Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ናይ ሊብያ ኢምባሲ ኣብ ለንደን፡ ዓርቢ 8 ጥቅምቲ 2021

Atv Asena by Atv Asena
13th October 2021
in News, Tigrinya-News
16
0
SHARES
661
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ  ናይ ሊብያ ኢምባሲ ኣብ ለንደን፡ ዓርቢ  8 ጥቅምቲ  2021

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፕሮግራም ምስ ኣፍሪቃ (EEPA- European External Programme with Africa).

ኢንተርናሸናል ኦርጋኒዘሽን ፎር ማይግርሸን  ( IOM)፥  ከምኡ እውን ኣል ጀዚራ – ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን  ኣብ ሊብያ ኣብ  ልዕሊ ስደተኛታት  ዝወረደ ግፍዒ ኣቃሊዖሞ።   ፖሊስ ናይ ሊብያ መጀመርያ ኣብቲ ብብዝሒ ኢሪትራውያን ዝነብሩሉ ገርጋሪት ዝበሃል ሰፈር – መጺኦም – ንኢሪትራውያን    ኣእዳዎም ንድሕሪት ገይሮም እናኣሰሩ  እንቀጥቀጡ  ኮብኪቦም –  ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጊኖሞም። ንደቅንስትዮ ምስ ደቀን እውን ብዘይ ንሕስያ  እናጋፍዑ ኣሲሮመን።   ብድሕሪኡ  ኣብቲ ስደተኛታት ካልኦት ዓሊየት  ዝርከብዎ ኣትዮም  ነቲ  ግፍዒ ደጊሞሞ ።  ኩሉ ኩሎም 5000 ዝኾኑ ስደተኛታት  ብዘስካሕክሕ ኣገባብ  ተኣሲሮም ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፉ ኣብ ቅድሚ  ናይ ሊብያ ኢምባሲ እዩ ነይሩ ። ካብቲ ጭረሖ ብእንግሊዝ ከምዚ  ነይሩ። 

Stop Killing Eritrean people in Libya they are refugees not criminals

ምግፋዕ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ኤሪትራውያን ጠጠው ኣብልዎ  ስደተኛታት እምበር ገበነኛታት ኣይኮኑን ። ዝኣመስለ ብብዐነቱ ጭሮሖታት፥  ነይሩ።

እቲ ፍልይ ዝበለ ነገር ብትግራኛ መልእኽቲ ነቲ ገና ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና መልእክቲ እየ መሲጡኒ ኣድኒቐዮ፥  ኣብነት “ ኣጀኹም የሕዋተይ ድምጺ ኽንከኖኩም ኢና” “እዚ እወን ኽሓልፍ እዩ” እወ ጸኒሔ ዝተረዳእክዎ መብዝሕታኦም እቶም ሰልፈኛታት ብሊብያ ዝሓለፉ ከይኑም ነቲ ስቃይ ዝሓለፍዎን ዝፈልጥዎን እዮም። ነቲ መከራ መወዳእታ ብቁልጡፍ ክውዳእ ዝደልዩ እዮም።  ብዙሓት ካባና ኣብዚ ደቅና ሐቂፍና ብሰላም ንነበር ዘለና ግን እቲ ለውጢ ብንደልዮ ኣገባብ እንተዘኮይኑ ዋላ ንጽናሕ ዝብል ጌጋ ኣረኣእያታት ዘለዎም ንጡፋት ተቃለስቲ ኣለው።

  ነቲ  ሰልፊ ጸጥታኡ ዝሕልውሉ ናይ እንግሊዝ ፖለስ ነይሮም።  ነቲ ሓለቃ  ፖሊስ  ነቲ ኣምባሳደር ዝወሃብ ደብዳቤ  ከምዘሎ ተነጊርዎም። ንሱ ድማ ኣነ ከይደ ከዛርቦም ሕራይ ይበሉ ኣይበሉ ክነግረኩም እየ ኢሉ ናብቲ ኣፍደገ ከይዱ ከዛርቦም ከሎ ተዓዚብና።  እቶም ሊብያውያን ነቲ ፖሊስ  ኣምባሳደር የለን ተቀቢልና ክንህቦ ኢና እሞ እታ ደብዳቤ ባዕልኻ ኣምጸኣልና ኢሎሞ።  መልሲ ሒዙ ምስ መጸ  እዚኣ ጸገም እያ ዝፈርሑ እንተኮይኖም ዋላ ሓደ ሰብ  ጥራሕ ምሳኻ ከይዱ/ዳ ትሃቦም።   እቲ ፖሊስ ምቅሉል እዩ ነይሩ ፥ ስለዚ ሓንቲ ካብቶም ኣዳለውቲ- ፈቨን ሓደራ – ምስቲ ፖሊስ ከይዳ- ብኢዳ ኣስረኪባቶም – ጽቡቅ ዓረብ ስለ ትኽእል ሓደ ክልተ ቃላት ሰንድያትሎም።

ኣብዚ እቲ  ዘሕጉስ ነገር እንተሎ እቲ ሰልፊ ብንኣሽቱ መንእሰያት እዩ ተዓብሊሉ ነይሩ።  እቶም ነቲ ጭርሖ ተተበራርዮም ዝመርሕዎ ሐዲሽ ገጽ ምንባሮም ሞራልና ሐፍ ዘብል እዩ ነይሩ። እቲ  ዝሓልፍ ዘሎ ናይ ገድሊ ወለዶ ተካኢ ረኺቡ  ማለት እዩ። ንሕና ዓበይቲ ቁሩባት ነርና – ኣነን  ኣሰፋው በርሄ – ኣብ ተሓኤ  ዓቢ ስልጣን ዝነበሮ  ሓጎስና ክንገልጸሎም  ኣለና ተባሃሂልና፥   ነቲ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ጀሚርክምዎ ኣለኹም – እንቋዕ ልብኹም ሐጎሶኮም (congratulations)ኮርዒዳታት  ዝዓበየ ስራሕ ይጽበየኩም ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፍና ። ኣሰፋው እሞ ምስቲ ክእለት  ኣቀራርባኡ ንውሕ ዝበለ ማዕዳ ዘለዎ ጉሩም ሃናጺ ዘረባ  ሂቡ።

እዚ ምክፋል መንእሰያት ተስፋ ይሃብ እምበር እቲ ተኻፍላነት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን እዩ ዝግብኦ ዝነበረ ብሕልፊ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ከተነጻጽሮ ከለኻ። እቶም መእሰያት ንኣሽቱ ከዲኖሙና እምበር  ብዙሓት ንጥፋት ተንቀሳቀስቲ ዝበሃሉ – ኣብ ኣኼባታት ዘይተርፉን  ኣይተኻፈሉዎን።

ከምቲ ግብእ እቲ ናይ ደላይ ፍትሒ   ምንቅስቃሳት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ስቃይን ግፍዕን ማእከል እንተዘይገይሩ  እቲ ቃልሱ ውጺኢት  ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።  እቲ ኣብዚ ህጹጽ ጊዜ ክኸውን ዝግበኦ ኣጀንዳ ነቲ ህጺጽ ጊዜ ዝምከት  ክኽወን ኣለዎ። ካብኡ ወጻኢ ግን  ሓሸውየ እዩ። መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ ከይከውን እቲ ጉዳይ።

Previous Post

The Ethiopian Bloodshed: Isu’s Win-Lose Crowded out by World Leaders’ Win-Win

Next Post

ሰላማዊ ሰልፊ ለንደን ኣንጻር ሰብ ሰርሖ ጥምየት ኣብ ትግራይ – ጽባሕ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ 2021

Next Post
ሰላማዊ ሰልፊ ለንደን ኣንጻር ሰብ ሰርሖ ጥምየት ኣብ ትግራይ – ጽባሕ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ 2021

ሰላማዊ ሰልፊ ለንደን ኣንጻር ሰብ ሰርሖ ጥምየት ኣብ ትግራይ - ጽባሕ ሰሉስ 19 ጥቅምቲ 2021

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
16 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
3 years ago

Not forgetting those you left behind is a virtue which needs to be commended, however this mass exodus has been the trade mark of this little nation as far as I can remember that HGDEF exploited it as a political tool to solidify its sole tenure and purge unwanted competitor by whatever means it takes including outright violence. That said, Libya itself is in disarray it is hard to distinguish who is responsible for committing this atrocities on the refugees there, it is an inhospitable venue remotely unqualified to be a safe haven for refugees.. THE SOLUTION!!! ———–instead running away from it, get rid of the cause which is driving you to this terrestrial inferno like places.
Turn around and confront the bully and break his nose… he will never mess with you again.
My Dad seethed at me one day when I came home crying and sent me back to the playground to confront my adversary who took of running at the mere sight of the expression in my face
‘IZIWUN KIHALFYU’.. yeah sure, so will Haley’s comet… it sounds so self defeating to me, sorry if I offended anybody.
We need to get rid of this boogieman back home once and for all, this way we don’t have to line up at the doors of foreign embassies and the locals giving us a strange look.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

“ My Dad seethed at me one day when I came home crying and sent me back to the playground to confront my adversary who took of running at the mere sight of the expression in my face”

k.tewolde

ሰላማት ኩቡር ዶቶረን ፣ ኩሉኹም ኣሕዋተይ

ህግደፍ ፣ ህዝቢ ሓቢሩ ከም ዘይብድሆም “ኣብ ገጽና” ካብ ዘንብቡዎ ነዊሕ ገይሮም ኣሎዉ።
ዝተፈላለየ ሞኽንያታት እንዳ ጠቀስና ፣ ንዖኦም ንምእላይ ቁሩባት ዘይሙዃንና ፣ ንሶም’ዉን ይፈልጡ እዮሞ።
ሞስ ዘመድካ እንተ ተባኢስካ ፡ “እስከ … ካብዚ ሰይጣን ንርሓቅ” ኢልካ ፣ ካብ ገጹ ትእለ ።
ምስ ሓዉኻ እንተ ተባኢስካ ፣ ገዛ ትገድፈሉ።
ተቃዉሞና ንህግደፍ ፣ ኢዚ እዩ ኢቲ ፣ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ። ጉዳይ ቤተሰብ ይመስል።
ህግደፍ ባዕዳዊ ሓይሊ እዩ ንምባል ኣይኮን።
ብርግጽ ፣ ኣብ ህግደፍ ሰብ ዘይብሉ እንተ ሃለወ ብጣዕሚ ዉሑድ እዩ ዝኾዉን።
እቶም ካብ “ከምዚ” ኣዉራጃ እዬም ዝብሉ ፣ ኣስፍሕ ኣቢሎም እንተ ዝርኡ ፣ ንሶም’ዉን ኡኹል እጃም ከም ዘለዎም ምራኣዩ።
እቶም ካብ “ከምዚ” ሃይማኖት እዮም ዝብሉ ፣ ኣስፍሕ ኣቢሎም እንተ ዝርኡ ፣ ንሶም’ዉን ዉሑድ ዘይኮነ ካድር ህግደፍ ከም ዘለዎም ምራኣዩ።
ህግደፍ ፣ ፈቲና ጸሊእና ፣ ዕዳ ኩሎም ኤርትራውያን እዩ። መራሕቲ ዲዮም ወይስ ተግበርቲ ፣ መኖም ከ ይኸፍእ ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ፣ ኩሉ ዝተራእዮን ዝተሰሞዖን ክገልጸሉ ዝኽእል ጉዳይ እዩ። ግን ሎሚ ዛዕባና ክኾዉን ኣይግባእን።
ለዉጢ እንተ ደሊና ፣ ኣቀዲምና ፣ ኣታሓሳስባና ክንቅይር ይግባእ።
> ህግደፍ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዕዳ እዩ።
> ህግደፍ ፣ ናተይ እዮም ኢሉ ፡ ሓለፋ ዝገብረሎም ክፋል ሕብረተሰብ የለዉን። ንኹሉ ኣብታ ዝያዳ ትሕምሞ ፈሊዩ ዝሃርም ጨካን ፍጥረት እዩ።
> ኩሉ ዓቅምታትና ከይሰራዕና ክንገጥምሞ ኣይንኽእልን።
> ፍልልያትና ዘይምጽባብ ፣ ንበይኑ ዝሃስዮ ሰብ የለን። ኩላህና ንኸስር እና ዘለና።
> ለዉጢ ዶንጉዩ ክንብል ንስማዕ። ብሰንኪ መን ?
ህግደፍ ሓያል ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ፣ ንሕና ፣ ደለይቲ ለዉጢ ፣ ሓቢርና ክንገጥሞ ብዘይምኽኣልና ሕራሕ እዩ።
እግዚኣቢሔር ንሃገርና ይባርካ።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

‘HGDEF is every Eritrean’s debt’
Wedi Hagher, keep delivering the goods.
Yes indeed, a hefty debt with exponentially compounding interest which we can’t pay off anytime soon as long as we keep dropping this meagre minimum payment like misplaced un ending rallies with empty slogans and zooming from our cozy pads.

0
Reply
Asmara Eritrea
Asmara Eritrea
Reply to  k.tewolde
3 years ago

Breaking the beasts nose is indeed what Eritrea needs. But I would go further than that and say take him out.

A single brave Eritrean can change the course of Eritrean history in a second. The name of that individual will be enshrined in Eritrean history forever.

Eritrea forever, death to dictatorship

0
Reply
Salim Negash
Salim Negash
Reply to  Asmara Eritrea
3 years ago

“A single brave Eritrean can change the course of Eritrean history in a second” , why don’t you volunteer yourself than hoping for someone else to make the ultimate sacrifice so that you can rape and exploit Eritrea along with your Tegaru brothers? You don’t even have the courage to use your name on here, so it is to be expected from cowards like you!

SHABEIA FOR EVER, death to Agames & their DEKALU.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Salim Negash
3 years ago

‘SHABEIA FOR EVER, death to Agames & their DEKALU.’
Salim,
you are HGDEF at his best, you are the quintessential representative of your enterprise, you embody the organization and its tenets, you speak its language impeccably————— you are a loyal servant of your master. I hope the mesarif is worth it.

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

Subject: “ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፕሮግራም ምስ ኣፍሪቃ (EEPA- European External Programme with Africa).”

Humble Opinion, 15 Oct 2021

In all HONESTY & TRUTHFULNESS we know the cold cruelness of WHITE RACE upon BLACK AFRICANS. And they will never let go. Africa, the rich land, is too precious to let it go. Consequently, the BLACK AFRICAN RACE will never develop to be antagonists to the success of the WHITE RACE. NEVER. NEVER. Every available means will be done to glaring obstacle to the success of the BLACK RACE. Example via a question: Why do you think that the WHITE RACE is supportive of the disintegration of Ethiopia?

Dear Compatriot Black Africans:
Please permit me to ask one honest question: Do you HONESTLY believe that our admirable intellectuals (in totality), who are fully loaded with enviable doctor of philosophy degrees from well known foreign universities, will get together and come to the aid of African People? Please be honest to YOURSELVES.
WE AFRICANS ARE WHAT WE ARE. Prove it otherwise.

Last Word
This medium being an Eritrean Website, one specific question is in order. How long did it take to politely ask the self-appointed President of Eritrea to STEP DOWN and transfer his power to the admirable extraordinary gallant People of Eritrea who brought LIBERTY and INDEPENDENCE to the Eritrean people in thirty year war. How long did it ……………..never mind. It is a shame — should not be applicable to the courageous people of Eritrea.

But — and this is a big “but’ — when a House starts to fall, it starts with few drops, rocks, etc Dear Compatriots, WE MAY LOSE ERITREA ITSELF ALL TOGETHER. I have absolutely no doubt that YOU READERS know what I am hinted at. And that would be the Greatest Classical TRAGEDY in Human History. Please don’t sneer upon it. PLEASE. THE END

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  rezen
3 years ago

“How long did it take to politely ask the self-appointed President of Eritrea to STEP DOWN and transfer his power to the admirable extraordinary gallant People of Eritrea who brought LIBERTY and INDEPENDENCE to the Eritrean people in thirty year war. How long did it ……………..never mind. It is a shame — should not be applicable to the courageous people of Eritrea.”

rezen

ኩቡር ረዘን

ብሙሉእ ድልየትካ ዝሃብካዮ ስልጣን ምምላስ ብቀሊሉ ዝካኣል ኣይኮነን።
እሞ መን እዩ ሂቡዎ ፣ ዝብል ሕቶ ክላዓል ግድን ይኾዉን።
Fra i due litiganti il terzo gode .
“ኣብ ሞንጎ ክልተ ተባኣስቲ ፣ ኢቲ ሳልሳይ ይኸስብ”።
ኣብ መጀመርታ 70ታት ፣ ኣብ ዉሽጢ ኢቲ ከም “ሰልፊ ናጽነት” ዝፍለጥ ዝነበረ ጉጂለ ሰዉራ ገለ ፍልልያት ይራኣዩ። ቀስ እሉ ድማ ካብ ዉልቃዊ ናብ ኣዉራጃዊ ምትፍናን ይሰግር። ምርድዳእ ምስ ሳኣኑ ፣ እሰያስ ፣ ዳሓን ባዕለይ ክፈትሖ እየ ይብል።
ብድልየት ክልቲኡ ሸነኽ ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢዱ ይዓልብ። ንሱ ሓደ ሚስጢራዊ ጉጂለ (ፓርቲ) የቆዉም። ቡኡ ገይሩ ድማ ፣ ንፍልልያት ንዑኡ ብዝጥዕም ኣገባብ “ይፈትሖ”።
ብድሕሪኡ ፣ ሕቶታት ዘልዕሉ ሰባት እንዳ ዋሓዱ ፣ እንዳ ተጻሃዩ ይመጹ።
እሰያስ ፣ ፍልልያት ናይ ምብላሕ ፉሉይ ሰይጣናዊ ተወህቦ ከም ዘለዎ ዝሳሓት ኣይኮነን።
ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ኩሉ ፍልልያት እንዳ መዝመዘ ፣ ብምትሕብባር ኩሎም እቶም ዝተፈላለዩ ድኽመታት ዘለዎም ደቂ ሃገር ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዩ ደረጃ ናይ ብርሰት ኣብጺሑና።
እዚ ንጅግንነት ፣ እቲ ቅያ ዝሰረሐ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝትንክፍ ኣይኮነን። ንሱ ከም ህዝቡ ግዳይ እዩ።
እዛ ብናህሪ ትኸይድ ዘላ ፣ ናይ ህልቂት ጉጂለ ፣ ንድሕሪት ዝመልስ መገዲ የብላን።
ብሓደ ናይ ጽልኢ ነጋዳይ ክንምራሕ ጸገም ዘይብልና ፣ ቅድሚ ኹሉ ነብስና ንዉቀስ።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
rezen
rezen
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

ክቡር ወዲ ሃገር

ወረጃ  ምኽሪ >>> “ ቅድሚ ኹሉ ነብስና ንዉቀስ።”  
መን’ሞ ይፍለጣ አታ ጸገምና  
እንታይ እዩ  ምስጢሩ ዘየስማማዓና 
ገለስ ስርንጊጥ ኣላትና 
ከመይ ጌርና ድኣ  ሓርነት ረኸብና 
ገለስ ኣለና  ኣብ ውሽጥና፣ ዘየስማማዓና 
እሞ  መን ይፍለጣ አታ ምስጢርና፣ ካብዘይፈለጥናያ  ንሕና 
ተስፋ አንተሊዩናስ፣ ንግደፋ ንፈጣሪና ። 
ኢንሽኣላህ — ኣሜን ኢልና::

0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  rezen
3 years ago

ሰላም ረዘን

ትምሁር ጸማም ካብ ኮነ
ትመንእሰይ ሓቦ ካብ ሰኣነ
ትኣረጊት ዕጣን ሸጣን ምስተዓጥነ
ትሃገር ዝመርሕ ክፈዲ ሕነ
ምስ ሃቀነ
ሽዑኡ ‘ዩ
ከም ንግስቲ ዘጥፈ አ ንህቢ
ወድባት ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ
ይብል ኣነ
በዛ ነብሰይ

0
Reply
rezen
rezen
Reply to  Simon G.
3 years ago

ስላም ስምኦን 
አንቌዕ ብዳሓን ተመልስካ ናብቲ ጽሑፍ መራኸቢና 
ተስፋ እገብር፣ ድሕን ክትህሉ ምስ ኩሉ በተሰብካ  
ብሸነኸይ፣ ጽቡቕ ኣለኹ ምስ ቤተ ሰበይ 
እቲ እርጋንሞ ናትና እዩ ኢልና ተዓቊፍናዮ ኣለና
በል አስኪ፣ ብዘልማድ ክሓተካ ጉዳይ ናይ ሃገርና  
ዋላኳ መልሱ እንተፈጥናዮ ብጋህዲ — ሸንኮለል እንተበልና እንታይ ይጠቅም
አንታይ እዩ መርገምና ኢልና አንተሓተትና አንታይ የኽፋኣልና 
ዝኾነ ኮይኑ ተስፋ ዘለና ኣይንመስልን — ሸንኮለል እንተበልና እንታይ ይጠቅም
ይኹን እምበር ምኽሪ ኣቦታትና ፊጥ ኢልካ ኣይድርበን 
ካብ ኮነ ከዓ፣ ሃየ አንታይ አዩ ዝበሉ አቶም ጎረበትና ናይ ትማሊ ጸላእትና
“ፈረሱም ይሄዉ፣ መዳዉም ይሄው” ሓቦ አንተተሪፉና ኣብ ህዋሳትና 
ካበኡ ንንየው የብልናን ዝሰምዓና፣ ጸርፍን ዘለፋን ካብ ኮነ ማሕረስና
ካንዶ ኣብዚ ጉድ በጻሕና ናይ ትማሊ ጅግንነት ኣበይ ገዲፍና
ውይ ጉድ!! ወይ ጉድ !! ወይ ጉድ!!  ለካስ አዚ አዩ ክወድቕ ከሎ ጅግና 
መርገምዶ ኔሩና ንሕና ዘይንፈልጦ
አንታይሞ ክንብሎ መርገምዶ ነይሩና ናይ ኣባጅጎ 
ወይ ጉድ!! ወይ ጉድ!! አዚዶ ኾነ ናይ ኤሪትራዊ ተባዕነት ንዓለም መስተንክር ዝነበረ
ለካስ አዚ እዩ ንኹሉ መወዳአታ ኣለዎ ዝተባህለ 
ይኹን አምበር፣ ከምዚዶ ይውዳአ በልና ነንሕድሕድና  እናተናቖትና ኣብ መርበብና
ካብ ኮነ፣ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ ንዝነበረት ኤሪትሪያና ። 

ኣምየን — ኢንሻላህ 

0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  rezen
3 years ago

ሰላም ረዘን
ከም ናተይ ንዓኻ: ሰሰናዩ
በል ክዛረብ

ኣብ ኤርትራ ሓቂ ምስጠፈአ
ኣብ ሓደ ስድራ ሕድ-ሕድ
ምስተናኸሰ ምስተባለዐ

ሕልና ተረሲዑ
ተወንዚፉ
ስስዐ ምስነገሰ
ንስኻ ፈጣሪና ምስበልናዮ
ንጉስ ዓዲ-ሃሎ ዝገበለ
ብጾቱ ዝረሸነ ዝኣሰረ ዝቐተለ

ካብ ሓኽሊ ድሙ
ናብ ቶኽላ ተቐየረ
ንናቕፋን ኤርትራን ዝሓየረ

ሽዑኡ
ሓድሕድና ተናኸስና
‘ናፈረሰ መረቤትና
‘ናጠፈአ ዘርእና

ኣብ ክንዲ ንሓብር
ብጻይ ሓውና ነንቁር
ነገር ተወዲኡ
ኩልና ንዓውር
ተኣምር!

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Simon G.
3 years ago

It is sad but true, it is not a good place to be, he chewed and spat us like safa, that’s what Eritrea is today a wet safa in the dirt… blame no one he is our product—- made in Eritrea.
Simon, it is good to hear from you pal.

0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  k.tewolde
3 years ago

Nice to hear from you brother k.tewolde!
What happened to our brother Meretse Asmelash?

0
Reply
rezen
rezen
Reply to  Simon G.
3 years ago

Indeed, “ Quote: “What happened to our brother, Meretse Asmelash?” Unquote  

Very Good question with insightful NAME of “CHOICE” and “REGAIN” of what was lost. I am a succer for the Geez Language which I believe is superior than the Latin Language!!!! Call me fanatic.  

Any way, It seems there are so many jewels like Meretse — keeping themselves to their corners after perhaps loosing hope on ERITRA. No-one would blame them.  It reflects the Classical Tragedy of Humanity. We ERITREANS ARE WHAT WE ARE. What is very frightening and sad is what is clearly looming i.e. destroying the FOUNDATION of ERITREAN-NESS from the surface of the Earth, replacing by ambitious “entities.” It is Not farfetched; it can happen in front of our eyes. Yes, it can happen while we ……. ……….. please finish the sentence for me. 

THE “END” in the glaring meaning of the word. What else is there to say, other than to beaker among ourselves which, by itself, is a reflection of hopelessness. I cannot close my mini- commentary without asking the obvious question: WHAT HAPPENED TO THE GLORIOUS ERITREAN FIGHTERS, admired by so many, around the Globe ?!?!?!?  

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  rezen
3 years ago

Brothers, the beginning of the ‘END’ was some moons ago when a few of us started showing up at La Guardia Airport— a relative who was waiting at the international gate greeted me with these familiar words.. ‘the game is truly over.’….. what you see today is icing on the cake.
Yep, I do miss Meretse, I hope he hollers back saying he is doing ok.
He is one of the Eritrean endangered rare species like Wedi Hagher.
The answer to your last line of stroke inducing inquiry rezen… , they did their honorable duty with valor and passed the torch and somebody extinguished and threw it in a trash can.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
16
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply