Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኤርትራውያን፡ መጻኢ ወለዶ ዝኸፍሎ ዕዳ ኣይንግደፍ

Atv Asena by Atv Asena
8th November 2020
in Articles, Tigrinya
6
0
SHARES
582
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኤርትራውያን፡ መጻኢ ወለዶ ዝኸፍሎ ዕዳ ኣይንግደፍ

ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ብክቡር መስዋእቲ ኣብ 1991 ዝረኸባ ናጽነት: ብሰንኪ ጨፍላቂ መሰል ሰብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሓበንን ብሰላምን ኣየስተማቐራን። ጉጅለ ህግደፍ ካብ 1991 ክሳብ 1993 መስርሕ ረፈረንደም ዝውዳእ: ሓቀኛ ባህርያቱ ንዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ግሁድ’ኳ እንተዘይነበረ: በብእዋኑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝፈጸሞ ገበን፡ ዘይሕጋውን ግዕዙይን ምሕደራን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘተኸተሎ ተናኻሲ ፖሊሲታትን: ህዝቢ ኤርትራ ናብ ክወጾ ዘይክእል ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላውን ሰብኣዊ ክሳራን ተሸሚሙ።

 ህዝብና ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ኩሉ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተኸልኪሉ፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ምሕያር፡: ስደት: ምብትታን ስድራቤታት: ግዱድ ገደብ ኣልቦ ውትህድርናን ድኽነትን ኮይኑ። “ሕጊ ጎደለ ድኻ ተበደለ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ስለዝጠፍአ: ኣብ ክንዲ ፍትሒ፡ ጉቦ: ሰበይ ሰብካ: ምጥልላምን ብኣቋራጭ ምህብታምን ሱር ሰዲዱን ተለሚዱን። ብሰሪ ዘይዓግብ ሸውሃት ስልጣንን ምልካዊ ኣገዛዝኣን ጉጅለ ህግደፍ ድማ፡ ጽቡቕ ስምን መልክዕን ህዝቢ ኤርትራ ተደዊኑ ብስደተኛን ጸረ ሰላምን ተቐይሩ።

          እቲ ብዘይ ኩናት ክነብር ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኩናት ካብ ቀደም ክሓልሞ ስለዝጸንሐ፡ ድሌቱ ንኽልተ ኣሕዋት ኣህዛብ ኣናቑቱ ስልጣኑ ከደልድል’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ምረትን ሳዕቤንን ኩናት ልዕሊ ካልእ ሃገር ስለዝፈልጥ፡ ካብ ዝኾነ ናይ ጎረቤት ሃገር ዘይምርግጋእ ክሳራ እምበር ዝኸስቦ ጉዳይ የለን። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ፖለቲካዊ ኣጃንዳኡ ንምዕዋት፡ ነቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተወሊሉ ዘሎ መጋርያ ሓዊ ዘይምልከተና ክንሱ ብሓይሊ ክንጥበስን ጽልኢ ክንፈጥርን ይግድደና ኣሎ።

ኤርትራውያን፡ እዚ ኣብ መንጎ ብዓቢዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግናን ክልል ትግራይን ንኣዋርሕ ክጓሃሃር ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ደም ምፍሳስን ዕንወትን ዓሪጉ ዘሎ ኩናት፡ ብብዙሕ መንገዲ ስለዝትንክፈናን ሃፈጽታኡ ስለዝሽልብበናን፡ ክንጽይኖን ክንቃወሞን እምበር ብዝኾነ መንገዲ ጸግዒ ክንወስድ ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ቀዳሞት ወለድና ዝምስልዎ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዝፍጠር ባእሲ ወይ ዘይምቅድዳው ሓሲኻ ኣሕዋት ትዓርቕ እምበር ሓሲኻ ኣሕዋት ኣይተባእስን ኢኻ። ኤርትራውያን ኣብ ጎረቤትና ዕግርግርን ሞትን እንከሎ ንሕና ብሰላም ደቂስና ክንሓድርን ቀሲንና ክንነብርን ኣይንኽእልን ኢና።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍላይ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገሮም ምንባር ዝሰኣኑ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን  ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ስለዝነብሩ፡ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ ንዜጋታትና ናብ ዝገደደ ስግኣት ድሕነት፡ ጥሜትን ሕማምን ከምዘቃልዖም ፍሉጥ ኢዩ። ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዞባ ውግእ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕነቶም ክሕሎን ዘድልዮም ቀረብ ክማልኣሎምን ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ።

 ጉጅለ ህግደፍ ምስ መቀናቅንቱ መራሕቲ ወያነ ኣብ ውድድር ስልጣን ምስኣተወ፡ ኣብ 1998 ብሰበብ ዶብ ዝወልዖ ትርጉም ዘይነበሮ ኩናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስታት 25 ሽሕ ምሩጻት ደቁ ከሲሩ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም፡ ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ዓንዩን ልኡላዊ መሬቱ ተመንጢሉን ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ዝሓለሞ ንመራሕቲ ወያነ ብሓይሊ ስለዘየበሎም ድማ፡ ን20 ዓመታት “መሬትና ብወያነ ተጎቢጡ ኣሎ” ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ብኣይሰላም ኣይኩናት ጅሆ ሒዝዎን ንቡር ሃገራዊ መደባቱ ከየሰላስል ሓሪምዎን።  

 መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ዘይሕጋዊ ስምምዓት ድሕሪ ምፍራሙ፡ “ኣይከሰርናን፡ ዝጠፍኣና የለን፡ ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን” ብምባል ንመስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቋሽሽን ንልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ናይ ጥልመት መደረታት ኣስሚዑን ኣንጻር ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ተንኮል ክኣልም ጸኒሑን። ብ3 ጥቅምቲ 2020 ድማ እቲ መላኺ ኢሳያስ ብድሕሪ መጋረጃ ክጥጅኦ ዝጸንሐ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሓራምዝ ክንዖ ዝጸንሐ ምትፍናን ሃልሃልታ ሓዊ ተፊኡ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተሳዊሩ ዘሎ ኩናት ድማ ጽምኢ ስልጣን ንምርዋይ እምበር ሓልዮት ሃገርን ሰላምን ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ።

   እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ብረት ንምጭፍላቕ ብትእዛዝ ዓቢዪ ኣሕመድ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ድማ፡ ኣብ መወዳእታኡ ህይወት ሰብ ምስተቀዝፈ፡ ንብረት ምስዓነወ፡ ሃብቲ ምስባኸነን ኣብ ልቢ ህዝቢ ጽልእን ቅርሕንትን ምስዘርአን ብዘተ ክምዝፍታሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኩናት ይዕበ ይንኣስ ጠንቂ ድኽነትን ድሕረትን ከምዝኾነ ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፡ ብኣፎም ሓለይቲ ህዝቢ ኢና ዝብሉ ብተግባር ግን ሓይሊ ብረት ዝኣምኑ መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ንስልጣኖም ክብሉ ወሊዖሞ ዘለዉ ኩናትን ንሱ ዘስዕቦ ሰብኣዊ ህልቂትን ብገበን ዘሕትቶም ኢዩ። ብቀንዱ ናይ መላኺ ኢሳያስን ካብ ተቀባሊ ስልማት ሰላም ናብ ቀታሊ ሰብ ተቀይሩ ዘሎ ዓቢዪ ኣሕመድን ወሽለኽለኽን ሸረኽረኽን፡ ነዊሕ ዘይከይድን ብስልጣን ምስተባእሱ ከብድን ሕቆን ከምዝኾኑን ሕሉፍ ታሪኽ መላኺ ኢሳያስ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ።

መላኺ ኢሳያስ፡ ብዘይካ ንተቀናቀንቱ ቀንጺሉን ኣዳኺሙን ጥሙሕ ስልጣኑ ምርዋይ ካልእ ሕልሚ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ታሪኹ ሰብ እናበልዐን እናቀተለን’ዩ ገቢሉን ዕድመ ረኺቡን። ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሃገራት ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ዞባ ዓበይቲ ቃላያትን ዝኣተዎ ውራራትን ኣብ ዘይምልከቶ ዝፈጸሞ ጣልቃ ምእታውን፡ ኣብ 1981 ምስ ወያነ ተመሓዝዩ ንኣሕዋቱ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኣጥፊኡ፡፡ ኣብ 1994 ድማ ኣብ ውድባት ኢትዮጵያ ሓዊ ብምስዋር ምስ ወያነ ኮይኑ ንውድብ ኦሮሞ ደምሲሱ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እቲ ወትሩ ከም ነፋሓይቶ ሕብሩ ዝቀያይር ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ተሻሪኹ ንውድብ ህውሓት ክድምስስ ተዋፊሩ ኣሎ።  መላኺ ኢሳያስ ዕድመ እንተሂብዎ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣንጻር’ዚ ሕግብግብ ዝብሎ ዘሎ ዓቢዪ ኣሕመድ ምስ ካልእ ሓይሊ ኮይኑ ተንኮል ከምዝኣልመሉን ከምዝጻብኦን ናይ ግዜ ሕቶ ኢዩ።

 ዓቢዪ ኣሕመድ ብሓገዝ መላኺ ኢሳያስ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ከፊትዎ ዘሎ ዓንዳሪ ኩናት ብዓወት እንተድኣ ፈጺምዎ፡ መላኺ ኢሳያስ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል “መሬትና ብወያነ ተጎቢጡ ኣሎ” እናበለ ንመጎልበቢ ኣበራቱ ዝጥቀመሉ መመኽነይታ ምስተወድኦን እንታይ ሓድሽ ነገር ከምዘምጽእ ኣቀዲምካ ንምግማት የጸግም ይኸውን። እንተኾነ፡ መላኺ ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ስለዝኾነ ኣእዳውና ኣጣሚርና ኣይንዕዘብን ኢና” ስለዝበለን ጉዳይ ኢትዮጵያ ልዕሊ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘገድሶ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኢዩ፡፡

 ዓቢዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምትግባር “ዓሰብ ምስ ኢሱ ክንማቀል ኢና” ኢሉ ሓቀኛ ዕላማኡ ምግሃዱን ናይ ዋዛ ዘረባ ኣይኮነን። መላኺ ኢሳያስ፡ መራሕቲ ወያነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠንቂ ሰላምን ምትሕግጋዝን ከምዝኾኑ ምኽሳሱን ድሕሪ ምድምሳስ ወያነ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ምትሕጋዝ ዝሓልፍ ውህደት የድልየና ኣሎ ስለዝበለን፡ ልኡላውነትን ኤርትራ ኣሕሊፉ ከምዝህብን ህዝቢ ኤርትራ ሃገር ኣልቦ ጽግዕተኛ ከምዝኸውንን ፍሉጥ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣንጭዋ ዘይትበትኮ ተንኮላት ዓቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ክልቲኦም ሃረፍቲ ስልጣንን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ከምዝደርጉሕዎ፡ ብስም ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምኽባር ምኽባር ጸጥታን፡ ንህዝቦም ኣድክዮምን ሃብቲ ዘሚቶምን ዕሱባትን ከደምትን ናይ ግዳም ሓይልታት ከምዝኾኑ ፈሊጥና ኣለና። ኣብ ነሓሰን መስከረምን 2018፡ መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ናብ ስዑድያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱስቱስ ኢሎም ኣብ ብርኪ ነጋውስ ሰጊዶም ዝተቀበልዎ ገንዘብን ወርቂ ሰንሰለትን ጭቡጥ ኣብነት’ዩ።

ኣብ ከምዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ኤርትራውያን ከም ናጻ ሃገርን ህዝብን ክንቅጽል እንተደሊና፡ ብዝቀልጠፈ ክንምልሶ ዝግብኣናን ክንወስዶ ዘለናን ዕማም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንኹን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና፡ ክሳብ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኣቱን ሃገር ኣልቦን ንኸውንን እንተተጸቢና፡ መጻኢ ወለዶ ዝኸፍሎ ዕዳን ንገድፍ ኣለና ማለት’ዩ። ወትሩ ብዛዕባ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ንዓመታት ዝሳቐ፡ ኣብ ስደት ዝዋረድ፡ ብጥሜት ዝልምን፡ ብሕማም ዝተደነሱን ካብ ሕልሙ ዝተጎናደበ ህዝብና ክርህዎን እታ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ሰንሰለት ህግደፍ ክንበትከሉ ብሓባር ንስራሕ። ካብ ወረጃ ዘረባን ኣዋጃትን ሓሊፍና፡ ቀዳማይ ተጠቃሚ ናይ ኩናት፡ ዘይምርግጋእን ምዝራግ ሓድነትን ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ ማዕረ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ዝፍሕሶ ተንኮላት ክንሰርሕ ኣለና። ግዜ ኣንጻር ረብሓና ይቅድመና ኣሎ። ሃገርና ብፍልልያትና ተኸባቢርና ቀዳምነታትና ንምዕዋት ክንሰርሕ ትሓተና ኣላ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ 8 ጥቅምቲ 2020

Previous Post

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ን ሰልፊ ዲሞክራትስ ወኪሉ ዝተወዳደረ ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኮይኑ ከምእተመርጸ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም የቃልሓ ኣለዋ።

Next Post

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

Next Post
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ - ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
6 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
4 years ago

“ሃገርና  ብፍልልያትና  ተኸባቢርና ቀዳምነታትና ንምዕዋት ክንሰርሕ ትሓተና ኣላ።
ኤርትራውያን፡ መጻኢ ወለዶ ዝኸፍሎ ዕዳ ኣይንግደፍ”  
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት  መግስታት ኣመሪካ  8 ጥቅምቲ  2020.  

 ርእይቶ ምስ ትሕትና 
ካብዚ ዝበለጸ ምኽርን መጠንቀቕታን ንኽንረክብ  ምጻባይ ንነብስኻ ምዕሻዉ ጥራይ እዩ ። 
ዘይንፈልጦ ክዓ ኣይኮነን ፤ ንፈልጦ ኢና ኣጸቢቕና ።
ኢሳያስውን፣ ወዲ ሹቕ፣ ኣጸቢቑ ይፈልጣ እዩ >> ንምንታይ ድኣ ይመስለኩም ዝጻወተልና ???   
ኣይ ነንሕድሕድና እንድዩ ዝጻወተልና ዘሎ  ዓያሹ  እናበለ ። 
እሞ ከዓ ንሰላሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት፣ ናብ ባርነት 
እግዚሄር ልብና  ርእዩ ኢድና ሕጁ ይምራሓና!!!!!!!!!!!!!!!!!!

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

 ‘ኤርትራውያን ከም ናጻ ሃገርን ህዝብን ክንቅጽል እንተደሊና፡…’>> so we do have a free Eritrean people and nation? the reality on the ground vividly shows our home is Ethiopia’s northern military command zone with the situation room in adi halo , and talking about future generation, they are here already and paying for it dearly, what doomsday scenario are we waiting for this nation? Tsilal, I am your best fan, however, we are in overtime.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

“ወትሩ ብዛዕባ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ንዓመታት ዝሳቐ፡ ኣብ ስደት ዝዋረድ፡ ብጥሜት ዝልምን፡ ብሕማም ዝተደነሱን ካብ ሕልሙ ዝተጎናደበ ህዝብና ክርህዎን እታ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ሰንሰለት ህግደፍ ክንበትከሉ ብሓባር ንስራሕ።”
ጽላል

—–

ዝኾነ ፥ ውድብ ይኹን ወይ’ውን ማሕበራዊ ጉጂለ ፥ ዓቅሙን ዓቀኑን ብዘይግድስ ፥ ንበይኑ ፥ ኣብ ኤሪትራ እቲ ዝድለ ዘሎ ዓይነት ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እየ እልካ ምስሓብ ፥ ነብስኻ ምቅሻሽ እዩ ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ኣታሓሳስባ፥ ከም ጠንቂ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ምንዋሕ ክጥቀስ ዝካኣል እዩ።
ብዘይ ሃገራዊ ሓድነት ፥ ብዘይ ማሕበራዊ ሲኒት ፥ ብዘይ ንኹሉ ደንበ ተቃዉሞ ዝውክል ሓደ መሪሒነት ፥ ህግደፍ ምእላይ ፈጺሙ ኣይካኣልን ።
ንጠርነፍ፥ ንዛተ፥ ንታዓረቅ፥ ንሰራዕ ፥ ንታዓጠቅ ፥ ብሓደ ልሳን ንዛረብ ፥ ንሓርነትና ንበገስ ።

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

QUOTE: “ንኹለኹም ኤርትራዊያን! ፃውዒት ሓበራዊ ቃልሲ:- ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራዊያን ውልቀ መለኽቲ ኢሳያስን ኣብይን ንዝወልዕዎ ኲናት ንምቅዋም ንሶኒ ንጉሆ 10 am ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ስቴት ዲፓርትመንት ኣብ ዝካየድ ዓብይ ሰልፊ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም:: ቦታ:- ስቴት ዲፓርትመንት ስዓት:” UNQUOTE @ www. meskerem.net

Humble Question in a FREE Country
a) Who started the war mentioned above ??? 
 
b) Is it really truly, honestly and decently correct to say that others “ንዝወልዕዎ   ኲናት” ???

c) Why would Eritrea go to war again — coming-out from 30-year war against Ethiopia??? 

d) Again, why would Eritrea go to outside war, while it is struggling against indigenous DICTATOR of its own?????? 

e) Why is it assumed that ERITREANS” LIFE is less worthy than smart aleck others??? 

f) WHY? WHY? WHY? Am I off track ???  HELP, PLEASE.

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

QUOTE: “ክሲ ኣብ ለዕሊ ኢሰያስ ብዶር ደብረጽየን። “ UNQUOTE. http://www.meskerem.net

ትማሊ ትማሊ ትማሊዶ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ይኸዱ ኣይነበሩን?!?!?
ወይ ግዝየ ኩሉ ተርእይና ቀስ በቀስ ካይተሃወህኪ
ብዛዕባና ፡ ኤርትርያዉያን ፡ ድኣ እንታይኮንኪ??? 
ነውሪ ነውሪ ነውሪ  ዘይተጸበናዮ
አቲ ኩሉ ትዕግሥትና ድኣ ኣብ ግምት ዘየእተኽዮ 
ዓገብ ዓገብ ዓገብ፣ እሞ ሕጂኸ ፍርዲ ናባና ገጽኪዶ መቕናዕክዮ??? 
ወይ ግዝየ ግዝየ  ግዝየ  ………. 

0
Reply
Zeregabir
Zeregabir
4 years ago

Your grandfathers are cut their hands and legs after the Adwa war.
Ayenay eda eyu?

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
6
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply