አውያት አብ ትግራይ
የዕብዮ ወልደማርያም
አብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ አብ ልዕሊ ዓዃይን፡ መንእሰይን፡ ጓል አንስተይት ትግራወይትን ዝተፈፀመ ግፍዒ ዘኽፍሎ ዋጋ ክንደይ ምዃኑ ንምግማት ዘጸግም ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ‘ዕዳስ ተዓዲና’ ኢና ሕምረቱ ግን አብ አከፋፍልኡ ኢዩ። ብሓጺሩ ዕንድርና መንግስቲ ኤርትራ ዘሰዓቦም ሳዕቤናት ብዙሓት ኢዮም። ካብቶም፡ እሞ እቲ ዝኸፍአ አሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ኢልካ እተስተንትኖ፡ እቲ አብ መንጎ ክልተ መላማምንቲ ሓዊ ዝኾኑ አሕዋትን ጎረባብትን ርክብ አብ ቅርሕንቲ ከይልውጥ ኢዩ። ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ወፍሪ ራዕድን ሞትን አብ ትግራይ ከመይን ክንደይን አስቃቂ ምንባሩ ብቐሊሉ ዝርደአካ፡ አብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ብዝዕባ ዘሕለፎ ጸበባ ከዘንቱ ክትሰምዕ እንኮሎኻ ኢዩ። እቲ ተግባር ነቶም ደቂ ሃገረሰብ ‘ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተኾዲሙ ይስዕስዕ’ ዝመስል ነገር ኢዩ ዝኾኖም። ምኽንያቱ ድማ ብቋንቋ ትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት ክግፉዑ ምርአዮም አብ ሃተፍተፍ ዝዓስሎ ድቃስ ድአ እምበር ብዊነኦም እቲ ተግባር ምፍጻሙ ንባዕሎም ዘጠራጠሮም ምዃኑ ትግንዘብ። ብዝኾነ አብ ትግራይ ዓቢ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ብርሰት አኸቲሉ አሎ።
አብዘን ዝሓለፋ ሰላሳ ዓመታት አብ ኢትዮጵያ ዘይንዓቅ ትሕተ-ቅርጺ ተሃኒጹ ኢዩ። ብርግጽ እታ ሃገር ንዘመናት ብድሑር መስፍናዊ ስርዓት ተቀፊዳ ንዓአ መሰል ሃገራት (ንግብጽን ንኢራንን) መባእታዊ ዝኾኑ ነገራት ከምኒ ማሕበራዊ አገልግሎት ዝህቡ ትካላት፣ንኡስ ፋብርካታት፡ ዘቕንእ ትምህርታዊ ተቛማት ዘይነበራ፡ ካብ ግዙአት ጋናን ጊንን ዘይትሓይሽ ሃገር እያ ዝነበረት። አብ አከባቢ እቲ መስፍናዊ ስርዓት አብ ዘኽተመሉ ግዜ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ምስ እነገናዝብ፡ አብ መፋርቕ ስሳታት ካብቶም ቤት ትምህርቲ ክአትዉ እትጽበዮም ቆሉዑ ስኮላ ንኽአትዉ ዝተመዝገቡ ቁጽሮም 3.3 ካብ ሚእቲ ዘይበዝሕ ነበረ። ኮታ ብኹሉ መዳያት ብጥዕና፡ ብህንጸት መንገዲ፡ ብሕርሻ፡ ብዙሕ ዓወት ዘየመዝገበት ብባህልን ብሕሉፍ ታሪኽን ተወጢሩ ጽገና ንምክያድ ጸማም እዝኒ ዝሃበት ህገር (ስርዓት) ኢያ ዝነበረት። ብአንጻሩ እዚ ብተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ፊታውራሪነት ዝተወደበ ሓድሽ ስርዓት ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተጸበይዎ ሃገራዊ ዕቤት ንላዕሊ ኢዩ ዘበርከተሎም። በዘን ዘማሓደረለን ርብዒ ዘመን፡ እቲ መንግስቲ ጉዙፋት ማይ ዝዕቅቡ ግድባት ድዩ ዘይሰርሐ፡ ካብቲ 1991 ዝነበረ 20,000 ኪሎሜተር መንገዲ ርሕቀቱ ናብ 150,000 ኪሎመተር ድዩ ክብ ዘይበለ፡ ካብ ሰለስተ ዩኒቨርሲቲ ናብ 45 ድዩ ዘይደየበ (ነቲ ክንድኡ ዝአክል ብብሕቲ ዝዋፈሩ ናይ ትምህርቲ ተቛማት ከይወሰኽካ)፡ አብ ነፍስወከፍ ክልላት ንዓለምለኸ ዝዳረጉ ዕስራታት መዕርፎ ነፈርቲ ድዩ ዘይሃነጸ። ትግራይ’ውን ካብ ዝተዘርግሑ መዋቅራትን ዝተረኽበ ጸጋን ተጠቃሚት ኮነት።
አብዚ ሓጺር እዋን ትግራይ ብሕክምና መዳይ ጥራይ 17 ሆስፒታላትን 240 ንአሽቱ ሆስፒታላትን ላዕለዋይ ናይ ሕክምና ማእከልን ክትሃንጽ አርባዕተ ዩኒቨርሲቲ’ውን መስረተት። አብ 2018 መቀለ ዩኒቨርስቲ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ተማሃራይ ምስ እንድህስስ ካብ 31,000 ዘይንእስ ኢዩ። ብተወሳኺ ንናይ ውሽጢ ሃገር ጠለብ ዘማልኡን ንደገ ድማ ዝስደዱ ምህርቲታት ዘፍርዩ መጠነኛ ፋብሪካታት’ውን አጥርያ ኢያ። ከም ብሰላም አብ ዓዱ ክነብር ዝተሓረመ ኤርትራዊ ውልቀሰብ በዚ አብ ትግራይን መላእ ኢትዮጵያን ዝተመዝገበ ንእሽቶይ ዓወት ብመንፈስ እንተቀናእኩ የሐብነኒ ድማ ኢዩ። ይኹን’ምበር ብምኽንያት እቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተአወጀ ኲናት ካብ 50 ክሳብ 70 ካብ ሚእቲ ተቛማት ሕጥዕና ከምዝፈረሱ፡ እቲ መምህርን፣ ናይ ጠፈር ተመራማርን፣ ሓኪምን፡ ቫክሲን ፈጣርን፡ መራሕ ሃገርን፣ እትፍርየሉ ላዕለዋይ ትምህርታዊ ተቛማት ድማ ካብ ቁሸቶም ንዝተዘናበሉ ብአሽሓት አማእታት ዝቁጸሩ መጽለሊ ኮይኑ ይርከብ። ደይመድይ ተባሂሉ ድማ ፋብሪካታት ዓንዩ ኢዩ። ገሊኡ ድማ ብሳንቦ ሳንቦ ተጻዒኑ ንሽነኽ ደቡብን ሰሜንን ምጓዓዙ ቀስ ኢሉ ዝልሑኽ ዘሎ ወረታት የመልክቶ አሎ።
ነዚ ሕቅታት’ዚ ብምጉዕጻጽ ኢዩ ድማ ሓደ ሓደ ሰባት ክላእ ትም እንዶ በል (አይትጭነቕ) ግዜ ባዕሉ ክፈትሖ ኢዩ ኢሎም ብዕሽሽ ክሓልፍዎ ዝመርጹ። እንተኾነ ወተሃደራት ኤርትራ ዝፈነውዎ ናይ ህዝቢ ምጽናት ፈተነ ምስናይ ጾታዊ ዓመጽ አብ ልዕሊ እንሓጎታትን አብ ዘይበጽሓ ደቂ አንስትዮን ብሕደጎ ሕደጎ ዝሕለፍ አይኮነን። ኮነ ኢልካ ናውቲ ማሕረስ ምስንኻልን እንስሳ ዘቤት ምብራስን ከ አብ ምንታይ ምንታይ ይቑጸር? ብርግጽ ዝተፈጸሙ ገበናት ብሞራል አጸየፍቲ፡ ብሕጊ ድማ አጠየቅቲ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኢዩ። ነቲ ሂወቱ ብሰላም ዝመርሕ ዝነበረ ሕብረተሰብ ትግራይ፡ በየን መጸ ዘይብሃል መጠነ ጉዙፍ ዝኾነ ሽኦል አብ ልዕሊኡ ክዘንብ ዝተዓዘበ ሕያዋይ ሓላፍ መንገዲ ብምግራም ‘ምኽንያቱ’ኸ እንታይ ኮን ይኸውን’ ኢሉ እንተተወከሰ ዘውቅሶ አይኮነን። ከም በሃም ሰብ’ውን አይቁጽሮን ኢዩ።
አብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን መዓት ካብ ፍጻሜኡ እቲ ዝኸፍአ ምሕላኑ (genocidal intention) ኢዩ። እንተኾነ እዚ ዘለናዮ እዋን ከምቲ አብ 19 ዘመን ዝነበረ ዘመነ-ጭቃታት ወይ አብ 20 ዘመን ዝነበረ ዘመነ- ነገስታት አይኮነን። እንታይ ድአ ብግብእ ተተርጒሙ ሽዑን ሽዑን ይተግበር አይተግበር ብዘየገድስ ኩለን ሃገራት ዝቕየዳሉ አድማሳዊ ሕግታት ስለ ዘሎ ኢዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኢሳይያስን ወተሃደራቱን ከምኡውን ሰብ መዚ ኢትዮጵያ አብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ንኽቀርቡ አብ ዝግበሩ ጎስጓሳት ከም አባላት ደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ብፍላይ ከም ኤርትራውያን ብዑቱብ ክንካፈሎ ይግባእ።ንሰላማውያን ተጋሩ ዘጓነፎም ናጤባ እቲ ‘አብ ክንዲ ቀራናት ንጓዕማማት’ ዝብል ብሂል ብትኽኽል ይገልጾ ኢዩ።
ናይዚ ውራን/ዘረፋን ካልእ ሳዕቤናቱ ድማ እቲ ዝተበደለ ህዝቢ ብኢደዋኒኑ ፍትሒ ንኽረከብ ምስ ዝርበጽ ኢዩ።እዚ ማለት ነቲ ዝምከሓሉ በጃ ህዝቢ ዝኾነ ሰራዊቱ ተማሕጺኑ ንገበነኛታት ካብ ዝዓረድሉ ትሕቲ ምድሪ-ቤት እንዳ ጎቨርናቶር (አሥመራ) ይኹን ካብ ዝተሸጉጥሉ ሽንጭሮታት ብኳሌታ ሸሚዞም አንጠሊጢሎም አብ ቤት ፍርዲ ንኽቀርቡ ኢዩ። ብርግጽ አቶ ኢሳያስን ብጾቱን ቤትፍርዲ ንኸይቀርቡ ዝቃወሙ ብዙሓት ኤርትራውያን’ኳ አይሃልዉ’ምበር፡ ንዓመጸኛታት አብ ሕጊ ንምቅራብ አብ ዝግበር ወተሃደራዊ ወፍሪ ግን የሻቅሎም ኢዩ። እዚ ሲናሪዮ’ዚ ካብ ምሽቃል ሓሊፉ ገመድ ናይ ኮሬንቲ ክሳብ ዝጭብጡ ዝገብሮም ግን ነቶም አመንቲ እቲ ስርዓት ኮይኑ፡ ካልኦት ተቛወምቲ እቲ ስርዓት ክነሶም ኤርትራ እትብሃል ሃገር ፈጣሪአን መድሓኒአን ኢስያስን ብጾቱን ኢዮም ኢሎም ንዝአምኑ’ው እዩ። ካብዚ እንርድኦ ነገር እንተሎ፤ ዓዶም ከይትውረሮም ከብዶም ሓቚፎም ዝሓድሩ ከምዘለዉ ኢዩ። አድያም ከም ትብሎ ናይ ትግራይ ሠራዊት ‘ጉዳይ ሃገሮም ንኽፈጽሙ ዘይተኸፍለ ዕዳ’ውን አገዲዶም ንኸኽፍሉ’ ዶብ ንምጥሓስ ካብ ኤርትራውያን ቀጠልያ መብራህቲ አይድልዮምን ኢዩ።
ብርግጽ አየድልዮምን ኢዩ። ግን ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽአና ኢልካ ካብ ምምህላል ንገበነኛታት ከም ሓባር ሮቛሒ ወሲድካ ብኹሉ መዳያት ምቅላስ የድሊ።አብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ግህሰት ደቂ ሰባትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንጽንተቶም ዝሓለነ ተግባር ብጽኑዕ ኮኒኖም ምስ ትግራይን ካብ ሓሊፉ ድማ ምስ አህዛብ ኢትዮጵያ ‘መልካም ጉርብትና’ ንምምስራት ክጽዕሩ ምንዮት እቲ አፉ ተሎጒሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክንዲ አድሪ ትኸውን ጥርጥር የብለይን።
አብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግህሰት ደቂ ሰባትን ዕነወት መንግስታውን ህዝባዊ ትካልትን ንግዜኡ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቲ ብፉልያት ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ንፍርቂ ዘመን ዝአክል አብ ኤርትራዊት አደን አቦን፣ ዓዃይን ሸቃላይን፣ መንእሰይን አረጋውን፣ ከምኡ’ውን ተኸላኻሊ ዝሰአነት ጓል አንስተይትን፣ አብ አመንቲ ሃይማኖትን ዘይአመንቲ ዕልማውያንን ዝወረደ ግፍዒ ንምድባስ፡ ገበነኛታት አብ ቤት ፍርዲ ምቅራብ ናይ ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ዝግብኦ ካሕሳን ደበስን ምርካቡ ዝረጋገጽ ድማ እቶም ብሓሳብን ብግብርን ዘሳሰዩ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ደቀቕቶም አብ ቤት ፍርዲ ምስ ዝቐርቡ ጥራይ ኢዩ። ምስዋር ናዕብን ህውከትን ሞዮኦም ምዃኑ ዘመስከሩ (ዑጥሩን) መራሕቲ ሻዕብያ ብተደጋጋሚ አብ ዝወልዕዎ ኲናት ብአሻሓት አማእትታት ዝግመት ደም ንፁሃን ኤርትራውያን አፍሲሶም ከይአኽሎም ጸጋታት እታ ሃገርውን ብሑሱም አባኺኖም ኢዮም። ንመራሕቲ ሻዕብያ ሞት ክውሕዶም ኢዩ።
“ብርግጽ አቶ ኢሳያስን ብጾቱን ቤትፍርዲ ንኸይቀርቡ ዝቃወሙ ብዙሓት ኤርትራውያን’ኳ አይሃልዉ’ምበር፡ ንዓመጸኛታት አብ ሕጊ ንምቅራብ አብ ዝግበር ወተሃደራዊ ወፍሪ ግን የሻቅሎም ኢዩ። እዚ ሲናሪዮ’ዚ ካብ ምሽቃል ሓሊፉ ገመድ ናይ ኮሬንቲ ክሳብ ዝጭብጡ ዝገብሮም ግን ነቶም አመንቲ እቲ ስርዓት ኮይኑ፡ ካልኦት ተቛወምቲ እቲ ስርዓት ክነሶም ኤርትራ እትብሃል ሃገር ፈጣሪአን መድሓኒአን ኢስያስን ብጾቱን ኢዮም ኢሎም ንዝአምኑ’ው እዩ። ”
የዕብዮ ወልደማርያም
ብጣዕሚ ዘገርም ዘረባ እዩ::
ዓባይ ትግራይ ንኽንምስርት : ንኤሪትራ ክንወራ ኢና ክብሉ : ብቀጻሊ ኢና ንሰምዖሞ ዘለና ::
ኤርትራ ትባሃል ሃገር : እሰያስ እዩ ክምስርታ ዝደሊ ዘሎ : ስለዚ ንዑኡ ኣሊና : ኣብ ቦታኣ : ዓባይ ትግራይ ከነቆውሞ እና : እዮሞ ዝብሉና ዘለዉ::
ኣብ ክንዲ ንህዝቦሞ ዘድሕኑ : ብዋጋ ኣብ ከባቢኦሞ ዘለዋ ሃገራት : ኣብ ዓሌት ልዕልና ናይ ሓደ ብሔር ዝተመስረት ሃገር ከቁሙ ምሕሳቦም : ካብ ወሪድዎሞ ዘሎ መከራ ገና ከሞ ዘይተማህሩ ዘርኢ ሐደ ኣብነት እዩ ::
Those who don’t learn from history are bound to repeat it. W.H. our enemies are plenty and they all come in different shapes, forms and colors.. their common goal to erase our identity and bury the very cause we fought and died for.. some speak our own dialect some foreign but their message the same– they like to have that delicious cake (Eritrea) and eat it too.. some of them nibble at it, some bit a big chunk out of it and some just smother each other’s face with it and the righteous owners are deprived of any of it.
Fact check, Eritrea is not a koronsho eating nation only.. you get my drift?
“ … their common goal to erase our identity and bury the very cause we fought and died for.. “
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ : ዝበልካዮ ሓቂ አዩ::
ኢትዮጵያዉያን : ብጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ድቃስ ሲኢኖሞ ::
ኣብዚ ቅንያት : ጥርዙ በጺሑ ዘሎ : “እሕዋት ኢና ” ዝብል : ንጽህና ዝጎዶሎ : ናይ ገለ ትግራዎት ፍቅሪ : ጎበጣ ሙዃኑ ቡዙሕ ሰብ ዝተረዶኦ ይመስል::
ጻላእቲ ዘራባሓልና : ስርዓት ኣብ ዓዲ ክሳብ ዘሎ : ሰላም ረኺብና ማለት ዘበት እዩ::
W.H. 27 odd years to get it right, put the house in order with all the instruments in their tool box, the west cheering them on and placing them at the top of the global economic growth index…. how do the masses wind up looking like wollo of decades ago in few months? TDF looks well fed and healthy dancing the night away with jumbotron blaring on the background.. are we missing something here?
One thing for sure, they are the cultural flash back of their today’s ‘archenemy’ (sha’ewia).
W.H. hawey, where is Eritrea in these scheme of things???
W.H. hawey, where is Eritrea in these scheme of things???
k.tewolde
እነ ብሸነኸይ : ወያነ ዓባይ ጌጋ ገይሮም ዝብላ : ኣቢይ ኣሕመድን ኢሰያስን ኣብ ዘዳለዉሎም : ዓባያ ጉድጓድ ክወድቁ ቁሩባት ኮይኖሞ ሞጽናሖሞ ኢዩ ::
ዉግእ ንሞዉጋድ ዕድላት ነይሩ : ግን ኣይደለዩን::
ንዲፕሎማሲ ዕድል ሞሃብ ልምዲ ኣይነበሮሞን።
ንOLF ን ELF ብዘይ ዝኾነ ሞኽንያት ንሞጥፋእ : ብዝወሰዱዎ ዉሰኔ : ህወት ኣሻሓት ሰባት ዘጥፈአ ዉድብ ኢዩ:: ኩሉ ብሓይሊ ክትፈትሖ ምፍታን ናይ ሰዉራ ዝጸነሐ ባህሊ ኢዩ። ናይ ኩሎም ኮሙኒስታዊ ስነሓሳብ ዝኽተሉ ዉድባት ባህሊ እዩ።
ሕጂ : ብዓቢ ፍናን ንዓደምሓራ ወሪዶም :: ምምላስ ግን ቀሊል ክኾዉን ኣይኮነን።
ናብኡ ገጾም ዝኾዱሉ ምኽንያት : ፖሊቲካዊ መኽሰቡ ቡሩህ ኣይኮነን : ዘስዓቦ ወታሃደራዊ ክሳራ ግን ድሮ ክረአ ጀሚሩ ኣሉ።
እቲ ዉግእ : ንህዝቢ ትግራይ : ብዘይ ኣዕጋቢ ፖሊቲካዊ ውጽኢት ክድሞደሞ ዓቢ ተኹእሎ ኣሎ። እታ “ንእሽተይ ትግራይ” : ኣብ ሓደጋ ኣላ። ብድሕሪኡ ማእከል ዝተቆጻጸረ (ኣምሓራ) ኩሉ ግዜ ወሳኒ ግደ ኣሎዎ:: ናይ ትግራይ ዕድላት ቡዙሕ ኣይመስልን።
ቀጻሊ ጥምየት : ስደት : ዕንወት : ኣብ ኩነታት ናይ 91 ክመልሶም እዩ:: ንህዝቢ ትግራይ መዋጽኦ ይፍጠረሉ።
ናይ ኤሪትራ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ :: ኣብ ኢድ ሐደ በላዒ ሰብ ዝኾነ ጉጂላ ዘላ ሃገር : ሞት ማዓልታዊ ናብራኣ እዩ።
You two are like leaders in the dark where signs of fainted tracks are left behind to frame the intruder. Read this (Matthew 7:5) and if you do not quite get it read it again.
“I heard the Messenger of Allah as saying: He who amongst you sees something abominable should modify it with the help of his hand; and if he has not strength enough to do it, then he should do it with his tongue, and if he has not strength enough to do it, (even) then he should (abhor it) from his heart, and that is the least of faith.“
Hadith
If you do not quite get it read it again.
Give him time to sink in, by the time it did, it will time for open enrolment for Medicare.
insert ‘be’ between will and time, thanks.
You can insert all day and patch all night and walk in sinking sand all your life – you two need to hold off your constant Weyane this Weyane that. Seriously, you two need to look for what is ailing you and all Eritreans. First it was all US then Weyane then what is left? absolutely that you need some healing or you simply will be walking slowly towards your creator speaking and singling the same song? Only mentally challenged person does sing the same song over and over again. Get a life and leave these Weyane alone. You are your own enemy. You and us all Eritreans need to check in for metal review. With respect.
I concur with the last statement,.. slowly we coming to a confluence.. it is a matter of time, me and W.H. are just trying to warn you to keep your guards up– a gorgeous young woman who warms up to you doesn’t always have good intentions, especially if you know she have a known history of burning her mates.
That said dear Mike, can you please spend your precious young life productively for the betterment of our poor people’s life. With respect.
ኣብ ክንዲ ጸርፊ : እንተ ኺኢልካ : ተቃዎሞኻ ብልዙብ ኣገባብ ኣስማዓና።
ከም ቡዙሓት ህግደፋዊያን : ጸርፊን ዘለፋን ጥራሕ እንተ ኾይኑ ዓቅምኻ (ጸር ጸር ዘብላካ ዘሎ) : ብሰንኪ ኢቲ ኑቡር ዝኽልከለ ስርዓት ከይኮነ ኣይተርፍን።
ኣይታሓዘካን።
To both of you – It is coming from both of us who monitored all that constant beating of no value and lacking forward seed but rather always fear and warning commentary that you do. Assenna has given us all a platform and if any thing use this platform to build tomorrow. Leave anything else out of your constant preaching. One of you seem a Doctor, we are not sure what kind, and the other simply signing off a time card. Nothing in here is ጸርፊን ዘለፋን. Point anything as ጸርፊን ዘለፋን so we will refrain. You are constantly sharing stories after stories of either one person or a group called Weyane. Both these groups do their own survival and keep charging forward with their survival while you two and few others are dancing to their tune. We think you are both seasoned enough but now the time is for you both to start the baking process. So it goes to the rest of us all as well. Let us stop singing the same songs = Weyane/Isayas/USA/Regionalism/Old Pride/short-sighted/resistance to forge forward/flipping our fingers and waiting for miracle/joining one opposition after another/…
Teaching a course is fun and thriller but sharing our home boys is an impossible job.
Aseenna thanks for the platform.
“To both of you – It is coming from both of us who monitored all that constant beating of no value and lacking forward seed but rather always fear and warning commentary that you do. “
Mike
ንክልተኹም : ክንከታተል ዝጸናሕና : ርእቶታትኩም ደስ ኣይበለናን ….. ኣንታ እንታይ ዓይነት ጥረታት ኢኹም …
ካባኹም : ናዓኹም ዘዋፈሩ ይገዱ።
ካብ ክልተኹም ግን ኢቲ ሱቅ እሉ ዝከታተል ዘሎ ብጻይካ ይሓይሽ።
Monitoring the cyberspace, I wonder how lucrative the job is W.H.? at one time I remember there were out right offensive and repulsive cy ber critters who repeat the same regurgitation day in day out, eventually raised their game, hired smart pants like Mike to harass and denigrate prudent commentators and choke them out of the dialogue box if they could.. Intolerance is the main component of the enterprise’s DNA strand and Mike broadcasts it pretty well.
It seems like pandemic proof job, where can I apply Mike?
“ …. choke them out of the dialogue box if they could.. Intolerance is the main component of the enterprise’s DNA strand and Mike broadcasts it pretty well.”
k.tewolde
ህግደፍን ወያነን : ክልቲኦም ኣብ ወጥሪ ይርከቡ ኣሎዉ።
– ህግደፍ : ከም ኣመሎም : መወዳእታ ዘይብሉ : ሃገር ከልምዕ እየ ዝዓይነቱ : ናይ ሓሶት መብጻዓ : ክገብር ይዉዕል ኣሎ።
ህዝቢ ብደቁ ዘለዎ ሻቁሎት ክገልጽ እኳ እንተ ዘይካኣለ : ብራዕዲ ተኸቢቡ ከም ዘይነብር ንሶም’ዉን ይፈልጡ እዮሞ።
“ኣመሪካ እንዲያ ንሃገርና ብእገዳ ትሕምሳ ዘላ …” : ዝዓይቱ ዘረባ መለሳ ዘይብሉ ኾይኑ።
እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ኣዉሪዱዎ ዘሎ እገዳኸ ? …. ንሱ እዩ እቲ ሓቀኛ እገዳ።
– ወያነ : ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘጥፉኡዎ ሓይልታት : ሕጂ “ኣለና” ክብሉ ምጅማሮም : ኣብ ሻቁሎት ኣእቲዩዎም ኣሎ።
ኩሎም እቶም : ብደቂ ዓድዋ ታዓብሊልና ዝብሉ : ደቂ ካልእ ከባቢታት (እንደርታ: ዓጋመ ..) ብብዝሒ ኣብተን ሓደሽቲ ዉዱባት ክጥርነፉ ምጅማሮም ኣየቅሰኖምን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝጀመረ : ናብ መሪሕነት ዘይኮነ : ቀጥታ ናብ ህወሓት ከም ዉድብ ዘቅነዐ ነቀፈታ እንዳ ተረረ ይመጽእ ኣሎ።
ወያነ : ነዚ ሓደገኛ ወስታታት : ከም ቀደሞም : ሱር ከይተኸለ ክዓጽዱዎ ድልየት ከም ዝህሉዎም ዘይሳሓት እኳ እንተኾነ : ንግዚኡ : ሓድነት ኣድላይ እዩ : ን”ባንዳታት” እዝንኹም ኣይትሃቡ : ሉኡኻት ብልጽግና እዮሞ እሎም : ይሰብኩ ጥራሕ ኣሎዉ።
ምስ ወታሃደራዊ ጸቅጢ : ፖሊቲካዊ ፍልልያት ክራኣዩ ኑቡር እዩ: ናይ ዓመጽ ጎዞሞ ግን ተግድዶ።
ግዜ ንኹሉ ይቅይር እዩ።
ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ይሃቦ።
ናዓና : ካብ ሓንጊርናዮ ዘለና ህግደፍ የገላግለና።
You don’t have to go to a formal classroom to learn, from socio-politics to to basic morality issues.. here is a dedicated prolific teacher delivering it for free .. savor it and put it to use.
W.H. thanks a million, hope Assena saves it as memoires in its archives for future generations to refer.
ኩቡር ዶቶረ :
ንእትገብለይ ምትብባዕ : ብጣሚ የመስግነካ። ከማኻ ብጉዳይ ሃገሮም ዘይቀሰኑ ደቂ ሃገር : ኣብ ዝገብሩዎ ኣበርኩቶ : ብቁሩብ ዓቅመይ : ገለ ጠቃሚ ክኾዉን ይኽእል እዩ እለ ዘቅርቦ ርእቶ : ብተገደስነት ምንባብካ የቀንየለይ።
“Let us stop singing the same songs = Weyane/Isayas/USA/Regionalism/Old Pride/short-sighted/resistance to forge forward/flipping our fingers and waiting for miracle/joining one opposition after another/…”
Mike
እዚ’ን ዲዩ : እቲ ናይ “ዉርዙያት” ጸርፊ …
ዋእ !! : እምበርዶ ብጥናኻ አለኻ …
ንሙዃኑኸ : ኣብ ኣየናይ “ሓርነታዊ ዉግእ” ኢኻ ዝናር ታዓጢቅካ : ኣግዲዕኹምና : ዘረባ ገዲፍኩም ኣርኩቡና ትብል ዘለኻ ?
ንስኻ ንሃገርካ እንታይ ፉሉይ ኣገልግሎት ተወፊ ኣለኻ : ብዘይካ መን እንታይ ይብል ኣሎ ኣብዚ ምክትታል ?
ናይ እንተርነት ቃርማ ሙዃን ዲዩ : ኣብ ገለ ቁምነገር ዝዋዓለ ዘምስል ስሚዒት ኣሕዲሩልካ ?
ንስኻ ንመን ተገልግል ኣለኻ : ቡሩህ እኳ እንተዘይኾነ : ኣይትዛረቡ ዝብል ሰብ : መጋበሪያ ምልኪ ሙዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።