Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

መብርሂ ብዛዕባ’ቲ ዝዘሮቔ ናይ ቪዲዮ ኣኼባ ቦርድ ኤሪሳት – ካብ ናይ ጉዱሳት ዜጋታት ሽማግለ

Atv Asena by Atv Asena
6th July 2020
in News, Tigrinya-News
0
11
SHARES
1k
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

መብርሂ ብዛዕባ’ቲ ዝዘሮቔ ናይ ቪዲዮ ኣኼባ ቦርድ ኤሪሳት

ካብ ገንዘባዊ ወጻኢታት ፈነወ ሳተላይት ተለቪዥን ኤርትራዊ ተቓውሞ ዝንከየሉ መንገዲ ንምድህሳስ ዝቖመት ናይ ጉዱሳት ዜጋታት ሽማግለ

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ ገለ ጉዱሳት ኤርትራውያን ተራኺብና፡ ብጉዳይ ኣሰራርሓ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ  ናይ ሳተላይት ተለቪዥን ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ኣሰናን ኤሪሳትን ዘሎ ዝምድና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ፡ ንፈነወታተን ዝምልከት ገንዘባዊ ሸነኻት ኣልዒልና ዝርርብ ጀሚርና፡፡  ቀንዲ ናብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኢድና ክንመልስ ዝደረኸና ምኽኒያት፡ እዘን ትካላት እዚአተን፡ በየናይ መንገዲ ይእክበኦ ብዘየገድስ፡ ካብ ህዝቢ ብዝዋጻእ ገንዘባዊ ጸጋታት ዝካየዳ ብምዃነንን፡ ዘለወን ወጻኢታት ኣብ ግምት ብምእታውን ቀጻልነት ስርሒታተን ብዘይ ምቁራጽ ንምርግጋጽ፡ ሓባራዊ ክሳራታተን ንምውሓድ ዝከኣለሉ መንገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ብናይ ገዛእ ርእስና ተበግሶ ደኣ እምበር ናይ መንጎኝነት ተራ ንኽንጻወት ዝሓተተና ሸነኽ ስለ ዝነበረ፡ ወይ ውን ኣብ ምሕደራ ይኹን ኣመራርሓ ናይ’ዘን ትካላታት እዚአተን ኣእዳውና ክንመልስ ሕልና ስለ ዝነበረና ኣይኮነን።

ቀጻሊ ናይ ሳተላይት ተለቪዥን ኣገልግሎት ምቕራብ ቀሊል ስራሕ ከም ዘይኮነን፡ ወጻኢታቱ’ውን ከቢድ ምዃኑን ይርደኣና። ይኹንምበር እዘን ትካላት እዚአተን፡ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ደሞክራስን ንምስፋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝብና ንምብጻሕ፡ ዘለወን ተራ ይርደኣና። ክሕይላን ክዓብያን ዘለና እምነት’ውን ጽኑዕ ምዃኑ ከነረጋግጽ ንደሊ። ካብዚ ዕግበታት’ዚ ብምብጋስ ድማ ኢና ገንዘባዊ ወጻኢታት ብምንካይ፡ ብዝለዓለ ብቕዓት ክስረሓሉ ዝኸእል መንገዲ ንምንዳይ ምስ ዝተጠቕሳ ትካላት ርክብ ዝጀመርና።

ነብሲ ወከፍ ትካል፡ ንስርሒታዊ ንጥፈታታ ዝምልከት ወጻኢታት ኣብ ግምት ከይአተወ፡ እንተወሓደ፡ ካብ $10,000.00 ንላዕሊ ወርሓዊ ናይ ሳተላይት ኣገልግሎት ክራይ ወጻኢ ኣለዋ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን፡ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ዝዝርጋሕ እዩ። ብትዕዝብትታትና፡ ብሸነኽ ኣሰና ይኹን ኢሪሳት፡ በብውልቀን፡ ነዚ ናይ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን ፈነወ ንምስራዕ ዘኽእል ትሕዝቶን ዓቕምን ኣለወን ኣይንብልን።  በዚ ድማ፡ ኣብ ገንዘባዊ ወጻኢ ብምሽራኽ፡ ንዝህልው ናይ ፈነወ ጊዜ፡ ክልቴኡ ሸነኻት ብዝሰማምዓሉ፡ ካልኦት ማሕበራዊ ርክባት ብዝሳተፍሉ ኣገባብ ምስ ዝስራዕ፡ ገንዘባዊ ወጻኢ ምንካይ ክረጋገጽ፡ ብዝሓሸ ናይ ተቓውሞ መድያ ብምውህሃድ ክሰርሓሉ ዝኸል ኩነታትውን ከትግበር ንኽከኣል’ዩ፡ ብምባል ምስ ኣሰናን ኤሪሳትን ናይ ኢመይል ርክባት ተበግሶ ወሲድና።

 ኣብ’ቲ ብኤሪሳት ዝተዋህበና መልሲ ገለ ምጽራይን መብርህን ምትዕግጋብን ዝሓትት ነገራት ስለዝነበሮ፡ ብዝሓተትናዮ መሰረት፡ ኣብ መንጎ ገለ ኣባላት ሽማግለናን መራሕቲ ኢሪሳትን ብቪድዮ ኮነፈረንስ ርክብ ተኻይዱ። እቲ ኣብ ዝዞሮቔ ናይ ዙም ቪድዮ እኼባ ኤሪሳት ቦርድ ኣባልት፡ ንዝተጠቕሰ ኣባላት ሽማግለና ዝገበርዎ ናይ ቪድዮ ኮንፈርነስ ርክብ ድማ ነዚ ርክብ እዝን ብዓቢኡ ንዝወሰድናዮ ናይ ዝርርብ ተበግሶን  ዝምልከት እዩ ነይሩ።

ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ኣብ ኣኼባኦም ብዛዕባ ባህርያትን ናይ ቃልሲ ተኣማንነትን ናይ ኣባላት ሽማግለናን ዘልዓልዎ ዘየድልን ተራ ስነስርዓት ዝጎደሎን ዘረባታት፡ ብዝምልከት፡ ሓላፍነት ብምውሳድ ይቕሬታ ምሕታቶም ዝነኣድ እዩ፡፡  በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ብወገና ቅድሚ ኩሉ እቲ ትካል ጥዕና ዘለዎ መንገዲ ሒዙ፡ ኣገልግሎቱ ክቕጽልን ከም ዘገድሰና ነረጋግጽ። ኣስዒብና ድማ፡ ገለ ካብ ህዝቢ ክፈልጦ ኣገዳሲ እዩ ዝበልናዮ፡ ንቦርድ ኤሪሳት’ውን ተወሳኺ መብርሂ ክኸውን ዝኽእል፡ ንኣበጋግሳን ዕላማን ሽማግለና፡ ንእንታይነት ኣባላትና  ኣብ ሕቶ ዘውደቐ ጥቀናታትን  ቦርድ ኤሪሳት ቦተኡ ዝሰሓተ ምዃኑ በዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከነብርህ ንደሊ።

  • ሽማግለና ብተብግሶ ናይ ኣባላቱ ዝቖመ፡ ደኣምበር ብትካል ኣሰና ተሓቲቱ ይኹን ብዝኾነ ካልእ ካብ ኣባላት ሽማግለና ወጻኢ ዝተለዓዓለ ወይ ዝተደፈፍኤ ተበግሶ ኣይኮነን።
  • ቀንዲ ኣትኩሮ ተበግሶና ናይ ሳተላይት ተለቪዥን ኣገልግሎት ዘለዎ ወጻኢ ብምንካይ፡ ንህዝቢ ካብ ተደራራቢ ገንዘብ ምውፋይ ከስዕቦ ዝኽእል ምስልካይ ንምድሓን፡ ዝህልው ጸጋታት ብዝተወሃሃደን ብቕዓት ብዘለዎን ንምጥቃም  ንኽከኣል ምዃኑ።
  • ዝኾነ ኣብ ውሽጣዊ ኣካይዳን ምሕደራን ኣመራርሓን ናይተን ትካላት ኢድና ከነእቱ ሕልና የብልናን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ዝምልከት ይዕበ ይንኣስ ዘዘራረበ ነገር እውን ኣይነበረን።
  • ምስ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ዝተራኸቡ ኣባላት ሽማግለና ብሃገራውነቶም ይኹን፡ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ደሞክራስን ናይ ምምጻእ መርገጾምን ቃልስታቶምን ዘሕትት ዘይብሎም ዘመስከሩ እሙናት ዜጋታት እዮም።
  • ኤሪሳት ንዘጋጠመ ኩነታት ቀልጢፉ ክሰግሮን ብዝሓየለን ዝሰፍሔን ኣገልግሎቱ ክቕጽልን ዘለና ድልየትን ምንዮትን ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ነረጋግጽ።
  • ብዝተረኽበ ናይ ዝሓለፋ መዓልታት ዕንቅፋታት ከይተሰናኸልና፡ ሕጂ እውን፡ ናይ ኤሪሳት ቦርድ፡ ንቕንዕናን ኣድላይነት ዝተበገስናሉ ዕላማ ተረዲኡ በዚ ጉዳይ’ዚ ክሰርሕ ቅሩብ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ዘበገስናዮ ዕማም ንምቕጻል ቅሩባት ምዃና ከነራጋግጽ ንደሊ።

የቐንየልና።

cc: Assenna Foundation: aseye.asena@gmail.com

cc: EriSat: info@erisat.org

Previous Post

Eritrea Focus Chairman, Habte Hagos: Virtual Conference Closing Remarks – 4 July 2020

Next Post

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቴለቭዥን ትግራይን ድምጺ ወያነ ትግራይን ሎሚ ከምዝዓጸወን ተፈሊጡ።

Next Post
1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቴለቭዥን ትግራይን ድምጺ ወያነ ትግራይን ሎሚ ከምዝዓጸወን ተፈሊጡ።

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቴለቭዥን ትግራይን ድምጺ ወያነ ትግራይን ሎሚ ከምዝዓጸወን ተፈሊጡ።

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply