ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃገራዊ መንነት ህዝብና ንምብካል ከይደቐሰ ይሓድር!
ኣብ መወዳእታ 50ታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ንሃገርና ኤርትራ ብዘይሕጊ ማለት ብጎበጣ ክሕዝዋን ኣካል መሬቶም ጌሮም ክጽንብርዋን እንከለዉ፡ ህርፋን ቀይሕ ባሕርናን መሬትናን እምበር ንህዝብና ብሂጎም ኣይነበሩን። ክንዲ ዝኾነ ድማ – ገዛእቲ ኢትዮጵያ ካብታ እግሮም ኣብ መሬትናን ባሕርናን ዘንበሩላ ዕለት ኣትሒዞም ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ንምንብርካኽ ፡ ባህሉን ቋንቋኡን – መንነቱን ክብሩን ንኽብርዙ፡ መረበቱ ሓዲጉ ናብ ስደት ክበታተን ብዙሕ’ዮም ጽዒሮም። ዋላ’ኳ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብደገፍ ጎባልል ሃገራትን ብስቕታ ማሕበረሰብ ዓለምን ሻዲኖም ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቑጽጻሮም ኣእትዮም፡ ንብረትና ይራስዩን የባድሙን እምበር – ንሃገራዊ መንነት ህዝብና ግና ካብ ልቡ ኸውጽእዎ ኣይክኣሉን።
ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ – ገዛእቲ ኢትዮጵያ – ንህዝባዊ ሰውራና ንምድምሳስ ዘይፈንቀልዎ እምኒን ዘይፍሓስዎ ተንኮልን ኣይነበረን። ብቐንዱ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተጋደልቲ ደቁ ዝኾነ ርክብ ከምዘይህልዎ ንምግባር ጥብቂ ጥብቂ ምቁጽጻር ኣብ ርእሲ ምክያዶም ንህዝብና ብሰበብ ጥሜትን ሰፈራን ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ንኽግዕዝ ሃቀኑ። ከም መቀጸልታ ናይዚ ሰንካም ሽርሕታት ድማ ስርዓት ደርጊ ኣብ ድሮ ውድቐቱ – መንእሰያት ኤርትራ ናብ በረኻ ወጺኦም ንኸይጋደሉን ብዛዕባ ሃገሮም ንኸይሓስቡን – ሓንጎሎም ንምምራዝ ብዕብዳንን ዳንኬራን ንምስድዖም ፈተነታት ኣካይዱ’ዩ ። ገለ ካብቲ ስርዓት ደርጊ ኣብ መወዳእታ 80ታት ዝጥቐመሉ ዝነበረ ስዉር ኩናት፡ መንእሰያት ሰሙናዊ ቀዳመ ሰንበትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ናብ ወደብ ባጽዕ ወሪዶም ኣብ ለይታዊ ትልሂትን ኣብያተ መስተን ወጋሕ ትበል ለይቲ ንኽዓብዱ ፍቃድ ምሃብን ምትብባዕን’ዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ብተመሳሳሊ – ካብቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ መንነት ህዝብና ንምብራዝን ንምድኻምን ዝጥቐሙሉ ዝነበሩ ስዉር ሜላታት ብዝኸፍአ ኣገባብ – በተን ንህዝብና ኣጥምዩን ንብረትና ዘሚቱን ዝወነነንን ሚልዮናት ዶላራት ወጻኢታት ዝገበረለንን ማዕከናት ዜናታቱን ማሕበራዊ መራኸቢታቱን ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ማዕቢሉን ሰሲኑን ዘሎ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክገትኦ ስለዘይከኣለን – እተን ህግደፍ ዝቆጻጸረን ሓቂ ዘይመባልዕተን ማዕከናት ዜናታቱ ድማ ሰማዕን ተኸታታልን ስለ ዝሰኣና – ብዙሓት ዕሱባት ሰባት – ብምቑጻርን ብምምልማልን ኣብ ፈይስቡክ ፡ ዩትዩብ ከምኡ’ውን ትዊተር ግንባር ከፊቱ ኣብ ምቅላስ ይርከብ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማታት ጉጅለ ህግደፍ ከኣ እከይ ተግባራቱ ኽዕበጥ፡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ናይ ግዜ ሰውራ ቅያታትን ደርፍታትን ተዋስኦታትን እናኣቅረብካ ህዝቢ ኤርትራ ህሉው ጠለባቱን ጸገማቱን ከምዘይሓትትን ከም ዘይፈልጥን ጌርካ ንሓድሕዱ ከም ዝበላዕ ምግባር ኢዩ።
ዝኾነ በዓል ሞያ፡ ሞይኡ ንዝጠልቦ ስነ ምግባራዊ መዐቀኒታት ተቀቢሉን ተኸቲሉን ምስ ዝሰርሕ ኣብ ማእከል ሕብረተ-ሰቡ ክቡርን ሕፉርን ዜጋ ኰይኑ እዩ ዝነብር። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ምስ ናይ ሕብረተ-ሰብ መዓልታዊ ህይወት ምትእስሳር ዘለዎም ከም ሞያ ጋዜጠኝነት፣ ሕክምና፣ ትምህርቲ፣ መጐዓዝያ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት፣ ስነ-ጥበብ፣ ቤት-ፍርዲ ዝነጥፍ ሰብ፣ ካብ ወስለትለት ወጺኡ ንልዕልና ሕጊ ተገዚኡ ከገልግል ዝዓበየ ትጽቢት ይግበረሉ።
ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ጊዜዚ ብዙሓት ሰብ ሞያ፡ ሞያኦም ንዝሓቶ ስነ ምግባር ብምጉሳይን ነቲ ሕብረተ-ሰብ ዘሕደረሎም ሓደራን ሓላፍነትን ብምጥላምን፣ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ቀዳምነት ብምሃብ መጋበርያ እኩይ ኣጀንዳ ናይ ውልቀ-መለኽቲ ኰይኖም ይርከቡ ብምህላዎም ዘሕዝን እዩ።
ኣብ መዋእል ናይ ጉጅለ ህግደፍ ንልዕልና ሕጊ ምኽባር ከም ኣምር’ውን ስለ ዘየለ – ይዕበ ይንኣስ ኵሉ ሕጋዊ-ውሳኔ ዘድልዮ ጉዳይ ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ዀራኹሩን ስለ ዝውሰን ብዛዕባ ሞያዊ-ስነ-ምግባርን ፍትሕን መሰል-ዜጋታትን ክትዛረብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ከም ገለ -ንኣካይዳ ንስርዓት ህግደፍ ክትነቅፍን ዓገብ ክትብልን ምስ እትፍን ድማ – ዕጫኻ ኣብ ጉድጓድን ጸልማትን ምስፋር እዩ ዝኸውን።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ – ብሰሪ ጨካን ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ሰጊእካ ሓቂ ክትዛረብ ዘይምኽኣልን ሞያኻ ዝጠልቦ ስነ-ምግባር ዘይምምላእን ዘይኰነ፣ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝህቦ ዘይጠቅም ግንዖን ግዝያዊ ረብሓን ሰኺርካ – ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምውጻእ – ኣንጻር ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ምልፍላፍን፣ ንተቃውሞ ህዝቢ ድማ ምንእኣስን ከምኡ’ውን ኣብ ባይታ ዘየለ ክውንነት ክትፈጥር ምፍታንን እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታት ስርዓት ህግደፍን ብቐጻሊ ዝፍኖ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምስሉይ መደባት ክልተ ኣብነታት ምስ እንጠቅስ፥-
ብ3 መስከረም 2020፡ ጋዜጠኛ ሳምሶን ሃይለ – ኣብ ኤሪትርያን ሜድያ ኔትዎርክ ዝተባህለ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መርበብ ሓበሬታ – ዘካየዶ ኣብ ርእሰ-ውደሳን ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቅንጃው ዘድሃበ ነዊሕ ቃለ መሕትት፣ ነቶም ንሽርሕታት ጨካንን ስርዓት-ኣልቦ ምሕደራን ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ንምክሻሕን – ኣብ ክንድቲ ሓቂ ንኸይዛረብን ጸገሙ ንኸይገልጽን ኣፉ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝብና ኰይኖም -ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ደለይቲ ፍትሒ፣ “ እዞም ካብ ሃገር-ወጻኢ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ንቃወም ኢና ዝብሉ ተቃወምቲ ዘይኰኑ ሃሱሳትን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን እዮም” ክብል ብኣጉል ትምክሕቲ ተዛሪቡ። ቀጺሉ ድማ፣ ንሱ ዘይከምቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና በሃልቲ ኣብ ሶሽያል ሜድያ ንመንግስትን ስርዓት ህግደፍ ክነቕፉ ዝውዕሉ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ንሞራል ህዝቢ ዘበርኹ ሃገር ጠቀስ ጽሑፋት ከም ዝዝርግሕ ገሊጹ።
ከምቲ “ኣብ ከብዲ ጽጉም ጥሙይ የለን” ዝበሃል ጋዜጠኛ ሳምሶን ሃይለ ብድፍረት ንስርዓት ህግደፍ ክውድስ ዝተሰምዐ ምናልባት ብጨቋንን ግፍዓውን ስርዓት ህግደፍ ዝተሓየረን ዝተሰደን ዝጠመየን ቤተሰብ የብሉን ይኸውን እምበር – ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ጠፊእዎ ከም ዘይኰነ ርእዱ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝብን ሃገርን ብዝመንዝዖ ሃብትን ገንዘብን ተጠቂሙ፡ ኣንጻር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተፈላለየ ስለያዊ ሽርሒታት ብምክያድን ብዙሓት ሰባት እንተላይ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታትን ፓለቲከኛታትን ብምቑጻር ንህዝብናን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንምድንጋር ከይደቀሰ ከም ዝሓድር ኣብዚ እዋን’ዚ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ።
በዚ መሰረት – ውልቀመላኺ መላኺ ኢሳያስን የማነ ህበይን ፡ የማነ ገብረመስቀልን ካልኦት ካድራት ጉጅለ ህግደፍን ጸላእትን ደመኛታት ህዝብን ሃገርን ብምዃኖም ብዘይካ ሕሰም ካብኦም እንጽበዮ ራህዋ የለን። እቲ ብተደጋጋሚ ናብ ደለይቲ ፍትሕን ብሰሮም ዝተሰዱ መንእሰያትን ዝቐንዐ “ወይጦታት፡ ከደምቲ ወያነ፡ ዕሱባት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ከድዓት፡ ጸጊቦም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን፡ ግብረ ሽበራውያን” ዝብል ዘላደየና ሓረጋቶም ግና ካብኦም እንጽበዮ ነገር ስለ ዝኾነ ዘገርመና ኣይኮነን።
ብተወሳኺ እቲ ብስም ጋዜጠኛ “ሓየሎም በረቀ ኢንተርተይመንት” ዝያዳ ኣብ ህዝባዊ ብዓላትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታትን ዝቐርብ ንባህልን ስነ-ምግባርን ሕብረተ-ሰብና ዘይውክል ትርጉሙ ኮነ ዕላማኡ ዘይንጹር “ስሓበላ ምስ ሓየበላ” ዝብል መደብ እውን ሓደ ካብቲ ብስም ምዝንጋዕ ዝቀርብ መርዚ እዩ። እቲ ኣብቲ መደብ ዝዝውተር ናይ ጐደና ዘይእሩም ቃላትን ኣዘራርባን ንስነ-ምግባር ሞያ ጋዜጠኝነትን ሕብረተ-ሰብን ዝጠሓሰ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ – ኣብ ዘቑጸልጽል መጋየጺ ክፍሊ መንእሰያት ተኣኪቦም ቢራን ቡንን እናሰተዩ ዝካየድ ዝነበረ መደብ – ሕቶ ተሓቲትካ እንተዘይመሊስካ ኣረቂ ክትሰቲ ትግደደሉ ኩነታት ነይሩ። እቲ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ፍቅሪ ሕቶታት ቀሪብሉ ክምልስ ዘይከኣለ ሰብ ድማ- ቀዳማይ – ካልኣይ ሻት እናበለ ክሳብ ቅኑዕ መሊሱ ዝበሃል ኣረቂ ምስታይ ይቅጽል ነበረ።
ሚኒስትሪ ዜና – ንጡፋትን ምኩራትን ጸሓፍቲ፣ ስኣልቲ፡ ተርጎምቲ፡ ቀረጽቲ፡ ሰነድቲ ኣንበብቲ፡ ኣባላት ከም ዝነበርዎን ዘለውዎን መስካሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ሚኒስትሪ ዜና ከም ካልኦት ስማውያን ሚኒስትሪታት ስርዓት ህግደፍ – ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቁጽጽር ቤት ጽሕፈት መላኺ ኢሳያስን ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኮይኑ ስለዝሰርሕ ናጽነት-ኣልቦ ዝኾነ ትካል መጋበርያ እዩ።
ኣብዚ ታሪኻዊ ጊዜዚ – ነፍሲ-ወከፍ ተምኩሮን ሓላፍነትን ዘለኒ ንሞያይ ዘኽብር ፈታዊ ሃገርን ህዝብን እየ ዝብል ጋዜጠኛ፣ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ ነቲ ን30 ዓመታት ብዘይ ሕጊ ንሃገር ብጭኮና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ክቃወምን፣ ኣብ ክንዲ’ቶም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፍቖዶ እንዳ ዱጓናን ጎዳጉድን ተሓይሮም ዘለዉ ዜጋታት ንሞያዊ ሓላፍነቱ ብምውጻኣ ክጣበቕን – ስለቶም ኣብ ስደትን ሽግርን ዝርከቡ ብጥሜትን ፍትሒ ምስኣንንን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ክጽሕፍን እምበር ንስለ ጊዚያውን ሓላፍን ረብሓ ክብል ጊላን መሳርሕን ናይዚ ጽባሕ ናብ እንዳ ጉሃፍ ዝድርበ ደመኛ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስርዓት ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኩልና ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ስነ ጥበብን ካልእ ምስ ህዝብን ሃገርን ብቐጥታ ኣብ ዘራኽብ ዓውድታትን ጽፍሕታትን ተዋፊርና ዘለና ኤርትራውያን፡ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ምእንቲ ከይንሕተት ንሞያናን ክብረትናን ዘዕኑ – ንሃገራዊ መንነትናን ልኡላውነትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ተግባራት ካብ ምስራሕ ክንቁጠብ ይግባእ። ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ ከምዝብሃል ድማ ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓታትን ሓለፋታትን ክንብል መጋበርያ ናይቲ ጽባሕ ዝጎሓፍ ዓማጺ ስርዓት ብምዃን ኣንጻር ወገንና ኣይንሰለፍ።
ንሞያናን ተመኩሮናን ንመደልደሊ ጽባሕ ዝጠፍኡ ውልቀ-ሰባት ኣይንተቀመሉ። ኣንጻር እቲ ንህዝበይን ሃገረይን ብቕንዕና ከገልግለሉ እየ ኢልካ ዝመሓልካሉ
ጽባሕ ንዝጉሓፍ ጉጅለ ህግደፍ ንገንዘብን ካልእ ግዝያዊ ረብሓን ኢልና ኣይንመራሳሕ። ሓደራ፡ ብልሓትናን መንፍዓትናን ኣብ ጽቡቅ እምበር ኣብ ጸይቅን ንመደልደሊ ስልጣን ጽባሕ ዝጠፍኡ ውልቀሰባትን ኣይንጠቀመሉ። ኣንጻር ሞያዊ ክብርታትካ ምስራሕን ነቲ ፍትሒ ዝተነፍጎ ህዝብኻ ምጽላምን ድርብ ገበን ምዃኑ ኣስተውዒልና – ሱቅ ምባል’ውን ክብረት’ ስለ ዝኾነ – ኢድናን እግርናን ንኣክብ ከይትሓተትና ድማ ኣይንመልስ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 16ጥቅምቲ 2020
It is how to organize the mass and oust this maphia group, and not how the maphias are acting.
The objective of the maphia is to totally doom Eritrea and its people. So let us act.
“So let us act” .Zeregabir
But there are already 80 to 90 independent groups working [I ASSUME] to liberate Eritrea from Issyays Afewerki Abraha Miratch who is an absolute ruthless dictator and self-appointed president of Eritrea for LIFE. Take it or leave it. And to that challenge, Eritreans decided to have numerous groups and liberate Eritrea from one person who happened to convince Eritreans and other people to protect him at the risk of their LIFE. They accepted and enjoying Eritrea in their own fashion.
The rest of us are settled in tranquil foreign countries in safe environment with tranquility and with source of so many opportunities for our selves and children and grand children. In a sense, it is a permanent GOOD BYE TO BELOVED ERITREA. THE END >>>in the TRUE sense of the word. Poor galant Eritreans, renowned around the Globe, who sacrificed their LIFE to have an INDEPENDENT, FREE ERITREA >>>only to wound up under ABSOLUTE DICTATOR who covered his intention for some 30 years. It was the greatest HUDINI ACT that Eritrea has encountered in its ‘belly’!!!! What did Alan Paton say? “CRY, MY BELOVED COUNTRY AFRICA “