Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ

Atv Asena by Atv Asena
20th June 2020
in Tigrinya
2
0
SHARES
198
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ዝረሸኖም ተጋደልቲ፡ ካብ መዝገብ ስውኣት ሓኺኽዎም’ዩ

ኣብ 20 ሰነ, 1992፡ ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስድራቤት ስውኣት መስዋእቲ ደቆም ዝተረድኡሉን 20 ሰነ ሃገራዊ በዓል ከምዝኾነን ብወግዒ ዝተኣወጀሉን ዕለት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ህሞት’ቲ ልብኻ ዝትንክፍን ዘሐብንን መግለጺ ዝምልከቶም ኣካላትን ስምዒታት ስድራቤት ስውኣትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይቃላሕ ነይሩ። ሓንቲ ቆኒና ዘዕበየቶ እንኮ ወዳ ዝነቆረት ኣደ፡ ብመስዋእቲ ውላዳ እንታይ ከምዝተሰምዓ ክትገልጽ ምስተሓተት፡ “መስዋእቲ ወደይ ናጽነት ስለዘምጽአ ይሕበን እምበር ኣይበኽየሉን ኢዩ፡ ወደይ ዝተሰውኣሉ ዕላማ እንተተጠሊሙ ግን ክሓዝንን ክነብዕን ኢየ” ኢላ ንትጽቢት ሓታቲ ዘደንጸወ መልሲ ሂባ። ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመግለጺ’ታ ሓደ ወዳ ዝነቆረት ኣደ ደጋጊምካ ክትሰምዖ እንከለኻ፡ መልእኽታ ዕምቆትን ርዝነትን ከምዝነበሮ ክትግንዘቦ ትኽእል። ኣታ ሓደ ከም ሓሙስ ወዳ ንናጽነት ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለት ጽንዕቲ ኣደ ብህይወታ ኣንተድኣ ሃልያ፡ ነቲ ቅድሚ 28 ዓመት፡ “መስዋእቲ ወደይ ሕድሩ እንተተጠሊሙ ጥራሕ’የ ዝሓዝንን ዝነብዕን” ዝበለቶ መግለጺ ዘኪራ መሪር ሓዘን ከምዝስምዓ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ፍሉጥ ቀዋሚ ዕርድታትን ደጀንን ተጋደልቲ፡ ኣብ ማእከል ህዝብናን ኣብ ኣፍንጫ ጸላእን ኮይኖም መዓልታዊ ንጥፈታቶምን ምምካት ጸላእን ዘካይዱ ተጋደልቲ ነይሮም ኢዮም፡፡ እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ  ከባቢ ከም ጽኑዕ ዕርዲ፡ ዘመናዊ ኣጽዋር፡ ብዝሒ ሰራዊት፡ ኮይኑ ዝገልግል እሙን፡ ለጋስን ሓቦኛን ህዝቢ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብቲ ብልምዲ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጎድኒ ሰውራ ኮይኑ ህይወቱን ንብረቱን ጥሪቱን ገቢሩ። በዓቲታት፡ ጎቦታት፡ ገዳማት፡ ኣግራብ፡ ሩባታት ከይተረፉ፡ መሕብኢ ንብረት ሰውራ፡ ቆጸይቲ ተጻብኦታት ጸላኢ፡ ሓለውቲ ትንፋስ ተጋደልቲ ኮይኖም ዝመከቱ ኢዮም። ኣብ ርእሲኡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጽፍ” ውጥን ንምትግባር፡ ናብቲ ተጋደልቲ ዝንቀሳቀስሉን ከም ቀዋሚ ቦታ ዝሓዝዎን ከባቢታት ብተደጋጋሚ ወፍርታት ብምክያድ ሰላማዊ ህዝቢ ምግፋዕን ንብረቱ ምዝማትን ዓድታቱ ምቅጻልን ልሙድ’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ህዝብና ሓንቲ መዓልቲ’ውን ብግፍዒታት ጸላኢ ርዒዱ ካብ ሰውርኡ ዘልሓጥ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ።

 

ህዝብና ሓደ ድሕሪ ሓደ ዘዝተወልዱ ደቁ በረኻ ምስወፈሩ እንኮስ ናጽነት ዓቲሮም ይመለሱ እምበር ሞት ከም ኣዳም ዝብል ሓቦን ዒብን ስለዝሓደረሮ ምፍልላይ ውሉድን ወላድን ከም ቅቡል ተወስደ። ወለዲ ንዓመታት ድሃይ ደቆም ከይረኸቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናጽነት ኤርትራ ምስተጋህደ ግን፡ ብንብዓትን ጽምዋ ዝተዓብለለ ህይወት ከኸትምን ደቆም ሓቁፎም ክስዕሙ ሃረር በሉ። ሕልሚ ብዙሓት ወለዲ ግን ከምቲ ዝተመነይዎ ኣይተጋህደን። ብዙሓት በረኻ ዝወጹ ኣይተመልሱን ብዝወጽዎ ብመስዋእቲ ተፈልዮም። ወለዲ ደቆም ቤቶም ዕጽዉ ከይጸንሖም፡ ወትሩ ብዓቅሞም እኽለማይ ቀሪቦም ጸሓይ በሪቃ ክሳብ ትዓርብ ካብ ቅርዓት ናብ ውሽጢ ገዛ እናተመላለሱ ፍጭም በሉ። ደቆም ዘይተመልሱዎም ስድራቤት ንመጋድልቶም፡ መተዓብይቶምን ደቂ ዓዶምን ሓቲቶም፡ ብህይወት ከምዘየለው እናፈለጡ፡ ርሑቅ ዓዲ መሐሰዊ ከምዝብሃል፡ “ኣሃድኡ ዓሰብ’ያ ዘላ፡ ሳሕልያ’ዘላ ወዘተ” ዝብል መደዓዓሲ መልሲ ምስረኸቡ። “ይግበሮ” ኢሎም ብዘይካ ብትዕግስቲ ምጽባይ ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ኣብ 20 ሰነ ምንጋር መዓልቲ ስውኣት፡ ብዙሓት ስድራቤታት፡ ደቆን ከም ስውኣት ወይ ውን ከም ቅዩዳት ኣይተነግራን። ብዘይካ ምህላው ወይ ሞት ካልእ ሳልሳይ ምርጫ ከምዘየለ ርዱእ’ኳ እንተነበረ፡ ወለዲ መናጥቦ ናይቶም ኣብ ንእስነቶም ዝተጋደሉ ደቆም ሓርበቶም። ስድራቤት ካብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ክሳብ ኣስመራ ብምምልላስ ዝርንዝሕ እናነብዑ ደቆም ኣበይ ከምዝኣተዉን ሞቶምን ሕየቶምን ክሕበሮም ለመኑ። እንተኾነ፡ ሓንሳብ “መልሲ ብምምሕዳርኩም ክንገረኩም’ዩ” ካልእ እዋን ድማ “መዝገብ ይጻረ’ሎ” ምባል ሓቂ ኣይተነግረምን። እቲ ንስድራቤት ሰውኣት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ገንዘብን ምስክር ወረቀት ሓርበኛን’ውን ተነፍጎም። ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ ኮኖም፡፡ ግዜ ምስነውሐን ዝፈልጡ ሓቲቶም ኮለል ዘብል መልሲ ምስረኸቡን ደቆም ኣብ ልዕሊ መሬት ብህይወቶም ከምዘየለው’ኳ እንተደምደሙ፡ ካብ መንግስቲ “ተሰዊኡ ወይ ተሰዊኣ” ትብል ቃል ስለዘይወጸት ግን ከም ስውኣት ብንቡርን ብጸሓይ ቀትርን ክሓዝኑሎምን ክነብዑሎምን ኣይከኣሉን።

ደቆም ብህግደፍ ዝተቀንጸሉ ስድራቤታት፡ ብዘይ ደባሲ ኣብ ዕጹዉ ገዛ ተጨቢጦም ንብሕቶም ብጓሂ ክኹምተሩን ብሓለጊ ድኽነት ክግረፉን ብዘይ ገበን ተፈርዱ። ወለዲ ለይትን መዓልትን ንዓመታት ደቅና ክብሉ ተስፋ ምስቆረጹን ብሕማምን ክቱር ናፍቆትን ምስተደነሱን፡ ቅድሚ ካብዛ ዓለም ምስንባቶም ካብ ኣፎም ተደጋጊማ ትወጽእ ዝነበረት ቃል፡ “ፈጣሪ ብህይወትና እንከለና ገጽ ደቅና ከንርኢ ኣይፈቀደን፡ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ደቅና ክንርኢ እንተኽኢልና’ውን ክንዲ ኹሉ’ዩ” ትብልያ ነይራ። በብእዋኑ ድማ ሞትን ሕየትን ደቆም ከይረኸቡ፡ ምስ ስዉር ሓዘንን ቃንዛን ደቅና እናበሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ስድራቤት፡ እቶም ሃገሮምን ህዝቦምን ሓራ ንምውጻእ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናብ በረኻ ዝወጹ ደቆም፡ እቲ ናጽነት ዘምጻኹ ኣነ’የ ኢሉ ዝንየት ጠላም ጉጅለ ህግደፍ ከምዝቀንጸሎም ሓቂ ኣይተነግሩን። ስድራቤታት ዓስቢ ደቆም ከይርኣዩ ኣህህ እናበሉ ምስ ስቃዮም ተቀቢሮም።

ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህይወቶም ንዝኸፈሉ ዜጋታትና ንምዝካር ኣብ ዝግበር ሃገራዊ በዓል፡ ቁጽሪ ስውኣት ልዕሊ 65 ሽሕ ምዃኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ መግለጺ ይህብ’ዩ። እንተኾነ ቁጽሪ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብዙሕ ሰብ ዝሓመሉ ኣርእስቲ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እዋን ሰውራ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ ኣብ ምቁጽጻር ንብረት፡ ኣተሓሕዛ መዝገብ ዝተሰውኡ፡ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዘተማረኹ ተጋደልቱ፡ ብስነ ስርዓት ምጓዓዝን ብልጫታት ከምዝነበሮ ዝገልጹ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ባዕሉ ብፍላጥ ኣብ መዓሙቅ ዘስፈሮምን ዝቀንጸሎምን ተጋደልቲ፡ ኣብ መዝገብ ስውኣት፡ ምሩዃት፡ ወይ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ኣይሰፈሩን።  እቶም “ትድለ ኣለኻ” ተባሂሎም ካብ ኣሃዱታቶም ምስተወስዱ ህጣሞም ዝጠፍኡ ተጋደልቲ፡ ኣበይ ኣትዮም እንታይ ኮይኖም ኢልካ ምሕታት፡ “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል፡ ዘይምልከተካ ኣይትሕተት” ዝብል ተግሳጽን መጠንቀቅታን ስለዝወሃበካ፡ ኣብ ነብስኻ ከይበጽሓካን ብሕሙምካን ክሳብ ዕለተ መስዋትኻ ትቅጽል።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 1970 ካብ ጀብሃ ካብ ዝፍለ ክሳብ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት ኣናሰተየ፡ ኣናቀበረን ስለዝመጸ፡ እቶም ባዕሉ ዝቀንጸሎምን ኣብ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ብሕማምን ስቃይን ህይወቶም ዝሰኣኑን ከም ስውኣት ኣይሰቡን ኢዮም። ስድራቤቶም’ውን ከምስውኣት ኣይተነግሩን፡ ምስክር ሓርበኝነት ይኹን መጠወሪ ገንዘብ ኣይተዋህቡን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም በብእዋኑ ብትድለዩ ኣለኹምን ብጭውያን ወሲዱ ኣብ ጎዳጉዲ፡ ሰናጭሮን ምትሓዚ ንብረት(Container)ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝጨፍጨፎም ተጋደልቲ፡ ህይወቶም ምስሓለፈ፡ ብምስጢርን ብጸልማትን ኣብ ስቱር ቦታ ኢዩ ዝቀብሮም። ብዙሓት መታን ኣሰር ኣስከሬኖም ከይርከብ፡ ኣብ ውሕጅ ዝሓልፈሉ ሩባታትን ሰናጭሮን ይድርበዩ። ገሊኦም ድማ ሬሳኦም ብኣሲዳዊ ቀመም ከምዝሓቅቅ ይግበር። እቶም ነዚ ስግድግድ ዘብል ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት በብእዋኑ ብዝተፈላለየ ብልሓት ከምዝጠፍኡ ይኾኑ።

ናይ ራዕድን ቅትለትን እኩይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብጉልባብ፡ ኤምባሲ፡ ቆንስላዊ ጉዳያትን ማሕበረ ኮምን፡ ስለያዊ ትካላቱ ብምዝርጋሕ፡ በብእዋኑ ገበንን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን። ቅድሚ ናጽነት፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ከይለበመ እንከሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ንቀጻልነት ስልጣኑ የስግኡ’ዮም ዝበሎምን ምስጢራቱ ዝፈልጡን ኣባላት ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን፡ ብስም ጅሃድን ግብረሽበራን ከድዓትን ብሰላሕታ ቀንጺሉን ጨውዩን ኢዩ። ናይ ዳሕራይ ገደደ ከምዝብሃል፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ብትእዛዝ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኩሎም’ዞም ብሰለይቱ ብጋህድን ብምስጢርን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን፡ ከም ስውኣት ኣይፍለጡን ኢዮም። ብኣጋጣሚ ዕስራ ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽብሪ ስውኣቱ ዝውልዖ ሽምዓን ጥዋፍን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ዘካይዶ ጸሎትን ዶዓን ኣይምልከቶምን ኢዩ። ስድራቤቶም እውን ዝኾነ ክብሪ፡ ኣፍልጦ፡ ሓገዝ ኣይረኽቡን ኢዮም።

ስለዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዓመት- ዓመት ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ፡ ብስም ስውኣት ክምሕልን ክጥሕልን፡ ንናጽነትና ንልዕሊ 65 ሽሕ ህይወት ሰብ ከፊልና ክብል እንከሎን፡ ኣብ ሓንጎልና ዝመላለስ ጉዳይ ብዙሕ’ዩ። ብቀንዱ እቶም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን ዝተቀንጸሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ቦታታት መሰሎም ተጋሂሶም ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ዘለዉ ግዳያት፡ ንዓመታት ሞትን ሕየትን ደቆምን ወለዶምን ከይተነግሮም ፍትሒ ስኢኖም ዝዘኽተሙን ዝሞቱን ስድራቤታት ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝያዳ ንነብዕን ንቁጣዕን። ሰማእታትና ሕድሮም ስለዝተጠልመ፡ ወለዶምን ደቆምን ኣብ ክንዲ ዝኾርዑን ዝሕበኑን፡ ከስተማስሉ፡ ክቅንዘዉ፡ ብጓሂ ክማስኑን ጽምዋ ክወርሶምን እንከሎ፡ “እቶም ብህይወት ዘለና ኢና ምውታትን ሰነፋትን እምበር፡ ስውኣትስ ካልኣይ ግዜ ህይወቶም ክብጀዉልና ኣይክእሉን ኢዮም” ትብል።

ኤርትራውያን፡ ኣብቶም ምእንታናን ንስለ ልኡላውነት መሬቶምን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትና፡ ብወርቂ ዘይትመን ብቃላት ዘይግለጽ ኣኽብሮት ስለዘለና፡ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትና ብኣስተንትኖን ብሓበንን ኢና ነብዕሎ። እንተኾነ፡ ውልቀመላኺ ህግደፍ፡ ብስም 65 ሽሕ ሰማእታት ከወራዘን ተቆርቋሪ ስድራቤት ስውኣት ክመስልን እንከሎ፡ እቶም ብኢድካ ዝተቀንጸሉ፡ ንዓመታት ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ኣብ ጎዳጉዲ ዝሳቀዩ ዘለዉን ዜጋታትና ኣበይ ኣለዉ ክንብል ኣለና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 12 ሰነ 2020

 

 

Previous Post

ንሰማእታትና ክንሰርሓሎም እንኽእል ነባሪ ሓወልቲ ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ቅዋማዊት ኤርትራ ምትካል እዩ! – ኣማኑኤል ኢያሱ

Next Post

ATV: ተጋዳሊት ህይወት ገረዝጊሄርን ውጻእ መዓት ተጋዳላይ ላልምባ ጸሃየን – 20 ሰነ – Part 2 – Hiwet & Lalmba

Next Post
ATV: ተጋዳሊት ህይወት ገረዝጊሄርን ውጻእ መዓት ተጋዳላይ ላልምባ ጸሃየን –  20 ሰነ – Part 2 – Hiwet & Lalmba

ATV: ተጋዳሊት ህይወት ገረዝጊሄርን ውጻእ መዓት ተጋዳላይ ላልምባ ጸሃየን - 20 ሰነ - Part 2 - Hiwet & Lalmba

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

(((ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 1970 ካብ ጀብሃ ካብ ዝፍለ ክሳብ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት ኣናሰተየ፡ ኣናቀበረን ስለዝመጸ፡ እቶም ባዕሉ ዝቀንጸሎምን ኣብ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ብሕማምን ስቃይን ህይወቶም ዝሰኣኑን ከም ስውኣት ኣይሰቡን ኢዮም።)))>>>>> It is high time to make a clear distinction who we are,what we stand for,our ties to this enemy of our state and people in history and its party banner. We can’t relate to it in one aspect and divorce it in another,we can’t be part of its experience and have nothing to with it at the same time,we got to make a stand,we got to have an identity,I mean a political with an image which reflects it, we can’t parade wearing the mascara and attire of our enemy and dissent it at the same time,it is like putting on a MAGA hat and saying BLM,we got to make a distinction!!! we got to have a common purpose,otherwise our enemy will keep on eluding us like the mirage of the Sahara Desert claiming our martyrs which he victimized as his,it is high time to cut it clean slate and that we have nothing to do with this avowed enemy of ours whether it is his image,slogan or the banner he represents. May be this will give us clarity how to proceed forward,otherwise it will be like the ferret wheel,we will be celebrating June 20th alongside our enemy flying his symbol he crafted for God knows how long. Tsilal, keep the blue umbrella handy, I can hear the thunderstorms approaching,thanks.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

“ስድራቤት፡ እቶም ሃገሮምን ህዝቦምን ሓራ ንምውጻእ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናብ በረኻ ዝወጹ ደቆም፡ እቲ ናጽነት ዘምጻኹ ኣነ’የ ኢሉ ዝንየት ጠላም ጉጅለ ህግደፍ ከምዝቀንጸሎም ሓቂ ኣይተነግሩን። ስድራቤታት ዓስቢ ደቆም ከይርኣዩ ኣህህ እናበሉ ምስ ስቃዮም ተቀቢሮም።”

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 12 ሰነ 2020

————–

ኩቡር ጽላል

ኣብ ገድሊ ዓበይቲ ገበናት ከም እተፈጸሙ ሕጂ ቡዙሕ ሰብ ሰሚዑ ኣሎ ።
ግን ኣብዚ ጉጋይ’ዚ ሓንቲ ትገርመኒ ዘረባ ኣላ ።
“ህግደፍ እምበር ፥ ህዝባዊ ግንባር ክም ፒላጦስ እዱ ሑጹብ እዩ” ዘስምዕ ኣበሃህላ ኣሎ።
እዚ ገባናት ኣብ ክልቲኡ ዉድባት ካብ ቀደም ኣሎ።
ሰጋእ ከይበልና ፥ መን እዩ ታሓታቲ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply