ጌጋታት ተፈጺሙ – ግን ብኣይ ኣይኰነን
ናይ መጀመርያ ጌጋ ደቂሰብ ብኣዳምን ሄዋንን ከም ዝተፈጸመ፡ ምስኡ ድማ ጌጋኻ ዘይምቕባልን ንካልኦት ምውቃስን ካብ ሽዑ ከም ዝጀመረ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ይምህሩና። ሄዋን ነታ ክልክልቲ ፍረ ምስ በልዐት፡ ተመን’ዩ ኣስሒቱኒ ክትብል ከላ፡ ኣዳም ከኣ ብወገኑ ሄዋን’ያ ኣጋግያትኒ ብምባል ክልቲኦም ካብ ተሓታትነት ነብሶም ሓራ ከውጽኡ መመኽነይታ ኣቕሪቦም። ኣብ’ዚ ክዝከር ዝግበኦ ሄዋን ነቲ ዘጋገያ ተመን፡ ኣዳም ከኣ ንሄዋን እምቢታ ክህቡ ምኸኣሉ ነይሮም፡ ጌጋኦም ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ ግና በብወገኖም ንካልኦት ምውቃስ መሪጾም። እምበኣር ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝወረስናዮ ጌጋ ምግባርን ጌጋኻ ዘይምቕባልን፡ ክሳብ ሎሚ ዝተደራረበ ጸገም ኰይኑና ንጌጋና ዘይንርኢ ዕዉራት ኰንና ንርከብ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ድማ ጌጋኻ ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን፡ ንብዙሕ ሰብ ከቢድን ዘይወሓጠሉን ስለ ዝዀነ፡ ንጌጋ ብጌጋ ክሽፍኑ ኣብ ሓሸውየን ዕንኪላሎን ይነብሩ። ገለ ሰባት’ኮ ካልኦት ጥራይ’ዮም ጌጋ ዝገብሩ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ካብ ዝብል እምነት ከይሓፈሩ ዋላ ትንፈር እምበር ማንቲለ ኢያ ዝብሉ፡ጌጋኦም ዘይቅበሉ ኣለዉ። ካብ’ዚ ንቀስሞ ትምህርቲ፡ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ኣብ ሂወት ደቂሰብ ጌጋ ምግባር ዘይኰነስ፡ ካብ ጌጋና ዘይምምሃር’ዩ።
ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝጀመረ ደቂ ሰብ ኩሉ ጊዜ ጌጋ ከም ንገብርን፡ ፍጹማት ከም ዘይኰንናን ዘነጽር፡ ሰብ ኰይኑ ዘይእብስ፡ ዕንጨይቲ ኰይኑ ዘይጠይስ የልቦን፡ ጌጋ መናብርትና’ዩ፡ ዘይጋገ ሰብ የለን ዝብሉ ኣዘራርባ ኣለዉና። ብኣንጻሩ ግና መጽናዕትታት ስነኣእምሮ ከም ዝሕብሮ 80 ሚእታዊት ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ኣነ’የ ቅኑዕ፡ ንፉዕ ለባም ወዘተ ዝብል ዝተጋነነ ግጉይ ኣረኣእያ ኣለዎም። ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ድማ ይትረፍ ተጋግየ ክብሉን ይቕረታ ክሓትቱን፡ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይረኣኻስ፡ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ በሰር ኣይትርአ ዝብል ምስላ ረሲዖም፡ ንጌጋኦም ኣነኣኢሶም ናይ ካልኦት ግና ዚያዳ ኣጉሊሖም፡ ኣነ ኣይጋገን’የ ክብሉ ንነብሶም የታልሉ። ጌጋ መናብርትና’ዩ፡ ካብ ጌጋና ዘይምምሃር ግና ገበን’ዩ ከም ዝበሃል፡ ጌጋና ኣብ ምቕባል እነርእዮ ባህሪያት እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ስለ ዘነጽር፡ ኣብ ክንዲ ጌጋና ምሽፋንን ነብሰ-ምጽብባቕን፡ ተጋግየ ይቕረታ ምባል ጥዑይ ባህሪያትን ልቦናን ከም ዘሎና የመስክር። ብኣንጻሩ ጌጋና ዘይምቕባል ግና ንሂወትና ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እንዳደጋገምና ንክንነብር ንፈርዳ።
ጌጋኻ ዘይምቕባልን ካብ ጌጋኻ ዘይምምሃርን ዋላ ብመራሕቲ ሃገር ከይተረፈ’ውን ክፍጸም ንርኢ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሃገርና ምስ እነተኲር፡ ካብ ብብዙሑ ብውሑዱ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ብቀጻሊ ናብ ፈቐዶ ስደት ሃጽ ክብሉ፡ ህዝብና እንዳበረሰ፡ መራሒ ህግደፍ ግና ኣብ’ዚ ሃገር ጸገም ካብ ዝዀኑና ይኺዱ ይጥፍኡልና ክብል ምስማዕና የገርም። ዋሕዚ ስደት፡ ድምር-ውህሉል ናይ ምልካዊ ምሕደራን፡ ሕሰም ናብራን፡ ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ምቕባልን፡ ጌጋታት ምእራምን ድማ፡ ከም ሕመቕ ናይቶም መንእሰያትን፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝግበር ስሕበትን ከም ዝዀነ ኣምሲሉ እቲ ጌጋ ንካሎት የላግበሎም።
ነቲ ጌጋ ተገይሩ ግን ብኣይ ኣይኰነን፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ብመንጽር ሕሉፍን ህሉውን ፖለቲካ ሃገርና ምስ እንግምግሞ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት፡ ኣሉ ቀጣን እንዳበለ፡ ምስ ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ወጊኑ፡ ኣንጻር ሓው ህዝቢ ትግራይ ተላዒሉ፡ ሕጂ’ውን መንእሰይ ሃገርና ብቀጻሊ ኲናት ከም ዝጸንት ይገብር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ተግባር እቲ ስርዓት ጌጋኡ ዘይቅበልን፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ዘይመሃርን ደረቐኛ ምዃኑ የረጋግጽ። ንድሕሪት ምልስ እንተ ኢልና ከኣ፡ መራሕቲ ውድባት ናተይ መደብ ጥራይ’ዩ ቅኑዕ፡ ካብ ዝብል ትምክሕቲን ሓባል ጠመተን፡ ኣብ ክንዲ ብሓባር ዘድምዕሉ መንገዲ ዝጐዓዙ፡ ናብ ዘየድሊ ወጥሪን ምፍልላይን ይኣትዉ። ነዚ ብጭቡጥ ንምብራህ፡ ሓደ ካብ’ቲ ትራጀዲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ታሪኽና፡ ህዝባዊ ግንባርን ጀብሃን ናተይ ውድብ’ዩ ቅኑዕ፡ ናተይ’ባ ክበሃሃላ፡ እታ ሓንቲ ውድብ ንጌጋታታ ዘይትርኢ ዕውርቲ ኰይና፡ እታ ካልእ እትገብሮ ጌጋ ግና ብምግናን፡ ናይ ንሕናን-ንሶምን እኩይ ፕሮፓጋንዳን ምፍልላይን ዓብሊሉ ንፖለቲካ ሃገርና ሰሚምዎ። በዚ ድማ ንሓደ ዕላማ ዝተሰለፋ ውድባት፡ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር፡ ኣብ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት ኣትየን፡ ዘይርሳዕ ስምብራት ገዲፈናልና።
ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ ስርዓት ህግደፍ፡ ወያነ ወሪሮምና ጐቢጦምና ብዝብል፡ ጥሩምባ ወቒዑ ኲናት ባድመ ወሊዑ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣህሊቑ። ሳዕቤናትን ተሓታትነትን ናይ’ቲ ኲናት ይገምገም ንዝበሉ ሓርበኛታት ድማ፡ ከዲዖም ተምበርኺኾም ብዝብል ተደራራቢ ጌጋ ንብጾቱ ብጸለመ ኣብ ማሕዩር ምድጓኑ፡ ነቲ ጌጋኻ ዘይምቕባል ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሕዎ። ስለ’ዚ ኣብ ሃገርና ንምንታ’ዩ ጩራ ምዕባለ ወይ ለውጢ ዘይርአ? ኢልና ኣይንገረም፡ ምኽንያቱ ጌጋኡ ዘይቅበልን፡ ካብ ጌጋኡ ዘይመሃርን መንግስቲ ይዂን፡ ውድብ፡ ውልቀ-ሰብ ወይ ማሕበረሰብ ኣብ ዕንኪላሎ ዑደት ኢዩ ዝነበር።
ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓመጽን ምልኪን ንምእላይ ንሓደ ዕላማ ኣብ ክንዲ ንዓስል፡ ግንባር ደጋፊን ተቓዋሚን እንዳበልና፡ ናይ ቃላት ውግእ ከነካይድ ጊዜ ክሓልፈና ባቡር ክትገድፈና ክሳብ መኣስ’ዩ? እቲ ብቀጻሊ ንርእዮ ዘሎና ምፍንጫልን ምጭጫሕን ናይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ገለ ካብ’ቲ ጠንቅታት፡ ጠርናፊ ሓሳባት ዘይምቕባልን፡ናተይ መደብ’ዩ ቅኑዕ፡ናተይ’ባ ካብ ዝብል ኣነነትን ጌጋኻ ዘይምቕባልን’ዩ። ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ኩሉ ምብትታን ድማ ጌጋታት ተፈጺሙ፡ ግና ብኣይ ኣይኰነን ካብ ዝብል ኣረዳድኣ፡ እቲ ጌጋ ኩሉ ጊዜ ብካልኦት ጥራይ ከም ዝፍጸም ኣምሲልካ፡ ንነብስኻ ንጹህ ከም ጲላጦስ ጌርካ ምውሳድ’ዩ። እቲ መንግስቲ ብዓቢኡ ከኣ ጌጋ ኣይገብርን’የ በሃሊን ጌጋኡ ዘይቅበልን ኰይኑ፡ ዘይናቱ ምስሊ ለቢሱ፡ ህዝቢ ጥራይ ከም ዝጋገ ኣምሲሉ፡ ኲናትን ስደትን ከም ናቱ ዕዮ ገዛ ገይሩ ክወስዶ ይርአ።
ብካልእ መዳይ ነቲ ጌጋ ተገይሩ ግን ብኣይ ኣይኰነን ዝብል፡ ምስ ባህላዊን ማሕበራዊን ኩነታት ሃገርና ኣዛሚድና፡ ኣብ ናይ ዳያስፖራ ህዝብና ዘሎ ርክብ ከመይ ይመስል? ኢልና እንተሓቲትና፡ ዘሰክፍን ካብ ሕብረተሰብና ዘይንጽበዮን ምዃኑ ንዕዘብ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናተይ ሓሳባት’ዩ ቅኑዕ፡ ናተይ’ባ ካብ ዝብል ጸቢብ ኣረዳድኣን ጌጋኻ ዘይምቕባልን፡ ብናይ ቃላት ውግእ ምጽላምን ምጽራፍን ክዝውተር ምርኣይን ምስማዕን ንኩልና ዘሕፍር’ዩ። እዚ ድማ ኣነ ጌጋ የብለይን ኣብ ክንዲ ምባል፡ ተጋግየ ኢልካ ይቕረታ ምሕታት እንተዝምዕብል፡ እቲ ሕጂ ዝርአ ጫውጫውታ ናብ ሃናጺን መሃሪን ክትዕን ዘተን ምማዕበለ፡ ኩሉና ድማ ምተማሃርናሉ።
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውጽእ ኢልና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብና ምስ እንምልከት’ውን ኣብ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ንሱ ተጋግዩ፡ ንሳ’ባ ብዝብል፡ ጌጋ ብካልእ ሰብ ጥራይ ከም ዝፍጸም፡ ንጌጋኻ ኣነኣኢስካ ናይ ካልእ ጌጋ ግን ኣግዚፍካ ብምርኣይ፡ ጸገማት ሓዳርን ፍትሕን ንሱ ዘምጸኦ ሳዕቤናትን ይስዕርር ኣሎ። ጠንቂ ፍትሕ’ኳ ብዙሕ እንተዀነ፡ ኣነ’የ ተጋግየ ኢልካ፡ ይቕረታ ምሕታት ከም ድኽመት ወይ ስዕረት ስለ ዝቚጸር፡ ሰኣን ጥዑም ቃላት ሓዳር ይብተን፡ ስድራ ድማ ኣብ ዘየድሊ ጣዕሳን ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ወጥሪን ክትወድቕ ትኽእል። ኣነ ጌጋ ኣይገብርን’የ ካብ ዝብል ፈጠራ፡ ንነብስና ሓራ እንዳውጻእና፡ ፍቕሪን ቅሳነትን ዘለዎ ሂወት ክንነብር ዘበት’ዩ። ከመይሲ እቲ ዝዘራእናዮ ኢና ንዓጽድ።
ጌጋኻ ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ብጽሞና እንተተመልኪትና፡ ኣነ’የ ቅኑዕ ኣነ’ባ ክንበሃሃል ኣብ ዕግርግር ንኣቱ ስለምንታይ ኢና? ክልተ ወይ ሰለስተ ሓቂ ኣሎ ድዩ? እቲ ጌጋና ዘይምቕባልከ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወትና እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ክንድህስስን መልሲ ክንረኽበሎምን የድሊ። ንምዃኑ ጌጋኻ ምቕባል ናይ ድኽመት ምልክት ዲዩ? ብዙሓት ሰባት ተጋግየ ምባል ወይ ጌጋኻ ምቕባል ምልክት ስዕረት ወይ ድኽመት ዝመስሎምን ኣለዉ። እንተዀነ ብኣንጻሩ ጌጋኻ ምቕባል ናይ ተባዕን ልቦናን ባህርያት ዘብርህ ኰይኑ፡ ዘይምርድዳእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከይበጽሐ፡ ፍታሕ ከም ዝርከቦን፡ ክንመሃረሉን መለበሚ ክዀነናን ድማ ይሕግዘና።
እምበኣር ጌጋ መናብርትና’ኳ እንተዀነ ዳርጋ ኩሉ ሰብ፡ ነብስና-ነብሲ’ማትና፡ ተጋግየ ምባል ግና ኣዚዩ ይኸብደና። ጌጋ ምስ ገበርና ኣይትሓዘለይ ተጋግየ ምባል ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንተነዘውተርከ ሂወትና ክንደይ ኮን ምጸበቐ! ካብ ኣነ’የ ቅኑዕ፡ ኣነ’ባ፡ ዝብል ረታዒን ተረታዒን ዘይብሉ ምጉት፡ ናብ ተጋግየ ምባልን ይቕረታ ምሕታትን እንተማዕቢልና፡ ብምርድዳእን ምምህሃርን ናብ’ቲ ንደልዮ ዕላማ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና። መለበሚ ኣይግበርካ፡ መለበሚን ኣይኽኣእካ ከም ዘብሃል፡ ለባም ኰይኑ ዝፍጠር ሰብ’ኮ የለን፡ እቲ ለባም ዝበሃል ካብ ጌጋኡን ካብ ናይ ካልኦት ኣብነትን ዝምሃር’ዩ። ኣነ’የ ቅኑዕ ብዝብል ፈጠራ፡ ኣተሓሳስባናን ርክብናን ከይንዘራርግ፡ ጌጋና ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን፡ ከም ዕለታዊ ቫይታሚን ብምውሳድ፡ ሓቂን ፍትሒን ሕድገትን ሒዝና ብምርድዳእን ስኒትን ንልቦና ንድለያ። ጌጋና ንዝሕብሩና ሰባት፡ ካብ ጌጋና ክንእረምን ክንመሃርን ብልቦና ክንህነጽን ስለ ዝሕግዙና፡ ብምስጋናን ኣኽብሮትን ምቕባል መጀመርያ ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ’ዩ። ጌጋና ኣብ ክንዲ ምቕባልን፡ ካብ ጌጋና ምምሃርን፡ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝዓይነቱ መመኽነይታን፡ ጌጋታት ተፈጺሙ ግን ብኣይ ኣይኰነን ዝብል ምውርዛይን፡ ብዝቀልጠፈ መዋጽኦ ንርከብ።
እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!
ስዉኣትና ንዘለኣለም ይኽበሩን ይዘከሩን!
ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።
‘በዚ ድማ ንሓደ ዕላማ ዝተሰለፋ ውድባት፡ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር፡ ኣብ ናይ ሕድ-ሕድ ኲናት ኣትየን፡ ዘይርሳዕ ስምብራት ገዲፈናልና።’>>> who are ‘we’? how about those tens of thousands of innocent lives who perished there? who are they? people who cracked the whip and left the scar on ‘we’? who’s accountable for that lost humanity?.. as you asserted dear dr. who continued the pattern of annihilation to this day whether as wudib or individual? I wish I could sooth myself thinking it is just a curse that was handed down from Adam and Eve, however, I depict the Eritrean case as a stroke patient who have a hemi neglect of one side and trying to perform the task of neurologically intact person. We have to tell the story in its entirety, from all sides, from alpha to omega and include ourselves in the story…because we are the story, otherwise we will continue dragging one side of our body to destination unknown.