ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ክህቦን ክኸልኦን ሓላፍነት የብሉን
ኣብ ታሪኽ እዛ ውግሐ ጸብሐ መበቆል ክርስትና፡ ብባዕዲ ዘይተገዝአት፡ መአንገዲት ስደተኛታት፡ ዋና ከተማ ኣፍሪቃ፡ መስራቲት ሕቡራት ሃገራት ወዘተ ኣናበለት ትንየት ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ጉዳያ ንምፍታሕ፡ ሰራዊት ናይ ካልኦት ሃገራት ተዓዲሞም ከምዘይፈልጡ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ይሕብሩ ኣለዉ። ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ “ሕጊ ንምኽባር” ተባሂሉ ብሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣቢዪ ኣሕመድ ዝተኣወጀ ኣዕናዊ ኩናት ግን ዛጊት ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኢትዮጵያ 3 ሃገራት ከምዝተሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሳተን ድማ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢማራትን ኢየን። ካልኦት ብድሕሪ መጋረጃ ብገንዘብ፡ ብንዋትን ሓበሬታ ብምልጋስን ኣብቲ ስሉሳዊ ዓንኬል ተጸንቢረን ወይ ኢደን ሓዊሰን ክህልዋ ከምዝኽእላ ግምት ኣሎ።
ኣብዚ ሳልሳይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ክልል ትግራይ፡ ተሳታፍነት ሰራዊት ኤርትራ ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣሎ ዝብሃል ሰራዊት ኤርትራ ምስ ኣጽዋሩ ትግራይ ስለዝወረረ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓቊሩዎ ዝጸንሐ እሉኽ ቅርሕንቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕል ህዝቢ ትግራይን ትካላቱን ኮነ ኢሉ ዕንወትን ቅትለትን ስለዝወሰደን ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ድሌቱ ክዕንድረሉን ነቲ ኣንጻር ክልል ትግራይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም መዋፈሪ ስለዝተጠቅመሉን ኢዩ።
ብዘይካ’ዚ ኣቢዪ ኣሕመድ ነታ ብናይ መሬት ይግብኣኒ ምስ ክልል ትግራይ ትሓልፍያ ጽልኢ ዘለዋ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ዘለዋ ዓቅሚ ኣዋፊራ ትሃና ኣውጺኣ ኢያ። እቲ ብመራሕቲ ወያነ ተወሲዱኒ ዝብሃል መሬት ድማ ንግዚኡ ክሳብ ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ኣብ ስልጣን ዘለዉ ተቆጻጺሮሞ ኣለዉ። ኣብዚ ሳልሳይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ትግራይ፡ ማዕከናት ዜና ኣቢዪ ኣሕመድ ለይትን መዓልትን “ጁንታ ማሪኽና ቀቲልና” ሰብ ከይቀተልና መቀለ ሒዝና፡ ስራሕ ሕጊ ምኽባር ኣብ ትግራይ ተዛዚሙ” ጥራይ ኢና ንሰምዕ ዘለና እምበር፡ ብሰንኪ እቲ ኣዕናዊ ኩናት ካብ ማከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራ ዝተቀዝፈ ሰራዊት፡ ዝሃለቀን ዝተመዛበለን ሰላማዊ ህዝቢ፡ ዝዓነወን ዝተዘምተን ንብረትን፡ ዝተፈጸመ ገበን ኣይተገልጸን። ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ገበናቱ ንምህዳም ንሱ ዝደልዩን ዓለምን ህዝቢ ኢትዮጵያን ንምድንጋር መናውራን ፕሮፖጋንዳብ’ዩ ኢዩ ዝዝርሕ።
ብሓሶት፡ ሰማይን መሬትን ዘጣብቕን ብህርፋን ስልጣን ዝዓወረን ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስተሓተ፡ “ኣብቲ ክንህቦም መዲብና ዘለና ቦታታት ኢዮም ዘለው” ዝብል መልሲ’ዩ ሂቡ። ነቲ ካብ ኤርትራን ሶማልን ኣብ መሬት ብኣካል ዝተሳተፈን ናይ ኢማራት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ድማ ኣሉ ቀጣን ኢሉ። ኣቢዪ ኣሕመድ ይኹን ንሱ ዝዝውሮ ባይቶ ተወከልቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብኻልኦት ሃገራት ዘራያት ኣምጺኻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ሞትን ዝምታን ብስቕታ ምሕላፉ ድማ፡ እምበርዶ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ ዋላስ ንሶማልያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጣምር ሃገር ተመስሪቱ ኢዩ” ኢሉ ዝጠራጠር’ውን ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ “ሕጊ ንምኽባር” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ደገፍ ካልኦት ሃገራት ከምዘየድልዮ ድማ ገሊጹ። ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ ዝብሉ ደገፍትን ኣፈኛታትን ኣቢዪ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ የለን ክብሉ እንከለዉ ብኣንጻሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣማሓደርቲ ክልል ትግራይን ድማ ሰራዊት ኤርትራ መኣስ ይወጽእ እምበር ኣብ ትግራይ ኣሳፊሑ ከምዘሎ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን” ኢሎም ይማጎቱ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ዘይኮነ፡ ናይቶም ኣሕዋቶምን ወለዶምን ኣብ ክልል ትግራይ ዝቅዘፍ ዘለዉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ ዘለዉን ህዝቦም ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ ኣብ ስቃይ እናተቀመጠን ብሒም ኢሎም ዘይፈልጡ ብሃማት ኤርትራውያን’ዩ።
እቲ ካብዝፈጸሞ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ንምህዳም ንሓድሕዱ ዝዋቃዕ መግለጺታት ኣቢዪ ኣሕመድን መሰልቱን ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕዘፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራዝኾነ ሓበሬታ ዘይምሃቡ ንዕቀት ኢዩ ኢልና ንጎድኒ ገዲፍና፡ እታ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣተወን፡ ኣብቲ ንኤርትራ ክንህባ ድሊና ዘለና መሬት ኢዩ ዘሎ” ምባሉ እንታይ ማለት ኢዩ ክንጽር ይግባእ። ጉጅለ ህግደፍ፡ “ወያነ ዳግማይ ኣብ ስልጣን ከይምለስ፡ ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ እግሪ ዝተክልን ዝድልድልን ኣብ ትግራይ ከምዝጸንሕ ሓቢሩና ኣሎ። ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካትዕ ዘካትዕን ኣብ 1998 ጠንቂ ኩናት ነይሩ ዝተባህለናን ከባቢታት ዛላምበሳ፡ ባድመ፡ ኢሮብን ኣድያቦን ድማ ኤርትራዊ መንነት ወረቀት ይዕድልን ግዝያዊ ምምሕዳር ይምስርትን ከምዘሎ ይስማዕ ኣሎ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ልኡላውያን ሃገራ፡ ሕቶ ዶባትን ዋንነት መሬትን ብኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን እምበር ብድሌት ውልቀ ሰብ ወይ መራሒ ሃገር ዝወሃብን ዝኽላእን ኣይኮነን። መንግስቲ ወይ መራሒ፡ ልኡኽ ህዝቢ ስለዝኾነ ንብረት ህዝቢ ብኢደ ዋኒኑ ክልውጦን ክሸጦን ዝኾነ ሓላፍነትን ስልጣንን የብሉን። ኣቢዪ ኣሕመድ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣተወን፡ ኣብቲ ንኤርትራ ክንህባ ድሊና ዘለና መሬት ኢዩ ዘሎ” ክብል እንከሎ ድማ እቲ ካብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ መላኺ ኢሳያስን ኣብዪ ኣሕመድን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ዝተኸተመ ሚስጢራዊ ውዕል ሰላም ክህሉ ይኽእል ኢዩ።
ከምቲ “ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቅሎ” ዝብሃል፡ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ክልተኣዊ ስምምዓት ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ግን፡ ኪኖ ዶባት ዝሰግር፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ዘፋልስን ሰላም ዝዘርግን እሾኽ ከምዘለዎ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስልጣን ኣቢዪ ኣሕመድ ንምድልዳልን ቅርሕንቲ ኢሳያስ ንምትግባርን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራት መዘዝ ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን። መኽሰቡ ድማ ዕምሪ ገዛእቲ ዘንውሕ እምበር ፍቅርን ሰላምን ውጹዕ ህዝቢ ዘርብሕ ኣይኮነን።
ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘይናቱ መሬትን ንብረትን ብሓይሊ ክግብትን ክምንዝዕን ኣይምነን ኢዩ። ብተመሳሳሊ ናቱ መሬትን ንብረትን ድማ ክህብ ኣይደልን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱን ካልኦት ኣህዛብን ኣብ ምክብባርን ሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ዝሕመረቱ ዝምድና ክምስርት ወትሩ ድሉው ኢዩ። ብግጅለ ህግደፍ ይኹን ብኣቢዪ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን፡ ምስ ካልኦት ህዝብታት ዘዳምዮ ይንኣስ ይዕበ ውዕላትን ተግባራትን ብትሪ ይቃወሞ። ሕጂ’ውን ጽባሕ ንጉሆ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካልኦት ሃገራት ሕቶ ዶብ ንኩናትን ዕንወትን ዝዕድም ከይከውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዶባቱ ብግቡእን ብዘየሻሙን ብኣህጉራዊ ውዕላት ክፍለጥን ሰላማዊ መዕለቢ ክግበረሉን ኣለዎ።
ጉጅለ ህግደፍ ንግዚኡ ስልጣን ብሓይሉ ጨቢጡ፡ ማዕድናት ኤርትራ ይጉሕጉሕን መንእሰያት ኤርትራ የጽንትን’ኳ እንተሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይወከሎ ኣረሜን ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ መሬት ይኹን ባሕሪ ኤርትራ ውዕላት ክፍርም ዝኾነ ሓላፍነት የብሉን። ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ ውልቃዊ ፍቅሪ ምስ መላኺ ኢሳያስ ድኣምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ክህቦን ክኸልኦን ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ሓላፍነት የብሉን።
እቲ ኣብ 2018 ተደሚርና ፍቅሪ ይስዕር ኢሉ ዝሰበኾ፡ ጽልኢ ወሊዱን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጥሒልዋ ስለዘሎን ውራዩ ክገብር’ዩ ዘለዎ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዝፍጽሞ ዘሎ ንመጻኢ ወለዶ ድቃስ ዝኸልእ ውዕላትን ሽርክነትን ክቃወሞን ብንቅሓት ክጥምቶን ይግባእ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2 ለካቲት 2021
There is nothing new here, it is a continuation of the familiar genocide we are so accustomed to as Eritreans for decades which nobody cared to do anything about because of our self defeating inept attitude, now that formula is being executed in its highest form south of the border, as I said before can it be duplicated successfully and make the Ethiopians look like the current Eritreans dejected with ‘bent heads slinging AK-47’s on their bony shoulders’ with oversized camouflage uniforms ready to execute the wishes and orders of one man, stay tuned. To bring about real change, you don’t keep talking about it, you do something about it. Honorable Stacey Abrahams can teach you a thing or two.
It is the Land of Eritrea. Throw your Menghesha Yohanes and Seyoum Menghesha propaganda to the garbage.