Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን! ካልኣይን መወዳእታን

Atv Asena by Atv Asena
4th June 2020
in ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ
0
0
SHARES
229
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን! ካልኣይን መወዳእታን

ኢሳያስ፡ መንነቱን ሓቢኡ፡ ነቶም ካልኦት ምእንቲ ህዝቦም ክስውኡ ንበረኻ ዓዶም ዝወፈሩ ደቂ ገርሂ ልባ መሲሉ፡ ናብ ሜዳ ከም ዝተሰለፈ ኢዩ ታሪኹ ዘረጋግጽ። ንህዝብና ናጻ ንምውጻእ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝቃለስ መሲሉ ስለ ዝተራእዮም ኢዩ ከኣ ልቦም ክሰርቕን፡ ‘ጨጓር ዳንጋ!’ ሰይሙ ከም መጋበሪ ክጥቀመሎም ዝኸኣለ። ከምቲ ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ’ ዝብሃል ግን ኢሳያስ፡ ተጋደልቲ ክፉእ ሓሳቡን ዕላማኡን ከይፈልጡ፡ ብጥንቃቐን ብትዕግስትን ይንቀሳቐስ ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ንክፉእ ባህሩ ዝሕግዝ ክፉእ ብልሓትን ምህዞን ክስውኸሉ ብተ.ሓ. ኤ ንቻይና ተላኢኹ፡ ካብ ናይ ማዎ ጨካን ደሳዊ ስርዓት ከክፉኡ ተማሂሩ ተመሊሱ። ድሕሪኡ ካብ ተ.ሓ. ኤ ሃዲሙ ምስቶም ተፈልዮም ኣብ ዓላ ዝንቀሳቐሱን ብኣብርሃም ተወልደ ዝምርሑ ዝነበሩን ተጸምቢሩ። ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ተወልደ ከኣ፡ ንሱ ጥራይ ብዝፈልጦ ብልሓት፡ ናይቲ ጉጅለ ዓላ መራሒ ክኸውን ከም ዝኽኣለ’ዩ ዝፍለጥ። ካብኡ ንድሓር፡ ካብ ቻይና ዝቐድሖ፡ ብደሳዊ ስነ ሓሳብ ተጥቂሙ፡ ናይ ናብ ስልጣን ንምድያብን ከም ዝተጥቕመሉ’ዩ ካብ ተግባሩ ምርዳእ ይክእል። ንህዝብና ብኸመይ ኣርዒድካን ፈላሊኻን፡ ብስለያ መሓውራት ንሰባት ብምጥልላፍ ምቁጽጻር ከም ዝክኣል ብምጽናዕን፡ ንዘይተማህረን ዘይነቕሐን ህዝቢ ዘተሃራርፍን ዘይፍጸም ተስፋ ብምሃብን፡ ሓሶታት ብምንዛሕን ንሰባት የደናግርን የታልልን ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ኢሳያስ፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ሚስጢራዊት ሰልፊ መስሪቱ፡ ክብድሁዎ ንዝኽእሉ ምሁራትን ጀጋኑን ኣዳህሊሉ እናጥፍአ ናብ ስልጣን ከም ዝደየበ’ዩ ዝንገር። ንጀጋኑ መመሪጹ የጥፍእ ከም ዝነበረ ዝፈለጡ ውሑዳት፡ ‘ምእንቲ ኣንጭዋ ትሕለፍ መጎጎ!’ ብማለትን ናይ ኢሳያስ ጉዳይ ድሕሪ ናጽነት ነርክበሉ እናበሉ ስለ ዝቐደሞም ዝበዝሑ ከም ዝጠፍኡ’ዩ ዝንገር። ህዝብና ናጽነቱ ምስ ጨበጠ’ውን፡ ነቶም በላሕትን ኣንጻር ዓርሞሸሽ ሰራዊት ደርግ ዝሰዓሩን፡ ኣብ እንግድዖም ሓዚሎም ንዓዲ ዘእተውዎ ጀጋኑ መራሕትን ተጋደልትን ዝተፈላለየ ምህዞታት ፍሒሱ ኣጥፊኢዎም። ክሳብ ሎሚ ህዝብና፡ ክፉእ ምህዞ ኢሳያስ ፈሊጡ ክዓግቶን ክኣልዮን ዘይምኽኣሉ ከኣ ዘሕዝንን ዘስደምምን። ከምቲ፣ “ኣነፋፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥ ሃዳናይ!’ ዝብሃል፡ ቆቓሕ ክትነፍር ጥራይ ሰሚዑ ጥራይ ኢዱ ንገዛ ዝኣቱ’ዩ ዝመስል ዘሎ ህዝብና። ኢሳያስ፡ ‘ፕረዚደንት ኤርትራ!’ ምስ ተባህለ’ውን ኣብ ሜዳ ዘማዕበሎ ናይ ጥፍኣት ዘመተ ብዝገደደን ዝዓበየን ይቕጽሎ ከም ዘሎ ንኩሉ ዝግሃድ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ንኤርትራውያን ይኣስር፡ ይጨዊ፡ ይቕትል ኣሎ። ንህዝቢ ብኸብዱ ሒዙ ብማይ ጽምእን ጥሜትን ክኹስተር ፈሪዱዎ ኣሎ።
ከምቲ፣ እዝጊ ከጽልእ ምኽሪ ይኸልእ፡ ዝብሃል ኢሳያስ ሎሚ ከኣ፡ ካብ ክፉእ ተግባሩ ክዓግቶ ዝኽእል ኤርትራዊ የለን ዝብል እምነት ስለ ዘሕደረ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምጥፋእ ዕላምኡ ንምፍጻም ይጓየ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ምስ ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፣ “ኣይከሰርናን! ገንዘብና ኣምሊስና ኢና!” ናብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ከይዱ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብቃሉ፣ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክልተ ህዝቢ ኢዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ!” ንዶ/ር ዓቢይ ከኣ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና! ምስ በለ’ዩ ብዙሕ ኤርትራዊ ክፈልጦን ክቐብጾን ዝኸኣለ። ክልቲኦም መራሕቲ ይበጻጽንሑን ካብ ህዝቦም ተኸዊሎም ህዝብታት ንምንቛት ተንኮላት ይፍሕሱ ምህላዎም እናሓደረ ዝቕላዕ ዘሎ፡ ንክልቲኦ ዝልክም ጉድ ከም ዝኸውን ዘጥራጥር ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ትሕቲ መሬት ዝሰፈረን ዘይሰፈረን ኮይኑ’ምበር ኩሉ ብጽኑዕ ዝሕሎን ሕቡስ ኢዩ። እዚ ኣረምኔ ስርዓት ደንጎላ ኮይኑ ስለ ዝጸቐጦ፡ ብሓይሊ ብረትን ካድረታትን ሰለይትን ሒዙ፡ ከይእከብን ከይዛተን ስለ ዝኸልከሎን ዝፈላለዮን ፍሕትሕት ክብልን ሓቢሩ ክልዓልን ስለ ዘይከኣለ እምበር፡ ህዝብና ንኢሳያስ ካብ ዝቐብጾ ነዊሕ ጌሩ ኢዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ከም ዘይፈላለን ከም ዘይናቖትን ኢዩ ዘረጋግጽ። ሓደ ኣብነት ክጠቅስ። ኣብ ኤርትራ ዝነበራ፣ ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ኣከለጉዛይ ተባሂለን ዝፍለጣ ዝነበራ ህቡባት ናይ ኩዕሶ ክለባት ኣብ ዝጻወታሉ መዓልቲ ውሑዳት ደገፍተን የዕገርግሩ ስለ ዝነበሩ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረ ኮ/ል ተድላ ዑቕቢት፡ ‘ስመን እንተ ዘይቀይረን ክጻወታ የብለንን!’ ብማለት ከይጻወታ ከለኪሉወን። እቲ ክለባት ከኣ ብርቱዓት ክንከውን ዝኸኣልና ብስም ኣውራጃታት ስለ ንጻወት ኢዩ። እንተለዊጥና ደጋፊ ክንረክብ ኣይንኽእል፡ ብማለት ስም ምልዋት ስለ ዝኣበያ ንሰለስተ ከይጻወታ ከልኪሉወን ኔሩ። ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ግን፡ ሓማሴን ኣስመራ፡ ሰራየ ማይልሓም፡ ኣከለጉዛይ እምባሶይራ ተባሂለን ጸወታ ከም ዝቐጸካ ኢዩ ዝፍለጥ። ሎሚ ግን ኢሳያስ ንኣውራጃ ከም መፈላለዪ ይጥቀመሉ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን “ኣውራጃዊ! ሃይማኖታዊ! ቃላት ምሂዙ ከም መሕፈርን ጸርፊን ይጥቀመሉ ኣሎ። ዕላምኡ ግን ህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃ ተጠርኒፉ ከይብድሆ ብምስጋእ’ዩ ዘፍረሶ። ብዞባታት ዝተክኦ። ኢሳያስ ካብ ሃገር ሓሊፉ፡ ብሃሱሳቱ ተጠቂሙ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋታታት ንምቁጽጻር ይጽዕር ከም ዘሎ ዝክሓድ ኣይኮነን። ነዚ ዝዘንግዑ ምህላዎም ከኣ ዘጉሂ ኢዩ። ኣብ ጨና ባሩድ ዘይብሉ ዓዲ ሕጊ ሰፊሮም ከምዚ! ከምቲ! ዘይገብር ንዝብሉ ከኣ፡ ከምቲ፡ ‘ኩናት ዘይወዓለ በሊሕ! ምዃን ገዲፍኩም፡ ኣብነት ኮንኩም ምርሑና! ‘ንዑ እዛ ናብራና ፈትንዋ!’ ዝብል መልእክትን ለበዋን ኣለዎ ህዝብና። ብጽሑፍን ብመራኸቢ ብዙሓንን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ፡ ንብዙሓት ከጋጊ ዝኽእል ሓበረታን መግለጽን ንዘመሓላልፉ ከኣ፡ ትብሉዎን ትጽሕፉዎን ካብ ህዝብኹም ካብ ህዝብኹም ርሒቕኩም፡ ነፊርኩም ከም ዘለኹም ዘመልክት ኢዩ። ምናልባት ካልኣይ ዓዲ ስለ ዘለኩም ይኸውን። ንሕና ግን እዛ ሓንቲ ኤርትራ ትብሃል፡ ቀደም ገዲፍኩማ ዝተሰደደኩም ሃገር ጥራይ ኢያ ዘላትና። ሕጂውን ነዚ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ንምእላይ ክባላሓቱ ዝኽእሉ ምሁራትን ለባማትን ናይ ነዊሕ ተሞክሮ ዘለዎን ኣሕዋት ኣለውና! እናበልና ብኣኹም ንምካሕ ዘለና። ሎሚዶ ጽባሕ ዝሓዙ ሒዞም ይምለሱና! እናበልና ዓዲ ኩልና ከይትጠፍኣና ምዩቕ እናበልና ንሕሉ ከም ዘለና ኣይትዘንግዑ ሓደራ። ኣብ ቀረባ ግዜ ሓቢርና ንነብረላ ሰላማዊትን ደሞክራሲያዊትን ሃገር ክንምስርት! ዝብል ተስፋ ኢዩ ዘለና። ስለዚ ኣይንገዳዳዕ። ሕልናኹም መርሚርኩም ቅረቡና፡ ሓቢርና ንዛተ፡ ተሓጋጊዝና ፍታሕ ንድለ። ‘እዛ ዳዕሮ በሲላ ኢያ! ሓቢርና ንብልዓያ!’ እናበልና ብተስፋ ንጽበየኩም ከም ዘለና ከይትርስዑ ሓደራ። ከምቲ ኩሉ ገዝኡን ከባቢኡን እንተጽርዩ ህልውንኡ ከውሕስ ይኽእል’ዩ ዝብሃል ከኣ፡ በብወገና ብህግደፍ ተዓሽዮም ንሰባት ከዐሽዉ ዝፍትኑ፡ ስንቂ ዘቐብሉ፡ ነሕዋቶም ኣሕሊፎም ንበላዒ ዝህቡ ብምኽርን ፍቕርን ብምቕራብን ብምርዳእን ምስ ህዝቦም ክውግኑ ምጽዓር እቲ ዝዓበ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ኣእምርኡ ንዘይተሰልበ ሓውናን ሓፍትናን፡ ‘ተለኻኺምዶ ንጥፋእ፡ ሓቢርካ ንድሓን!’ ዝብል ሕቶን ለበዋን ናብ ዝስምዕ ብምሕላልፍ ንዝተጋገዩ ናብ ልቦም ምምላስን ምስ ህዝቦም ከም ዝውግኑ ምግባርን ከም ዝኣምን ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ። እዚ ማለት ከኣ፡ ናይ ህግደፍ መሰረትን ሱርን ምብታኽ ማለት ኢዩ። ነቶም ጥፍኣት ህዝቦም ዘቀላጥፉ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ተግባሮም ከቋርጹ ምጽዓር ማለት ኢዩ። መጥፊኢ ህዝቦም ስንቂ ዘቐብሉ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ምምሕጻን ማለት ኢዩ። ናይ ጋኔን መልእኽተኛ ኮይኖም ንህዝቢ ዝጸናጸኑን ዝተባህለን ዘይተባህለን ወረታት ንህግደፍ ዘቐብሉን ንስቦም ዘጥፍኡን፡ ጽባሕ ደልዩ ዘይረኽቦ ሓው/ሓፍቲ ካብ ምጥፋእ ክድሕን ምምካር ማለት ኢዩ።ንህዝብና ሃገርናን ንምጥፋእን ወደባታ ንምውራስን ስርዓት ሃይለስላሴን ድርግን ብዙሕ ጽዒሮም ኢዮም። ሃይለስላሴ ንኤርትራ ክጎብጥ ብዘካየዶ ጉጉይ ምሕደራን ኩናትን ብዝገጠሞ ብርቱዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ስለ ዘይከኣለ ብ1974 ካብ ስልጣኑ ከም ዝተባረረን ደርግ’ው ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ክፈትሕ እንተ ዘይክእሉ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ከም ዘይክእልን ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛታት ተንብዮም ኔሮም። ሕጂ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ኢሳያስን ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ዓቢይን፡ ንህብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምድንጋር፡ ኣንጻር ሕወሓት ኩናት ንምጅማር ይደናደኑ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ከኣ ለካሚኦም ኢዩ ዝኸውን። ንከባቢና ዝሕምስን ህልቂት ህዝብታት ዘኸትልን ምዃኑ’ውን ዝስሓት ኣይኮነን። ህዝብና፡ ድሕሪ ሕጂ፡ ከምቲ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥ ሃዳናይ ኮይኑ ክነብር ማለት ከኣ ዘበት ኢዩ። ዝኸፍሎ ናይ ህይወትን ንብረትን መስዋእቲ ይበዝሕ ይኸውን እምበር ህዝብና ከምቶም ቀዳሞት ጀጋኑ፡ ዝኸፈለ ከፊሉ፣ ክብሩን፡ መሰሉን፡ ልዑላዊነት ሃገሩን ከም ዘውሕስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዓወት ህዝብና ንምቕልጣፍ ዝጽዕርን ዝዕጠቕን ኮይኑ ክርከብን ግድን ኢዩ ዝኸውን።
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ምስሉ ተኪኤ 2 ሰነ 2020

Previous Post

ATV: ምስ ሕልናና ንተዓረቕ – ሓደ ካብ ማሕበር ሸፋጣ ነበር

Next Post

ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን!

Next Post

ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን!

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply