ሓደ ኬንያዊ ነጋዳይ-ፖለቲከኛ ብብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ዝምርመረሉ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ እቲ ጉዳይ ክምርመር ካብ ዝሓተቱ ከሰስቲ ደኣምበር፡ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውረ ዘሎ ተኸሳሲ ከምዘይኮነ ተፈሊጡ።
ናይ ንግድ ድሕረባይታ ዘለዎ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ብልሽውና ፈጺሙ ከይከውን ኣብ መስርሕ መርመራ ፖሊስ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ኣውፋሪ፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ መርመራ ዝርከብ ብዓል ዋኒን ኮይኑ ከይኸውን ኣብ ጋዜጣ ንዝተጠቕሰ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢንተነት ዝጋዋሕ ዘሎ ዝንቡዕ ሓበሬታታት መሰረት ዘይብሉ ናይ ጸለመ ወፍሪ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ በንጻሩ ሓደ ካብቶም እቲ መርመራ ክካየድ ዝሓተቱ ወገናት ምዃኑ ውን ተፈሊጡ። ብመሰረት
ቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቲ ሓቂ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
ገለ ኬንያውያን ነጋዶ ንሰራዊት ኬንያ ዝኸውን ቀረብ መግቢ ኣብ ምቕራብ ብመንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ከምእተዓወቱ ብምሕባር፡ ከም ኣውፈርቲ ክጽንበሩዎም ንዘቕረቡሎም ዕድመ ገለ ኤርትራውያን ንዕድሚኦም ብኣውንታ ተቐቢሎሞ። እቶም ኣምባሳደር ሃይለ ዝፈልጦም ተጋደልቲ ነበር ኤርትራውያን፡ ርእሰማል ምስ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ከራኽቦም ብዝሓተቱዎ መሰረት ከኣ፡ ኣምባሳደር ሃይለ ተሓባቢሩዎም። ምስ ግዜ፡ እቲ መብጽዓ ዝተኣትወሉ ክፍሊት ስለዘይተግብረ፡ እቶም ኬንያውያን ነጋዶ ተዓዊትና ዝበሉዎ ኩንትራት ቅንዕንኡ ኣብ ሕቶ ወዲቑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣምባሳደር ሃይለ፡ ምስቶም ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ኣውፈርቲ፡ ሰበስልጣን ኬንያ ነቲ ጉዳይ ክምርምሩዎ ሓቲቶም።
ስለዚ፡ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ መርመራ ክካየድ ካብ ዝሓተቱ ሓደ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከሳሲ ደኣምበር ከምቲ ገለ ምናልባት ሰኣን ሓበሬታ ገለ ድማ ብፍላጥ ምእንቲ እኩይ ዕላማ ኣዘንቢዖም ከውርዩዎ መሪጾም ዘለዉ፡ ተኸሳሲ ኣይኮነን።
እቲ ኣብ ኬንያዊ ጋዜጣ Sunday Nation ወጺኡ ዘሎ ብዙሓት ከም ምንጪ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ዓንቀጽ፡ ዋላ ንገዛእ ርእሱ ብዙሕ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት ኳ እንተለዎ፡ ነቲ ዝርካቡ፡ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ዘረጋግጽ መስመራቱ
ውን ገለ ሰባት ኣዘንቢዖም ይዝርግሑዎ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
መርመራ ናይዚ ጉዳይ ኣብ መስርሕ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እቶም ከሰስቲ፡ እንተላይ ኣምባሳደር ሃይለ ከም ውሕስነት ናይቶም ኣውፈርቲ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኬንያ ነቲ ጉዳይ ኣቕሪቦሞ ከምዘለዉ ውን ተርጋጊጹ
ሎ።