Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ጻውዒት ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

Atv Asena by Atv Asena
31st July 2020
in News, Tigrinya-News
0
0
SHARES
980
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

 ጻውዒት ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንዕለት 06 ነሓሰ 2020 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 01:00 ድ.ቀ. – 04:00 ድ.ቀ. ኣብ ከተማ ሎንዶን ኣፍደገ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ መዲብና ኣሎና።

ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ ህዝብና ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ምንቅስቓሳቱ ተዓጽዩ ብዘይ እኹል ቀረብ ማይን መግንብ ኣብ ዓብይ ሓደጋ ይርከብ ኣሎ። እዚ ብቐደሙውን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይነበሮ ምልካዊ ስርዓት ንህዝብና ከጽንት ዝተፈላለየ ሜላታት ክጥቀም  እዃ  ኣንተ ጸንሔ እንሆ ሕጂ ግን ምቹእ ኣጋጣሚ ረኺቡ ብሽም ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ  ህዝብና ምንቅስቓሳቱ ብምርጋጥ ኣብ ሓደጋ ጥምየት የእትይዎ ይርከብ፣ ንሕና ካብ ሃገር ወጻኢ ዘሎና ኤርትራውያን ንማሕበረሰብ ዓለም ከነእውየሉን፣ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘለና ተገዳስነት ብምርኣይ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ተስፋን ጸግዕን ክንኮኖ ግቡእናን ሓላፍነትናን እዩ።

ብተወሳኺ ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ከምዝበሃል ህዝብና ዘለዎ ሽግር ከይኣኽሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብዶብ ኣሳቢቡ ዘየለ ምኽንያት ፈጢሩ ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት የሕዋትና ኣብ ዳግማይ ዂናት ንኽጠብስ፡ ምስቶም ቃንዛና ዘይስምዖም ህዝብና ኣጽኒቶም መሬትናን ባሕርናን ደልዮም ንመዋእል ዘድመዩና ተሻሪኹ መጋርያ ዂናት ክኣጉደልና ይሸባሸብ ኣሎ፡ ስለዝኾነ ኸኣ ነዚ ንጥፍኣትና ዝህረም ዘሎ ነጋሪት ኲናት ደው ከነብሎ ድምጽና ከነስምዕ፡ እምቢ ንዂናት እወ ንሰላም ክንብል እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ ኣለና። ኣፍንጫ ተሃሪማ ዓይኒ ትነብዕ ስለዝኾነ፡ ቃንዛ ህዝብና ቃንዛና መድመይቲ ህዝብና መድመይትና እዩ እሞ፡ ብእንታይ ገደሸኒ ሃገራዊ ግቡእና ከይንዝንግዕ ሓደራ ሓደራ ሓደራ ንብል።

ኣብዚ ህዝብና ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ ብጥሜት ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን ኲናት ምውላዕ ንህዝብና ኮነ ንጎረባብትና ከምዘየርብሕ ተገንዚብና ነቲ ኲናት ዝጽሕትር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብሓደ ድምጺ ክንኩንን ደጊምና ንጽውዕ።

ስለዚ ክቡራት ኤሪትራውያንን ፈተውቲ ኤሪትራውያንን ነዚ ክልተ ዓበይኢ ዕላማታት ዘለዎ ሰለማዊ ሰልፊ ዕዉት ክኸውን ናይ ኩላትና ኣበርክቶ ስለዝሓትት፡ ኣብ ትላፋርጓር ስኰር (Trafalgar square) ተራኺብና ብሰልፊ ናብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት Foreign office, King Charles Street, London SW1 A 2AH ብሰልፊ ክንከይድ ልክዕ ስዓት 01:00 ድ.ቀ.  ኣብ መበገሲ ቦታ ክንራኸብ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ኣብ ካልእ ሃገራት ትነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ነዚ ኣጨናቒ ኩነታት ህዝብና ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዝምልከቶም ኣላካት ድምጽኹም ከተስምዑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

ኣኽበርትኹም፥

ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን

Previous Post

ጸገምና፡ ኣተሓሳስባና!

Next Post

A heart breaking letter from a concerned Eritrean brother

Next Post
A heart breaking letter from a concerned Eritrean brother

A heart breaking letter from a concerned Eritrean brother

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply