Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዘሕዝን ዜና – መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ – ወራሪ ስርዓት ኢሳይያስ ሰራዊቱ ኣዋፊሩ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ጥራይ ልዕሊ 3 ሽሕ መንእሰያት ጨውዩ – ኣብ ኲናት መቐለ መዝሓሊ ጥይት ከይገብሮም ድማ ይፍራሕ።

Atv Asena by Atv Asena
28th November 2020
in News, Tigrinya-News
4
0
SHARES
2k
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ዘሕዝን ዜና – መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ – ወራሪ ስርዓት ኢሳይያስ ሰራዊቱ ኣዋፊሩ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ጥራይ ልዕሊ 3 ሽሕ መንእሰያት ጨውዩ – ኣብ ኲናት መቐለ መዝሓሊ ጥይት ከይገብሮም ድማ ይፍራሕ።

ወራሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ናብ ትማሊ 27 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብቲ ወሪሩ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕጻጽ ሰራዊቱ ብምውፋር ልዕሊ 3 ሽሕ መንእሰያት ገፊፉ ከምዝወሰደ ምንጭታት ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሪሽ ሓቢሮም።

እቶም ገዲፎሞም ዝኸዱ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብቲ መቐለ ንምሓዝ ዝካየድ ዘሎ ገና ዘይተወደአ ደማዊ ውግእ መዝሓሊ ጥይት ገይሩ ከወድኦም እዩ ዝብል ስግኣት ሓዲሩዎም ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝርከቡ ድማ ገሊጾም።

እቲ ኣህጉራዊ ሕግን መሰል ስደተኛታትን ዘይዓጦ ጨካን ወራሪ ምልካዊ ስርዓት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ `ውን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ መንእሰያት ከም ንበረት ዘሚቱ ወሲዱ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ነዚ ትራጀዲ `ዚ ዝሰምዑ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ ዝጸንሑ ኣሽሓት መንእሰያት ስግኣት ሓዲሩዎም መዕለቢኦም ዘይፍለጥ ፈቐድኡ ፋሕብትን ኢሎም ከም እተበታተኑ፡ እቶም ናብ ክልል ኣምሓራ ኣቢሎም ዝኸዱ ተለቒሞም ናብ ኢድ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከይርከቡ ተፈሪሑ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ እቶም ኣብ መንጎ ምልሻን ትግራይን ወረርቲ ሰራዊትን ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ተቐርቂሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ 5 ምዉታትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ቁሱላትን ከፊሎም፡ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝብላዕ መግቢ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኮነ ጸጥታዊ ውሕስነት ስኢኖም ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ቆላሕታ ክገብረሎም ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ንማሕበረሰብ ዓለም ብዝቐልጠፈ ከእውዩሎም ኣተሓሳሲቦም።  

ንሳቶም፡ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ጸገም የጋጥም `ዩ ሞ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ትራጀዲ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ኢሎም በቲ ገጢሙዎም ዘሎ ጥምየትን ሞትን ጭውያን ዝተሰመዖም ምረት ገሊጾም።

እቶም ኣብ ኣርባዕቲኡ መዓስከራት ስደተኛታት ዝጸንሑ 100 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ወከልቲ ናይ ኣራ ይኹን ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ነብሶም ከድሕኑ ኣቐዲሞም ገዲፎሞም ስለዝኸዱ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብዘይናባዪ ተሪፎም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ዝፍጠር ሃጓፍ ናይ ጸጥታ ተቓሊዖም ኣደዳ ሞትን ጅምላዊ ጭውያን ዝርከቡዎ ናይ ኲናት ገበናት ምቅልዖም ፍሽለት መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘርኢ ገገበን እዩ።

ሕጂ `ውን እዞም ንጥምየትን ጽምእን ጥዕናዊ ጸገማትን ጭውያን ተቓሊዖም ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ክግበረሎም ኣብ ወጻኢ ብሕልፊ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እንርከብ ኤርትራውያን ነፍሲ-ወከፍ ማዕጾ ፖለቲከኛታትን ማዕከናት ዜናን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምዂሕኳሕ ህጹጽ ረዲኤት ክረኽቡን ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን ክንጽዕረሎም ሓላፍነት ከምዘለና ክንዝክር ይግባእ።   

Previous Post

Abiy and Isaias’s war has drifted into Looting and killing civilians in Tigray: The Tragic situation of Eritrean Refugee

Next Post

Eritrea Focus launches ‘10,000 Letters to UNHCR’ Campaign to highlight the critical situation of the 100,000 Eritrean refugees in Tigray.

Next Post
Eritrea Focus launches ‘10,000 Letters to UNHCR’ Campaign to highlight the critical situation of the 100,000 Eritrean refugees in Tigray.

Eritrea Focus launches '10,000 Letters to UNHCR' Campaign to highlight the critical situation of the 100,000 Eritrean refugees in Tigray.

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
4 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

ኣንቱም ሰባት ፥ እንታይ ኢኹም ፥ ዘይተረጋገጸ ወረ ትነዝሑ ?
ተለፎን እንተ ዘይሃሊዩ ፥ ካብ ዓዲ ሓሪሽ ፥ ሓበረታ ከመይ ገይሩ ይመጸኩም ኣሎ ? ።
እሰያስ ድሕር ከም ዘይብል ፉሉጥ እዩ ፥ ግን ዓቅሚ ዘለዎ ኣይመስለኒን።
ወይስ ናይ ወያነ በላበሎዉ እዩ …. ንሶም ዳኣ ከይኮኑ ጨወይቲ ? ።
በጃኹም ፥ ነዚ ህዝቢ ኣይተናዉጹዎ ።

Last edited 4 years ago by ወዲ ሃገር
1
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
4 years ago

We spend years nursing the wound and sometimes reaggravating it in the process instead avoiding the injury to begin with, that’s been the story of our political life as Eritreans, look at us today, all we can manage to say after 30 years of achieving the impossible fit is, the word YIAAKIL, to who? you plead that word to an abusive domestic partner not to a brutal murderer who is on a mission to wipe you out of the face of the earth, the fallen must be rolling in their graves!! W.H. pleads, ‘please leave the people alone’ >> Yep, zeray yebilomin.

0
Reply
Zeregabir
Zeregabir
4 years ago

People is blaming Assenna taking side with Woyane. Please don’t write unconfirmed news.
Hope the civilians in Tigray would be safe.

0
Reply
tewelde gebremariam
tewelde gebremariam
Reply to  Zeregabir
4 years ago

Without a doubt assenna has been on woyane side for long long time. Since the defeat of woyane by the Ethiopian Federal Army however,it has become completely indistinguishable from tigrai online. But again in vain.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
4
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply