Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና!! – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

Atv Asena by Atv Asena
1st July 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
561
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና!!

ብመጀመርያ ካብ’ዚ  ሕማም ኮቪድ-19 ደሓን ክትህልዉ ዘሎኒ ድሌት እገልጽ። ሓደ ህዝቢ ጸላኢኡ መን ወይ እንታይ ምዃኑ ምልላይ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ መጀመሪያ ክወሰዶ ዘለዎ ስጉምቲ’ዩ። ገለ ካብ’ቲ ከበድቲ ጸገማት ህዝቢና ቅዋም-ኣልቦ ምልካዊ ምሕደራ ድንቊርና ድኽነት ምፍልላይ ማእሰርቲ ስደት ክንጠቅስ ንኽእል። ስለ’ዚ ጠንቂ ናይ’ዞም ጸገማት እንታይ’ዩ? ወይ መን’ዩ? ናትና ተራ ኣብ ምፍታሕ እዞም ሽግራትከ እንታይ’ዩ? ኢልና ምሕታት ናብ’ቲ መልሲ ገጹ ይመርሓና። ኣብ ልዕሊ እዚ ሓላል ህዝቢን እዛ ትእምርት-ጽንዓት ሃገርናን ጭካነኣዊ ምሕደራ እንዳረኣና ጽቡቕ ኣሎና ኢልና ንተዓሻሾ እንተዀንና ግና ከም’ታ ኣብ እዋን ሓደጋ ርእሳ ኣብ ሑጻ ትቐብር ትበሃል ሰገን ኰንና ህላወና ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንጠንቀቕ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ክንዲ ተማላላእቲ ተናቛቘርቲ እንዳዀንና፡ እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ ዝበልናዮ ንሕና ባዕልና ንኸውን ኣሎና።

ብዛዕባ ጸላእቲ ካብ ኣልዓልና ታሪኽ ሃገርና ታሪኽ መግዛእቲን ተጻባእቲን ኢዩ እንተበልና ሓቂ ኢዩ፡ ከመይ ኣብ ትሕቲ ዝተፋላለዩ ገዛእቲ ስርዓታት ሰንሰለታዊ ጭቆናን ሕሰምን ዘሕለፍና ስለ ዝዀንና። ህዝቢና ኣንጻር እዞም ዝተፋላለዩ ገዛእቲ ፍኑው ተቓውሞ ይገብር ነይሩ፡ ቀጺሉ’ውን ቃልሱ ወዲቡ ይኣክል ኢሉ ብረት ኣልዒሉ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ። ድሕሪ ነጻነትን ከም ሃገር ምቛምን ግና ህዝቢና ከም’ቲ ዝተጸበዮ እፎይታን ቅሳነትን ረኺቡ ፍረ ቃልሱን ጻማ መስዋእቱን ኣብ ክንዲ ዝሓፍስ ካብ መግዛእታዊ ስርዓታት ብዝገደደ መልክዑ ኣደዳ ስደትን ምብትታን ስድራ ቤታትን ማእሰርቲን ሕጊ ኣልቦነትን ኰይኑ ክመሓደር ዘደንጹን ዘገርምን’ዩ ።

እምበኣርከስ እዚ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ  ብባዕዳዊያን ገዛእቲ ዘይኰነስ ገረብ ብሓኽላ ከም ዝበሃል ብኣና ኣብ ልዕለና ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ። ብዓቢኡ እቶም  ቀንዲ ተሓትተቲ ናይ’ዚ ኩሉ በደል እቶም ተልእኾኦም ዘንጊዖም ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሞም ኣብ ስለጣን ዘለዉ ናትና ዝበልናዮም’ዮም።  ንሕና’ውን ከም ህዝቢ ተዓዘብቲ ኰንና ኣብ ልዕለና ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ እንዳረኣና ብፍርሒን ብናይ ደጋፊን-ተቓዋሚን  ፖለቲካ ዓዊርና፡ ዓገብ ስለ ዘይበልና ንዓና ዝበቅዕ መንግስቲ ረኺብና ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ምንዋሕ ጭቆናና ተሳተትቲ ንኸውን ኣሎና። ዓገብ ዘይብል ህዝቢ ድማ ወትሩ ክዕገብን ክብደልን ከም ዝነብር ባዕልና ንርእዮ ዘሎና ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ኢዩ ኸኣ እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና ዘበልና!

እዚ ሓላል ብሕጊ ዝምእዘዝ ደቁ መሪቑ ንቃልሲ ዘወፈየ ህዝቢ እንታይ ኣቢሱ’ዩ እዚ ኹሉ በደልን ግፍዕን ዝፍደ? ኢልና ክንሓትት ግቡእ’ዩ። ናይ ስነኣእሞሮ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ኣብ ሕሉፍ ሂወቶም ንነጻነት ንፍትሒ ክብሉ ጽቡቕ ስራሓት ዘበርከቱ ሰባት በቲ ዝገበርዎ ፍናን ይስምዖም’ሞ፡ ጽቡቕ ዝገበርኩ እንዲየ ብምባል ኣንጻር’ቲ ዝገበርዎ ጽቡቕ ነገር ንህዝቢ ዝብድል ሕማቕ ንኽገብሩ ንነብሶም ሞራላዊ ፍቓድ ይህቡዋ።ሕማቕ ይገብሩ ከም ዘለዉ’ውን ብሕሉፍ ታሪኾም ተደዓዒሶም ኣየቕልቡሉን። እቲ ዝብድልዎ ህዝቢ’ውን ብወገኑ በቲ ዝሓለፈ ጽቡቕ ስነ-ምግባሮም ተታሊሉ ናጽነት ዘምጽኡ እንድዮም ካብ ዝብል እምነት ነቲ ሞራላዊ ፍቓድ የጽድቐሎም፡ ብቀጻሊ ክብድልዎ ከኣ ስቕታ ይመርጽ። ሳዕቤን ናይ’ዚ ድርብ ሞራላዊ ፍቓድ ኣብ ሃገርና ዘኸትሎ ዘሎ ጉድኣት ከኣ ንርእዮ ዘሎና’ዩ።

ጸገማትና ንከይንፈትሕ መሓንቖ ኰይኑና ዘሎ ብሰንኪ ዘይምርድዳእን ዘይምጽውዋርን ጽን ኢልና ዘይምድምማጽን’ዩ። ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ዘሎ ገዚፍ ገበል እንዳወሓጠና ኣዒንቲና ዓዊርና ምርኣዩ ስኢንና ኣብ ዕንኪላሎ ቈይቊን ምትፍናንን ተሸሚምና ስቓይና ከነናውሕን ዘሕዝን’ዩ። ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢልና ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ኣሕዋትና ብሰላም ኣብ ክንዲ ንነብር ናይ ንሕናን-ንሶምን ፖሊቲካ ከነጋውሕ ሃገርና ናብ ኣሰካፊ መኣዝን ተምርሕ ኣላ። ንጭቆናን ማእሰርቲን ስደትን ከም ንቡር ወሲድና ኣብ ናይ ሓድሕድ ጸለመን ጠቐነን ክንህውትት  ከም ዘራጊቶ ከነዕገርግር፡ እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ ዝበልናዮ ባዕልና ንሕና ንኸውን ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግባእ።

ከም’ዚ ሎሚ ከይኰንና መሰልናን ክብርናን ብሕጊ እንዳባ ተሰሪዕና ንመሓደርን ነመሓድርን ዝነበርና ህዝቢ ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን  መሰልና ክንሕደግ ደኣ እንታይ ወሪዱና ክንብል ይግባእ? እቲ መልሱ ድማ  ንሕናው’ን ብሕመቕና ኣብ’ቲ ምግሃስ መሰላት ስለ ዝተሳተፍና ኢና። ሰማእታትና ዝተሰውኡሉ ዕላማ ተረሲዑ ቅዋም-ኣልቦ ስርዓት ክትከል ከሎ ዓገብ ኢልና ዲና? ሃገራዊ ድሕነት ዝብል ክቡር ሽም ዝሓዘ ትካል ንደቂ ሃገር ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከሳቒን ከጥፋእን ከሎኸ ንምንታይ ዓገብ ዘይንብል? ። ሓርበኛታት ስኩላንና ብጥይት ኣድራጋ ክርሸኑ ከለዉ፡ ህዝቢና ብዙሕ ከም ዝሰምበደን ዝሓዘነን ይዝከር፡ እንተዀነ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ዓገብ ስለ ዘይበልና ጠሊምናዮም። ኣርካናት ጉጅለ-15 ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ኣፍ ናይ ኩልና ኰይኖም ለውጢ ስለ ዝሓተቱ፡ ናይ ጠቐነ ኣስማት ተጠሚቖም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዒራዒሮ ክምቁሑ ከለዉ፡ ናይ’ቲ ስርዓት ፕሮፓጋንዳ ሰሚዕና ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ዘይምባልና ክሒድናዮም። ዋጋ ክሕደትናን ጥልመትናን ድማ ብቀጻሊ ንፍደዮ ኣሎና!

መንእሰያትና ናብ ስደት ፋሕ ጨንገራሕ ክብሉ ከሎዉ ኣብ ክንዲ ጠንቁ ምልላይን ፍታሕ ምርካብን ጠላማት፡ ከደዓት ሃደምቲ ተባሂሉን ይበሃልን ኣሎ። ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢና’ውን ኣብ ክንዲ ብስኒትን ፍቕርን ምንባር ደጋፊን-ተቓዋሚን ኰይኑ ክጠቓቓዕ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ’ዩ። ንድሕነት ሃገር ዝዓለማ በብዓይነተን ውድባት ከም እንቋቑሖ ክጫጭሓ ሎሚ ክሓብራ ጽባሕ ክፋናጥሓ ሓደ ቋንቋ እንዳተዛረባ ነንሕድሕደን ዘይረዳድኣ ካብ ዝዀና ሓያሎ እዋን ኰይኑ’ሎ። ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከኣ ኣብ ክንዲ ንሓደ ዕላማ ድምጸን ዘጋዋሓ፡ ተጻረርቲ ኰይነን ክጻረፋን ክናቘራን ክትሰምዕ ንኣዳም ገረሞ’ዩ። ምንቁቛር ድማ ዕዉራት ጥራይ’ዩ ዘብዝሕ። እዚ ኩሉ ዘናውጽ ጥልመትን ክሕደትን ብምዕዛብን ሕቶታት ብምልዓልን ኢና ከኣ እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና ዘበለና!

ካብ’ቲ ጸላኢና ረኺብናዮ ዘብለና ኣዚዩ ዘሕዝን ድማ ከይሓፈሩ ንቃልሲናን ንስዉኣትናን ዘናሽዉ፡ ንባህልናን ንሓድነትናን ዝብክሉ ኣግኣዝያንዶ እንታይዶ ዝብሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን  ምስ ኢትዮጵያ ንደመር ዝብሉ ነውራማት ኣብ መንጎና ይቕልቀሉ ምህላዎም’ዩ። እዚኣቶም ጥዑያት ኣይኰኑን ጸላእ-ሰናያት ኢዮም ኢልካ ዝሕለፍ’ውን  ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ካባና ካብ ሕብረተሰብና፡ ይፍጠሩ ስለ ዘለዉ። ሕጂ’ውን ነዚ መከራናን ምረትናን ንምግላጽ ኢና እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ ንሱ ድማ ንሕና ኢና ዝበልና።

እምበኣርከስ ነዚ ኩሉ በደል ዝፍጽሞ ዘሎ ካብ ደገ ዝመጽአ ጸላኢ ከም ዘይኰነ  ኩልና ፈሊጥናዮ ስለ ዘሎና፡ ስቕታ ገዲፍና ብዕርቂን ልዝብን ሕውነትን ፍታሕ ክንረክብ ባይቶ መሲርትና ብሓባር ንዛተ። እቲ ፍታሕ ስቓይና ድማ ኣብ ምፍልላይን ጸርፊን ዘይኰነ፡ ኣብ ባይቶ ኢና ንረኽቦ። ጸላኢና ካብ ረኸብናዮ ንሱ ድማ ባዕልና ካብ ኰንና፡ እቲ ፍታሕ’ውን  ካብ ሰማይ ከም ማና ዝወርድ ዘይኰነስ ካብ ውሽጢና ካባና’ዩ ዝመጽእ። ዝዘራእናዮ ስለ ንዓጽድ፡ ኣብ ክንዲ ክርዳድ፡ ስርናይ ዘሪእና ካብ’ቲ ንጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና ዝበልናዮ ዘሕዝን ናብራ ክንላቐቕ ጽባሕና ካብ ሎሚ ክሓይሽ እቲ ፍታሕ ነምጸኣሉ ወዓል-ሕደር ዘየድልዮ እዋኑ ሕጂ’ዩ ።

መዓሙቕ ባሕርናን ከርሲ ምድርናን ዓቚርዎ ዘሎ ሃብቲና ንረብሓ ህዝቢና ኣውዒልና፡ ስነ-ልቦና ሕብረተሰብናን ማሕበራዊ ጸጋናን ደሚርና ፡ ብልዕልና ሕጊ ትመሓደር፡ ኩልና ብማዕረ መሰልና ተሓልዩ ንነብረላ ብልጽግቲ ሃገር ክትህልወና፡ ሕድሪ ስዉኣትና ብግብሪ ክረጋገጽ ዘሎና ዕዳ ንኽፈል። ከም’ቲ ናእሽቱ ወሓዚታት ኣብ ሓደ ሩባ ተጸንቢሩ ሓያል ውሕጅ ዝኸውን’ሞ ዓጋቲ ዘይብሉ፡ ንሕና ከኣ ብሓድነትን ስኒትን ሂወትና ናብ ንቡር ክንመልሶ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን። ብሩህ መጻኢና ድማ በዚ ሎሚ ንገብሮ ኢዩ ዝውሰን።

እግዚኣብሔር  ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ካልጋሪ፡ ካናዳ

Previous Post

ATV:እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፡ ንሱ ድማ ንሕና ኢና!! – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት ካልጋሪ፡ ካናዳ – Dr Tesfamichael

Next Post

ኣብ ሓዳርካ ህውከት እንከለካ፡ ብኡሳት ጎረቤትካ ክትዓርቕ ምፍታን ምስሉይነት’ዩ

Next Post
ኣብ ሓዳርካ ህውከት እንከለካ፡ ብኡሳት ጎረቤትካ ክትዓርቕ ምፍታን ምስሉይነት’ዩ

ኣብ ሓዳርካ ህውከት እንከለካ፡ ብኡሳት ጎረቤትካ ክትዓርቕ ምፍታን ምስሉይነት’ዩ

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
reaen
reaen
4 years ago

ሓቂ ብሓቂ፣ እዚኣ አንተተረዲኣትና ዓዲ ኣተና።

ሓደ ጸሓፍውን ኣቀድም ኣቢሎም ከምኣ ኢሎም>>>> “ኣብ ኣኼባ ባረንቱ፥ ሓደ ኣቦ፡ ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢዩ ዘሎ` ኢሎም” ኣብ እዛ መርበብ።

ኣምላኽ—ረቢ ይሓግዙና፣ ብዙሕ ተጎዲእና ኢና፡ ብዘይ ክፍኣትና።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply