Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዓለምለኻዊ ኤሪትራዊ መኸተ ኣንጻር ንህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ኣንጸላልዩ ዘሎ ኣዕናዊ ኩናት

Atv Asena by Atv Asena
5th November 2020
in Articles, Tigrinya
7
0
SHARES
958
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ወርቃዊ ትስፍው ጊዜ፥ ኣብ 1987 ኣብ ካለኣይ ውድባዊን ሐድነትን ጉባኤ  ኣብ ሳሕል።

ዓለምለኻዊ ኤሪትራዊ መኸተ ኣንጻር ንህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን  ኣንጸላልዩ ዘሎ ኣዕናዊ ኩናት

ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ  በዓታይ፥ ኣባል ፎካስ ኤሪትራ

እዛ ጽሑፈይ ኣዳልየ ንረብዕ ንግሆ 4/11/20 ክሰዳ ምስ ተቀረብኩ   ኣቢይ ኣሕመድ ኩናት ኣቭ ልዕሊ ክልል ትግራይ ከም ዝኣወጀ  ብተለፎን ይንገረኒ። ኣብ ኣሰና ሳታላይ ቲቨ ከኣ እቲ ሐቤርታ ይረኽቦ። ብተወሳኺ ኣብ ኤሪትራ ሃብ ብማርቲን ፕላውት ዝተጻሕፈ ተመሳሳሊ ነይሩ። ሐንተ ፍልይ ዝበለት ግን ብራሺድ ኣብዲ  ዝተላእከት ናይ ትዊተር መልእኽቲ እያ።  እታ ትዊተር ከምዘላታ እንሆ። እወ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዘሎ ሐደጋስ ኩሉ ኤሪትራዊ ዝፈልጦ እዩ ድኣብ ግብሪ ግን ኣይግድን።

Ethiopia's northern command

እቲ ሐደጋግነቱ (the risk)  ኤርትራ እንተ ኣትያቶ እዩ ይብል ራሸድ። እዚኣ  ቅሳነት ከሊኣትኒ ዘላ ነጥቢ እያ። እዚ እቲ ኢሳያስ ኤርትራ ንመንእሰይ ኤሪትራዊ ከጽንት ኮነ ኢልካ ዝገብሮ ዘሎ እዩ። ተተገፊፎም  ኣብዘይ ኣምኑሉ ኩናት ዝኣትዎ መንእሰያት ዕጨኦም እንታይ ክኸውን እዩ።

ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤሪትራውያን ጅምላዊ ህልቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራን ኤትዮጵያን  ዘስዕብ ኩናት ብትሪ ክንቃዎ ኣለና። ኣብ  ዲሞክራሲያውያን ሀገራት ምዕራብ እንነበር ኤርትራውያን  ናይ ቃልሲ   ታሪኽ  እነምዝግበሉ ወቅታዊ ጊዜ ሕጂ  እዩ።

ከም ዝፍለጥ   ኣብ መንጎ  ብዶር ኣቢይ ኣሕመድ  ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን  ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ  ክልል ትግራይን ሐደገኛ ኩናት ኣንጸላልዩ ኣሎ።

 ኤሪትራ ልዑላውነት ሀገር ክነሳ  ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብዚ ኣዕናዊ ኩናት ክትካፈል ፈሪዱዋ  እዩ።   እቲ ዝኸፋኤ ግን ኢሳያስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክዘምቱ ኣብ መሪየት ኤርትራ ክኣትዉ ኣፍቂድሎም እዩ።  ወታሃደራት ኢትዮጵያ   ምስ ሰራዊት ኤርትራ ኮይኖም ንትግራይ ከኽብቡ እዩ እቲ ሕጂ ዝረኤ ዘሎ ምሽብሻብ።

ወረ ሎምስ ዘይንሰምዖ የብልናን እቶም ናይ ሳዋ ታዕለም ዝወድኡ ናብ  ከም ወትሩ ከዕርፍን ናፍቆቶም ከውጹኡን ናብ ስድረኣም ክንዲ ዝኾዱ በዘይ ገለ ምቅርራብ  ኣብ ኩናት ክካፈሉ  የገድድዎም ኣለዉ። እቲ ዝኸፋኤ እተን ደቂ እንስትዮ ናይ ወርሒ ጽድያተን  ዝከላኸል ሞደስ ካልእ ኣድላየ ነገር ከይሓዛ ተጨውየን ከይፈተዋ ኣብቲ ምሽብሻብ ኣትየን  ይርከባ።

እዚ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ኩናት  proxy war ሂዎትን ዕንወትን ህዝቢ ኢርትራ ሰዊእኻ – ኣብ ዶብ   ኤርትራ ተበጊስካ  ንትግራይ ምውጋእ  እዩ።   ኣብ ባይታ ዝረኤ ዘሎ ምሽብሻብ ምስክሩ ኮይኑ  ኣሎ። እዚ  ንህዝቢ ኤርትራ ኣፈርክቡ  ጊዜ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።  እዚ ንዓለም ዘሻቀለ  ስለዝኾነ  ንዕርቂ ክሽምግሉ ከም ኣፍሪቃ ሕብረት ሕብረት ኤሮጳን ብተብተብ ዝንቀሳቀስሉ  ዘለዉ ኣፈርክቡ  እዩ።

እዚ ንልኡላውነት ኤርትራ   ኣብ ሐደጋ ዘውደቀ  ነቲ ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ  ኤርትራ ንዓመታት ዝፍፈጸሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤሪትራ ፥ እሞ ናይ ሕብራት መንግስታት መርማሪት ሽማግለ ኣብ  ኤሪትራ መደምደምታ ዝሃበትሉ – ብዝኸፋኤን ብዝልዓለን ክቅጽሎ ሒዝዎ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊን መደብ እዩ። ሕቡራት መንግስታት መርማሪት ሽማግለ ከምዚ ክትብል ጸብጻብ ብሰነ 2015 ኣቕሪባ ‘’ ኣብ ኢርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ኣዳም (ህዝቢ ኤሪትራ ) ተፈጺሙ “ ዝብል እዩ። እቲ ኮሚሽን ናብ ናይ ዓለም ፍርዲ ቤት ክቀርብ ኣለዎ ዋላ እዃ  እንተበለ – ሕብራት መንግስታት ግን ክሳብ ሕጂ ወንዚፎሞ ይርከቡ። ንኢሳያስ ድላዩ ክገበር ኣተባቢዕዎ ጥራሕ ዘይኮነ – ንዓኡ ዕሽሽ ኢሎም ሐጋዝ እንሃቡ ስልጣኑ ኣደልዲሎሞ እዮም።  ህዝቢ ዓለም እንታይ ከይገብረኒ ኢሉ   ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ  ኩናት ክጠብሶ ስኽፍ እውን ኣይብሎን እዩ ዘሎ።    ብድሕረይ ኤርትራ ሳዕሪ ኣይብቆላ ዝብል ዘይሰብኣዊ  ውሳኔታት ዘለዎ ይመስል ።

 ደጊም ኢሳያስ ናይ  ህውከትን ኩናትን ሰብ ምዃኑ ኣብ ዝተቓለዓሉ ጊዜ  ካብ ዓቅሊ ጽበት ንህዝቢ ኤሪትራ ለኪመ ክጠፍእ ዝብል ርኹስ ሰይጣናዊ  ኣተሓሳስባ ዝነቀለ ክኸውን ይኽእል እዩ እምበር እዚ ኩናት ሲዒርካ ተሳዒርካ  ናይ ሰብ ሂወት ምጥፋእን ዕንወትን እንተዘይኮይኑ ካልእ  ሓንቲ ፋይዳ የብሉን።   ግን ኣብዚ ጊዜ ኢሳያስ ምሉእ ብምልኡ ተቃሊዑስ እተን – ይመሓየሽ ይኸውን ኢለን ዕድሚኡ ከናውሕ ብገንዘብ ዝሕግዛኦ ዝነበራ ሃገራት  እውን – ብገበኑ ክኸሰኦ  ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ንሽወደናዊ ኤሪትራዊ  ዳዊት ኢሳቅ ብዘይ ፍርዲ ን19 ዓመት ምእሳሩ – ብገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ኣዳም (ኢርትራውያን) ንኢሳያስን  6 ደቂ መዛምርቱን ከም በዓል የማነ ገብረኣብ ሐጎስ ኽሻ  ከሲሶሞም ኣለዉ።  ኣብ ሽወደን እንተኣትዮም ተኣሲሮም ንፈርዲ ክቀርቡ እዮም። ኣብ ካልኦት ሀገራት እንተ ኣትዮም እውን ውሕስነት ይበሎምን። ብዓቢኡ  ፓርላማ (ባይቶ)  ሕብረት ኤሮጳ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ውሳኔ የሕሊፎም።  መልካዊ ስርዓት ሸበድበድ ኣትዩዎም- መርዚ ክዕዮሙልና -መንግስቲ ክ ቕየር ይጽዕሩ ኣለዎ እናበሉ ሪዒዶም  የዕገርግሩ ኣለው። እዚ ግን ኢሳያስ ለኪመ ክጠፍእ እየ ዝብል መደምደምታ ከብጽሖ ይኽእል እዩ።

ኣቢይ ኣሕመድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤሪትራ ከውጽእ ክሕተት ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ  ዘይዓደሞም ናይ ወራር ሰራዊት እዮም። ኣቢይ ኣሕመድ  ብገበን ዝጠልቀየ ሰብ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን ምስ ኢሳያስ ብምትዕርራኽን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽነት ዘሎ ናይ ሁከት ነቢይ ዝኾነ  ኢሳያስ ሐቢሩ ክዋጋእ መሪጹ ። ንሱ እውን ከም  ኢሳያስ ጭቆናን ስቃይን  ህዝቢ ኤሪትራ ኣይግድሶን እዩ። ኣቢይ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ከበስር  ኣብ ኢሪትራ    ምስ መጸ ህዝቢ ብዓቢ ኣቀባበል ተቀቢልዎ።    ሕጂ ግን ኣንጻር  ድልየት ሰላም ህዝቢ ኤሪትራ ይሰርሕ  ስለ ዘሎ። ካብ ኤሪትራ ሰራዊቱ ከውጽእ ንሓትት።  ንዓለም ከኣ ኣቤት ንብል።

 እቲ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ኢሳያስ ህዝቢ ኤሪትራ ኣንበርኪኸዮ እየ ኣብ ኩናት ክእትዎ ጸገም የብለይን ኢሉ እዩ – ን ኣቤይ ኣሕመድ የእሚኑ   ተሓባባሪ ንህልቀት ህዝቢ ኤሪትራ ገይርዎ ዘሎ።  ድልየትና ናይ ሰላም ጉዕዞ ስለዝኾነ ንምምጻእ ሰላም ክንረባረብ ኢና። ዜጋታት ንሰላም ኣብ ስደት – መቀጸልታ ናይ ኣስመራ ክኸውን ኢዩ። ካብቲ ጭርሖና  ብኸፊል

                    “ድልየትና ሰላም እምብር ኩናት ምስ ጎረባብትና ህዝቢ ኢትዮጵያ  ኣይኮነን፡

                      ሰራዊት ኢትዮጵያ  ካብ  መሬት ኤርትራ ይውጽኡ – መኣስ- ሕጂ

                        ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤትዮጵያ ብሕልፊ  ንህዝቢ ትግራይ

                        ህዝቢ ኤርትራ ሰላም እምበር ኩናት ኣይድልዮን  እዩ

                        ኢሳያስ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድካ ስሐብ

ናይ ፎትግራፍ መግለጺ፥    ጉባኤ እናተኻየደ ከሎ ካብ ቦታይ ተንሲኤ ካሜራይ ሒዘ  ኣብቶም መራሕቲ ዝነበርዎ ጸጋማይ ክንፊ ና ይቲ ጉባኤ ህሩግ ኢለ- ገጸይ ኣብሪሄ መራሕትና ከነለሊ እባ ኢሊ ካሜራ ምስ ኣውጻእኩ  ንሶም እውን ናይ ሐጎስ ፍሽክታ ደኣ ለገሱለይ ኣነ ከኣ ነታ መልጎም ጸቀጥኩዋ። እታ ፈቶግራፍ ተፈታዊት ኮይና ኣብ  ፈቀዶ ኤግዚብሽናት ትርከብ። እዚኦም ናይ ኩናት መራሕቲ ዶ ይእሰሩ። እት  ዘምጽኡዎ ናይ ዓወት ሽግ መንእሰያትና ተቀቢሎም ክዛዝምዎ እዮም። ምስ ይኣክል ንቅድሚት።

Previous Post

Isayas Afwerki’s WAR appetite

Next Post

ATV:ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኢዱ ከይሕውስ፡ ንዕብዳን ኢሳይያስ ክዂንን፡ ንሰላም ደው ክብል ጸዊዑ

Next Post
ATV: Interview with Ambassador Andebrhan / ዝርርብ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ATV:ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኢዱ ከይሕውስ፡ ንዕብዳን ኢሳይያስ ክዂንን፡ ንሰላም ደው ክብል ጸዊዑ

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
7 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Girmay berhane
Girmay berhane
4 years ago

Bitaemi tsibuk I support 100%

0
Reply
Teklai Abraha
Teklai Abraha
4 years ago

ኣዝዩ ዝነኣድን እዋናውን ጽሑፍ ። ስለ እቲ ሙቕሉልን ንሰላምን ድሕነትን ዝዕድም መጸዋዕታኻ የመስግነካ። ካብ ኩናት ዝረብሑ ዓመጽቲ ጥራሕ እዮም ። ስለ ዝኾነ ድማ ፤ ጸረ ዓመጽቲ ሓቢርና ንቃለስ። ተኽላይ ኣብራሃ

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

 “እዚኦም ናይ ኩናት መራሕቲ ዶ ይእሰሩ።”>>> it is the most intriguing question of our time.
The photograph genuinely authentic it captures and broadcasts the mood of every character depicted. I wish we can rewind the hands of time and correct the critical mistakes we made, we wouldn’t be in this lopsided scenario we are in today. Look who is paying for it now. Eternal glory to those who fell on behalf of us.  

0
Reply
Zeregabir
Zeregabir
4 years ago

Mr. Baatay, this will be continuing until Isayas Afwerki is in power. Let us organize ourselves and start to throw Isayas Afwerki. Not being in complement of Eritrea but join the field again. Let us be in Sahil and Barka.
Isayas wed we-etka ekon,

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Zeregabir
4 years ago

“Not being in complement of Eritrea but join the field again. Let us be in Sahil and Barka.”

Zeregabir

ጹቡቅ ሓስብ እዩ ፥ ግን በቲ ብቀሊሉ ክትግበር ዝኽእል እንተ ንጂሚር ፥ ነቶም ኣብ ምስራቅ ሱዳንን ትግራይን ዝርከቡ መንእሰያትና ሞራል ምሃበ ። ንዖኦም መበገሲ ምኾነ።
እቶም ኣብ ሱዳን ደቆምን ኣንስቶምን ጠንጢኖም ንዓዋተ ዝሳዓቡ ደቂ ሃገር ፥ ዓቢ ጅግንነት እዮም ፈጺሞም።
ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ ፥ ካብኡ ዝታሓተ እዩ። ገለ ካብኡ ኣብቲ ዉሑስ ናብራን ሰላማዊ ህወት ኣብ ነሕልፈሉ ዘለና ሃገራት ክንገብሮ እንኽእል እዩ ።
እንተ ዘይሰመርና ፥ ኩሉ ዓቅምታትና እንተ ዘይጠርነፍና ፥ ነዚ ኣረመናዊ ስርዓት ክንኣሊ ኣይንኽእልን ። ልብና ሓደ ክሳብ ዘይኮነ ክንብገስ ኣይንኽእልን ።
ውሑዳት ሰባት ፥ ምእንቲ ውድብና ወይ ማሕበርና ፥ እዳ በሉ ዘጥፉኡዎ ዘለዉ ግዜ ፥ ኣብ ዕድመ ናይ ህግደፍ ዝውሰኽ ዓመታት እዩ።

Last edited 4 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

ናብ ክቡር ሓላፊ ጽሕፈት

ሓንቲ ንውሕ ዝበለት ጽሕፍቲ ኣቕሪበ ነይረ
ጽቡቕ ነጥብዉን (+1) ረኺበላ ባህ ኢሉኒ፡ ክምኩሉ ጸሓፋይ
ሕጂ ግን ጠፊኣ 
ገለ ደኾን ገረ ኢለ ደንጽዩኒ 
ምፍላጡ ይጠቅም ንሓዋሩ ብማለት ክዓ ነዚኣ ሓንጠጥኩ ። 

0
Reply
rezen
rezen
Reply to  rezen
4 years ago

ይቕረታ 
ረኺበያ !!!! ኣብ ካልእ ጽሑፍ ዳርጋ ሓደ ኣርእስቲ 
ምስላ ኣሎ ይመስለኒ >>> ህዉኽ ዝበኢ ………….

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
7
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply