Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምብላዕ ብርቂ ኮይኑ

Atv Asena by Atv Asena
8th July 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
442
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምብላዕ ብርቂ ኮይኑ

ኣብዚ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብሞት እናተቀዝፈ፡ ምንቅስቃሱ ተደሪቱ፡ እቶቱ ተጸንቂቁን ብስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ተዋሒጡን ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣውያትን ብሕቡእን ንሞት ፈሪድዎ ኣሎ። “ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ከምዝብሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምኽሳቱ’ውን፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልካዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ተኣሲሩ ስለዝነበረ፡ ኮሮና ቫይረስ ተመኽንዩ ዝፍጸም ዘሎ ምርጋጥ፡ ተደራቢ ኣደራዕን ሕሰምን’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም ከምዝንጸልን ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረክብን ስለዝገበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ክትፈልጥ ኣዝዩ እጸጋሚ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ድሩት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሓቂ ዝሕብራ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ጋዜጠኛታት’ውን ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኤርትራ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝብሃልን ዝውረን ቤላበሎው ጥራሕ ኢኻ ትሰምዕ።

እቲ ብማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝብሃልን ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጥሜትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግን ተሓቢኡ ዝሕባእ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ኩሉ ንጥፈታትን ምንቅስቃስ ህዝብን ክርገጥ ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ካብ ዝትግብሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነትን ናህሪ ዋጋታትን መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣቁሑት ይሳቀ ኣሎ። 

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፡ ምውሻብን ምድራት ምንቅስቃስን ህዝቢ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ደረጃ ቁጠባዊ መነባብሮ ህዝብናን መሳለጥያን ዝዛመድ ኣማራጺታት ክትቅርብ ግን ኣለካ። ዝብላዕን ዝስተን ከይቀረብካ፡ “ካብ ገዛኻን ዓድኻን ተንከስ ኢልካ ከይትንቀሳቀስ” ኢልካ ክትኣስሮ፡ መምርሒ ኣየኽበርካን ኢልካ ብገንዘብ ክትቀጽዖን ብጥሜት ክትቀትሎን ግን፡ ብዘይካ ምጽናት ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ።

እቲ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝብና፡ ብሰንኪ ምርጋጥ ናብ ኣስመራ ከይዱ፡ ነቲ ካብ ወጻኢ ዝሕወለሉ ገንዘብ ብቀሊሉ ክቅበሎ ኣይክእልን’ዩ። ርጊኡ ክሳብ ዝኣክል ዕድለኛ እንተኾይኑ እንዳ ዘመድ ክጸንሕ ይኽእል። ዝፈልጦም ቤተሰብ እንተዘይብሉ ግን ናብ ኣስመራ ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ደንጉዩ እንተመጺኡ ድማ መቅጻዕቲ ኣለዎ። ብዕድል ናብ ኣብ ኣስመራ መጺኻ’ውን፡ ብገዛእ ገንዘብካ ብሎሚ ጽባሕ መዓልታት ክትጽበ ትቅሰብ። ቁጠባዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኹሉ ትካላት ሸርፍን ዕዳጋን ስለዝተቆጻጸሮ፡ እቶም ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት ጨቆቕ ኢሎም ንኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤት ገንዘብ ዝልእኩ ምስቲ ዘሎ ክብሪ መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን።

 ጉጅለ ህግደፍ፡ ቀታሊ፡ ጠላምን ደመኛን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጹ’ዩ። ኣብ 2018 መላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንመሬቱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ክንሱ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ዘድመይዎን ክብረቱ ዝቀንጠጥዎን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ “ኣይከሰርናን” ምባልዝኸፍእ ደም ዘንብዕ ጥልመት ንዕቀትን የለን።   ምናልባት ብዓይኒ ህግደፍ፡ ዶላር ዘዋጽእ፡ ንመላኺ ኢሳያስ ዝውድስን ንመመርሒታት ህግደፍ ብዘይ ሕቶን ርእይቶ እሺ ኢሉ ዝቅበል ጥራሕ’ዩ። እቲ ክውንነት እዚ’ኳ እንተኾነ፡ ብሓደ ሓደ ሰባት ወይ መስኮት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ህግደፍ ናብ ሓደ ኣውራጃ ወይ ከባቢ ፈልዩ ብጥሜት የሳቂ ወይ ይኣስር ከምዘሎ ዝናፈስ ወረታት ኣሎ። እዚ ቤላበለው’ዚ ግን፡ መቀጸልታ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ቀዳማይ ጸላኢኡ ንኸይጥምትን መእዝኑ ንምስሓትን ዝግበር ተንኮል’ዩ።   

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስም ማዕከን ምክልኻል ሃገርን መሕወይ ግብርን፡ ብዝብል ጉልባብ፡ ቢልዮናት ዶላርን ንዋትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክምንዝዕ ጸኒሑ’ዩ። ብኣጋጣሚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ድማ ህግደፍ ጽቡቅ ዕድል ተጠቂሙ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ገንዘብን ንዋትን ይስልዕን ይዝርፍን ኣሎ። እንተኾነ፡ እቲ ካብ ኤርትራውያንን ገበርቲ ሰናይን ዝእከብ ዘሎ ሚልዮናት ገንዘብ ጸገም ህዝቢ ክፈትሕ ኣይተራእየን። የግዳስ ህግደፍ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ገንዘብ ክለቅምን እቲ ካብ ህዝቢ ዝተወፈየ ገንዘብ ኣብ ቻይና ኣብ ዝርከብ ሕሳብ ህግደፍ’ዩ ዝሕባእ ዘሎ። ሎሚ ኤምባሲታትን ቆንስላውን ህግደፍ፡ ኣብ ምእራይ ዶላር ኢየን ተዋፊረን ዘለዋ።

 ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሕሰምን ራህዋን ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ ሓድሽ ተርእዮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ “ንምክልኻል ሃገር፡ መናበዪ ስድራ ስውኣት፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር” ተባሂሉ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብን ንዋትን ብሕጊ ንዘይግዛእ፡ ህዝቡ ዝጭፍጭፍ፡ ሃገር ዝሸይጥ ምልካዊ ስርዓት ምሃብ ግን ብዘይካ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ምንዋሕ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ዓቢ ክፋል ካብ ህዝብና ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈን ብሕማም እናተሳቀየን እንከሎ፡ “ሚልዮናት ገንዘብ ካብ ህዝቢ ተዋጺኡን ኣብ ከርሲ መሬት ኤርትራ ማዕድናት ተረኺቡን ምባል ድማ ነብሰ ምጥባር’ዩ።

ኣብ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ “ዜጋታት ንጽጉማት ወገኖም ሕድገት ክራይ ገዛ ገይሮም፡ እኽሊን  ጥረ ገንዘብን ሓጊዝም” እናተባህለ ኤርትራዊ ብፍተቱ ከምዝሃበን ትሕዝቶ ከምዘለዎን ንምምሳል ይግዓር ኢዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብሓሶታት ጉጅለ ህግደፍ ስለዝላደናን ስለዝለመድናዮን፡ ህዝቢ ብግዴታ ካብ ኣታዊኡን ንብረቱን ኮታ ተሰሊዑሉን፡ ንብረቱ ከይውረስ ስለዝፈርሐን’ዩ  ብፍቶት ከምዝሓገዘ ስሙ እናተረቑሐ ዝንገረና ዘሎ።

ኩሉ ኣሰራርሓ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስጊንጥርን ህልኽ ዝመልኦን ስለዝኾነ፡ ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ፋዕራ የብሉን። እተን ብቁጠባ ዝሃብተማ ሃገራት፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ምንቅስቃስ ህዝቢ ክድርታ እንከለዋ፡ ንህዝበን ዘድሊ መሳለጥያ ብምቅራብን ልዑል ባጀት ብምስላዕን ጸገማት ህዝበን ክፈትሓ እንከለዋ፡ ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ቀዳድ ጁባን ገረውረው ዝብል ቆፎ ዘለዎን ህዝብና፡ ወፈያ ወይ ሓገዝ ሃባ እናበለ ድቃስ ይኸልኦ። ናይ ወትሩ ሕልሙን ሓቐኛ ጠባያቱን ድማ፡ ኣፉ ንዝኸፈተ ኤርትራዊ እናቀተለን እናኣሰረን’ዩ ንዘልኣለም ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ካልእ ኣጋጣምን ተጠቂሙ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀዳምነታቱ ክጥምዝዞን፡ ተሓቢኡ ድሌቱ ክፍጽምን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ብቀንዱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ብትውልዲ ኣሕዋቱ ዝኾኑ መራሕቲ ወያነ ዝኽሓነ ጽልኢ ስለዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግማይ ኩናት ንምእታውን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትዕርራኽ ዝፍጽሞ ዘሎ ሕቡእ ኣዕናዊ ኣጀንዳ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ቅሳነት፡ ዝብላዕ ቁራስ እንጀራን ንዝነቀጸት ጎሮሩኡ ዘጥልለላ ማዕጎ ማይ ምርካብን እምበር፡ ኣብ ዘይምልከቶ ህይወቱ ክትሓልፍን ገንዘቡ ከባኽንን ድሌት የብሉን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ስእነትን ዓጸቦን ገኒኑ ስለዘሎ፡ እቲ ልሙድ ኣብ መዓልቲ 3 ግዜ ምብላዕ ይትረፍ፡ እታ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ግዜ ምብላዕ’ውን ብርቂ ከይትኸውን ይፈርሕ ኣሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 5 ሓምለ 2020

Previous Post

ATV: Beyond Headlines – ዓሌታዊ ወጥሪ ኢትዮጵያን፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝጻወቶ ዘሎ ሓደገኛ መሳወሪ ተራን – Amanuel Eyasu

Next Post

The Eritrean regime should not be allowed to starve its own People

Next Post
The Eritrean regime should not be allowed to starve its own People

The Eritrean regime should not be allowed to starve its own People

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

It is an apocalyptic grim scenario unraveling in the homeland,it is undoing of a nation,it is ethnic cleansing in a steroid,HGDEF is taking the opportunity of the global pandemic to finish off what is left of our DNA strand, and we are helping by sending the meager stimulus check from outside to help tighten the lethal chock-hold of the captive society,  ‘…ተባሂሉ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብን ንዋትን ብሕጊ ንዘይግዛእ፡ ህዝቡ ዝጭፍጭፍ፡ ሃገር ዝሸይጥ ምልካዊ ስርዓት ምሃብ ግን ብዘይካ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ምንዋሕ ካልእ ፋይዳ የብሉን።’Indeed Tsilal. For how long we gonna pay ransom instead directly intervening and freeing the captive which includes us those who are paying?

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply