Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

Atv Asena by Atv Asena
3rd January 2021
in Articles, Tigrinya
5
0
SHARES
999
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

“ኤርትራ ብዘይ ሰብ“ ክብል ከለኹ፡ ከም ሃገር ንፖሊቲካዊ ኣተሃላልዋና ብምጥማት፡ ድኣ`ምበር፡ ኤርትራ፡ ህዝባን መንእሰያታን ዝጸንቐቐት ሃገር እያ፡ ንምባል ከምዘይኮንኩ ክሕብር። ከምቲ ዋና ዘይብለን ጥሪት፡ ንዝቐደመ ኣባይ ዝኾና፡ ከምኡ ኤርትራና፡ ብዘይ ሰብ፡ ብዘይ ናይ ዋናታታ ፖሊቲካ ክሳብ ዝሃለወት፡ ብዝሓየለ ኣባይ ትብላዕን፡ ክትብላዕን እያ። ምናልባት፡ “ካብ መዓስ ድኣ እያ ብዘይ-ሰብ? ብዘይ ፖሊቲካ?“ ቢልካ ክሕተት ይኽእል። ንዓይ እቲ ዝዓበየ ክፋል፡ ኣብ 1973/76/81፡ ፖሊቲካ ሰውራ ኤርትራ፡ ጠቕሊሉ ምስ ፍረሰን፡ ኣብ ውልቀ-ጁባ ኢሳያስ ምስ ምስተቖጽረን፡ ክሳብ ሎሚ፡ ካብታ ጁባ ኣይወጸን፤ ናህና ናይ ሓባር ኤርትራ ከይኮነትን። ብርግጽ፡ ኣብ ኣኼባ ለንደን (ግንቦት 1991) እዉን፡ ኤርትራ ብዘይ-ዋና ምንባራ፡ ኣብ መድረኽ፡ ተጋሂዱ ነበረ፤ ግን ብግዝያውነት ንኽትቅጽል ተገብረ፤ ኣብ 1998/2001፡ ዳግም ተጋህደ፣ ክሳብ ሕጂ`ውን፡ ኤርትራ፡ ጌና ብዘይ-ሃገራዊ ፖሊቲካ`ላ።

ከም ዝመስለኒ፡ ሓደ ካብቲ፡ ንኤርትራ ኣብዚ ብዘይ-ሰብ ኣተሃላልዋ`ዚ ከምትወድቕ ዝገበራ፡ መሰረታዊ ጠንቂ፡ ጽልኢ ዝመሰረቱ ፖሊቲካ እዩ። ዕድለይና ኢሳያስ፡ ነዚ ጽልኢ`ዚ፡ ኣብ ዝደለዮን ናብ ዝደለዮን ገጹ ኣዂሱ እናዓደለና እዩ። ወዲ-ሰብ፡ ካብ ናይ ምንባር ስነሞጎት ወጺኡ፡ ብዕሙት ጽልኢ ተላዕጢጡ፡ ብሓደ ክነብርን ክቃለስን ኣይክእልን። ዕሙት ጽልኢ፡ ንገዛእ ርእስኻ፡ ነቲ ከም ሰብ ዘሎካ ብሉጽ ባህሪ (ርትዓውነት፡ ሕልና፡ ተፈጥሮኣዊ ሞራላዊ ሕጊ፡ ኣእምሮ) ከም ትኽሕድን፡ ንርእስኻ ከምዘይትርእን፡ ብሓቀይና ሚዛን ከምዘይትመዝንን ዝገብረካ፡ ሰዓሪ ዘይብሉ ቀጻሊ ኩናት፡ ምዃኑ ይፍለጥ። ሓደ ሰብ፡ ንሓሳብካ ክነጽጎ ይኽእል፤ ከም ዜጋ ግን፡ ብሓደ ብሓባራዊ ትካል ወይ ሃገራዊ ሕጊ ንናበርን ንግዛእን። ግን ብሓባራዊ ረብሓን ሕግን ማዕርነትን ዘይምእማን፣ ኣብ ወጽዓታት ኣፍልጦ ዘይምሃብን፣ ኣብ ጉዳይ ፖሊቲካ፡ ብዕሙት ጽልኢ ምኻድ፣ ንታሪኻዊ ሓቂ ዘይምቕባል፣ ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብ ዳማዊ ጽልዋታትን፡ ናጻ ዘይዃን፡ ገለ ካብቶም ፖሊቲካ ንኸይንሰርሕ ዝዓገቱና፡ መሰረታውያን ኣተሓሳስባ ወይ ምኽንያታት እያቶም።

ወዲ-ሰብ፡ ናይ ባዕሉ ሰብን፡ ናይዛ ሕያው ዓለምናን፡ ዝለዓለ ኣካልን መለክዕን እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሰብ ብዓንደ-ርእሱ፡ ባህሊ ስለዝኾነ፡ ንብሕቱ ክነብር ዘይክእል ፖሊቲካዊ ፍጡር (relational, political animal) ብምዃኑ፡ ሓድሕዳዊ ሓልዮት ዘለዎ፡ ግን ከኣ ዝመናናዕ ባህርታት (unsociable social) ስለዝሓወሰ፡ ሓባራዊ ስርዓት የድልዮ። ነዚ ፍሉይ መንነትን ክብርታትን`ዚ፡ ብሓባራዊ ርድኢት (consensual) መሰረት፡ ስርዓትን ሕግን ኣወዳድባን ሓኒጹን፡ ሓባራዊ ንቕሓተ-ሕልናን መርሕን ጥበብን (ወይ ባህልን) (collective consciousness that departs from its cultural and/or conventional wisdom) ወኒኑን ሰሪዑን ክናበር፡ ናይ ባህሩን ባህሉን፡ መግለጽን ግዴታን እዩ። ኤርትራውያን ከም ህዝቢ፡ ብኸምዚ ዝመስል ራእይ፡ ንህዝባዊ ሰውራ ወፊርና ኢና። ግን ኣብ ጉዕዞኡ፡ ካብ ዋናታቱ ተጨውዩ፡ ንዓዲ ስለዝኣተወ፡ እታ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ`ውን፡ ብምስሉይ ኢሳያሳዊ ጉጅለ ህግደፍ ተዓፊና፡ ምስልይቲ ናጽነት ኮይና ቀጺላ። ስለዚ እየ፡ ኣብ ካልእ ክፍሊ-ጽሑፈይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡ ወልቀ-መላኺ፡ ዝብል መጸውዒ ግጉይ እዩ“ ዝበልኩ። እዚ ምስሉይ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ስማዊት ናጽነት ኤርትራ ተጎልቢቡ፡ ክሳብ ሎሚ፡ ካብቲ ኣብ በረኻ ዝፈጸሞ ዕንወት ዝበኣሰ፡ ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ፡ ከም መንግስቲ ዘይኮነትስ፡ ብውልቀ-ሰብን ንውልቀ-ሰብን ዝተሓንጸት፡ ከም ናይ ሓደ ማፍያዊ ጉጅለ (Mafia type organisation) ኮይኑ፡ ንኤርትራ፡ ብኽልተ ናይ ጥፍኣት ተግባራት ኣፍሊጥዋ፥ ሀ) ኩሉ ዓይነት ግፍዕን ማእሰርትን፡ ድለላን ባርነትን ሰብ ዝፍጸመላ፡ ማሕበራዊ መንነታን መንእሰይ ወለዶኣን፡ እተብርስ ሃገር፣ ለ) ናይ ኩለን ጎራት ሃገርና ጠንቂ ሁኰትን፡ ኩሉ ንወያኔ (ኢህአደግ)፡ ከዕኑ ዝኽእል ጉጅለ ዘበለ፡ ዝዕንገለላ መናሃርያ ጸላእቲ ኢህአደግ (ህውሓት)፡ ኮይና ምጽናሓ ትፍለጥ። እቲ ብማዕረ ሓዘን ካልእ ግን፡ ናይ ለውጢ ኣማራጺ ክንፈጥር ዘይምኽኣና እዩ፤ ማለት፡ ንለውጢ ዝዓቀና፡ ውድባትን ደለይቲ ለውጢ ኤሊትን ኤርትራውያን፡ ምዃን ምርኣይ እዩ።  ከምቲ ኣቦታትና፡ “ዘይሓልፈሉ`ቦስ፡ በኽሪ ውላዱን፡ እናት ግራቱን፡ ይሓምቅዎ“ ዝበልዎ፡ ድኣ ኣጋጢሙን`ምበር፡ ህዝብና ካብ ሕሰም ህግደፍ ክናገፍ፡ ብደለቲ ለውጢ ተተስፊዉ እዩ፤ ተቓወምቲ፡ ደለይቲ ለውጢ፡ ብፍላይ ብምሁራን (ኤሊት)፡ ተበደለን ተኻሕደን። ደላይ ለውቲ፡ ብኢሳያሳዊ ህልኽ፡ ነንሓድሕድና ብምትሕንዃልን፡ ጽልኢ ዝመሰረቱ፡ ዕውር ፖሊቲካ ብምሕንጋጥን፡ ንለውጢ ከም ጨረታ “ብሰላም እባ ብዓመጽ!“ “ዶብ ከይተሓንጸጸ! ጸላኢትና ወያኔ  ከይፈረሰት!` “ንሕና፡ ምስ ኢሳያስ ክንዕረቕ፡ ሞደል ሳውዝ ኣፍሪቃ ክንቀድሕ ኢና“፡ እናተባህለ፡ ከምኡ ሃገራዊ ዕላማ ገዲፍካ፡ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ተዋጊኻ፡ “እዚ በዚሑ፡ እቲ ውሒዱ“፡ “ስለምንታይ ኢድሪስ ዓወተ ብሕማቕ ይዝንጠል!“ ወዘተ… እናበልካ ምዝናይ ማለት፡ እሞ ከኣ ህዝብና ሕይወቱን ንቡርን ኣብ ዝሰኣነሉ ግዜ፡ እንታይ ማለት እዩ? እዚ ብተግባር፡ መሓዛ ህግደፍ ምዃን፡ ብኣፍ ህግደፍ ምምጓት፡ ንህልቂት ህዝብናን መንእሰያትናን፡ ኢድ ምሕዋስ እዩ። ከም ሕዝቢ ሓባራዊ ረብሓን መለክዒታቱን ጠፊኡናስ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ ንዕድል መድረኽ ለውጢ ኣምኪናን ዓንቂፍናን`፡ ምኽንያት ህኰት ኩሎም ኣሕዋትናን ጎራትናን ኣሕዛብ፡ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃና፡ ተሓተትን ኢና። እዚ ጸሊም ታሪኽናን፡ ንሰማዕታትና ክልተሞትን፣ ንደላይ ሰላም ሕዝብናን ጎራትናን ሓዘንን ሕፍረት እዩ።

ጥዑይ ለውጢ፡ ብለውጢ ነፍሲ ወከፍና ይረጋገጽ፥ ዝተለወጠ፡ ኣካል ለውጢ ስለዝኸውን። እዚ ብዘይ ኣፍልጦን ቁርጽነትን፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ክልወጥ ኣለዎ እንብሎ ሽግር፡ ኣይፍጸምን። ካብ ታሪኻ ዘይምሃር፡ ዝመረጾ ሓዲሽ ታሪኽ ኣብ ክንዲ ምስራሕ፡ ንታሪኽ ይደግም። እቲ ንሕና ክንመሃረሉ እንኽእል መስትያት ታሪኽ ቃልስና፡ ብዙሕ ክነሱ፡ ንኽንመሃረሉ ግን ኣይበቓዕናን፤ እዚ ከኣ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓርነት ስለዘይብልና እዩ። እቲ ኣብ ኣፈርክቡ ምስተብጽሐ፡ ተላዒሉ ሓይሊ ህዝቢ ተዓጢቁ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ ጸላኢኡ ብኣትኩሮ ከለልን፡ ቅልጡፍ ተግባራዊ ስጉምቲ ክውስድን፡ ሓቢርና ዝተላበናዮ፡ ይኣክል`ውን፡ ተጨውዩ፡ ኣብ መንቀራቕር በዚሑ`ሎ። ዓለም ገዛኣ ሒዛ፡ መኣዳ በሊዓ፡ ናይ እንዳማታ ክትማቐል ኣብ እትጎየሉ ሰዓት፡ ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ግን፡ `እግርን ከበሮን በበይኑ` ከምዝበሃል፡ ሕዝብና ረሲዕና ከይኣክል፡ በቲ ዓለም ዕሱባታ ኢሳያስን ዓብይን ልኢኻ፡ ዝዘረየቶ ሕዝቢ ትግራይ፡ ብምግፋዑ ክንወራዘ፡ ከም ኤርትራውያን ዘይስገር ተደራቢ ገበን እዩ። ካብ ጥንቲ፡ ነቲ ሓደገይና ኣካያይዳን ዕላማን ኢሳያስ ተረዲኦም፡ ውድብ ከዐርዩ ዝተበገሱ፡ በላሕቲ ደቂ ህዝቢ ተቓለስቲ`ኳ እንተነበሩ፡ ኢሳያስ ግን፡ ዓቕሞምን ኣተሓሳስባኦምን ድሩታት ዝኾኑ ሰባት፡ ኢድን ጓናትን ኮይኖም ዘገልግልዎ፡ ኣብ ጎድኑ እናኣጸግዐ፡ ኣብ ጥፍኣቶምን ጥፍኣት ሃገርን፡ መሳርሒ ተጠቕመሎም። ነዚ ናይ ጥፍኣት ሰንሰለት፡ ከይበጣጠስናን ፖሊቲካ ከይሰራሕናን፡ ምኻድ ማለት፡ እቶም ትማሊ ንኢሳያስ ኣዕሲቦም ዝሰደዱልና፡ ሎሚ`ውን ንዕኡ ብካልእ ሓላው ረብሖኦም ተኪኦም፡ ጠፍጢፎም ከቐምጡልና፡ ምጽባይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ ለውጥና ከነቀላጥፍምን ክንውንን ግዴታ ኣሎና። ዝኾነ ተግባር፡ ብዕላማኡ ይልለ፤ ንሕሉፍን መጻእን ዝሕብር ከኣ፡ ህልዊ ተግባርን ምልክታት ግዜን እዩ። ንሕና ሰብ ሕድሪ፡ ብሃገራዊ ክብርናን ረብሓናን መንነትናን፡ ታሪኽ ገድልናን፡ ብግርማ-ባህሊ-ዓድታትን፡ ሕብረት ወለዶታትን፡ ከምኡ ብኣፍሪቃዊ ሓባራዊ ረብሓን ወጽዓን፡ ኣፍሪቃዊ ፍታሕን ክንሓምምን፡ ነዚ ኣፍደገ ዕንወት ዝኸፍትን፡ ንለውጢ ዝዕንቅፍን፡ ብቀጻሊ ንቕሓት ክንገጥሞ፡ ንሕተት ኣሎና፤ ዘሎና ዕድል፡ ሓጺር`ዩ።

ሓደ ሕብረተሰብ፡ ጥዑይ ማሕበራዊ ሕይወት ክህልዎ ኣለዎ፤ እቲ ናይዚ መሰረት ድማ፡ ኣብ ሕዝቢ፡ ሓቅን ግሉጽነትን ምዝውታር፣ ብፍትሕን ሓርነትን ሰላምን ምጉዓዝ፣ ነዚኣቶም ብዕላማን ተጸምዶን ምኽባርን ምውሓስን የድሊ። እዚኣቶም፡ ንነፍሲ ወከፍና፡ ናይ ሓቢርካ ምንባርን ምስራሕን፡ መሰልን ግዴታን ይቕርቡልና። ህዝባዊ ቃልስና ንለውጢ፡ ዋንኡ ህዝቢ ንክስዕቦ፡ ሓቀይናን ንዕኡ ብሓባር ዘርብሕን ለውጢ ምዃኑ፡ ክፈልጥ ወይ ክግለጸሉ፡ ናይ ግድን እዩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ዘይግልጹነት ፖሊትካ ምሽክርካርን፡ ንሕቶ ህዝቢ፡ እናሰማዕካ ምጽማምን፡ ካብ ናይ ህግደፍ ብዘይሓምቕ፡ ሳዕሪሩን መጋበሪ ኮይኑን፡ ዘሎ ክውንነት እዩ፤ ኣንጻር ሰብኣዊ ኣእምሮን ሓቅን ኅልናን፡ ህዝባዊ ኣቕዋምን (natural and moral law, and wisdom) ዝፍጸም በደል ድማ እዩ። ፖሊቲካ፡ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ናይ ምንባር ጥበብ (ዓቕልን ምስማዕን፡ እምነትን ምክብባርን መንነትን) ስለዝኾነ፡ ከም ሐደ ህዝቢ፡ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕን ረብሓን (consensus and communal interests) ክህልወና፡ ናይ ምንባርና ግዴታ እያቶም፤ ንምጭባጦምን ምትግባሩን`ውን ዘሸግር ኣይኮነን።

ከምቲ ናይ 2018: ሕጂ`ውን ኣብ ምዝዛም 2020: ከም ህዝቢ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት እናሃለና፡ ጌና ቅኑዕ ሃገራዊ ገምጋም ከይተገበረ ይኽየድ ኣሎ፤ ፖሊቲካ ክንሰርሕ ኣይበቓዕናን ዘሎና። ውድባት፡ መሰረታዊ ለውጢ ክገብራ: ክሳብ ዘይክእላ፡ ጌና ኣካል ሽግር እያተን። ኣካይዳ ምንቅስቃስ ‘ይኣክል’ ለንደን’ውን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት: ካብ ቅኑዕ ገምጋም ታሪኽና፡ ኣይከሰበን፤ ኣብ ራእይን ምልላይ ጸላእን፡ ብሓባር ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳዳን: ጌና ኣብ ሓድሕዳዊ ምምንናዕን ምህላዉ ንዕዘብ። ግን ክሳብ መዓስ? ብፍልስፍናዊ መለክዒ፡ ትማልን-ሎምን-ጽባሕን ኣይፈላለያን። ብርግጽ፡ ኤርትራን ኢሳያስን፡ ብሓደ ክህልዉን ክነብሩን ዘይክእሉ፡ ክልተ ብዕላማ ተጻረርቲ ምዃኖም ኣየካትዕን። ግን ንነፍሲ ወከፍና፡ ብፍላይ ነቶም ምስ ኢሳያስን ብስሙን ብኣተሓሳስባኡን: ጸረ-ለውጢ ዝነበሩን: ዝልካዕ ለውጢ ክረጋገጽ፡ ናይ ግድን እዩ: ለውጢ ናይ ሎሚ መግለጽናን: ውሕስነት ቀጻልነትናን: ሓርነትና ብቀንዳን እያ። – ዓመተ ሓቀይና ለውጥን ፍትሕን ሰላምን: ንውጹዕን ንቡር ዝሰኣነን፡ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፡ ውድቀት ንውልቀ-መለኽትን ሾቮውኒስትን።

                                                                                                                   ዶ/ር  ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

                                                                                                                        31 ታሕሳስ / Dec 2020

Previous Post

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

Next Post

The Eritrean Democratic movements should campaign vigorously to bring Isaias to the International Criminal court

Next Post
The Eritrean Democratic movements should campaign vigorously to bring Isaias   to the International Criminal court

The Eritrean Democratic movements should campaign vigorously to bring Isaias to the International Criminal court

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
5 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Gezae
Gezae
4 years ago

YOU ARE GUFF & VILLAINOUS PERSON!! NO ONE DRAW ATTENTION AS AN INTELLECTUAL ERITREAN ON YOU.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Gezae
4 years ago

ህግደፋዊ ካድር ኣይተ ገዛኢ ፥ ካብ ጸርፊ ዝሓይሽ መልሲ ክህብ ኣይክእልን ። ምስ እሰያስ ተሪፎም ዘለው ሰብ ጥቅሚ ፥ ሕልና የብሎምን ። ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ዉሽጢ ፥ ከም ቁርዱድ ምንባር ግን ኪኢሎምዎ ኣሎው ።

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

ኩቡር ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ

ቡዙሕ ካብቲ ዘልዓልካዮ ጉዳያት ይሰማማዓሉ ኢየ።
ብፍላይ ንእሰያስ ከም ጸላኢ ንምልላይካ ፥ ከድንቀካ እፈቱ።
ኢሰያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ ። ግን ንበይኑ ኣይኮነን ።
ኢቲ ቀንዲ ጸላኢና ፥ ኢቲ ኣብ ውሽጥናን ፥ ኣብ ሞጎናን ዘሎ ፥ ግን ካኣ ብፍቃድና ፥ እሰያስን ብጾትን ኣብ ክሳድና ኣቀሚጦሙልና ዘሎዉ ካብ ጽልኢና ዝተሰርሐ ኣርዑት ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ቀጻሊ ዕንወት ዘስዕብ ዘሎ ፥ ቀንዲ ጸላኢና ፥ ኣብ ኣታሓሳስባና ሰሪጹ ዘሎ ፥ ን”ኻልኦት” መሰላቶም ከተኽብር ክብ ዘይምድላይ ዝብገስ ኩቱር ጸቢብነት ኢዩ።
ሓቢርና ንብላዕ ፥ ተላዚብና ንንበር ፥ ተደጋጊፍና ንስራሕ ፥ ዝብል ኣታሓሳስባ ተሪፉስ ፥ “ኢዚኦም” ምሳይ ካብ ዝስርዑ ፥ ይትረፈኒ ዝብል ኢዩ ።
እሰያስ ፥ ዉሑድ ኢዩ ዓቅሙ ፥ ግን መልኣከ-ሞት ከም ዝኾውን ዝገበርናዮ ንሕና ኢና ። ንዑኡ ተጠቂምና ንሕና ኢና ንቃተል ዘለና ።
እቶም ዝቀትሉን ዝጨውዩን ዘለዉ ፥ ተራ ሰባት ኢዮም ።
ሓደ ሰብ ምስ ተገፍዐ ፥ ሕማቅ ተረኺቡ ኢልና ፥ ኣብ ጎኑ ጠጠዉ ምባል ልምዲ ስለ ዘይብልና ፥ ስቅ ኢሎም “ስሮሖም” ይቅጽሉ ። ንህዝቢ ዘየሰበደ ተግባር ፥ ከመይ ኢሉ ንዖኦም ሕማቅ ክስሞዖም ! ። ኢቲ ሞይቱ ዘሎ ፥ ቅድሚ ናቶም ናትና ናይ ሓባር ሕልና ኢዩ ።
ኤሪትራ ሃገርና ፥ በየናይ ኩቡር ዋጋ ክምተረኽበት ዘይፈልጥ የለን ክብል እፈቱ ። ግን ብሰንኪ ጽልኢን ቅርሕንትን ፥ ኣብ ኢድ ሓደ ክሕደቱ ዝኣወጀ ፥ ናይ ህልቂት ጉጂለ ኣረኪብናያ ንርከብ ። ካብዚ ዘለናዪ ኩነታት ዝኽፍአ ይጽበየና ከም ዘሎ ፈሊጥና ኣብ ልብና ንመለስ ። ኣብ ሞንጎና ሰላም ይኹን ።

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
4 years ago

A first cousin who grew up with me snarls over the phone I recall.. ‘ anne kabaka isayas yihisheni..’ sadly the same person eventually became his victim and the family were not even allowed to mourn his death in the open. I know many of you here can relate to the story. W.H. I am reiterating the last lines of your post, let’s start loving ourselves, our brothers and sisters, respecting our parents and our seniors, lets make peace with ourselves and those who are closely related to us, lets stop idolizing and worshiping mortal humans who can catch flu and take a dump like us… you can’t get a better brotherly and deeply caring advice than those priceless lines engraved above by a true nationalist like his pen name, otherwise you will be sentencing yourselves to an eternal terrestrial torment with no end in sight.

Blame no one!!!

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
4 years ago

I know many of you here can relate to the story.

ኩቡር ዶቶረ

ዝበልካዮ ሓቂ ኢዩ ። መብዛሕቲኦም ፈተዉቲ ፥ ተሓባበርቲ ፥ ኣድነቅቲ እሰያስ ዝነበሩ ኣሕዋትና ፥ ብሰንኩ ሕማቅ ረኺቦም ።
ጉጂለ 15 ጹቡቅ ኣብነት ናይዚ እኳ ኢንተኾኑ ፥ ካልኦት ቡዙሓት ታራ ተጋደልቲ ዝነበሩውን ፥ ኢዱ ረኺባቶም።

1
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
5
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply