Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣብ 30 ዓመታ ዝኣረገት ሃገር – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

Atv Asena by Atv Asena
15th December 2021
in Articles, Tigrinya
29
0
SHARES
1.2k
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ 30 ዓመታ ዝኣረገት ሃገር – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ሳላሳ ዓመታት ወይ ሓደ ወለዶ ኣብ ጒዕዞን ታሪኽን ሓንቲ ሃገር ኣዚዩ ሓጺር’ዩ፡ እንተዀነ ነቲ ዝሓለፈ ብምግምጋም ንህሉው ኩነታት ንክንርዳእን፡ ኣንፈት መጻኢ ምዕባለ ክንሕንጽጽን ዘኽእለና ሓበሬታ ክንረክብ ስለ ዝሕግዘና ኣገዳሲ ይኸውን። ኤርትራ ኣብ ገለ እዋን ብነብሳ ሓዲራ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ስርዓታት ንዘመናት ዝነበረት፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ከኣ ብመስዋእቲ ደቃ ነጻነታ ኣረጋጊጻ፡ ሓዳስ ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኰይና ትርከብ። እምበኣር ድሕሪ ናጽነት ዝተራእዩ ንቊመናን ምስሊን ኤርትራ ዝደወኑ ዝኣረገት ሃገር  ክንብል ዝድርኹና ምልክታት እስከ ብጽሞና ንመልከት።

ብመጀመሪያ ኣብ’ቲ ኣርእስቲ ዝተጠቕሰ ዝኣረገት ሃገር ዝብል፡ ንምዃኑ ሃገርከ ትኣርግ ዲያ? ኢልና ኣገዳሲ ሕቶ ከነልዕል ግድን’ዩ። ብሓቂ መሬትን ጎቦታትን ባሕሪን ሓንቲ ሃገር ኣይኣርግን’ዩ ክንብል ንኽእል፡ ሰብ ዝተኸሎ ስርዓተ-ምሕደራን፡ ትሕተ-ቅርጺን ህንጻታትን ትካላትን ግና ከም’ዚ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ሰኣን ስሩዕ መደብ ምሕዳስን ምትርዕርራይን ጽገናን፡ መዓልቱ እንዳቈጸረ እንዳኣረገን እንዳፈረሰን ናብ ዕንወት ከምርሕ ባህሪያዊ ሕጊ’ዩ።

ብዛዕባ ሃገርና ኣልዒልና ኣሪጋዶ ኣይረገትን? ዝብል ሕቶ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ መራሒ ህግደፍ ኣብ’ዚ ቀረባ ብቃሉ ከም ዝበሎ፡ ኩሉ ዓንዩ፡ ባጽዕ ሉል ቀሕይ ባሕሪ ዝነበረት ሕጂ ከምኡ የላን፡ ትሕተ-ቅርጺ ናይ ጸዓት ማይ አለትሪክ ኣዚዩ ተዳኺሙ፡ ፋብሪካታት ተዓጽዩ ወዘተ ክብል፡ ሃገርና ከም ዝኣረገት ዘረጋግጽ ብዘገርም ሓቂ ባዕሉ ገሊጹልና’ዩ። ንሱ ገባሪን ሓዳጊን ስለ ዝዀነ ድማ ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ኰትሊኽና ተጋጊኻ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና።

እምበኣር ሃገርና ከም’ቲ ክትኰኖ ዝግባኣ፡ ምስ’ቲ ዘላቶ ዘሰክፍ ኩነታት ብምንጽጻር፥ ናብ ምዕባለን ብልጽግናን ደሞክራሲን ዲያ ትግስግስ ዘላ ወይስ ኣብ ድሕረትን እርጋንን’ያ ትርከብ? ንመጻኢኸ ከም ስዊዝን ሲንጋፖርንዶ ወይስ ዝኣረገት  ሃገር’ያ ክትከውን? ዝብል ሕቶታት ምልዓል የድልየና። ንምዃኑ እዛ ብተፈጥሮ ዝተባረኸት፡ ኣብ ስትራተጂካዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተደኰነት፡ ወናኒት ጸጋታት መሬትን ሃብቲ ባሕሪን ዝዀነት ሃገርና፡ ስለምንታይ ኣብ 30 ዓመታ ድሕሪ ናጽነት ኩሉ ጸጋታታ ናብ መርገማ ተቐይሩ፡ ንእርጋን ተፈሪዳ? እዛ ሓዳስ ሃገር ሓድሽ ቅዋም ኣጽዲቓ ከተብቅዕ ብዝኣረገ ዲክታቶራዊ ኣካይዳን፡ ብዘይ ፍርዳዊን ሓጋጊን ፈጻሚን ኣካል ክትመሓደርከ ካብ’ዚ ዝዓቢ ናይ እርጋን ምልክት ካልእ እንታይ ኣሎ?

ስለ’ዚ ናይ ስርዓተ-ምሕደራን ትሕተ-ቅርጺን፡ እንኰላይ ንዋታዊን ሰብኣዊን ዓቕሚ ሃገር ከምዝኣርግ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተጋህዱ መምዘኒታት ተጠቒምና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ከመይሲ ሃገርና ጉዕዞ ምዕባለን ብልጽግናን ተነፊግዋ፡ ናብ እርጋንን ውድቀትን ዘምረሐት፡ ቅዋማ ከም ዝሞተ ብዕሊ ዝተኣወጀላ፡ ሃገራዊ ባይቶ ዘይብላ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብክቱር ዝገሃሰላ፡ መሰረታውያን ሃለኽቲን፡ ቀረብ ጽሩይ ማይን መብራህቲን ከተቕርብ ዓቕሚ ዘይብላ፡ ደረጃ መነባብሮ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳንቆልቆለ ህዝባ ብመቚነንን ኩፖንን ዝነብረላ፡ መንእሰይ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ዕስክርናን ጊልያነትን ተማሪሩ ዝስደደላ፡ ስድራቤት ትበታተነላ፡ ዝኣረጉ ህንጻታትን ጐደናታትን ዝበዝሑላ፡ ከም ቀንዲ ምልክታት ዝኣረገት ሃገር ክንጠቅስ ንኽእል።

ብተወሳኺ ንኤርትራ ዝኣረገት ሃገር ዘብልዋ ተርእዮታት ምዕጻው ፋብሪካታት፡ ምዕናው ወደባት፡ ምፍሕሓር ጽርግያታት፡ ኣበየ ቦታኡ ዝርአ ጐሓፍን ዝተዓብሰ ፈኛቱራን ምፍሳስ ረሳሕ ማይን፡ ንመንከስቲን ሕማምን ዘቃልዑ ዕስለ ኣኽላባት ኣበየ ጐደናታት፡ ሕሰም መነባብሮ ዘጥቀዖም ለማኖን ግዳም ሓደርን ይርከብዎም።

ካልእ ከም ምልክት ዝኣረገት ሃገር፡ ድኹም ናይ ኣገልግሎት መርበብ ኢንተርነት ክንጠቅስ ግቡእ’ዩ። እቲ ዓለም ትጥቀመሉ ስሉጥ ዘመናዊ ኢንተርነት በቲ ኣብ ውሽጢ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ዝተዘርገሐ መስመር ገመድ ፋይበር-ኦፕቲክስ ኣቢሉ’ዩ ዝመሓላለፍ። ኤርትራ ግን ተጠቃሚት ናይ’ቲ ብኣፍደገ ቀይሕ ባሕራ ዝሓልፍ ምዕቡል መስመር ካብ ምዃን ተሓሲማ፡ ናይ ኣባ ጎብየ ፍጥነት ዘለዎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣተኣታትያ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ማሓንቖ ምዕባለ ኰይኑዋ ይርከብ። 

ብፖለቲካዊ መዳይ እንተተዓዚብና ከኣ ሃገርና ብቃልሲ ዘረጋገጸቶ ናጽነት ንምጭዋይ ዝዓለመ ዝመስል፡ ዝኣረገ ናይ 40ታትን 50ታትን ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ ዘስምዕ፥ ሓደ ህዝቢ ኢና ክልተ ህዝቢ ኢሉ ዝኣምን ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ዩ ዝመርሓና ወዘተ ዝብል ትረኻታት፥ ናፍቖት መግዛእቲ ዝጉስጉስ እከይ ኣካይዳ ንዕዘብ ኣሎና። ከምኡ’ውን እዛ ሓዳስ ሃገር ብዝኣረገ ናይ ዘመነ-መሳፍንቲ ናይ ማኪያቨሊ ፈላሊኻ ግዛእ ስነሓሳብ ትካየድ ምህላዋ ብሩህ’ዩ። በዚ ሓደገኛ መደረታትን ኩነታት ዝኣረገት ሃገርናን ዝተተባብዑ፥ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ጸላእትና፡ ንዓሰብ ክንካፈላ ኢና፡ ኤርትራውያን ናጽነቶም ኣየኽብርዎን’ዮም፡ ስንና እንዳመወጽና ብዘይ ውግእ ክንሕዛ ኢና ወዘተ ክብሉ መላገጺ ክገብሩና ንሰምዖም ኣሎና።

ኣቃውማ ህዝብና ብመጽናዕቲ ስነ-ህዝቢ (demography) እንተተመልኪትና ድማ ቊጽሪ መንእሰያት እንዳወሓደ፡ ቊጽሪ ሽማግለታት ብተዛማዲ እንዳወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሃገርና ብሰብኣዊ ዓቕሚ ትኣርግ ምህላዋ ዘመልክት’ዩ። ንኣብነት ቊጽሪ ናይ’ቶም ልዕሊ 65 ዕድመ ዘለዎም ኤርትራውያን ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበዝሐ ኰይኑ ንረኽቦ። ምጣነ ወሰኽ ህዝብና’ውን  ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ይውስኸ ከም ዘየለ የመልክት። ስለ’ዚ ኤርትራ ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይ ዝጐደላ፡ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ፡ ናይ ሽማግለ ሃገር እንዳዀነት ናብ ዘሰክፍ ጐደና እርጋን ትጐዓዝ ምህላዋ ዘሻቓል’ዩ።

ዝኣረገት ሃገር ዘብለና ካልእ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ’ቲ ዝተመደቡሉ መዝነት ንብዙሕ ዓመታት ዝተዀየጡ ምዃኖም’ዩ። ካብ ዝሸምገሉ መራሕቲ ከኣ ክሳብ ሕጂ ሓድሽ ሓሳባትን ምዕቡል ኣጋባብ ምሕደራን ኣይረኣናን። እቲ ዘሕዝን ግና ንእስነቶም ንናጽነት ሃገር ዘወፈዩ ጀጋኑ፡ ኣብ እርጋኖም ሃገሮም ክትኣርግ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሳተፍቲ ምዃኖም’ዩ። እዚ ዝሸምገለ ወለዶ ብስሩዕ መደብ ብሓድሽ ዝተማህረ ወለዶ ክትካእ ዘይምግባር ድማ ኪንዮ ናጽነት ዘማዕደወ ራእይን ጠመተን ዝጐደሎ ኣመራርሓ ምዃኑ ዘረጋግጽ’ዩ። 

ኣህጉራዊ መምዘኒታት ምስ እንምልከት ከኣ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት እኩብ ድምር መዐቀኒ ቊጠባ ጥዕና ትምህርቲ ሓፈሻዊ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘጠቓልል፡ ሓባሪ ሰብኣዊ ዕብየት (Human Development Index) ከም ዘነጽሮ፡ ኤርትራ ካብ 189 ሃገራት መበል 180 ተርታ ሒዛ ንረኽባ። ወናኒት ዝተፈላለዩ ማዕድናት ከም ወርቂ ዚንጎ ነሓስ ፖታሽ ሃብታም ሃገር ስለምንታይ ኣብ ትሑት ደረጃ ዕብየት ወዲቓ ትርከብ? ኢልና ክንሓትት ግቡእና’ዩ። ሰራሕተኛ ህርኩት ኣፍራዪ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፡ ስለምንታይከ ምስ’ዚ ኩሉ ጸጋታታ፥ ብዝኣረገ ምሕደራን ትካላትን ትሕተ-ቅርጺን ትዋረድ  ኣላ? ኢልና ብቀጻሊ ክንሓትት ይግባእ። እዛ ብተዛማዲ ሓዳስ ሃገርከ ስለምንታይ’ያ ኣብ 30 ዓመታ ቀልጢፋ ናይ እርጋን መሐበሪ ምልክታት ብብዝሒ ተርኢ ዘላ? ክንብል ጥራይ ዘይኰነ ድምጽና ክነስምዕ ይግባእ።

ብዛዕባ ዝኣረገ ከተማታትን ወደባትን ትሕተ-ቅርጺን ክንዛረብ ከሎና ዘደንጹ ከኣ፡ ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ መስተንክር ወተሃደራዊ ስርሒታት እንዳፈጸሙ ሰፊሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘመሓድሩ፥ ጽርግያታት ዝህንድሱ ዝነበሩ ጀጋኑ፡ ስለምንታይ ደኣ ሕጂ ባዕዳዊ ገዛኢ ጥልያን ዝሰርሖ ህንጻታትን ጐደናታትን ትሕተ-ቅርጺን ምጽጋንን ምዕቃብን ጸጊምዎም? ዝብል ሕቶ ይመጽኣካ’ሞ፡ መልሱ ግና ዘይንረኽበሉ። ምዕናው ከተማታትና ማለት ምጥፋእ ታሪኽናን ቅርስናን ውርሻናን ስለዝዀነ፡ናይ ሓባር ጸገምና ብናይ ሓባር ዕዮ ክንፈትሖ ሓላፍነት ኣሎና።

ብሓጺሩ እዚ ናይ 30 ዓመታት ዝኣረገት ሃገር ዝገብር ኣካይዳ፡ ልክዕ እቲ ብ40ታት ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ንኩሉ ጽላታት ቊጠባ ሃገርና ኣዕኒዩ ኤርትራ ነብሳ ከምዘይትኽእል ብምምሳል ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምክፍፋል ዝዓለመ እከይ ውዲት ዝድገም ዘሎ ይመስል። ብዝተጋደሉላ ሓርበኛታት ደቃ፡ ሎሚ ካልእ ካባ ዝለበሱ ክፍጸም ከሎ ግና ዘስደምም’ዩ!  ስለ’ዚ ህንጸትን ምዕባለን ዘይፈቱ፡ ዕንወትን ምፍራስን ከም ንቡር ተቐቢሉ ህዝቢ ዘጽንትን ሃገር ዘእርግን ሓሳድ ህግደፋዊ ስነሓሳብ ኣካይዳኡን ምሕደራኡን ከዐሪ ናትና ተራ ወሳኒ ምዃኑ ክንስሕቶ የብልናን።

ኣብ መደምደምታ ሃገርና ብዘይ መዓልታ እንዳኣረገት፡ ንህላወኣ ዝፈታተን ኩነታት ዘንጊዕና ጽቡቕ ዘሎና ዝመስለና፥ ብቀጻሊ ቁስልናን ፈውስናን ንሓብእ ሰባት ሃየ ካብ ህልወሳ (hallucination) ንበራበር። ኣልበርት ኣነስታይን ከም ዝበሎ “ጽላለ ዝበሃል ንሓደ ነገር ደጋጊምካ ብምግባር ፍሉይ ውጽኢት ከተምጽእ ምጽባይ ማለት’ዩ”። ስለ’ዚ ሃገርና ብተደጋጋሚ ጌጋታት ኣብ እርጋን ወዲቓ ስለ ዘላ፥ ዝኣረገ ስርዓት ድማ ፡ ንሽግራትና ብዝኣረገ ኣተሓሳስባ ክፈትሕ ስለ ዘይክእል፡ ንደቅና ብዘይ መዓልታ ዝኣረገት ሃገር ከይነውርሶም፡ ነቲ ስርዓት ንርእስኻ ኣሪግካ ንሃገር ኣይተእርግ ይኣክል ንበሎ። ኣብ ኢድና ዘሎ ሰይጣን ኣይኽኣሎ ከም ዝበሃል፡ ኢድን ጓንቲን ኰንና ንኣረጊት ምሕደራ ብሓድሽ ተኪእና፡ ነዛ በብቚሩብ ትጥሕል ዘላ መርከብ ትመስል ዘላ ሃገርና ከነድሕን ሕጂ’ዩ እዋኑ።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ ካናዳ።

Previous Post

Tigray Global Protest

Next Post

Turkey & UAE Stop Enabling Tigray Genocide – London Protest December 22nd, 2021

Next Post
Turkey & UAE Stop Enabling Tigray Genocide – London Protest December 22nd, 2021

Turkey & UAE Stop Enabling Tigray Genocide - London Protest December 22nd, 2021

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
29 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
3 years ago

Premature aging is putting it mildly, this little nation is in advanced terminal stage with tubes coming out from its every body orifice…. in other words, clinically dead.
The sad thing is those currently in charge are intentionally taking their time calling the code.

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

ግሩም ኣባሃህላ:: 
አዚ  አንተዘይመሲጡና: ሓዲኡ  አንተዘይገርና: ተስፋ  የብልናን። 
ቃላት አንተኾመርና  ኣብ ዓዲ ከብጻሓና አዩ ማለት ዘበት እዩ ። 
ነንሕድሕድሓና  አናተጻራረፍና ሸንኮለል  እንተበልና ካብታ  ዘለናያ ፍንክት ኣይንብልን  ኢና። 
መዋጺእትና ሓንቲ እያ፣ ክልተ ኣይኮነን። 
ታሪኽና፡ መንነትና፡ የዕሩኽትና፡ ጸላእትና፡ ኣይንረስዕ 
ካብኩሉ ከዓ ናይ ውሽጢ ዘራጊቶ !!!
ዘረባ  አንተበዝሔ ፍረ የብሉን ::
ተስፋ ኣለኒ ከም ብዓል ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት ታሪኽ ክምስክረሎም ::
እዝን ወድሓንኩምን፥፥ 

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
3 years ago

ታዓኑ ዘላ ሃገር ንጎኒ ገዲፎም “ዉድብና-ህዝባዊ-ግንባር” ዝባሃል ሕማም ዘጥቆዖም ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ኣእምሮ ናይዞም የዋሃት ኣሕዋትና ፡ ዉድብ ካብ ሃገር ታዓቢ።
ሕጂ ህዝባዊ ግንባር’ዉን ከም ዘየላ ዝርዶኦም ኣይመስለንን። እቲ ህግደፍ ዝባሃል ጉጂለ እሰያስ ፡ ኣብ ዑና ህዝባዊ ግንባር ፣ ናዓኣ ዘይመስል ካልእ ዉድብ መስሪቱ ከም ዘሎ ይርዶኦም ዲዩ ?።
እሰያስን እቶም ምስኡ ኣብ ሜዳ ጡቡቅ ሚስጢራዊ ዝምድና ዝነበሮም ዉሑዳት ሰባት ፣ ድሕሪ ናጽነት ፡ ኣብ ቦታ ናይታ ናይ ቀደሞም ሕብእቲ ሰልፊ ፡ ሓንቲ ንዖኦም ስልጣን ንምቁጽጻር ትጥዕም ፡ ንእሽተይ ጉጂለ ሰሪዖም። እቶም ኣይፋልናን ዝበሉ ብጾቶም ፡ ኣብ ዒራዒሮ ሰፊሮም። ንሞቶም ኣብ ዘቃላጥፍ ኩነታት ስለ ዝነበሩ ፡ ክሳብ ሎሚ ብህወቶም ኣሎዉ ምባል ኣይካኣልን።
እቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፡ ዝታኣስሩ ፣ ዝተጨዉዩ ፡ ዝተሰወሩ ፣ ብርግጽ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ፣ ግን ካኣ ብ10ታት ኣሻሐት ዝግመቱ ሰላማዊያን ሰባት ፣ ዕድሎም ካብቶም ናይ ዒራዒሮ ቡዙሕ ዝፍለ አይኮነን።
ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዘላ ሃገር ፡ ካብ ህልቅትን ዕንወትን ከመይ ነድሕና እዩ እቲ ሕቶ።
እቶም ኣብቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓበይቲ ገበናት ኢድ ዘለዎም ሰባት ፡ መብዛሕቲኦም ካብቲ ሒዞምዎ ዘሎዉ ናይ ጥፍኣት መገዲ መምለሲ የብሎም።ሕግን ፍርድን ስለ ዘስጎኦም ፡ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር ዘፍቁዱ ኣይኮኑን። ኩነታት እንተ ጸንኪሩዎም ፡ ንድሕነቶም ክብሎ ፡ እንታይ ዓይነት ዉሳኔታት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ምግማት ዘጸግም ኣይመስለንን።
እቲ ዓቢ ጸገምና ፣ ህግደፍ ጥራሕ ኣይኮነን። ብኣዉራጃ ፡ ብሃይማኖቶ ፡ ብዓሌት ክመቃቀሉና እሎም ፡ ኣብ ሞንጎና ስሚ ዝነዝሑ ሰነፋት ከይሰማዕና ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይና ሓቢርና ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ዓብይ ጸገም እዩ። ንሱ እቲ ሕጂ ብቀዳምነት ክረአ ዘለዎ።

ንሃገርና ኤሪትራ እዝጊ ይባርካ።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

መወሰኽታ

ክቡራን ኣንበብቲ  
ሓንቲ ነገር ክብላ ዝደለኹ ኣፍቅዱላይ ።
ኣብ ኤርትርያ፣ ፈተና ጸላእና፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ምራጭ ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ንኤርትርያ ከም ድላዩ ሰጥ ኣቢሉ ገዚኡዋ አዩ። ሕጅዉን ይገዝኣ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንኤሪትርያ ዘለዎ ንዕቀትን ጽልእን ብጋህዲ ዘንጸባርቕ ንመራህሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጋህዲ ንስኻ ምርሓና ኢሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትርያን ኣስደሚሙዎ እዩ። ካብ ኤርትርያ ብሒም ዝበለ ኣይነበረን። ብሓፂሩ ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ጸልእን ብጋህዲ ኣርእዩዎ እዩ። ብሒም ዝበለ ኤርትራዊ ኣይነበረን — ብውሽጢ ኮነ ብደገ። 

 
ህዝቢ ኤርትራ ብጀግንነቱ ከምዘይተፈልጠ ኣሜን ኢሉ እዩ ጸርፍን ንዕቐትን ኣሜን ኢንሻላህ ኢሉ ዝተቐበሎ ። ኣብ ኢንተርነት ግን ብዙሕ ጸርፍታት ምስጢር ዘይኮነ ብጋህዲ ሕዝቢ ኤርትራ ስጋብ ኪንደይ ራዕ ራዕ ከምዝበለ ርእይና ኣለና። ዓንጺ ዓንጾ ግን ነንሕድሕድና ኣብ ጸርፍን ወዘተን ኣቲና ኢና ዓለም ዘስተባሃለሉ ።

ንስኻኸ አንታይ ገርካ ዝብል ጸርፍታት ዘጠራጥር ኣይኮነን። አቲ ዘገርም ዓለም ዝፈለጦ ጅግና ህዝቢ ኤርትርያ ከምኡ ምዃኑ እዩ ። አንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ምኽንያት?  ኣበይ ከደ እቲ ዓለም ዝፈልጦ ጀግንነት?  እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንነብሱ ክሓትት ዘለዎ። 
 
ኢሳያስ ድላዩ ጌሩ አዩ ።  ኣብዛ ተፈታዊት ዓለምና እታ ቀንዲ ስራሕና ድልየትና፡ ከም ክእለትና፡ ከነማል እዩ ። አቲ ድልየትና፡ ከም ክእለትና፡ ከነማልእ እንተዘይኪኢልና ዋጭ ዋጭ ኣይተዋጽኣናን እያ ። አንታይ ድኣ?  ሱቕ ጥዑም !!! 

አዝን ወድሓንኩምን ይብሉ አቶም ዝሓለፉ ደመ ስጋና፥ 

0
Reply
Simon G.
Simon G.
3 years ago

ሰላም
መን’የ ኣነ ኤረትራዊ?
ድሕሪ ናጽነት ዝዓበኹ
ብናተይ ሓንጎል ክሓሰብ 
ዝተኸልከልኩ
ከምዚ’ባ ከምቲ በል ‘ተበሃልኩ

ሓብሩኒ
ሓንጎለይ
ኣበይ
ከምዝኸዘንኩ
ከይፈተኹ

መናውራይ ተናዊጹ

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

Ha ha ha ha ….. Simon G ( G for Greatness)
And don’t loose the Simon as essential for Smile-ness. 
After all, we Ere’s are left with NOTHING but warm cooperation with our protagonist of thirty year war !!! Wow! Wow! Wow. Why did we liquidate ourselves and kill others in a 30-year war.?!?!?  

All of a sudden, I am thinking of psychotherapeutic. OK, I will relax for a while and search for my own docile self of years and years back . Please pray for my success —  I am sensitive, innocent and a fool creature. OK, Simon. Happy Long Holiday in your own liking. THE END 

0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  rezen
3 years ago

ሰላም ረዘን
ንዓመጽቲ ሕማም መርዘን
ንላንጋ ላንጋ ጋዕ ገልጠም
ንደለይቲ ፍትሒ መቕሰን

ኤረትራ ዘድልዩዋ
ከምዚ ከማኻ
ከም K.ተወልደ ሳሕብኻ
ከም ገነት ገብሩ
ምስ ሰብ-ሰረሕ ዝበሓጨሩ
ንሰብ ክምህሩ
ማለተይሲ
ነቶም ዝሰምዑ

በል ካላንደርና ናይ ፈረንጂ ካብ ኮነስ
ርሑስ በዓለ-ክርስቶስ!

0
Reply
Simon G.
Simon G.
3 years ago

ሰላማት

ኣብ ክንዲ ምሁራት
ጸማማት
ዝመርጹ
ወረ ዘተባብዑ

ኣብ ክንዲ ሃፋትም
ድኽነት ዘንግሱ
በዓል ንጉሰ-ነገስታት ኢሱ

ንወዲ ሃገር
ሓመድ ድፋጭኡ ዘልሕሱ
ሰብን-ገረብን ዘብርሱ
ዓጽሚ መቓልስቶም ዝትርኣሱ
ንኤረትራ ይመርሑ
ኣለዉ

‘ታይ ‘ዘለ መርገም

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Simon G.
3 years ago

(‘ታይ ‘ዘለ መርገም), yes indeed, it’s a curse which we brought upon ourselves by building and carving this menacing idol and bowing down on his feet…
The Lord warns… For I am a jealous God, thou shall not worship other Idols.
We need to repent!
Simon, keep driving the nail home.

0
Reply
Mike
Mike
3 years ago

Here goes our resident expert Eritrean cyber warriors again – the same “atypical” dead beat people posting nothing bad sadistic commentary reacting to the article. Do you not have a life? For once, please think about tomorrow. Bring your hands to join to do good for man kind. You are so much in need of some herbal medication at this point.
Peace to Eritrea and Merry Christmas

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Mike
3 years ago

Mike, aren’t you reacting by posting this comment? you call us cyber warriors, are we genocidal or ethnic cleansing here? or you are confusing it with your wounded ego? you want to muzzle us like your mentors back home, your intolerance is oozing all over this dialogue box.
‘join to do good for man kind’,.. you sound like a philanthropist… would you please post your favorite charity for us to donate… your prescription for the herbal medication is expired, we are better without it.
Peace to your irritable soul and Merry Christmas.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Mike
3 years ago

Selamat Dear brothers

Mike

You are always complaining without offering what you think is a better or more relevant response from your perspective.
I know your problem: you were conditioned to believe what your Higdefite bosses say is enough and no needed for your to say anything. Else you may end up contradicting the official line.
So, brother, till you get the courage to express your opinion freely, stop playing gimmicks here.
I know it won’t be easy for you to do so. You are a prisoner of a cult group. Free your self from their toxic ideas before it gets too late.

Marry Christmas to all of you.
May our good Lord protect our beloved Eritrea and its oppressed people.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

This platform is here for anyone to speak their mind as long as they follow the communication guidelines… there are some commentators here who use the words like ‘ሱቕ ጥዑም !!!’ or ‘silence is golden’ etc., as long as they are speaking and the rest are listening… I say on the contrary, silence is a tacit consent, silence is a total obedience and submission, silence is a coercive and superimposed peace… silence is the current Eritrea.
Like the prolific activist said,’ I would die for your right to speak even if I don’t agree with your view’… tell that to HGDEF, he/she will wield an axe and chase you all the way to Adi Abeito.

Happy Holidays W.H.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

“silence is a tacit consent, silence is a total obedience and submission, silence is a coercive and superimposed peace… silence is the current Eritrea.”

k. tewolde

ኩቡር ዶቶረ

ኣብ ሱቅታ ዘሎ ጥፍኣት ፣ ጹቡቅ ገሊጽካዮ።

ጉዱድ ስቅታ ፣ ዓብይ መሳሪሒ ምልካዊ ጉጂለ ህግደፍ እዩ።

– ዝኾነ ናይ ነቀፈታ ድምጺ ፣ ብቅጽበት ፣ ከም ዘይስማዕ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ከም ዘይድገም’ዉን ይገብር።
– ነቀፈታ ዘስመዐ ሰብ ፣ ብቀጥታ ይዉንጀል።
– ኢቲ ንሱ ዘልዓሎ ጉዳይ ፣ ተጠምዚዙ ከም ዝስማዕ ይገብር።
– ምስ ተቃወምቲ ምትእስሳር ኣሎዎ ይባሃል።
– ባዓል እገለ ምስኡ እዮም ይባሃል።
– ብትሕተ ሃገራዊነት ይኽሰስ።
– ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ከም ዝሰግኡ ይግብሩ።
– እቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ፣ ይንጸል።
– ኣንጻሩ ፣ ናይ ጽልኢ ዘመተ ይቅጽል።
– ዝኾነ ሰብ ሰላም ክብሎ ይሰግእ።
– ካብ ገዙኡ ኣይወጽእን።
– ብድሕሪኡ ይስወር።
– ልዕሊ 20 ዓመት ዳሃዩ የለን።
– ብዝሓደሮ ሕማሞ ሞይቱ ዝብል ተባራሪ ወረ ይፍኖ። ቤተ ሰቡ ክሓዝኑ ፉቁድ ኣይኮነን።
መን እሉኩም ሞይቱ !!?
– ሓቅነቱ ምርግጋጽ ኣይካኣልን።
– ክሓተሉ ዝኽእል ዉላድ ወይ ወላዲ የለን።
– ኩሎም ንድሕነቶም ይፈርሑ።

ኣብ ኤሪትራ ፡ ራዕዲ ነጊሱ።
ወዲ ሰብ ከም እንስሳ ይግፋዕ ፡ ከም ዑንቂ ይጠፍእ ፡ ብሓለዉቱ ፣ ብዘይ ክብሪ ይቅበር።
እታ ዝወለደት ኣደ ጉሂያ። ኣብ ኣዒንታ ዝነበረ ንብዓት ተጸንቂቁ። ዳሃይ ጉፉዓት ደቃ እንዳ ተጸበየት ዓሪፋ።

ኦ ! ፈጣሪ ምሕረት ግበረልና። ይኣኽለኩም በለና። ካብዞም ንሃገርና ኣብ ሲኦል ቀይሮምዋ ዘለዉ ሰይጣዉንቲ ኣገላግለና።

ኣመን።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

ወዲ ሃገር
ኣምላኽ ንዘይጸዓረ ኣይሕግዝን: ቅዱስ መጽሓፉ ከምዝብሎ።
ኣንጻር ጥቕምና ንቃለስ ዜጋታት ከመይ ‘ሉ ‘ዩ ዝሕግዘና?
በል ፈጣሪ ‘ስማዕካ።

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Simon G.
3 years ago

“ኣንጻር ጥቕምና ንቃለስ ዜጋታት ከመይ ‘ሉ ‘ዩ ዝሕግዘና?”

Simon G.

ሰላማት ኩቡር ሓወይ

ሓቂ እዩ። ኢድካ ዘይሓወስካሉ ፡ ክኾዉን ኣይክእልን።
ንምዃኑ እንታይ እዩ ሓቢርና ክንሰርሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ?።
ህግደፍ ዲዩ ?
ንሱ ዳኣ ቀደም እንዲዩ ፡ ቡዙሕ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብር ህዝቢ ፣ ንጨንፈራት ህግደፍ ሓዲጉ ፣ ተቃዉሞ ከስምዕ ዝጀመረ።
እቲ ጸገም ካልእ እዩ።
ብሓንሳብ ክትሰርሕ ዘይምኽኣል፣ ናይ ፍሽለት ምልክት እዩ። ኣብ ክንዲ ብሃገር ደረጃ ፣ ብኣዉራጃ ባይቶታት ኣቂምና ክንወናጀል ንዉዕል ኣለና።
ብዲሕሪኡ ፡ እቲ ዘለና ዓቅሚ ሰብ ስለ ዝተበታተነ ፡ ሃገራዊ ሓይሊ ተዳኺሙ።
ስለዚ ብሰንኪ ፡ ንቅድሚት ዘየሱግም ኣራኣእያና ፣ ዘርሞ ዘርሞ ኾይና ተሪፍና።
ንሃገር ቀዳምነት ሂብና ፣ ተላዚብና ፣ ሓቢርና ክንሰርሕ እንተወሲንና ፣ ኩሉ ይካኣል እዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድና ኣሎ።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

ሰላማት ወዲ ሃገር
“ንምዃኑ እንታይ እዩ ሓቢርና ክንሰርሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ?። ኣብ ክንዲ ብሃገር ደረጃ ፣ ብኣዉራጃ ባይቶታት ኣቂምና ክንወናጀል ንዉዕል ኣለና።”

ከምዝመስለኒ ትጠንቂ ኣውራጃ ኣይኮነ ሃይማኖት ኣይኮነ። ከመይ በለኒ። ሕራይ! ከመይ ዝብል ለባም!
ኣውራጃ ኔሩ ተዝኸውን ካብ ዓሰርተ ውድባት ንላዕሊ ኣይምሃለዋን
ሃይማኖት ኔሩ ተዝኸውን ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣይምሃለዋን ዋላ ሓሙሽተ ንበሎ ደሓን።
ጠንቂ ፍልልይና ስጋብ ሕጂ ኣይፈለጥናን። ታ ምስጢር ንሳያ። ዘኢትነገር ኴናትና።

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Simon G.
3 years ago

“ጠንቂ ፍልልይና ስጋብ ሕጂ ኣይፈለጥናን። ታ ምስጢር ንሳያ። ዘኢትነገር ኴናትና።”

Simon G.

እቲ ጸገም ኣብ ብዝሒ ዉድባት ኮይኑ ኣይስማዓንን። ብዝታሓተ ደረጃ ሓቢርካ ክትሰርሕ ዘይምኽኣል ግን ዓቢ ጸገም እዩ።
ከይትዕብለል ምስጋእ ፣ ዓብይ ክፋል ናይቲ ጸገማት እዩ። ስለዚ ፡ ዱካንካ ሒዝካ ሱቅ ትብል።
ናይ ድኽመት ምልክት እዩ።
ናይ ህግደፍ ሑቡእ ኢድ ዉን ኣሎ።
ናይ ምብታን ዓቅሞሞ ፣ ቡዙሕ እዩ።

0
Reply
Simon G.
Simon G.
3 years ago

ሰላም

ሓንጎሉ ኣብ ቤቱ
ገዲፉ
ሓንጎል ህግደፍ ተሰኪሙ

ዘወር ዝብል
ኣብ ክንዲ ዝሓስብ
የቐብል
ፒኤችዲ ሰቒሉ መሃይም ‘መስል

ትእዛዝ ኴኑዎ
‘ንታይ ክገብር ኢልኩሞ
ሓሙቱ ተዘቚቑ
ዓለም ብላሽ

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

መእተዊ: ፊን ኢሉኒ ክሕንጥጥ ነዛ ትቕጽል  ጽሕፍቲ ::

ሕጅኸ ናበይ? ኣይትሓዙለይ

ብዙሕ  ርእይና፣ ላዕልን  ታሕትን ኢልና፡ ከምዉን ጸጋምን የማንን ኢልና 
እዛ ዓለም  ኣባጻሕናያ፣ አንታይ ተሪፉና 
ብሰማይውን ርኢናያ አዛ ተፈታዊት ኤሪትርያና 
ከንደይ ቅዱስ  ናእዳን ጃህራን ዘይበልናን ዘይሰማዕናን 
ውጽኢቱ መበል  ዓሽራይ [፲ይ] ኮይንና ካብቶም  ዝወደቚ ፃድታት 

ወይ ጉድ! ኣበይ ከደ አቲ ቅዱስ ጃህራና ንዓለም ዘጽመመ
ተወከሱ! ከዓ በሉና፣ ንሓያል  ኢሳያስ   ኣፎም – ኣብርሃ – ምራጭ[ምሩጽ]. 
ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ከዓ፣ ወዲ ኣፎም ኣብ ተፈጥሮ  ድኻም ምስበጽሐ፣ ነታ ተፈታዊት  ግዝኣቱ ኤሪትርያ ንጎረበቱ ኢትዮጵያ ብሓደራ ከማሓላልፋ ወሰነ ። 
ህዝቢ ኤሪትርያ ብሒም ኣይበለን ካብ ውሽጣዊ ድምጺ ሓሊፉ። 
መግዛአቲ ይብልኹም አዚ አዩ ብጋህዲ 
ዒራ እንታይ ካይብል ኢቲ ህዝቢ  
ንዓይውን ወስኹኒ ከም ሰበይ —  ኣይትረስዑኒ፣  
——————————————
 
መልእኽቲ ንመርበብ ኣሰና
ብዝሃብኩሙና ናይ መርበብ ኣገልግሎት  ብሸነኸይ ወሰን ዘይብሉ ምስጋና አቕርብ ።  
ግዳስ: አታ ምስጋና ጥራይ ከዓ ከምዘይትሽረፍ  ይርዳኣኒ !!!

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  rezen
3 years ago

Gratitude is priceless, don’t have a monetary value… the moto of this medium ‘voice for the voiceless’ … an opportunity to speak your mind… can you imagine giving this opportunity to the poor people back home for one day without consequence?… their hearts would explode spewing a suppressed lava scorching the landscape and their tormentors along with it.
let’s not disdain those who speak, we can’t speak or write enough.

0
Reply
Simon G.
Simon G.
3 years ago

ሰላማት

ኣሰብኡት ኤረትራ
ገሊኦም ሰብ ግብረ-ሰዶም ጉመራ
ከይኮኑ ተጠራጢረ

ስለምንታይሲ
ሃገር ናብ ጸድፊ
ሸለው ‘ናበለት
ወዲ ኣፎም ብሪ!
ዝብሉ

ከመይ ‘ሎም?
‘ንድዕሎም

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

  “እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!                               ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና! “                                   
ብዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ ካናዳ።

ዝመስለኒ ብትሕትና — ኣርሙኒ ፋሉል አንተኸይደ 
———————————————————–
የቐንየልና ዶክቶር : ካብዚ ዝበለጸ እንታይ ዘረባ ኣሎ ?!?  
ሓቂ ብሓቂ አንታይ ኣሎ ንብሎ !!!
ኩሉ ነገር ካብ ኣባላሽናዮ። 
ሓንቲ ኣላ ንመጎተ ትጠቅም ንብላ 
ኣብ ምእቲን ሓደን ጉጅለታት ምክፍፋል  ምስ ጸርፍታቱ (ወይ ጉድ!!! ወይ መርገም!!! )
 ኣበይ ድኣ በነነ አቲ መብጻዕ ንሓርነት ኤርትርያ ?
እሞኸ ሕጂ ናበይ ኣቢልና ኢና?
ብጋህዲ ካብ ተፈልጠ ኩነታትና ::
እምበርዶ ንዕዘብ ኣለና ዝኸውን ዘሎ  ምዕባሌታት ኣብ ዙርያና ?
ዋይ-ዋይ! ዋይ-ዋይ! ካይከውን ምስተቀየድና ከምቀደምና 
ንዝክሮዶ ናይ ቀደም ናብራና ኣብ ትሕቲ ገዛእቶትና ? 
ለካስ ካይተፈልጠና ፋሕ ጭንግራሕ  ኢና ኔርና !!! 
ዓቢ ሕቶ፥ እምበርዶ አሪትራያውያን ሓቂ ብሓቂ ፡፡፡፡፡፡፡፡፡: ንደሊ ኢና !?!?!? 
ኣብዚ ይኣኽለኒ። 

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
3 years ago

ጹቡቅ ባዓል ልደትን ሩሑስ ሓዲሽ ዓመት ኩሉኹም ።
ንዓመታ ፡ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ፣ ኡሱር ዘይብላ ፣ ስደተኛ ዝተመልሰላ ፣ መንእሰይ ዝዓሰላ ኤሪትራ ፡ ባዓላትና ከነብዕል የብቃዓና።

ኣሜን።

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
3 years ago

ሰላማት ኩቡራት ኣሕዋት

ከምቲ ኩሉኹም ታዓዚብኩምዎ ትኾኑ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ዉግእ ፡ ብዘይካ ሓባራዊ ዕንወትን ህልቀት መንእሰያት ዘምጾኦ ዓወት የለን።
እቲ ዉግእ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ምስ ኣተወ ፣ ማለት ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዶብ ክልል ትግራይ ምስ በጽሐ፣ ልዑል ፍናን ሰራዊቱ ከይተተንከፈ ከሎ ዉግእ ጠጠዉ ክብል ወሲኑ።
እዚ ሓድሽ ስትራተጂ መንግስቲ ዶ. ኣብይ ፣ ንትግራዎት ኩነታቶም ናይ ምግምጋም ዕድልን ፣ ብዘይካ ዉግእ ካልእ ኣንፈት ንምፍታሽ ግዜ ዝህብ እዩ።
ናዓና ኤሪትራዊያን ከ ኢዚ ብኸመይ ይጸልወና ?
ወያኔ ካብዛ ዓለም ክሳብ ዝስወሩ ድና ኣብ ናይ ዉግእ ኩነታት ክንነብር ወይስ ፣ ምስ ነግራም ጎረበትና’ዉን ንላዘበሉ መንገዲ ክንፍትሽ ?።
ዉግእ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ዝወስዱ ህግደፍን ወያነን ፣ ህዝባዊ ደገፍ ዝረኽቡሉ ዕድላት እንተ ዘይቀኒሱ ፣ ካብቲ ዝስዕበና ዘሎ ህልቂት ንማሃር የለናን ማለት እዩ።
ሓድሽ ዓመት ፣ ዓመተ ሰላም ክኾዉን እምነ።
ሩሑስ ባዓል ልደት ንኹሉኹም።

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

A raw prudence from W.H., Yep, the forensic evidence of the war crimes is all over the battlefield, dust it off the same fingerprints keep on emerging from way back. For how long can we dance to the tunes of the 1970’s… drones have joined the fight now, they don’t bleed, dance in circles or have political view, they just deliver ordinance to the intended sometimes unintended target… for how long can we be a cannon fodder for those who don’t care about us… listen to the voices in the wilderness… ‘let’s give peace a chance’ like the old song goes, AK-47 and RPG’s are out of style like bell bottoms… this generations should have been carrying tablets and quantum computing instead marching endlessly carrying his/her square meal on top of his/her head… men’esey deprive the pickle headed and potbellied warmongers of your blood which they crave to survive, say no to war… take over the steering wheel before they fling you into the abyss.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

“ … this generations should have been carrying tablets and quantum computing instead marching endlessly carrying his/her square meal on top of his/her head…”

k.tewolde

ኩቡር ዶቶረ

ኤሪትራ ሃገርና ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ከሲራ።
እቲ ዝኸፈአ ግን ፡ ንከንቱ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ወሎዶ።
ዘለናዮ ሕማቅ ኩነታት ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ።
ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።

ሩሑስ ልደትን ተስፋ ዝመለኦ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

Dear Editor
This is only a reminder in view of your commentary, awaiting for the publication of my Article: Quote: “Awaiting for approval,  3 days ago” Unquote

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

ሃየ ንሕናኸ ናበይ 
ህዝቢ ኤሪትርያ ንሰላስ ዓመት  ኣብ ውግእ ኣትዩ፥ 
ክንደይ  አሪትራውያን ህይወቶም የሕሊፎም፥ ንብረትውን ጠፊኡ፥  ዝተረፈ ተበላሺዩ፥ ኣብ ትሕቲ  ጨካን ወዲ ሃገር መራሒ ከዓ ኣተና ። 
አንታይ ኮን ሓ ጥያት  ገርና ኢና፧ 
ንሱ ጥራይ ከዓ ኣይኮነን ። 
ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበርናዮ ንኽንተሓዋወስ መራሕትና ይሸባሸቡ ኣለው ዝብል ጨለዉታ ናባና ኣቢሉ ይመጽእ ኣሎ ይባሃል !!!
ወይ ተፈታዊት ኤሬ፥ ኩሉ ምስደለየኪ:
ኣብ ትሕቲ መግዛቲ ሃገራት ጥልያን >> እንግሊዝ >> ኢትዮጵያ ዳርጋ መዋእልኪ የሕለፍኪ 
ግዳስ ወዲ ዓዲ ድኣ ይሓይሽ  ብምባል ፥ ኣብ ትሕቲ  መግዛእቲ ወድነኺ ኣተኺ 
ጭምጭምታ ክዓ ተሰምዔ ። ኣይወድዓድን  ተባህለ ። 
መንሞ  ይድፈሮ በላ  አተን ኣናጹ፣ ኣብ ባዓቲኤን ኮይነን 
ኣባ ጥረግ ከዓ ይሸባሸብ ኣሎ ኣብ ምጽራግ መንገዲ  ንኢትዮጵያ
ትግራይ  አንተተስማሚዓ  ካይትወስድ ኤርትርያ 
ድሓን፣ ኣብ ኡውን ጉድጓድ ኣሎ በላ እተን ኣናጹ 
ሰላም ምስ ጥዕናን ሓጎስን ንኹሉ ብዝኾነ ኾይኑ 
ኢንሻላህ — ኣመን. 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
29
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply