Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ጌጋታት ተፈጺሙ – ግን ብኣይ ኣይኰነን

Atv Asena by Atv Asena
3rd February 2021
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
806
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ጌጋታት ተፈጺሙ – ግን ብኣይ ኣይኰነን

ናይ መጀመርያ ጌጋ ደቂሰብ ብኣዳምን ሄዋንን ከም ዝተፈጸመ፡ ምስኡ ድማ ጌጋኻ ዘይምቕባልን ንካልኦት ምውቃስን ካብ ሽዑ ከም ዝጀመረ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ይምህሩና። ሄዋን ነታ ክልክልቲ ፍረ ምስ በልዐት፡ ተመን’ዩ ኣስሒቱኒ ክትብል ከላ፡ ኣዳም ከኣ ብወገኑ ሄዋን’ያ ኣጋግያትኒ ብምባል ክልቲኦም ካብ ተሓታትነት ነብሶም ሓራ ከውጽኡ መመኽነይታ ኣቕሪቦም። ኣብ’ዚ ክዝከር ዝግበኦ ሄዋን ነቲ ዘጋገያ ተመን፡ ኣዳም ከኣ ንሄዋን እምቢታ ክህቡ ምኸኣሉ ነይሮም፡ ጌጋኦም ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ ግና በብወገኖም ንካልኦት ምውቃስ መሪጾም። እምበኣር ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝወረስናዮ ጌጋ ምግባርን ጌጋኻ ዘይምቕባልን፡ ክሳብ ሎሚ ዝተደራረበ ጸገም ኰይኑና ንጌጋና ዘይንርኢ ዕዉራት ኰንና ንርከብ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ድማ ጌጋኻ ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን፡ ንብዙሕ ሰብ ከቢድን ዘይወሓጠሉን ስለ ዝዀነ፡ ንጌጋ ብጌጋ ክሽፍኑ ኣብ ሓሸውየን ዕንኪላሎን ይነብሩ። ገለ ሰባት’ኮ ካልኦት ጥራይ’ዮም ጌጋ ዝገብሩ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ካብ ዝብል እምነት ከይሓፈሩ ዋላ ትንፈር እምበር ማንቲለ ኢያ ዝብሉ፡ጌጋኦም ዘይቅበሉ ኣለዉ። ካብ’ዚ ንቀስሞ ትምህርቲ፡ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ኣብ ሂወት ደቂሰብ ጌጋ ምግባር ዘይኰነስ፡ ካብ ጌጋና ዘይምምሃር’ዩ።

ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝጀመረ ደቂ ሰብ ኩሉ ጊዜ ጌጋ ከም ንገብርን፡ ፍጹማት ከም ዘይኰንናን ዘነጽር፡ ሰብ ኰይኑ ዘይእብስ፡ ዕንጨይቲ ኰይኑ ዘይጠይስ የልቦን፡ ጌጋ መናብርትና’ዩ፡ ዘይጋገ ሰብ የለን ዝብሉ ኣዘራርባ ኣለዉና። ብኣንጻሩ ግና መጽናዕትታት ስነኣእምሮ ከም ዝሕብሮ 80 ሚእታዊት ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ኣነ’የ ቅኑዕ፡ ንፉዕ ለባም ወዘተ ዝብል ዝተጋነነ ግጉይ ኣረኣእያ ኣለዎም። ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ድማ ይትረፍ ተጋግየ ክብሉን ይቕረታ ክሓትቱን፡ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይረኣኻስ፡ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ በሰር ኣይትርአ ዝብል ምስላ ረሲዖም፡ ንጌጋኦም ኣነኣኢሶም ናይ ካልኦት ግና ዚያዳ ኣጉሊሖም፡ ኣነ ኣይጋገን’የ ክብሉ ንነብሶም የታልሉ። ጌጋ መናብርትና’ዩ፡ ካብ ጌጋና ዘይምምሃር ግና ገበን’ዩ ከም ዝበሃል፡ ጌጋና ኣብ ምቕባል እነርእዮ ባህሪያት እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ስለ ዘነጽር፡ ኣብ ክንዲ ጌጋና ምሽፋንን ነብሰ-ምጽብባቕን፡ ተጋግየ ይቕረታ ምባል ጥዑይ ባህሪያትን ልቦናን ከም ዘሎና የመስክር። ብኣንጻሩ ጌጋና ዘይምቕባል ግና ንሂወትና ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እንዳደጋገምና ንክንነብር ንፈርዳ።

ጌጋኻ ዘይምቕባልን ካብ ጌጋኻ ዘይምምሃርን ዋላ ብመራሕቲ ሃገር ከይተረፈ’ውን ክፍጸም ንርኢ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሃገርና ምስ እነተኲር፡ ካብ ብብዙሑ ብውሑዱ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ብቀጻሊ ናብ ፈቐዶ ስደት ሃጽ ክብሉ፡ ህዝብና እንዳበረሰ፡ መራሒ ህግደፍ ግና ኣብ’ዚ ሃገር ጸገም ካብ ዝዀኑና ይኺዱ ይጥፍኡልና ክብል ምስማዕና የገርም። ዋሕዚ ስደት፡ ድምር-ውህሉል ናይ ምልካዊ ምሕደራን፡ ሕሰም ናብራን፡ ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ምቕባልን፡ ጌጋታት ምእራምን ድማ፡ ከም ሕመቕ ናይቶም መንእሰያትን፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝግበር ስሕበትን ከም ዝዀነ ኣምሲሉ እቲ ጌጋ ንካሎት የላግበሎም።

ነቲ ጌጋ ተገይሩ ግን ብኣይ ኣይኰነን፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ብመንጽር ሕሉፍን ህሉውን ፖለቲካ ሃገርና ምስ እንግምግሞ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት፡ ኣሉ ቀጣን እንዳበለ፡ ምስ ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ወጊኑ፡ ኣንጻር ሓው ህዝቢ ትግራይ ተላዒሉ፡ ሕጂ’ውን መንእሰይ ሃገርና ብቀጻሊ ኲናት ከም ዝጸንት ይገብር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ተግባር እቲ ስርዓት ጌጋኡ ዘይቅበልን፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ዘይመሃርን ደረቐኛ ምዃኑ የረጋግጽ። ንድሕሪት ምልስ እንተ ኢልና ከኣ፡ መራሕቲ ውድባት ናተይ መደብ ጥራይ’ዩ ቅኑዕ፡ ካብ ዝብል ትምክሕቲን ሓባል ጠመተን፡ ኣብ ክንዲ ብሓባር ዘድምዕሉ መንገዲ ዝጐዓዙ፡ ናብ ዘየድሊ ወጥሪን ምፍልላይን ይኣትዉ። ነዚ ብጭቡጥ ንምብራህ፡ ሓደ ካብ’ቲ ትራጀዲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ታሪኽና፡ ህዝባዊ ግንባርን ጀብሃን ናተይ ውድብ’ዩ ቅኑዕ፡ ናተይ’ባ ክበሃሃላ፡ እታ ሓንቲ ውድብ ንጌጋታታ ዘይትርኢ ዕውርቲ ኰይና፡ እታ ካልእ እትገብሮ ጌጋ ግና ብምግናን፡ ናይ ንሕናን-ንሶምን እኩይ ፕሮፓጋንዳን ምፍልላይን ዓብሊሉ ንፖለቲካ ሃገርና ሰሚምዎ። በዚ ድማ ንሓደ ዕላማ ዝተሰለፋ ውድባት፡ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር፡ ኣብ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት ኣትየን፡ ዘይርሳዕ ስምብራት ገዲፈናልና።

ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ ስርዓት ህግደፍ፡ ወያነ ወሪሮምና ጐቢጦምና ብዝብል፡ ጥሩምባ ወቒዑ ኲናት ባድመ ወሊዑ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣህሊቑ። ሳዕቤናትን ተሓታትነትን ናይ’ቲ ኲናት ይገምገም ንዝበሉ ሓርበኛታት ድማ፡ ከዲዖም ተምበርኺኾም ብዝብል ተደራራቢ ጌጋ ንብጾቱ  ብጸለመ ኣብ ማሕዩር ምድጓኑ፡ ነቲ ጌጋኻ ዘይምቕባል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሕዎ። ስለ’ዚ ኣብ ሃገርና ንምንታ’ዩ ጩራ ምዕባለ ወይ ለውጢ ዘይርአ? ኢልና ኣይንገረም፡ ምኽንያቱ ጌጋኡ ዘይቅበልን፡ ካብ ጌጋኡ ዘይመሃርን መንግስቲ ይዂን፡ ውድብ፡ ውልቀ-ሰብ ወይ ማሕበረሰብ ኣብ ዕንኪላሎ ዑደት ኢዩ ዝነበር።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓመጽን ምልኪን ንምእላይ ንሓደ ዕላማ ኣብ ክንዲ ንዓስል፡ ግንባር ደጋፊን ተቓዋሚን እንዳበልና፡ ናይ ቃላት ውግእ ከነካይድ ጊዜ ክሓልፈና ባቡር ክትገድፈና ክሳብ መኣስ’ዩ? እቲ ብቀጻሊ ንርእዮ ዘሎና ምፍንጫልን ምጭጫሕን ናይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ገለ ካብ’ቲ ጠንቅታት፡ ጠርናፊ ሓሳባት ዘይምቕባልን፡ናተይ መደብ’ዩ ቅኑዕ፡ናተይ’ባ ካብ ዝብል ኣነነትን ጌጋኻ ዘይምቕባልን’ዩ። ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ኩሉ ምብትታን ድማ ጌጋታት ተፈጺሙ፡ ግና ብኣይ ኣይኰነን ካብ ዝብል ኣረዳድኣ፡ እቲ ጌጋ ኩሉ ጊዜ ብካልኦት ጥራይ ከም ዝፍጸም ኣምሲልካ፡ ንነብስኻ ንጹህ ከም ጲላጦስ ጌርካ ምውሳድ’ዩ። እቲ መንግስቲ ብዓቢኡ ከኣ ጌጋ ኣይገብርን’የ በሃሊን ጌጋኡ ዘይቅበልን ኰይኑ፡ ዘይናቱ ምስሊ ለቢሱ፡ ህዝቢ ጥራይ ከም ዝጋገ ኣምሲሉ፡ ኲናትን ስደትን ከም ናቱ ዕዮ ገዛ ገይሩ ክወስዶ ይርአ።

ብካልእ መዳይ ነቲ ጌጋ ተገይሩ ግን ብኣይ ኣይኰነን ዝብል፡ ምስ ባህላዊን ማሕበራዊን ኩነታት ሃገርና ኣዛሚድና፡ ኣብ ናይ ዳያስፖራ ህዝብና ዘሎ ርክብ ከመይ ይመስል? ኢልና እንተሓቲትና፡ ዘሰክፍን ካብ ሕብረተሰብና ዘይንጽበዮን ምዃኑ ንዕዘብ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናተይ ሓሳባት’ዩ ቅኑዕ፡ ናተይ’ባ ካብ ዝብል ጸቢብ ኣረዳድኣን ጌጋኻ ዘይምቕባልን፡ ብናይ ቃላት ውግእ ምጽላምን ምጽራፍን  ክዝውተር ምርኣይን  ምስማዕን ንኩልና ዘሕፍር’ዩ። እዚ ድማ ኣነ ጌጋ የብለይን ኣብ ክንዲ ምባል፡ ተጋግየ ኢልካ ይቕረታ ምሕታት እንተዝምዕብል፡ እቲ ሕጂ ዝርአ ጫውጫውታ ናብ ሃናጺን መሃሪን ክትዕን ዘተን ምማዕበለ፡ ኩሉና ድማ ምተማሃርናሉ።

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውጽእ ኢልና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብና ምስ እንምልከት’ውን ኣብ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ንሱ ተጋግዩ፡ ንሳ’ባ ብዝብል፡ ጌጋ ብካልእ ሰብ ጥራይ ከም ዝፍጸም፡ ንጌጋኻ ኣነኣኢስካ ናይ ካልእ ጌጋ ግን ኣግዚፍካ ብምርኣይ፡ ጸገማት ሓዳርን ፍትሕን ንሱ ዘምጸኦ ሳዕቤናትን ይስዕርር ኣሎ። ጠንቂ ፍትሕ’ኳ ብዙሕ እንተዀነ፡ ኣነ’የ ተጋግየ ኢልካ፡ ይቕረታ ምሕታት ከም ድኽመት ወይ ስዕረት ስለ ዝቚጸር፡ ሰኣን ጥዑም ቃላት ሓዳር ይብተን፡ ስድራ ድማ ኣብ ዘየድሊ ጣዕሳን ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ወጥሪን ክትወድቕ ትኽእል። ኣነ ጌጋ ኣይገብርን’የ ካብ ዝብል ፈጠራ፡ ንነብስና ሓራ እንዳውጻእና፡ ፍቕሪን ቅሳነትን ዘለዎ ሂወት ክንነብር ዘበት’ዩ። ከመይሲ እቲ ዝዘራእናዮ ኢና ንዓጽድ።

ጌጋኻ ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ብጽሞና እንተተመልኪትና፡ ኣነ’የ ቅኑዕ ኣነ’ባ ክንበሃሃል ኣብ ዕግርግር ንኣቱ ስለምንታይ ኢና? ክልተ ወይ ሰለስተ ሓቂ ኣሎ ድዩ? እቲ ጌጋና ዘይምቕባልከ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወትና እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ክንድህስስን መልሲ ክንረኽበሎምን የድሊ። ንምዃኑ ጌጋኻ ምቕባል ናይ ድኽመት ምልክት ዲዩ? ብዙሓት ሰባት ተጋግየ ምባል ወይ ጌጋኻ ምቕባል ምልክት ስዕረት ወይ ድኽመት ዝመስሎምን ኣለዉ። እንተዀነ ብኣንጻሩ ጌጋኻ ምቕባል ናይ ተባዕን ልቦናን ባህርያት ዘብርህ ኰይኑ፡ ዘይምርድዳእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከይበጽሐ፡ ፍታሕ ከም ዝርከቦን፡ ክንመሃረሉን መለበሚ ክዀነናን ድማ ይሕግዘና።       

እምበኣር ጌጋ መናብርትና’ኳ እንተዀነ ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ነብስና-ነብሲ’ማትና፡ ተጋግየ ምባል ግና ኣዚዩ ይኸብደና። ጌጋ ምስ ገበርና ኣይትሓዘለይ ተጋግየ ምባል ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንተነዘውተርከ ሂወትና ክንደይ ኮን ምጸበቐ! ካብ ኣነ’የ ቅኑዕ፡ ኣነ’ባ፡ ዝብል ረታዒን ተረታዒን ዘይብሉ ምጉት፡ ናብ ተጋግየ ምባልን ይቕረታ ምሕታትን እንተማዕቢልና፡ ብምርድዳእን ምምህሃርን ናብ’ቲ ንደልዮ ዕላማ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና። መለበሚ ኣይግበርካ፡ መለበሚን ኣይኽኣእካ ከም ዘብሃል፡ ለባም ኰይኑ ዝፍጠር ሰብ’ኮ የለን፡ እቲ ለባም ዝበሃል ካብ ጌጋኡን ካብ ናይ ካልኦት ኣብነትን ዝምሃር’ዩ። ኣነ’የ ቅኑዕ ብዝብል ፈጠራ፡ ኣተሓሳስባናን ርክብናን ከይንዘራርግ፡ ጌጋና ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን፡ ከም ዕለታዊ ቫይታሚን ብምውሳድ፡ ሓቂን ፍትሒን ሕድገትን ሒዝና ብምርድዳእን ስኒትን ንልቦና ንድለያ። ጌጋና ንዝሕብሩና ሰባት፡ ካብ ጌጋና ክንእረምን ክንመሃርን ብልቦና ክንህነጽን ስለ ዝሕግዙና፡ ብምስጋናን ኣኽብሮትን ምቕባል መጀመርያ ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ’ዩ። ጌጋና ኣብ ክንዲ ምቕባልን፡ ካብ ጌጋና ምምሃርን፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ መመኽነይታን፡ ጌጋታት ተፈጺሙ ግን ብኣይ ኣይኰነን ዝብል ምውርዛይን፡ ብዝቀልጠፈ መዋጽኦ ንርከብ። 

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ስዉኣትና ንዘለኣለም ይኽበሩን ይዘከሩን!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።

Previous Post

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሬት ክህቦን ክኸልኦን ሓላፍነት የብሉን

Next Post

ካልኣይ ዙርያ ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል – ን ጽባሕ 4 ለካቲት

Next Post
ካልኣይ ዙርያ ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል – ን ጽባሕ 4 ለካቲት

ካልኣይ ዙርያ ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል - ን ጽባሕ 4 ለካቲት

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

‘በዚ ድማ ንሓደ ዕላማ ዝተሰለፋ ውድባት፡ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር፡ ኣብ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት ኣትየን፡ ዘይርሳዕ ስምብራት ገዲፈናልና።’>>> who are ‘we’? how about those tens of thousands of innocent lives who perished there? who are they? people who cracked the whip and left the scar on ‘we’? who’s accountable for that lost humanity?.. as you asserted dear dr. who continued the pattern of annihilation to this day whether as wudib or individual? I wish I could sooth myself thinking it is just a curse that was handed down from Adam and Eve, however, I depict the Eritrean case as a stroke patient who have a hemi neglect of one side and trying to perform the task of neurologically intact person. We have to tell the story in its entirety, from all sides, from alpha to omega and include ourselves in the story…because we are the story, otherwise we will continue dragging one side of our body to destination unknown.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply