ካብ ንጓና ምኽሳስ፡ ምስ ህዝብኻ ምትዕራቕን ኣበራትካ ምእራምን’ዩ ሓላል
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣካይዳ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ብግቡእ ስለዘይፈልጥን ብትዕቢትን ቅርሕንትን ዝኽሓነ ግናይ ፍጥረት ስለዝኾነ፡ ንኤርትራን ህዝባን ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ኮረና ቫይረስ ካብ ዓለም ከምትግለልን ከምትውሸብን ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ’ሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ሕጊ ኣልቦ ምሕደራን ከምኡ’ውን ኣብ ጉረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ዝፍጽሞ ዕንደራን ከቋርጽ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝቀርበሉ ምሕጽንታን ነቐፌታን ጸማም እዝኒ ኢዩ ዝህቦ። ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ንስልጣኑን ንጅቧታቱን ዝትንክፍ ጉዳያት ክሰምዕ እንከሎ ሓቂ ክቅበል ጸላዕላዕ ስለዝብሎ፡ ከም ቀርና ዝተሃርመት ላም ዓበድበድ ክብልን ምስሉይ ግብረ መልሲ ክህብን‘ዩ ዝቐዳደም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ደቂ ሰባት እኹል ምትሕብባር ወይ ኣበርክቶ ኣይገበረን ብዝብል ምኽንያት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንኤርትራ ካብ ሰብኣውን ንግዳውን ሓሊፋ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ከምዘይገብር ዝእግድ ውሳኔ ምስ ኣሕለፈ፡ የማናይ ኢድ መላኺ ኢሳያስን ሚኒስተር ዜናን ጉጅለ ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ ልሙድ “ኣመሪካ ትዘርየና ኣላ” ዝብል መደናገርን ቆዛምን መግለጺ’ዩ ኣቅሪቡ።
የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ ኣብቲ ብ2 ጥቅምቲ ብናይ ውልቑ መርበብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብውሳኔ ፕረዝደንት ትራምፕ ሕጉስ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ግዳይ ናይዚ ዘስካሕክሕ ዓለማዊ ገበናት ንግዲ ሰባት ክንሳ ምስ ግናይ ተርእዮ ንግዲ ደቂ ሰባት ምሕዋሱ ግጉይን ንኤርትራ ጸለሎ ምቕባእን ምዃኑ ገሊጹ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣበራቱ ኣሚኑን ህዝቢ ኤርትራ ኣኽቢሩን ኣብ ቅድሚ ሓቂ ጠጠው ክብል ድፍረት ስለዘይብሉን ባህርያቱ ስለዘየፍቕደሉን፡ ወትሩ ካብ ልቢ ዘይነቕል ንብዓት ሓርገጽ’ዩ ዝነብዕ።
ኩልና ከምእንፈልጦ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት ጽልዋታተን ከስፍሓን መኽሰባተን ክግሕጣን ጸፋዕፋዕ ዝብላ ሃገራት፡ ሃገራዊ ረብሓታተን ከቐድማ እምበር ጸገማት ካልኦት ሃገራት ክፈትሓ ከምዘይሓስባ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ወዮ ድኣ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ የብሉን እምበር፡ ቅድሚ ንኻልኦት ሃገራት ምውንጃልን ዓለም ትዘርየና ኣላ እናበልካ ንዓመታት ምግዓርን፡ ኣገባብ ኣሰራርሕኡ ከመሓይሽ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክዕረቕን ብሕጊ ክግዛእን’ዩ ዝግባእ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ቀዳማይ ተሓታቲ ጠንቂ ስደትን ምብትታንን ህዝቢ ኤርትራ እንከሎ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ክስን ፍርድን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተነጸለ ቦታን ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ኣኪቡ እናኣሳቐየን ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ገቢቱን መባእታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣዕንዩን ክንሱ፡ ብዘይካ ንገዛእ ርእሱ ከም ገበነኛ ምቑጻር ንኻልእ ኣካል ክኸስስ ሞራላዊ ሓላፍነት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓለም ምስ ጥቕሚ እምበር ምስ ፍትሒ ጠጠው ከምዘይትብል ካብ ሕሉፍ መሪር ተመኩሮኡ ዝግንዘብ’ኳ እንተኾነ፡ ልቦና ዝመልኦ ኣከያይዳ እንተልዩካን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምታትካ እንተኣሚንካን ግን ኣብ ዓለም ክተወዳደር ትኽእል ኢኻ። ከም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ድርቕናን ፈኸራን ትደጋግም እንተኾይንካ ግን ውጽኢቱ ውድቐትን ተነጽሎን’ዩ።
ሓቐኛ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሰብ የለን። ንጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ዘገድሶን ቀዳምነት ዝህቦን ስልጣንን ገንዘብን ስለዝኾነ፡ ብዛጵባ’ቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዘስካሕክሕ ናብራ ዘሕልፉን ህይወቶም ዝስእኑን ዘለዉ ኤርትራውያን ብሒም ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ዋላ’ውን ብዛዕባቶም ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ልዕሊ 350 ኤርትራውያንን ዓለም ምሉእ ዘሕዘነን መቕዘፍቲ ክዛረበሉ ሓኒኹ’ዩ። ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ድማ፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ገሊጹዎም።
ዓለም ዝሓየለ እምበር ፍትሒ ዝሓዘ ስለዘይነብራ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ረብሓታቱ ንምሕላው፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራትን መንገስታትን፡ ብቁጠባ ወይ ብዲፕሎማሲ እገዳ ምፍጻም ሓሊፉ ክሳብ ብሓይሊ ክቀጽዓካ ጠጠው ዘብሎ ኣካል የለን። መንግስቲ ኣመሪካ ትርከበን ካልኦት ቅልጽም ኣለና ዝብላ ሃገራት ግን፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ጸማም እዝኒ’የን ሂበንኦ። እዚ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ ከፊላዊ እገዳ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ኣጽናቲ ሜላታትን ገበናትን ክወዳደር እንከሎ ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣሽምባይዶ ሃገር ከማሓደር ከም ተራ ሰብ’ውን ክህሉ ዘይግብኦ ፉንፉን ፍጥረት’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ሰላም ንምስፋንን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ዕዙዝ ተራ ከምዝጻወት ብዙሕ እዋን ይዛረብ’ዩ። እንተኾነ ን30 ዓመታት ብኢደ ዋኒንካ ኣብ ስልጣን ተወጢሕካ፡ ሕጊ ረጊጽካ፡ መሰል ሰብ እናግሃስካ ግሉጽነት ዘይብልካ፡ ቤትካ ከየጽረኻ በየናይ መለክዒ ብዛዕባ ካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ክትሓስብን ክትሰርሕን ዝከኣል ኣይኮነን። ብኣፍካ እንተበልካ’ውን ዝኣምነካ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ኢትዮጵያ ውሱን ኣገልግሎት ተለፎንን በረራ ስለዝጀመረ ሰላም ሰፊኑ እንተበለ፡ ብዋጋ ልኡላውነት ኤርትራ ምጥላዕን ኣብ ስልጣን ክነብርን እምበር፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝሓለየ ኣይኮነን። ነቲ ውልቐ መላኺ ኢሳያስ መሬትና ተጎቢጡ ኢሉ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ኩናትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዋጋ ዝኸፈሉሉን ክውንነት ጠሊሙ፡ “ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፋኣናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ኢና ጸገም ዶብ የብልናን” ምስበለ፡ ንሕና ኤርትራውያን ሰብ ጉዳይ ዘይኮና ዋላ ኢትዮጵያውያን’ውን ክዒቦሞ ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ጉድለታቱ ዝእርምን መረረ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ፍታሕ ዘናድን፡ ሓንሳብ ንመራሕቲ ወያነ ካልእ እዋን ድማ ንመንግስቲ ኣመሪካ ክኸስስ ጸሓይ ይዓርቦ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ልብን ሃምን እንተዝህልዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ? ስለምንታይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ “ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ” ኢሎም ኣንጻሩ ናይ ተቃውሞ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱን ብመራኸቢ ብዙሓን ፍትሒ ክነግስን ልእላውነት ኤርትራ ክሕሎን ይጠልቡ ኣለዉ ክስቆሮ ይግባእ።
ኣብዚ እዋን’ዚ መላኺ ኢሳያስ ብህዝቢ ኤርትራ ስለዝተኻዕበን ብእከይ ተግባራቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝተጸልአን ስለዝፈልጥ ንጽላለቱ‘ውን ኣይኣምናን’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ምስ ሒደት ስሱዓትን ኣስሓኮ ዘይብሎምን ስዓብቱ፡ ትካላት ስለያን ጸጥታን ዜናን ወኒኑ’ዩ ብስክፍታ ዝነብር ዘሎ። መላኺ ኢሳያስ፡ ንየማነ ህበይን ዑስማን ሳልሕን ደብዳበ ከብጽሑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይልእኮም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን መቀበሊ ኣጋይሽን ድማ ክወፍርን ክምለስን ይስንይዎ። እቶም ስማውያን ሚኒስተራት ስሩዕ ኣኼባ ይትረፍ ክዕደሙ፡ ኣብ ገጽ ካሜራ ካብ ዝጠፍኡ’ውን ነዊሕ ኮይኑ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ ከይኣኽሎ፡ ብሰንኪ ሜላታት ህግደፍ ካብ ዓለም ከምዝንጸልን ሕማቕ ታሪኽ ከምዝህልዎን ኮይኑ’ሎ’። መላኺ ኢሳያስ ገንዘብ እንተረኺቡ ንዝኾነት ሃገርን ትካልን ክኽድምን ብደምን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዕዳጋ ክገብር ጸገም የብሉን። ኣብዚ እዋን’ዚ መላኺ ኢሳያስ፡ ሕፍርቲ ወይ ምዕብልቲ ኤርትራ ክርኢ ስለዘይብህግን ኤርትራ ስለዝነኣሰቶን፡ ካብ ብዛዕባ ጸገማትን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ክሓስብን ክዛረብን ይቐለሉ።
ኤርትራውያን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፍልልያትናን ስቕታምናን ክነብርን እከይ ተግባራቱ ክፍጽም ከነፍቅደሉን ተወሳኺ ግዜ ክንህቦን ኣይግባእን። ብዓይኒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ትንፋስን ህይወትን ዘለዎ ኣቕሓ ኢዩ ዝቑጸር። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምሟት ስለዝኣበየ እምበር፡ ክጠፍእ ክበታተን ሞራሉ ክወድቕን መዓልታዊ ሕልሚ መላኺ ኢሳያስ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ጥዑይ ዝሓስብ ልቢ እንተዝህልዎ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ምጽራፍ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ መኣዲ ዕርቕን ዘተን ምዕዳም’ዩ ዘምሕረሉን ሓላልን ነይሩ። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዲ ዝዓይነቱ ካብ ሰብ ዝርሓቐ ኣረሜናዊ ጠባያት ስለዘለዎ፡ ናብ ጸሓይ ዕራብ’ዩ ክድርበ ዝግብኦ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 8 ጥቅምቲ 2020
No, Isayas is not foreigner to Ethiopia, rather his father’s and mother’s land. Please observe his show up in Ethiopia.
He is always sad in Eritrea, as chancellor of Asmara University, he never visited and inaugurated students. Lastly closed the University.