ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊ ትእጎድ ኣላ መን’ዩ ግን ክስሕና
ኣብ ቤትካ ሽሕ ግዜ ሰላምን ሃብትን ይሃልኻ፡ ኣብ ጎረቤትካ ህውከትን ጥሜትን እንተሎ ግን ቀሲንካ ኣይትነብርን ኢኻ። ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ብኸማኻ ሰብን ካልኦት ፍጡራትን ተኸቢብካ ክሳብ ዘለኻ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ክትጽሎ ወይ ክትጸሉ ባህርያዊ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ማእከል ብቀጻሊ ዝረስንን ዝጥመትን ቅልውላው ዝመልኦ ጆኦግራፍያዊ ኣከባቢ ስለዝተደኮነትን ብሕጊ ኣልቦ ዝገዝእን ከም ጭርናዕ ሕቆ ካልኦት ዝተኩብ ውልቀመላኺ መራሒ ስለዘለዋን፡ ህዝባ ሩፍታን ክብረትን ኣይረኸበን። ከም ውጽኢቱ፡ ህዝብና ብናቱ መጋርያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ካልኦት ሓዊ ክጥበስ ይግደድ።
ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ብጉርብትናን ብታሪኽን ዝያዳ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጥቡቅ ምትእስሳር ኣለወን፡፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመርኮሰ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ዘቀድሙ ለባማት መራሕቲ እንተልዮመን ድማ፡ ህዝበን ተጠቃሚ ጸጋታቱን መራሺ ናብ ጎደና ልምዓትን ይኸውን። ብኣንጻሩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስሱዓትን ጻሕተርቲ ኩናትን መራሕቲ እንተልዮም ድማ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝተራእየ፡ ሞትን ስደትን፡ ድኽነትን ዕንወትን፡ ድንቁርናን ጽልእን ጥራይ ኢዩ ክረክብን ክድገምን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ምትፍናንን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ካልእ ህዝቢ ግዳማዊ ምትእትታው ኣየድልን’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣቲኻ ክትዓርቅ ዕግርግር ከተህድእን ምፍታን፡ ንውልቃዊ ረብሓኻን መደልደሊ ስልጣንካን ክትብል፡ ንሓደ ክፋል ክትሓቁፍ ነቲ ካልእ ከተርሕቅ እንከለኻ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ጠባይ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴልን’ዩ።
እዚ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ገዝኡ ዘሎ ግዕዘይን ጸገማትን ከይፈትሐ፡ ተሓላቂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክመስል ንክልል ትግራይ ነጺልካ፡ ምስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ ዝካየድ ዘሎ ሸበድበድን ጣልቃ ምእታውን ድማ ነገር ጥዕና ስለዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዊ ስለዝጠብስን ኣብ ዳግማይ ደም ምፍሳስ ስለዘእቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጥንቀቀሉን ክነቅሓሉን ኣትሪሩ ክቃወሞን ኣለዎ። ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ 1998 ብሓሶት ጉዳይ ዶብን ባድመን ተሳቢቡ ዝተወልዐ ኩናትን ዝሃለቀ ህይወትን ዝስዓበ ምምዝባልን ዕንወትን ይኣኽለና። ውልቀመልኺ ኢሳያስ “ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን” ኢሉ ከብቅዕ፡ “ወያነ ክወሩናን ተቃውምቲ ብምውዳብ ክዓልዉናን ይዳለዉ ኣለዉ” ብምባል ስልጣኑ ከናውሕን ንዓቢይ ኣሕመድ ከሐጉስን ነጋሪት ኩናት የስምዕ ኣሎ። ንሕና ዝሓለፈ ቁስልና ከይሓወየን ኣብ ስደት ፋሕብትን ኢልና እንከለናን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ተሪፉ ዘሎ ህዝብና ንምህላቅን ክድፈርን ብመላኺ ኢሳያስ ዝውጠን ዘሎ ተንኮል ንጠንቀቀሉ። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ዘይምስምማዕ ንዓዓቶም ይምልከት።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተሓጽረ፡ ክሳብ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝፈጸሞ ምትእትታውን ዘጥፍኦም ኤርትራውያንን ንዘክር። እግሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝኣተወታ ሃገር፡ እሾኽ ተዘሪኡዋን ደቂ ሓንቲ ሃገር ጎጃጂላን ክትምለስ እምበር፡ ዕርቂ ወይ ሰላም ኣይተስፍንን ኢያ። ቅድሚ ሕጂ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ ዝፈጸሞ ጣልቃ ብምእታው፡ ሕብሩ እናቀያየረ፡ ነቶም ጸላእተይ ዝብሎም መንግስታትን ውድባትን ንምጉጣይ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ብምስልጣን፡ ናይ ገንዘብን ኣጽዋርን ደገፍ ብምሃብ ተቃወምቲ ጫጭሑ። ኩሎም’ቶም ጉጅለ ህግደፍ ብስም “ተቃወምቲ መንግስቲ” ዝጫጭሖም ውድባትን ጉጅለታትን፡ ሕግብግብ ኢሳያስ ንግዝያዊ ረብሓ እምበር ንነባሪ ሰላም ከምዘይኮነ ብኣጋ ስለዝተረድእዎ፡ ጠሊሞሞ ወይ ኢሳያስ ተጠቂሙ ደርብይዎም ኢዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብዓቱ ዝሕብሰሉ፡ ካብ ድኽነትን ስደትን ዘድሕኖ፡ ሰላምን ፍቅርን ዝልግሰሉ ምሕደራን መንግስትን እምበር፡ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ደም ክግብር፡ ብጥምዩ ገንዘብን ንብረትን ከባኽን ዘታልሎን ዝግድዶን ኣይደልን ኢዩ። እቶም ብጉጅለ ህግደፍ ተዓሲቦምን ናይ ጁባ ገንዘብ ተዋሂቦምን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ጽልእን ዕንወትን ዘመተን ሓሶትን ዝነዝሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ እከይ ተግባራቶም ክቁጠቡ ይግባእ። ኣብ ወጻኢ፡ ዜግነት ናይ ካልኦት ሃገራት ሒዞምን ሓገዝ መንግስቲ እናተቀበሉን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሓዊ ክጥበስን ስልጣን ኢሳያስ ክቅጽልን ምጉስጓስ ገበን’ዩ። ፍቅሪ ሃገርን ሓልዮት ህዝብን ኣለኒ ዝብል ኤርትራዊ፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ንዓመታት ዝሳቀን ዝበልን ዘሎ ወገኑ ከድሕን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ኣደዳ ጥሜትን ሕማምን ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ክምለስን መሰሉ ክሕሎን እምበር፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንብዕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊ ክኣጉድ ጅዓዮ ክብሎን ክድግፎን የብሉን።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት እመሪካ ግንቦት 10, 2020
እዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘለና’ዩ እቲ ሓቀኛ ምስልን ታሪኽን ኢትዮጵያ። ኣብዛ ናይ ውዲትን ሽርሕን ፋብሪካ ዝኾነት ሃገር ኢድካ ምእታው ወይ ዕብዳን እዩ፡ ወይ ድማ ዕሽነት እዩ።
ኣብዚ ዝቕጽል ገለ ዓመታት ምናልባት’ውን ኣዋርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ሕድሕድ ዘይተረፍ እዩ። ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ንተጋሩ ንምብርካኽ እዩ። እሞ ንሕና ከምህዝብን ሃገርን ኣብዚ ነበልባል ኣቲና ንቃጽለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ።
ክልተ፥ ሰለስተ፥ ግዜ ምሕሳብ የድሊ።