ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ኣብ ትግራይ ተዓቂቦም ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ የግዕዝዎም ስለዘለዉ ሃየ ጊዜ ከየጥፋእና ሰላማዊ ሰልፊ ንግበር። እዚ ጭካኔ ዝመልኦ ተግባር ሕጊ ሕቡራት መንግስታት ዝጥሕስ እዩ
ምሕዝነት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኢሳያስ ዝዘርኦ ዘሎ ጽልኢ ናብ ሰላም ይልውጥ። ብሰሉስ ታሕሳስ ሐደ ኣብ ሎንዶን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወራር ምኹናን ብኤሪትራውያንን ተጋሩን ናይ ሓባር ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተገይሩ።
ኣንፈት ቃልሲ ደለይቲ ፈትሒ ዲያስፖራ ኣበይ ኣቢሉ እዩ ንጹር መርገጺ ኣለዎም ዶ?
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ኣብዚ ጊዜ እዚ ሰራዊት ኣቢይ ኣሕመድ ንመቀለ ምስ ሐዝዋ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጽርግያታት ወጺኦም ገሊኦም ካብ መኪና ጥሩምባ እናወቅዑ ሐጎሶም ገሊጾም እዮም። ልዕልነት ኣምሓራ ዝተመልሰ ኮይኑ ተሰሚዕዎም እዩ መስለኒ። ዓወት ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ጥራሕ ኣይነበረን ዓወት ናይ ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ ነገስታትን ኣምሓራ ተጨቘነን ዝነበራ ቢሄራት ከም እኒ ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ሲዳማ ካላኦት 80 ዝኾናን እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ተቆውሞታት ኣንጻር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሕ ቦታት ኢትዮጵያ ዝለ ዓዓል ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ኦሮሞ – ኦነግን – መንቅስቃስ መንእሰይ ኦሮሞ (ቔሮ) ናይ ደባይ ቃልሲ የካይዱ ኣለዉ።ንኣቢይ ኣይንቅብሎን ኢና ጊዚኡ ኣኺሉ እዩ መረጻ ክግበር ኢሎም መርገጺ ወሲዶም ኣለዉ። ኣቢይ ግን ፍሉይ ሐይሊ “ኮማንድ ፖስት” ዝበሃል ኣቚሙ ኣብ ወለጋ ምቅታል ኣባላት ኦነግን ተሓባብርቶም ህዝብን ይቀትል ኣሎ። ከምኡ እውን ንብዙሓት ክልላት ምምሕዳራት ብሓይሊ እናፍረሰ ኣመሓደርተን እናኣሰረ ብኣባላት ብልጽግና ፓርቲ እናተተከኤ ነቲ ንኣምሐራ ዓብላሊ ዝገበር ኣሁዳዊ ኣጀንዳ ኣብ ግብረ ከውዕል ይቃለስ ኣሎ። ብምኽንያት መቅተልቲ ስነጥበባዊ ኣጫሉ ህንደሳ ውሩያት ፖለቲከኛታት ከም ጆሃር መሓመድ ልደቱ ኣያሌው ከምኡ እውን 900 ፖለቲከኛታትን ኣመሓደርቲ ክልላትን ከም ወላይታ ሲዳማ ሶማል ቤትሻንጉል ጉሙዝ ተኣሲሮም እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምቅትታልን ህዝቢ ምዝንባለን ዝተፍለጠት ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ንልዕልነት ኣምሓራ ክውን ዝገበር ኣጀንዳ ግን ንህዝቢ ኣምሓራ ጽቡቅ ኣይፈድዮን ዘሎ። ብቀዳምነት ታርጌት ንሶም ኢዮም። መሰል ወዲ ሰብ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጾ ኣብ ዕለት 1/11/2020 ኣብ ዞባ ጋዋ-ካንካ፣ ጊላ-ጎጎላን፣ ሰካ-ጀርቢ ቀበሌ 60 ዝኾኑ ብረት ዥዓጠቁ ሰባት ን32 ሰባት ካብ ገዛኦም ጎቲቶም ኣብ ቤት ትምህርት ወሲዶም ቀቲሎሞም ኩሎም እቶም እተቀትሉ ሰባት ብሄረ ኣምሓራ እዮም። ኣብ KB ትበሃል ወብሳይት ኣብ ናይ 12/12/2020 ዜናኣ ኣብ ወለጋ 256 ብሄረ ኣምሓራ ከም እተቀቱ ኣቃሊሓ ። እሞ መራሕቲ ኣምሓራ ትርፍራፍ ናይ ደርግን ሀይለስላሴን ኣብ ክንዲ ብማዕርነት ሃገሮም ዝነብርዋ – ንሕና ኢና ተሐለቅቲ ኢትዮጵያ ኢሎም “ኢትዮጵያውነት” ዝብል ጭረሖ እናተጥቅሙ ን ኢትዮጵያ ሐዊ የእትየሙላ ኣለዉ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጭቁን ህዝብታት ቃልሲ እናጎሃረ ይኸይድ ኣሎ። ብመተከል ዓይኒ ኤርትራውያን ደጋፍቲ ናይዞም ኣህዛብ ክንከውን ኣለና።
ናይ መትከል ጥራሕ ኣይኮነን ኢሳያስ ጉዳይ ኤሪትራ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣተኣሳሲርዎ እዩ።ኣቢይ ምስ ኢሳያስ ወጊኑ ኣብ ምጥፋእ ህዝቢ ኤሪትራ ተሓባበሪ ኮይኑ። ስለዚ መርገጺና ምስቲ ብኢሳይስን ኣብይን ዝቅጥቕጥ ዘሎ ውጽዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክከውን ኣለዎ። ከምዚ ማለት ነቶም ንህዝቢ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ዘበሳብሱ ዘለዉ ምልካውያን ኢሳያስን ኣቢይን ምብዳህን ማለት እዩ።
ኣምሓራ ጥራሕ ኣይኮኑን ኢሪትራውያን እውን መቀለ ምስ ተታሕዘት ብሳዕሲዕትን ፈንጠዚያን ዶብ ዘይብሉ ሐጎሶም ገሊጾም። ተሃዊኾም “ ተጋሩ ካብ ከተማታት ስትራተጂዎ ምንስሐብ ኢዮም ገይሮም። ናይ ትግራይ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኣብ ምርብራብ ብዙሕ ጊዜ ክወስድ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ኩናት ኣቢይ ናይ ኣየር ጸብለልትነ ስለዘልዎ መራሕቲ ኹናት ወይ ኣባላት መሪሕነት ኣብ ናይ ነፋሪት ደብዳብ ክስውኡ ይኽእሉ እዮም።እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ግን ጠጠው ኣይብልን እዩ። ኣብዚ ዝተናውሔ ህዝባዊ ቃልሲ ካልኦት ብሄራት እውን ክወዳደባ ዕድል ክረኽባ እየን፥ ኣቃልቦ ኣቢይ ኣብ ትግራይ ስለዝኾነ። ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ክወጽእ እውን ተኽሎ ኣሎ ። እቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ኣይኣተወትን ዝብል ዝተወሃሃደ ሓሶታት ኣቢይን ኢሳያስን ( ኣመርካ ብሳታላየት እናርኣይዎ ምጽቃት (conspiracy of silence) ተቃሊዑ እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ኢሪትራ ወተሃደራት ካብ ትግራይ ክወጹ ከም ዘለዎም ወሲኑ ኣሎ። ደጊም ሃገራት ኣብ ኣቢይ ዘለዎን እምነት እንማህመነ ይኸይድ ኣሎ።
ደገፍቲ ህግደፍ ማእዝኖም ስለዘጥፋኡ ከተማ መቀለ ምትሓዛ ሕጉሳት ምዃኖም ኣይገርመንን እዩ ። እቲ ዘገርም ግን ገለ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ኤሪትራውያን – ዘራፍ ክብሉ ጀሚሮም። ጉልባቦም ቀሊዕም ንወያነ/ትግራይ ጽልኦም ኣብ ፈይስ ቡክ ክገልጹ ጀሚሮም። ዝኾነ ሕዝቢ ክውረር ከሎ ትካላቱ ክዓኑ ከሎ ክቅተል ከሎ ዘይፍትሓዊ ኣረመናዎ ስለዝኾነ ሕልና ዘለዎ ሰብ ክኽንኖ ዝግባእ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ናይ ኩናት ገበን (war crime) እዩ። እቲ ዝኸፍኤ ግን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ነበርቲ ዝኾኑ ትግራዎት – እናለለኻ (Ethnic profiling) ካብ ኩሉ ስራሕ መንግስቲ ይኹን ናይ ብሕቲ ምብራርን ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ እዩ። ንኣብነት ኩሎም እቶም ኣብ ኣየር መንገድ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ካብ ስራሕ ተባሪሮም እዮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘወርቲ ታክሲ ከይተረፉ ካይሰርሑ ይእገዱ ኣለዎ። እዚ ምጽናት ዓልየት እዩ። ንኢትዮጵያ ዝበታትን እዩ። ኣብዚ እውን መርገጺ ክህልወና ኣለዎ።
ብገለ ኤሪትራውያን ወያነ ክጠፍእ ኣለዎ ህዝቢ ትግራይ ፎእ ክብሎም ኣለዎ እናበልካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምውርዛይ ከም ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ካልእ ሃገር ኢድ ምትእትታው እዩ። ኢሳያስን ኣቢይን ብሓንቲ እምኒ ከልተ ዑፍ ምቅታል ዝዓይነቱ ስልቲ ይጥቀሙ ኣለዉ ። ብሓደ ሸነኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ህላውነቶም የደልድሉ። በቲ ሐደ ሽነኽ ከኣ ዊዒሎም ሐዲሮም ንኢሳያስ ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ሰራዊት ኤሪትራ ስለ ዝኾኑ ኣብ ኩናት ሸሚምካ ተጽንቶም። ከምቲ ተጋዳልይ መስፍን ሐጎስ ብዝሒ ሰራዊታት ዝተንተኖ ኣብ ኤርትራ ካብ ደገ ዝመጽእ ወራሪ ክከላኸል ዝኽእል ሰራዊት ኣሎ ዲዩ ዘብል እዩ።
ህዝቢ ትግራይ -ምስ መራሕቶም ጓንቲን ኢድን ኮይኖም ኣንጻር ብወጻተኛታት ዝተደገፈ ሓያል ወራር መኪቶም ይዋግኡ ኣለዉ። ብዘይ መሪሕ ወያነ ነዚ ሽሾ ዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፣ ሚሊሽያ ኣምሓራ- ሰራዊት ኤሪትራ- ናይ ኢማራት ሰብ ዘይብለን ደብደብቲ ነፈርቲ (ድሮናት) ክብድህዎ ከቶ ኣይምኸኣሉን።
እቲ ህዝቢ ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ኤሪትራውያን ኣብ ሰልፊ ትግራዎት እናተረኸቡ ድጋፎም ይገልጹ ኣለዉ። ምስ ትግራዎት ኮይኖም ኣንጻር እዚ ኣዕናዊ ኩናትን ምትእትታው ህግደፍ ቀጻሊ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮምን ይገብሩን ኣለዉ። ዓወት እውን ይርከቦ ኣሎ። ንሳቶም ንሕውነት ህዝቢ ኤሪትራን ትግራይን መሰረት የንብሩሉ ኣለው። ከም ኤሪትራውያን ምስ ህዝቢ ኣምሓራን ካልኦት ቤሄራት ኢትዮጵያን ሰለም ንደሊ ኢና። ኢሪትራውያን ካብ ካልእ ኣህዛብ ንላዕሊ ሰላም ንደሊ። ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኢርትራውያን ንሰላም ምስ ተበገሰ ህዝቢ ኤርትራ ከም ካብ ሰማይ ዝመጸ ማና ገይሩ ተቀቢልዎ። ኣብቲ ዶብ ዝነብር ህዝብና ምስ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዶብ ተራኺቡ ክሰዕዓምን – ናይ ሐጎስ ንብዓት ክነብዕን ዓለም ኣብ ገዛኡ ኮይኑ ብ ተለቪዥን ረኢዎ እዩ። ጽንሕ ኢሉ ኣቢዩ ምስ ኢሳያስ እምበር ምስ ህዝቢ ኤሪትራስ ክተዓረቅ ግዲ ከምዘይብሉ ብግብሪ ኣመስኪሩ። ነቲ ክፍእ ተግባራት ኢሳያስ ደጋፊኡ ኮይኑ ክሳብ ከም ኢሳያስ ሰላምን ምዕባለን ዝደለ ኣብ ኣፍሪቃ ሰብ የለን ኢሉ ነቲ ኣውያት ኤሪትራውያን ዋጋ ከምዘብሉ ገይርዎ።
ኣብ ህጽጽ ጉዳይ ነጢፍና እንሰርሓሉ ዘለና ጊዜ ብዛዕባ ወያነ ፍሉይ ኣጀንዳ ምኽፋት – ነቲ ስራሕና ዘተዓንቅፍ ብሕልፊ ኣብቲ ንሕዝቢ ኤሪትራ ኣጨኒቁ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከይነትኩር ዝገበር እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ፍይዳ የብሉን። ኤሪትራውያን ኣብ ዘሰንበድ ኩነፍታት ኣለው። ናይ ብቢሰ ፈነወ ተመልከት።
The head of the UN refugee agency says he is “deeply alarmed” by reports of Eritrean refugees in the Ethiopian region of Tigray being killed, abducted and forcibly returned to Eritrea.
Filippo Grandi said if such acts were confirmed, it would be a major breach of international law.
Mr Grandi said the UN needed unhindered access to four refugee camps in Tigray.
The UN has said the forced return of Eritrean refugees to these camps was also completely unacceptable.
Women and children and ill persons are among them. Since their UNHCR refugee cards were taken by the ARRA officials, there is a high propability that the plan may be to deport them to Eritrea.
ኤልሳ ጭሩም በብመዓልቱ ኣብ ፈይስ ቡክ ተውጽኦ ዘላ ሐቤረታ እውን ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ሽረን ዓዲ ሐሩሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ቦሌ ኣብ ሓደ ቦታ ከእክቦም ዝቀነየ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ኢሪትራውያን ሎሚ ንግሆ ብዓስርተ ኣውቶቡሳት ገይሩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ይመልሶም ኣለኹ ኢሉ ሐቢሩ ኣሎ። መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ኢሰብኣዊ ውሳኔ ንኤሪትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዳግማይ ሐደጋ ይጠብሶም አሎ።
እዚ ኣምበኣር እዩ እቲ ኣዚዩ ንስደተኛታት ኤሪትራውያን ህጹጽ ዓለም ለኻዊ ጎስጓስ ዘድልዮ። እዚ ግፍዒ ንዓለም ክቃላሕ ኣለዎ። ኣብ ምሉእ ዓለም ሰላማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኣለና።
ከም መደምደምታ ኣብ ሕቶይ ክኣቱ፡ ኣንፈት ቃልሲ ደለይቲ ፈትሒ ዲያስፖራ ኣበይ ኣቢሉ እዩ ንጹር መርገጺ ኣለዎም ዶ?
ነዚ ሕቶ ንምምላስ ኤሪትረውያን ማሕበራት ኣብዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘጽንት ኩናት – ናይ ስራዊት ኤርትራ ኣብ ዘምልከቶ ኩናት ምድቅዳቅ ብሩህ መርገጺ ክወስዱ ታሪኻዊ ግብኦም እዩ። ኣብ ዲይስፖራ ዘሎ ሰብ መቃልስቱ መታን ክፈልጥ። ጊዜኡ ኣብ ምድሓን ህዝቡ ዶ ከጥፈእ ወይ ኣብ ወዲ ጓል ሐሸውየ ቀጻሊ ክትዓት። እዚ ጊዜ እዚ ዘይተጸበናዮ ንነዊሕ ዝኸይድ ሰውራ ዝተበገሰሉ ወቅቲ እዩ። እቲ ቃልሲ ነዊሕን ኣድካምን ክኽውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ዝተፋላለያ ናይ የኣክል ማሕበራትን ናይ ፖለቲክ ውድባትን ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ መርገጺ ክወስዱ ኣለዎም። እቲ ዘሕጉስ ግን ባይቶ የኣክል ሕ. ም. ኣ ተበግሶ ወሲዶምሉ ኣለዉ ።
በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዎ መርገጺ የነጽር።
* ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ድሌቱን ብዘይ ኣፍልጦኡን፡ ብቀጥታ ኣብ ዘይምልከቶን ኣብ ዘይረብሓሉን ኩናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ ልኡላዊ ግዝኣት ካልኦት ህዝብታት ክደፍር፡ ህይወት ሰብ ከሕልፍን ንብረት ከዕኑን ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ይኣምን።
* ሻዱሻይ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጭፍጨፋን ምትእትታው ጉጅለ ህግደፍን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ክልል ትግራይን ናብ ዝኸፍአ ቅርሕንትን ጽልእን ዝፈጥርን ድሌታት መላኺ ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ዘተግብር ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከሲሩ እምበር ኣይረብሐን።
( 5 ካላኦት ነጥብታት ኣብ ዝቅጽል)
ይቅጽል
‘ተጋሩ ካብ ከተማታት ስትራተጂዎ ምንስሐብ ኢዮም ገይሮም። ናይ ትግራይ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኣብ ምርብራብ ብዙሕ ጊዜ ክወስድ እዩ።’ >>>> your assessment is it is going to be a war of attrition? maybe a good ‘dihre gimbar’ for the budding Eritrean armed struggle? a TPLF led united tigrigna speaking front against Amhara supremacist.. why?! how cruel! Why are we subjecting the poor people to this eternal carnage? this hostilities was supposed to end decades ago when my peers gave it all they got, why is the dejazmach of adi halo still around reeking havoc on our people? that tigrigna quote is old ,it belongs to the 1970’s, the new generation got to live, you don’t make fighting a way of life, you even got smart and left a while ago, leave the poor people alone, hungry or with their stomach full they love to be in their homestead not in a strange land separated from their loved ones. If you have done your job while you can back then, you wouldn’t be writing this misguiding politic from Buckingham palace.
Dear K. tewolde: I don’t understand your problem. . You said you don’t make fighting a way of life. It is Abiy and Isaias who have invaded Tigray and chose war to be a way of life. They are killing civilians and destroying properties of the people and are deliberately under developing Tigray by bombing industries and infrastructures. They are looting house holds. Are you saying they should not fight to defend themselves. Yes in order to save the total destruction of towns and the citizens the reginal government of Tigray and the army made a strategic retreat to the mountains, But they will fight on. Right from the beginning the regional government of Tigray was asking for peace. The EU, African Union, EGAD and many countries begged Abiy to make peace. He refused. So you should support the people of Tigray and their government to defend themselves. Abiy and Isaias will continue their war in Oromia and Benishangul Gómez. It is Abiy in collusion with Isaias who is breaking up Ethiopia. And the Eritrean young army is perishing in the war.
እሰያስ የመን የዕኑ ኣሎ ፥ ዓገብ ክትብሉ ኣይሰማዕናኩምን።
ኢሰያስ ፥ ምስ ሱዳን ተዋጊኡ ፥ ሰብ ጹቡቅና ኢንዲዮም ፥ ኢንታይ ገበሩ ክትብሉ ኣይሰማዕናኩምን።
ወያነ ኢዚ ውግእ’ዚ ባዕሎም ኣዊጆምዎ ፥ ኣጆኹም ፥ ትግራይ ክትስዕር ኢያ ክትብሉዎም ጸኒሕኩም።
“ዓባይ ትግራይ” ክንምስርት እና ። ዶብና ካብ ኣሉዋሃ (ዎሎ) ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ (ኣዱሊስ) ክብሉ ሰሚዕኩምዎም ።
ካብኡ ሓሊፍም’ውን ንኤሪትውያን ብሃይማኖትን ዓሌትን ክመቃቀሉ ፥ ኤሪትራ ናይ ትግርኛ ሃገር ኢያ ፥ ናትና ኢያ ፥ ነቶም ኣስላም ፥ ነቶም ቀቢላታት ዘግነት ክንህቦም ኢና ክብሉ’ውን ኣብ ዕላዊ ማዕከናት ዘና ሰሚዕኩም።
ኢዚ ዘረብ’ዚ ፥ ዓገብ እዩ ፥ ክትብሉ ኣይሰማዕናኩምን።
ኢዚ ውግእ’ዚ ናይ ወያነ እዩ ። ከምቲ ዝሓሰቡዎ ኣይከደን። ከምቲ ዝፈከሩዎ ኣይቀነዐን ።
ሕጂ ህዝቢ ትግራይ ይሃልቅ ኣሎ ። ወይሉኹም እቶም ምስ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዘይትብሉ ዝብል ዘረባ በዚሑ ።
ኢቲ ሓቂ ህዝቢ ትግራይ ፥ ኣብዚ ውግእ ተለኪሙ ።
“ስለ ዘፍረሕናዮም ፥ ኣብ ዶብ ራያ ፥ ተሳኢሎም ተመሊሶም … (ሓይልታት ክልል ኣምሓራ) ወዘተ ” ዝብል ፈኸራ መራሕቲ ወያነ ኣይጠቀመን።
ንስኹም ቅድም ፥ ብትምክሕትኹም ኢሰያስ ፈጢርኩም ፥ ሒዲ ድማ ኢዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ጌጋ ኢዩ።
Dear Pete, l can’t be any clearer, what is there in my post you don’t understand? you wrote the ‘Eritrean young army’ is perishing in the war.. why is the army still under the command of a foreign adversary? you empathized that ‘Abiy in collusion with Isaias who is breaking up Ethiopia’… I am hurting!!! are you Eritrean? have you glanced at your nation lately and you worrying about Ethiopia and under developing Tigray by bombing industries and infrastructure? not that I condone the atrocities against the poor people. Please friend, look at the soul of the poor people on either side of the border not the buildings, paved roads and bridges, there has never been physical destruction than Germany in 2nd world war, nobody rebuilt back faster, but the scars of tyranny still lingers, if you want and have the true intent to save the soul of our nation, jotting down this kind of articles every now and then ain’t gonna do it and you know it.
Petros Tesfagergis: woyane is for good decimated and there is no life after death. Tegaru are Ethiopians, they better disregard the temper tantrum of the good for nothing agents who are spreading false propaganda of the prevailing situation. Now that the woyane fantasy dream of Tigrai Republic is aborted by the Ethiopian Federal Forces, the healthy way forward is to live as proud Ethiopians by behaving and complying with the rules and regulation of their own country. But even if Ethiopia is disintegrated into many Independent Nations, Nationhood won’t be good for the people of Tigrai because their land is arid and without an iota of natural resource. Remember, the fertile lands of Qobo/Alamata and Welqait/Tselemti are about to be reincorporated to the Amhara Region where they belong all along.
tewelde, ‘tsimblali’e si ma’akora zeykedenet meret tikedin’, if you are an Eritrean in its truest sense, can you give us a little update what is going on in that God forsaken place>>> I mean a true unbiased update, then we can talk about the neighbors if we have to.
ኩቡር ዶቶረ ፣
ንሓዉና ፐጥሮስ ዝሃብካዮ መልሲ ፥ ንኹሎም ኡኹል መብረሂ ክኾውን እምነ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይኮውን ሕልሚ ከም ክነብር ስለ ዝገበሩዎ፥ ሎሚ ብሰንኮም (ወያነ) ፥ ከቢድ ናይ ህወት ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ። ጥፍኣት ህወት ንጹሃት ሰባት፥ ንኹሉ ሕልና ዘሎዎ ስብ ዘሕዝን ኢዩ ።
ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ፥ ምስቶም ብዋጋ ጎረባብቶም ክዓብዩ ዝፈተኑ ወያነ ሞይቱ ክኾውን ተስፋ እገብር ።
ኢዚ ናይ ምስፍሕፋሕ ስነ-ሓሳብ ፥ ንህላወና ከም ሓደ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ሓደጋ የኡቱ ብምህላዉ ብኹሉ ዓቅምና ክንቃወሞ ይግባእ ።
ብሸነኽና (ብመንግስቲን ተቃወምትን) ዝግበር ዘሎ ምትእትታዉ ፥ ንሓዋሩ ኣብ ጉዳይና ምትእትታዉ ዝዕድም ኢዩ ። ናትና ንብሎ መንግስቲ የብልናን ፥ ተቃወምቲ ግን ካብዚ ክቁጦቡ ይግባእ።
ካብ ጉዳዮም ቦኺሮም ዝነበሩ ገለ ካድራት/ፖሊቲከኛታት ፥ ኣብ ክንዲ ናይ ሰላም ጻዊዒት ፥ ምስ ትግራይ ንወግን ኢሎም ኣውያት ከስሙዑ ንሪኢ ኣለና ። ኢቲ ጉዳይና ኸ !።
ህዝቢ ትግራይ ሓውና ኢዩ ፥ ግን ካብ ናይ ሰላም ጻዊዒትን ጾሎትን ሓሊፍና ፥ ክንገብረሎም ንኽኢል የለን።
ንኹልና ሰላም ይሃበና።
Those who are standing with the woyane against their own country, Eritrea, are probably afraid of being blackmailed by woyane agents, the reason they are still serving woyane long after its demise. Remember woyane had billions of stolen dollars to go around. And watch out if you had received any finance or stayed at some Mekele Hotels, they may have embarrassing records for you in store!!!
I have 2 old saying from the wisdom of our forefathers for Mr.tewelde’s post, ‘Tsemam hade derfu’ and the second one is, ‘Nizeysemaaka debri aytmahlel’. Wedahanka zihawey.
No No the applicable Msla is : Zbel’et Kebdi Aytkhdn’ia, But in this technological era , far worse than negative reaction from one’s conscience is the devastating damage the perpetrator of a corruption can inflict on the its victims by exposing him/her on social media if he/she fails to do his bidding. And your sudden 180 degree turn to be a combative pro woyane ploy seems to indicate that you are mired in such predicament. There are rumors circulating that little woyane might have handed Mesfin Hagos enough dollars for his retirement in exchange for becoming its Trojan Horse in its planned invasion of Eritrea. How much did you get? I suggest ask knowing full well that you can’t disclose for fear of sever retaliation from woyane’s agents abroad, its record keepers.
ኣቀዲመ ንዶቶረ k. tewolde ይቅረታ እሓትት;
ሓዉና tewelde gebremariam;
እታ ንዓመታት ህግደፍ ከም መመኽነይታ ዝተጠቀመላ ወያነ ዳርጋ ኣብቂዓ ። ህግደፍ ኣገዳሲ ጸላኢ ኸሲሮም። ሕጂ ፥ ካብ ለዉጢ ንምህዳም ፥ ንመን ክኸሱ ኢዮም ዝብል ሕቶ ኣብ ሓሳብ ቡዙሕ ኤሪትራዊ ጠልጠል ኢሉ ኣሎ ። ንህግደፍን መራሒኣ ኣይተ ኢሰያስ ጸላኢ የድሊዮም ።
ብዘይ ጸላኢ ክነብሩ ፊጺሞም ኣይክእሉን።
መን ተሪፉ ዘይተኸሰሰ ? ።
ገለ ዉሑድ ካብ ኣጀንዳ ካሓዲ ጉጂለ እዚ ኢዩ፣
– ንህዝብና ወትሩ ቅሳነት ዝኸልእ ኩነታት ምፍጣር ፥
– ዶብ ምምልካት ዝዕንቅፍ ነገር ምስዋር፥
– መግዛእቲ ንዝመስል ምልኪ ዕድመ ስልጣን ምንዋሕ ፥
– ብመትከል “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ሃገር ምዕናዉ ፥
ህግደፍ ኣብ ቀራና መገዲ በጺሑ ።
ጸላኢ የድሊየኒ ኣሎ !!! ፥ ብዘይ ጸላኢ ተሪፈ !!! ፥ ክብል ዝሰምዖ ዘለኹ ይመስለኒ ።
ሕጂ ‘ኸ መን ኢዩ ጸላኢኹም ?
ሓደ ጥራሕ ኢዩ ኣብ ቅድመኹም ጠጠዉ ኢሉ ዘሎ ፥
ኢቲ ምርሓና ዝበልኩመዎ ዶ. ኣቢ ኣሕመድ ።
እንታይ እሞ ክትገብሩ ፥ ካልእ ዘየለ …..
We seem to be on the same timeline W.H. brother in arms. Yes, there can be one autocrat at a time, it is a matter of who takes the first swing, remember the old line which started it all, ‘IZI MEDA KAB HADE WUDIB NILA’ELI KITSEWUR AYKI’ELIN IYU’. He is a lonely cruel paranoid character who doesn’t like to share the spotlight, he will hug you today and strangle you tomorrow and he have demonstrated that time and time again.
You were once gloating over your alleged participation with the Eritrean Liberation Movement and yet you seem to be completely helpless figuring out the different methods used for solving primary and secondary contradictions. But I forget, as oxygen rusts and renders an iron bar brittle, disingenuous money can do the same to one’s moral scruple.
QUOTE: “It is Abiy and Isaias who have invaded Tigray and chose war to be a way of life. Petros Tesfagherghis, Reply to k.tewolde” UNQUOTE
Commentary, 17 Dec 2020
Actually, my intention is only to QUESTION [to ASK) for the sake of HISTORICAL TRUTH.
Who triggared the war between TPLF and Ethiopia on the 4th of November 2020?
If I am off track, please forgive me.
rezen, the war has already started way before November 4th in Arat Kilo and environs, just look at the quarreling destructive characters at the helm, that day of infamy is its highest manifestation, so who pulled the trigger first is irrelevant, drugging the poor people to this mayhem is their way of hiding and continuing their authoritarian cruel reign upon the downtrodden masses. Today it might have ended up one retaining the Palace and the other retreating to the mountains, however tomorrow the scenario could reverse but the poor people who have nothing to do with it will continue to be the cannon fodder, victims of ethnic cleansing and mass displacement and yes live in destitution while the few 70 something yrs old cannibals and their offspring continue to party like it is 1999.
Hi, k.tewolde, I fully agree with your splendid narration — specially and specifically about the “…the cannon fodder, victims…”. It is a glaring historical CRIME that, one hopes, a day will come and justice be served — specially in our dear Continent of Africa.
As to my QUESTION, needless to say, I was referring to that SPECIFIC act on one specific date. Never mind.
Dear Friends
Wait a little time and you will understand what peoples war is all about.. TPLF and the Tigrean army are defending their country against cruel invaders. The Tigray army are in their country and with their own people that is why they are capable of resisting against all odds.You wiil be surprised when Abiy and Isaias will be accused of war – crimes.
Petros Tesfagergis
You are wrong in both counts for 1. there is no country in the world called Tigrai. 2. there is no army called Tigray Army. Please, do not confuse pathological imagination with reality. the truth is, Tegaru are Ethiopians and their army is Ethiopian Federal Army. However, Tegaru are accountable for the Thirty Years of Woyane’s Crimes Against Humanity in Ethiopia and elsewhere. There is no way of escaping that accountability!
we all are TPLF , officially known to be the patron of Tegeraus and defender of Tegarus right in the fake ethiopainism and Amahara kindom. No we all are TPLF fighters with all God given capacities and knowledge . It is absurd to relocate and adress TPLF to a single person.
fooling himself and his people , Abiy told he will reward 10 million . Thank you EU for not sponsoring genocide and collaborating with killers based in the socalled ethipia, cave for killers and robbers.