ብናይ “መደመር” ስነሓሳብ ዝረዓመ ስርዓት ዝተኣወጀ ናይ ክተት ጻውዒት!
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት “መደመር” “እንደመራለን” “ተደምረናል” ዝብሉ መባእታዊ ናይ ቊጽሪ ኣምራት ብምጭራሕ ንዓና ኣጽሚሙ ንዓለምን ንህዝቡን ድማ ኣታሊሉ ንናይ ኖበል ሰላም ሽልማት ዝበቕዐ ጠቅላይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፥ እቲ ናይ ኖበል ወረቐት ዝተጻሕፈሉ ቀለም ጌና ከይነቐጸ ኣንጻር’ቲ ኩሉ ዝበሎ ናይ ሰላም ሃዋርያ ዘምስል ዝነበረ ቃላት ናብ ቋንቋ ወራርን ኲናትን ክቕይሮ ብዙሕ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ ሓጺር ጊዜ ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምምጻኡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራያን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ብውዕል ኣልጀርስ ዝፍለጥ ብይን ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከም ዝተቐበሎ ምስ ኣፍለጠ፥ ስርዓት ህግደፍ’ውን ከይደንጐየ ነቲ ጻውዒት ብምቕባሉ እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህው ተቐንጢጡ ንሓጺር እዋን ናይ ሰላምን ራህዋን ጽቡቕ ጉርብትናን መስኰት ዝኸፈተ፥ እዘን ክልተ ሃገራትው’ን ናብ ሓባራዊ ልምዓትን ጐደና ምዕባለን ክግስግሳ’የን ዝብል ግምት ዝሰፈነ ይመስል ነይሩ። ብወገን ኤርትራ’ውን ሓድሽ ምዕራፍ ዘበስር ቅዋም ክትግበር እሱራት ክፍትሑ ሰራዊት ናብ ቤቱ ክምለስ መሰል ክኽበር ወዘተ ዝብል ዓቢ ትጽቢት ነይሩ፥ እንተዀነ ዝተራእየ ለውጢ ወይ መስተርሆ ስለ ዘይነበረ እቲ ናይ ሰላም ሃውህው ኣብ ሓጺር እዋን ቅሂሙ ህዝብና ናብ ጸልማትን ትካዘን ጥሒሉ ከም’ታ ቀደሙ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ተሸሚሙ። በዚ’ውን ኢሳያስ ካብ’ቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ብጽምዶ ዝወሃብ ናይ ኖበል ሰላም ሽልማት ተገሊሉ።
ካብ ኖበል ናይ ሰላም ሽልማት ብምግላሉ ንኢሳያስ ደበስ ብዝመስል ግና ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል ክልቲኦም መራሕቲ ግዙፍ መዳልያ ተሸሊሞም። ሽዕኡ ድማ ነቲ ልኡም 5-ነጥቢ ዝሓዘ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ዝበልዎ ስምምዕ ናይ ኢሳያስን ኣቢን ውዕል ብምፍራም እቲ ሓድሽ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ብመልክዕ ድራማ ቀጺሉ። ኣቢ ንኣስመራ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ክማላለሱ መንገዲ ማይ ጌሮሞ፥ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ድማ ሰላም ሃሪፉ ሓድሽ ለውጢ መጺኡ ፍቕሪ ስዒሩ ኢሉ ሓጐሱ ገሊጹ።
እንተዀነ በዓንተቡኡ ጅምር ክብል ከሎ እዚ ብስም ሰላም ዝተራእየ ዳንኬራ ሕቡእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ንጐረቤት ክልል ትግራይ ዘዋሰነ ንጐንደር ባህርዳር ኣዋሳ ግና ዝሓቘፈ ምንባሩ ኢዩ። ሓደ ካብኡ እቲ ናትና ንብሎ መራሒ መንነት ኤርትራ ከም ዝነኣሶ ክሳብ ጐንደር ከይዱ ወለዶ ኣቦሓጎታቱ ክደሊን ጭብጢ ኢትዮጵያውነቱ ከመስክርን ዝደለ ክመስል ተራእዩ። ኣቢ ኣሕመድ ብወገኑ በዚ ተተባቢዑ ኣብ’ቲ ጽምብል ከም ዝበሎ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉርብትና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ደምን ኣዕጽምቲን ዝተሰረተ ከም ዝዀነ ከም መራጐዲ ነጥቢ ተጠቒሙሉ። እዚ ነቲ “መን’ዩ ንሱ ታሪኸይ ሓይኹ ዘዀምስዕ፡ ንደመር ዝብለኒ ምጒዳለይ ከረስዕ” ዝብል ደርፊ ናይ ህቡብ ስነጥበባዊ ዓንዲት ዑቕባይ የዘኻኽረካ።
ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝቐጸለ ዳንኬራን ድራማን ድማ እቲ ተጠጂኡ ዝነበረ ናይ ሰላም ውዕል ዝበልዎ ናይ ቅንዕና ከም ዘይኰነ ብወገን ኢትዮጵያ “ወፍሪ ምውሓስ ሰላም” ብዝብል ጉልባብ፥ ብወገን እቲ ናይ “መደመር” ስነሓሳብ ከተግብር ዝመረጸ መራሕ ህግደፍ ድማ “ወፍሪ ንውሑስ ህላወ ኤርትራ” ብዝብል ዘሕፍር፥ ህላወና ብትግራይ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣምሲሉ ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ኲናት ተኣዊጁ። እቶም ወትሩ ንህላወና ዘስግኡና ብዓንዲ ርእሱ እቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝድገፉ ዘለዉ ክነሶም፥ ንህላወኦም ዝቃለሱ ዘለዉ ህዝቢ ትግራይ ንዓና የስግኡና’ዮም ምባል ማይ ዘይዓቊር ዝንቡዕ ስነ-መጐት ማንም ክኣምኖ ዝከኣል ኣይኰነነ። እዚ ዕባራ ምኽንያት ግና ነቲ ን20 ዓመት ንመናውሒ ስልጣን ዝተጠቕሙሉ ዝኸሓነ ጽልኢ ወያነ ከም ናይ ኩሉ ጠንቂ ሽግራትና ጌርካ ብምቕራብ ንህላወና ምስ ምጥፋእ ወያነ ብምትሕሓዝ ነቲ ምትእትታው ምኽኑይን ቅቡልን ጌርካ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ዝተኣልመ ተንኮል’ዩ። ቀላይ ንጥሚቕ ተንቀላውጣ ከም ዝበሃል፥ እዛ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገረ-ኤርትራ ነታ ልዕሊ ሚእቲ ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓገዝ ህላወኣ ከተውሕሰላ ወይ ካብ ምፍንጫል ከተድሕና ዝብል ምስምስ ሰራዊት ኣህሊቕካ ነቲ ናይ “መደመር” ስነሓሳብ ዘቀላጥፍን ንልዑላዊነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ምቹእ ኲነታት ከይፈጥር ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።
ህዝቢ ኤርትራ ግና ነቲ ብ”መደመር” ናይ ኣቢ ኣሕመድ ዝተሃመለ ስርዓት ዘበት ንሕና ኣይንድመር ኣይንጐድል ወትሩ ትሽዓተ ኢና ይብሎ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ንጊዜኡ ብግፋን ማእሰርቲን ብረትን ጥይትን ንመንእሰያትና ናብ ዘይፈልጥዎ ቦታን ዘይምልከቶም ኲናትን ይጠብስዎም እንተለዉ፥ ንመንፈን ሞራልን ህዝቢና ግና ክስዕርዎ ከቶ ኣይክእሉን’ዮም። ሰደትናን ዋሕድናን ከይኣኽለና መንእሰያትና ንረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ምህላቕ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን’ዩ። እቲ ስርዓት ብስነሓሳብ ምስ ጓና ተደሚሩ ህዝቡ ከሲሩ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ምቕናይ ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ ክኸውን’ዩ ነገሩ። ክሳብ ሽዑኡ ግና ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ይሃልቁ ኣለዉ፥ ቊጠባ ሃገር ይዓኑ’ሎ፡ ህዝብና ኣደዳ ሕሰምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላውን ይኸውን ኣሎ፥ ምስሊ ሃገርና ተደዊኑ ስም ሰራዊትና ብወራርን ዓመጽን ተበኪሉ፥ ናይ ቂምን በቀልን ሕነ ምፍዳይን ጸሊም ታሪኽ ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከም ዝቕጽል ይኸውን ኣሎ።
ወተሃደራዊ ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ ኲናት ናቱ መስርሕ ስለ ዘለዎ መኣስ ከም ዝጅመር ደኣ’ምበር መኣስ ደው ከም ዝብል ኣይፍለጥን’ዩ፥ እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ኣብ ትግራይ ይርአ ኣሎ። ሓንቲ ብሕሱም ምልካዊ ምሕደራ ዝተዳኸመት እኽሊ ብኲፖን ዝዕደለላ ማይን መብራህቲን ድማ ብመቚነ ዝካፋፈለላ ሃገር፡ ኣብ ዝተናወሐ ኲናት ጐረቤት ሃገር ኣትያ መንእሰያትና ምጽናት ብዘይካ ክሳራ ብዝዀነ መለክዒ ክትረኽቦ ትኽእል ረብሓ ኣሎዋ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ጊዜ ኲናት እታ ናይ መጀመርያ ግዳይ ሓቂ ኢያ ከም ዝበሃል ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይኣተወትን ኣሉ ቀጣን ክበሃል ከም ዘይጸንሐ፥ እቲ ኲናት እንዳተናወሐ ምስ ከደ ናይ ዓለም ተጽዕኖ ድማ ምስ በርተዐ ክልተ መልሓስ ኣብ ሓደ ርእሲ ኰይኑ፥ ብዕሊ ከምዝኣተወት ተኣሚና ከም ትወጽእ ድማ ቃል ኣትያ።
ንርእሳ ብውሽጣዊ ናይ ተቓውሞ ማዕበል ትናወጽ ዘላ ኢትዮጵያ ንምድሓን ዝተኣወጀ ናይ ክተት ጻውዒት ካብ ጊልያ ናይ ካልኦት ምዃን ሓሊፉ ካልእ መግለጺ ክህልዎ ኣይክእልን። ዓሰብ ባጽዕ ኣዱሊስ’ውን ከይተረፈ ናተይ’ዩ ትብል ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ትነብር ጐረቤት ሃገር ብሂወት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓድነታ ከተውሕስ ላም ምስ ሓራዲኣ ማይ ትሰቲ ዘብል’ዩ። ቅዋም ዘይብላ ብባይቶ ዘይትመሓደር ህዝባ ብኲናትን ጥሜትን ስደትን ዝተጸንቀቐ፥ ሰራዊታ ብቀጻሊ ኲናት ዝተዳኸመ ሃገር ድማ ብቐሊሉ ክትውረር ከም ትኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ተጋላባጢ መርገጽ ከይተርፍ ድማ ንኢትዮጵያ ፋሕ-ፋሕ ኣቢልካ ኢኻ ትገዝኣ፥ ይብል ከም ዘይነበረ ሕጂ ድማ መልሓስ ካብ እግሪ ትጥዕንቀፍ ግዲ ኰይኑ ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ኣይኰነን፥ ኢትዮጵያ ክትረጋጋእ ኣለዋ፥ ኢትዮጵያ ንምድሓን ዝተከፍለ ይከፈል ወዘተ ምባሉ ብዋዛ ዝሕለፍ ኣይኰነን።
ከም ዝፍለጥ እቲ ንዘመናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ዝነበረ ናይ ስሕበት ማእከል ሕጂ ግና ከም’ቲ ጸወታ ኣሰሓሓብ-ገመድ ብዝመስል ዘስዓቦ ምልውዋጥ ሓይሊ ሚዛን፥ እቲ ናብ ወሰናስን ናብ ክልላት ገጹ ዝስሕብ ሓይሊ እንዳበርተዐ ናይ ምፍንጫል ስሕበት እንዳሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፥ ኢትዮጵያ ናብ ዘሰክፍ ጐደና ትጐዓዝ ኣላ። ምስ’ዚ ኩሉ ውሽጣዊ ጸገማታ ድማ ዝኸዳ ክምለሳ’የን፡ ቀይሕ ባሕሪ ክንመልሶ ኢና ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ንምርጫ ብሰልፊታት ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ፥ ኤርትራ ክንመልሰልኩም ኢና ዝብል ሕልሚ ከም መስሓቢ ከቕርብዎ ይስምዑ ምህላዎም ንስክፍታና ዘረጋግጽ ሓቂ’ዩ።
ሃገርና ካብ’ዚ ዘላቶ ናይ ኲናትን ቀውሲን መድረኽ ብዝቐልጠፈ ሰላማዊ መዋጽኦ ክንረኽበሉ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። ህዝብና ወይ ልቢ ኣዕቢዩ እንተስ ርዒዱ ንጊዜኡ ስቕታ መሪጹ ዘሎ ውዒሉ ሓዲሩ ብቊጠዐ ናብ ኣደባባይ ከም ዝወጽእ፥ እቶም ንስቕታ ወይ ዓቕሊ ህዝቢ ከም ሕመቕ ዝመስሎም ስልጣን ዘባዕለጎም ከኣ በቲ ዝመጽእ ማዕበል ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ዝጻራረጉ ዝተሰወጦም ኣይመስሉን። ሕጂ ኩሉ ብምትላልን ብሕቡእ ኣጀንዳን ዝካየድ ዘሎ ጽባሕ ሃገር ክትወጽኦ ኣብ ዘይትኽእል ዝተናውሐ ዓዘቕቲ ኲናት ኣእቲኻ ህዝቢ ምህላቕ ሃገር ድማ ምዕናው ረብሓና ዘይሕሉ ንኹልና ክሳራ ናይ ባዶ-ድምር-ጸወታ ስለ ዝዀነ ዓገብ ክንብል ይግባእ ።
ኣብዚ ተኣፋፊ ህሞት ካብ ሽግርና መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል ተባሂሉ ዝተፋላለየ ሓሳባት ብዝተፋላለዩ ወገናት ይቐርብ ምህላዉ ትስፉው ሃዋህው ዝህብን ውሑስ መጻኢ ዝሕብርን ስለ ዝዀነ፥ ነዚ ንምትግባር ብዕቱብነት ንኩሉ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብኩሉ ጐድንታቱ እንድህስሰሉ እዋኑ ሎሚ’ዩ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና፥ ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ክትዕን ምርድዳእን ድማ ካብ’ዚ ዘሎናዮ ዘመነ-ግህሰትን ውርደትን ህዝብናን ሃገርናን ነድሕነሉ ዝሓሸ ዝበልናዮ መንገዲ መሪጽና ንናይ ሓባር ሽግርና ብሓባር ዘላቒነት ዘለዎ ፍታሕ ከነምጽእ ይግባእ። ብዝተረፈ ክሳብ መኣስ ኢና ዓማጺና ምልላይ ጸጊሙና ተቓዋሚን ደጋፊን ኰንና ክንጋዳዳዕ ኣንጻር ረብሓና ክንሰርሕ፥ ኣብ ክንዲ ተጣበቕቲ ሃገርን ህዝቢን ድማ ተሓለቕቲ ዓማጺ ስርዓት ኰንና ስቓይና ከነናውሕ ክንነብር! ዝዓበየ ሽግርና ብዛዕባ’ቲ ሽግር ዘሎና ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ከይከውን ከነስተውዕል ይግባእ።
እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!
ስዉኣትና ንዘለኣለም ይዘከሩን ይኽበሩን!
ዶር ተስፋሚካኤ ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።
“እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ፦ ኣሜን”
ግዳስ መዋእል ንዘይብሉ ግዚያት እግዚሂር ኣይሓልወናን:
ምኽንያቱ ኣይፈለጥናን:
ካብ ጣልያን>> ናብ እንግሊዝ >>ናብ ኢትዮጵያ >>ድሕሪኡ ከዓ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ:
እሞ እቲ እግዚሀርሲ ዘይራኤን ዘሰምዓን ድኣ ካይከውን ?!?
ካልእ እግዚሂር ክዓ የለን፣ እሞ ናበይ ከነብል ኢና ?!?
ወይ ጉድ!!! እንታይኮን ይኸውን እቲ ምስጢራዊ ጉድለትና ?!?
ብዝኾነ ኮይኑ ተስፋ ኣይንቑረጽ፣ እዛ ለይቲ ክትወግሕያ ብዝኾነ ኮይኑ።
ኢንሻላህ ኣሜን ።
The unwitting and neutral observer may perceive, albeit wrongly, that the orphans of the defeated woyane and its exposed, discredited Eritrean Trojan Horses are expressing their sincere concern for Eritrea and Eritreans but in reality however, they are projecting their own anguish and hopelessness in the wake of the demise of woyane. But again,isn’t paradoxical for the vanquished to cry for the victorious? We must imagine the magnitude of human and material destruction that might have transpired on our people and country had their evil war-plan of invasion not been preempted by the young Mighty EPLFs?
Weyane were your partners in crime for the last 40 years. Isn’t you who invited them to Eritrea to kill your own brothers and sisters ?
Who is dying in Tigray?, for sure not your kids.
This war is not going to end in few months…
Sooner or later this war will spread to Eritrea.
You may think that is not going to happen, but as long as you keep sending our kids to die in Tigray many will prefer to die in their own land defending the freedom and dignity of their own people.
It is all too familiar song and dance dear W.H., they might deceive Filmon and Haben, however those of us who know their distinct political accent can identify them from miles away…their motto is always war and their emblem AK and their lethal weapon- religion, ethnicity and ignorance, their hallmark gait- one step forward 10 steps back and keep the poor people in perpetual vicious circle by switching sides with no end in sight,.. people like t.gebre. blow their horn from a safe distance in support of those few who are in a position of power and time keeps a tab .
ኩቡር ዶቶረ ፣
” … people like t.gebre. blow their horn from a safe distance in support of those few who are in a position of power and time keeps a tab .”
ወዱ ረስኒ እንተሃሊዩዎ ከይደቀሰ ዝሓድር ሰብ ፥ ዕሸላት ኣብ ዘይመርየቶም ከይዶም ኣብ ሓዊ ክህከቱ የተባብዕ ።
ኣዞም ሰባት ፥ ሕልና የብሎምን ።
ጉዳይ ግዜ እንተ ዘይኮይኑ ፥ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤሪትራ ነቂሑሉ ስለ ዘሎ ፥ ነዚ ኣረሜን ስርዓት ጠጠው ኣቢሎምዎ ዘለዉ ሰባት ፥ ኢዶም ክትጸንሖም እያ ።
ናይቶም ኩሎም ፥ ህግደፍ ኣጥፊኡዎም ዘሎ ግዳያት ፥ ረሳታት ምስ ታኣከበ ፥ ኣበየናይ ክፍለዓለም ኣሎው ብዘየግድስ ፥ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቀርቡሉ ግዜ ክመጽእ እዩ።
ሩሑስ ባዓላት ይግበረልና ፥ ኩቡር ሓው ።
Amen W.H. the Almighty keeps what’s his and defers the inevitable for later, He is rearranging the scenario and teaching valuable lessons along the way, some learn from it and those who miss the opportunity pay a hefty price. The value of his creation is never wasted in vain. His rules constant and universal, his love for us abound, the sun still rises in the east and sets in the west, no bait and switch like the fallible man who betrayed him early in the Garden. Happy holidays dear brother.