ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓላፍነቱን መዝነቱን ኣይፈልጦን’ዩ
ኣብዚ እዋን’ዚ ንጉጅለ ህግደፍ ዘየቋርጽ መርዘን ርእሲ ኮይኑዎ ዘሎ ሓደ ጉዳይ፡ እቲ ብሓይሊ ወይ ብዓፈና ክቆጻጸሮን ክገትኦን ዘይክእል ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝዝርጋሕ ዘሎ ብድሆታት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ዩ። ዋላ’ኳ ዝበዝሕ ካብቲ ኣብ ዩቱብ፡ ፈይስቡክ፡ ትዊተር ዝዝርጋሕ ኣብ ክንዲ ንናይ ሓባር ጸላኢ ጉጅለ ህግደፍ ምምካት፡ ኣብ ሃጠውቀጠውን ሓድሕድ ምዝንጣልን ዘተኩር እንተኾነ፡ ንህዝብና ልሳን ዝኾና፡ ንሓሶታት ህግደፍ ዘቃልዓን ንፍትሒ ጠጠው ዝበላን ትካላት ግን ፈርየን ኣለዋ። እተን ትካላዊ ኣሰራርሓን ስሩዕ መደባትን ዘለወን ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን ድማ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ኣብ ክንዲ በተን ንጉጅለ ህግደፍ ዘገልግላን ዝውድሳን ተለቭዥን ራድዮን ጋዜጣን ዝጸምም፡ ክውንነት ክመዝንን ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብን ዝበለጸ ኣማራጺ ኣለዎ። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ሓቂ ጠጠው ክብል ሓሞትን ብቅዓትን ስለዘይብሉ፡ ኣብ ክንዲ ነተን ሽንግላጡ ዘውጽኦኦ ዘለዋ ትካላት ፊት ንፊት ምብዳህ፡ “ልኡኻት ወያነን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ከድዓት” ዝብል ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝደጋግሞ ሕሱር ጸለመን ደርሆ ፍሒራ እትረኽቦ ሓሶትን ጥራሕ’ዩ ክነዝሕ ዝቀዳደም።
ከምቲ “ገንዘብ እንተሎ ናብ ሰማይ መንገዲ’ሎ” ዝብሃል; ጉጅለ ህግደፍ ካብ ከርሲ መሬትናን ባሕርናን ዝጉሕጉሖ ዘሎ ሃብቲ፡ ካብ ህዝብና ብዝምንዝዖ ቢልዮናት ዶላርን ሕሱር ጉልበት መንእሰያትናን ተጠቂሙ፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ኣጠሚቁ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቢ ግንባር ከፊቱ ይርከብ። እንተኾነ ምቅይያር ጉልሻ ንጸብሒ ስለዘየመቅሮ፡ ካብ መልሓስ መላኺ ኢሳያስ ወይ የማነ ህበይ ይውጻእ፡ እቲ ሓሶትን ብድዐን መለሳ የብሉን። ብዘይካተን ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣትሒዙ ዝፈልጠን ኣብ ኣስመራ ዝመደበረን ብቲቪ ኤረ፡ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ማዕከናት ዜናን ከምኡ’ውን ብሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ዝምእከላ ሻባይት፡ ትዊተርን ፈይስ ቡክን መርበባት ሓሶት፡ ካልኦት በብዓይነቱ ኣስማት ዝተጠመቃ ዕስለ መርበባት’ውን ኣለዋ። ካብተን ህዝብና ብጥሜትን ሕማምን እናተሳቀየ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ዜናን ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚልዮናት ባጀት ተሰሊዑለን ብግሁድ ኣብ ወፈራ ሓሶትን ሓንጎል መንእሰያት ኣብ ምጥምዛዝ ተዋፊረን ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ፡ Eri Xpress, Tesfa News, Eritrean Media Network, Horn of Africa, Ministry of Information, Hariena, Embassy Media ብኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ በዘን ማዕረ ማዕረ ስለያዊ ትካላቱ ዘዋፈረን መርበባት ምድንጋር፡ ኣብ ቅነ መዓልቲ ናጽነትናን ዝኽሪ ስውኣትናን፡ ንነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ናይ እዋን ሰውራ ደርፍታት፡ ቪድዮታት፡ ድራማታትን ቃለመጠይቃትን ብምምጻእ፡ ተጋደልቲ መዓስከራትን ንብረትን ኢትዮጵያ ክድምስሱን ቅያታት ክፍጽሙን፡ ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒታት፡ ናይ ተጋደልቲ ዝተጠውየ ነጸላ፡ ኮንጎ ሳእኒ፡ ብራሾ መትሓዚ ማይ፡ ስእሊ ስውኣት፡ ጭርሖ ሕድሪ ኣለና፡ ምምብልባልን ምልባስን ባንዴራ ኤርትራ፡ ምውላዕ ሽምዓ፡ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ፡ ደጋጊሙ ኣስሚዑናን ኣርእዩናን። ኣብዚ ክንጸር ዝግብኦ ነጥቢ፡ እቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንምስዓርን ልኡላውነት ኤርትራ ንምርግጋጽን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ እቲ ቅኑዕ ታሪኽ ኣሕዋትናን ወለድናን ምዕቃቡን ዋንነቱ’ውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ንሓራዲ ሰብ ጉጅለ ህግደ ዝምልከት ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪኡን ብርሃጽን ደምን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣከበን ዝተፈጸመን ሰነዳት ኣብ ኢዱ ገቢትዎ ስለዘሎ፡ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ከከም ዝጥዕሞን ንፖለቲካዊ መኽሰባቱን ዕላማታትን ክጥቀመሉ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ስሉም ኣደራሽና፡ ሓርከሙ፡ ወርወሩን ኣዕኑዱን እናመሸተን ኣናሰረቀን ከዕንዎ እንከሎ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘቦ ግን የብልናን።
እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ፍጻመን ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባትን፡ ሓንሳብ ብግቡእ ይጥቀመሉ ካልእ እዋን ድማ ይጉሕፎ። ብፍላይ እቲ ፍጻመ ወይ እቲ ሰብ ንጉጅለ ህግደፍ ደስ ዘየብልን ዝነቅፍን እንተኾይኑን ኣብ መዳጎኒ ህገፍ ተጨውዩ እንተልዩን፡ ከምዝሽረብን ካብ ዓይንን ልብን ሰባት ከምዝርሳዕን ይኸውን። ንኣብነት ህቡባት ደርፍታት እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ስራሓት ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ፡ ምስሊ ወይ ድምጺ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን ተጋደልትን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዜጋታትን፡ ተቆሪጹን ተመምዩን ከምዝእለን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከምዘይቀርብን ኮይኑ። ኣብ 1993፡ ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስኮነት ናይ ሽዑ ወኪል ግዝያዊ መንግስቲ ኢርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ቀጽሪ ወድብ ሕቡራት ባንዴራ ኤርትራ ክተክል እንከሎ፡ ተርኢ ስእሊ ታሪኻዊትን ካልኣይ ግዜ ዘይትድገምን ፍጻመ’ያ። እታ ስእሊ ዓመት ዓመት ኣብ መዓልቲ ናጽነት ትርአ’ኳ እንተነበረት፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ብህግደፍ ምስተኣስረ ግን እታ ስእሊ ምስኡ ጠፊኣ። ወዮ ድኣ ጉጅለ ህግደፍ ብሕጊ ዘይግዛእን ብኣንነት ዝተላዕጠጠን መንሽሮ ህዝብና ኮይኑ እምበር፡ ንመንእሰይ ወለዶን ሕብረተሰብን ዝንቡዕ ታሪኽን ፍጻመን ከተስርጽ ምፍታን ንባዕሉ ገበን’ዩ፡፡ ላም ፍርቂ ጎድና ስለዘይትሰብሕ፡ ብኣፍ ብዛዕባ ኤርትራ ተቆርቋሪ እንተኾይንካ፡ ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ከምዘለዎ ከተቅርቦ እምበር ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ ትጥቀመሉ መስርሕ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ብኣጋጣሚ 20 ዓመት መኸተምታ ወራራት ወያነ፡ መኸተ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ Eritrean Media Network, መወዳእታን መትሓዝን ዘይብሉ ተኸታታሊ መደባት ይቃላሕ ኣሎ። እቲ ንልዕሊ 100 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ብዛዕባ ታሪኽ ገዛእትን ህዝባዊ ምልዕዓልን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝትንትን መደብ፡ ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ይቀርብ ኣሎ፡ ብልክዕ ጉጅለ ህግደፍ ዝምልሶ’ኳ እንተኾነ፡ ንኣካይዳን ባህርያትን ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልጥ ሰብ ግን፡ ብልሓቱ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፡ እዚ ብእከይ ተግባራቱ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑን ተኻዒቡን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ኣልጊሱ ኣቃልቦኡ ንምጥምዛዝ’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ቤቱ ከየጽረየን ነቲ ብኣፉ ናተይ ዝብሎ ብተግባር ዘጽንቶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ከየማሓደረን፡ ብዛዕባ ጽቡቅን ጸገማትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድባቱን ዝያዳ ክሕለቅን ክመጻደቅን እንከሎ፡ “ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ” ኢልካ ኢኻ ትሓልፎ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ገበናቱ ንምኽዋልን ድማ፡ ነቲ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ብውልቃዊ ህልኽ ብዶብ ኣመኽንዩ ብትምክሕቲ ባዕሉ ዝወልዖ ኩናት፡ ንመራሕቲ ወያነ ጥራይ ከም ገበነኛታትን ኣሳወርቲ ኩናትን’ዩ ዝኸስስ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ፡ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ 2018 “ኣይከሰርናን፡ ዝጠፍኣና የለን ንብረትና ብምሉኡ መሊስና” ኢሉ ኣብቲ ባዕሉ ዘሳወሮ ባርዕ ዝተቀዝፈ ኤርትራዊ ዜጋን ምምዝባልን ቁጠባዊ ዕንወትን ከምዘይሓመሉ ብጋህዲ ገሊጹ’ዩ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ራእን ዝምርሓሉ ቀዋሚ ሃገራዊ ፖሊስን ስለዘይብሉ፡ ሓንሳብ “መሬትና ብወያነ ተጎቢጡ’ሎ” ይብልን ነጋሪት ኩናት ይእውጅን ካልእ እዋን ድማ ከይሓፈረ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ ዝብሃል የብልናን፡ ገይም ኦቨር” (Game Over) መልሓሱ ይዓጽፍ። እዚ “ብኣጋጣሚ 20 ዓመት መኸተምታ ወራራት ወያነ፡ መኸተ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ዘሎ ፕሮፖጋንዳን ምዕግርጋርን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጽልእን ቅርሕንትን ከሕድርን ኣብ ዳግማይ ኩናት ንምጥባስን’ዩ። “ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከምዝብሃል፡ ጨካን ኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝውልዕዎ ኩናት፡ ብህይወት ይኹን ብንብረት ስለዘይትንክፎምን ብኣካል ስለዘይሳተፍዎን፡ ዘሻቅሎም ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ብደምን ርሃጽን ምስኪናይ ኤርትራዊ፡ ኢሳያስን መሻርኽቱን ሃብቲ የኻዕብቱሉ፡ ይድሰትሉ፡ ደቆምን ናይ ቀረባ ቤተሶብምን ኣብ ወጻኢ የምህሩሉን የሐክሙሉን። ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻሉን ኣብዘይናቱን ኣብዘይረብሓሉን መጋርያ ሓዊ ከይጥበስ ምቅዋምን ነቲ ጠንቂ ኩሉ ሕሰምና ኮይኑ ዘሎ መላኺ ህግደፍ ብስምረት ምእላይ ኢዩ ኣቲ እንኮ ምርጫ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ፡ ብብድዐን ትምክሕትን ስለዝተመልአ፡ ደረት ሓላፍነቱን መዝነቱን ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ከይሃቦ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ውሳኔታት ይህብ። መንቀሊኡ ብናይ በረኻ ኣካይዳ ብኣነ ይፈልጥ፡ ንዕቀትን ኣብ ጥራይ ጎልጎል ምምካሕን ቀንዲ መለለዪ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ከምቲ ግቡእ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ኣብ 1991 ዝሓዞ ስልጣን ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣብ 1994 ኣብቂዑ ህዝቢ ኤርትራ ዝምእምኦ ሃገራዊ ባይቶን መራሒ መንግስትን ክመርጽ ነይሩዎ።። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንጠለባትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ረጊሑን ኩሉ ዝኣተዎ መዓር ዝጥዕም ምብጽዓታትን በብሓደ እናረገጸን ኣናደርበየን ናብ ፍጹም ውልቀ መላኽን ኣራዊትን ተቀይሩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ “ብኣጋጣሚ 20 ዓመት መኸተምታ ወራራት ወያነ፡ መኸተ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝህቦ ዘሎ ትንታነ፡ “ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰብን ንብረቱን ዝፈጸምዎ ገበንን ዕንወትን ብወግዒ ይቅሬታ ክሓቱን ካሕሳ ክኸፍሉን ብሕጊ ዝሕተቱ’ኳ እንተኾኑ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ግን ሕሉፍ ገበናት ከይጸብጸቡ ንቅድሚት ብምጥማት ንጽቡቅ ጉርብትናን ምሕዝነትን መሪጾም” ኢሉ።
ወዮ ድኣ ናይ መላኺ ኢሳያስ ነገር “መን መርዓት ምስበለክን ትኳሓላ” ኮይኑ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዕድልናን ዕድሜናን ክዕንድር ሰፊሕ ባብ ስለዝተፈጥረሉን ኣዝዩ ስለዝሻደነን፡ ንበልዖን ንሰትዮን ንቅመጠሉ ቦታን ንድቅሰሉ ሰዓትን ምቁጽጻር ሓሊፍዎ፡ ህዝብና ቅንጣብ ስልጣንን ውክልናን መዝነትን ከይሃቦ፡ ነቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ መዘና ዘይብሉ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ምብትታን ስድራቤት፡ ቁጠባዊ ዕንወትን ውርደትን፡ “ኣሕዋት ስለዝኾና ማዕለሽ ይቅረ ኢልናልኩም ኣለና” ኢሉዎም። ደረቱ ዝሰገረ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ህግደፍ፡ ህዝቢ ዝኣክል፡ ንጉዳይ ሃገር ከም ውልቃዊ ንብረቱን ጉዳዩን ቆጺሩ ዋጋ ዕዳጋ ክፍጽም ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን። ኣብ 2018’ውን መላኺ ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ ዝፈረሞ ምስጢራዊ ውዕል ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈልጦን ኢዩ። እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ብተደጋጋሚ “መንግስትን ህዝብን ኤርትራ” ዝብል ሓረግ’ውን ንምድንጋር እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ የለን፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጉዳያቱ ክውስን ዕድል ስለዘይተዋህቦ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ምሽቃጥ ሓጥያትን ምሽክዕላልን’ዩ።
ኤርትራውያን ግዜ ከይወሰድና ንዘይሕጋዊ ተግባራትን ዕብዳንን ጉጅለ ህግደፍ መዕገቲ እንተዘይጌርናሉ፡ እቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምጽናትን ምብትታን ስድራቤትን ብዝለዓለ ከምዝቅጽሎን፡ ኣሽሓት ህይወት ዝኸፈልናላ መሬትና ከምዘይትህሉን ሃገር ኣልቦ ከምእንኸውንን ክስቆረና ይግባእ። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ነቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት፡ “ንስለ ጽቡቅ ጉርብትና ሸለል ኢልናዮ ኣለና” ክብል ዝኾነ ስልጣን የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንባዕሉ ህግደፍ ልዕሊ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ገበነኛ ምዃኑን ብህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝሕተትን ክግንዘብ ኣለዎ። ኤርትራውያን ብዘረባ ኩሉ ወዲእናዮ ኢና፡ ተሪፋትና ዘላ ኣዝያ ወሳኒት ጉዳይ ኣእዳው ህግደፍ ብምቅርሳም ንሓዋሩ ከምዝቆርያን ከምዝእበዳን ንምግባር፡ ወነንቲ ዕድልና ክንከውን ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ’ያ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 21 ሰነ 2020
Newah article gin kitnef’u ma’at ikhum. Brawa jegannu.