Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኤርትራውያን፡ ጸገማትና ክቅረፍ መንነትና ክዕቀብ ብማሕበረኮም ንጠርነፍ

Atv Asena by Atv Asena
17th August 2020
in Articles, Tigrinya
2
0
SHARES
428
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኤርትራውያን፡ ጸገማትና ክቅረፍ መንነትና ክዕቀብ ብማሕበረኮም ንጠርነፍ

ኤርትራውያን፡ ከም ካልእ ኣህዛብ ዓለም፡ ሃገርና ገዲፍና ምስዳድና፡ ንኸስሮን ዘጋጥመና ብድሆን ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ዝዓበናሉ ባህልን ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቃውማን ምስቲ ዝኣተናዮ ሃገርን ሕብረተሰብን ከነወሃህዶ ግን ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ካብኡ ናብኡ እቶም ኣብ ስደት ዝውለዱን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ተሰዲዶም ዝዓብዩን ህጻናት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጫፍ’ዮም ዝቅርቀሩ። ህጻናት በቲ ሓደ ብናይ ወለዶምን መበቆል ሃገሮምን ቀይዲ በቲ ካልእ ድማ ብናይ ስደትን ሓድሽ ከባብን ጽልዋ ኣብ ቅልውላው ይኣትዉ። ነዚ ንህዝብና ኣብ ስደት ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ ህላወ ሓያል ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም ዓቢ እጃም ኣለዎ።

ኣብ ስደት ኣብተን ብቁጠባ ዝማዕበላን መሰል ሰብ ዝኽበረለንን ሃገራት፡ ዝብላዕን ዝስተን ከምኡ’ውን ካልእ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ካብ ስድራቤትካን መሬትካን እንተርሒቅካ ብሚልዮናት ገንዘብ ክትገዝኦን ካብ መንግስቲ ከም ሓገዝ ዘይወሃበካን ሃብቲ፡ ናይ መበቆል ዓድኻ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ፍቅሪ፡ መንነት፡ ተስፋ፡ ቋንቋን ካልእ ወግዒታትን የለን። ኣብ ከምዚ ቅልውላው፡ ነቲ ኣብ ሃገርካ ገዲፍካዮ ዝመጻኻ ንመንነትካ ዘንጸባርቅ ክብሪ ክትዕቅብን ናብ መጻኢ ወለዶ ከተሰጋግርን፡ ምህናጽ ዱልዱል ማሕበረ ኮም ኣገዳሲ ይኸውን። 

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኣብ እዋን ሓዘንን ሓጎስን ይቀራረብ’ኳ እንተኾኑ፡ ካብ ፖለቲካን ምትእትታው ጉጅለ ህግደፍ ሓራን ህዝቢ ዝውንኖን ማሕበረኮም ንምምስራትን መንነቱ ክዕቅብን ግን ዕውት ኣይኮነን። ጠንቂ ናይዚ ጸገም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ተጻብኦ ጉጅለ ህግደፍን ኤርትራውያን ዘለና ናይ ባዕልና ስንፍናን፡ ካብቲ ጎሊሑ ዝርአ ዕንቅፋት’ዩ። ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝብላዕን ዝስተን መጽለልን ክዳንን ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮም። ሰባት መበቆሎም ከይጠፍእ፡ ታሪኾም ከይጅላሕ፡ ህላወኦም ክቅጽሉን ማሕበራዊ ምትእስሳር ከማዕብሉን ዝጠምሮም ቀለቤትን ድልድልን ክሃንጹ ኣለዎም። ነዚ ንምትግባር ድማ ብህዝቡን ብሃገሩን ዝሕለቅ ፍትሓዊ ስርዓት የድሊ። እዚ ወትሩ እንብህጎ ምምሕዳር ካብ ቦኾረ ከኣ፡ ንስለመሰልና ጠጠው ክንብልን ክንቃለስን ግቡእ’ዩ።

ኣብ ስደት፡ ህላወ ሓያል ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም፡ ብዙሕ ረብሓታትን መኽሰባትን ኣለዎ። ኤርትራዊ፡ ኣብ ራህዋን ጸበባን ንሓድሕዱ ክተኣሳሰር፡ ምስ መበቆል ዓዱ ክይባተኽ፡ ንሓደስቲ ወለዶ፡ ታሪኽ፡ እምነት፡ መንነትን ክብርታትን ሃገሮም ክወርሱን ብናቶም ክሕበኑን፡ ኣብ ስደት ዘሎ ዕድላት ብግቡእ ክትጥቀመሉን ነብስኻ ከተማዕብልን ከተማእዝንን ሓጋዚ’ዩ። እቲ ዝምስረት ኤርትራዊ ማሕበረኮም ግን፡ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ካብ ምትእትታው ጉጅለ ህግደፍ ሓራ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ብተግባር ከምዝተራእየ፡ እቲ ዝቀውም ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም ብጉጅለ ህግደፍ ዝዝወር እንተኾይኑ፡ ንፖለቲካዊ መሳርሒ፡ መአከቢ ገንዘብን መባኣስን እምበር፡ ሓድነት ህዝብና ዝረጋግጽን መነነትና ዝዕቅብን ኣይኮነን። ስለዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምጥርናፍ ህዝቢ ከም ዓቢ ስግኣት ስለዝጥምቶ፡ ኤርትራዊ ክበታተንን ንሓድሕዱ ክወናጀልን ቀዳማይ ዕላምኡ ኢዩ።

ኣገልጋሊ ወይ ጓሳ ህዝቢ ክትከውን፡ ብፍላይ ድማ ብወለንታ ናጻ ጉልበትካን ፍልጠትካን ከተወፊ ክትሕልን እንከለኻ፡ ንዝተፈላለየ ጠባያትን ድሌታትን ዝጻወር ሰፊሕ ልቦናን ተጻዋርነትን ምውናን የድሊ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ነቲ ክትፍጽሞ ደሊኻ ዘለኻ መደብ ስራሕ ንምትግባር፡ ልዑል ድሌትን ፍቅርን ክትውንን ኣለካ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕንኪላሎ ስለዝኾነ፡ ንረብሓ ህዝቢ ጠጠው ዝበሉ ውፉያት ሃገራውያን ንምድኻም፡ ኣነዋሪ ጸለመን ምንጻልን ስልቲ ይጥቀም። ሰማዒ ወይ ገርሂ ሰብ እንተረኺቡ ድማ እቲ ቅዱስ ዕላማ ብቀሊሉ ክቁልዓጽን ክዳኸምን ይኽእል። ስለዚ ኤርትራዊ ብዛዕባ ደቁን መጻኢ ዕዱሉን ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ ክውስነሉን መምርሒ ክህቦን እንከሎ፡ ከም ጽዩፍ ተግባር ክንጸግን ክምከትን‘ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዘይሕጋዊ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ህይወትና ክመጻደቅን ውሳኔ ክህብን መሰልን ስልጣንን የብሉን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድና ምንባር ከሊኡናን ሰብኣዊ መሰላትና መንጢሉናን ከይኣክል፡ ኣብዘይሃገሩን ብዘይ ገንዘቡን ክቆጻጸረና ሕጋዊ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ናትና ስንፍናን’ውን ዘጉልሕ’ዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ህላወ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም፡ ነዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኣብ ምንጋስ፡ ሰላም ኣብ ምስፋን፡ ማሕበራዊ ኣግልግሎት ኣብ ምዝርጋሕን መንነትና ኣብ ምዕቃብን ዕዙዝ ተራ ኣለዎ። እንነብረሉ ሃገርን ከተማን ድማ መንነትና፡ ባህልናን ቋንቋናን ከነማዕብልን ደቅና ክንምህርን ማሕበረ ኮም ክንምስርት ከምእንደሊ ተጠርኒፍና ጽፉፍ መደብን ሕቶን እንተኣቅሪብና፡ ገንዘባዊ ደገፍን ካልእ መሳለጥያን ይግበረልና’ዩ።   

ኤርትራውያን ክሳብ ኣብ ስደት ዘለና፡ ብኤርትራውነትና ክንጥርነፍ፡ ንዘጋጥመና ብድሆታት ሓቢርና ክንፈትሕ፡ ተሞኩሮ ክንለዋወጥ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም እጃምና ከነበርክት፡ ደቅና ብእሩም ባህሊ ከነዕብዮም፡ ሓድሕድ ከነተኣሳስሮምን መንነቶም ክፈልጡን፡ ብህላወ ዱልዱልን ህዝቢ ዝሕመረቱን ማሕበረ ኮም’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ሃይማኖታዊ እምነትን ካልእ ውሽጣዊ ፍልልያትናን ዓቂብናን ተኸባቢርናን ብኤርትራውነትና ክንጥርነፍን ነቶም ብድሕሬና ዝውለዱ ደቅና ዘኹርዕ ውርሻ ክንገድፈሎምን ኣለና። ከምቲ “ዘይቀንእ ኣይወለድ” ዝብሃል፡ ኣብ ከባቢ ዘለዉ ከማና ስደተኛታት ደቂ ካልእ ሃገር፡ መስሪቶሞ ዘለዉ ዱልዱል ማሕበረ ኮም፡ ዝውንንዎ መሳለጥያን መኣከቢ ህንጻታትን ከቅንኣና ኣለዎ።

ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ምዕራብ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ኣብ ስደት ካብ ዘለና ኤርትራውያን፡ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝተቀመጥና ስለዝኾና፡ ህይወት ስደት ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ኣጸቢቅና ኣስተማቂርናዮ ኢና። ብፍላይ እቶም ኣብ 70ታትን 80ታትን ሃገርና ዝገደፍና፡ ምስቶም ድሕሪ ናጽነት ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ብጥይት ኣናተኾብኮብና ብባሕርን ምድረበዳን ዝተሰደድና፡ ናብራ ስደት ኣስካሕካሒ ከምዘሎ መግለጺ ኣየድልዮን። ብምኽንያት ጸጥታን ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ስደተኛ እናተጸልአን፡ መስርሕ ምቅባል ስደተኛታት እናጸበበን ይመጽእ ስለዘሎ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ሓለፋታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ባይታ ዘቢጡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ነቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ብድሆታት ዘማኽረካን ቅኑዕ መንገዲ ዝሕብረካን ህላወ ኤርትራዊ ማሕበረኮም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ይገብሮ። እቲ ንብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሩ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ትጽቢቱን እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝግተር ክውንነትን ስለዘይመጣጣን፡ ነውጺ ኣእምሮን ዘይተደልየ ሕዱር ሕማምን’ዩ ዘማዕብል። ኣብ ስደት፡ ንጭንቀት ዘደዓዕስ ንብኽያት ዝእብድ ትፈልጦን ቤተሰብካን ጎረቤትን ማሕበረ ኮምን ክህልወካ እንከሎ ዓቢ ጸጋን መስተርሆትን’ዩ።

ኣህዛብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብድሕሬና ዝተሰዱ ዜጋታት ከይተረፈ፡ ገንዘቦምን ዓቅምታቶምን ብምውህሃድ መእከቢ ኣዳራሽ፡ ቤት ጸሎት፡ መዋእለ ህጻናት፡ መዘናግዒ ትካላትን ባህላዊ ማእከላትን ወኒኖም፡ ብዘይ ስክፍታ፡ ንማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ካልእ ኣጋጣሚታትን ክጥቀምሉን ኣካርዮም ኣታዊታት ክረኽብሉን ክትዕዘብ ትቀንእ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እስራኤላውያን፡ ፖላንዳውያን፡ ኣየርላንዳውያን ህንዳውያን ካብቶም ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩን፡ ተጠቀምቲ ዕድላትን ኣብነታውያን’ዮም። ብኣንጻሩ ኣብ ሓደ ከተማ ብኣሽሓት እንቅመጥ ኤርትራውያን ዝሰኣና ዘይብልና፡ በብእዋኑ ንክራይ ዝተወሰነ ሒደት ሰዓታት ልዑል መጠን ንኸፍልን ኣብ ምልማን ንኣቱን። እቲ ዘይምጥርናፍን ሓድሕድ ዘይምትሕግጋዝን፡ ኣብቶም ሕጂ ዘለና ወለዲ ኣብ ክንዲ ዘብቅዕ ድማ፡ ናብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ይሰግር፡፡ ከምቲ ዘውርሰካ ንብረትን መሬትን ወላዲ እንተዘይብልካ “ንኣቦኻ መርቅ ንኣቦኻ ርገም” ዝብሃል፡ ንሕና ብህይወትና ዘለና ኣብ ደቅና ሓድጊ እንተዘይገዲፍና ኣብ ታሪኽናን መንነትናን ዓቢ ሃጓፍ ክፍጠር ኢዩ። እቲ ኣብ ደቅና ክህሉ ዝግብኦ ምትእስሳርን ምውርርራስ ባህልን ከኣ፡ ጥጡሕ ባይታ ይስእን ስለዘሎን ብፖለቲካ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ከብድን ሕቆን ምዃን ተወሲኽዎን፡ መንእሰያትና ኤርትራ ከይርስዕዋን ኣብ ጉጎል ከይደልይዋን ትጠራጠር።

ድሌትን መደብን ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ኣብ መበቆል ሃገርና፡ ሰላማዊ ህይወት ከነስተማቅር፡ ደቅና ከነዕብን ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ክንሕብሕብን ኢዩ። እንተኾነ፡ “ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ስለዝኾነ፡ ሓሳድ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ሃረርታና ንግዚኡ ኣይሰመረን። ኤርትራውያን፡ ጥምረትን ሓንጎልን ብዙሓት ሓይሊ ምዃኑ ክሳብ ዝኣመንና፡ ሕጂ’ውን ብናይ ዝሓለፈ ከይተጠዓስናን ድኻማትና ገምጊምናን፡ ጸገማትና ክቅረፍን መንነትና ክዕቀብን፡ ህዝባዊ ሕመረት ዘለዎን ንኹልና ብማዕረ ዘገልግለናን ዝጥርንፈናን ኣብ ዘዘለናዮ ማሕበረኮም ንመስርት። ንደቅና፡ ኤርትራ ትብሃል ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገር ከምዘላቶም ነፍልጦም። ነቶም ተካእትናን ተረከብቲ ሕድርን ደቅና፡ እቲ ንዓና ንዓመታት ብዘይ ፍረ ኮለል ዘበለና፡ “ደጋፊ ተቃዋሚ” ዝብሃል ሕዱር ሕማም ኣይነላግበሎም።

                          ጽላል ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 15 ነሓሰ 2020

Previous Post

ATV: Joint Statement – ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጸኢን ዝነብሩ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር

Next Post

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – 2ይን መወዳእታን ክፋል – ብ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

Next Post

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና - ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን - 2ይን መወዳእታን ክፋል - ብ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

1.5 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
4 years ago

 “ኤርትራውያን፡ ጸገማትና ክቅረፍ መንነትና ክዕቀብ ብማሕበረኮም ንጠርነፍ” –
ጽላል ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 15 ነሓሰ 2020

ይበል! ይበል! ይበል!  
ካብዚ [1300 ቀላት] ንንየዉ ሃተፍተፍ እዩ።

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

‘እቲ ንዓና ንዓመታት ብዘይ ፍረ ኮለል ዘበለና፡ “ደጋፊ ተቃዋሚ” ዝብሃል ሕዱር ሕማም ኣይነላግበሎም።’>> chronic disease indeed Tsilal, what a rotten legacy to inherit, however, there is good news, this young generation is a mixed bag, plenty bright ones have figured it out on their own and started to forge a path of theirs which eventually lead them to the place where they came from, all we have to do stay out of their way, ‘mahberecom’ that’s HGDEF’s language, I would rather use another word like ‘club’, Italian American club, Eritrean American club….Bottom line is, forget forming a club, when was the last time you called your own brother or sister across town and had heart to heart conversation? the enemy have moved through osmosis among us and took over our household including the mouse of our computer literally. It is what it is and lets tell it how it is, otherwise it wouldn’t take us this long and cost us so much precious lives to get rid of handful pickle heads with expressive aphasia who wear incontinent briefs under their suit.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply