ስጉምትና፡ “ክሳብ ዝሓልፈልካ ምስ ቀታሊ ኣዴኻ ተዓራረኽ” ከይከውን ንጠንቀቕ
ቀዳሞት ወለዲ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ውላድ ክምስሉ እንከለዉ፡ “ሓደ ከምዘይተወልደ፡ ክልተ ክንዲ ሓደ” ብምባል ንውላዶም ሳልሳይ ቆልዓ ክውስኽ የተባብዑን ይልምኑን። ወለድና፡ ሰለስተ ክንወልድ ምትብብዖም ግን ንስለ ምውላድን ምውሳኽን ጥራይ ኣይኮኑን። እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ኣብ ስድራ ክልተ ኣሕዋት ጥራይ እንተኾይንካ፡ ኣብ ትበኣሰሉን ትኳረየሉን እዋን ኣብ መንጎኻ ጓና ዓራቃይ ኢኻ ትዕድምን ተእቱን። ኣብቲ ስድራ ሰለስተ ኣሓዋት ኣንተሊኻ ግን ዝሽምግል ጓና ኣይትደልን ኢኻ። ብኡ መጠን ምስጢርካን ጸገምካን ድማ ንደገ ኣይወጽእን ኢዩ። መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ንዘለና ፍልልያትን ጸገማትን ንምፍታሕን ንምጽባብን ልቦናን ፍልጠትን ስለዘለና፡ ናይ ግዳም ሓይሊ ወይ ሸምጋሊ ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ምቅያስን ምውሳንን ጉዳይና ካብ ኢድና ክወጽእ የብሉን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ካብ ከባቢናን ዓለምን ተነጺልና ክንነብር ስለዘይንኽእል፡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ምስ ካልኦት ወገናት ምሕዝነትን ሽርክነትን ከምዘድሊ ዘካትዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ምስ ካልኦት ሃገራትን ህዝብታትን ዝግበር ምትእስሳርን ዝምድናን፡ ብዋጋ ልኡላውነትና፡ ክብርናን መንነትናን ክኸውን የብሉን። ብገለ ኤርትራውያ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ኣብ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰል ህዝብና ግሂሱ ብኢደ ዋኒኑ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተኾይጡ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንምእላይ፡ ንኹሉ ተኽእሎታትን ዕድላትን ክንጥቀመሉ ከምዝግባእ ይኣምኑ። ሎሚ ሓደ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምውዳቕ ምስ መራሕቲ ወያነ ሽርክነት ምፍጣርን ንክልል ትግራይ ከም መቃለሲ መንጠሪ ባይታ ምጥቃምን “ቅኑዕ ድዩ ገይጋ” ዝብል’ዩ።
ኩልና ብተግባር ንዕዘቦ ከምዘለና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ “ውሽጣዊ ጸገማት ንምፍታሕን ንምርግጋእን” ብዝብል ጉልባብ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ጣልቃ ዝኣተወን ሃገራት፡ ዝያዳ ኩናትን ምፍጣጥን እምበር ዝሰፈነ ሰላም የለን። ንኣብነት፡ ጉዳይ የመን፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማል፡ ሱዳን፡ ዒራቕ ምስእንዕዘብ፡ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ስለዘሎ፡ ህጡር ዕዳጋ መሸጢ ኣጽዋር፡ መመዝመዚ ሃብትን መወዳደርቲ ጎባልል ሃገራትን መተግበሪ ጥሙሓተንን ኮይኑ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ናይዘን ንረብሓታተን ክብላ መዐንደሪ ግዳማውያን ሓይልታት ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣደዳ ሓድሕድ ኩናት፡ ስደትን ድኽነትን ኮይኑ። ብሓጺሩ ምዕዳም ግዳማዊ ሓይልታት፡ ብዘይ ጽጹይ መጽናዕቲ፡ ኣብዘይመዓልቱን መዘዙ ከይገምገምካን እንተተፈጺሙ፡ ኣብ ዘየድሊ ዓዘቅቲ ዘእቱን ዝገደደ ደምካ ዝመጽን ኩነታት ከይከውን ልዑል ጥንቃቀ የድሊ። ኣብ ፖለቲካ ዓለም ግን ዘልኣለም ፍቅሪ ወይ ዘልኣለም ጽልኢ ስለዘየለ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምቅይያር ስለዘጋጥም ምትዕጽጻፍን ንኩነታት ብዝግባእ ምግምጋምን ሃገራዊ ረብሓኻ ምሕላውን ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብ ሓደ ሓደ እዋን ድማ ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ክሳብ ዝሓልፈልካ ምስ ቀታሊ ኣዴኻ ተመሳሰል ወይ ተዓራረኽ” ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ኤርትራውያን ክሳብ ዝሓልፈልና ኢልና ምስ ቀተልቲ ኣዴታትና ክንመሳሰል ወይ ክንተዓራረኽ እንተኾይና፡ ኩሉ ዕድላትን ናይ ምግባር ዓቅምናን ተጸንቂቁ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ንኤርትራውያን ዘንዓቀናን ብኣሉታ ዘገመተናን ጉዳይ እንተኾይኑ፡ ነዚ ስድራቤታት በታቲኑ ኣደዳ ኩናት፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ማእሰርቲ፡ ድፍረት ሃገራዊ መንነትን ልኡላውነትን ክንከውን ዘቃልዓናን ዝፈረደናን ጉጅለ ህግድፍ ክንሱ፡ ኣብ ክንዲ ሰሚርና ንቀዳማይ ጸላኢና ንምክት፡ ኣብ ሓድሕድና ክንመናጨትን ኣብ ጉጅለታት ክንመቃቀልን ወርቃዊ ግዜና ነባኽን ምህላውና’ዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ድማ መስሓቅ ሸራፋትን ሕማቅና ዝምነዩን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ናትና ህዝቢ እውን ከምዝጉህን ተስፋ ከምዝቆርጽን ጌርናዮ ኢና። ብዓቢኡ ብናትና ሕመቅ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝስውድ፡ ከምዝደፍረናን ድሌቱ ከምዝገብርን ዕድል ሂብናዮ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩናትን ሳዕቤናቱን፡ ዕንወትን ህልቂትን ምዃኑ ብተግባር ስለዝተዓዘበ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ንሰላምን ምዕባለን ምስ ብሃገ’ዩ። ድሌቱ ድማ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ወይ ሃገር ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዝተሞርኮሰ ሓቢሩ ክነብር እምበር፡ ህይወቱ፡ ገንዘቡን ግዚኡን ኣብ ዘየድሊ ከባኽኖ ኣይመርጽን’ዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልኡላዊ መሬቱ ባዕዳዊ ሰራዊት ከስፍርን ግዝኣቱ መበገሲ ንኻልእ ህዝቢ ወይ ሃገር መጥቅዒ ወይ መውረሪ ከገልግል ከፍቅድ ኣይግባእን። ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእን ንጉጅለ ህግደፍ ንምእላይን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ክስራዕ ዘለዎ ዝበለጸ ምርጫ፡ ንኤርትራውያን ወዲብካን ኣንቂሕካን እምበር ባዕዳዊ ሓይሊ ምዕዳም ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍል ምግንዛብ የድሊ። ከምቲ፡ “ከልብስያ ኣብ መሬት ዘሎ ስጋ እምበር ኣብ ዝባኑ ዝወድቅ ዱላ ኣይፈልጥን’ዩ” ዝብሃል፡ ኤርትራውያን ዝኾነ ንጉዳይናን ንኽብርናን ዝሓላልኽ ጉድለት እንተፈጺምና፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸፍአ ጸላኢ ከይንዕድም ንጠንቀቅን ንውሳኔና ክልተ ግዜ ንሕሰበሉን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ሕማም መንሽሮ ኮይኑዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ እምቢታ ከስምዕ ጸኒሑ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ኣድራዕን ሕሰምን ግን ክናገፍ ኣይክኣለን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ደሙ፡ ንብረቱን ርሃጹን ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነት ጭውዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርትን ሕሰም መነባብሮን ገይሩዎ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ጉጅለ ህግደፍ መታን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰበብ ዶብ ዝወልዖ ኩናት፡ ካብ ጎረባብቱ ከምዝንጸልእን ኣብ ቀጻሊ ወጥሪ ከምዝኣቱን ገይሩዎ። ኣብዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትዕርራኽ ኣንጻር ክልል ትግራይ ዳግማይ ኩናት ንምውላዕን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ንምእታውን ዝወናወነሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ መርገጺ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንጹር ክኸውን ይግባእ። ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ሜላ ምኽታል፡ መጀመርትኡን መወዳእትኡን እንተዘይፈሊጥካዮ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ዝምድና ከምዝፈርስ ዝጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ስለዘየለ፡ ዕድል ህዝብናን ሃገናን ኣብ ድሌት ውልቀመላኺ ኢሳያስ’ዩ ዝምርኮስ። እቲ ዝዓበየ ሽግር እዚ ስለዝኾነ ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ ብኢደ ዋኒኑን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲታት ክወስድ ጸኒሑን ኣሎን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ሃገራትን መራሕትን ወጻኢ ኣብ ዘካይዶ ርክባትን ውዕላትን፡ ብዘይካ፡ “ኣብ ክልተኣውን ዘባውን ጉዳያት ተዘራሪቦም” ዝብል ኣብ ክንዲ መብርሂ ዝህብ ሕቶ ዘልዕል ድሩት መግለጺ፡ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃብ የለን። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ካብ ሓምለ 2018 ክሳብ ሕጂ ምስ ዓብዪ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዕርክነትን ፍቶትን ዝተሞርኮሰ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ’ውን፡ ንተራ ህዝቢ ኤርትራ ዘግለለ ስምምዓት’ዩ። መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ዕድመ እንተሂብዎም፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጠቅሊልካ ምግዛእ ምዃኑ ኣቀዲሞም ገሊጾም ኢዮም። እቲ ዘይወግዓዊ ኣፈኛን ልኡኽን መላኺ ኢሳያስ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ምስ ራድዮ ፋና ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ሰላም ሓይሊ ከምዝኾነን ንሰላምን ንልምዓትን ከምዝሰርሕ ዓለም ከምዝመስከረትሉን ገሊጹ። ዓርኪ ሰባር ነቃዕ ስለዝኾነን ንሕና ኤርትራውያን ብመላኺ ኢሳያስ ዝወርደና ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ጥልመትን ስለእንፈልጦን፡ ኣነዋሪ መግለጺ ዓቢዪ ኣሕመድ ብዙሕ ዘሻቅል ኣይኮነን። ዓቢዪ ኣሕመድ ካብ ብጊሓቱ ምስ ቀታሊ ሰብ ኢሳያስ ምስተማሓዘወን ምውዳስ ምስኣብዝሐን፡ ኣብ ሓዊ ዘደቅስ ስብከታቱን ሽሓጢ መግለጺታቱን ዕድመ ከምዘይብሉ ብሩህ’ዩ ነይሩ። ሕልሚ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ከምቶም ኣምባሂቆም ዝተረፉ ቀዳሞት ኣያታቱ፡ ምውናን ቀይሕ ባሕርና ኢዩ።
ኤርትራውያን ክንመውትን ኩናትን ኣይንደልን ኢና፡ እንተኾነ ብሰላም ክነብር እንተብሂግና ግን ዋጋ ክንከፍል ኣለና። ምኽፋል ዋጋ ድማ ህይወት ሰብ ምሕላፍ ኣይኮነን። የግዳስ፡ ብጉልበትና’፡ ብኽእለትና፡ ብገንዘብናን ብሞራልን ግቡእና ምብርካት’ዩ። ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያ ብቃድራ ወይ ብቃጽዖ ኣይኮናን ንዋጠጥ ዘለና። ብጉዳይ ሃገር፡ ብመንነትናን ብመጻኢ ህላወናን ኢና ንማጎትን ህይወት ንኸፍልን ዘለና። ኢትዮጵያ ከም ጎረቤት ሃገር ብምክብባርን ብሰላምን ክነብር ምርጫ ዘይኮነ ግድነት’ዩ። ብተግባር ግን ምስ ኢትዮጵያ ካብ ጎረቤትና ገዛኢትናን ኣዕናዊትናን ኮይና ኢያ ጸኒሓ። ድሕሪ ናጽነትና እውን ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍን መራሕትን ዘይናቶም ንብረት ዘቋምቱ ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ዝድለ ኣይማዕበለን።
ስለዚ ኤርትራውያን፡ መላኺ ኢሳያስ ብዛዕባ ጽቡቅን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ዝኾነ ሸውሃትን ተገዳስነትን ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹልና ስለዝኾነ፡ ድሕሪ ኢሳያስ ሃገርና ናትና ምዃናን ብዘይ ባዶሽ ስልጣን ከነማሓድራ ብቅዓት ከምዘለናን ከነረጋግጽ ኣለና። መላኺ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምእታው ጥሩምባ ኩናት የጋውሕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንገዛእ ርእሱ እናጸነተን ልኡላውነቱ ኣናተደፍረን ብድሌት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ክኣቱ ኣይደልን’ዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ትማሊ ሎሚ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ኩሉ እንወስዶ ስጉምቲ ይኹን ምርጫ፡ “ክሳብ ዝሓልፈልካ ምስ ቀታሊ ኣዴኻ ተዓራረኽ” ከይከውን ንጥንቀቕ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 1 ነሓሰ 2020
Woke up this morning turned on the Tv I see a category 1 hurricane pelting the Caribbean islands on its way to South Florida and guess the name folks- ‘Isaias’, I rubbed my eyes twice and put on my glasses to make sure I am not having visual hallucinations, sure thing I was not, even the meteorologist pronounced it right,…is this some kind of omen? that said, ((“ክሳብ ዝሓልፈልካ ምስ ቀታሊ ኣዴኻ ተዓራረኽ” ከይከውን ንጥንቀቕ።)) Tsilal, you have encapsulated the message concisely in that proverb we can all understand. Thanks again.
Hopelessness is our enemy. The balloon inflation process inside my beloved eritrea while incuorse, I only see the inevitable change soon. So, Isaias supporters should reflect. Justice seekers also refrain seeking help from entrusted Ethiopian elements. If we have to seek help lets discover options out etiopia otherwise let the hopeless do unexpected.
In other words, uncovered eye of horse and wounded lione trust is, or could be the battle of trogian
This message makes me wonder how if you are trying to hold any kind of straw or tree brunch to save your life from a raging river that caught you and is fast carrying you down stream while trying to cross it. Eritrea is in such situation. It is akin to Xlal seems to tell me watch out you better not try that brunch because it may have thorns. Man! don’t you realize we are in a deep deep s….t?