንጻብ ካብ 10 ወይ 20 ኣይበዝሑን ይብል- መብዝሕትኦም ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣኢዮም ይብል። ዘኤንግዶም ከኣ ኤይ ኤይ ኤን መዲያ (aan Media Network) ዝብሃል ብቀጻሊ ዘይተኣደነ ናይ ጽልኢ ዘመተ ኣንጻር ወያነ ዘካይድ መራኸቢ ብዙሓን እዩ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንረብሓ ኢሳያስን ኣቢይን ዝሰርሕ ዘሎ መዲያ እዩ። ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ሓቢሮም ዝሰርሑ ኣብ ክልተ ዘይተዓረቅ መርገጺታት በጺሖም ኣለዉ። ንሳቶም ጥራሕ ኣይኮኑን ካልኦት ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራን ልዑል ቦታ ዝነበሮም እውን ምስ ወያኔ ምስራሕ ተቋውሞታት ኣስሚዖም እዮም። ዝምድነኦም ምስቲ ምስ ወያነ ምትሕግጋዝ ዝኣምን መንእሰይ ኤርትራ ከመይ ክኸውን እዩ ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኩናት ናቱ ሕግታት ኣለዎ። እታ ናይ ኣሸናፊ ዋንጫ ዝዓትራ ኣይፍለጥን እዩ። ኣብ ዲስፖራ ዘለና ኣብ ውጻኢት እቲ ኩናት ተራ የብልናን። ከም ኢሪትራውያን ንሰላምን ፍትሕን ምቅላስ ጉቡእና ስለዝኾነ ደኺመ ከይበልና ምስ እንሰርሓሉ ዓቢ ዓውትን ሐልዮት ዝብናን እዩ። ዓለም ከኣ ብሕልፊ ን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን መርገጺና ነብርሃሎም።
ባይቶ ይእክል ሕ/መ/ኣ ኣብቲ ተጋሩ ዘካይድዎ ዓቢ ሰልፊ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክህቡ ከለዉ መርገጺኦም ምትሕብባርን ምድንጋጽን ምስ ሕዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም። ምስ ኣንጻር ወያነ ዝኸይድ ዘመተ ኣይቃዶን እዩ። እዚ ናይ ኢርትራውያን 2 ኣረኣእያታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘይተዓረቅ መሰረታዊ ፍልልይ ስለዝኾነ እቲ ዝሓሸ መመገድኻ ምኻድ እዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ነቲ እምነትካን መርገጺኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተእትዎ ኣይትግደድን ኢኻ። ምክበባር ግን ናይ ግደን ክኸወን ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ሓደ ብሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበራት ዝቖመ መሪሕነት ኣድላይ ተባሂሉ ብዙሕ ኣኼባታት ተኻይዱ ክሳብ ሕጂ ግን ፍረ ኣየምጸኤን። የግዳስ ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ ነንሕድሕድና ክንቋየቕ ጊዜና ብኸንቱ ነጥፋኦ ኣለና። ድሮ ናይ ትግራይ ምኽልኻል ሰራዊት ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ምስተን ብረት ኣልዒለን ዘለዋ ጭኩናት ብሄራት ከም እኒ ኦሮሞ፥ ኣገው፣ ቂማንት- ቤንሻንጉልን ካልኦትን ምትሕብባር ጀሚሩ ኣሎ ። ህግደፍ ግን ነቲ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝነበረና ናይ ውጽዓት ሐድነት መትከል ረሲዑ ኣንጻር ውጹዓት ኣህዛብ ኢትዮጵያ ብዋጋ ሂወት መንእሰያትና ይዋጋእ ኣሎ። ወይ ሕማቅ ዘመን። ኢሳያስ ንሰራዊት ኤርትራ ክዋጓኡ ናብ ጎንደርን ዓፋርን ሊኢኹዎም ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሪዒዱ ርእሱ ኣድኒኑ ደቁ ኣብ ሓዊ ክጥጠቁ ከለዎ ትም ኢሉ ይዕዘብ። ድሮ ሐደ ጉጅለ ኮማንዶ ኤርትራ ተደምሲሱ ይበሃል ። ገለ ቁሩብ ኤሪትራውያን እውን ብናይ ኣምሓር ፋኖ ዝተቀትሉ ኣለዉ ዝብል ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ናህና ሕመቅ ግን ብኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት ወዲ ሰብ (ኤሪትራውያን) ትግራወትን ክኹነን ከም ዘለዎ ቀጻሊ ጎስጓስ ኣብ ክንዲ ንገበር ሓድሽ ዛዕባታት እንከፈትና መፍቶ ህግደፍ ንኸውን ኣለና።
ሕውነትን ሓድነትን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንዘልኣለም ይንበር!!
ስዕረትን ሞትን ንጻሕተርቲ ኩናትን ዓመጽን!!
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልስና
ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ
09/08/2021
ባይቶ ይኣክል ቁኑዕ መርገጺ ወሲዶም ኣለዉ። ምስቲ ናይ ሓባር መርገጺ ዘለዎም ማሕበራት ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ናይ ሓባር መሪሕነት ክሰናዱ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ግብሪ ሪኡ እዩ ዝዓስል። በቲ ሓደ ሸነኽ ነዚ ኣንጸላልይና ዘሎ ምኽሳር ልዑላውነትና ምስ ወያነ ኮይና ሃገርና ነድሕን ዝብሉ መንእሰያት ይወዳደቡ ኣለዉ። እቶም ናይ ሓባር መርገጺ ዝውንኑ ሰሚሮም- ትግራይ መንጠሪ ባይታ ገይሮም ምስቲ ኣብ ዓዲ ክንቀሳቀስ ጽረኤ ዘሎ ውፉይ ብዝተፋላለየ መገዲ ርክባት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብልዕሊ ትግራይ ናይ ጽላኢ ዘመተ እንገበርካ ግን ኣይከውንን እዩ፥ ሓደገጃ እውን እዩ።
ይቅጽል
እዚ ኣዕናዊ ሰነሓስብ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ምርዳእን ምፍላጡን ኣብ ናይ ቀረባን ርሕቁን መደብ ምውጻእ ይሕግዝ እዩ።
A winning strategy for the Eritrean people through the lens of a Tigrigna speaking Christian highlander former Eplf member… do you know the poor victims of Tigray today refer the barbarian invaders of their land as ‘sha’ewia’. NB.do you know that a large segment of the Eritrean society don’t have any clue who the sketch of the person profiled in this article.
Let me put it this way, it is like Donald J. Trump telling the Jan,6th insurrectionists .. ‘if you show any weakness you will not have a country’.. so they charged the Capitol to stop ‘the steal’… politics is dirty, isn’t it!?
In order to solve this current do or die situation our country is in, the first prudent question to ask is, ‘how did we get here?’, ‘who fed and nurtured this monster who is eviscerating the gut of our society?’, instead of hiding behind a smokescreen and throwing artifacts from the past and blaming others as getting in the way.
Good article – thank you.
In my humble view the immediate issue for us Eritreans, as you seem to indicate in the article, is how we save our country and people from the criminals in Asmara. How we get rid of the beast who is brutalising our people day in and day out. That is the $64k question. Who groomed Isaias to be the beast that he is who mercilessly slaughters our people is not an immediate issue and to my mind can wait for another day. Let’s bring a change first and the rest can be dealt with in time if we get our priorities right.
What I find stomach wrenching at the moment is that our youth/people are fighting along side the Amharas instead of liberating their own country from the beast. Diaspora Eritreans chatting on zoom as if talks in zoom will save their country from the beast. It is tragic in the extreme to hear almost every single Eritrean talking about Isiais every single minute of the day. It is a terribly sad sate of affairs for Eritreans telling each other how bad he is and what he did as if nobody knows it. We need to move on from zoom and Isaias and focus how we collectively resolve our own problem and save our country.
We need to remember and remind the youth in our country the Amharas never cared about our country and why should we care about them now? If they wish to fight it out with the Tigrayans and destroy their country in the process, that is a matter for them.
The Amharas are the very same people who for 30 years killed our youth by strangulation – putting wires around their necks, burnt endless villages up and down our country and raped our women. I can go on and on listing the atrocities these evil Amharas committed on our people. If they (the Amharas) manage to eliminate the Tigrayans, we Eritreans will be the next. As simple as that. The Amharas do not want us as Eritreans but our land and our ports. If they win the Tigray war, Isaias will hand over our country to his Amhara people on a silver plate and Eritrea will be no more. Indeed, the whole inept peace agreement between baby Abiy and Isaias is based on the plan “let’s eliminate the Tigrayans and federate Eritrea with Ethiopia”. This much has become absolutely clear to all patriot Eritreans over the last 2 years.
Let’s stop the endless zooming and talks about Isiais, and focus on what matters most. And that is the very existence of our country. A single brave Eritrean can change the course of Eritrean history in a second if we focus on action rather than a load of hot air.
Eritrea forever, death to dictatorship.
Your analysis meets both the smell/litmus test of basic common sense. The reason why I say that is because the predicament that we currently find ourselves in didn’t fall/come from the sky/out of the thin air. We do know 100%, who the planners/architects/financers of this crisis are? Then the question becomes: since when do cause and effect become interchangeable substantives?
Rescuing the homeland from the jaws of HGDEF vultures/beasts is a non-negotiable priority item.
እዚ : ብባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ ዘወጸ መግለጺ : ኩሉ እቲ ብመራኸቢ ቡዙሓን ወያኔ : ብተደጋጋሚ ኣንጻር ተቃወምቲ ዉድባትን መዲያ ኤርትራውያን ዝግበር ጸለመ : ዕላዊ ልሳኖም ብዝመስል ኣገባብ : ኣብ ጹሑፎም ኣስፊሮምዎ።
ኣቶ ጴጥሮስ ተ. ባዓታይ : ተጋዳላይ ህ.ግ. ነበር : ነዚ ደረት ዝሳሓተ ክስታት : ብዓይኒ ነቀፈታ ሪኢዩ : ሓቅን ሓሶትን ፈሊዩ : ንመንእሰያትና ትምህርቲ ብዝኾዉን ኣገባብ ሪኢቶ ክህበሉ መመልካዓሉ።
ወያነን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዮሞ ምባል : ህግደፍን ህዝቢ ኤሪትራን ሓደ እዮም ከም ምባል እዩ።
ካብኡ ተበጊስካ : ዝዉሰድ ፖሊቲካዊ መርገጻት : ብርግጽ ክጥርንፈና ኣይክእልን።
ወያነ ዲያ ሕጂ ሓላዊት ሉኡላዉነት ኤሪትራ ትኾዉን ዘላ።
መጻኢ ኤሪትራ ብ”ዓባይ ትግራይ” ናይ ምትሕሓዝ መደብ ዘለዎም ሰባት : ኣበየናይ ምንቅስቃስ ተጠርኒፎም ይነጥፉ ኣሎዉ ብዘየገድስ : ዕላሞኦም ካብቲ ናይ ኣምሓራ ቡዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን።
ብመንጽር : ሃገራዊ ጥቅሚ ኤሪትራ : ፍልልያቶም : ብሰላም ክፈትሑ ክንሕግዞም ይግባእ። ዝኾነ ዓይነት ምትእትታዉ : ብሸነኾም ምትእትታዉ ዝዕድም እዩ።
ህግደፍ : ምንቲ ድሕነቱ ምስ ኣምሓራ ተሰሊፉ ኣሎ። ንዑኡ ጌጋ እንዳ በልና : ምእንቲ ወያኔ : ምስ ትግራይ ተሰሊፍና ንሞተሉ ምኽንያት የለን።
ወያነ : ትማሊ ኣብ በረኻታት ትግራይ ዝቦቆሉ ኣይኮኑን። ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዉዲታቶም ክንጥንቀቅ ዘዘኻኽረና : ምስኦም ኡኹል ተመክሮ ኣለና።
Reframing the narrative—– woyane as an organization doesn’t reflect the entire political struggle of the people of Tigray, as EPLF/HGDEF does not of the Eritrean people as well. They might have came out militarily victorious in their respective venues, that doesn’t mean they own the political goals and ambition of the entire population. If that was the case we wouldn’t have that ‘I can’t believe this is happening’ look on our face today.
Just putting things into perspective.
” They might have came out militarily victorious in their respective venues, that doesn’t mean they own the political goals and ambition of the entire population.”
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ
ናይ ህወሓት መሪሒነት ፣ ንዉግእ ዝኣክል ምድላዋት ገይሩ ምጽኑሑ ፣ ኩላህና ታዓዚብና።
ገና ኣብ ስልጣን ከለዉ ፣ ወታሃደራዊ ጎነጽ ክህሉ ከም ዝኽእል ብምግማት ፣ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይፈልጡዎ ሚሳይላት ፣ ወታሃደራዊ ደረጃ ናይ ኤንክሪፕሺን ዘለወን ናይ ሜዳ ረዲዮታት ፣ ናይ ሳተላይት መራኸቢ .. ወዘተ ሸሚቶም ጸኒሖም። ከምኡ’ዉን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ፣ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኸዚኖም። እዚ ነቶም ፣ እዚ ዉግእ ብሸነኽ መንግስቲ ጥራሕ ዝተደልየ ዝመስሎም ፣ ወይ ንንጽህና ወያነ ንዝጣበቁ ኤርትራውያን።
ምትህልላኽ መንግስትን መራሕቲ ወያነ ፣ ንህዝቢ ትግራይ ለኪሞምዎ።
ኣብዚ ህወት ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓጽድ ዘሎ ዉግእ ፣ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት እዩ ደቁ ዝኸስር ዘሎ። ህዝቢ ንሰለስቲኦም (ንወያነ፣ንዶ.ኣቢ፣ንህግደፍ) ፣ ዉግእ ጠጠዉ ኣቡሉልና ክብል ኣሎዎ።
ኩሎም እቶም ንህዝቢ ትግራይ ብማዕዶ ኣለናልካ ዝብሉዎ ዘለዉ ፣ “ትግራይ ትዕወት” ዝብሉ ፣ ይሕጉዙዎ የለዉን። ብፍላይ እቶም ፣ “ዓባይ ሃገረ ትግራይ” ዝድግፉ ኤርትራውያን ፣ ሃፋ እዮም ዝሸጡ ዘለዉ።
ግዜ እንዳ ሓለፈ ፣ ነዚ ኣዕናዊ ዉግእ ፣ ብዝኾነ ዋጋ ጠጠዉ ምባል ኣድላይ ክኾዉን እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ፣ ብሰንኪ ህወሓት ደቅና ሞይቶም ዝብለሉ ግዜ ሩሑቅ ኣይኮነን።
ወዲ ሃገር
ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዝምድና ውያነን ህዝቢ ትግራይን ከም ሓደ ገርኩም ክትወስዱ ከለኾም ዘየለ ዘከውን ኢኹም ትዛረቡ ዘለኾም። ነቶም ከም ብቀረባ ነቲ ኩዳይ ዝከተተልዎ ከም ኣንቶንዮ ጉተረዝ- እዚ ኩናት ህዝባዊ እዩ። ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ወይነ ተኣሳሲሮም ስለ ዝኾነ ክሰዓሩ ኣይክእሉን እዮም ኢሉ ብሰላም ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ የብል። እሞ ንስኻትኩም ሲ። እሞ ንወያን ምስ ኣኢሳያስ መንእሰያት ኢሳያስ ንመንእሰይ ኤርትራኩናት ሊኢኹ ዝቀዝፍ ዘሎ ሓደ ክትገብርዎም። ዓገብ። በሉ ድሓን ምጽሓፍ መሰልኩም እዩ። ሰናይ ይጽናሕካ
This is a blatant gross misinterpretation of our views, and also isn’t the UN official mentioned above the one who brokered and congratulated the HGDEF/PROSPERITY bromance in Riyad which triggered the Armageddon in our homeland?
Just for once in a lifetime Mr. Petros, can we change this colonial mind set and listen and respect each other’s opinion as brothers instead of the ferenji… Look where it got us!
‘EMO NISIKATKUMSI’….a veteran activist chews and spits his own kind and gives credence to who has never been through it all >>>> could this be the reason why we are looking at our homestead from outside in??? That’s why the creature in adi halo fluffs his pillow and sleeps soundly for 9 uninterrupted hours.
ኩቡር አቶ ጴጥሮስ ,
መጀመሪያ ፣ ዋላኳ ሕጂ ንዘይምልከቶ ሰብ ትብል እንተሃለኻ ፣ ገበን ሪኢኻ ዓገብ ምባል ጹቡቅ እዩ።
ኣብዚ ወዲቅናሉ ዘለና ደረጃ ከይወረድና ፣ ኢሰያስ ፣ ኣብ ሰማይ ዘሎ እዝጊ መሲሉ ነይሩ።
ሰብ ከም ዑንቂ ኣብ ዝስወረላ ሃገር ፣ ነቶም ተበዲልና ንዝበሉ ኩሎም ወገናትና ፣ ካድር ህ.ግ. ጸማም እዝኒ ክህብ ምጽንሑ ፣ ምዝኽኻር ኣድላይ እዩ። ንስኹም [ላዕለዋይ ካድር] ዓገብ እንተ ትብሉ ሎሚ ኣብዚ አይማሃለናን።
እቶም ዓገብ ዝበሉ ዉሑዳት ጀጋኑ ደቂ ሃገር ፣ ኣዉያቶም እንዳ ተሰምዐ ፣ ኣብ ኑኡስ ዒድሚኦም ተቀዚፎም። ህልቂት መንእሰያትና ፣ ኩሎም ነዚ በላዒ ሰብ ዝኾነ ጉጂለ ኢሰያስ ዝሃነጹ ሰባት ዝሕተቱሉ እዩ።
ትግራይ ብዝምልከት ፣ ንወያነ ፣ ህዝቢ ይፈትዎም እዩ ምባልካ ብጣዕሚ ገሪሙኒ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሱ ፣ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ኢሉዎም ኣብዚ ንምግላጽ ዕድል የለን። ኩነታት ምስ ጸንከረ ፣ ጌታቸው ረዳ ፣ ብሽም መሪሕነት ንህዝቢ ይቅሩታ ምሕታቱ ፣ ብትግራዎት ዝተመስገነ ተባዕ ሱጉምቲ እዩ ነይሩ።
ሃገሮም ፣ ብማለሺያ ናይ ኣምሓራ እንደ ተወረረት ፣ ምስ ወያነ ኣብ ጎናዊ ጎነጽ ዘይኣተዉ ንብል የለናን። ምስ ወያነ ፣ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ጹቡቅ ዝምድና ኣሎዎ ምባል ግን ምግናን እዩ።
ልክዕ ከም ህግደፍ ፣ ተጠቀምቲ ኣሎዉ። ከምኡ’ዉን ፣ ከምቲ ኣባና ገኒኑ ዝረአ ፣ ህወሓት ናትና እያ ዝብሉ ኣሎዉ። እም ንሕና’ዉን ናትና ንግበር ዝብል ሐዲሽ ስርርዓት ይቅልቀል ምህላዉ ንሪኢ አለና። ኢዚ ፣ ወያነ ንኹሉ ከም ዘይዉክሉ ዘርኢ ኣብነት እዩ።
_”እሞ ንወያን ምስ ኣኢሳያስ መንእሰያት ኢሳያስ ንመንእሰይ ኤርትራኩናት ሊኢኹ ዝቀዝፍ ዘሎ ሓደ ክትገብርዎም። ዓገብ። በሉ ድሓን ምጽሓፍ መሰልኩም እዩ። ሰናይ ይጽናሕካ”_
እዚ ፣ ዳሓን ክትሪኢ እኻ ፣ ዝብል ዘረባ [ፈኸራ] ካባኻ ኣይተጸበኹን። ብሰብኣዊ መሰላት ከም እትግደስ ይሰሚዕ ብምንባረይ ፣ ሃንደበት ኮይኑኒ።
የቀንለይ።
W.H. my mom used to say this line which used to make me cringe with embarrassment, I was a kid of course— IZI BARYA AYIQENI, INTEQENEYE KETNISENI… what is there today our parents didn’t experience.. besides the Apple pay and cash app.
ኩቡር ዶቶረ
ምስላ ወለድና ፣ ወትሩ ትምህርቲ ሓዘል እዩ ነይሩ።
ሎሚ እቲ ኩቡር ባህሊ ናብ ሓድሽ ዎሎዶ ከይተሰጋገረ ፣ ይቅህም ኣሎ።
ኩቡር ዶቶረ
ምስላ ወለድና ፣ ወትሩ ትምህርቲ ሓዘል እዩ ነይሩ።
ሎሚ እቲ ኩቡር ባህሊ ናብ ሓድሽ ዎሎዶ ከይተሰጋገረ ፣ ይቅህም ኣሎ።
ዘሕዝን እዩ።
Very surprising to see the interaction of everyone regarding this article. Sensing here the very nature of confusion, bias, hate, and more. Including Petros scolding the other two people reacting to his commentatry. We say avoid the “others” and focus on our own struggle to freedom. But we are Eritreans and have refused to see a person as a person first. We are stuck in the old mind set “old mentality” of bitterness and angst.
“ባይቶ ይኣክል ቁኑዕ መርገጺ ወሲዶም ኣለዉ” wondering on this group and if they have what it takes to help bring change. Observing from closer proximity recently the event that just happen seems a bit “show time”. We just hope this is not that show time again seen by many others. Of course there are others on the web with such a pedestrian mindset commenting and registering facebook/youtube time regarding hate because they have nothing better to do in life and those need to be deleted.
Petro: your comment regarding 1980 to 1985 is the bases to all this crises. Choices have consequences and your comments scolding others stating their “reflection” is out of line. If you were quite in these stated years then take ownership of the “bitter pie”.
“ዝምድነኦም ምስቲ ምስ ወያነ ምትሕግጋዝ ዝኣምን መንእሰይ ኤርትራ ከመይ ክኸውን እዩ ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን”: this could be traced back to the same historical view of us all towards Tigrians. This view still persists within Eritreans and we wonder when Eritreans ask for blessing for Eritrea.
One item always makes us wonder: Let us take a travel to a time in history back to 1945. Should the world have only searched for Hitler and not the other immediate collaborators? In the struggle for independence for Eritrea the way things run, apparently, were by letting many things slip-by without confronting the wrong doer. Now, we see Eritreans are all crying wolf for the crime leaders in Eritrea are committing. So long as the fingers are pointing at only one person, the pain of us all is not going any where.
Already the euphoria of every Eritrean is clearing (the hope by many us us was leader in Eritrea would be gone by now) just like the flood waters heading back to its natural state after a short burst of powerful hurricane. Until we are all real and willing to sharpen our message it is …well well.
Our wish is Peace to man kind and Eritrea
I have a wish list..
I wish we can genuinely forgive each other.
I wish we can admit our mistakes with an open heart.
I wish we get in our knees and apologize to the poor Eritrean people.
I wish we can tell the true story of what happened in the field to the
young generation instead taking it with us to our final resting place.
I wish we can all look forward and work together to get rid of what is consuming us.
I wish I can give a big bear hug to all genuine Eritreans who are hurting out there
regardless of your political stand today.
I wish we can start the healing process right now.
It’s time! We have suffered for far too long..
No war, no more bloodshed…. because it was already paid for.
I wish…. I wish….
your very own k.tewolde.
ኩቡር ዶቶረ
ድልየት ኩሉ ፣ ብሃገሩ ዘይቀሰነ ኤሪትራዊ ፣ ድልየት ኢቲ ንእስነቱ ምእንታኣ ሂቡ ፣ ካብ ጸጋታታ ብማንካ ከየልዓለ ፣ ኣመዕዲዩ ዝጥምታ ዘሎ ወለዶ እዩ።
ኤሪትራዊ ፣ ግዳይ ድኽመታቱ እዩ።
ይቅረ ምባል ፣ ድኽመት ምርኣይ ይመስሎ።
ኣብ ዝዓመረ ክስዕስዕ ደስ ዝብሎ ፣ ዉሑድ ኣይኮነን።
ስለምንታይ ንበይነይ ዋጋ ይኸፍል ፣ ባሃላይ እዩ።
ንወገኑ ክነቅፍ ወይ ክቃወም ፣ ድልየት የቡሉን።
ሕማቅ ዝገብሩ ዘለዉ ፣ “ካልኦት” እዮም።
“ኩፉእካ ኣይትጽላእ …” ምባል ፣ ኣብ ኣእሙሮና ሰሪጹ።
ክሳብ ናብኡ ዝበጽሕ ፣ እንታይ ገደሰኒ ባሃላይ ቡዙሕ እዩ።
ተባራሪ ወረ ናይ ምጽራይ ልምዲ የቡሉን።
ብዛዕቢ እቲ ብሕሹኽታ ዝማሓላለፊሉ ወረ ፣ ሓቅነቱ ምርግጋጽ ኣይደሊን። እዞሞ “ደቂ ከምዚ ይብሉና ኣለዉ እንዳ ተባህለ ፣ ብ03 ዝፍኖ ወረ ማዓልታዊ ዕላሉ እዩ። ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣሎዎ ፣ መን ኣበጊሱዎ እዚ ዘረባ ፣ ንምንታይ ፣ ንጥቅሚ መን ፣ እንታይ ዕላሙኡ ፣ ስለምንታይ ኣብዚ እዋን …. ወዘተ ፣ ዝሓትት ዉሑድ።
ንሕና 03 ዝማሓደር ህዝቢ እና።
ይቅረታ ግበሩለይ ፣ ዝዘርዘርኩዎ ኩሉ ባህሪያተይ እዩ።
I wish .. we all can conclude our posts and views like that.. W.H. you are one of kind.
Our enemy is not behind a fortified impenetrable wall, it is that first reflection in the morning you see in the mirror… be the change you want to see.
I only have one wish. That is to see all former and current EPLF, ELF and PFDJ members 6 feet under.
That would rid the country of poison and solve Eritrea’s problem once and for all!
Eritrea forever, death to dictatorship.
It is a self fulfilling prophecy indeed.
ግዲ’ኣይብልካን ፣ ኩሉ ፉጡር ሞዋታይ እዩ።
ርግጸኛ ዲኻ ፣ ድሕሪት ተሪፍካ ፣ ኩሎም ክሓልፉ ክትሪኢ ዕድል ኣለካ ?።
ንቡዙሓት ክትቅድሞም ከም እትኽእል ፈሊጥካ ፣ ንኹሉ ሞት ኣብ ክንዲ ምምናይ ፣ ይቅረ በል።
ኩቡር ዶቶረን ፣ ኣብዚ ዘለኹም ኣሕዋተይ
ኩቡር ዶቶረ ፣ ጹሑፍካ ፣ ናተይን ናይ ቡዙሓት ደቂ ሃገር ስሚዒታት ዝገልጽ እዩ።
ንሕና ከም ታራ ኤርትራውያን ፣ ቡዙሕ ተሃሳሲና ፣ ተጋዳዲዕና። ንሱ እዩ እቲ ቀንዲ ጸገምና።
መን እዮም ዝበደሉ ? ፣ ንሕና። ዝተበደሉ’ኸ ንሕና። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ ባሃላይ እየ።
ብዘይ ምትሕብባርና ፣ ምልኪ ክንድዚ ዝኣክል ዑንወት ኣይመስዓበልናን።
ሞእንቲ ዉድብና ክንብል ፣ ንጡቅም ፣ ንስሊ ፤ ብሓሶት ንምስክር ፣ ንጸልእ ፣ ነናሹ ፣ ንንጽል ፣ ነእስር ፣ ኣብ ምጭዋይ ንተሓባበር ፣ ኣብ ምቅታል ንታሓባበር … ወዘተ።
ናይ ምልኪ ነዳቃይ ህዝቢ እዩ።
People are makers of their own Pharaoh.
ዘጽንተና ዘሎ ምልኪ ፣ ብኢድና ዝተሃንጸ ጣኦት እዩ።
ስለዚ ኩልና ዝተጋገናዩ ክህሉ ስለ ዝኽእል ፣ ይቅረ ንበሃሃል። ኩላህና ሕልናና ፈቲሽና ፣ ጌጋና ፈሊጥና ፣ ይቅረ ክንብል ፣ ክንህብ ከምኡ’ዉን ክንቅበል ምንዮተይ እዩ።
ንዝበደሉኒ ኩሎም ፣ ካብ ልበይ ይቅረ እብል ኣሎኹ። ኩሉ ዝተበደለ ኤርትራዊ ይቅረ ክብለለይ ኣብ ቅድሚኹም ደኒነ እሓትት።
ንኤሪትራ ሃገርና እግዚአብሔር ይብርክ።
Trail blazing bold, W.H. takes the first charge on to the enemy’s fortification by lobbing a hand grenade, let’s follow this humble citizen and take over the hill and claim what is rightly ours. I gave it a battle metaphor because it takes guts to apologize and forgive.. while it doesn’t to shoot and kill.
Btihtna Yemesgneka zhawey.
የቀንየልና ኩቡር ዶቶረ።
K. Tewolde: What you wished is good. It has wisdom and to work hard for peace is the right thing to do. It is the only solution for our misery and the misery of the people of Africa. We Africans fight each other spend millions of dollars to purchase arms. The dollars could feed people in poverty while – the arms dealers are making lucrative profit. We African die and arms dealers gain.
We have dereferences in our perspective. Let it be it is healthy. It makes sense if we put the pains and suffering of our people at the centre of our activities not our differences of opinion. Having said this I rather close this and prepare for my next article.
Thank you very much.
Petros
Let us put our differences aside for now and focus on the main enemy, who, has exploited our differences for 50 years to achieve his hidden agenda(reducing Eritrea to region of Ethiopia and gradually making it part of Ethiopia.) That clandestine process is still in progress as we speak. DIA/HGDEF are existential threat to Eritrea/Eritreans.
HGDEF is exporting what he did to us south of the border and to eastern Sudan.. it is like a metastatic cancer.. whatever he touches turns into a cadaver.. HGDEF is a haunted cemetery where the soulless go dance to the beat of the beast… wherever he goes he leaves this dingy and musty odor behind.. he recoils and retreats to the corner in the face of brightness and beauty of nature… HGDEF is a bat… that’s why he likes Eritrea to look like a cavern– his favorite habitat.
Folks we better than that, Petros, Temesgen and the rest of my brothers and sisters in this medium and wherever you are.. it is time to bury the hatchet and fumigate the pesky marsupial from his cave.