The same players are playing each other out in the clay court clad in well pressed suites and a tie and the poor people as usual swing their head side to side watching them till they get a debilitating whiplash in the process… the saga continues! kemey Qenika W.H.
ኣብ ትግራይ ዘሎ ገንዘብ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከም ዝኾውን ይገብር ዳእ ከይህሉ ? ። ትግራይ፥ ኣብ ልዕለኣ ናይ ቁጠባ እገዳ እንተገይሮም (economic blockade ) ፤ ወያነ ቀጻልነታ ኣብ ሕቶ ምልክት ከም ዝኣቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን ።
እንቱም ሰባት ፥ ኣብ ክንዲ “ንኤሪትራ ክንወራ እና” ዝብል ፈኸራ ኣግኣዚያን ገዲፍኩም ፥ ጉዳይ ትግራይኩም ግበሩ ።
ኣብ ክንዲ ምትሕብባር ፥ ንኤሪትራ ናይ ምድኻምን ፥ ምምቅቃል ፈተነ ፥ ንጥቅምኹም ከም ዘይኮነ ክርዳኣኩም እዩ።
ባጤራ ምቅያር ፥ እታ ቀዳመይቲ ሱጉምቲ ናይቲ ዲሒሩ ክስዕብ ዝኽል ፖሊቲካዊ ምፍሕፋሕ ብሙዃን ፥ ኣብዚ ማእከላይ መንግስቲ ላዕለዋይ እድ ከም ዘለዎ ዘርኢ ኣብነት’ዉን እዩ ። ወያነን ህግደፍን ተጠቂሞምሉ ፥ ብድሕሪኡ ቀጥታ ኣብ ዉግእ እዮም ወፊሮም ።
ናይ ኣምሓራ ጽልዋ ኣሎዎ ተባሂሉ ዝኽሰስ ዶ. ኣቢይ ፥ ኣብ ኣጀንዱኡ ሓደ ዓብይ “መደብ” ዘሎዎ ይመስል ፥ ንሱ ድማ ድሕሪ ምድኻም ወያነ ፥ ሕገ መንግስቲ ብ”ምጽጋን” ፥ ዓንቀጽ 39 ምስራዝ እዩ። ፈደራላዊ ስርዓት ቀጻሊ እኳ እንተኾነ ፥ ስማዊ ኮይኑ ዝተርፈሉ ዓይነት ለውጢ ከም ዝስዕብ ንርኢ ኣለና ። ዓባይ ትግራይ ብዋጋ ኤሪትራ ክፈሽል እዩ።
The same players are playing each other out in the clay court clad in well pressed suites and a tie and the poor people as usual swing their head side to side watching them till they get a debilitating whiplash in the process… the saga continues! kemey Qenika W.H.
ሰላማት ኩቡር k.tewolde,
ከመይ ቀኒኻ መምህረይ ፥ ብዘይካ ዘየቅስን ጉዳይ ሃገርና ካልእ ዳሓን እዩ ።
ህግደፍ ንሃገርና ኣይትብላዕ ኣይትስተ ገይሩዋ።
ህዝቢ ኤሪትራ ካብ ምኹራይ ፥ ምስትምሳል ፥ ምዕዝምዛም ኣዕሪፉ ፥ ኣርዑት ምልኪ ንምድርባይ ከም ሓደ ኣካል ብድድ እሉ ክላዓል ኣሎዎ ።
ኣዉራጃይ ፥ ሃይማኖተይ ፥ ውድበይ ፥ ወገነይ እልካ ፥ በብዘለኻዮ ምእዋይ እንታይ ጥቅሙ ? ፥ ስሚርካ ብሓንሳብ እንተ ዘይሰራሕካ ፥ መዉጺኢ ዘይብሉ ዕንክሊል እዩ።
መን ኣሎ ኣብ ኤሪትራ ፥ በዚ ኣረመናዊ ስርዓት ፥ ዘይተገፍዕ ? ። “ስርዓት ሓማሲየን” ክባሃል ጸኒሑ እነሆ ሎሚ ንሶም’ዉን (ኳዜን) ከም ሰቦም የእዉዩ ኣሎዎ ።
ግዜ ከየጥፋእና ኣብ ተግባር ንስገር ። ኣብ ሕቆና ሰፊሩ ዘሎ ኣራዊት ሓቢርና ንደርቢ ።
ሩሑስ ባዓላት ንኹሉኹም ፥ ኣምላኸ ሃገርና ይባርካ ።