Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጠራጢረ –

Atv Asena by Atv Asena
15th July 2020
in Articles, Tigrinya
2
0
SHARES
716
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጠራጢረ

 ብቀሊል መዝገበ ቃላት፡ ትርጉም ሃገር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ፡ ዶባትን ባንዴራን ዘለዋ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ ማለት ድማ እኩባት ሰባት ብመሰረት ቅዋም፡ ሕግን ስርዓትን ክህሉ ዘረጋግጹ፡ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ዝሕሉዉ፡ ብተሓታትነት ህዝቢ ዘማሓድሩን፡ ሰባት ብዘይሸለብ ገለብ ኣብ መሬቶም ክነብሩ እንከለው ኢዩ። ንኤርትራ፡ በዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ መባእታዊ ትርጉም ሃገርን መንግስትን እንተኣቀሚጥናያ፡ ፍሉጥ ዶባትን ባንዴራን’ኳ እንተለዋ፡ ብሕጊ ዝሰርሕን ዝግዛእን ቅዋማዊ መንግስቲ ግን የብላን። ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ድማ ዝተረግጸ ኢዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ገባርን ሓዳግን፡ ፈንጣሕን ኣሳርን። ባጀት መንግስቲ ዘጽድቅ፡ ኣህጉራዊ ርክባት ዝውስን፡ ስልጣን ካቢነ ሚኒስተራትን ካልኦት ላዕለዎት ሽመታትን ዝቆጻጸርን ዘጽድቅን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣይፍለጥን ኢዩ። እተን ስም ጥራሕ ዘለውን ናብ ኣስታት 20 ዝጽግዓ ሚኒስትሪታት፡ ሚኒስተር ይሃልወን ኣይሃልወን ኩሉ ሓደ’ዩ። ነዋሕቲ ኣእዳው ኢሳያስን ቤትጽሕፈቱን የረኻኽባሉ። ንኣብነት እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ኣካል መንግስቲ ሚኒትሪታት ምክልኻል፡ ፋይናንስ፡ ጸዓትን ማዕድንን ሓለፍቲ የብሉን።

ሓደ ሓደ እዋን እውን፡ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ስጊንጢራዊ ኣሰራርሓ ልሙድ’ዩ። ንኣብነት ቀንዲ እሙን መላኺ ኢሳያስ ሰመረ ርእሶም፡ ዘይዘመድ ድርብ መዝነት ማለት ሚኒስተር ትምህርቲ ከምኡ ድማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኢዩ። ኣብ ንእሽቶ ሃገር ምስ ኤርትራ ብዙሕ ዝተኣሳስር ጉዳያት ዘይብላ ክንሳ ህግደፍ መታን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይድን ዶላር ክምጅርጥን ኣምባሳደር ይምድብ። ንኣብነት ደቡብ ሱዳን ኣንጎላን ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ካልእ ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ክካየደሉ ዝኽእልን ኤርትራውያን ዘለውወንን ሃገራት ድማ ጉጅለ ህግደፍ ኣምባሳደር ኣይምደበሉን፡ ንምሳሌ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን። ስለዚ ኤርትራ፡ እቲ ንኻልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ዝወሃብ ልሙድ ትርጉምን ቅርጽን ኣሰራርሓን ናይ መንግስቲ ካብ ክውንነትን ንቡርን ዝርሓቀ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብልሹውን ጨካንን ዘይልሙድን ኣሰራርሓ ንላዕሊ ዘሻቅል ግን፡ ኤርትራ ህዝባን ክኢላዊ ዓቅማን እናተጓሕጉሐ ናብ ወጻኢ ዝነፍጽ እንተኾይኑ፡ መጻኢ ህላወ ኤርትራ ዘጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ ሃገር ብዘይሰብን ክኢላዊ ዓቅምን በዱ መሬት ሒዛ እንተተሪፋ፡ ህላወ ሃገር ትርጉም የብሉን።

ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን መዓልቲ ስውኣትን 2020, ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓሶታትን ብድዐን’ቲ ጉጅለ ጥራይ ኣይኮናን ገሊጸን። ንጃህራን ትምክሕትን ክብላ ከይተፈለጠን ብዙሕ ሓቅታት’ውን ኣምሊቆን ኢየን። እቲ “ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን ወነንትን ሰራሕተኛታትን ኣስታት 70 ትካላት ሆቴል፡ ህንጻን ኣብያተ ንግዲን፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር ወፍዮም” ዝብል ተራ ዜና ዝመስል ምስትውዓል እንተተገይሩሉ ከኣ፡ እምበርዶ ኣታ ንፈልጣ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ኢያ ዘላ ኢልካ ትጠራጠር ኢኻ፡፡ ከምቲ ሓደ ተዋዛያይ፡ “ጥልያን ንኤርትራ ሃኒጽዋ፡ ኤርትራ ድማ ንደቡብ ሱዳን ትሃንጻ ኣላ” ዝበሎ፡ ሓዳስ ሃገርን ብኩናት ሓድሕድን ብልሽውናን ትሕመስ ደቡብ ሱዳን፡ ብኤርትራውያን ዝውነና ኣስታት 70 ትካላት ብቀንዱ ኣብ ምዝርጋሕ መስመር ማይ፡ ኤለክትሪክን ትሕተ ቅርጽን ትካላት ዝነጥፋ ምህላወን ትግረም። ምኽንያቱ ኣብ ኣስመራ ዝስተ ማይ ኣገልግሎት መብራህቲ ጥጡሕ ጽርግያ ዘየለ ክንሱ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኬድካ ገንዝብካን ክኢላዊ ዓቅምን ምፍሳስ ምስ ምንታይ ይቁጸር። እተን ቢልዮናት ርእሰማል ዘለወን ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ ዘለዋ ዝተፈላላያ ትካላት፡ ንስሙ’ኳ ናይ ኤርትራውያን ውልቀሰባት ይበሃላ እምበር፡ ብሓጎስ ክሻ ዝምእከላ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ከምዝኾ ና ምስጢር ኣይኮነን።

 ጉጅለ ህግደፍ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክብል ዓመት-ዓመት፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ መምሃራንን ካልኦት ክኢላታትን  ሰልጢኖምን ተመሪቆም ክብል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ ዝበዝሑ ካብቶም ተመረቅቲ ብሰንኪ ብልሹው ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ናብ ስደት ነፊጾም ኢዮም። እቲ ብጉልበቱን ብገንዘቡን ጨቆቕ ኢሉ ዘምሃሮምን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሖምን ወላዲ ከይተጠቅመሎም ርእዩ ከይጸገቦምን ካብ ቅድሚ ዓይኑ ተኸዊሎም። ዝበዝሑ ካብዞም ዝፈትውዋ ሃገሮም ክስደዱ ዝተቀሰቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ብሞያኦምን ብክእለቶምን ህይወቶም ዝመርሑን ብክብረት ዝነብሩን፡  ንውርደትን ጭንቀትን ተፈሪዶም። ካብ ስደት ዘምልጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ፡ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ወይ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር’ዮም ተደርብዮም ዘለው።

ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ ብዙሓት ሰብ ጸጋን ሞያውያንን ኤርትራውያን፡ በቲ ናይቲ እዋን’ቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ   “ብኩናት ዝዓነወት ሃገርኩም ክትሃንጹ ዓድኹም እተዉ” ዝብል መጸወዋዕታ ምስቀረበሎም ብዘይ ግብዝናን ውዓል ሕደርን’ዮም፡ ብገንዘብ፡ ብጉልበትን ብንብረትን እጃምኩም ከበርክቱ ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ’ቲ ተጠቂሙ ዝድርቢ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሰርሑ ስለዘይክኣሉ፡ ከሲሮምን ሕዱር ሕማም ኣጥርዮምን ናብ ስደት ተመሊሶም። ነታ ከማዕብሉዋን ህዝቦም ከገልግሉላን ዝተመነይዋ ዘፍቅርዋ ሃገሮም፡ ኩቦ ደርብዮምን ሕቆኦም ሂቦምን፡ ኣብ ስደት ዳግማይ ሓድሽ ህይወት መስሪቶም።

ሎሚ ዘዝተወልደን ዓይኒ ዘንቁሐን ኤርትራዊ፡ ናብ ስደት ከምርሕ እምበር ኣብ ኤርትራ ክነብር ዝደሊ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓንቲ መዓልቲ ዶባት ኤርትራ ብባሕርን ብመሬትን እንተዝኽፈት፡ ዋላ እቲ ብምርኩስ ተደጊፉ ዝኸይድ ዕውርን ሓንካስን እውን ኣይምተረፈን። ኣብታ ከም ድኻን ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራን ተባሂላ ብህግደፍ ትውቀስ ክልል ትግራይ ጥራይ   ስንኩላን ኩናት፡ ስድራቤት ስውኣት፡ ቆልዓ ሰበይቲ፡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይ መባእታዊ ቀረብ ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ምህላዎም፡ ኣብ ታሪኽና፡ እቲ ዝኸፍአን ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ኢዩ። ዋላ’ኳ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብርግጽ ዘይፍለጥ እንተኾነ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተበታቲኑ ከምዘሎ ይግመት። ሎሚ ካብ ኤርትራውያን ኣበይ ኣለዉ ምባል ድማ ኤርትራውያን ዘይነጠብዎ ሃገር ምንዳይ ይሓይሽ። ዋላ’ውን እቶም ንግዚኡ ስልጣን ሒዞም፡ ንብረት ሃገር ዝዘምቱን ህዝቢ ዘጋፍዑን ዘለዉ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኤርትራ ናቶም ከምዘይኮነት ስለዝፈልጡ፡ ዜግነት ናይ ወጻኢ ዘለዎምን ሓደ እግሮም ካብ ኤርትራ ወጻኢን’ዮም ዝነብሩ።

        ዓቅሚ ሰብ ኤርትራ፡ ብስደት፡ ብማእሰርቲ፡ ብገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ተበታቲኑን፡ ሃብታ ብጉሓላሉ ተዘሚቱ፡ ልኡላውነታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩ፡ ትንፋስ ዘይብላ ኣስከሬን ኮይና ተሪፋ። “ዝወደቀ ገረብ ምሳር ይበዝሖ” ከምዝብሃል፡ኤርትራ ዋና ስለዘይብላ፡ እቶም መንደልሓቅቲ ይዕንዱሩላ ኣለዉ። ጋዜጠኛታት፡       ሰኣልቲ፡ ደረፍቲ፡ ደረስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተለሃይቲ፡ ንኤርትራ ዝተጋደሉላ ስንኩላን ኩናት፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ፡ መምሃራን፡ ሓካይም፡ ቀየስቲ፡ ሃንደስቲ ኣብ ስደት ምስ ሰፈሩን ኣብ ጉዕዞ ብሞት ምስተቀዝፉን፡ እታ ምጭውቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጠራጠር።

 ጸላል; ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 13 ሓምለ 2020

Previous Post

ATV: ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጣራጢረ – ብ ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

Next Post

An Appeal to the UN to prevent imminent starvation and a humanitarian crisis in Eritrea

Next Post
Eritrea Focus statement on Independence Day

An Appeal to the UN to prevent imminent starvation and a humanitarian crisis in Eritrea

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
reaen
reaen
4 years ago

በብማዓልቱ ንኤሪትርያ ጠንጢኖማ ዝኸዱ ኤርትራዉያን እናበዝሐ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ናይታ ንፈልጣ ኤርትራ መወዳእታ ከዓ ከመይ ከምዝመስል በብሸነኽና ንግምት ኢና። ሓደ ወድሰብ ቀረባ ዘርእና ዝኾነ ንሞት ክቃራረብ ክሎ ክላህና በብሸነኽና ንፈልጦ ኢና ። ኤርትራ ቐስብቐስ ናብ ሞታ ትጓዝ ከምዘላ ዘጉሂ ሓቂ እዩ። ንኹላህና ጋህዲ እዩ። እናረኣኻ ሞት። 

አቲ መስተንክር ዝኾነ ታሪኽ ግን ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ብሓደ ልቢ ንሓደ ዓላማ ዘስተንክር ውጽኢት ዝተጎናጸፈት ዓዲ ክንሳ ሓራ ኮይና ናይ ሑቡራት መንግስታት ኣባል ምስኮነት አዚ ንሪኦ ፋሕ ጭንግራሕ ዘኣተወ ዓዲ ኮይና ንበታተን ኣለና። 

ነዚ ኽሉ ዝገበረ ሓደ ሰብ ጥራይ አዩ ኢልናውን ኣምየን ኢልና ተቐቢልና ባዕልና ንባዕልና ኣቀባጢርና ታኣምር ክሳብ ዝመጽእ ነንሕድሕድና ንመናጨት ኣለና። ኢሳያስ ብኤርትራ አንተሓጨጨ ይፍረዶዶ?!?
 
ዝኾነ ኮይኑ ጽባሕ ንጉሆ ኣብዘይ ሕዛእትና ምስተራኽብና ንቑዝመሉ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ ብኻ ………. ኦሮማይ ግደና ሓሊፉ ። 

-1
Reply
michael Tzerai
michael Tzerai
4 years ago

እዚ ኩሉ ዝተባህለ ሓቂ ኮይኑ ሃገር ገረውረው ምስ ኣበላ ብጦር ሰራዊት ኣስፊሩላ ጥራሕ ዘይኮነ ባሕራን ወደባታን ንኢትዮጵያ መብጽዓ ኣትዩሎም ባሕሪ ሓይልና ንጎድኒ ገዲፉ ባሕሪ ሓይሊ ኢትዮጲያ ክኸውን ባሕሪ ሓይሎም ባሕርና ክርከቡ ብዘይ ሕብእብእ ባዓል ፈረንሳይ ኣብ ምስልጣን ይርከቡ። እዚ ድማ ኣይደንጎናን’ዶ’ዩ ዘብለካ።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply