ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና
ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን
መብራህቱ ኣተወብርሃን
ቀዳማይ ክፋል
ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ ሓምለ 2018 ናይ ኣስመራ ዑደቱ ኣትሒዙ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘነኣእስ ቃላት ክስንዱ ምስማዕ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ ናይ ዶር. ኣብይ ኣበሃህላ፡ ብዕላማ ከም ዝኾነን፡ ልኡላውነት ኤርትራን ንዕኡ ንምምጻእ ዝተገበረ ቃልስን ምንእኣስ ወይ ክሳራ ከምዝነበረ ገይርካ ምቕራብ ኣካል ናይቲ ዘውዳዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ማእከል ዝገበረ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምፍጣር ናይ ኢሳይያስን ኣብይን ፕሮጀክት ምዃኑ ከርኢ ክፍትን`የ። ቅዲ ካርታ ናይዚ ፕሮጀክት ካብ ናይ 1930ታት ናይ ኢጣልያ ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢታልያና ዝተቐድሐ ስለዝምስል ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ክንጥምት።
መንግስቲ ኢጣልያ ንኤርትራን ሶማልያን ብቐሊሉ ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ንሰሜናዊ ክፋል ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንምእታው ብመደብ ተተሓሓዞ። ቀንዲ ጠመተኡ ድማ ኣብቲ ልሙዕ፡ ደቡባውን ምዕራባውን፡ ምድሪ ኦሮሞን ብዙሓት ካልኦት ብሄራት ዝነብሩሉን ክፋል ኢትዮጵያ ነበረ። ንምፍራስ ውዕል ውጫለ ኣመሳሚሱ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምውራሩ ኣብ ውግእ ዓድዋ ተሳዕረ። ስዕረት ዓድዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ሓደ ዓቢ ማሕበራዊ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ብምውራዱ፡ ዝሰዓቡ መንግስታት ኢጣልያ ክብሮም ዘመልሱሉ ኣጋጣሚ ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓሉን። ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ግን፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ስለዝተውልዐ፡ ኢጣልያ ንርእሳ ኲናት ካብ ዘስዓቦ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ክሳብ እትወጽእ ስምብራት ኲናት ዓድዋ ዝሃሰሰ መሰለ።
ምስ ምምጻእ፡ ፋሺስታዊ ስርዓት ሙሶሊኒ ግን እቲ ክትብቀል ናይ ምድላይ ስምዒት መሊሱ ተበራበረ፡ ኢጣልያ ድማ ንኢትዮጵያ ንምውራር ክትሸባሸብ ጀመረት። መሰረት ናይዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዕቡል ትሕተ-ቅርጺ`ውን ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ዘይተኣደነ ወፍሪ`ዩ። ኣብቲ ህይወት ልዕሊ 10 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ዝቐዘፈ ወራር ድማ፡ ኢጣልያ ነቲ በቶም ኣብ ጐቦታት ሸፊቶም ዝነበሩ ደባይ ተዋጋእቲ ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ገዲፍካ፡ ነታ ሃገር ክሳብ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝ ተሳዒራ እትወጽእ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእትያታ ነበረት። ንናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዝኣታ ድማ፡ ናብ ሽዱሽተ ዞባታት፡ ማለት 1) ኤርትራን ትግራይን ሰሚናዊ ክፋል ዓፈርን ዝሓወሰ፡ ኣስመራ ዝዋና ከተማኡ፡ ኤርትራ 2) ጎንደር ዝዋና ከተማኡ ዞባ ኣምሓራ 3) ኣዲስ ኣበባ ዝማእከሉ ሸዋ 4) ጅማ ዝማእከሉ ጋላ-ሲዳሞ 5) ሞቓድሾ ዝዋና ከታማኡ ኦጋዴንን ሶማልያን ዝሓወሰ፡ ሶማልያን 6) ከባቢ ሃረር ዝሓዘ፡ ግዝኣት ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢታልያና (ኢጣልያዊ ግዝኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ) ኢላ ሰመየቶ፡ ንኣዲስ ኣበባ ድማ ዋና ከተማ ናይዚ ግዙፍ ግዝኣት ገበረታ።
ዶር. ኣብይን ኢሳይያስን ክምስርቱዎ ዝጓየዩ ዘለዉ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ውህደት ድማ ምስ ግዝኣት ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢታልያና ብዙሕ ምምስሳል ኣለዎ። ኣባል ፈጻሚት ሽማገለ ሕወሓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ተለቪዥን ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዶር. ኣብይ፡ “ኢጣልያውያን ንግዝኣት ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢታልያና ንዝተናውሐ ግዜ ገዚኦሞ እንተዝኾኑስ ክንደይ ጽቡቕ ምነበረ” ኢሉ ከምእተዛረበ ነጊሩ`ሎ። ምስቲ ዶር. ኣብይ ብታደጋጋሚ ዘተንፍሶ ናይ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሒ ናይ ምዃን ህንጡይነት ኣገናዚብካ፡ ናይ ኣቶ ጌታቸው ዘረባ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዘይኮነ ኢኻ እትርዳእ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ናብ ርጉእን ሰላማውን ዞባ ክቕየር ትምኒት ኵሉ ደላይ ጽቡቕ`ኳ እንተኾነ፡ በዚ ናይ ኣብይን ኢሳይያስን ውጥን ክብጻሕ ይከኣልዶ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ`ዩ። ነዚ ሕቶ`ዚ ንምምላስ ነዚ ጽሑፍ ኣብ ክልተ ከፊለ ከቕርቦ`የ። እቲ ቀዳማይ ክፋል ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት እዩ። ነዚ ዝገበርኩሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብፍላይ ድማ ኣብይን ኢሳይያስን ባዕሎም ንነብሶም መራሕትን ኣወሃሃድትን ናይዚ ፕሮጀክት ገይሮም ሓርዮም ስለዘለዉን፡ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓንዲ ሕቖ ናይዚ ዞባዊ ፕሮጀችት ይኸውን ስለዘሎን`ዩ። ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምስቲ ፕሮጀክት ተተሓሒዙ ኣብ ዞባና ብከመይ ይግለጽ ከምዘሎ ከመልክት ክፍትን እየ።
ዝኾነ ይኹን ጥቡቕ ዝምድና፡ ክሳብ ፈደረሽንን ኮንፈደረሽንን ዝበጽሕ`ውን ከይተረፈ፡ ክሳብ እቶም ልኡላውያን ህዝብታት ዝኣመኑሉን ብርትዓዊ መንገዲ ብድምጾም ዘረጋገጹዎን ጸገም ኣይምሃለዎን። ድልየትን ረብሓ ህዝብን ማእከል ዘይገበረን፡ ጕዳይ ስልጣኖም ጥራይ ዝዓጦም ክልተ ሰባት ዝፍጽሙዎ ኪዳን ግን ዘላቒ ርግኣትን ምዕባለን ክፈጥር ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ሕማቕ ሳዕቤን`ውን ክህልዎ ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስክር እዩ። ቀንዲ ጸገም ናይዚ ዝብሃል ዘሎ ውህደት ከኣ፡ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ (ከምኡ`ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ) ስለዘይተጸንበሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ መስዋእቲ ገይሩ ክፍጸም ዝድለ ዘሎ ምዃኑ`ዩ። `ልኡላውነት ንዋናኡ ጥራይ`ዩ ዋጋን ክብርን ዘለዎ` ዝብል ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ። ዶር. ኣብይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝበሎ `ናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት ክሳራ`ዩ ነይሩ` ዝብል ብድዐ ዝመልኦ ዘረባ ድማ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንዶር. ኣብይ ኣይንታዩ ስለዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን፡ ናጽነት ኤርትራ ክኸውን ዘይነበሮ`ዩ ኢሉ ስለዝኣምን፡ ብኣረኣእያኡ እቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ክሳራ`ዩ፡ ርዝነቱ`ውን ክርድኦ ኣይክእልን። ምስቲ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብላሊ ናይ ምዃን ሸውሃቱ`ውን ኣይከይድን። ከም ኤርትራዊ ኰንካ ክትርእዮ ከሎኻ፡ መስዋእቲ ኤርትራውያን ይጽናሓልና`ሞ፡ መስዋእቲ ናይቶም መሲሉዎም ንሃገሮም ክብሉ ኣብ ፈቖዶ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ዝተሰውኡ ኢትዮጵያውያን`ውን ክሳራ`ዩ ነይሩ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ዘይከም ዶር. ኣብይ፡ ከም ብዓል ኮሎኔል ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ዝበሉ ፍሉጣትን ኣብ ኤርትራ ዝተዋግኡን ዘዋግኡን ኢትዮጵያውያን፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝወደቑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ክግበረሎም ርእይቶ ከምዘቕረቡ ይፍለጥ።
ኣብዚ ንዶር. ኣብይ ከም ሓላፍነት ዘይስምዖ መራሒ ድኣምበር ከም ገበነኛ ክትሓስቦ ኣጸጋሚ`ዩ። ምኽንያቱ ቀንዲ ተሰካሚ ናይቲ ልኡላውነት ኤርትራ መስዋእቲ ገይርካ ዝፍጠር ዘይሚዛናዊ ክልተኣዊን ዞባውን ዝምድናታት ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ። እቲ ዝገርም ናይቲ ኣብ ሃገሩ መባእታዊ ቀረባት መግብን ማይን ኤለክትሪሲትን ክህሉ ዘይደሊ፡ ንግሆ ንግሆ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካታትን ሕርሻዊ ትካላትን ዝምርቕ መራሒ ኤርትራ`የ ዝብል ጥራይ`ዩ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብኡ እዩ ዘሎ። ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ፕሮጀክት ኢሳኢያስ ኮይኑ፡ ዶር. ኣብይ ድሒሩ ከምዝረዓሞ ብዙሓት ምልክታት ኣለዉ። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳዩ ከምዘይኮነን፡ ጕዳይ ኢትዮጵያ ጥራይ ከምዝዓጦን ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ። ቅድሚ`ዚ ናይ ዶር. ኣብይ ዘረባ፡ `ኣይከሰርናን፡ ናይ ሰልስተ ክሳራ` ዝበለ ኢሳይያስ ባዕሉ`ዩ።
እቲ ዞባዊ ፕሮጀክት ካብ ኣስመራ ከምዝነቅል እቲ ንዶር. ኣብይ ዝተገብረሉ ቀዳማይ ኣቀባብላ`ውን ምልክት ይህብ`ዩ። `ተደምረናል` ዝብል ጭርሖ ምስ ምዝዛም ኲናትን ምጅማር ሰላማዊ ርክብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በየናይ መንገዲ ይራኸብ? ዶር. ኣብይ ቅድሚ ናይ ሓምለ 2018 ናይ ኤርትራ ዑደቱን ድሕሪኡን ዘስምዖ መደረታት ኣነጻጺርካ`ውን፡ ቅድሚ ዑደቱ ዝነበረ ኣረኣእያ፡ ኣብ ምዕሩይ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን፡ ሰላምን ምዕባለን ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ዝገበሮ መደረ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎና ጸገምን ፍልልይን ክንፈትሕ ምሉእ ድልየት ኣሎና። ንጠቕሚ ክልቲኡ ሃገራት ክንብል ፍልልይና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ። ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ከምዚ ናትና ናይ ሰላም መርገጺ ክሕዝ ጻውዒትና ነቕርብ” ከምዝበለ ይዝከር። ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ምቕባል ጻውዒት ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ መደረ`ውን፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ዘውጽኣሉ መዓልቲ፡ ማለት ዕስራ ሰነ ብምጥቃስ፡ `ክቡር ዕለት‘ ክብል`ዩ ጠቒሱዎ። ድሕሪኡ`ውን ንምቕባል ናይ ኣልጀርስ ውዕል ዶብ ኣመልኪቱ ካብ ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ህዝብታት ብደምን ብታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ጸገም ህጹጽ ፍታሕ ከምዘድልዮ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክልቲኦም ይሳቐዩ ከምዘለዉን፡ እቲ ሓሳብ ንናይ ፖለቲካ ሃልኪ ክውዕል ዘይብሉን ኣረድአ። `ናይ ህዝብታት ሽግር ናይ ኣሕዋት ጸገም ብምቅርራብ`ዩ ዝፍታሕ` በለን፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝኽፈት ገበረ። ብኣንጻሩ ዶባት ዝዓጸወ ኢሳይያስ ባዕሉ`ዩ።
ብትዕዝብተይ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ምስ ናይ ኤርትራ ዑደት`ዩ ዝጅምር። ናብ ሰንበት 16 ሓምለ 2018 ዘውግሐ ለይቲ ኢሳይያስን ኣብይን እንታይ ክዘራረቡ ከምዝሓደሩ እዝግሄር ዋንኦም፡ እቲ ቀዳም ንግሆ ኣስመራ ዝኣተወን ሰንበት ምሸት ካብታ ከተማ ዝወጽአን ኣብይ ግን ነንበይኖም`ዮም። ኣብቲ ብሓሙሽተ መትከላት ዝፍለጥ ውዕል ኣስመራን ዝሰዓበ ውዕል ጅዳን ዘይሰፈረ፡ ሓደ ሕቡእ ስምምዕ ወይ ምርድዳእ ከምዝነበረ`ዩ ዝፍለጥ። ድሕሪ ናይ ኣስመራ ናይ ሰንበት ንግሆ ኣዋጅ `ኣይከሰርናን፡ ዝነበረና ኣምሊስና ኢና` ዘረባ፡ `ክልተ ህዝቢ`ዩ ዝብል ዘይፈልጥ ጥራይ`ዩን፡ ንስኻ ኢኻ እትመርሓናን፡ ናይ ሰለስተ ወለዶታት ቃልሲ ኵሉ ክሳራ`ዩ ነይሩ` ዝብል ሰዓበ። ዶር. ኣብይ ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ጥራይ`ዩ ልኡላውነት ኤርትራ ብዘነኣእስ መንገዲ ክዛረብ ዝጀመረ። ካብ ናይ ኣብይ `ምስ ኢሱ ዓሰብ ኢና እንካፈል፡ ክልተ ኤምባሲ፡ ክልተ ምክልኻል ኣየድልን`ዩ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክህልወና` ክሳብ ናይ ለማ መገርሳ `ኣብዚ ቀረባ እዋን ወደብ ይህልወና ይኸውን`ዩ` ብዘይ ባርኾት ኢሳይያስ ክብሃሉ ፈጺምካ ዘይሕሰብ`ዩ። እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ኣብይ ዝበሎ `ናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት ክሳራ`ዩ ነይሩ` ድማ፡ ብመንፈስን ብትሕዝቶን ምስቲ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ምኒልክ `ናይ ሰለስተ ወለዶታት ክሳራ` ዝበሎ፡ መን በሎ እንተዘይኮይኑ፡ ፍልልይ ዝበሃል የብሉን። እቶም ካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሶም ዝስእሉን፡ ተሓንጊጦሞ ኣብ ቅድሚ ኣምባሰዳራት ኤርትራ ከይተረፈ ዝስዕስዑን፡ ዓሰብ ክትምለስያን፡ ባጽዕ ታሪኻዊ ወደብና ዝብሉን ከኣ መን ብዝቐደደሎም ማዕጾ ይኣትዉ ከምዘለዉ ምግማት ኣየጸግምን።
ሓደ ብዙሕ ዝደጋገም ርእይቶ፡ ቀንዲ ድልየት ኢሳይያስ ን`ወያነ ምህራም`ዩ` ዝብል`ዩ። እዚ ሓሳብ`ዚ ቅቡልነት`ኳ እንተለዎ፡ ህወሓትን ካልኦት ደገፍቲ ብሄር-ተኰር ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ቀንዲ ተጠመትቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት ነዚ ዞባዊ ፕሮጀክት ዓንቀፍቲ ኮይኖም ስለዝረኣዩ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ክዕወት እንተኾይኑ፡ ናይ ዶር. ኣብይ ብመንገዲ ፓርቲ ብልጽግና ኣቢልካ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ወሳኒ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ`ዩ፡ ነቶም ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍጹም ርክብ ዘይብሎም፡ ግን ኣኣብ `ክልሎም` ዓቢ ተሰማዕነት ዘለዎም፡ ከም ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባን ዳውድ ኢብሳን ካብ ኦሮሞ፡ እስክንድር ነጋ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ እንጅነር ይልቃልን ልደቱን ካብ ኣምሓራን ካልኦትን፡ ብቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣሳቢብካ ከምዝእሰሩ ዝተገብረ። ምኽንያቱ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰባት ክሳብ ዝሃለዉ፡ ፓርቲ ብልጽግናን ዶር. ኣብይን ኣብ ስልጣን ክቕጽሉ ዘይሕሰብ`ዩ።
ይቕጽል . . . .
“እቲ ዝገርም ናይቲ ኣብ ሃገሩ መባእታዊ ቀረባት መግብን ማይን ኤለክትሪሲትን ክህሉ ዘይደሊ፡ ንግሆ ንግሆ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ፋብሪካታትን ሕርሻዊ ትካላትን ዝምርቕ መራሒ ኤርትራ
የ ዝብል ጥራይ
ዩ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብኡ እዩ ዘሎ። ”ዶ. መብራህቱ ኣተወብርሃን
–———–
ልክዕ እዩ ፥ እቲ ጸገም [ካኣ] ኣብኡ እዩ ዘሎ ።
እዚ ጉዳይ’ዚ ፥ ንቡዙሓት ደቂ ሃገር ፥ መዛረቢ ካብ ዝኾውን ልዕሊ 50 ዓመታት ገይርና ኣለና ። እሰያስ ፥ ኤሪትራ ነጻ ምውጻእ ዕላሙኡ ኮይኑ ኣይፈልጥን ዝብሉን ። ኣይፋሉን ፥ ወዲ ኣፎም ጂግና መራሒና እባ ፥ እንዳ ተባህለ ፥ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ፥ ህዝቢ ኤሪትራ በሙሉኡ ንጥፍኣት ኣብ ዘተቃለዐሉ መድረኽ በጺሕና ። እሞ ኣብ ሃገርና ከይንኹውን ድማ ኣማዕዲና ።
እቶም ኣብ ኤሪትራ ታዓቂቦም ዝነበሩ ብ”ግንቢት ሰባት” ዝፍለጡ ናይ ኣምሓራ ዉድብ፥ ብዓመታት ቅድሚ ዶ. ኣብይ ምምጹኡ ፥ ኣብ ኤሪትራ እንዳ ተመላለሱ ከለዉ ፥ “እሰያስ የኛ ነው” ይብሉ ከምዝነበሩ ይስማዕ ነይሩ ። ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ፥ ደፊሮም ኣብ ጎደና ወጺኦም ክዛረቡሉ ዘይደልዩ ጉዳይ ከም ዘለዎም ዝጥርጥሩ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ ፥ ኣብዚ ሕጂ ምስ እሰያስ ሒዞምዎ ዘለዉ ፥ ናይ ኤሪትራ ልኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ መደብ ከም ዘለዎም ፥ ምፍላጥ ይካኣል ኣይነበረን።
እነሆ ሎሚ ፥ ካብ ትሕም-ትሕም ሓሊፉም ፥ ብሽፋን ዞባዊ ዉህደት (regional integration) ፥ ንኤሪትራ ኣብ ሑቅፊ ታሪኻውያን ጸላእታ ንኽመልሱ ይጓየዩ ኣሎዉ ።
ህዝቢ ኤሪትራ ፥ እታ ብኩቡር ኣዕጺምቲ ደቁ ዝተነድቀት ሃገሩ ፥ ነበረያ-ነበረ ከይኮነት ከላ ፥ ከይደቀሰ ከየዕረፈ ፥ ከይዋዓለ ከይሓደረ ፥ ካልእ ኩሉ ይጽናሓልና እሉ ፥ ታዓጢቁ ፥ ንጸላእቱ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ ፥ ገጽ ንገጽ ክገጥሞም ክብገስ ኣሎዎ።
Kemey Qenika Wedi Hagher, at this point of the game everyone knows and understands what need to be done, however , just like our past history, we all seem directly or indirectly aiding the enemy by skirting around the issue and telling stories of the past to resolve the present, you don’t remove a cancerous growth by explaining it, you have to excise and cauterize its remnants, like W.H. condensed it eloquently in his last paragraph, we have to engage the enemy head on and uproot its tenets once and for all, are we willing and have the intent to do that? may be that is the question we need to answer first, otherwise you don’t watch a hyaena chomping on your kids in the backyard and hoping it will go away when it’s done.
ኩቡር ዶቶረ ፣
ጹቡቅ ክትህሉ እምነ ።
ዝበልካዩ ፥ ዘሕዝን ተረኽቦ ናይዚ እዋን እዩ።
“skirting around the issue and telling stories of the past to resolve the present” ፥ ልክዕ ኣለኻ ፥ እወ ንሱ እዩ ጸገምና ኮይኑ ዘሎ ። ካብ ዕንክሊል ንውጻእ ።
እቲ ተሰኪምናዩ ንኸይድ ዘለና ታሪክ ፥ መገዲ ይሕብር እምበር ፥ ናይ ሎሚ ጸገማት ኣይፈትሕን ። ሎሚ ዘድሊ ዘሎ ፥ ነቲ ንኤሪትራ ኣብ ቅድሚ ደቃ እንዳ ጎዛዘየ ፥ ማዓንጣኣ በቲኹ ንዝብኢ ዝህባ ዘሎ ጸላኢ ፥ ገጽ ንገጽ ምግጣሙ እዩ ።
ሃገርን ህዝብን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ፥ ተሪፉ ዘሎ ናይ ዕድል ግዜ ብጣዕሚ ጸቢብ ብሙዃኑ ፥ ኣብ ሓደ ናይ መጨረሻ ውሳነ እንወስደሉ መድረኽ በጺሕና ኣለና ።
ዘረባ ኣብቂዑ ፥ ኣብ ተግባር ንሰግረሉ መድረኽ እዩ።
እዚ ሓደገኛ መድረኽ ፥ ኣብ ግንባር ግብ ኣቢልካ ጥራሕ እዩ ብዳሓን ክስገር ።
ክቡር ኣቶ መብራህቱ፡
ጽቡቕ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍካ ኮይኑ ረኺበዮ። ግን ብዓይኒ ጸላእትና ጥራሕ ዘይኮነ ብውድዓዊ ኩነታትና’ውን ተሪኢኻ፡ እቲ
“ድልየትን ረብሓ ህዝብን ማእከል ዘይገበረን፡ ጕዳይ ስልጣኖም ጥራይ ዝዓጦም ክልተ ሰባት ዝፍጽሙዎ ኪዳን ግን ዘላቒ ርግኣትን ምዕባለን ክፈጥር ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ሕማቕ ሳዕቤን
ውን ክህልዎ ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስክር እዩ"።
ሓቂ ሕጂ ዘሎናዮ ሃገራዊ ናይ ኩሉ ዓቕምታት ብርሰት ኣብ ግምት ምስ ተእቱ ምስቲ ናይ ኢሳያስ ጥልመት፡
ናይ ቀረባ ታሪኽ ሒኖኦም ዝፈድዩሉን ናይ ወደባት ምውናንን ካብ ሕጂ ዘብለጸ ዕድል የብሎምን።
ቀጺልካ "ቀንዲ ጸገም ናይዚ ዝብሃል ዘሎ ውህደት ከኣ፡ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ (ከምኡውን ህዝቢ ኢትዮጵያ) ስለዘይተጸንበሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ መስዋእቲ ገይሩ ክፍጸም ዝድለ ዘሎ ምዃኑ
ዩ።" ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ቢሀር ኣምሓራ ምስ ኣቢይ ምስ ኢሳያስ ብዛዕባ ናይ ባሕሪ ማዕጾ (ወደባት) ግሁድ ዝኾነ ምርድድዳእ ኣሎ ንሱ ድማ ከምቲ ኢሳያስ ኣብ ዓዶም ከይዱ ደጋጊሙ ቃል ዝኣተወሎም ክልቲኡ ህዝብታት ፍልልይ ከም ዘይብሉ ይዋእ'ድኣ ህዝቢ ኤሪትራ ምበር ህዝቢ ኢትዮጲያ ስክፍታ የብሉን። እወ ባዓል ኤሳት ግልጺን ወጞዓውን ዘይኮነልና ይብሉ ኢዮም። ትምኒቶም ግን ከምቲ ኣብ ኩሉ ንስምዖ፡ ተጸንቢራያ ዝብል ወግዓዊ ነገር ጥራሕ'ዮም ዝጽበዩ ዘሎዉ።
ቀጺልካ፡ "ምስቲ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብላሊ ናይ ምዃን ሸውሃቱውን ኣይከይድን። ከም ኤርትራዊ ኰንካ ክትርእዮ ከሎኻ፡ መስዋእቲ ኤርትራውያን ይጽናሓልና
ሞ፡ መስዋእቲ ናይቶም መሲሉዎም ንሃገሮም ክብሉ ኣብ ፈቖዶ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ዝተሰውኡ ኢትዮጵያውያን
ውን ክሳራ`ዩ ነይሩ ክትብሎ ኣይትደፍርን”እዚ’ውን በቲ ዉድዓውነት ናይ’ቲ ኩነታትና እንደሕሪ ሪኢኻዮ ኣቢይ ዝብሎዘሎ ኤሪትራ’ስ ኣብ ኢድና ኣትያላ ኣቲ ዝፈሰሰ ደም ብክልቲኡ ወገን ግን ንከንቱ’ዩ ነሩ ማለቱ’ዩ ዝብለና ዘሎ።
በዛ አዋን እዚኣ፣ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ዉራይ እንታይ እዩ?
ብናተይ ኣረኣእያ፣ ነቲ ባዕሉ ንባዕሉ መሪሕነት ወሲዱ ንኤርትሪያ ዝበታትናን ዘድክያን ዘሎ መሪሕነት ካብ ሱሩ ምምሓዉ እዩ።
አቲ ኻልእ በብኣመጻጽኡኡ ዘድሊ ስጉምቲ ይውሰደሉ።
እንተዘኮይኑ፣ ኤርትሪያ ምስከደት ዋጭ ዋጭ ትርፊ የብሉን።
ጽቡቕ ትንታነ እዩ። እቲ ጊዘ ግን ነዚ ሕልሚ ዘሳሲ ኣይኮነን። ብዛዕባቲ ወራር ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ 10ሚልዮን ኢትዮጵያን ሃሊቖም ዝብል ግን መአረምታ ይገበረሉ። ኣብ ታሪክ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ክልተ ዓመት ውግእ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ካብ 350,000- 380,000 እዮም።
Thank you.
That is an editorial mistake from my side. The number is 1 million. Angelo del Boca, a specialist in Fascist Italy and who wrote The Negus, thinks most of the figures in history books underestimate the real numbers.
Mebrahtu
Right on brother K.twolde. we need to confront the enemy head on in the language it understands best. We don’t need to beat around the bush when the enemy/target is clearly identified. What have we got to lose, if there is a mass uprising all over Eritrea? Let us not underestimate the overwhelming power of 4 million Eritreans versus the few hundred/thousand HGDEF thugs/criminals.The culture of fear and indifference has to end, if we are to obliterate HGDEF & its Footprints from eritrean psychic and landscape.