ኣብዚ ኩናት ኣብ ምውዳእ ተቃሪቡሉ ዘሎ ጊዜ ደላይ ፍትሒ ንጹር መርገጺ ሒዚ ኣብ ስራሕ ከተኩር ኣለዎ
ብጴጥሮስ ተስፋግዮርጊስ
መደብ ናይ ኣብይን ኢሳያስን ኣምሓራ ሊሂቃን ንወያነ ኣጥፊእካ ንህዝቢ ትግራይ ረጊጽካ ነቲ ህዝቢ ኤሪትራ 30 ዓመት ተቃሊሱ ዘምጽኦ ናጽነት ኣፍሪስካ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ እትመሓደር ኢትዮጵያ ምቁራን እዩ። ብቀንዱ እዚ ተንኮል እዚ ኣጀንዳ ናይቶም ንልዑላውነት ኤሪትራ ዘይተቀበሉ ኣምሓራ እዩ። ኣብዚ እቶም ወረርቲ ስሙር ግንባር ካብ ገበሩ እቶም ተወረርቲ ንመሰሎም ንድሕነት ክልቲኡ ሃገራት ስሙር ግንባር ዘይገበሩሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎ። ነቲ ናይ ኣብይን ኢሳያስን ኣምሓራ ሚሊሻን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈነወ ወራር ክኹነንን ክሰዓርን ኣለዎ። ኣብዚ ይኣክልን ካልኦት ደለይት ፍትሕን ምስ ትግራዎት ኮይኖም ብሰላማዊ ሰልፍን ካልእ ዲፕሎማሲያዊ ተንቀሳቂሶምሉ ዓወት ረኺቦምሉ እዮም።
ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ኩናት እናተኻየደ ይኹን ጠጠው ምስበለ ንሰላም ምጽዓር ኣገዳሲ እዩ። ከም መትከል ደለቲ ፍትሒ ምዃና ንዓለም ምብራህ ኣገዳሲ እዩ።
ሰላም ከም ኣምር ተወሲዱ ክስርሐሉ እንኮሎ ሂያው ኮይኑ ንማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ሰፊሕ ባብ (ማዕጾ) ዝኸፍት እዩ። ሰላም ናይ ፍቅርን ሲኒትን መሳልል እዮም። ደለይቲ ፍትሒ ሰላም ማእከል ገርና ዝምደናና ምስ ጎረባብትና ክንሃንጾ ሐላፍነት ኣለና። ሰላም ከም መትከል ተወሲዱ ክድከሞ ኣለዎ።
ደገፈቲ ኢሳያስ ኤሪትራውያን ማእዝኖም ኣጥፊኦም ሰለ ዝኮኑ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ክጎብጥ ተሃንዲዱ ዘሎ ሐይሊ ኣምሓራ ፣ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ከካይድ እንተደገፍዎ ዘገረም ኣይኮነን።እዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ቀሊል ዘይኮነ ዕዳ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሰኩሞ ክርእይዎ ኣይከኣሉን። እቲ ዘገረም ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ኢና በሃልቲ ነቲ ናይ ኢሳያስን ኣብይን ሕልሚ ንትግራይ ኣጥፊእካ ንኤሪትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ምቑራን ዝብል ይፈልጥዎ ክነሶም ምስ ትግራይ ተሓባቢርካ ንኢሳያስ ምልጋስ ክቃዎሙ ይስምዑ። ነቲ ህዝቢ ኤሪትራ ዘጽነት ዘሎ ህግደፍ ምእላይ ገዲፍካ – ምስ ወያነ ንተሓባበር ዶ – ኣይንተሓባበር ብምባል ደላይ ፍትሒ ወርቃዊ ጊዜ ብከንቱ ኣባኺንዎ እዩ። እዚ ምትህልላኽ ነቲ ናይ ሓባር መሪሕነት ገርካ ንፍትሕን ንሰላምን አበርቲዕካ ምቅላስ ዝብል ዕላማ ኣፍሺልዎ እዩ። ስለዝኾነ ምስ ብመትከል ዝሰማምዑኻ ጥራሕ ሓቢርካ ምቅላስ ይሓይሽ ዝበል ኣራኣእያታት እናነገሰ ይኸይድ ኣሎ። ኣብነታት ብግብሪ መንእሰያት ዝዓብለልዎ መንጠሪ ባይታ ትግራይ ገይሮም ክቃልሱ ተበጊሶም ኣለዉ። እቲ ምስ ወያን ምትሕብባር ኣየድልን ዝብል ግን ኣብ ግብሪ ዝውዕል መተካእታ ከምጽእ ኣይከኣለን።
ደላይ ፍትሒ ንሰላም ከም ቀዳማይ መደቡ ገይሩ ሓያል ጎስጓስ ከካይድ ከሎ ፊሪኡ ሰላም ነጊሱ ነቲ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝቢ ምትእኽኻብን ምምዕባል ቑጠባን ባይታ ዘንጽፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክመጽእ ብዙሓት ሃገራት ብሕልፊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይጽዕራሉ ስለ ዘለዋ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኤሪትራውያን ኣበርክቶ ዝነዓቅ ኣይክኸውንን እዩ።ኣብቲ ኩናት ዝተቖማጥዔ መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ስለ ዘይደሊ።
እዚ ምስ ትግራይ ተሓባቢርና ንኢሳያስ ንእለዮ ዝበል ዝፈላሊ ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ኩናት እዚ ከም ኩሎም ካልእ ኩናታት ሓንሳብ ምስ ተጀመረ ብኸመይን ኣበይን ከም ዝውዳእ ናቱ ሕጊ ስለ ዘለዎ። ኣቢይን ኢሳያስን ኣምሓራ ሚሊሽያን ሲዒርና ኢሎም መቀለ ኣትዮም ንበዓል ደብረጺዮን ጌታቸው ረዳ ኣሲሮም ኣብ ሕገ ከቅርብዎም መደብ ነይሮም። እንተዝስዕሩ እውን ምገበርዎ። ኹናት ናቱ ሕጊ ከምዘለዎ ዘንጊዖም ምክልኻል ሐይልታት ትግራይ ሓመድ ሊሒሱ ተንሲኡ ነዞም ወረርቲ ጽርግርግ ኣቢሉ ነቲ ኩናት ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ኣሰጋጊርዎ ዘስተንከር ዓወታት እናመዝገበ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ብኹናት ናብ መቀለ ዝኣተዉ ብኩናት ናብ ኣዲስ ኣበባን ዓዲ ሃሎን ኣትዮም ንክልቲኦም ገበነኛታት ሒዞም ኣብ ዓለማዊ ፍርዲ ከብጽሕዎም ጠጠው ዘብሎም ሕጊ የለን። ኣቢይ ምስተኣልየ ግን ምክልኻል ትግራይ ኣብ ኤሪትራ ምኻድ ኣየድልዮን እዩ። ዕድል ኣቢይን ኢሳያስን ሓደ ስለዝኾነ።
ሰላም ምስ ትግራይ ማለት ሰላም ምስቶም ኩሎም ቤሀራት ኣንጻር ኣቢይ ዝዋዳደቡ ዘለዉ እዩ። ነቲ ስዕረት ትግራይ ዘራጉድ ካላኦት ብሄራት ከም ምንስቃስ ኦሮሞ ቅማንት ኣገው ወዘተ እውን ምስ ትግራይ ስምምዕ ገይሮም ቃልሶም የጎሃህርዎ ኣለዉ። ድሮ ትግራይን ኦሮሞን ጥቃ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ኣለዉ። ሓንቲ ከነስተውዕላ ዘለና ግን ኣብዚ ኩናት ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝዋጋእ ዘሎ። እንታይ ድኣ ኣንጻር ልዕልነት ኣምሓራ ዝተቃለሱ ቢሀራት እዩ። እዚ ኢሳያስ ኣትዩዎ ዘሎ ኩናት ብመትከል ኣንጻር ውጹዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ንኤርትራ ካብኣቶም ሐፍ ዘይብል ጽልኢ ይፈጥረላ ኣሎ ማለት እዩ። ምስ ተዓወቱ ሕነኦም ኣንጻር ኤሪትራ ብኸመይ ከምዝፈድዩ ኣይፍለጥን እዩ። ኣዚዩ ሓደግኛ ምዃኑ ግን ፍሉጥ እዩ። እቲ ሓቅታት ኣብ ባይታ ከምዚ ከሎ ኣብ ክንዲ ምስ ትግራይ ንዘላቂ ሰላም ጎስጓስ ተካይድ ኣብ ክንዲ ምስ እዘን ብረት ኣልዒለን ዝቃላስ ዘለዋ ጽቑጣት ብሄሪት – ናይ ድጋፍ – ምልእኽቲ ምሃብ ኣብ ደገ ኮንካ ሃገርና ብወያነ ከይትድፈር ብዝበል ጉልባብ ነቲ ህዝቢ ኤሪትራ ዘጥፍእ ዘሎ ኢሳያስ ካብ ወያነ ኣድሕንዎ ምባል ልኽዕ ኣይኮነን። ብዛዕባ መንእሰያ ኣብ ኩናት ዝጸንቱ ዘለዎ ዓቢ ተቛውሞ ምግባር ምሓሸ።
ኣብ 1998 ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ወያነ ኣብ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ዓቢ ኢድ ስለዝነበሮም ሎሚ ምስኦም ሓቢርና ንጸላእትና ንመክቶም ማለት ቀሊል ኣይኮነን ዋጋ እውን ዘኽፍል እዩ። ነቲ ደላይ ፍትሒ ይመቓቕሎ ንገሊኦም የወሃት ክኣ ኣብ ምጥርጣር የእትዎም።
ንኣብነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ነቲ ሓቢሮም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱሉ ዝነበሩ መታን ቀጻልነቱ ክረጋገጽን ወግዓዊ ክገብሩዎን ብ 16/10/2021 ጉሩም ዝኾነ ኣኺባ ኣካይዶም። እቲ ዝሕጉስ ኣብዚ ኣኬባ እዚ – ናይ ሓደ ሐደ ትግራዎት ናይ ቤተ ሰቦም መረረ ይግለጹ ነይሮም (public expression of grievances) ኣብዚ ግፍዕታት ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኢድ ስለዘለዎም ምስ እንቅበሎ ንሕሊናና ጽቡቕ ምስ ተጋሩ ንገብሮ ዝምድና ብሩህ ይኸውን። እዚ ብገሊኦም ዝዝረብ ኤርትራዊ ከማኡ ኣይገብሩን እዩ – ህዝቢ ከም ዘበሳብሱ ከም ምድፋር ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ፍርዲ ክጻረ ኣለዎ ዝብል ናይ ትምክሕቲ ዘረባታት ነቲ ሐቂ ኣይልውጦን እዩ። ኣብ መንጎ ህዛብታት ኤሪትራን ተጋሩን ዝግበር ዘተ ካብቲ ምስ መንግስታት ዝግበር ብልጫ ኣለዎ። መንግስታት ይቅየሩ እዮም ህዝቢ ግን ነባራይ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ሎንደን ኣኬባ ኣወንታዊ እዩ።
ኣነ እውን ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝኣምነሉ ኣብ 1998 ዝዓየኹሉን ዝተመከርኩሉን ስለዝኮንኩ ምስቲ ምስ ወያነን ህዝቢ ትግራይን ምትሕብባር ዝብሉ ብጾት ወጊነ ነይረ።
ንሰላምን ንሕውነትን ምቅላስ ዋጋ የኽፈል እምበር ክብዳህ ዘለዎ ነገር እዩ። ተወፋይነት ቆራጽነትን ይሓትት። ገሊኡ ንጹህ ሰብ ግን ላንጋላንጋ ይኸውን። ብዕለት 6 ግንቦት 1998 ዝተወልዔ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ነቲ ኣብ ሰላማውያን ኤሪትራውያን ዝወረደ ገበን ብሕልፊ ምስጓግ ኤርትራውያንን ካብ ኢትዮጵያ እተጽንዕ ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤርትራ Citizens For Peae in Eritrea (CPE) ዝስማ ማሕበር ኣነን ብጾተይን ኣቑምና ኣድማዒ ስረሓት ገርና ኢና። ኣብ ስራሕና ግን ብዙሕ ዕንቅፋት የገጥመና ነይሩ ። ንኣብነት ብዛዕባ ሰላም ኮንፈረንስ ምስ ኣዳለና ኣብ ፖርላማ ሚኒስትር ሳልሕ መኪ ተንሲኡ“ እዚኦም ኣብ ኩናት እንከለና ሰላም ሰላም ዝብሉ ምንበርካኽ ዶ ኣይኮነን ምስ በለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፣ መን እዮም እዚኦም ንዮው ዘይትብልዎም ኢሉ ነዲሩ ይዛረብ። ወርቁ ተስፋሚካኤል ሓላፊት ማሕበር ረዲኤት ኢዳ ኣልዒላ እዚኦም መሳርሕትና እዮም ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ብሕልፊ ኩናታት ናይቶም ኣሸሓት ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ መጽናቲ ኣካይዶ እናሰነዱ እዮም። ንሕና ካብ ደገ ኩነታት ህዝቢ ክፈልጡ ዝመጹ ኣካላት ናቶም ሰነዳት ኢና ነቅርቦሎም ምስ በለት የማነ ገብረኣብ እዚ ኣብ ፓርላማ ዝወረድ ኣይኮነን ምስኦም ተረዳዲእና ክንፈትሖ ኢና ኢሉ ኣዛሓሒልዎም። ኣብዚ ኣንትሮፖሎጂስት ፕሮፈሶር ኣስመሮም ለገሰ ብ እንግሊዝ The Uprooted (ካብ ሱሮም ዝተማሕዩ) ዘርእስቱ ናይ ዝተሰጉን ዝተመዛአሉን 4 ልዕሊ 50 ገጽ ዘለዎም መጽናዕትታት ኣቅሪቡ እዩ። ብሰንኪ ኣብ ፓርላማ ምልዓሉ እቲ ኣብ ሕዳር 2000 ዝተመደበ ኮንፈረንስ ናብ የካቲት 15, 16,17 2001 ከምዝመሓላለፍ ተሰማሚዕና ብጽፉፍ ተዛዚሙ።
ዕላማ ናይቲ ማሕበርና ክሳብ 70,000 ዝኾኑ ንጹሃት ኤሪትራውያን ብግፍዔ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤሪትራ ዝተሰጉ ንብረቶም ተሰኒዱ – ካሕሳ ዝረኽብሉ መገዲ ምድላይ እዩ። ንኣብነት እታ ናይ ሓዳስ ኤሪትራ ስእሊ ኣነን ፕሮፈሶር ኣስመሮምን ዘለናያ ናይ እቶም ዋናታት ናይ ጽዕነት መኻይን ካብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ዘመላለሱ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኢሪትራውያን መኻይኖም ብመግስቲ ኤትዮጵያ ተሃጊረን ካሕሳ ክወሃቦም ዝተገብረ ሓደ ካብቲ ዝነጠፈናሉ ስረሓት እዩ ነይሩ።
መፍትሒ ናይዚ ኩሉ ስቃይ ሰላም እዩ ኢልና ንሰላም ክንደልያ ኣነን ፕሮፈሶር ኣስመሮም ምስ ወኪል ናይታ ብፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ዝተመስረተት ናይ ኢትዮጵያ መሰል ወዲ ሰብ ትጣበቅ ማሕበር EHRCO (Ethiopian Human Rights Council ) ትበሃል ኣብ ኖርወይ ተራኺብና። ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ተመራመራይ ሻተል ትሮንቮል (Kjetil Tronvoll) ኣራኺቡና። ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራብ ግን – ንሳቶም ምስ መንግስቲ ኤትዮጵያ ጽቡቅ ዝምድና ስለዘይብሎም ምሳና ዝምድና ምግባር ከም ክሕደት ተቆጺሩ ኣብ ሽግር ከእትዎም ከምዝኽእል – ይትረፈና ኢሎም ፡ ግን ብኻልእ መገዲ ክሕግዙና ተሰማሚዕና ንሱ ከኣ ብዙሓት ወለዲ ብዘይ ደቆም ናብ ኤርትራ ስለዝተሰጉ- ደቖም ክደልዩሎም ምስ ቀይሕ መስቀል ኢትጵያ ከራኽብዎም ክተሓጋገዝዎም። ንሕና ከኣ ምስ ናይ ኤርትራ ቀይሕ መስቀል ተዛራሪብና ቁሩባት ይኹኑ እምበር ብየመን ገይሮም ኣብ ኤርትራ ከም ዝመጹ ተገይሩ እዩ።
PEACE BUILDDING CONFERENCE: TOWARDS SUSTAINABLE PEFACE: ወርሕ 11, 2000 ክንገብሩ ተመዲቡ- ዕድመ ተዘርጊሑ ። እዚ ናይ ሰላም ኮንፈረንስ ኣብ ፓርላማ ኤሪትራ ተቋውሞ ስለ ዝነበሮ – ን ወርሒ 2, 2001 ተመሓላሊፍ፡፡ እቲ ምኽንያት 12 ታሕሳስ 2000 ዓመተ ምህረት – ኢሳያስን መለሰን ንሰላም ክፈራረሙ ኣብ ኣልጀርስ ቆጸራ ስለዝነበሮም እዩ።
የካታት 2001 ዕለት 15ን 16 ኣብ ከረን – ኮንፈረንስ ናይ ወከልቲ ናይዘን ኩሉን መዓስከራት – IDPs Internaly Displaced People ተኻይዱ፡ ብዕለት 17 ከኣ ብቛንቛ እንግሊዝ ኮይኑ ኤሪትራውያን ካብ ዝተፈላለየ መግስታዊ ጽላት ዝርከብዎም – ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣምባሳደራትን – ናይ ረዲኤት ማሕበራትን ነይሮም። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሐደ ኣባል ናይ -Truth and Reconciliation – of South Africa። ናይ ተመክርኡ ኣስተምህሮ ሂቡ።
ንሰላም ዝሕግዛ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተገሊጸን ዘለዋ ጠቀምቲ ኣርእስትታት ስፍሕ ዝበለ ክትዕ ተገይሩለን።
- the need for the public expression of grievances
- peace and justice
- humanitarian assistance and healing
- developing culture of peace and Justice
- the promotion of durable peace
The summary report of the conference has revealed that the Establishment of CPE made a difference to fill missing institutional vacuum representing civil activities at times of crucial need. It tried to give voice to the victims of the Ethio-Eritrean war፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ዘምሁላው ዘምጻኦ ሰበብ። (ኣብ ይቅጽል)።
ስለዚ እቲ ደላይ ፍትሒ ነዚ ኣብዚ ጊዜ ዝኸድ ዘሎ መርገጺ ክህበሉን ክነጥፍፈሉን ኣድላየ እዩ። ን ኣብነት 1. ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ምግፋዕን ምእሳርን ምስዋረን ተጋሩ። ብመርገጺ ምኹናን ሰላማዊ ሰልፊ ተጋሩ ምድጋፍ። 2. ነቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢርትራ ኣውጺኣቶ ዘላ ዕቀባ ምድጋፍ። ከማኡ እውን ምስቶም ኣብ ትግራይ ቃልሲ ጀሚሮም ዘለው ናይ ኤርትራ ተቛወምቲ ውድባት ዝምድና ምግባረንን ምድጋፎምን።
ዓወት ንሓፋሽ
ይቅጽል
ዓወት ንሓፋሽ
Which one?
‘Let’s make America great again’
Which one?
You can take Merhawi out of Dimbezan but you can’t take Dimbezan out of him.
Humans, no matter what, we are tribal in nature.
There is a country called Eritrea and another country called Ethiopia which currently is in civil war and the political groups there are sparring who will get the upper hand… What business do we have siding with one against the other?.. instead of taking cover behind the pants of another man, why don’t we engage boldly the devil we intimately know and knock him cold and take a victory lap around the ring… you know I heard woyane bragging if it was not for them the Eritrean revolution would have been buried 6 feet under in Sahel many moons ago… don’t give them another bragging right… do it yourself like Home Depot.. and let the fruit of your labor speak for itself.
A home cooked meal tastes better than the one delivered by Uber Eats.
ሰላማት ዶቶረ ፡ ከመይ ቀኒኻ
ትግራይ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ።
ንሕና ካብኦም ኣብ ክንዲ ንጽበ ፡ ታኣኪብና ንምከር። ንሃገርናን ህዝብናን ይሓይሽ ንብሎ ንግበር፣ እኻ ትብል ዘለኻ።
ተስፋ ንገብር ፡ ሰማዒ እዝኒ ክርከብ።
የቀንየልና።
ክቡር ከይ ተወልደ። ትምክሕቲ ናህና ኤርትራውያን ከ ረሲዕካዮ ዲኻ – ንወያነ ን ኣዲስ ኣበባ የእቲናይዮም ኢልና- ኣብ ኣፍሪቃ ከማና የለን ኢልና- ኣብ ብምርድዳእ ዝፍፈታሕ ናብ ኩናት ኣይ ኣተናን ዲና። ኣብ የመን፣ ሱዳን- 2 ጊዜ ምስ ኢትዮጵያ። ዝዓብየ ኩናት ከኣ ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤሪትራ ፡ ንሕና ከኣ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ክትንስእ ንጽበ- ኣብ ውሑስ ቦታ ኮንና።
Tesfagergis
little woyane is fasting approaching its final resting place , its complete decimation;there is no doubt about this truth. In fact history is repeating itself. The British invader, General Napier’s collaborator, so called king yohannes did try the same thing but ended up in disgraceful defeat in the hands of the Sudanese, who beheaded and took his head , which is still in the Al Khartoum Museum.
Tesfagergis,
Little Woyane is morbidly looter, treacherous and untrustworthy. Who then can support and trust such barbarous organization but only he who is of similar foul character. In fact, But again you must be worse, as our old adage affirms,.. Kab Leiba Teqebal leiba.
“ሓንቲ ከነስተውዕላ ዘለና ግን ኣብዚ ኩናት ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝዋጋእ ዘሎ። እንታይ ድኣ ኣንጻር ልዕልነት ኣምሓራ ዝተቃለሱ ቢሀራት እዩ። እዚ ኢሳያስ ኣትዩዎ ዘሎ ኩናት ብመትከል ኣንጻር ውጹዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ንኤርትራ ካብኣቶም ሐፍ ዘይብል ጽልኢ ይፈጥረላ ኣሎ ማለት እዩ። ምስ ተዓወቱ ሕነኦም ኣንጻር ኤሪትራ ብኸመይ ከምዝፈድዩ ኣይፍለጥን እዩ። ኣዚዩ ሓደግኛ ምዃኑ ግን ፍሉጥ እዩ። እቲ ሓቅታት ኣብ ባይታ ከምዚ ከሎ ኣብ ክንዲ ምስ ትግራይ ንዘላቂ ሰላም ጎስጓስ ተካይድ ኣብ ክንዲ ምስ እዘን ብረት ኣልዒለን ዝቃላስ ዘለዋ ጽቑጣት ብሄሪት – ናይ ድጋፍ – ምልእኽቲ ምሃብ ኣብ ደገ ኮንካ ሃገርና ብወያነ ከይትድፈር ብዝበል ጉልባብ ነቲ ህዝቢ ኤሪትራ ዘጥፍእ ዘሎ ኢሳያስ ካብ ወያነ ኣድሕንዎ ምባል ልኽዕ ኣይኮነን። ብዛዕባ መንእሰያ ኣብ ኩናት ዝጸንቱ ዘለዎ ዓቢ ተቛውሞ ምግባር ምሓሸ።”
ብጴጥሮስ ተስፋግዮርጊስ
ኩቡር ሓዉና ጰጥሮስ ባዓታይ
1. ከም መልሲ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ፡ ምትእትታዉ ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ ክረአ ዘለዉ ፡ ኤሪትራ ሕጂ ሉኡላዊት ሃገር ብሙዃና ፡ ኩሎም ኤሪትራዉያን (መንግስቲ ፣ ተቃወምቲ ፣ ከምኡዉን ዉልቀ-ሰባት) ፣ ኢዶም ክእክቡ ይግባእ።
ኣብ ግዜ ሰዉራ ዝዉሰድ ዝነበረ ፡ ነቶም ምሳኻ ዝሳማመዑ ጉጂለታት ምድጋፍ ወይ ብረት ምቅባል ሎሚ ኣይካኣልን ። ኢድ ምእታዉ ፡ ኢድ ምእታዉ ስለ ዝዕድም ። ገበናት ህግደፍ ምኹናንን ፣ ጌጋታቱ ዘይምድጋምን ፡ ተታሓሒዙ ዝኽይድ ጉዳይ እዩ።
2. ወያነ ሕነ ንኽትፈዲ ክትወርር እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ንስርዓት ህግደፍ ክኣልዮ እንተ ደሊዮም ይእተዉ ዝብሉ’ዉን ንሰምዕ።
ወያነ ፡ ኣብ ኤሪትራ እንታይ መደብ ክህልዎም ከም ዝኽእል ፡ ካብቲ ሕጂ ኣብቲ ኣቲዮምዎ ዘለዉ ከባቢታት ወሎን ዓፋርን ዝገብሩዎ ዘሎ ፡ ህዝቢ ናይ ምምቅቃል ሜላታት ምርዳእ ይካኣል።
ንኣብነት ፡ ኣብ ደሴ አብ መስጊድ ኣቲዮም ፡ ንጸሎት ታኣኪቦም ንዝነበሩ መእምናን ፡ “ንስኻትኩም ዉጹዓት ስለ ዝኾንኩም ፡ ንሕና ምሳኹም ገለ ጸገም የብልናን” እሎምዎም።
“ኣከለጉዛይን ሰራየን ፡ እሕዋትና ኢኹም ” ፡ ክብሉ’ዉን ንሰምዖም ኢና። ጽባሕ ዕድል እንተ ረኺቦም ፡ ኣዉራጃዊ ፍልልያት ንምብላሕ ፡ ኣብ ዶባት ኤሪትራ ብረት ዘወጣዉጡ ጉጂለት ክሰርዑ ሙዃኖም ካብ ሕጂ ምፍላጥ የድሊ።
ብናቶም ምድፍፋእ ምስ ኣምሓራ ኣብ ጎነጽ ኣቲዮም ዘለዉ ቅማንት ፡ ህዝቦም ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ሰፊሩ ይርከብ። ስለዚ ፡ በብረትና ሂቦም ከፋሉሱና ከነፍቅደሎም ኣይግባእን።
3. ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተላዚቡ ንሰላም ክሰርሕ ዝዕድም ተቦጉሶ ፡ ቅድም ይኹን ሕጂ ፡ ፉሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ስለ ዝኾነ ፡ ዝናኣድ ሓሳብ እዩ።
ከም ጎረባብትን ኣሕዋት ኣህዛብ ፡ ከመይ ዝምድናና ኣማሓይሽና ፡ ንነባሪ ሰላምን ፡ ዞባዊ ቅሳነትን ድማ ንሰርሕ ፡ ኣብ ቁሉዕ መድረኽ ወጺእና ክንላዘበሎሞ ዝግባእ ጉዳያት እዬም።
ሰላም ሕልሚ ኩሎ ፡ ብዉግእ ዝተሳቀየ ህዝቢ እዩ።
ዎ ዳሓንካ።
Kemey tiqini W.H., I just came back from a fishing trip with friends, peaceful and exhilarating at the same time, as I cast my line at one point fixated on the turquois waters of Sanibel Islands, one of my colleagues startled me by saying, ‘you seem distant bud, ya alright?’ I mumbled back, ‘ just thinking of another place..’ he retorted, ‘better than this?’.. ‘you will never understand’ I snapped .. he buried his hand into the ice chest threw me a can of beer and scoffed at me, ‘be in the moment’…
Wedi Hagher, I take comfort in your companionship because we understand each other.
Keep speaking sense into this senseless world zhawey.
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ
“I take comfort in your companionship because we understand each other.”
ኩቡር መምህረይ ፡ ተመሳሳሊ ስሚዒት እዩ ዘለኒ።
ኣብ ዉግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝሃልቅ ዘሎ ህወት እዚ ኢልካ ምግማቱ ኣይካኣሊን።
ኣብ ኤሪትራን ትግራይን እቲ ዘለወን ዉሑድ ሰብኣዊ ዓቅሚ ፡ ኣብ ሙሉእ ዉትህድርና ወፊሩ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ፡ መንእሰያት ብናቶም ተበጉሶ ንቃልሲ ዝኸዱሉ ዝነበረ ግዜ ዳርጋ ተጨሪሹ ኣሎ። ሕጂ “ሓደ ካብ ስድራ” ዝብል ፡ ናብ ጉዱድ ዕስክርና ይሰግሩ ኣሎዉ።
ወታሃደራዊ ኩነታት ፡ ከምቲ ንፕሮፓጋንዳ ሃልኪ ዝብሉዎ ዘይኮነስ ፡ ቀጻሊ ስዕረት ሓይልታት ወያኔ እዩ ዝረአ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፣ ክልተ ግዜ ንሚለ (ጂቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መገዲ) ንምቁጽጻር ዝገበሩዎ ፈተነ ፈሺሉ። ብሰንኪ ኣብ 50c ዝቀራረብ ሙቆትን ነፈርትን ፡ ምድረበዳ ምስጋር ከም ዘይካኣሉ ፡ ደቂ ዓፋር ኣብ ኢንተርነት ክገልጹ ቀንዮም።
እዚ ህወት ኣሻሓት መንእሰያት ዝበልዕ ዘሎ ዉግእ ጠጠዉ ንኽብል ኩሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ክጽዕር ኣሎዎ።
ንኩላህና ሰላም ይሃበና።
The war will never stop until the Junta and its/his money made allies Neal down. We Eritreans are alone side the great Ethiopian leader PM Dr. Abi and his respected government as usual.
Death to Woyane!!!!
Shame to Assenna and its collaborators!!!
“We Eritreans are alone side the great Ethiopian leader PM Dr. Abi and his respected government as usual.”
Gezae
ኣበይ ኮይንካ እኻ ምት ንወያኔ ትብል ዘለኻ ?
ምስ ስድራኻ ኣብ ዉሑስ ሃገር ተቀሚጥካ ፡ ብማዕዶ ዘራፍ ትብል …. ፡ ዝገርም እዩ።
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዉግእ ሓድሕድ ፡ ዕሸላት ደቅና ዝሞቱሉ ምኽንያት የለን።
ወያኔ ልክዕ ከም ህግደፍ ምልካዊ ጉጂለ እዩ።
ብሰንኮም ህዝቢ ትግራይ ተለኪሙ።
ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኤሪትራ ተበቲኑ ፣ ኣብ ስደት ድማ ይጸንት ኣሎ።
ኣብ ጎኒ ወያኔ ወይ ኣምሓራ ኣለና ዝብል ኩሉ ፡ ሓቂ እንተ ሃሊዩዎ ቅድም ደቁ ይስደድ።
ህዝቢ ኤሪትራ ፡ ማኣስ እና ሰላም ክንሪኢ ፡ ማኣስ እዩ ዝወግሓልና ፡ እዩ ዝብል ዘሎ። እቶም ጅሆ ሒዞምዎ ዘለዉ በላዕቲሰብ ፡ በብሓደ ክእለዩ ጸሎት ይገብር ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓደ ካብኦም ከይዱ። ዝተረፉ ብጾቱ ክስዕቡዎ ዝምነ ዉሑድ ኣይኮነን።
ካብ ዉዲታት ወያነ ፡ ካብ ጭካነ ህግደፍ ፣ ካብ ትምክሕቲ ኣምሓራ ፡ እዝጊ ባዕሉ ይሓልወና።
W.H. how do someone align themselves with the one who doesn’t acknowledge his identity nor his sovereignty? .. this mold like Gezae who are put together by HGDEF defy the biblical scripture ‘God made man with His image…’
These are man made aberrants who respond to short commands by the one who manufactured them.
Alexa! play guayla.. Alexa! remind me to pick up the kids at 3 pm.
ሰላማት ዶቶረን ኩቡራት ኣሕዋት
“These are man made aberrants who respond to short commands by the one who manufactured them.”
ኣብ ናይ ህግደፍ ፉሉይ ዓለም ፣ ሕቶ ዘብዝሕ ፡ ርእቶ ኣለኒ ዝብል ፣ ምስኦም ክቅጽል ኣይክልን።
ኣብ መስመር ናይቲ ሰራም ጉጂለ ፡ ከም ጻጸ ትኽ ኢሉ ዘይከይድ ፡ ዝከታተሎ ሰብ እዮም ዝዉስንሉ።
እቲ ሓደገኛ ጉዳይ ናይዚ ነገር ፡ ብመሰረት “ገረብ ብሓኽላ” ዝባሃል መትከሎም ፡ ዝከታተሎ ሰብ ፡ ናይቀረባ ዓርኩ ፡ ወዲ ከባቢኡ ፡ ምስኡ ዝበልዕን ዝሰትን ክኾዉን እዮም ዝደልዮ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ ፡ ብሶቪየታዉያን ኣብ ግዜ ስታሊን ታኣታቲዩ ዝማዕበለ ምልካዊ ፖሊሲ እዩ። እቲ ኣብ ዓለም ዝኸፈአ ዓይነት ህዝቢ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ድማ እዩ። ታኣምኖ ሰብ የለን።
ሰብ ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ስለ ዝስእን ፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ርእቶ ካብ ምሃብ ይቁጠብ። መራሕቲ ምሙጋስ ግን ፉቁድ እዩ።
ገዛኢን ብጾቱን ፡ ናይ ህግደፍ መምሪሕታት ከምታ ዝመጸቶም ካብ ምድጋም ዝሓልፍ ብቅዓት ንኸይህሉዎም ብህግደፍ ዝተፈርዱ ሰባት እዮም።
ኣብ ምንጎኦምን ኣብ ምንጎ “ኣለክሳ” ዘሎ ፍልልይ ፡ ንኣለክሳ ዘዛርብ ዘሎ “ቻትቦት” ከም ካድር ህግደፍ ፡ ገበነኛ ንክኾዉን ዝተመልመለ ኣይኮነን።
ስርዓት ሶቪየት ምስ ወደቀ ፡ ዩክረይን ንመንግስቲ እንግሊዝ ፡ ከም ሓገዝ ፡ ናይ ቁጠባ ኣማኻሪ ሓተተት። እቲ ሰብ መጽናዕቲ ምስ ጀመረ ፡ ገለ ዉሳኔታት ክወስዱ ነሰበስልጣን ሓተተ። ንሶም ግን ተጣማሚቶም ሱቅ ምባል ጥራሕ ኮይኖም። ንኣማኻሪ ጸገምሞ እንታይ ሙዃኑ ክስወር ኣይካለን። ንልዕሊ 70 ዓመት ፡ ኩሉ ጉዳያቶም ኣብ ሞስኮ እዩ ዝወሰን ነይሩ።
ኣብ ህወቶም ፡ ንሃገር ዝጾሉ ዉሳኔ ወሲዶም ኣይፈልጡን።
Yes indeed W.H., this parasitic cartel got themselves a crime lab tucked away somewhere in the horn and for decades they have been using human remains as a burner to conduct their canibalistic experiments.. today the prototypes are released into the cyber space in all forms infecting our devices.
This little nation will be an important case study for social scientists when all is finished and done.
“ካብ ዉዲታት ወያነ ፡ ካብ ጭካነ ህግደፍ ፣ ካብ ትምክሕቲ ኣምሓራ ፡ እዝጊ ባዕሉ ይሓልወና።”
ኣሚን. ኣሚን. ኣሚን
“ኣብዚ ኩናት ኣብ ምውዳእ ተቃሪቡሉ ዘሎ ጊዜ…”
What a travesty again. We think this writer is one of the people we have seen in the opposition side recently and part of one of the G15 or G13 groups – unless we are mistaken. There is a saying and that is “a cart before the horse”. Was this writer not part of the current system in Eritrea at some point and clearly forgot a “process”. Hold your horses and let us see what goes first in Ethiopia. Second comment is that how tragic and a travesty to see we Eritreans wait for something or someone else to do the work we all needed to do? What a peculiar set of groups.
Side note: Perhaps like ” one of this sites expert” has expressed his fishing expedition, we all need to be doing some deep ocean fishing in our soul to figure Eritrean dilemma. BTW If a person has gone fishing and “appears very distant while fishing” that is a sign that person is – pretentious and not there to fish.
Peace to Eritrea and enjoy your Pie followed by some stuffing
Mike stop cyber tailgating, find something better to do.. like help pushing HGDEF overboard to his imminent fall.
K tewolde – it is like an agony of pain and anguish with people like your kind of mindset which no prescription pill would heal. Both you and your other poodle here constantly harping old glory and vile and yet tasteless feeds and pedestrian like mind here. We wonder if it were not for assenna then what would you two have done? Do something productive in your life and for humanity instead of breeding constant ugliness. And what is HGDEF? Sorry, not in our time. You, however, seem to be immersed in the world of “fool-ball’g” every article with tailgating. BTW do you not have anything better besides poking your fingers at every article in assenna? You and other friend are in some sort infatuation with the people of the south. Get a life
May peace prevail in this world.
The anatomy of your post does not promote the prevalence of peace at all.
do you ever proof read what you write Shakespeare.
“ Both you and your other poodle here constantly harping old glory and vile and yet tasteless feeds and pedestrian like mind here. ”
Mike
ነቶም ተጋደልቲ ዝነበሩ ፡ ዝጠቅም ከም ዘየወፈዩ ትገልጽ ኣለኻ (“… old glory and vile …”)።
ዳሓን ፡ ናትና ሕማቅ ይኹን ጹቡቅ ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ፡ እቲ ዘገድስ ሕጂ ናትካ እዩ። ብዘይካ ነቶም ፡ ብጉዳይ ሃገሮም ሰይቀሰኑ ሰባት ፡ ኣብዚ ቅልቅል እልካ ምጽራፍ ፡ እንታይ እዩ ኣቦርክቶኻ ?
ኣነ ንሃገረይ እንዳ ተቃለስኩ ፡ ዘይጠቅም ዕላልኩም ዕንቅፋት ኮይኑኒ ድኻ ትብል ደለኻ ?
ንሱ ድዩ ዘዕለብጠካ ዘሎ ?
ኣብዚ ቡዙሕ ሰብ ኣሻቂሉ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ፡ ገለ በል እስከ ክንሰምዓካ ካብ ንብለካ ፡ ገለ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ ፡ ግን ጸርፊ ጥራሕ ኮይኑ ጹሑፍካ ።
ስለዚ ፡ ኩቡር ሓወይ ፡ እቲ ነዉራም ባህሊ ህግደፍ ወጊድ ኢልካ ፡ ኩቡር ባህሊ ኣቦታትና ፡ ልዝብ ልመድ።
ዘረባ ክትለምድ ፡ ቅድም እሂ ምባል ልመድ። ብዕድመ ንዝዓብዩኻ ኣኽብር። ካብቶም ብተመክሮ ዝሕሹኻ ተማሃር። ብትምህርቲን ፡ ብፍቅሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ንዝቅደሙኻ ፡ ኣርኣያኻ ግበሮም።
ባይቶ ምፍራስ ዝዕላሙኡ ፡ ጸርጸር ህግደፍ ፡ ምልክት ባርነት እዩ። ኣብ ክሳድካ ዘሎ ኣርዑት ምልኪ ደርቢኻ ፡ ክሳድካ ኣቅኒዕካ ተዛረብ።
የቀንየልና።
“BTW If a person has gone fishing and “appears very distant while fishing” that is a sign that person is – pretentious and not there to fish.”
Mike
ኩቡር ሓዉና Mike ፡ ነገር ምድላይ ፡ ምትንካፍ ኣድላይ ኣይኮነን። ሪእቶ እንተሊዩካ ኣስማዓና። ዘይካኣል እንተኾይኑ ግን ፡ ትዕግስቲ እንተ ትገብር ማሓሸ።
ኢዚ ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዝሳኣናዮ ኩፉት መድረኽ እዩ። ስለዚ ንምርድዳእ ንጠቀመሉ።
ናይ ርእቶ ፍልልይ እንተ ሃሊዩና ፡ ብኣኽብሮት ምቅባሉ ፡ ናዓና ከም ዜጋታት ፡ ከምኡ’ዉን ንሃገርና ብሓፈሻ ፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ።
ኣብ ደገ ከይተረፈ ታዓቢስና ክንነብር ትደልዩ ኣለኹም ?። ቁሩብ ሕልና ያሃልኹም።
ነዚ ዕድል ንዝሃበና ኣሰና ምስጋናይ ክገልጽ ደስ ይብለኒ።
Fantastic Advice with Dignity. Thank YOU ወዲ ሃገር
የቀንየልና ኩቡር ረዘን ሓወይ።
ብጣዕሚ ዘሕዝን ዜና
እቲ ኣብ ከበሳሳት ሽዋ ክዋጋእ ዝቀነየን ፡ ንምለ ፡ ንካላኣይ ግዜ ንምሓዝ ዝፈተነ ሰራዊት ወያኔ ፡ ኣብ ክልቲኡ ግንባራት ስለ ዝተሳዕረ ፡ ኣሻሓት መንእሰያት ሞይቶም ከም ዝኾኑ ይግመት።
ናብ ምለ ዝወስድ መንገዲ ፡ ደረቅ ጎላጉልን ምድረበዳን ብምዃኑ ፡ ዝኾነ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ፡ ሙሉእ ዕንወት ከም ዘስዕብ ፉሉጥ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ወያነ ምፍሻላ ኣይኮነን። ንሶም ከም ህግደፍ ብወታሃደራዊ ፍታሕ ጥራሕ እዮም ዝኣምኑ። ብረት ንዘይብሉ ባዓል ጉዳይ ዝንዕቁ እዮም።
ኣሻሓት መንእሰያት ፡ ፖሊቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉ ኣብ ዝኽእል ጉዳይ ፡ ብኮንቱ ሙማቶም እዩ እቲ ዘሕዝን። ዉግእ ኣድላይ ኣይነበረን።
ዉግእ ፡ ብፍላይ እቲ ንፍልልያት ብወታሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ ዝዓለመ ፡ ዉጺኢቱ ዕንወት ጥራሕ እዩ።
ንኩላህና ሰላም ይሃበና።
woyanes are immoral gangsters and as such they must be wiped out from the face of the earth. If there is any evil in the world, woyane is the embodiment, of which no Eritrean should second guess. The position Isaias afewerqi has taken against these monsters is laudable that every genuine Eritrean led support. I encourage the Ethiopian Federal Army Army to move from stupid and wasteful defense posture to outright offense with determined goal of beheading the the evil leadership in Mekele. The Prime Minster should stop wavering and be resolute to finish them off. The sooner the better. There is no doubt some Western countries are guiding the gangsters with satellites to evade their movements but the prime minister can outwit them with the scanning power of his Drones, which, sadly, he has not to date used them.
t.g. drones don’t win wars people do… your language like ‘finish them off’ sounds machismo like Clint Eastwood in Dirty Harry, ‘blow your head clean off’.. who is finishing who off?.. I suggest lets invite all the brothers and sisters to eat in one MEBLI”E INJERA and use the drones to deliver the food.
That would have pissed off the suppliers.. then again..
Little woyane and its orphans have been falsely clamoring that the Ethiopian Federal Army was committing Genocide on the people of Tigrai. The truth is it is woyane who started the war and is committing Genocide on Tigrai people by forcefully throwing kids to their death in a war it can never win. Remember woyane prepared for this ugly eventuality for more than thirty years but the 100,000,000 people of Ethiopia are just waking up from slumber, of which Woyane, as war-ignorant as it has always been, probably thought the war would be a repeat of the 1991. No No, it is completely different. Back then the war was against Dergi soldiers, of whom the unarmed Ethiopians were fed up, and welcomed the EPRDFs as liberators. Pretty soon they found out the EPRDF was a mask for woyane, who looted them, enslaved them, killed them for thirty years. Three years ago, they rose up. In fear and terror, woyane escaped from their wrath to Tigrai. Woyane should have been graceful for the Ethiopian people’s forgiveness and live peaceful life thereafter. Unfortunately, rascal woyane cannot live in peace and harmony with anything; it started the war, a war of 5000,000 tegaru against 100,000,000 Ethiopians. Yes indeed, it will soon be Abalaa Enjera. Poor tegaru, they are really precarious situation. There is one solution though, and that is for little woyane to surrender to the Ethiopian Army before it is too late.
ጉዳይ መሪሕነት ወያነ ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝግደፍ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እዩ ዋኖኦም።
ወያነ ፡ ከም ዉድብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤሪትራ እዮም።
ህግደፍ ፡ ናዓና ህዝቢ ኤሪትራ ፡ ካብ ወያነ ንላዕሊ ጸላኢና እዩ። ቁጽሮም ኣብ 180.000 ዝቀራረብ ህዝብና ፡ ካብ ህግደፍ ሃዲሙ ፡ ወያነ ኣብ እተማሓድራ ትግራይ እዩ ታዓቂቡ ጸኒሑ። ሕጂ ዕድል ምስ ረኸቡ ፡ ኣብኡ ኣርኪቦም ፡ በቲኖምዎ።
ህዝቢ ኤሪትራ ፡ ብሰንኪ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ዝናኸስ ጉጂለ ህግደፍ ፡ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ሰላም ሲኢኑ ፡ ኣደዳ ዘየድሊ ዉግኣትን ስደትን ኮይኑ ይርከብ። እቶም ኣብ UNHCR ተመዝጊቦም ኣብ ሳልሳይ ሃገር ክዕቆቡ ብሃንቀዉታ ዝጽበዩ ዘለዉ ዜጋታትና ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት 507,300 በጺሑ ነይሩ።
ንኤሪትራ “ዳስ ሓዊያ” ገይሩዋ ዘሎ እሰያስ ፡ ካብ ወያ ዝሕሸሉ እንታይ እዩ ?
እሰያስን ወያነን ፡ ደቂ ሓደ ቤት ትምህርቲ እዮም። ናይ ህዝቢ ቅሳነት ፡ ቁጠባዊ ረብሓ ፡ ሰላም ፡ ቀዳምነቶም ኣይኮነን።
እሞ ንሶም ዘሳዉሩዎ ዉግኣት ፡ በየናይ ሓቂ እዩ ቁኑዕ ክኾዉን ?
ንኹላህና ሰላም ይሃበና።
W.H. do you recall the picture of the two hg/woy leaders holding hands like kindergarteners not too long ago during the fake peace deal?.. I wish I could capture their candid conversation… talking about coming from the same school, they even share the same taste buds… as long as the 2 peoples are under the spell of these exorcists the demons will continue to reek havoc over the homeland.
A Devine intervention is the prescription.
No, No , you are absolutely wrong. Woyane is the enemy, actually not ordinary enemy but of the worst kind. To this add that woyane is not only an Eritrean enemy but also the whole of Horn of Africa. Remember what it did to Somalia as Kedami of the Super Powers. Unless woyane is completely wiped out, the Horn of Africa won’t have peace.Remember again that It was the Mighty EPLFs who trained and armed it for fifteen years, and After they crushed Dergi, piggybacked it all the way to Addis Abeba. But what was woyane’s return? Betrayal and border instigations, and finally, all out war. No No, Woyane must go!!!!
Hold your horses tewelde, woyane is doing his job, why don’t you do yours.. get rid of the domesticated hyena which is chomping you alive.
“Unless woyane is completely wiped out, the Horn of Africa won’t have peace.Remember again that It was the Mighty EPLFs who trained and armed it for fifteen years, and After they crushed Dergi, piggybacked it all the way to Addis Abeba. ”
tewelde gebremariam
ኩቡር ሐዉና ፡ ተወልደ ገብረማርያም
ወያነ ፡ ስልጣን ንዶ. አቢይ ኣረኪቦም ፡ ካብ ኣራት ኪሎ ድሕሪ ምስንባቶም ፡ ኣብ ዓለም ያሃልዉ ኣያሃልዉ ፡ ጸገምና ኣይኮነን ፡ ተፈጸመ።
ዶብ ምምልካት ሓላፍነት ንማእከላይ መንግስቲ እዩ ። ግን ፡ ምስ ወያነ ሰላም ምግባር ፡ ከም ጎረቤት መጠን ፡ ብርግጽ ንረብሓና እዩ።
ብሰንኪ ወያነ ወይ ወያነ ከይጠፈአት እንዳ ተባህለ ፡ ንህዝቢ ጅሆ ሒዝኩምዎ ከም ዘለኹም ዘይተረደአ ሰብ እንተሊዩ ፡ ሓደ ጸማሞ ሰብ ጥራሕ እዩ ክኾዉን ዘለዎ።
ዶብ ምምልካት ፡ ቀዳምነት ህግደፍ ዘይሙዃኑ ፡ ባዕሉ እሰያስ እዩ ንህዝቢ ዝሓበረ።
ሎሚ ፡ ህግደፍ ሃገራዊ ጥቅሚ ኤሪትራ ይግድሶ እዩ ዝብል ወዲ ሃገር እንተሊዩ ፡ ብጣዕሚ ዉሑድ እዩ።
ናይ ቡዙሓት ሰባት ሻቁሎት ፡ ኤሪትራ ፡ ከም ሓንቲ ሽፍታ ዝዘረፋ መርዓት ፡ ኣብ ኢድ ህግደፍ ክሳብ ዘላ ፡ ህላወኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ፡ ኣብ ሓደጋ ኣላ ካብ ዝብል እዩ።
ንሙዃኑ ፡ በየናይ ስነ ምጎት እዩ ፡ ምጥፋእ ወያነ ፡ ሃገራዊ ቀዳምነት ኤሪትራ ዝኾዉን ?
እዚ ፡ ዕሽነት ዲዩ ወይስ ህዝቢ ንምዕሻዉ እዩ ?
ህዝቢ ኤሪትራ ፡ ኣብ ሙሉእ ታሪኹ ፡ ፖሊቲካዊ ንቅሓቱ ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎዎ ደረጃ በጺሑ ኣይፈልጥን። ጉዳይ ወያነ ፡ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ከም ዝምልከት ይፈልጥ እዩ።
ዶብ ብቁልጡፍ ምምልካትን ፡ ምስ ዝኾነ ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመርጾ መንግስቲ ፡ ሰላም ምዉሓስ እዩ ቀዳምነትና ክኾዉን ዘለዎ።
ምስ ኩሎም ጎረባብትና ሰላም ምዉሓስ ፡ ስትራተጂካዊ ረብሓ ሃገርና እዩ።
ንህግደፍ ፡ እዚ ከም ዘይግድሶም ዘይፈልጥ ፡ ብጣዕሚ ዉሑድ እዩ።
እዚ ወዳሓንካ።
‘TSEMAM HADE DERFU’, it’s like a needle stuck in one spot on a turntable.. woya..wo..woy..woy.. woyane..
W.H. as long as there are people who still consume this old outdated potion our homeland will continue to look like an abandoned unkempt haunted cemetery.
ህግደፍ ብዘይ ጸላኢ ክነብር ኣይክእልን።
W.H., HGDEF hassadyu
” seraqyu
” hargafyu
” lokmegnayu
” Newramyu.. if there are any derogatory words left in tigrigna HGDEF wears them elegantly with a pair of sandals to shaffle along.
I miss the norm, I miss the kids I grew up with and the cacophony of my old neighborhood at crimson dusk, the smell of coffee grinding and the whiff of the incense bellowing from the veranda.. I miss the open invitation on the passerby to join the ceremony.. where do those times go?
HGDEF deprived us of those simple life pleasures and turned around demanded 2% of exile income to reinstate our citizenship.. did they borrow that from the Red Book?
Their time is fast approaching like their predecessors they can smell the gunpowder in their compound.
It is time for me to go home once and lay a wreath on my parents grave and have a serene quiet moment alone with them.
W.H., HGDEF 44 ganien zelewo ba’al zaryu.
“ Their time is fast approaching like their predecessors they can smell the gunpowder in their compound.”
k.tewolde
ኩቡር ዶቶረ
ኣብ ናይ ኣላሚን ቀብሪ ስነስርዓት ፡ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ህግደፍ ዘሎዉ ሳባት ተረኺቦም ነይሮም። መብዛሕቲኦም ዕድመ ዝደፈኡ ሽማግለታት ሙዃኖም ትዕዘብ።
ኣብዚ ካብ በጻሕና ፡ ንመንእሰያትና ነዉርስ ክብሉ ምተገበአ ፡ ግን ከምኡ ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን።
ድሕሪ እሰያስ ፡ እንታይ ክገብሩ እዮም ዝብል ሕቶ ፡ ኣብ ኣእሙሮ ቡዙሕ ኤሪትራዊ ዘሎ እዩ።
ንሃገርና ኣብ ኑቡር ንምለሳ ዝብል ዶ ኾን ይህሉ ኣብ ምንጎኦም ? ፡ ወይስ እቶም ሰብ ጎዞሞ ኩሎም ክሳብ ዝሓልፎ ተስፋ የለን ?
ናበይ ገጻ እያ ከተብል’ዛ ሃገርና ?
እንዲዒ። እዝጊ ይፈልጥ።
QUOTE: “ናበይ ገጻ እያ ከተብል’ዛ ሃገርና ፧
እንዲዒ። እዝጊ ይፈልጥ” ወዲ ሃገር UNQUOTE
ሃ ሃ ሃ ሃ ……..
ሰላም ክቡር ወዲ ሃገር
ብሸሞንተ ቃላትዶ ኣፋኖኻና !?!?!
አንታይሞ ይገበር ሓርነት ካብዘይፈተወልና
ዕድልና ኮይኑ ዝራሙሮ ኣብ ሓደ ካይኮንና
ጽባሕ ይሕሸልና ይኸውን እናበልና
ግዚ ሓለፈ ንሕናውን ኣረግና ኣብ መወዳአታ በጻሕና
ኣየ ኤሪትርያ፣ ኣለኺ አናበልና ካንዶ ኣቕቢጽክና
አቶም ጎረባብትናሞ ኣለው ተስፋ ካይቆረጹ ብሃረርታ ሕልሚ
መን ምዃንኪ ይፈለጡ የዋሃት ሓለምቲ ።
Correction with apology : Last Line. ይፈለጡ should read ዘይፈለጡ
“አቶም ጎረባብትናሞ ኣለው ተስፋ ካይቆረጹ ብሃረርታ ሕልሚ
መን ምዃንኪ ዘይፈለጡ የዋሃት ሓለምቲ ።”
rezen
ሰላም ኩሉኹም ኣሕዋተይ ፡
ኣብ ጎረበትና ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ዉግእ ፡ ገለ ካብቲ ጠንቅታቱ ፣ ዘይናትካ ካብ ምድላይ ዝተበገሰ ናዕቢ ከይኮነ ኣይተሪፍን።
ወያነ ኣብ ስልጣን ከለዉ ፡ መራሕቲ ዉድባት ኣምሓራ ፡ ከምዚ ይብሉ ነበሩ ፡ ” ወያነ ፡ ንዓሰብ ሓዲጎም ንባድመ እሎም ይዋጉኡ ኣሎዉ !!!? ። ይሃቡዎም ፡ ዓሰብ ግን ናትና እያ”።
” ኢትዮጵያ የራሱዋ የባህር በር ያስፈልገታል …!!! ” ፡ እሎም ከስቆርቅሩ ንሰምዖም ነበርና ።
እቲ ዶ. ኣቢ ተቀቢልና ዝበሎ “ሰላም” ፡ ናይ ኣምሓራ መደብ ምንባሩ ሕጂ ጎሊሁ በሪሁ።
“ዓሰብ ተማቂልና” ዝብል መስደምደም ዘረባ ፡ ድሕሪ መጋረጃ ቡዙሕ ዉዲት ኣብ ልዕሊ ልኡላዊት ኤሪትራ ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ።
ሶማል ታሓዊሳቶ ኣላ ፡ ዞባዊ ዉህደት እዩ እልካ ፡ ምዉሓጡ ኣይተኻእለን።
ንግደ ሓቂ ፡ መለስ ዜናዊ ፡ ዓሰብ ናይ ኤሪትራ እያ እንዳበለ እዩ ሓሊፉ። እቶም ምስኡ ተባኢሶም ኣብ ኣዲስ ኮፍ እሎም ዝበሩ መራሕቲ ወያነ-ነበር ግን ፡ ንጉዳይ ዓሰብ ፡ መታዓረቂ ምስ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ተጠቂምምሉ። ጀ. ጻድቃን ዝበሎ ሓደ ኣብነት እዩ።
ኣግኣዚያን .. ወዘተ ዝብል’ዉን ፡ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ናይ ዝሓልሙ ኣስፋሕፋሕቲ መደብ እዩ።
ዘይናትካ ምድላይ ፡ ነገር ምድላይ እዩ።
ካብ ሕልሞም የድሕነና።