Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ፋርማጆ መማቕርቲ ፖለቲካዊ ውዲት ኢሳይያስን ኣቢይን `ምበር መላፍንቲ ዞባዊ ውህደት ኣይኮነን

Atv Asena by Atv Asena
5th October 2020
in Articles, Tigrinya
0
0
SHARES
546
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ፋርማጆ መማቕርቲ ፖለቲካዊ ውዲት ኢሳይያስን ኣቢይን `ምበር መላፍነቲ ዞባዊ ውህደት ኣይኮነን

እቲ ክሳብ 2018 ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንዕጡቕ ተቓዋሚ ኣልሸባብ ኣጽዋር እናቐበለ ምርግጋእ ሶማልያ ብምዝራጉ ዝኸሶ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኢሳይያስን ኣቢይ ኣሕመድን ብስም ሰላም ድሕሪ ምርኻቦም ውሻል ዕርቂ ኮይኑ ንተደግጋሚ ግዜ ናብ ኣስመራ ዝተመላለሶ፡ ትማሊ 4 ጥቅምቲ `ውን ኣስመራ ብምእታው ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ።

ማዕከን ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንዑደቱ ኣመልኪቱ ሎሚ ዝዘርግሖ ወረ፡ ብትሕዝቶኡ ጥራይ ዘይኮነ እንታይ ብቁጽሪ ቃላቱ ካብቲ ዝሓለፈ ተደጋጋሚ ዜናታቱ ዝተፈልየ ፍረ-ነገር የብሉን። `ነጻን ልኡላዊትን ሶማልያ ንምድንፋዕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተኸተመ ስምምዕ ንምሕያል፡ ከምኡ `ውን ብመሰረት `ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተበጽሐ ስሉሳዊ ስምምዕ ዞባዊ ውህደት ንዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክብ ንምባል` ከኣ `ዩ ዝብል።

እንተኾነ፡ እዚ ፕሮፖጋንዳ`ዚ ብኽልቲኡ ጫፋቱ መሰረት ዘይብሉ ማይ ዘየዕቁር ባዶ ኣበሃህላ እዩ።

ከምዚ ኣብ ኢትዮጵያ `ውን ኣብ ባይታ ክገብሮ እንርእዮ ዘለና፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ምስ መራሕቲ ሶማል ተዓሪቐ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ካብቲ ተጻባኢኦም ከሎ ዘውረደሎም ጸገም ዝኸፍአ ሽግር ክውስኸሎም እንተዘይኮይኑ ጥዕና ክህቦም ባህርያቱ ዘፍቅደሉ ኣይኮነን።

ቅድሚ ኹሉ፡ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘይሓለወ ከመይ ገይሩ እዩ፡ ሓላዊ ናጽነትን ልኡላውነትን ሶማል ክኸውን ዝኽእል?

ካብቲ ንሶማልያ ናብ ውድቕቲ ሃገር ዘምርሓ ምልካዊ ስርዓት ሰይድ ባረ ዝኸፍአ ምራን ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስ ሓኒቑዋ ዘሎ ኤርትራ፡ መሳወሪ ኣእዳው ኢሳይያስ ተወሲኹዎ ዝተባልሐ፡ ኣብ ታሪኻ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቀላጽሙ ዝፈለየ ዓሌታዊ ምትፍናን ኣብ ዓንቀር ምብትታን ኣብጺሑዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ እታ ጅሆ ናይዘን ንባዕለን ዘይቀርዓያ ኣብ ደልሃመት ምልክን ዓሌታዊ ምትፍናንን ተሸኺለን ዘለዋ ሃገራት ኮይና ገና ርጉእ መንግስቲ ከተጣይስ ዘይከኣለት፡ በንጻሩ ምስ ምስ ውድቀት ምንባር ዝተለማመደቶ ሶማልያ፡ ኮታስ፡ እዘን ኣዕኑድ ገዝአን ዘየደልደላ ሰለስተ ሃገራት ከ ከመይ ኢለን እየን ኣዕኑድ ዞባዊ-ውህደት ክኾና?

እዚ ናይ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሃጠውቀጠው ዓሰርተ ግዜ ገላቢጥካ እንተተመልከትካዮ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኮማ ኣትዩ ክንሱ `ይሰርሕ ኣለኹ` ንምባል ዘዘውትሮ ዘሎ ጋዜጣዊ መናውራ ደኣምበር ብሓቂ ጣቋ ዘለዎ ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይኮነን።

እዚ ፕሮፖጋንዳ `ዚ፡ ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ እሱር ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕለታዊ ህይወቱ ምምራሕ ስኢኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸፈጥ ምዃኑ ርዱእ እዩ።  

ብወገን ዞባዊ ፖለቲካ እንተተራእየ `ውን፡ መራሕቲ ጎረባብቲ ኤርትራ ብረበሻን እኩይነትን ኢሳይያስ ስለዝሰክሑ፡ ከምቲ ካብ ቆየቓ ክገላግል ንረባሺ ተማሃራይ ሞኒተር ገይሩ ብሰላም ኣስተምህሮኡ ክቕጽል ዝፍትን ተጣባቢ መምህር፡ ይዕገስ ደኾን ኢሎም ገጽ ክህቡዎ ዝርኣዩ ኳ እንተኾኑ፡ ኢሳይያስ ኩሉ ግዜ ኢሳይያስ ስለዝኾነ ፍታሕ ኣይኮኖምን። ካብ ሞኒተር ሓሊፉ መምህር ክኸውን ክመጣጠር ይፍሕንጭሮም ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 29 ዓመታት፡ በታ ቀንዲ ደጋፊት ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረት ሱዳን ጀሚሩ፡ እንተረሓቓኦ ብቐጥታ ኮነ ብውክልና ኲናት ክውልዓለን፡ እንተቐረባኦ ድማ ከምዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ከም ቁንጪ ክበልዐን እዩ ተራእዩ። ኩሉ ወዮ ኸኣ ኮይኑዎም ኣሎ። ካብኡ ናብኡ እታ ዝኣመነት ኣሚና ኣብዚ ብዓል ኣቢይ ኣሕመድ ዓይኖም ተዓሚቶም `ኢሱ ሰላማዊ `ዩ` ኢሎም ዝሕስዉሉ ዘለዉ እዋን ገጽ ዝኸልኣቶ ጅቡቲ እያ ተዛማዲ ሰላም ረኺባ ዘላ።

ኣብ ርእሲ ባዕላዊ ኩነታት ናይዘን ሃገራት ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዞባ`ዚ ምርግጋእ ተሳኢኑሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበቖለ ቀርኒ ብምዃኑ እዩ። ኢሳይያስ እንከሎ፡ ኣብዚ ዞባ `ዚ ውሽጣዊ ቅሳነት ኮነ ዞባዊ ውህደት ክረጋገጽ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ቀትሪ እዩ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ፋርማጆ ናብ ኣስመራ ምምጽኡ እምብኣር፡ እቲ እኩይ ምኽሪ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ሰሚዑ ብምኽንያት ኮረና ዕለተ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘሰጋገረ ኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ስልጣኑ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘብቅዓሉ ዕለት ስለዝኣኸለ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ እቶም ፈደራላዊ ምሕደራ ከይሞልቆም ኣብ ሓለዋ ዘለዉ ክፋላት፡ ነቲ ኩነታት ብጥብቂ ኣብ ዝቋመቱሉ ዘለዉ ናይ ወጥሪ እዋን፡ ነቲ ብተግባር ዋላ ሓንቲ ኣሰር ዘይብሉ ዞባዊ ውህደት ጠቒስካ ነቲ ብኣካል ዘይተረኽበ መንግስቲ ኣቢይ ከም ኣጀንዳ ኣልዒልካ ኣብዚ ሕጋውነቱ ዘጥፍኣሉ እዋን ሕጋዊ መልክዕ ንምሃቡ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ናይ ኢሳይያስ መናውራ መመላእታ እዩ። ብቐንዱ ምስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከም ምቕያር ባጤራ ኢትዮጵያ፡ ምውራውር ሮኬት፡ ሎሚ ድማ ምኽልካል በረራ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ሰማያት ህዳሰ ግድብ ዝመስሉ ዓበይቲ ዝመስሉ ትእምርታዊ ስጉምታት ብምውሳድ ዕለተ ምርጫ ብዘየገድስ ስልጣን ከምዘለዎ ንምርኣይ ዝገብሮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ተኣሳሲሩ ዝርአ እዩ።

እምብኣር ምስኪናይ ፋርማጆ ብቐደሙ መላፍንቲ ዞባዊ ውሕደት ዘይኮነ ከምቲ ናይ ብሓቂ ፋርማጆ መማቕርቲ ፖለቲካዊ ሽርሒ ኢሳይያስን ኣብይን እዩ። ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ዝተዓረቐሉ እዋን፡ ክልቲኦም ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ውዲቶም ብዞባዊ ውህደት ዝብል ሓረግ ንምኽዋል ኣብ ዝኣለሙዎ ውጥን ፈትዩ ጸሊኡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ምትዕራቕ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ሕጂ `ውን ኢሳይያስ ንርእሱ ካብ ዜበታዊ ውራይ ሓሊፉ ዞባዊ ዕማማት የሳልጥ ከምዘሎ፡ መሓዝኡ ኣብይ ኣሕመድ `ውን ስልጣኑ ደም ከምዘለዎ ንምርኣይ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ድራማ ክዋሳእ ብኢሳይያስ ተጸዊዑ እንተመጽአ ኣይተሓዞን እዩ።

ካብ ውዲትን ሽርሕን ሓሊፉ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥዕና ዘለዎ ናይ ሰላምን ልምዓትን ውህደትን ዘቤታዊ ይኹን ዞባዊ ኣጀንዳ የብሉን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀርና ኣብ ክንዲ እትዋግኣሉ ግራታ ክትሓርሰሉ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጫለድኡን ካብ ርእሳ ክወርዱ፡ ክሳናበቱዋ ጥራይ እዩ ዘለዎም ዘለዎም።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

Previous Post

ATV: መብርሂ ብዛዕባ ምስረታ ቢተወደድ ኣብርሃ ፋውንዴሽን – ብተኽለ ተመስገን፡ ኤደን መንግስትኣብ – Biteweded Abrha Foundation

Next Post

Biteweded Abrha: 29 years in prison – Oct 06 1991 – Oct 06 2020

Next Post
Biteweded Abrha: 29 years in prison – Oct 06 1991 – Oct 06 2020

Biteweded Abrha: 29 years in prison - Oct 06 1991 - Oct 06 2020

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply