Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊ ትእጎድ ኣላ መን’ዩ ግን ክስሕና

Atv Asena by Atv Asena
11th May 2020
in ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ
1
0
SHARES
85
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊ ትእጎድ ኣላ መን’ዩ ግን ክስሕና

ኣብ ቤትካ ሽሕ ግዜ ሰላምን ሃብትን ይሃልኻ፡ ኣብ ጎረቤትካ ህውከትን ጥሜትን እንተሎ ግን ቀሲንካ ኣይትነብርን ኢኻ። ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ብኸማኻ ሰብን ካልኦት ፍጡራትን ተኸቢብካ ክሳብ ዘለኻ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ክትጽሎ ወይ ክትጸሉ ባህርያዊ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ማእከል ብቀጻሊ ዝረስንን ዝጥመትን ቅልውላው ዝመልኦ ጆኦግራፍያዊ ኣከባቢ ስለዝተደኮነትን ብሕጊ ኣልቦ ዝገዝእን ከም ጭርናዕ ሕቆ ካልኦት ዝተኩብ ውልቀመላኺ መራሒ ስለዘለዋን፡ ህዝባ ሩፍታን  ክብረትን ኣይረኸበን። ከም ውጽኢቱ፡ ህዝብና ብናቱ መጋርያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ካልኦት ሓዊ ክጥበስ  ይግደድ።

ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ብጉርብትናን ብታሪኽን ዝያዳ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጥቡቅ ምትእስሳር ኣለወን፡፡  ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመርኮሰ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ዘቀድሙ ለባማት መራሕቲ እንተልዮመን ድማ፡ ህዝበን ተጠቃሚ ጸጋታቱን መራሺ ናብ ጎደና ልምዓትን ይኸውን። ብኣንጻሩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስሱዓትን ጻሕተርቲ ኩናትን መራሕቲ እንተልዮም ድማ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝተራእየ፡ ሞትን ስደትን፡ ድኽነትን ዕንወትን፡ ድንቁርናን ጽልእን ጥራይ ኢዩ ክረክብን ክድገምን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ምትፍናንን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ካልእ ህዝቢ ግዳማዊ ምትእትታው ኣየድልን’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣቲኻ ክትዓርቅ ዕግርግር ከተህድእን ምፍታን፡ ንውልቃዊ ረብሓኻን መደልደሊ ስልጣንካን ክትብል፡ ንሓደ ክፋል ክትሓቁፍ ነቲ ካልእ ከተርሕቅ እንከለኻ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ጠባይ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴልን’ዩ።

እዚ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ገዝኡ ዘሎ ግዕዘይን ጸገማትን ከይፈትሐ፡ ተሓላቂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክመስል  ንክልል ትግራይ ነጺልካ፡ ምስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ ዝካየድ ዘሎ ሸበድበድን ጣልቃ ምእታውን ድማ ነገር ጥዕና ስለዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዊ ስለዝጠብስን ኣብ ዳግማይ ደም ምፍሳስ ስለዘእቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጥንቀቀሉን ክነቅሓሉን ኣትሪሩ ክቃወሞን ኣለዎ። ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ 1998 ብሓሶት ጉዳይ ዶብን ባድመን ተሳቢቡ ዝተወልዐ ኩናትን ዝሃለቀ ህይወትን ዝስዓበ ምምዝባልን ዕንወትን ይኣኽለና። ውልቀመልኺ ኢሳያስ “ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን” ኢሉ ከብቅዕ፡ “ወያነ ክወሩናን ተቃውምቲ ብምውዳብ ክዓልዉናን ይዳለዉ ኣለዉ” ብምባል ስልጣኑ ከናውሕን ንዓቢይ ኣሕመድ ከሐጉስን ነጋሪት ኩናት የስምዕ ኣሎ። ንሕና ዝሓለፈ ቁስልና ከይሓወየን ኣብ ስደት ፋሕብትን ኢልና እንከለናን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ተሪፉ ዘሎ ህዝብና ንምህላቅን ክድፈርን ብመላኺ ኢሳያስ ዝውጠን ዘሎ ተንኮል ንጠንቀቀሉ። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ዘይምስምማዕ ንዓዓቶም ይምልከት።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተሓጽረ፡ ክሳብ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝፈጸሞ ምትእትታውን ዘጥፍኦም ኤርትራውያንን ንዘክር። እግሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝኣተወታ ሃገር፡ እሾኽ ተዘሪኡዋን ደቂ ሓንቲ ሃገር ጎጃጂላን ክትምለስ እምበር፡ ዕርቂ ወይ ሰላም ኣይተስፍንን ኢያ። ቅድሚ ሕጂ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ ዝፈጸሞ ጣልቃ ብምእታው፡ ሕብሩ እናቀያየረ፡ ነቶም ጸላእተይ ዝብሎም መንግስታትን ውድባትን ንምጉጣይ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ብምስልጣን፡ ናይ ገንዘብን ኣጽዋርን ደገፍ ብምሃብ ተቃወምቲ ጫጭሑ። ኩሎም’ቶም ጉጅለ ህግደፍ ብስም “ተቃወምቲ መንግስቲ” ዝጫጭሖም ውድባትን ጉጅለታትን፡ ሕግብግብ ኢሳያስ ንግዝያዊ ረብሓ እምበር ንነባሪ ሰላም ከምዘይኮነ ብኣጋ ስለዝተረድእዎ፡ ጠሊሞሞ ወይ ኢሳያስ ተጠቂሙ ደርብይዎም ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብዓቱ ዝሕብሰሉ፡ ካብ ድኽነትን ስደትን ዘድሕኖ፡ ሰላምን ፍቅርን ዝልግሰሉ ምሕደራን መንግስትን እምበር፡ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ደም ክግብር፡ ብጥምዩ ገንዘብን ንብረትን ከባኽን ዘታልሎን ዝግድዶን ኣይደልን ኢዩ። እቶም ብጉጅለ ህግደፍ ተዓሲቦምን ናይ ጁባ ገንዘብ ተዋሂቦምን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ጽልእን ዕንወትን ዘመተን ሓሶትን ዝነዝሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ እከይ ተግባራቶም ክቁጠቡ ይግባእ። ኣብ ወጻኢ፡  ዜግነት ናይ ካልኦት ሃገራት ሒዞምን ሓገዝ መንግስቲ እናተቀበሉን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሓዊ ክጥበስን ስልጣን ኢሳያስ ክቅጽልን ምጉስጓስ ገበን’ዩ። ፍቅሪ ሃገርን ሓልዮት ህዝብን ኣለኒ ዝብል ኤርትራዊ፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩር ንዓመታት ዝሳቀን ዝበልን ዘሎ ወገኑ ከድሕን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ኣደዳ ጥሜትን ሕማምን ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ክምለስን መሰሉ ክሕሎን እምበር፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንብዕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊ ክኣጉድ ጅዓዮ ክብሎን ክድግፎን የብሉን።

                     ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት እመሪካ ግንቦት 10, 2020

Previous Post

ATV:እዋናዊ ሓበሬታ፡ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኢትዮጵያ መሊሱ ይዓርግ

Next Post

ATV:እዋናዊ ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ ፡ መልእኽቲ ጽንዓት ንህዝቢ ትግራይ – ኣማኑኤል ኢያሱ

Next Post

ATV:እዋናዊ ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ ፡ መልእኽቲ ጽንዓት ንህዝቢ ትግራይ - ኣማኑኤል ኢያሱ

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ኣማን ኪዳነ
ኣማን ኪዳነ
5 years ago

እዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘለና’ዩ እቲ ሓቀኛ ምስልን ታሪኽን ኢትዮጵያ። ኣብዛ ናይ ውዲትን ሽርሕን ፋብሪካ ዝኾነት ሃገር ኢድካ ምእታው ወይ ዕብዳን እዩ፡ ወይ ድማ ዕሽነት እዩ።
ኣብዚ ዝቕጽል ገለ ዓመታት ምናልባት’ውን ኣዋርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ሕድሕድ ዘይተረፍ እዩ። ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ንተጋሩ ንምብርካኽ እዩ። እሞ ንሕና ከምህዝብን ሃገርን ኣብዚ ነበልባል ኣቲና ንቃጽለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ።
ክልተ፥ ሰለስተ፥ ግዜ ምሕሳብ የድሊ።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply