Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ሓሙሽተ ብኩራት ኣብ ኤርትራ: ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣሎ መንግስቲ ግን የለን – 1ይ ክፋል – ብ ጽላል

Atv Asena by Atv Asena
18th September 2020
in Articles, Tigrinya
0
0
SHARES
507
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

 ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣሎ መንግስቲ ግን የለን

ሓሙሽተ ብኩራት ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ጽቡቅ ይኹን ሕማቅ ነገራት ብቀሊሉ ክትፈልጦን ዝተማልአ ሓበሬታ ክትረክብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ተሓቢኡ ንምስራቅን ገበን ንምፍጻምን ክጥዕሞን ብነብሱ ምትእምማን ስለዘይብሉን ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ “ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ከም ባህሊ ዝወረሶ ብዙሕ ምስራሕ እምበር ብዙሕ ምዝራብ ገና ኣይለመደን” ኢሉ ከዕሸወና ይፍትን። ከምቲ “ንዓይ ነንጭዋ’ዶ ኣብ ለቆታ” ዝብሃል፡ እዚ “ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ሎሚ ብዙሕ ምዝራብ ኣይለመደን” ዝብል ሸፈጥን ተንኮልን፡ ኣብ 70ታትን 80ታትን ኤርትራውያን ብዓያሹናን ገርህታትን እንከለና፡ ሰማዒ እዝኒን ተቀባሊ ሓንጎልን ይረክብ ነይሩ ይኸውን። ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ደርሆ ብቀሊሉ ጻሕቲራ ክተረኽቦ ትኽእል ሽጣራ ምጥቃም ግን፡ ነብሰ ምትላል’ዩ። ይኹን እምበር ዋላ’ኳ ኣብ ኤርትራ ብግሉጽነትን ብመባእታዊ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሰርሕን ምምሕዳር እንተዘየለ፡ ጉጅለ ህግደፍ ክሓብኦ ዘይክእል ሓቅታት ምዝራብ ግን ብዙሕ’ዩ ።

ኣብዚ ኣብ 5 ኣርእስቲ መቃቂለ ንሰማዕትን ኣንበብትን ከካፍሎ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ፡ ዓቢ ስም ጥራይ ኣጠሚቁን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕድሉ ዋንነትን ናጽነትን ከምዘለዎን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከምዝኽተልን ኣምሲሉ፡ ብማዕከናት ዜናታቱ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ብኻድራቱን ወግሐ ጸብሐ ንዘየለ ከምዘሎ ንምእማን ብዙሕ ዝጭድረሉን ነጥብታት ክዝርዝር ኢየ። ብቀዳምነት ግን ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ መብርሂ ክህብ እደሊ። እታ ኣብ ኣርእቲ ጽሑፈይ “ብኩራት” ትብል ቃል፡ ክልተ ትርጉም ስለዘለዋ፡ ነዚ ድሒረ ዝገልጾ ዝዓለመ ጽሑፍ፡ ብኩራት ክብል እንከለኹ “ዘየለ፡ ዝበኾረ፡ ዝጠፍአ፡ ዝተረፈ (Absence) ማለተይ ኢየ።

ቀዳማይ ክፋል፡     

 ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣሎ መንግስቲ ግን የለን

ብቀሊል ኣዘራርባን ትርጉም መዝገበ ቃላትን፡ መንግስቲ ማለት፡ ብመሰረት ሕጊ ንሃገር ወይ ፍሉጥ ዶባት ዘለዎ ግዝኣት ከማሓድሩ ሓይሊ ወይ ስልጣን ዘለዎም ጉጅለ ናይ ሰባት ኢዩ። ብመንጽር’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ትርጉም ናይ መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ቀንዲ መምዘኒ ናይ መንግስቲ፡ ንህዝቢ ወይ ንመለኽቲ ዘገልግል ዝሰርሕን ቅዋም ስለዘየለ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ “መንግስቲ” ኢልካ ክትጽውዖን ሕጋውነት ከተልብሶን ኣይከኣልን’ዩ። ብግብሪ እውን እቲ ኣብ 1991 ስልጣን ዝሓዘ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ 1994 ኣብቂዑ ኢዩ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽን ንብረት ዝዘምትን ዘሎ ህግደፍ፡ ዋላ ዕረ ይጥዓሞ፡ ጉጅለ፡ ምልካዊ ወይ ጭፍራ ኢልካ ክትጽውዖ እውን እናዓበዮ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ገባርን ሓዳግን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ተራ ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ እሙናት ሰባት፡ ተላኣኣኽቲ ወይ ማሕዮታት እንተዘይኮይኖም ወሰንቲ ኣይኮኑን። ዝዓበየ ወፍሪ፡ ሜላን ተንኮልን መላኺ ኢሳያስ፡ ሰባት ብፍርሒ ተዋሒጦም ምእዙዛት ከምዝኾኑን ኣብ መንጎኦም ምጥርጣር ከምዘማዕብሉን ርእሰ ተኣማንነት ከምዘጥፍኡን’ዩ ዝገብሮም። ጉጅለ ህግደፍ፡ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ንሰባት ብረብሓን ብንቅሓቶምን ፈላሊኻ ምግዛእ፡ ምድሃልን ምሕቃቅን ሕመረት ህላዊኡ ኢዩ።

 ኣብ ዓይነትን ጠባያትን መንግስቲ’ውን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዲሞክራስያዊ ወይ ፍትሓዊ ስርዓት ከምዘይኮነ ዘካትዕ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ማዕቀኑ ካብዘይኮነ፡ ምልከ-ውሑዳን ወይ ሓያላት ሰባት(Oligarchy)፡ ምልከ ልዑላን(aristocracy)፡ ንጉሳዊ ምምሕዳር(Monarchy) ክትብሎ’ውን የጸግም። ምኽንያቱ ዋላ’ኳ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ንኽህሉን ቃሕ ዝበሎ ክፍጽምን፡ ኣብ ትሕቲኡ ቢልዮናት ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ መንዚዑ ዝሃነጾ ስለያውን ጸጥታውን ፕሮፖጋንዳውን መዋቅር እንተለዎ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ግን የብሉን። ንኣብነት ብፍርሒ ዝለመሱን ዝሩጋትን ካብ ስራሕ ክሰናበቱን ዝግብኦም፡ ስማውያን ሚኒስተራት ይሃልዉ እምበር፡ ስሩዕ ኣኼባ ብምክያድ ገምጋም ስራሕ፡ ባጀትን ኩነታት ሃገርን ንብዙሕ ኣዋርሕ ዘትዮም ኣይፈልጡን’ዮም። ኣብ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ሃገር፡ ወሰንቲ ቅርጺ መንግስቲ ዝኾኑ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጽዓትን ማዕድንን ሚኒስተር ከይተመደበሉ ንኣዋርሕ ጸኒሑ ኣሎ። ሚኒስተር ትምህርቲ ኣናተባህለ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተሸይሙ ዘሎ ሰመረ ርእሶም’ውን እቲ ካልእ ስጊንጢራዊ ኣሰራርሓ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። ’ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ መላኺ ኢሳያስ፡ ስለምንታይን ንምንታይን ኢሉ ዝሓቶ ኣካል ስለዘየለ፡ ዘራኽብ ዛዕባን ፍረን ዘይብሎም ኣዘዘቲ ሰራዊትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ምስ ሚኒተራት ብሓባር ይእክቦም ነይሩ።

ኣብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህላወ ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ብኣድማዕነት ዘይዓየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መላኺ ኢሳያስን ንሱ ዝመረጾም እሙናቱን፡ ገበርትን ሓደግትን ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ስለዝሽየሙ ኢዩ። ኣብተን መላኺ ኢሳያስ ንስልጣኑ ክጥዕሞ መስሪትወን ዘሎ 6 ዞባታት ኤርትራ፡ ካብ ዓዲ ክሳብ ዞባ ኣብ ኩሉ ትካላትን ከባቢታትን ኣብ ሰኪዐት ተጠናኒጎም ዘለዉ ጽሓፍቲ ህዝባዊ ግንባር’ዮም ወሰንትን ፈጸምትን። እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 6 ዞባታት ብጉጅለ ህግደፍ ተመዲቦም ዘለዉ ጸሓፍቲ ወይ ሓለፍቲ ግንባር ድማ ቅድሚ ናጽነት ኣባላትን ሓለፍትን’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ’ዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ሰራዊት፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ፡ ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን ብፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተመደቡን መምርሒ ስራሕ ዝቅበሉን እሙናትን መጋበርያ ኣባላት ግንባር ኣለዉ። እዚ ጎድናዊ ኣሰራርሓ’ዚ፡ መተካእታ ወይ ተመሳሳሊ ናይቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነጥፍ ዝነበረ ሕቡእ ሰልፊ’ዩ።

 ብኣጠማምታን መምዚኒታትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝምደብ ሰብ፡ ክእለቱን ኣፍራይነቱን ቅንዕንኡን ዘይኮነ ቀዳምነት ዝወሃቦ፡ መምርሒ ህግደፍ ብዘይተቃውሞ ዝቅበልን ዝትግብርን ኢዩ። ንኣብነት ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ፡ ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ጠበቃ፡ ኩሉ ሰብኣዊ መሰሎም ተመንጢሉ ንዓመታት እናተሳቀዩ እንከለዉ፡ ንስለ ፍትሒ ወይ ነቲ ዝተሸመትሉ ሚኒስትሪ ወኪላ ብጩቕ ኢላ ተዛሪባ ኣይትፈልጥን። ኣብ ክንዲ ሓቂ ምግላጽ፡ ብነብሰ ፍትወት ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ምስምስን ኣብ ባይታ ዘየለ ክውንነትን ትህውትት። እቲ ሃገር ብሃገራ ናብ ስደት እናውሓዘትን ዝተረፈ ህዝብና ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣናተሳቀየን እንከሎ፡ “ንኹሉ ተጻብኦታት መኪትና ሃገር ክንሃንጽ ኢና” ዝብል መግለጺ ዝህብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ወልደሚካኤል ኣብርሃ’ውን፡ ቅድሚ ሰብ ተፈጢሩ ክንሱ መሳቱኡን ደቆምን እናጸነቱ ብስቅታ ዝነብር ሰብ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ወዮ ድኣ፡ “ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ” ኮይኑ እምበር፡ ካብዞም ብደረጃ መዓርግ ሚኒስተርን ትሕቲኡን ተመዲቦም ወይ ካብ ስራሕ ዝተኣልዩ፡ ብዙሓት ኣፍረይቲ፡ በላሕትን ብህሉው ኩነታት ሃገርና ዝጉህዩን ከምዘለው ክዝንጋዕ የብሉን።

ከምቲ ብዙሓት ተዋዘይቲ ዝብልዎ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣዋጃቱን መምርሒታቱን ብርሳስ ስለዝጽሕፎ’፡ ንግሆ ዝበሎ ንምሸቱ ክቅይሮን ክድምስሶን ጸገም የብሉን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ከይህሉን ክሰርሕን ዘይደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ዝለምዶ ዕንደራን ብዘይ ሓታቲ ኣብ ዝመሰዮ ክሓድርን ከም ቃሕታኡ ክፍጽምን ስለዝደለየ ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ ሽመት ክዕድል ወይ ክምንጥል፡ ክኣስር ወይ ከደስክል፡ ኩናት ክእውጅ ውዕል ሰላም ክፍርም መኒኻ ዝብሎ ኣካል የብሉን። ባንዴራ ምንብልባልን ኣብ ትሕቴኻ ህዝቢ ምጭፍላቅን ንበይኑ፡ ህላወ መንግስቲ ከረጋግጽ ስለዘይክእል፡ ኣብ ኤርትራ፡ ንገዛእ ርእሱን ብናይ ወጻኢ ሃገራትን “መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረዚደንት ኤርትራ” ኢሉ ክስመ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ኩሉ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለዘይክተልን፡ ሓደ ሰብ ንህዝቢ ኤርትራን ሃብቱን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ክሸጦን ምስጢራዊ ውዕላት ክፍጽምን ይርአ ስለዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ውልቀሰብ ጨፍላቂ ግዝኣት’ዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ድማ ዋና ዘይብሉን ብሰጥለበጥ እናተሳቀየ ዝነብር ዜጋን እምበር ህዝቢ ዘመሓድር መንግስቲ ወይ ቅርጺ የለን። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን፡ እዚ ብኣፉ “መንግስቲ’የ” ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ዝምድና፡ ዘይትን ማይን ኢዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንግፍዒታትን ብልሹው ኣሰራርሓን ጉጅለ ህግደፍን ምስ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ብምንጽጻር፡ “ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ይበልጹ”ምባሎም ድማ ዘገርም ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተኸፍላ ልኡላዊት ሃገር፡ ምስቶም ወረርቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ምውድዳር ዕረ ዝጥዕሞምን “ቅኑዕ ኣይኮነን” ዝብሉ ኤርትራውያን እንተለዉ፡ ኩፉእ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ንተግባራት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝሓልፎ እንተኾይኑ ግን፡ እቲ ምንጽጻር ዘሕፍር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቅ ስም ክህልዎን ምስ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብሕማቅ ተግባራት ከይጽዋዕን፡ ዘምሕረሉን ዘኽፍኣሉን ፈሊጡን ተናዚዙን ዝተደወነ ስሙ ከሐድስ ኣለዎ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቶም ብሕሰም መነባብሮን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ህግደፍ ክስደዱ ዝተገደዱን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን ዝተቀዝፉ ኣማኢት ኤርትራውያን፡ “ኤርትራውያን ኣይኮኑን፡ ናብቲ ቦታ እንታይ ክገብሩ ከይዶም? ብምዕራባውያን ተታሊሎም፡ ከድዓት’ዮም” ኢሉ ብሞትን ስቃይን ኤርትራውያን ዝላገጽን፡ ኣስከሬኖም ኣብ ኤርትራ ንኸይቅበር ዝኽልክልን፡ ጠላምን ኣረሜንን መላኺ ኢሳያስ፡ መራሒ ኤርትራ ክትብሎ ሓጥያትን ገበንን’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ዋላ’ኳ መልክዕን 5 ህዋሳት ሰብ እንተለዎ፡ ብሕሰምን ቃንዛን ህዝቢ ዝድሰት ፍጥረት ስለዝኾነ ግን፡ ኣብቲ “ሰብ” ዝብል ምድብ ከተእትዎ ዝከኣል ኣይኮነን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2ይ ክፋል ይቅጽል

Previous Post

ወይዘሮ ፎዝያ ሓሽም ሚንስተር ፍትሒ ዶ፧ ወይስ ግፍዒ፧

Next Post

ATV: መን’ዩ ተሓታቲ? ዝኽሪ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን፡ ዝርርብ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋ ስዩም – 1ይ ክፋል

Next Post
ATV: መን’ዩ ተሓታቲ? ዝኽሪ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን፡ ዝርርብ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋ ስዩም – 1ይ ክፋል

ATV: መን'ዩ ተሓታቲ? ዝኽሪ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን፡ ዝርርብ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋ ስዩም - 1ይ ክፋል

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply