ኣብነታዊ ኣበርክቶ ባሮነስ ግለኒስ ኪኖክ ኣብ ዝተናውሔ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
APPG on Eritrea launched in the House of commons (UK Parliament) on 4 April 2016
ብዕለት3/12/2023 ሞት ባሮነስ ግለኒስ ኪነክ ብዓልቲ በይቱ ንሎርድ ኪነክ ምስ ሰማዕኩ ብጹሕ ሓዚነ። ንዓኣ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ንበዓል ቤታን ወዶም ኣባል ፓርላማ ስቲቨን ጓሎም ራሽል ጽንዓት ይሃብኩም እብል።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዕለት 5/12/2023 ዓመታዊ ጉባኤ ናይታ ካብ ኩለን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዩናይትድ ኪንግዶም ዝቖመት ንኤሪትራ እትድግፍ ጉጅለ (All Party Political Group on Eritrea: APPG) ስለ ዝነበረ ንዝክሪ ግለኒስ ዝገልጽ ፕሮግራም ተታሒዙ ነይሩ ። ኣብ ምቛም እዛ ጉጅለ ግለኒስ ዓቢ ኢድ ነይርዋ ። እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ኣቦ መንበር APPG ፓትሪክ ግረዲን Patrick Grady MPን ኣቦ መንበር Focus Eritrea ሃብተ ሐጎስን ግለኒስ ብዓለም ደረጃ ኣንጻር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል እተካይዶ ቃልስታት ብሕልፊ ኣብ ኤሪትራ ገሊጾም።
ፓትሪክ ግረዲ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ንቤተሰባ ጺሒፉ ወዳ ኣባል ፓርላማ ስቲፈን ኪኖክ (Stephen Kinnock) ናይ ምስጋና ደብዳቤ መሊሱ።
ባሮነስግለኒስ ኪነክ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንናጽነቱን ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክቃልስ ከሎ ዘይሕለል ደገፋ ስለ ዝወፈየት ስማ ኣብ ታሪኽ ኤሪትራ ሂያው እዩ። ኣብነት ናይቶም ኩሎም ንናጽነት ኤሪትራ ዘይሕለል ደገፍ ዝወፈዩ ወጻእተኛታት እያ። ንዓኣ ክብሪ መሃብ ነቶም ተረሲዖም ዘለዉ ምዝካር ማለት ስለዝኾነ።
እዞም ኣህጉራውያን ሰብ ሕልና ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዘበርከትዎ ዝተፋላለየ ሓገዛት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤሪትራ ክዝከሩን ምስ ህዝቢ ክላለዩን ምተገበኤ ነይሩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ምስ ህዝቢ ከላልዮም ድልየት ኣይነበሮን ጥራሕ ዘይኮን ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክገብሮ ተዳልዩ ዝነበረ ኣዚዩ ጠቃሚ ሓገዛትን ወፍርታት ተሓሲምዎ እዩ። ዋላ ተጀሚሩ ዝነበረ ከም ኣብ ጉርጉሱም ዓሳ ዝፈርየሉ ሓጽቢ ተሰሪሑ ክነሱ ተቓሪጹ። ኣዋፋሪ ወዲ ደቡብ ኮረያ ትካል ምግፋፍ ዓሳ ክገብር ተፈቂድሉ ግን ስራሕ ከይተጀመረ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር ክብሉ ስለዝጀመሩ ነቲ ስራሕ ጠንጢንዎ ከይዱ ። ኣህጉራውያን ኣዋፈርቲን ግብረሰናይን ማሕበራትን ኣብ ኤሪትራ ክሰርሑ እንተ ተፊቂድዎም ነቲ ኢሳያስ ስልጣን ብሒቱ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ምግሃስ ወዲ ሰብ ከየቃልዕዎ ስለ ዝፈርሔ እዩ።
ኣነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃይለ ሰላሴ ዩኒቨርሲቲ ብ 1971 ብቢዝነስ ማነጅመንት ዲግሪ ተመሪቀ ንኣስመራ ተመሊሰ ስራሕ ጀሚረ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከለኹ ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ መወዳእታ 1960ታት ጀሚሮም ናይ ሶሻል ዲሚክራሲ ስነሓሳብ መርገጺም ክኸውን ይቃለሱ ነይሮም። እዚ ስነሓሳብ እዚ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብታት ዝድግፍ እዩ። ኣብ 1969-1970 ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ዋልልኝ መኮነን ዝበሃል ተመሃራይ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣምሓራ ነተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቢሀራት (Nations and Nationalities) ጨቁኑ/ረጊጹ ይገዝእ ስለ ዘሎ ክእለ ኣለዎ – እቶም ጭኩናት ቢሄራት ከኣ መሰል ርእሰ ውሳኔ (Right of self determination) ክሳብ ምንጻል ክወሃቦም ኣለዎ ዝብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሰንበደን ንዑኡ ዝና ዘትረፈን ወረቀት ኣቅሪቡ። ንሕና ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ገስጋሲ ስርዓት እንተ ተተኺሉ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ክፍታሕ ይኽእል እዩ ኢልና ብምእማን ኣብ ኩሉ ምንቅስቃሶም ንካፈል ነርና ። ዝምድና ገስገስቲ ኢትጵያውያንን ኤሪትራውያንን ኣብዚ ጊዜ እዩ ጽኑዕ መሰረት ዝሓዘ።
ንጉስ ሃይለሰላሰ ኣብ የካቲት 1974 ብናይ ወተሃደራት ዕልዋ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ። ወተሃደራት ኣብ ውሽጦም ስለጣን መን ሓዘ ቁርቁስ ገይሮም ኮረኔል መንግስቱ ሃለማሪያም ዓብላሊ ኮይኑ ወጺኡ። ደርጊ ዝስሙ ናይ ወተሃደር መንግስቲ ቖይሙ።
መንግስቱ ሃይለማሪyም ጨካን ዲክታተር ስለዝነበረ ምስቲ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝመትከሉ ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ሰዓብቶም ካልኣይ ደርጃ ተመሃሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሰማማዕ ኣይከኣለን። ካልእ ምርጫ ስለዘይነበሮም ብረታዊ ቃልሲ ክጅምሩ ተበጊሶም። ኣብዚ ጊዜ ከኣ እዩ ህዝባዊ ግንባር ነቶም ኣንጻር ደርጊ ክቃለሱ ዝጀመሩ ኢትዮጵያውያን ወተሃደራዊ ስልጠና ክህቦም ፍቃደኛ ዝኾነ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ደርጊ ናይ ሓባር ጸላኢ ስለዝኾነ ተሓባቢርካ ምውቁዑ ዓወት ከቃላጥፍ ስለ ዝኽእል። ህዝባዊ ግንባር ንናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰውራዊ ፓርቲ (EPRP)ን፣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናጽነት ግንባርን (ወያነ)፣ ኣብ ሜዳ ታዕሊም ሂቡ ብረት ኣዕጢቁዎም እዩ።ሓንቲ ታሪኻዊት ስሪሒት ንመንግስቱ ዘጸለለት ከኣ ኣብ ኦሮሞ ናጽነት ግንባር (OLF) ዝንቀሳቀስሉ ቦታ ብደርጊ እናተደፋኡ ስለዝኸዱ ህዝባዊን ግንባር ኣፈርክቡ ሓጉዙና ተባሂላ ብሱዳን ሓሊፋ ኣብቲ ኩናት ተኻፊላ ንደርጊ ጸራሪጋ ካብቲ ቦታ ኣባሪራቶ።
ምስ ሲዳማ ናጽነት ግንባር፥ ናይ ተጋድሎ ሓረነት ኦጋደን (Ogaden Liberation Front) ጽቡቅ ዝምድና ነይሩ። ብወገኑ ደርጊ ኣንጻር ገስገስቲ ኢትጵያውያን ቀይሕ ራዕዲ (Red Terror) ኣውጁ ክሳዕ 30,000 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ቀቲሉ።
ብ 1971 ካብ ኣዲስ ኣበባ ነኣስመራ ምስ መጻእኩ ምስ ፈዳይን ህዝባዊ ግንባር ርከብ ክገበር ጊዜ ኣይወሰደለይን። ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ፈዳይን ህዝባዊ ግንባር ናይ ገንዘብ ሕጽረት ስለዝነበሮም ንዓይን ንኽልተ ካላኦት ሰባት ኣብ ድለባ ገንዘብ ክንሕግዞም ሓቲቶምና ። 3 ሰባት ኮይና ፡ ኣማሃጽዮን ወዲ ባሽይ ፣ ራጂነረ ርእሶምን ኣነን ሓንቲ ፍልይቲ ዋህዮ ኣቁምና ካብ ሃብታማት ሃገራውያን ገንዘብ እናኣከብና ሽግሮም ከነቃልለሎም ተሰማሚዕና። ንወሕስነትና ተባሂሉ ምስ 2 ፈዳይን ጥራሕ ክንራኸብን ክንሰርሕን ተወሲኑ፡፡ ኣስማቶም ሐደ የማን ኣባግራይ ተማሃራይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ እቲ ካልኣይ መምህር ዓንዶም። መብዝሕትኡ ብጥረ ገንዘብ ንህቦም ነርና ። ኣድላይ ነገራት ብህጹጽ ምስ ዘድለ ግን ከም ሽኮር ሓሪጭ መድሃኒት ወዘተ ገዚእና ኣብ ሓደ ስቱር ገዛ ኣርባዕተ ኣስመራ ዝተወለድኩሉ ዓደይ ነብጽሖ። -ፈዳይን ለይቲ ለይቲ መጺኦም ብኣእዱግ ጺዒኖም ይወስድዎ።
ሓደ ጊዜ 3 መጋቢት 1975 እቶም ምሳና ዝሰርሑ 2 ፈዳይን ሓደ ንግሆ ሰዓት 10 ይኸውን ንኣማሃጽዮን ወዲ ባሻይ ደዊሎም ሓደ ወዲ ተኽሊያ ዝበሃልሃብታም ሰብኣይ 25, 000 ብር ክህበኩም ኢሉና ኣብ ገዝኡ ኣብጽሓና ይብልዎ። ኣማሃጺዮን መኪንኡ ኣልዒሉ ምስ ኢንጅነር ርእሶም ኮይኑ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ይወስዶም። ለካስ መጻወዲያ እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ስድራቤቱ ኣብ ክልእ ኣግዒዝዎም ነይሩ፣ ሻሂ ከምጻልኩም ኢሉ ናብቲ ካንሸሎ ዘሎ ክሽነ ይኸይድ ኣብቲ ክሽነ ተሓቢኦም ዝነበሩ ኣባላት ኣፋኝ ወጺኦም ተኸቢብኩም ኢኹም ኢድኩም ሃቡ ይብልዎም። ንሶም ግን ኢድና ኣይንህበን ኢሎም ተታኺሶም ኣብኣ ይስውኡ። ብድሕሪኡ ኣማሃጽዮን ንርእሶም ኣብ ኣፍደገ ስርሔይ ኣውሪዱ ይኸይድ። ርእሶም ኩሉ ምስ ገለጸለይ በል ኣነን፣ ንስኻን፣ ኣማሃጺዮንን ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ቦታ የብልናን ሎሚ ክንወጽእ ኣለና እብሎ። ነቶም ንኣምኖም ክፈልጥዎ ዝግባኣ ሓበሬታ ሂብና ብቤት ገርጊሽ ገርና ኣብ ድርፎ ትርከብ ናይ ፈዳየን ነቕጣ (ቦታ) ብደሓን ኣቲና።
ኣብ ድርፎ ኮይና ኩነታት ኣማሃጽዮን ክንሰምዕ እናትጸበና ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ተረሽኑ እዩ ንሳሕል ውረዱ ንበሃል። ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ኮይንኒ ንብዓተይ ብሙዕጉርተይ እናፈሰስ ካብቶም ካልኦት ርሕቅ ኢለ ኮፍ በልኩ። ሓደ ናይ ሂወተይ ምዕራፍ ተዓጽዩ በልኩዋ ንነፍሰይ።
ኣብ ሳሕል ኣብ ብለቃት ተዓሊም ወዲኤ ኣብ ኤውሮጳ እምደብ። እቲ መገዲ ብየመን ስለዝኾነ ካብ ደብዳብ ነፋሪት ኢትዮጵያ ክንድሕን ብመርከብ ብለይቲ እዩ ነይሩ። 20 ዝኾኑ ዉጉኣት ተጋደልቲ ሒዝና ንዓደን ንኣቱ። ኣብኡ ሳልሕ ሰበ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ዝጀመሩ ዓቢ ዝና ዘለዎ ሽዑ ጊዜ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሓላፊ ዝነበረ ናይ ሶማል ፓስፖርትን ኣየር ቲከትን ኣሳሊጡለይ ንለንዶን ኣብ መወዳእታ 1976 ይኣቱ። ውጉኣት ተጋደልትና ኩባውያን ሓኻይም ዝነበርዎ ሆስፒታል ይሕከሙ ስለ ዝነበሩ ነቶም እንግሊዝ ዘይፈልጡ ከተርግሞሎም ሓደ 6 ወርሒ ዝኸውን ኣብ ዓደን ጸኒሔ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተኹ ሓፋሽ ውድባት ናይ ረዲኤት ስራሕ ጀሚሮም ስለዝነበሩ ተጸንቢርዮም ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ልልይን ዲፕሎማሲን ሓላፊ ኮይነ ክሰርሕ ተመዲበ ማእከልነተይ ምስ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ ኣብ ሮማ/ኢታልያ እዩ ነይሩ። ኩሉ እቲ ስርሔይ ግን ምስ ሓፋሽ ወድባት ምትሕብባርን ምክፍፋል ስራሕን እዩ ዝዕመም ዝነበረ። ሓፋሽ ውድባት ናይ ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዲፕሎማት ነይሮም እንተተባህለ ኣጋንኖ ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ናጽነት ግን ደስክሉ ተባሂሎም ። ለካስ እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ናይ ኢሳያስ ድምጺ ዘለዎ ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኮነ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክይህሉ ምግባር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣካለ ስንኩላት ክርሽኑ ከለዉ፣ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክዕጾ ከሎ – ኣባላት ጅ-15 ክእሰሩ ከለዉ ኣቤት ዝብል ዝተወደበ ናይ ህዝቢ ማሕበር ስለዘይነበረ እዩ።
ኣብዚ ጊዜ ናይ ረዲኤት ቤት ጽሕፈት ኣይነበረን ምሉእ ጊዚኡ ዝሰርሕ ሰብ ኣውን ኣይነበረን። ሙሉእ ጊዜ ክሰርሕ ምስ ጀመርኩ ግን ብርሃነ ገብሪሂወት ፡ንጡፍ ኣባል ሓፋሽ ውዱባት፡ ምሳይ ምሉእ ጊዚኡ ክሰርሕ ተወፊዩ፡፡
መጀመርታ ዝገበርናያ ኣድራሽታት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት እናኣከብና ምልላየን እዩ ነይሩ። ካብተን ዝተራኸብናየን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዏር ኦን ዎንት (War On Want) ትበሃል ንጉዳይ ኤሪትራ ብዝያዳ ኣቃልቦ ሂባትሉ። ብሕልፊ እታ ሓላፊት መሪ ዳያንስ (Marry Dines) ኣጋይሽ ምዃንና ተረዲኣ እግሪ ክሳብ ንተክል ክራይ ከይከፈልና ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮይንና ክንሰርሕ ፈቂዳትልና። መሪ ዳይንስ ብስራሕናን ተወፋይነትናን ተመሲጣ ምስ ካልኦት ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን, ከምኒ Christian Aid, Oxfam, Caffod, Save the children etc ኣፋሊጣትና። ካብዘን ዝጠቀስክወን ግብረሰናይ ማሕበራት ቀጻሊ ሓገዝ ንረክብ ነርና ።መሪ ዳያን ኣባላት ናይ እንግሊዝ ፓርላማ፣ ጸለውቲ ውልቀ ሰባትን ከተፋልጠና ላዕልን ታሕትን ኢላ እያ። ኣባል ናይ ለበር ፓርቲ ምንባራ ምስ ብዙሓት ኣባላት ኣላሊያትና። ምስ ለበር ፓርቲ ብገስጋሲ ስነ ሓሳብ (ideology) ንሰማማዕ ስለዝነበርና እውን ጽቡቅ ዝምድና ክንገበር ጊዜ ኣይወሰደልናን። ሽዑ ከኣ እያ መሪ ደያንስ ምስ ግለኒስ ኪነክን ዶክተር ስቱዋርት ሆላንድን ዘፋለጠትና። ክልቲኦም ኣባል ለበር ፓርቲ እዮም። ኣብ 1981 ለበር ፓርቲ መሰል ርእሰ ውሳኒ ናይ ኤርትራ ብወግዒ ፈሊጣ። ኣብታ ትምጽእ ምርጫ ለይቨር ፓርቲ እንተ ተዓዊታ ስቲዎርት ካብ ሕጹይ ሚኒስትር (Shadow Minister) ናብ ምሉእ ሚኒስተር ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ስለዝኸውን ካብቲ መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግዶም ንመንግስታት ኣፍሪቃ እትህቦ ሓገዝ ንኤርትራ ብርከት ዝበለ ክንህብ ኢና ይብለና ነይሩ። ለበር ፓርቲ ግን ኣብ ምርጫ ኣይተዓወቱን።
ግለኒስን ስቲዋርትን ንናጽነት ኤርትራ ንምጥባቅ ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ መታን ክህልዎም ንሜዳ ኣትዮም ነናቶም መጽሓፍ ጺሒፎም እዮም። ቤት ጽሕፈት ምስ ቀየርና መሪ ዳያንስ ሙሉእ ጊዚኣ ምሳና ክትሰርሕ ጀሚራ ብሕልፊ ኣብ ምሕጋዝ ነቶም ዑቅባ ዝሓቱ ኤሪትራውያን።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግለኒስ ኪነክ ኣብ ሜዳ ኣትያ ብዙሕ ቦታታት ዘይራ ተዓዚባ ። ምስ ተመልሰት Eritrea: Images of War and Peace by Barones Glenys Kinnock, Jenny and Mtthew ዘርእስቱ መጽሓፍ ምስ ብጾታ ጺሒፋ። ተራ ደቅንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ዓቢ ምዃኑ ኣድንቖታ ምስ ተመልሰት ገሊጻቶ ። ኣብ ክፍሊ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን በጺሓ ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮና ሆስፒታላት። ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ግብረስናይ በጻሕቲ ሕጽረት ዝሰተ ማይ ከም ዘሎ ይንገሮም ነይሩ፥ ግለኒስ ምስ ተመልሰት ማይ ሕጽረት ምህላዉ ነቶም ዝሕጉዝና ዝነበሩ ግብረሰናያት ከተካፍሎም ተንቀሳቂሳ። ብዙሓት ግብረሰናያት ዝተኻፈልኦ ብ ዋር-ኦን-ዎንት ዝተበገሰ ናይ ናይ ሓባር ስራሕ (coalition) ተኻይዱ። ኣብ ምምራጽ እታ ኩዓቲት ክብረኣብ ዝስሙ ኦልዮ (olio) ዝሳጓኡ ኣብ ኢራን በንዚን ምውጻእ ዝሰርሕ ዝነበረ ኤሪትራዊ ተኻፊሉ ነይሩ፥ ኣብቲ ኣቀማምጣ መሬት ናይ ሳሕል ክትሰርሕ ትኽእል ኩዓቲት ማይ መሪጹ። ሓላፊ ናይ ቤት ጽሕፈት ኤሮጳ ኣብ ሮማ ዓዲ ጣልያን ኤርሚያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ንሚኪኤል ሓላፊ መጉዓዚያ ኣብ ሜዳ ሒዙ ንሎንዶን መጺኡ ። ሓደ ነገር ክፍለጥ ዘለዎ እተን ግብረሰናያት ኣብ ሜዳ ካብ ኣባላቶም ዝምርምሩ ሊኢኾም እቲ ዝህበኦ ሓገዛት ኣብቲ ዝተባህሎ መዓላ ይውዕል ምህላዉ የረጋግጹ ነይሮም፥ ብጸብጻብ እውን ይሰነ ስለዝነበረ ማሕበር ረዲኤት ኤሪትራ ብኣህጉራውያን ግብረሰናይ ማሕበራት ፍትውቲ እያ ነይራ። ማሕበራት ናኤራ ብኸምዚ ይገልጽዋ ነይሮም(ERA the darling of NGOs).
ኾነ ድማ 1991 ኤርትራ ንደርግ ሲዕራ ነጻነታ ትጭብጥ። ኣብ 1993 ረፈረንዱም ተኻይዱ ልዑላዊት ሃገር ኮይና። ደጊም ህዝቢ ኤሪትራ እፎይ ኢሉ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኩናት ተገላጊሉ ኣብ ምህናጽ ሃገሩ ዘተክሮሉ ጊዜ በጺሑ። እቲ ዘሕጉስ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤሪትራውያን ኣዋፈርቲ ቀልጢፎም ኣብ ምህናጽ ሀገር ክካፈሉ ንዓዲ ክጓየዩ ጀሚሮም፡፡ ንስኻትኩም ተጋደልቲ ናጽነት ኣምጺእኩምልና ኢኹም ንሕና ከኣ ሃገር ክንሃንጽ ኢና ዝብሉ ብዙሓት ነይሮም ። ንኣብነት ዶከተር ኣብርሃም መድሃኔ ምስ ሰርጹ ካብ ወጻኢ ኣትዮም (2 modern) ርሻናት ሰሪሖም፡፡ ኣቶ ወልዱ ናይ ጥርሙዝ ፋብሪካ በዓልሞያ(expert) ኣብ ከንያን ሱዳንን ዝዓየ ዝነበረ ናይ ጥርሙዝ ፋብሪካ መሪንጊ ካብ ምሕዳሳ ሓዳሽ ጊዝያዊት ዘይንገብር ኢሉ ኣብ ዓዲ ጣልያን ከይዱ ነቲ ፋብሪካ ዘስርሕ ዋጋታት ተሰማሚዖ ምስምጸ ቅድሚ ምጅማሩ ጸገማት ፈጢሮሙሉ ጠንጢንዎ ከይዱ። ምሳና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ መሓመድ ሓጎስ ነታ ደቂሳ ዝነበረት ናይ ኦሞ (OMO) ሳምና ትካል ስድራበይቱ ገዚኦማ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከካይዳ መጺኡ። ብተወሳኺ ኣባል ማሕበር ፈደረሽን ኣስራሕቲ ኤሪትራ ኮይኑ መንግስቲ ንነጋዶን ኣዋፈርትን ዘተባብዕ ፖሊሲ ክገበር ምስ ብጾቱ ይፍትን ነይሩ፥ ኣነ እውን ንግዳዊ ባንክ ኤሪትራ ወኪለ ኣባሎም ነይረ ። ሓንቲ ዝተረግመት መዓልቲ ንባጽዕ በይኑ ብመኪና ክኸይድ ከሎ ጸዲፉ ሞይቱ ይብልዎ። ብዙሕ ሰብ ብመንግስቲ እዩ ተቀቲሉ ኢሎም ይዛረቡ።ንሱ ዝኣክል ገንዘብ ኣኪቡ ኣብታ ዝተወልደላ ዓዲ መንደፈራ/ ሰራየ ሓዲሽ ቤት ትምህርቲ ክሰረሕ መደብ ነይርዎ። ካልኦት እውን ብዙሓት ነይሮም ከም እንዳ ነስረዲን ኣብ ናጀሪያ ፋብሪካ ዝነበሮም፣ ኣቶ መሓሪ ተወልደብራሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወናኒ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ዝነበረ ድሓር ግን ኣብ ሱዑዲ ከይዱ ዝሃብተመ። ድሕሪ ናጽነት ኣስመራ ክነበር ቀልጢፉ ኣትዩ ምስ ኢንተርናሽናል ሂልተን ተሓባቢሩ ሆተል (Hilton Hotel- Asmara) ክሰርሕ ወዲእዎ ግን ህግደፍ ብርኪ የእትወና ምስ በልዎ ጠንጢንዎ ንወጻኢ ክነበር ዓዲ ገዲፍዎ ከይዱ። ለኣከ ኪዳነማርያም ናይ ስካኒያ ዝብሃላ ናይ ጽዕነት መኻይን ወኪል ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ- ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ናይ ደናዳይ ምርባሕ ከብትን ትካል መፍረ ጸባን ክገዝኣ- ጨረታ ኣትዩ ግን ህግደፍ ወኒናታ ። ካላኦት ኣብ ኤሪትራ ዝነበሩ ነጋዶ እውን- ናይ ስራሕ ውሕስነት ሲኢኖም ከም እንዳ ዓንሰባ ፣ እንዳ ሃለቃ ገንዘቦም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዋፊሮሞ። ናይ ጡጥ ሕርሻ ክገብሩ መጺኦም ዝነበሩ ኣህጉራውያን ኣዋፈርቲ ኣይተዓወቱን። ናቶም ወኪል ሚኪኤል ሙሴ ዝበሃል ዝፈልጦ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣብ ሆተል ኣምባሰይራ ምስ 2 ጸዓዱ ኮፍ ኢሉ ረኺበዮ። ካብኣቶም ፍልይ ኢሉ ከምዚ ይብለኒ “ጉድ ኣኮ እዩ ተረኺቡ እዞም ትሪኦም ዘለኻ 70 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ናይ ጡጥ ሕርሽ ኣብ ባርካ ክገብሩ መጺኦም። ህግደፍ ናይዚኦም ሓበረታ ኣለና ኣብ ኣፍሪቃ ሕርሽ ኣለዎም ጉቦ እናብልዑ እዮም ነቲ ባህርያዊ ሃብቲ ዝምዝምዝዎ ዘለዉ ኢሎም ከሊኦሞም። እዚ ሕርሻ ንብዙሕ ሰብ ስራሕ ምፈጠረ እቲ ቦታ እውን ምስ ከተመ (transform ምስኮነ) ይብለኒ። እዚ ንተጋዳላይ ካብቲ ነብስኻ ምኻል ዝብል ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣይዲዮሎ መሰረት ዝገበረ ይመስሎ ነይሩ። ስለዚ ኮነ ኢልካ ይግበር ምህላዉ ከስተውዕለሉ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ኣብ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ንነጋዶ “እዞም መዝመዝቲ እንዳበሉ” ምስ ህዝቢ የጻላኡዎም ነይሮም።
ከምዚኢታት ተንኮላት ዘይፈልጥ ዶክቶር ስቱዋርት ሆላንድ ብወገኑ ቑጠባ ኤሪትራ ዘደንፍዕ “Twining between Eritrea and Eupean Union especially Italy”. ዝብል ፕሮጀክት ኣዳልዩ ኤርትራ ተኣመር ዝኾነን ቁልጡፉን ቁጠባዊ ምዕባለ ክትገበር ትኽል ኢያ ብሃሊ ነይሩ። ካብ ኩናት ስለዝወጸት ግን ክንሕግዛ ኣለና ኢሉ ዝተበገሰ ሰብ እዩ። ስቲዋርት መምህር ናይ ቁጠባ ኣብ ብራይተን ዩኒቨርሲቲ-ዓዲ እንግሊዝ – ኣማኻሪ ናይ ዩናይቲድ ኪንግዶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ – ከምኡ እውን ኣማኻሪ ፈረንሳዊ ጃክ ደሎር ኣቦ መንበር ኤሮጳዊ ሕብረት ዝነበረ እዩ። ብናይ ቁጠባ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ምሁር እዩ። እዚ ዓይነት ተመክሮ ዘለዎ ሰብ ነታ ካብ ኩናት ዝወጸት ሀገረ ኤሪትራ ኣብ ምሕንጻጽ ቁጠባዊ ፖሊሲኣ ዓቢ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሕልፊ ኣብቲ ጊዜ ምብራቅን ምዕራብን ጀርመን ዝሓበራሉ ጊዜ ስለዝነበረ እሞ ናይ ምብራቅ ጀርመን ባቡራት ክልወጣ ስለ ዝተባህለ ብሐገዝ ሃቡና ኢልካ ክርከባ ይኽእላ እየን ይብል ነይሩ ስቲዎርት። ኤርትራ ካብ ባጽዕ ክሳብ ከረን ባቡራት ስለዝነበረኣ ነቲ መገዲ ባቡር ክሳዕ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምንዋሕ ጥራሕ እዩ ዘድሊ ነይሩ።
ኣብዚ ስራሓት ደገፍ ናይ ዓዲ ጣልያን ብቕሊል ክርከብ ይኽእል እዩ ዝብል እምንቶ ነይርዎ። ምኽንያቱ መሰረት ኢንዱስትሪታትን ናይ ከተማታት ትሕቲ ቅርጽን ኤርትራ ናይ ጣልያን ስለዝነበረ። ብተወሳኺ ጣልያን ንኤርትራ ክትሕግዝ ሓላፍነት ነይሩዋ። ስቲዎርት ኣብ 1996 ኣቢሉ ምስ ናይ ንግዲ ሚኒስተር ዝነበረ ጀነራል ዑቅበ ኣብረሃ- ካላኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ነቲ ፕሮጀክት ምስ ገለጸሎም ዑቅበ ኣብረሃ ብሓጎስ ተቀቢልዎ።
እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ ግን ሐፈሽዊ ኩነታት ቁጠባ ኤርትራ ጽላት ብጽላት ክጽናዕ ከም ዘለዎ ነጊርዎም። እዚ መደብ ብጽሑፍ ምስ ቀረበሎም ከኣ እዩ ብዙሓት ሃገራት ኤሮጳ ክተሓባበራ ዝኽእላ። ነዚ ዘጽንዑ 3 ዝኾኑ ሰብ ሞያ (experts) ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ክውድእዎ ከም ዝከኣል ነጊርዎም። እዚ መጽናዕቲ (research )30.000 ዶላር ዝውድእ ነቶም ዘጽንዑ ዝኽፈል እዩ። እዚ ከኣ ኤሮጳዊ ሕብረት ንመጽናዕትን ምርምርን ንኣፍሪቃ ዝወሃብ ፍሉይ ባጀት ኣለዎም ግን ብመንግስቲ ደረጃ ክሕተት ኣለዎ። ደብዳቤ ቀልጢፍኩም ጽሓፍሎም ስራሕና ክንጅመር ይብሎም። ዑቅበ ኣብረሃ ጸገም ከም ዘየለ ይነግሮ። ስቱዋርት ንግለኒስ ኪነክ ኣባል ባይቶ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ (Member of Eurpean Parliament (MEP) ስለ ዝነበረት ተኸታተሊዮ ይብላ።
እታ ደብዳቤ ግን ኣይተጻሕፈትን። ምስ ደንጎዮ ንግለኒስ ይሓታ ። ንሳኸኣ ካብ መንግስቲ ኤሪትራ ዝመጸ ደምዳቤ የለን ትብሎ። ድሓር ግን ነዚ ፕሮጀክት ክሰርሕ ከምዘይደልይዎ ተረዲእዎ ተባሳጭዩ ነታ ፕሮጀክት ሒዙ ነታ ብኻለኣይ ደረጃ ዝፈትዋ ዝነበረ ሀገር ቪየትናም-ልክዕ ከም ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ፍረንሳ ብጅግንነት ተዋጊኣ ሓራ ዝወጸት ይህቦም። ንሶም ኣመስጊኖም ተቀቢሎሞ። መንግስቲ ቪየትናም ኣብ ግብሪ ኣውዒሎማ ንሱ እውን ኣማኻሪኦም ኮይኑ ሰሪሑ ፥ ቭየትናም ዓቢ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝገበት ሀገር ኮይና። ስትዋርት ኣብ ቪየትናም ብሰላም ዓሪፉ።
ኣብ 1999 ኣቢሉ ይኸውን ንመጀመሪ ግዜ ኣብ ኤሪትራ ብጻዕሪ ኣቦይ ሱናባራ መሓመድ ደበና-ናይ ሳታያ ኣውቶቡስ ኣካየዲ ዝነበሩ – ክልኦት ናይ ኤርትራ ነጋዶን ሰብ ንኣሽቱ ፋብሪካታትን ናይ ኤሪትራውያን ኣስራሕቲ ፈደረሽን (Federation of Eritrean Emloyers-FEE) ኣቊሞም ነይሮም። ኣነ ንባንክ ኤሪትራ ወኪለ ኣብ ምቋማ እካፈል ስለዝነበርኩ ኣባል ቦርድ ኮይነ ተመሪጸ። ኣብ 1999 ሕብረት ኤሮጳ ምስ ናይ ኣፍሪቃ ኣስራሕቲ ማሕበር ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ፖሊሲታት ምሕንጻጽ ዝዕላምኡ (part of Cottonu agreement) ከምኡ እውን ሕብረት ኤሮጳ ንኣፍሪቃ እትህቦ ሓገዛት ዝምልከት ጉባኤ (conference) ኣብ ብሩስል በልጁም ተኻይዱ ነይሩ ። ኣነ ኣብቲ ጉባኤ ክኸይድ ተላኢኸ። እቲ ጉባኤ ናይ ሰለስት መዓልቲ ኮይኑ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰብ በበትኡ ክሕዝ ከሎ ኣብቲ መድርኽ ግለንስ ኮፍ ክትብል ይሪኣ ። መታን ከይትምልጠኒ ቅድሚ ምጅማሩ ድፈር ኢለ ኣብቲ መድረኽ ወጺኤ ሰላም እብላ። ንሳ እውን ተሓጊሳ ፍሽኽ እናበለት ሰላም ኢላትኒ በል ጉባኤ ምስ ወዳእካ ርኸበኒ እደልየካ ኣለኹ ንምሳሕ እውን ዓዲመካ ትብለኒ ። ናይ ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ብዛዕባ ኤሪትራ ዝጸሓፋ መጽሓፍ መእተዊ (forward) ጺሒፋትሉ እያ።
ኣብ ምሳሕ ምስ ተራኸብና ድሕሪ ከመይ ኣለኻ ከመይ ኣለኺ ክትዛረቦ ዝደልየት ትጅምር። ኣንቱም ኤሪትራውያን እንታይ ኢኹም ኮንኩም ብጊዜ ቃልሲ ዝምድናኹም ምሳና ግርም ነይሩ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተጨቆነ ንዓማጺ ንምብዳህ ተወፊኹም ዘደንቕ ስረሓት ትሰርሑ ነርኩም ሕጂ ግን ኣይግድን እንታይ ዲኹም ኮንኩም። ንሕና እኮ ናይ ቃልሲ ብጸትኩም ኢና ሓገዝ ክንገብረልኩም እናደለና ዘይትሰምዑና ቃልስኹም ገና ኣይተወደኤን እኮ። (ሕጂ ዘረበኣ ትንቢታዊ ኮይኑ ረኺብዮ) ። ኤርሚያስ ደበሳይ (Papayo) ተኣሲሩ ምስ ሰማዕኩ ንኢሳያስ ብመገዲ ኣምባሳዶርና ኣብ ኤሪትራ ስለምንታ ከም ተኣስረ ክነግረኒ ደብዳቤ ሊኢኸሉ ። መልሲ ግን ወይ ከ። ዶክቶር ስቲዎርት ከመይ ዝኣመሰለ ፕሮጀክት ሒዙ ኣትዮ፥ ግን ሓገዙ ነጺኩሞ። መልሰይ ከኣ ኤርሚያስ ገንዘብ ኣጠፋፊኡ ኢሎም ከሲሶሞ ነይሮም። ሓንቲ ክረኽብሉ ግና ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ዘጠርጥሮ ሓንቲ ንብረት የብሉን። ኣብ ጀርመን ትነበር ብዓልቲቤቱ ሽዋ ንደቆም ፋሕተርተር ኢላ እያ የዕቢያቶም። ግን ድሓር ብዘይ ገለ ክሲ ተፈቲሑ እንደገና ንዑኡን ስነጥበባዊት ሓብቱን ሰናይት ደበሳይ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣሲሮሞም። ቅድሚ ምፍትሑ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቦታ ከይደ እበጽሖ ነይረ ። ንስቲዋርት ድሕሪ ናጽነት ዓቢ ተራ ክጻወት ዝነበሮ መብጸዓ ኣፍሽሎሙሉ በዲሎሞ እዮም ። ዘይኢዱ እዩ ረኺቡ ። ስትዎርት ኣብ ኤሪትራውያን ዝነበሮ ክብርን እምነትን ዓቢ እዩ ነይሩ። ኣብ ምምሕዳር ካብ ሰኣን ተመክሮ ዝመንጨወ ጌጋታት ክኸውን ይኽእል እዩ ክመሓይሽ ተስፋ ኣለኒ ኢለ ኣጸናኒዔ ተሳናቢተያ። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ድሕሪ ምእሳር ጅ-15 ናይ ኤርትራ ነገር ከም ዝተበላሽወ ተረዲእዋ ብሕልፊ ኣህጉራውያንን ኤሪትራውያንን ተጣበቅቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤሪትራ የቃልሖኦን ይስንደኦን ስለ ዝነበራ። ግለኒስ ኣብ ፓርላማ ጊዜ ሕቶን መልስን ስለምንታይ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤሪትራ ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኩንኖ እናበለት ደጋጊማ ትሓትት ነይራ። ኤሪትራ ፎካስ ሓግዝና ምስ በልናያ እዋይ ብጾት ረኺበ ኢላ ሕጉስ እያ ዝበለት።
ድሕሪ ናጽነት ኣዋፈርቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ጥራሕ ኣይኮኑን ቁጠባ ኤርትራ ከበራብሩ ተበጊሶም ዝነበሩ መንግስታት እውን ተጓይየን እየን። ንኣብነት መንግስቲ ጀርመን ኣብ ምምዕባል መንግስታውዊ ትካላት (capacity building) ተኻፊሉ እዩ።
ኣብ ጀርመን ዝቁመጡ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ነዚ ሓዲሽ መንግስቲ ከገልግሉ ምስዝደልዩ መንግስቲ ጀርመን- ናይ 2 ዓመት ደሞዝ ክኽፈሎም ወሲኑ። ትካል እንተገይሮም ኣብ ልዕሊ ናይ ክልተ ዓመት ዶሞዞም ልቓሕ ክወሃቦም። ካብኣቶም ብርከት ዝበሉ ኣብ መታሕት ሕርሽ ጀሚሮም ነይሮም። እታ ኣብ ኣዲስኣለም ዘላ ሓዳሽ ኣደራሽ ናይ ባህሊ (cultural Centre) ሐደ ጎይትኦም ዝበሃል ካብ ጀርመን ዝመጸ ብልቓሕ እዩ ኣስሪሕዋ።
ካልኦት ናይ ምዕራብ ሃገራት ይድግፋ ነይረን ናይ ጀርመን ግን ሕሉፍ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ተራ ኡሽ ኣይድ (USHI- AID) ኣባል ናይ ግሪን ፓርቲ (Green Party) ዓቢ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከም መሪ ዳያንስን ግለኒስን ንኤርትራ ከተፋልጥ ላዕልን ታሕትን ዝበለት ደጋፊት ገድልና ነይራ።
ኣብ 1987 ዝተኽየደ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኡሽ ኤይድ (USHI- AID) ተኻፊላ ነይራ ፥ ከምኡ እውን ካልኦት ከም ኣብደልራሕማን ባቡ ብጊዜ ኒረረ ናይ ታንዛኒያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ ኣብ ሜዳ 2 ቅን ገይሩ ምስተመልሰ ኣብ ሎንዶን ትሕተም ኣፍሪቃ መጋዚን ከምዚ ዝስዕብ ጺሒፉ (Eritrea: its present is the remote future of other African countries):: ምስኡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተኻፈለት ህንዳዊት ዓርኩ ጸሓፊት ኣምሪት ዊልሰን “The Challege Road: Women in Eritrea” ትብል መጽሓፍ ጺሒፋ። ወጻእተኛታት በጻሕቲ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ምዕባለታት ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ኮይኑ እዮም ዝረኽብዎ ዝነበሩ። ኣብ ሜዳ ናይ መድሃኒት ፋብሪካ ነይሩ፥ ዓበቲ ሃገራት ኣፍሪቅ ከም ኢትዮጵያ ሽዑ ኣይነበረንን። ናይ እግሪ ሓኻይም ገዛ ገዛ እንዳኸዱ ጥዕና ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝቢ ይከታተሉ ነይሮም። እዚ ኣገልግሎታት ኣብ ሜዳ ትምህርቲ ናይ ኣጋር ሓኻይም እዮም ዝዓምዎ ነይሮም። ደም እትምርምር መሳሪሒት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተገጣጢማ እቶም ገዛ ገዛ ዑደት ዝገብሩ ኣጋር ሓኻይም ይጥቀሙላ ነይሮም። መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ገጠራት እናኸዱ ሃ፣ሁ ይምህሩ ነይሮም።
ኣብቲ ጉባኤ ናይ ጣልያን ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝወከሉ ነይሮም ከማኡ እውን ካብ ኖርወይን ካልእ ቦታታት ዝመጹ ። ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማሪያም እውን ነይሮም “ነጻነት ኢሪትራ ኣብዚ ረኺበያ እናበሉ ብሓጎስ ገጾም ኩሉ ጊዜ ምስ በርሀ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኣቦይ ኢብራሂም ሱልጣን እንቋዕ ሓጎሰና ዝቡል መልእክቲ ካብ ግብጺ ብተይፕ ተመሊኡ ኣብቲ ኣደራሽ ኣኼባ ተሰሚዑ። ብነጎዳ ጣቂዒት ተዛዚሙ።
ድሕሪ ጉባኤ ካብ እተን ኣጋይሽ ዝእንግዳ ዝነበራ ተጋደልቲ መታን ምስ ኣቦይ ወልወል ከዕልላ ቡን ኣፍሊሔን ናይ ዕላል መኣዲ ከፊተን። ሓንቲ ዓዲ ጣልያን ዝሳጓኣ ተጋዳሊት (ካብ ዓዲ ጣልያን መጺኣ ዝተሰለፈት) ብድድ ኢላ በሉ ምስ ኣቦና ወልወል መዘከርታ ንሰኣል እዛ ዕደል ከይትምልጠና ትብል- ቡን ምስታይ ኣቋሪጽና ኣብ ምስኣል ኣቲና።
Foto: ስእሊ ምስ ኣቦይ ወል ወል ምስ ፡ 1987 ካል ኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ሳሕል
በሉ ከም መዛዛሚ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ እቲ ደላይ ፍትሒ እንታይ ክገበር ኣለዎ ኢልና ኢሂን ምሂን ንበሃሃል፡
ኣቢይ ኣሕመድን ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ፕሮተሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሰላም ውዕል ፈረሞም ኩናት ጠጠው ምስ ኣበሉ ኢሳያስን ናይ ኣምሓራ ፋኖን ኣይተቀበልዎን። ኢሳያስ ብኣንጸርጽሮት ተኾሊፍና ኢሉ ብኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተጠልመ ገሊጹ። ተኾሊፍና? ካብ ምንታይ፣ ካብ ሞትን መውጋእትን ሰራዊት ኤሪትራ። ኢሳያስ ከይተፈለጦ ንሂወት ኤሪትራዊ ዋጋ ከም ዘይህቦ ተናሲሑ። ንዑኡ ሂወት ኤሪትረውያን ዘይኮነስ ስልጣኑ ምንዋሕ እዩ ዝግድሶ። ኣብ ክንዲ መገዲ ሰላም ተኸቲሉ ሂዎት መንእሰያትና ዘድሕን ኣብ ኹናት ክሃለቁ ፈሪድዎም። ደገፊቲ ህግደፍ ሰራዊት ኤሪትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ከጸንቱ ንቡር ገይሮም ወሲዶሞ። ድምጺ የብሎምን እምበር ኣቤት ክብለ ምኸኣሉ።
ኢሳያስ ምስ ፋኖ ምቅጻል ዘተኣማምኖ ስለዘይኮነ ናይ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ኢዱ ከእቱ ዕድል ረኺቡ ውዲት ኩናት ከም መቀጸልታ ስልጣኑ ተጠቂሙሉ። ምስ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን መራሒ ሰራዊት ሱዳን ወጊኑ። ንዑኡ ዝድግፉ 6 ጉጅለታት ኣብ ጋሽ ባርካ መዓስከር ሂብዎም ። ምስቶም ኣሕዋትናን መዕቆብትናን ዝነበሩ ህዝቢ ሱዳን ደም ይተኽለልና ኣሎ። ኣንጻር ኣል ቡርሃን ዝዋጋእ ዘሎ ሒመቲ እኹል መሳሪያታት ካብ ኢሚራት ይረከብ ስለዘሎ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ተጻባቱን ደጋፊኦም ኤርትራን ክወግእ ኤሪትራ ክኣቱ ይኽእል እዩ።
Khaled Shawish: Chairman of the Popular Front for Liberation and Justice፣ ንኢሳያስ ኢዱ ክስሕብ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ጺሒፍሉ (Turning this measures into official policy of the state of Eritrea will result in prolonging the war, transforming Sudanes territory into a regional war zone, and shifting the extent of its threat to all the regional neighborhood when it becomes a war of all against all.) ኣብዚ ኣቦ ወንበር ኻለድ ናይ ኢሳያስ ምንዋሕ ኩናት ስትራተጂ ኣረጋጊጹ ኣቃሊዕዎ እዩ። እዚ ኻለድ ብቑጠዔ ናብ ኢሳያስ ዘሕለፎ መልእኽቲ ክሳብ ክንደይ ኤሪትራ ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ከም ዘላ መርድእ እዩ።
ከም መደምደምታ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ደላይቲ ፍትሒ ዝቃለሰሉ ሜላታት ኣብ ድልየት ህዝቢ ኤሪትራ ዝተመኮሰ ክኸውን ኣለዎ። እሱ ከኣ ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ህዝቢ ኤርትራ ኩናት ጠጠው ኢሉ ስላም ክሰፍን እዩ ድልየቱ ለይትን መዓልትን ከኣ ምስ ጸለየ እዩ። እዚ ጉዳይ ብዙሓት ተንተንቲ ኤሪትራውያን ኣልዒሎም ይዝቲይሉ እዮም። ንኣብነት ሰንጋል ወልደስላሰ፣ ዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን ዶክቶር መንግስተኣብ ዎልደዮሃነስ ኣብ ናይ ሳሚኤል ዓካዓካ፣ደሃይ ኢሪትራ ዝተኻየደ ዘተ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ደጋጊሞም ዘቅርብዎ ዝነበሩ “ማእከል ቃልስታት ደለይቲ ፍትሒ ኩናት ደው ክብልን ሰላም ክሰፈን ክኸውን ኣለዎ ።
ኩናት ደው ኢሉ ሰላም ክነግስ ግን ብዝተወደበ መገዲ ሓያል ጎስጓስ (CAMPAIGN) ከካይድ ጊዜ ዝጠልቦ እዩ። ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣቢይ ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ብድሮን ይጭፍጭፎም ኣሎ፥ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ይሳቀ ኣሎ፥ ኣብ ሱዳን ክሳብ 8 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ተመዛቢሉ ይርከብ። ስለዚ ኤሪትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ናይ ሰላም ዘርኢ ምዝራእ ጠቃሚን ሃናጽን ኣበርክቶ እዩ፡ ናይ ሰብኣውነት (humanity) ምዝገባ ታሪኽ ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ዓለም ኢሪትራዊ ብኸምዚ ንነፍሱ እንተ ኣላሊይዋ ወጻእተኛታት ተደናግጽትን ተሓባበርቲን ከጥሪ ተኽእሎ ኣሎ።
ብተወሳኺ ደላይ ፍትሒ ኩናት ጠጠው ኢሉ ሰላም ከምዝደሊ መርገጺኡን መንነቱ (profile) ምስ ዝገበር ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ክረክብ ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ኩሉ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ደንበ ፍትሒ ሓቢሩ ዘቃልስ ስትራተጂ እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ሊብያ ካልኦት ቦታታን ዝሳቀዩ ዘለዎ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብዝተወደበ መገዲ ሐገዝ ክግበረሎም ምግባር፡ ብሕልፊ ምስቶም ንስደተኛታ ዝሕግዙ ዘለዉ ሰብ ሕልና ርከብ ተገይሩ ብዛዕብኡ ሓደ ምእኩል ስራሕ ምእንቲ ክጅመር ። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን ምስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ክመሃሩን ኣብ ልምምድ ስራሕ ከተኩሩን ጎስጓስ ክካይደሎም ይግባእ። ንዑ ክገብሩ ዝተበገሱ ኣለዉ ግን ምሕጋዞም የድሊ። ንስደትኛታት ተሓባቢሮም ክሕግዙ ዝተበገሱ ማሕበራት ኣለዉ ምሳቶም ዘተ ምጅማር ኣድላዪ እዩ። ብሕልፊ ኣብ ምውጻእ ገንዝብን ንሰደተኛ ኣብ ምዕዳሉን።
ይቅጽል
“ኢሳያስ ከይተፈለጦ ንሂወት ኤሪትራዊ ዋጋ ከም ዘይህቦ ተናሲሑ። ”
Would that be “kab kissad nilaillii ???”
Just curious.
The trojan horse still lurks among us doing the same thing as decades ago, we keep on doing the same thing he thought us to do in the enterprise he created to achieve his goal, in return we blame ‘THE CHOSEN ONE’ for giving us today’s SING-A-POOR we are looking from outside in with NAFIQOT.
I am still listening to half of the story, where is the rest?
Who is the storyteller and who is the intended audience?
The Kalifa will continue to reside in his retreat unscathed until we get it right.
It has been a month since my last post, a lot has happened since, except one constant, the 32 y/o regime in Asmara continues to proliferate its roots deeper into the aquafer of our society sucking the life out of our very existence and grooming and handing power to junior dynastic lieutenants without resistance to lead the beguiled nation to the abyss.
Where are the owners of this land?
Where are the people who freed this turf?
What happened to the children of those who ploughed through land mines and captured the hills of Duta, Serrarat and Embasoira…?
The nation keep morphing into something I can’t recognize.
SOS!……..
NIZITELEMKUMO DESAWI E’ELAMA NATSINET
KINKITELO INA BI’ETKI BI’ETKI JIGNINET
SALATIKIBUR DEMKUM ZIFESESE
GONTSITATNA KULU TEDEMSESE TEDEMSESE
SIWUAAT AHWATNA/AHATNA BEJA HIZIBI
GUBU’EKUM FETSIMKUM MOYA A’ABI MOYA A’ABI…
Time heals all wounds as the saying goes, it ain’t healing for this little nation which looks frozen in time as it is clearly manifested on its facade for occasional tourists to marvel.
Until the parasite which thrives on this purulence is dealt with decisively, the wound festers and the people keep running away from the stench.
A female relative with elementary education who visited back home recently after a long while summed up her observation in these few words…’ KULU ITI HIZBI ZIHAMEME YIMESL’.
I understood, it is a protracted, terror induced collective political psychosis.
It won’t take that much to repair the roads, paint the peeling facade of the iconic buildings and unclog the fagnaturas…, however, reversing this devastating psychological damage to our people will be a daunting task to reckon with.
The Lucifer continues to sodomize the nation with no restraint.