ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና
ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል
መብራህቱ ኣተወብርሃን
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ`ዚ ጽሑፍ፡ ካብ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ፡ ተደጋጋሚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘነኣእስ መግለጺታት ብምብጋስ፡ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ኢትዮጵያ ማእከሉ ዝገበረን ብዋጋ ልኡላውነት ኤርትራን ካልኦት ናይ ዞባና ሃገራትን ምምሕዳራትን ዝፍጸም ዞባዊ ውህደት፡ ኢሳይያስ ምዃኑ ከርኢ ፈቲነ። ኣብ ርእሲኡ`ውን ምስቲ ናይ ኢጣልያ ናይ 1930ታት ናይ ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢታልያና (ኢጣልያዊ ግዝኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ) ምምስሳል ከምዘለዎ ገሊጸ። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል፡ እቲ ዞባዊ ፕሮጀክት ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብከመይ ይግለጽ ከምዘሎን ከረድእ ክፍትን እየ።
ቅድሚኡ ግን ካብቶም ነቲ ቀዳማይ ክፋል ኣመልኪቶም ዝተዋህቡ ርእይቶታት፡ ነቶም ክልተ ኣገደስቲ ዝበልኩዎም መልሲ ክህበሎም። እቲ ቀዳማይ ርእይቶ፡ እቲ ዞባዊ ፕሮጀችት፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ዞባናን ካብ ዞባና ወጻእን ዝርከቡ ሓይልታት ዝመርሑዎ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ዞባና ሃገራትን፡ ተገዲደን ዝኣተውኦ ድኣ`ምበር ወሳኒ ግደ የብለንን ዝብል እዩ። እዚ ኣረኣእያ ግን እንተወሓደ ብክልተ ምኽንያታት ሚዛናዊ ኣይኮነን።
ቀዳማይ፡ ጥቡቕ ዞባዊ ውህደት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢሳይያስ ንዓመታት፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ዝዛረበሉ ዝነበረ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተነጊሩ እዩ። ካብ ናይ ጽባሕ ናጽነት ናይ ኣዲስ ኣበባ መግለጺኡ ኣትሒዙ፡ ረፈረንደም ዝካየደሉ እዋን ክናዋሕን፡ ምስ ኢህወደግ ውሁድ ምሕደራ ክምስርትን ዘለዎ ድልየት ብተደጋጋሚ ገሊጹ`ዩ። ኵነታት ምጥዓም ስለዝኣበዮ ጥራይ`ዩ ክፍጽሞ ዘይከኣለ። ምኽንያቱ፡ ወድዓዊ ኵነታት ኤርትራ ስለዘይፈቐደን (ህዝቢ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት መሪር ቃልሲ ከምኡ ዝበለ ሸውሃት ስለዘይነበሮ)፡ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘይተቐበሎን። ሕጂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝደኸመ ኣብ ዝመሰለሉን፡ ህወሓትን ኢህወደግን ኣብ ዝተወገዱሉን፡ ንኢሳይያስ ወይ እቲ እዋን ዝኣኸለ ስለዝመሰሎ ወይ`ውን ግዜ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ፡ ጥራይ`ዩ ዝጓየ ዘሎ`ምበር ሓዲሽ ሓሳብ ኣይኮነን።
ካልኣይ፡ ንምትእትታው ከም ስዑድያን ኢማራትን ዝበላ ዞባውያን፡ ከም ኣመሪካን ካልኦትን ዝበላ ርእሰ-ሃያላን ሓይልታት ብዝምልከት`ውን፡ ድሕሪ ናይ 1993 ረፈረንደም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ኣብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ጽልዋን ምቝጽጻርን ክህልዎም ዳርጋ ከም ውሁብ ተወሲዱ፡ ከተግብሩዎ ዝደልዩ ኩሉ ግን፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ፡ ወይ ኣፍትዮም ወይ`ውን ኢድ እናጠወዩ ድኣ ይፍትኑ`ምበር፡ ቀጥታዊ ምትእትታው ልሙድ ዓለማዊ ናይ ጂኦ-ፖለቲካ መሳርሒ ኣይኮነን። ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወይ ንካልእ ሃገር ኣብሊጾም ክጥምቱ`ውን ይኽእሉ ይኾኑ፡ ውሁድ ምምሕዳር፡ ወይ ሓደ ናይ ምክልኻልን ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲን ናይ ምህላው ግን፡ ክገሃስ ዘይከኣል ናይ ኤርትራ ልኡላዊ መሰል`ዩ። ብዘይምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ክፍጸም ኣይክእልን። ናይ ኢሳይያስ ጥቡቕ ዞባዊ ዝምድና ክህሉ ምድላይ`ውን ምስ ድልየቶም ስለዝሳነ፡ ወይ ብስቕታ ክዕዘቡ ወይ`ውን ከተባብዑዎ ይኽእሉ። ስለ`ዚ ኣብዚ`ውን እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ኢሳይያስ ድኣምበር፡ ዞባውያን ሓይልታት ወይ ኣመሪካን ቻይናን ክኾኑ ኣይክእሉን።
ካልኣይ ርእይቶ፡ ኣብይ “”ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ክሳራ`ዩ ነይሩ” ክብል`ከሎ ብሓፈሻኡ ነቲ ኲናት ዘውረዶ ዕንወት ንምግላጽ ድኣ`ምበር፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣይኮነን” ዝብል`ዩ። እዚ ርእይቶ ንናይ ኣብይ ኣዘራርባ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ይመስለኒ። እቲ ኣብይ ከም መእተዊ ዝተጠቕመሉ `ኣብ ኤርትራ ክመላላስ ጸኒሐን ዝተዓዘብኩዎን` ዝብል ሓረግ ንጹር ምልክት ይህብ። እዚ ድማ፡ ኣብይ፡ ንውጽኢት ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ህሉው ኵነታት ተበጊሱ ይግምግም ከምዘሎ`ዩ ዝሕብር። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኵነታት ድማ ብክልተ ዓበይቲ ትሕዝቶታት ይግለጽ – ሓደ፡ ኤርትራውያን ተቓሊሶም ኤርትራ እትብሃል ሃገር ከምዝመስረቱ፡ ካልኣይ ከኣ፡ ኤርትራውያን ፍትሓዊትን ምዕብልትን ሪፑብሊክ ኣብ ምህናጽ ከምዘይተዓወቱ ወይ ከምዝፈሸሉ`ዩ። ንዶር. ኣብይ ከኣ ዋላ ከም ናጻ ገምጋሚ ክንወስዶ እንተዀና፡ ነቲ ቀንዲ ውጽኢት ቃልሲ ሰላሳ ዓመት ዝኾነ፡ ሃገር ምምስራት ንጐድኒ ገዲፉ፡ በቲ ካልኣይን ምስ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ዘይቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ፍሽለት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ሃገር፡ ይዕቅን ኣሎ ማለት`ዩ። ቀንዲ መልእኽቲ ዶር. ኣብይ ግን ኣብቲ `ሆየ-ሆየ ገዲፍና፡ ትዕግስቲ እንተጌርና፡ ኵሉ ናብ ቦታኡ ክምለስ`ዩ` ዝብል ደምዳሚ ሓሳባት`ዩ ዘሎ። እቲ ምስ ኤርትራ ዝተሓሓዝ፡ ናብ ቦታኡ ክምለስ ዘለዎኸ እንታይ`ዩ? ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ዝብሉ፡ ምፍላይ ፋይዳ ከምዘይብሉ፡ ካብ ኤርትራ ተማሃሩ ንምባል ዝበሎ እንተኾይኑ ከኣ፡ ጌጋ ኣብነት`ዩ ተጠቂሙ።
ናብቲ ዞባዊ ውጥን ክንምለስ። እዚ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ማእከል ዝገበረ ፕሮጀክት ኣፍሪካ ኦርየንታለ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዞባናኸ ብከመይ ይግለጽ ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ንምርኣይ፡ ናብቲ ካልኣይ ጨንፈር ናይዚ ፕሮጀክት፡ ንፈደራላዊ ስርርዕ ሶማልያ ኣዳኺምካ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሞቓድሾ ከምዝምእከል ምግባር ክንዲዝኾነ፡ ንኵነታት ሶማልያ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ`ውን ርካብ ኬንያ ምስ ሶማልያን ኢትዮጵያን ምርኣይ ከድሊ`ዩ። ኵነታት ጅቡትን ሶማሊላንድን`ውን ምስዚ ስለዝተሓሓዝ ምስኡ ኣራኺበ ከቕርቦ`የ።
ሶማልያ
ናይ ሶማልያ ፕረሲደንት መሓመድ ዓብዱላሂ (ፋርማጆ)፡ ከምቲ መብዛሕቶም መራሕቲ ሶማልያ ዝገብሩዎ፡ ቀንዲ ማኒፈስቶ ምርጫኡ፡ “ታሪኻዊት ጸላኢት ህዝቢ ሶማል ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ካብ ፖለቲካ ሶማል ኢዳ ከተልዕልን፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእን” ዝብል ዝሓዘ`ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ቀንዲ ተሓባባሪ ኣብይን ኢሳይያስን እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ንፋርማጆ ምስ ኣብይን ኢሳይያስን ከም ኣብ ስእሊ ጥራይ ዝቐርብ፡ ናይ ማዕዶ ተዋሳኣይ ገይሮም ከቕርቡዎ ይፍትኑ እዮም። ፖለቲካ ሶማልያ ብቐረባ ዝከታተሉ ግን፡ ፋርማጆ ከም ኢሳይያስ፡ ንመሰል-ርእሰ ውሳነ ህዝብታትን ፈደራላዊ ስርርዕ ናይ ሶማልያ ዝጽየን ምዃኑ፡ ቅድም`ቲ ምስ ኣብይን ኢሳይያስን ዝኣተዎ ውዕል ኣትሒዙ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣዳኺምካ ማእከላይ መንግስቲ ናይ ምሕያል ጻዕሩ ከም ኣብነት የቕርቡዎ። ምስ ኣብይን ኢሳይያስን ዝኣተዎ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ምስ ድልየቱ ስለዝሰማማዕ ሓዲሽ ሓይሊ ድኣ ፈጢሩ`ምበር፡ ሓላፍ መንገዲ ወይ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኣይኮነን።
ኣብይን ኢሳይያስን ዝተሓወሱዎ፡ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ናይ ምሕያል ፕሮጀክት፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን እታ ሃገር ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ይገብር ኣሎ። ፈደራላዊ ስርርዕ ሶማልያ፡ ካብ ወድዓዊ ኵነታት እታ ሃገር፡ ማለት ቀቢላውን ከባብያውን ፖለቲካዊ ቅርጺ ዝብገስ፡ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሰብ ብርክን ዘእተወ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣል-ሸባብን ጐይቶት ኲናት ነበርን (war lords): ናብ ሰላማዊ ናብራ ከምዝምለሱ ኮይኖም`ዮም። ናይ ፋርማጆ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ድማ፡ ሓደ ካብ ውጽኢት ናይቲ ብዙሓት ደቂ ሶማልያን ናይ ደገ ሓይልታትን ዝተሓወሱዎ ንሶማልያ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ናይ ምምላስ ጻዕሪ`ዩ። ፋርማጆ ብምትሕብባር ኣብይን ኢሳይያስን ካብ ዝወሰዶም ሓደገኛ ስጕምትታት ከኣ፡ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተቐባልነት ንዘለዎም ብመሰረት ውዕል ሰላም ናብ ሰላማዊ ናብራ ንዝተመሱ ኣባላት ኣል-ሸባብ ነበር፡ እተፈላለዩ ምስምሳት ኣቕሪብካ ኣብ ምርጫ ከም ዘይሳታፉ ምግባር`ዩ። ንኣብነት ንኣባል ኣል-ሸባብ ነበር ናይ ባይዶዋ ተወዳዳሪ ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝእሰር ብምግባሩ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ፡ ንፋርማጆ ምስ ናይ ደገ ሓይሊ (ኣብይ) ብምትሕብባር ንልኡላውነት ሶማልያ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከምዝኸሰሱዎን፡ ካብ ስልጣን ክወርድ ከምዝጠለቡን ይፍለጥ። እቲ ክሲ ግን ብልዑል ድምጺ ክሓልፍ ብዘይምኽኣሉ ፋርማጆ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ክኢሉ።
እቲ ካብ ኵሉ ጐሊሑ ዝተራእየ ግን፡ ኣብ ዞባ ጁባ ዝተገብረ ናይ ፋርማጆን ኣብይን ምትእትታው`ዩ። እታ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣል-ሸባብ ኮይና ዝጸንሐት ኬንያ ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ካብ ዝገበረቶ ልዑል ጻዕሪ፡ ንሓደ ካብ ቀንዲ ኣባላት ኣል-ሸባብ ዝነበረ ኣሕመድ ማዶበ፡ ናብ ሰላማዊ ናብራ ከምዝምለስን ናብ ፖለቲካ ሶማል ከምዝሳተፍን ምግባራ`ዩ። ማዶበ ብምርጫ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ጁባላንድ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኵነታት እቲ ዞባ ርኡይ ምምሕያሽ ከርኢ ጸኒሑሎ። ኣብ ናይ 2019 ካልኣይ ምርጫ ግን፡ ሓይሊ ዝተሓወሶ ምትእትታው ፋርማጆን ኣብይን ነቲ ዞባ ናብ ቅልውላው ኣእተዎ። እዚ ድማ ተቓዋሚ ፋርማጆ ዝኾነ ማዶበ ከይምረጽ ተባሂሉ፡ ኣብይ ንማዶበ ክኣስሩ፡ ወትሃደራት ዝሓዘት ነፋሪት ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምስዳዱ ዘጋጠመ ነበረ። እታ ነፋሪት በቶም ኣብ ባይታ ዝነበሩ ወትሃደራት ኬንያ ምዕላብ ተኸልኪላ ናብ ቦታኣ`ኳ እንተተመልሰት፡ እቲ ወጥሪ ግን ካብ ጕዳይ ሶማልያ ጥራይ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ናብ ዲምፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ተሰጋገረ። ኣብ ሶማልያ ዝጀመረ ወጥሪ ድማ ናብ ደቡብ ሱዳን ሓለፈ፡ ምኽንያቱ ከም ኣብ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ኬንያን ኡጋንዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን`ውን ኣኽበርቲ ጸጥታ ስለዝኾና። ካብ ሶማልያ ሒዘንኦ ዝመጽኣ ዘይምርድዳእ ከኣ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓላፍነተን ከምዘይስከማ ገበረን። ምስዚ ኣተሓሒዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብታሕሳስ 2019 ንኣብይ ኣሕመድ ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዝራግ ዝወቐሶ።
ርክብ ኢሳይያስን ኣብይን ፋርማጆርን ሶማሊላንድ`ውን ሓድሽ ምጥርጣራት ፈጢሩ ይርከብ። ሶማሊላንድ፡ እታ ካብ ግዝኣታት ሶማል ዝሓሸ ጸጥታን ርግኣትን ዘለዋ ኮይና፡ ብስም ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ብተግባር ከም ሃገር ኮይና ክትከይድ ምጽንሓ ይፍለጥ። ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝካየድ ኮይኑ፡ ንጥቡቕ ዝምድና ኣብይን ፋርማጆን ከም ስግኣት ይርእዩዎ። ተደጋጋሚ ናይ ፋርማጆን ኣብይን ንሶማሊላንድ ናይ ምብጻሕ ሕቶ ብመንግስቲ ሶማሊላንድ ዛጊድ ተቐባልነት ኣይረኸበን ዘሎ። ውጽኢት ናይቲ ብምትእትታው ኣመሪካን ኤሮጳዊ ሕብረትን ዝተገብረ፡ ናይ ቀረባ እዋን ናይ ጅቡቲ ርክብ ከኣ ጸኒሕካ ዝረአ`ዩ። እቶም ብማእከላይ መንግስቲ ስያድ ባረ ጃምላዊ ቅትለት ወሪዱና ዝብሉ፡ ብ2001 ብልዑል ድምጺ (97%) ብረፈረንደም ናጽነት ዝኣወጁ ደቂ ሶማሊላንድ ግን፡ ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይመስሉን።
ጅቡቲ ከም ሶማልያ፡ ንኢትዮጵያ ካብ እዋን ምኒልክ ኣትሒዛ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ጅቡቲ ናተይ ግዝኣት`ያ ዝብል ኣረኣእያን ዝግበር ዝነበረ ድፍኢትን፡ ንኢትዮጵያ ኵሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጠራ ምስረኣየታ`ያ። ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጽኣ ስግኣት ንምክልኻል ድማ፡ ካብ ደገ ንውሽጢ ዝጥምት ምስ ሃያላን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቀደም ገዛኢታ ፈረንሳ ዘተኣሳስራ፡ ሓያል ናይ ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲ ትኽተል። ስርዓት ደርጊ ንልኡላውነት ጅቡቲ ብዕሊ ምስፈለጠ ጥራይ ዝምድና ጅቡትን ኢትዮጵያን ክመሓየሽ ጀመረ። ኣብዚ እዋን ጅቡቲ ንኣብ ዘመነ ኦፕቲዶን ዝነበረ `ምስ ኢትዮጵያ ተመሳሲልካ ምንባር` ዝብል ናይ ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲ ገዲፋ፡ ዳርጋ ንኵለን ኣለዋ ዝበሃላ ናይ ዓለምና ሓያላት ሃገራት ብውሕሉልን ሚዛኑ ብዝሓለወ መንገድን ብምእንጋድ ንስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣ ናብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ረብሓ ኣውዒላቶ ትርከብ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኢሳይያስን ኣብይን ፕሮጀክት ኣፍሪካ ኦርየንታለ፡ ዓሰብ ከም መዋገዪ ተጠቂምካ፡ ንናይ ጅቡቲ ቍጠባዊ ናጽነት፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ልኡላውነታ ምንእኣስ`ዩ ዝመስል። ናይ ኢሳይያስን ኣብይን ክሳብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክህልዋ ዝብል ዞባዊ ውጥን ድማ ንናይ ጅቡቲ ህልውና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ መራሕቲ ጅቡቲ ኣይስሓቱዎን። ኣብይ፡ ነታ ብመንገዲ ኢጋድ ኣቢላ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ዝነበረት ጅቡቲ ራሕሪሑ፡ ምስ ኢሳይያስ ብምውጋኑ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ብዙሕ ጻዕሪ ጅቡቲ ዘተሓወሶ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ`ውን ንጅቡቲ ከየማኸረ ከምዝለዓል ምግባሩ ንሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ካብ ዘቘጥዐ በይናዊ ውሳነታት ኣብይ እዩ። `ኤርትራ ንግጭት ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ ቅሩብነት ኣየርኣየትን` ዝብል ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራ ዝተገብረ ቍጠባዊ ማዕቀብ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ጸገም ዶብ ሕጂ`ውን ኣይተፈትሐን ዘሎ፡ ኣብይ ከኣ ንጅቡቲ ብቀጥታ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኢዱ ብምእታው`ዩ እቲ ቍጠባዊ ማዕቀብ ከምዝለዓል ዝገበረ። (ኣብዚ እቲ ቍጠባዊ ማዕቀብ ርትዓዊ`ዩ ነይሩ እብል ከምዘየለኹ፡ ኣንባቢ ክርድኣለይ እደሊ። እኳ ድኣ፡ ኣሰራርሓ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክንደይ መትከል ዝጐደሎን ብውሑዳት ዝዝወር ምዃኑ`ዩ ዘርኢ)። ዑመር ገለ “መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ`ዩ ዝሕሰብ ዘሎ” ኢሉ ምኽሽሑ ድማ መርኣያ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ኣብይን ኢሳይያስን እዩ። ጅቡቲ፡ ናይ ማሕበር ዓረብ (Arab League) ኣባልነታ ተጠቂማ ንጉዳይ `ግድብ ኣባይ` ብዝምልከት ምስ ግብጺ ከምዝወገነት`ውን ይፍለጥ።
ጽኑዕ መሰረት ዘይብሉ ዞባዊ ውህደት
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ድልየት ህዝቢ ዝተሓወሶ ዞባዊ ዝምድና ዝጽላእ ኣይኮነን፡ ብኣንጻሩ፡ መሰረታዊ ድልየትን ዝምድናታት ህዝብታት መሰረት ዘይገበረ ርክብ ግን ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል። ዋላ ኣድላይነት ዞባዊ ውህደት ከም ቅቡል ወሲድና፡ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን ናብ ውህደት ከምርሕ ዝኽእል ውሽጣዊ ሰላምን ናይ ሓድሕድ ምትእምማንን ኣለወንዶ? ኢልና ክንሓትት ይግባእ። ኩላተን ሃገራት ዞባና፡ ወይ ቅርጻዊ ወይ ማሕበራዊ ጸገም ወይ`ውን ክልቲኡ ዘለወን እየን። ነዚ ዞባዊ ፕሮጀክት ቀንዲ ኣጸጋሚ ዝግበሮ ድማ፡ ኣብታ ካብ ኵለን ንላዕሊ ቅርጻውን ታሪኻውን ማሕበራውን ጸገማት ዘለዋ ሃገር፡ ኢትዮጵያ፡ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ`ዩ። ዝበዝሕ ምንጪ ዘይርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ወይ እታ ሃገር ምስ ካልኦት ናይቲ ዞባ ሃገራት እትገብሮ ዲፕሎማስያውን ናይ ኲናት ግጭትን፡ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ምትእስሳር ኣለዎ።
እቲ ካልኣይን ምስኡ ዝተሓሓዝን ነዚ ዞባዊ ውጥን ኣገራሚ ዝገብሮን፡ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያኡ`ውን፡ ዘውዳዊ ታሪኽ ናይታ ሃገር መሰረት ዝገበረ ምምሳሉ እዩ። እዚ ድማ፡ ሓድነት ኢትዮጵያን ብኡ ኣቢሉ`ውን ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሓደ መንገዲ ጥራይ፡ ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ኤምፓየር ታሪኽ ክቃነ`ዩ ዝድለ ዘሎ ዝብል ርድኢት ከምዝምዕብል ገይሩ ኣሎ። ሓደ ካብ መርኣያታት ናይዚ ከኣ፡ ኣብይ ቢልዮናት ዶላራት ኣውጺኡ ንስምዒት ህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ተወጺዕና ዝብሉ ህዝብታት ዕሽሽ ብምባል፡ ምሕዳስ ቤተ መንግስቲ ምኒልክ ከም ቀዳማይ ፕሮጀክቱ ገይሩ ምስርዑ`ዩ። ኣብይ ዝተሓደሰ ቤተ መንግስቲ ምኒልክ ይምረቐሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ደቂ ደቆም ናይቶም ኣብ ዘመነ ምኒልክ ተዋሪድና ዝብሉ፡ ከም ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝበሉ ደቂ ኦሮሞ፡ ክንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብይ፡ ናብቲ ምልክት መግፋዕቲ ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ሓወልቲ ኣኖሌ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተረኽቡ። ኣብ ርእስዚ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ንዓመታት ብጻዕሪ መለስ ዜናዊ ከይስራሕ ተኣጊዱ ዝነበረ ሓወልቲ ሃይለስላሴ`ውን ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝትከል ገበረን፡ መሪቑ ከፈቶን። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ኣብይ ሽልማት ኖቤል ምውሳዱ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ `ናይ ሰለስተ ወለዶ ታሪኽ ክሳራ`ዩ` ዝበለሉ`ውን ኣብ ውሽጥዚ ዝተሓደሰ ቤተ-መንግስቲ፡ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ምኒልክን ሃይለስላሴን ምዃኑ`ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ብኵሉ መልክዑ፡ ዶር. ኣብይ ዘሎ ፈደራላዊ ቅርጺ ፈሪሱ ብኣሃዳዊ መንግስቲ ክትካእ ድልየት ከምዘለዎ`ዩ ዘመልክት። ቀንዲ ኣማኸርቲ ዶር. ኣብይ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ካብ ኣመሪካን ኤሮጳን ዝተመልሱ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ኣባላት ግንቦት ሰባትን፡ ሰበ-ስልጣን ደርጊ ነበርን`ዮም። ንመጻሕፍቲ ዶር. ኣብይ ዘንበበ ሰብ`ውን፡ ፍልስፍናውን ታሪኻዊ መሰረት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግንዘብ ይኽእል። ብዝኾነ፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ዶር. ኣብይ ዝተኸተሎ ፖለቲካ፡ ንዘሎ ብሄር ዝመሰረቱ ፍልልይ፡ ተሪኻዊ ቀጸላ ወሲኹሉ፡ ንኢትዮጵያ ናብ ዝገደደ ሓደጋ ኣእትዩዋ፡ ንኣብይ ከኣ ህዝባዊ ሰረት ኣስኢኑዎ ኣሎ።
መደምደምታ
ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበራ፡ ኤርትራ ሊብያን ሶማልያን እንታይ ይኹና ኣብ ዝብሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ኤርትራን ኣብቲ እዋን ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ሶማሊላንድን ሓዊስካ፡ ብምልእታ ሶማልያ ታሪኻዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ`ዩ፡ ብምባል ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ወሽመጥ ዓደንን ሰሜናዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ትሕቲ ግዛኣቱ ከእቱ ዘለዎ ድልየት ገለጸ። እቶም ካብ ስደት፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእተዉዎ እንግሊዛውያን ወትሃደራውያን ኣመሓደርቲ፡ በቲ ህርፋን ዝመልኦ ሓሳባቱ ተገረሙ። ሃይለስላሴ ግን ንወሽመጥ ዓደንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ከይረኸበ፡ ነታ ፈደረሽን ኣመሳሚስካ ብጕንዖ ዝተዋህበቶ`ውን ኤርትራ`ውን ብሰንኪ ስስዐኡ ኣጥፊእዋ (ዋላ`ኳ 16 ዓመት ድሕሪ ሞቱ እንተኾነ)። ዶር. ኣብይ ድማ ነዚ ዝሞተ ሕልሚ`ዩ ብስም ዞባዊ ውህደት ክዉን ክገብር ዝሓስብ ዘሎ። ከምቲ ሃይለስላሴ፡ ሕቶ ኤርትራን፡ ካልእ ተማሃሮን ወትሃደራትን ዝሓቱዎ ዝነበሩ ንደሞክራስን መሬትን ዝምልከት ሕቶታት ክንዲምምላስ፡ ደገ-ደገ ምባል ዝመረጸ፡ ዶር. ኣብይ ከኣ ዞባዊ መራሒ ክኸውን ካብ ዘለዎ ህርፋን፡ ኣብ ውሽቲ ገዛኡ ዘንበልብል ዘሎ ሃልሃልታ ምርኣይ ዝዘንግዐ ይመስል። ዳን ኮነል፡ ንርክብ ኣብይን ኢሳያስን ኣመልኪቱ ኣብ እተዛረቦ፡ `ኣብይ ንነብሱ ከም ዓቢ ስትራተጂስት ገይሩ`ዩ ዝሓስባ፡ ግን ንሱ ዘየስተውዓለሉ ነገር፡ ምስ ማስተር ስትራተጂስት ገጢሙ ምህላዉ`ዩ` ክብል ንዕሸላዊ ኣካይዳ ዶር. ኣብይ ይገልጾ።
ዶር. ኣብይ ናይ ሕጂ ኣካይዳኡ ምስዝቕጽል፡ ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ፡ ናብ ዝከፍአ ከምዝኸይድ ርግጽ`ዩ። ዓቕሉ ዝጸበቦ ዶር. ኣብይ ከኣ መመሊሱ ናብ ሕቝፊ ኢሳያስ ክሽጐጥን ማሕበራዊ ሰረቱ ጸንቂቑ፡ ንኢሳይያስ ክመስል`ዩ፡ ድሮ`ውን መሲሉ ኣሎ። እቲ `ካብ ሎሚ ንድሓር፡ ብዘይ ክሲ ዝእሰር ሰብ ኣይክህሉን`ዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ መንግስት`ምበር፡ ኣሸበርቲ ዜጋታት የለዉን` ዝበለ ኣብይ፡ ሎሚ ንጹሃት ዜጋታት ብዘይክሲ ይኣስር ኣሎ። ካልኣይ ምርጫ ዶር. ኣብይ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ኢትዮጵያ እትድሕነሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ክኸውንን፡ ምስ ኤርትራን ካልኦትን ዝግበር ዝምድና ከኣ ከምቲ ጀሚሩዎ ዝነበረ ናብ ትካላውን ሕጋውን መንገዲ ክመልሶ`ዩ። ሳዕቤን ኣብ ዓርከይ-ዓርክኻ ጥራይ ዝምስረት ዘይትካላዊ ዝምድና እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ካብ ናይ 1998 ተመክሮ ክመሃር ተስፋ እገብር።
መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ እቲ ዶር. ኣብይ ዝበሎ፡ `ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ክሳራ`ዩ` ዝብል`ዩ። ዶር. ኣብይ ኣብቲ `መደመር`ን ቅድሚኡ ዝጸሓፎ `እርካብ እና መንበር` ዝኣርእስቶም መጻሕፍቱ፡ ንወሳኒ ግደ መሪሕነት ኣብ ምህናጽ ኮነ ምዕናው ሃገር፡ ብዘደንቕ ኣገባብ ገሊጹዎ ኣሎ። ንናይ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝተሰጋገረ ሕሱም ድኽነት ከኣ ካብ ናይ መራሕቲ ግጉይ ናይ ስልጣን ኣጠቓቕማ ከም ዝብገስ ብዝግባእ ተንቲኑ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕንወት ካበይ ከምዝነቅል ንምርዳእ ከኣ ንዶር. ኣብይ ልዕሊ ናይ ሓደ ሰዓት ትዕዝብቲ ዝወስደሉ ኣይመስለንን። `ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ክሳራ ነይሩ` ዝበሎ ድማ ምስቲ `መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ`ዩ` ዝበሎ ይጻረር። ናይ ሰላም ሓይሊ ሃገር ክሃንጽ እምበር ዕንወት ሃገርን ክሳራን ከምጽእ ስለዘይክእል።
ነዚ ነዊሕ ጽሑፍ ናብ ጕዳይ ሃገረይ ተመሊሰ መዕጸዊ ክገብረሉ። ከምቲ ንኢትዮጵያን ዶር. ኣብይን ኣመልኪተ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፡ ዞባዊ ዝምድና ኣድላይን ጠቓምን እኳ እንተኾነ፡ ጥዑይ ዝምድና ግን ካብ ውሽጣዊ ጥዑይ ምሕደራ ምስዝብገስ ጥራይ`ዩ ናብ ምርድዳእን ዘላቒ ሰላምን ዘምርሕ። ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ዕርቅን ሰላምን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ድማ መሰረት ናይ ኵሉ ዝምድናታት፡ ምስ ኢትዮጵያን ይኹን ካልኦት ናይ ዞባና ሃገራት፡ ክኸውን ኣለዎ። ውሽጣዊ ቅሳነትን ምትእምማንን ምስዝህሉ፡ ዞባዊ ምዕባለን ምርግጋእን ባዕሉ ይስዕብ። ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ግን እዚ ብፍጹም ክሕሰብ ኣይክእልን።
ዕንደራ ኢሳይያስን ኣብይን ምስኩሉ ጸገማቱ፡ ሓዲሽ ዕድላት`ውን ሒዙ ይመጽእ ኣሎ። መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት ዝነጽግ ኣካይዳኦም፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባናን ሓደስቲ ኣሰላልፋታት ፈጢሩ ኣሎ። ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ንኵነታት ትግራይ፡ ኦሮምያን፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊላንድ፡ ኬንያን ክልተ ሱዳንን ካብ ተዓዘብቲ ምዃን ሓሊፎም ብወድዓዊ መንገዲ ክርእዩዎን ንረብሓኦም ከውዕሉዎን ይግባእ። ንመሰሉ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተቐበሉ፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ካልኦት ህዝብታት ብዕቱብ ክርእዮ፡ እንተተኻኢሉ`ውን ክድግፎ ይግባእ።
ናይ ኤርትራ ጸገም እንታይ ከምዝኾነ ዳርጋ ፍሉጥ እዩ ። ይኹን እምበር፣ ናይ ኤርትራ ጥልቂ መሰረታዊ ጸገም እንታይ ከምዝኾነ ዝፈልጡ ምሁራን ምዃኖም ዘማትእ ኣይኮነን።
ከም ቀደም [ጥንቲ] እንተዝኸዉን፣ ናይ ዓዲ ኣቦታት ብመስረቱ ምፈለጥዎ ነሮም። ‘ኦሮማይ’፣ እቲ ግዜ’ቲ ሓሊፉ እዩ ። ፈተና ጸላእና፣ ናይ ዘመናዊ ኩነታት እሱራት ኢና። ይኹን እምበር፣ ብሓንቲ ቀንዲ ጉዳይ ክንሰማማዕ ኩነታት የገድደና>>>ናይ ሓደ ውልቂ ሰብ እሱራት ንኽንከውን ንሕና ባዕልና ዘምጻእናዮ ሕማም እዩ ። እዚ ዘማትእ ኣይኮነን ። ካብ ኮነ ከዓ፣ ከምታ ዝኣተናያ ክንወጻ ሕሊናና የገድደና ። ይኹን እምበር፣ ካብቲ ባዕልና [እወ ባዕልና] ዝኣቶናሉ ዓዘቕቲ ክንወጽእ ንኽእል ኣይመስልን ።
ቆዮቓን ጸርፍን ከዓ ኮለል መቨፈኒ ጉልባብ እምበር ዘዋጻኣና ክምዘይኮነ ኩላህና ኤርትራዉያን ንፈልጦ ኢና ። ኢሳያስዉን ኣጸቢቑ ይፈልጣ እዩ። ሸንኮለል ብምባል ዝገደድ ኣብ ዓዘቕቲ ንኣቱ ከምዘለና ይፍለጠና ኣሎ ። እቲ ጸርፊዉን ሽፋን ምዃኑ እዩ ዘጉሂ ። ኤርትረያውያን እዚ ንርዮ ዘሕዝን ኩነታት ኣምበይ ምተገቦኦምን ኔሩ ። ናይ ፍጥረት ሚስጥራት ኣበይሞ ንፈልጦ ።
Addendum to my early entry
Here is a gem of a quotation that somebody brought to my attention. Immediately I fell in LOVE. And I thought it is a gem for us Eritreans. I RUSH to add >>> I AM NOT implying that Eritrea is devoid of wisdom. My input is only a reminder. for the 80 t0 90 different Eritrean groups who are struggling to LIBERATE Eritrea from ONE single mortal indegenous dictator named Issayas Afewerki Abraha Miratch.
Here is the gem of the quotation
QUOTE: “When Spiders Unite, They Can Tie Up a Lion”
by Dr. Harvi Millar, Halifax, Canada, giving the source of the proverb as being from Ethiopia.” . UNQUOTE.
As the Tigrigna saying goes >>> “ካብኡ ንላዕሊ ዘረባ የብሉን” Please correct me with your kindness, if I am wrong. rezen
ሰላማት ዶክተር መብራህቱ
ከምኡ
ውን ተኸታተልቲ ኣሰና
የቀንየልና ኩቡር ዶክተር መብራህቱ፤ ናይ ብ ሓቂ ርጡብ ጽሑፍ ኣቅሪብካ፤ ካብቲ ድሩት ኣብቲ ማይ ቤት ዘኹድድ ኣተሓሳስባ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ወጺኻ ብ ዓይኒ ውድዓዊ ኩነታት ዞባና ክትሪኦ ምፍታንካ ን ብዙሓት ካብዞም ኩዳ ጥራሕ ዝፈልጡ መንቋሕቋሕታ ፖለቲካ ዞባና ዓይኒ ኸፊትሎም ክኸውን ከኣ ተስፋ ይገብር።
“ዕንደራ ኢሳይያስን ኣብይን ምስኩሉ ጸገማቱ፡ ሓዲሽ ዕድላት
ውን ሒዙ ይመጽእ ኣሎ። መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት ዝነጽግ ኣካይዳኦም፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባናን ሓደስቲ ኣሰላልፋታት ፈጢሩ ኣሎ። ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ንኵነታት ትግራይ፡ ኦሮምያን፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊላንድ፡ ኬንያን ክልተ ሱዳንን ካብ ተዓዘብቲ ምዃን ሓሊፎም ብወድዓዊ መንገዲ ክርእዩዎን ንረብሓኦም ከውዕሉዎን ይግባእ። ንመሰሉ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተቐበሉ፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ካልኦት ህዝብታት ብዕቱብ ክርእዮ፡ እንተተኻኢሉ
ውን ክድግፎ ይግባእ።” ዶክተር መብራህቱ ዝበሎ ኣብ መደምደምታ ጹሑፉዩ።
ዞባና ብ ሓፈሻ ብ ፍላይ ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓ ሓሊፉ ዝረአ ናይ ዓሌትን፥ ናይ ሃይማኖትን ጽልኢ ምስቲ ፖለቲካ ተዛሚዱ ስለ ዝኸይድ ዘሎ፤ “ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፤ <span style="color: rgb(119, 119, 119);">ን ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ካልኦት ህዝብታት ብ ዕቱብ ክርእዮዎ፡ እንተ ተኻኢሉውን ክድግፎ ይግባእ።” ትብል ሓሳብ ምስ ብዙሕ ስክፍታይ ተቀቢለ፤ ኣብቲ ንኣትዎ ዝምድናታት ጥንቃቀ ክገብር ይላቦ።
ነቲ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ናብ ረብሓና ብ ኸመይ ነውዕሎ፧ ልክዕ
ዩ ክፍተሽን ጊዜ ሂብካ ክረአን ኣገዳሲ
ዩ፤ ተጸላለውቲ ስለ ዝኾና ጥራሕ ዘይኮነስ ተደጋጊፍና ኢና ክንቀውም ንኽእል። ከምቲ ዞባዊ ውህደት መሰረት ዘይብሉ ዕንደራ ኢሳያስን ኣብይን ምዃኑ ኩልና ን ኣምነሉ፤ መሰል ርእሰ ውሳኔ ምስ ዱኹም ፖለቲካዊ ንቅሓት ህዝብታት ናብ ምጽናት ዓሌት የምርሕ ስለ ዘሎ ውሕሉል ኣታሓሕዛ ይደሊ፤ሞ ዶክተር መብራህቱ ኣብ
ዛ ነጥቢ ጊዜ ወሲድካ ከተረዳኣና ብትሕትና ይሓትት።