ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ባጤራ ኢትዮጵያ ብሓድሽ ገንዘብ ክቕይሮ ምዃኑ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ 14 መስከረም ኣብ ገጻት ትዊተሩ ብስእሊ ናይቲ ሓድሽ ባጤራ ኣሰንዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ምሰርሕ ምቕያር ሓድሽ ምስሊ ባጤራ 10, 50 100 ብር ዘጠቓለለ ክኸውን ከሎ፡ 200 ብር `ውን ንመጀመርያ ግዜ ኣተኣታትዩ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ገንዘብ ኢትዮጵያ ካብ ትምየና ንምቊጽጻር ዘኽእል ብልሓታት ዘለዎ ምዃኑ `ውን የገንዝብ።
ኣቢይ ኣሕመድ ገንዘብ ዝቕየረሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ምወላ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳትን ብልሽውናን ንምቊጽጻር ምዃኑ `ዩ ይገልጽ።
ይኹን`ምበር፡ ኣብ ጽባሕ ናይቲ `ዘይሕጋዊ እዩ` ክብል ዝኾነኖ ክልላዊ ምርጫ ትግራይ ነዚ ገንዘብ ናይ ምቕያር ስጉምቲ ምውሳዱ፡ ከምቲ ክግመቶ ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ትግራይ ብቑጠባ ሓኒቕካ ንምቕጽዑን ንምምብርካኹን፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ተተሓሒዙዎ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ዕንቅፋታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመት።
1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንምርጫ ኢትዮጵያ ኣሰጋጊሩ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ከይካየድ ንዘሕለፎ ትእዛዝን መጠንቀቕታን ብምንጻግ ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ምርጫ ምክያዱ ንተሰማዕነቱ ኣብ ኢትዮጵያን ዓለምን ዓቢ ጽፍዒት ከምምዃኑ መጠን፡ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ሕጋውነቱ ከረጋግጽ ይፍትን ከምዘሎ `ውን ተዓዘብቲ የመልክቱ።
እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብቶም ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ጥርዚ ምትፍናን ኣብጺሖሞም ዘለዉ ቀንዲ ጉዳያት ምርጫን መሰል ርእሰ ውሳኔ ዘፍቅድ ዓንቀጽ ኢትዮጵያን ንኣቢይ ኣሕመድ ኣሉታዊ ምኽርን ምትብባዕን ዝሃበ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ መንገዲ ንባጤራ ኤርትራ ቀይሩ ብምቊጽጻር ንብዙሓት ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ከምዘኽሰረ ይፍለጥ።
እዚ ኣቢይ ኣሕመድ ወሲዱዎ ዘሎ ገንዘብ ናይ ምቕያር ስጉምቲ ብመንጽር እዚ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ዘለዎ ሳዕቤን ኣብዚ ሓጺር እዋናት ዝርአ ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ምትፍናንን ፖለቲካዊ ወጥርን መሊሱ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከምጽሖ ከምዝኽእል ይእመት።
Changing bank note is not a solution but changing dictatorship for sake of peace and development must be. Dr Abi is following the brutal way of system of iseyas of Eritrea. I wonder if Abi is declaring economic war against tigray? I don’t think so. Hi is only giving way to Oromo’s self determination. Poor Amhara soon to be wake up. Abi is real Satan .thanks to devil Isayas !
Hey Danilo,
Most people do not get this baby Dr.’s plan. He antagonize Tigray to be independent then the Ormoya can declare by claiming the same.
Who will lose? Well, the Amhara.
Absolutely right Simon G. Besides, welcome back brother.
Humble Comment, 16 Sept 2020
Ah! It is so good to have freedom of expression . Now, If I may indulge in a subject matter beyond me, I would say changing the currency will always affect those who have a lot of it stashed.
The situation is simple. Those who stashed their money are given a time period to unload themselves. But, here is the catch. Acceptance of the old money is the process under the MASTER of the new currency. In that equation, “well known groups” will be hurt deliberately but legally. It is a WAR without bullets but DEADLY never the less. Voila! Mission Accomplished, without the sound of a bullet. .