Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣብ ዞባ ጋ|ሽ ባርካ ዝርከቡ ክፋል ሕብረተሰብና ከም ኣብ ካልእ ከባቢታት ብዓጸቦን ጥምየትን ይሞቱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፡

Atv Asena by Atv Asena
9th July 2020
in News, Tigrinya-News
1
0
SHARES
622
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ ዞባ ጋ|ሽ ባርካ ዝርከቡ ክፋል ሕብረተሰብና ከም ኣብ ካልእ ከባቢታት ብዓጸቦን ጥምየትን ይሞቱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፡

ኣጽናቲ ኢስይያስ ኣፈወርቂ ኮቪድ-19 ወይ ሕማም ኮረና ንኸይመሓላለፍ ብዝብል ምስምስ፡ ብኣስገዳድ ዝተኣታተዎ ናይ ምርጋጥ ትእዛዝ፡ እቶም ናብርኦም ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ኮይኖም ዝጸንሑ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ ኣብ ከባቢ እማሓጀር ዝነብሩ፡ ካብ ብሄረ ሕዳርብን ትግረን ዝኾኑ ክፋል ህብረተሰብና፡ ቅድሚ ዝኣገረ በቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ዓጸቦን ጥምትየትን፡ ፈቐድኡ ይሞቱ ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ። እዚ ኣብ ከባቢ እማሓጀር ኣብ ብሄራት ሕዳርብን ትግረን ኣሕዋትና ኣጓኒፉ ዘሎ ዓጸቦ፡ ካብ’ቲ ኣብ ቲቪ ኣሰና ተቓሊሑ ዝነብረ ኣብ ህዝቢ ዓፋር ዘጋነፈ ዓጸቦ ከም ዝብእስውን ኣይሓብኡን።  እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ዝተሕተ ደረጃ ናይ መነባብሮ ከም ዝኽርትት ጌርዎ ዝጸንሐ ኣጽናቲ ስርዓት፡ ንሕማም ኮረና ልዕሊ ዓቐን ኣጋኒኑ፡ ህዝቢ ዕለታዊ ናብርኡ ንኸየካይድ ካብ ምንቅስቓስ ኣጊዱ ብምርጋጥ፡ በቲ ሕማም ኣመኽንዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብባርነትን ስደትን ከጽንቶ ዝጸንሐ ህዝብና፡ ዘርኢ ናይ ምጽጻይ ወይ ጀኖሳድ ኣዊጁ ከም ዘሎ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘአንፍት ጸብጻባትና ስግኣቶም ገሊጾም።

   ብተወሳኺ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከም ዝገልጾ፡ ዱካናትን ናይ ዕዳጋ ማእከላትን ብዘይንብረት በረውረው ኢሉ ጥርሑ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ እቶም ምንም ሓገዝ ዘይብሎም በተኻት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዋላ እቶም መቕርብ ቤተሰቦም ካብ ወጻኢ እናሓወሉ ዘናብርዎም ዘለው ዜጋታት ከይተረፉ ምስ ገንዘቦም ከለዉ ዝግዛእ ስኢኖም ይሽገሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። እዚ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንተ ቀጺሉ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ብሕማም ኮረና ብጥምየትን ዓጽቦን ዝሃልቕ ህዝቢ፡ ዝበዝሐ ክኸውን ምኻኑ እቶም ጸብጻባት ገሚቶም። ህዝቢ ኤርትራ ብጥምየትን ዓጸቦን እናሃልቐ ከሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ፡ ነቲ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ንጽጉማት ደቂ ሃገረይ ክሕግዝ ኣለኒ ኢሉ ካብ ዘይብሉ ዘዋጽኦ ዘሎ ገንዘብ፡ ኣጽናቲ ኢስይያስ ኣፈወርቂ ጨውዩ ኣብ ናይ ውልቁ ማሕፉዳ ይኽዝኖ ከም ዘሎ’ውን ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ዘየሕስቦ፡ ብኣጽናትን ውልቀምልካውን ምሕደራ፡ ንህዝብን ሃገርን ከጽንት ዝጸንሐ ውልቀሰብ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያን ስልጣን ኮለኔል ኣብይ ኣሕመድ ስለ ዘገድሶ፡ ንኮለኔል ኣብይ ንኽሕግዝ ናብ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ክገይሽን ብዛዕባ ሩባ ናይልን ኣመላልኣ ዲጋ ህዳሴ ወይ የህዳሴ ግንብ ክዝትይ’ዩ ቀንዩ።

   እዚ ካብ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ፡ ምርግጋእ ኢትዮጵያን ስልጣን ኮለኔል ኣብይ ኣሕመድን ዘገድሶ ንኤርትራን ህዝባን ዘጽንት ዘሎ ውልቀመላኺ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሕማም ኮረና ንኸይመሓላለፍ ብዝብል ምስምስ ብዕጸቦን ጥምየትን ከጽንትን ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ኣእትዩ ከህልቅን ወዲእዋኦ ኣሎ። ንኹልኻ ሓልታት ምክልኻልን ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡ እዋናውን ህጹጽን ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣጽናቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወሲድካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ኣጓኒፍዎ ዘሎን ብሕጂ ከጓንፎ ተሓሲብሉ ዘሎን ህልቂትን ጥፋኣትን ንኸተድሕኖ፡ ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ትቪ ኣሰና ጸዋዒት ተቕርበልካ ኣላ። 

Previous Post

ATV: ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ውዲታዊ ርከብ ከም ሕልሙ ከምዘይተዓወተ ኣብ ሓተታኡ ተኣሚኑ።

Next Post

ATV: መን`ዩ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ዕድሉ ምዃኑ ኣሚኑ ዝተቓለሰ ሓቀኛ ኤርትራዊ ፡ ተጋዳላይ ማሕመድ ሸሪፎ ዶ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ?

Next Post
ATV: መን`ዩ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ዕድሉ ምዃኑ ኣሚኑ ዝተቓለሰ ሓቀኛ ኤርትራዊ ፡ ተጋዳላይ ማሕመድ ሸሪፎ ዶ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ?

ATV: መን`ዩ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ዕድሉ ምዃኑ ኣሚኑ ዝተቓለሰ ሓቀኛ ኤርትራዊ ፡ ተጋዳላይ ማሕመድ ሸሪፎ ዶ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ?

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

 ‘ኣብ ከባቢ እማሓጀር ዝነብሩ፡ ካብ ብሄረ ሕዳርብን ትግረን ዝኾኑ ክፋል ህብረተሰብና፡’>>> reminds me of the rainy season in those wet trenches of SERARRAT and swarms of mosquitoes the size of bees 24/7 for 44 days and 44 nights fighting off the Soviet backed Derg army and the unfettered relentless support of the locals there who delivered food and munition to the front-line…..is this their reward!!!? I remember me and my favorite fighter medic trying to moisten and put back an eviscerated contents back to the abdominal cavity of a wounded comrade who was begging us to tell his mom he loves her ,… the land is wailing,screaming bloody murder! the souls are howling….40+ years later.

1
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply