Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዕስራ ሰነ 1991፡ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ዝተኣወጀላ ዕለት – ብ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

Atv Asena by Atv Asena
21st June 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
836
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ዕስራ ሰነ 1991፡ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ዝተኣወጀላ ዕለት

መብራህቱ ኣተወብርሃን

ዕስራ ሰነ፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኢርትራ ሓንቲ ካብ ክቡራት መዓልታት እያ፡ ኢርትራውያን ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ የኽብሩዋ። ገሊኦም ብእኩብ ኣብ ኣደባባይን ጐደናታትን፡ ገሊኦም ኣብ ኣባይቶም ብጽምዋን ምስትንታንን፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን ብጸሎት ሰማእታቶም ይዝክሩላ።

ከም ትዕዝብተይ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣከባብራ መዓልቲ ሰማእታት ፍልይ ዝበለ`ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ተዘክሮ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መተዓብይቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምክፋል ብዛዕባ ስዉኣት ፍልይ ዝበለ ጦብላሕታን ግንዛበን ከምዝህልዎ ኮይኑ`ዩ። እዚ ድማ ሰማእታት ኤርትራ፡ ሰብ ምንባሮምን፡ ከም ኵሉ ሰብ ውልቃውን ማሕበራውን ሕልምን ባህግን ከምዝነበሮም፡ ከም ሰቦም ዝሕጐሱን ዝሓዝኑን፡ ዝስሕቁን ዝበኽዩን፡ ኮታስ ኵሉ ናይ ሰብ ጠባያት ዝነበሮም ድኣምበር፡ ካብቲ ልሙድ ከም መላእኽቲ ሰማያውያን ፍጥረት ገይሩ ዘቕርብ ኣገባብ ፍልይ ዝበለ ይገብሮ። እቲ ኣቀራርባ፡ ተበጃውነቶም ንረብሓ ብዙሓት እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ መስዋእቶም፡ ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን መሓዙቶምን ብዙሕ ከምዝሰኣኑ`ውን ከምእነስተብህል ዝገበረ`ዩ። እቶም ቃንዛኦም ተጻዊሮም፡ እናነብዑ ዛንታ ዝተስውኡ ብጾቶም፡ ወለዶም፡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን፡ ኣዝማዶምን መተዓብይቶምን፡ ቃንዛ ኣዴታቶምን ኣቦታቶምን ብትብዓት ንህዝቢ ዘካፍሉ ዘለዉ ድማ ክምስገኑ ይግባእ። ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ዝርአ፡ ምስ ርዝነት መስዋእቶምን ሞሳኦምን ዝመጣጠን፡ ኣስማቶም ዘለዎ ምቕሉል ሃገራዊ ሓወልቲ`ኳ ክንገብር እንተዘይተዓደልና፡ እቲ ከም ውልቀ-ሰባት ብፈተውቶም ዝዝንቶ ዘሎ ታሪኽ ህይወቶምን ኵነታት መስዋእቶምን፡ ንዝኽሮም ዝያዳ ርዝነት ኣልቢሱዎ ይርከብ።

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ነታ ቀዳመይቲ ድሕሪ ናጽነት እተባዕለት 20 ሰነ ዝምልከት`ዩ። ዕስራ ሰነ 1991፡ ድሕሪ ምሕራር ሃገርና ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ብምብዓላ ፍልይቲ እኳ እንተኾነት፡ ካልእ ፍሉይ ዝገብራ ምኽንያት`ውን ኣሎ። እታ መዓልቲ፡ ምስቲ ናጽነት ዝፈጠሮ ታሕጓስን ስምዒትን፡ ዳግማይ ናጽነት ዝበዓለላ መዓልቲ`ምበር፡ መዓልቲ ስዉኣት ትመስል ኣይነበረትን። ብፍላይ ህዝቢ ኣስመራ መራሕቱ ንመጀመርያ እዋን ብኣካል ክርኢን፡ ቃል ናይቲ እዋን መራሒ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሰምዕን ምስ ዝነበሮ ህንጡይነት፡ ብከበሮን እምብልታን፡ ብሳዕስዒትን ደበላን መዛሙርን ተሰንዩ ናብ ስታድዩም ኣስመራ ክውሕዝ ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕጀል ስእሊ፡ ካብ መዓልቲ ሰማእታት መዓልቲ ካርነቫል ትመስል ከምዝነበረት`ዩ።

ዕስራ ሰነ እቲ ዝበዝሑ ተጋደልቲ ዝተሰውኡሉ ሻድሻይ ወራር ምሉእ ብምሉእ ምፍሻሉ ዝተረጋገጸሉ ስለዝነበረ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኮይኑ ከምዝኽበር ዝተኣወጀላ ዕለት`ውን ነበረት። ካብቲ ልሙድ ንሰማእታት ዝገልጽ መደረታት ኢሳይያስን ናይ ህወሓት ስብሓት ነጋን ናይ ሱዳን ጀነራል ዙበይርን ወጻኢ ግን፡ ምምጻእ ናይዛ ሎሚ ዘላ፡ ብሓደ ውልቀ-ሰብ እትውነን፡ መጻኢ ደቃ ዝጸልመተ ኤርትራ ብወግዒ እተበሰረሉ ዕለት`ውን ነበረ።

ኣብ ህይወትካ ካብ እትሳተፎም ኣኼባታት ወይ አትሰምዖም መደረታት፡ ዝበዝሑ ኣብ ኣእምሮኻ ገለ ተዘክሮ ከይቀረጹ ይሓልፉ፡ ከም ንፋስ ቀውዕን ከም ጸሓይ ምያዝያን ድማ ሓጋይን ክረምትን ምስኣተዉ ተረሲዖም ይተርፉ። ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ግን፡ ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ተዘክሮታት ይገድፉልካ። ቀንዲ ተዘክሮ ናይ 1991 መዓልቲ ሰማእታት ድማ፡ ቀዳማይቲ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዝተኸብረላ መዓልቲ ብምዃና ዘይኮነ፡ ወይ ድማ ከም ትጽቢትና መራሕቲ ገድሊ ዝረኣናላ መዓልቲ ኮይና ዘይኮነ፡ ዝያዳ በቲ ኣብታ መዓልቲ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተነግረ መደረ ይግለጽ። ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 50 ሽሕ ሓርበኛታት ደቁን ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ጸላኢ ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ዜጋታቱ ከምዝሰኣነን፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ደቁ ብስንክልና ከምዝኸሰረን ገለጸ። ቀጺሉ`ውን ንመዓልቲ ሰማእታት ብዝመጣጠን ኣቀራርባ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጀጋኑ ስዉኣቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድን ስድራ ቤትን ሓወልቲ ክሃንጽን መዘከርታ ክገብርን፡ መዓልቲ ስዉኣት ከም ሃገራዊ በዓል ክትክበርን፡ ህዝቢ ንስድራ ስዉኣትን ደቆምን ክናብን ሓላፍነቱ ከልዕል`ውን ዘተሓሳሰበላ መዓልቲ`ያ ዝነበረት።

ኢሳይያስ ግን ኣብ 20 ሰነ 1991 ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ዝበለ። “ኣብ ኤርትራ ናይ ውድባት ሓሸውየ ዝብሃል ኣይክህሉን`ዩ” ዝብል ጭርሖ`ውን ሽዑ`ዩ ዝኣወጀ። ኣብ ሓደ ህሞት፡ ክልተ ነንሓድሕዱ ዝዋቓዕ፡ ንክብሪ ሰማእታት ዘዕርግን፡ ንሕድሮም ዘነኣእስን መግለጺታት! ነቲ ሓደገኛ `ናይ ውድባት ሓሸውየ` ዝብል ባጫ፡ ህዝቢ ኣብቲ ርሱን ናይ ናጽነት ስምዒት ጥሒሉ ከየቕለበሉ ዝሓለፈ፡ ዝግባእ ትንታነ ከይተገብረሉ ዝሓለፈ ኣጋጣሚ ይመስለኒ። ሓሓሊፉ`ውን ከም ብሓደ ሓላፍነት ዝስምዖን ልቦና ዝመልኦን ሰብ ዝተዘርበ`ሞ `ዘየድሊ ፍልልያት ክህሉ የብሉን` ዝብል ትርጉም ክወሃቦ ይስማዕ`ዩ። እቲ ሓቂ ግን እቲ ብስም ሰማእታትን ዝሽቅጥን እቲ ንሕድሮም ዝጠለመን ኢሳይያስ ከም ሰብን ጽላሎትን ኣብ ሓደ መድረኽ ብሓደ ቆይሞም ምንባሮም ዝገልጽ ህሞት ምንባሩ`ዩ። ንተገራጫዊ ስነ-ልቦና ኢሳይያስ ድማ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝገልጽ ይመስለኒ። ሎሚ ኣየናዮም ናይ ሓቂ ኢሳይያስ ኣየናዮምከ ጽላሎት ግዜ ባዕሉ ገሊጹዎ ኣሎ።

እቲ `ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን`ዩ` ዝብል ኣበሃህላ ምስ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ናይቲ እዋን ወድዓዊ ኵነታትን ዘይከይድን፡ ምስ መብጽዓታት ገድሊ ዝጻረርን ናይ ባጫ ኣበሃህላ ከም ዝነበረ ብዙሕ ትንታነ ኣየድልዮን። ወድዓዊ ኵነታት ብዝምልከት፡ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ዝወሰደ ፖለቲካውን ናይ ሰላሳ ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲን ዝፈጠሮ ስደትን ምምዝባልን ምስኡ ዝኸይድ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ድማ ኣብ መንጎ ውድባት ዝተገብረ ኲናት ሓድሕድን፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዝተፈጸመ ቅንጸላን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን፡ ንሃገራዊ ዕርቅን ሕውየትን ዝጠልብ መድረኽ`ዩ ዝነበረ። `ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን`ዩ` ዝብል ኣዋጅ 20 ሰነ 1991 ግን፡ ክንዲ ይቕረ ምብህሃል፡ ኵሉ ተጋዳላይ ኣብ ክንዲ ተጋዳላይ ኮይኑ ዝኸብር፡ ናብ ሰዓርን ተሰዓርን ዝተቐየረሉ፡ the winner takes it all ከምዝበሃል፡ እቲ ንርእሱ ሰዓሪ ገይሩ ዝኣወጀ ወገን ገባርን-ሓዳግን ዝኾነሉ፡ እቲ ተሰዓሪ ኮይኑ ዝተፈርደ ወገን ድማ ናብ ስደት ክበሊ ዝተፈርደሉን ዕለት ነበረ። ዘርኢ ውልቀ-ምልኪ ብዕሊ ዝተዘርኣሉ ዕለት`ውን እዩ። `ኣብ ሓራ ኤርትራ፡ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ክህልዋ፡ ብብሕታዊ ክፋል ዝምራሕ ተወዳዳሪ ስርዓተ-ቍጠባ ክህሉ` ንዝብል ውሳነ ናይ 1977ን ናይ 1987ን ናይ ህዝባዊ ግንባር ውድባዊ ጕባኤን ዝነጽግ ኣዋጅ`ውን ነበረ።

ኣይጸንሐን። እቲ ስንኩላን ክኸብሩን ብግቡእ ክእለዩን ዘተሓሳሰበ ኢሳይያስ፡ ስንኩላን ማይ ሓባር ብትእዛዙ ከምዝርሸኑ ገበረ። ኣብቲ እዋንቲ ብስም ጽገረዳ ገብረኣምላኽ ዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝጽሕፍ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱን ካልኦትን፡ ንኢሳይያስ ከም ሓደ ተራ መራሒ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ሕድሪ ሰማእታትን ሓላፍነት ስንኩላትን ስድራ ቤት ስዉኣትን ዝኸበዶ መራሒ ገይርካ ናይ ምስኣል ድራማ ይቐርብ ምንባሩ ናይቲ እዋን ናይ ሓዳስ ኤርትራ ገጻት ገናጺልካ ክርከብ ይከኣል። እቲ ስድራቤት ስዉኣት ክናበዩ ዝጸውዐ ኢሳይያስ ከኣ፡ `ወጠጦ ዲና ክንሓርደሎም፡ በርሚል ነዳዲ ዲና ከነብጽሓሎም` ክብል ንግቡእ ሕቶ ጽጉማት ስድራቤታት ከናሹ ጊዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ምትላል ኣብኡ ኣየብቀዐን። እቲ `ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይክህሉን`ዩ` ዝበለ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ፖለቲካ ክህሉ፡ ብብሕታዊ ክፋል ዝምራሕ ቍጠባ ክህሉን ዝብል ሃገራዊ ቻርተርን ሃገራዊ ማክሮ-ፖሊሲን ዝጸሓፉሉን ዝእወጁሉን ኣብ ዘነበሩሉ እዋን፡ ንምፍራስ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስረሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ነበረ። ቀጺሉ`ውን፡ ጻውዒት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ንሃገራዊ ዕርቂ ዕሽሽ ብምባል`ውን ደጋፊ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሃገራዊ ቅዋምን መሲሉ ቀረበ። መዓልቱ ምስኣኸለ ድማ፡ ነቶም ንዕርቂ ዝጠልቡን ዘጽደቑዎ ቅዋምን ብሓደ ኣጥፍኦም። ሕጂ`ውን ከይተረፈ፡ እቲ ጽላሎት ብዛዕባ ሰላምን ዞባዊ ርግኣትን እናተዛረበ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኢሳይያስ፡ ዶብ ይርግጥ ኣሎ፡ ስቓይ መንእሰያት የናውሕ ኣሎ፡ ከበሮ ኲናት ይሃርም ኣሎ።

ኣብ መንጎ 20 ሰነን 1991ን፡ 20 ሰነ 2020ን ግን ሓደ ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። እቲ ብርሃን እናቐረበን እናደመቐን ኣብዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ጽላሎት ብኡ መጠን እናሃሰሰ ይኸይድ ምህላዉ`ዩ። ድሕሪ `ኣይከሰርናን፡ ክልተ ህዝቢ ዝብሃል የልቦን፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና` እቲ መሕብኢ በዓትታት ዝተወድአ ይመስል። ዕስራ ሰነ 2020ን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንሰማእታቱ ካብ ኢድ ኢሳይያስን ህግደፍን ዝመንዝዓላ ዕለት ኮይና ትብዕል ኣላ።    

መደምደምታ

ሕማቕ ዕድልና ድዩ ኮይኑ ወይ ብሕምቀትና፡ እቶም 1991 ዝነበሩ ጸገማት ኣብ ቦታኦም ከለዉ፡ ካልኦት ሓደስቲ ቍስልታት ተወሲኾሞም ዝያዳ ደሚቖም ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ኣለዉ። ባህላውያንን ዘመናውያንን ትካላትና ደኺሞም፡ ማሕበራዊ ፍልልያትና ብኡ መጠን ገፊሑ፡ ኢኮኖሚና ባይታ ዘቢጡ፡ ካብ ከባቢናን ዓለምን ተነጺልና፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሓደጋ ተቓሊዕና ንርከብ። ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ዘተኰረ መስርሕ ዕርቅን ፍትሕንዶ ንኽተል፡ ወይ ቍስልና ሓቢእና ቍጠባዊ ዕብየት ከም መፍትሒ ኵሉ ጸገም ጸገም ወሲድና ናብ 1991 ንምለስ፡ ኵሉ ደላዪ ለውጢ ክሓስበሉ ዘለዎ እዩ።                      

ሰማእታት ኤርትራ ንዘልኣለም ይዘከሩ!

Previous Post

ATV: “ኣነ ብእግረይ ክኸይድ ከለኹ፡ ክልተ እግሮምን ህይወቶምን ዝሰኣኑ ሰማእታት ኣለዉና፡` ቃል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

Next Post

Subject: “EU says no more money to Eritrea”, By Habte Hagos, Monday, 15 June 2020

Next Post

Subject: “EU says no more money to Eritrea”, By Habte Hagos, Monday, 15 June 2020

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
4 years ago

QUOTE: መደምደምታ
ሕማቕ ዕድልና ድዩ ኮይኑ ወይ ብሕምቀትና፡ እቶም 1991 ዝነበሩ ጸገማት ኣብ ቦታኦም ከለዉ፡ ካልኦት ሓደስቲ ቍስልታት ተወሲኾሞም ዝያዳ ደሚቖም ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ኣለዉ። ባህላውያንን ዘመናውያንን ትካላትና ደኺሞም፡ ማሕበራዊ ፍልልያትና ብኡ መጠን ገፊሑ፡ ኢኮኖሚና ባይታ ዘቢጡ፡ ካብ ከባቢናን ዓለምን ተነጺልና፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሓደጋ ተቓሊዕና ንርከብ። ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ዘተኰረ መስርሕ ዕርቅን ፍትሕንዶ ንኽተል፡ ወይ ቍስልና ሓቢእና ቍጠባዊ ዕብየት ከም መፍትሒ ኵሉ ጸገም ጸገም ወሲድና ናብ 1991 ንምለስ፡ ኵሉ ደላዪ ለውጢ ክሓስበሉ ዘለዎ እዩ።   UNQUOTE       

ርእይቶ
ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ዘተኰረ መስርሕ ዕርቅን ፍትሕንዶ ንኽተል፡ ወይ
ቍስልና ሓቢእና ቍጠባዊ ዕብየት ከም መፍትሒ ኵሉ ጸገም ጸገም ወሲድና ናብ 1991 ንምለስ፡

ሃየ፡ እንታይ እዩ መልስና፨
ቅድም ቀዳድም፡ ድልየትናን ጸገምናን ክንፈልጥ ኣለና።
ድሕሪኡ ሓደ ጉጅለ ፡ ስማንያ – ተስዓ ዘይኮነ ፡ ክምስረት ይግባእ ።
ጉጅለ ስርሑ ይጅምር፣ ምስ ዓለም [ኤርትራዉያን] ይራኸብ ።
እታ ዓላማ ሓንቲ እያ፡ በዚኣ እዋን እዚኣ፡ >>> ናይ ኤርትራ ካልኣይ ሓርነት፣ ካብ ውሽጣዊ ጸላኢ።
እቲ ዝቕጽል ፈተነ ብእዋኑ ይትንተን። ኣሜን — ኢንሻላሕ

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply