ኣበርክቶ ባሮነስ ግለኒስ ኪኖክ ኣብ ዝተናውሔ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
Labour leader Neil Kinnock and his wife Glenys cast their votes at Pontllanfraith, South Wales – April 1992. (Image: Mirrorpix)
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ዕላማ ጽሑፈይ ባሮነስግለኒስ ኪነክ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ናጽነቱን ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር ምልኪ ኣምሓራ ክቃልስ ከሎ ዘይሕለል ደገፋ ስለ ዝወፈየት ስማ ኣብ ታሪኽ ኤሪትራ ተመዝጊቡ ሂያው ንምግባር እዩ። ኣብነት ናይቶም ኩሎም ንናጽነት ኤሪትራ ዘይሕለል ደገፍ ዝወፈዩ ወጻእተኛታት ስለዝኾነት። ንዓኣ ክብሪ መሃብ ነቶም ካላኦት ደገፍቲ ሰውራ ምዝካር ማለት ስለዝኾነ። እዞም ኣህጉራውያን ሰብ ሕልና ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዘበርከትዎ ዝተፋላለየ ሓገዛት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤሪትራ ክዝከሩን ምስ ህዝቢ ክላለዩን ይግባእ ነይሩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ምስ ህዝቢ ከላልዮም ድልየት ኣይነበሮን። ብዕሊ ጽንብል ጌይሩ ከመስግኖም ይትረፍ ኣብ ኣብ ምምዕባል ዝተዳኸመ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ክሳተፉ ኣብ ዝተበገስሉ ጊዜ ነብስና ስለ እንኽእል (self-reliant) ኣየተድልዩናን ኢኹም ብዝብል ምስምስ ሓገዞም ነጺግዎ። ስለ ዝኾነ ኤሪትራውያን እዞም ደገፍቲ ቃልስና እንታይ ዓይነት ዲፕሎማሲያውን ግብረሰናይን ሓገዛት ከም ዝገበሩ እኹል ኣፍልጦ የብሎምን። ካልእ ይትረፍ እተን መወልትና ዝነበራ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ንህዝቢ ክሕግዛ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣስመራ ከፊተን ዝነበራ መታን ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚርዎ ዝነበረ ምግሃል ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከይቃላዕ ቤት ጽሕፈተን ዓጽየን ናብ ዓዓደን ክምለሳ ገይሩ። ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ክገብሮ ተዳልዩ ዝነበረ ኣዚዩ ጠቃሚ ወፍርታት ዋላ ተጀሚሩ ዝነበረ ወፍርታት(Investment) ከም ኣብ ባጽዕ ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ዓሳ ዝፈርየሉ ዲጋ ተሰሪሑ -ዓሳ ንሰደድ ምልኣኽ ኣብ ዝጅምረሉ ጊዜ ከም ዝቛረጽ ተገይሩ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ ኩባንያ ናይ ጡጥ ሕርሻ ኣብ ሳሕል ወፍሪ ከዋፍር ተነጺጉ እዩ። ንኣሽሓት ሰባት ስራሕ ምስ ተፈጥረ ነይሩ። ከተማታት ሳሕል እውን ምማዕበላ። ኣብ ሳሕል ህዝቢ ስራሕ ረኺቡ ካብቲ ከርፋሕ ናብራ ገጠራት ምተገላገለ። ጊዜያዊ መንግስቲ ኤሪትራ (ህግደፍ) ግን ማዕጾ ዓጽዩ ስልጣኑ ከውሕስ ህዝቢ ምጭፍጫፍ መሪጹ። ንኤሪትራ ካብ ዓለም ነጺልዋ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ ብዝበል ስም ተጠሚቃ። እታ ዝደኸየትን ዝተናዕቀትን ሀገር ኮይና ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጻሕታሪት ኩናት ኮይና ተሪፋ። ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ሓደሕድ ኩናት ኢትዮጵያ ሰራዊት ሊኢኹ ዘይተኣደነ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈጺሙ። ሰላማዊ ህዝቢ ምርሻን – ትካላት ምዕናው – ገዛ ገዛ እናኣተኻ ንብረት ተጋሩ ምዝማት- ካብ ኩሉ ግን ምስ ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ኣምሓራ ሚሊሻን ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ ተተሓሒዝዎ። ነዚ ክገብር ግን ሰራዊት ኤሪትራ ብኣሻሓት ኣብቲ ኩናት ጸኒቱ እዩ። ዝኸፍኤ ከኣ ግፋታት በልማማ ኣብ ኤሪትራ እናካየደ ስድራቤት ዝተሓብኡ መንእሳያት እናኣሰረ የሳቅን የጥምን ኣሎ። እዝስ ሀየንታ ዶ ኣይኮነን። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግን እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ህልቂት ኤሪትራውያን ንቡር ገይሮም ግዲ ወሲዶሞ ንኢሳያስ ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ ሰላም ዘይትገበር ዘይምባሎም ብቀጥታ ተሓባበርቲ ተባሂሎም ጽባሕ ንግሆ ሕፍረት ከምዝጓናጸፉ ጥርጥር የለን። ኣብዚ ሰላም ኣብ መንጎ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየደሉ ጊዜ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ገበን ምስሊ ህዝቢ ኤሪትራ ተበሊሉ። ሰራዊት ኤሪትራ ውጹዕ ክነሱ ንኻልእ ኣህዛብ መሰል ክጥሕስ ከሎ ዓለም ንሕዝቢ ኤሪትራ ጸገሙ ወጽዓኡ ቆላሕታ ኣይትገብረሉን እያ። እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ሰራዊት ኤሪትራ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኦሮሚያ፥ ቤንሻንጉል፣ ኣፋር ካልእ ቦታታትን ይዋጋእ ስለ ዘሎ – ኩለን እዚኣተን ቤሄራት ኢትዮጵያ ን ኤርትራ ናይ ሓባር ጸላኢ ገረን ተሓባቢረን ነቲ ናይ ኤሪትራ ወተሃደር ካብ ኢትዮጵያ ብብረት ኣውጺኤን ብረተን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከቅንዓ ይኽእላ እየን። ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ እዩ።
መበገሲ ናይዚ ጽሑፈይ ሎርድ ኒል ኪኖክ በዓል ቤታ ንግለኒስ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕነኣ ዘሕዝን መግለጺ ምስሃቡ እዩ። እቲ ዝበሎ እታ ንህዝቢ ነጢፋ ተገልግል ዝነበረት፥ ሓብሓቢት ቤተ ሰባ ፣ ፈቃር ሕጂ ግን ብኣልዛይመር ዝብሃል ሕማም ተበኪላ ዓዲ ውዕል ኮይና ኣብ ገዛ እናተኣሊየት ነበር ካብ እትኸወን ድሮ 5 ዓመት ኮይኑ ይብል።
ንሕና ኣባላት ኤርትራ ፎካስ ብኹነታታ ኣዚና ሓዚና ብሕልፊ ኣብ ምቛም ንኤርትራ ትድግፍ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ፓርላማ (All Party Parliamentarian Group on Eritrea <APPG>) ወሳኒ ተራ ስለ ዝነበራ ። ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ መርድእ እዚ ኣብቲ ኤርትራ ፎካስ 2 ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝገበረትሉ ሰሙናት እዩ ነይሩ ። ቀዳማይ ብ 22,23,24/ ሕዳር 2022 ኣብ ሎንዶን ዩኒቨርሲቲ (ሰነየት ሃውስ) ብዛዕባ መጻኢ ኢሪትራ ዝነበረ ናይ 3 መዓልቲ ኮንፈረንስ እዩ።
ካልኣይ እዞም ጉጅለ (APPG) ነቲ ብኤርትራ ፎካስ ብምትሕብባር ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ማሕበር ጋዘጠኛታት ኤርትራውያን (Pen Eritrea) ዝተዳለዎ ናይ ስእሊ ምርኢት (Exhibition) ካብ 6 ታሕሳስ ክሳብ 9 ታሕሳስ 2022 ኣብ ውሽጢ ፓርላማ ከም ዝረኤ ምግባሮም እዩ። ብዓወት እውን ተዛዚሙ። እዚ ምርኢት ናይቶም ብግፍዒ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ኢሪትራ ጋዜጠኛታትን፣ ጂ-15 ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰበስልጣናት ፡ ብሃገር ደረጃ ምርጫ ተገይሩ ህዝቢ መራሕቱ ክመርጽ ኣለዎ ዝብሉን እዩ። ከም ዝፍለጥ ሽዑ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ጊዚያዊ እዩ ነይሩ ክሳብ ናይ ህዝቢ ምርጫ ተገይሩ ሕጋዊ መንግስቲ ዝቀውም። ከምኡ ኮይኑ ክቕጽል መታን ህዝቢ ከይቛዎሞም ህግደፍ ናይ ምምራጽ መሰላቱ መንጢሉ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ፈሪሑን ተሸቕሪሩን ከም ዝነብር ገይሩ። ብሰንኩ ልዕሊ ሚልዮን ህዝቢ ንስደት ኣምሪሑ ። እቶም ስደተኛታት ኣብ መገዲ ብዙሕ መከራ የጋጥሞም ከም ጠለ-በጊዕ ይሽየጡ፡ ኮላሊቶም ይሽየጥ ብኣሰጋገርቲ ገንዘብ ኣምጽኡ እናተባህሉ ይቅጥቀጡን ይቕተሉን ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ይጥሕሉ ። እቲ ኣውራ ኣፍራየ መንእሰይ እናጠፍኣ ቁጠባ ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ። ኢሪትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ እያ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን።
APPG on Eritrea launched in the House of Commons (Parliamennt) 4 April 2016
ኣብዚ ህዝቢ ኢሪትራ ብመራሕቱ ዝተጠልመሉ ጸልማት ጊዜ ዓለም ንህዝቢ ኤሪትራ ረሲዑ ዋኒኑ እናገበረ ከሎ ግለኒስ ኪኖክ ግን ምስ ህዝቢ ኤሪትራ ወጊና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ከይተሓለለት ተንቀሳቂሳ።
ግለኒስ ኪኖክ ኣብ ፓርላማ ኣብ ጊዜ ሕቶን መልስን ዕድል ኣብ ዝረኸበትሉ ጊዜ ሰብኣዊ መሰል ኤሪትራውያን ተገፊፉ ከሎ መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግዶም ንምንታይ ዘይትኹንኖ እናበለት ንናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓለፍቲ ትብድሆም ነይራ እያ። ኣብቲ ባይቶ (parlament) ተሓላቂት ስለ ዝነበረት ኣባላት ኤርትራ ፎካስ ተሓባበርና ምስ በልናያ – እዋይ መቃልስቲ ረኺበ ኢላ ሓጎሳ ኣብ ገጻ በሪሁ ይረኤ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ፓርላማ መኤከቢ ክፍሊ እናሓዘት ምሳና ኢሂን ሚሂን ክትብል ኪኢላ። ብኣባላት ናይተን ኩለን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዝቖመት ናይ ደገፍ ሽማግለ (APPG on Eritrea), ብዘይ ወዓል ሕደር ከም ዝቆውም ገይራ። ኣብዚ ጊዜ ሰላም መንግስቲ እንግሊዝ ሰራዊት ኤርትራ ቀልጢፉ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ኣለዎ ኣብ ትብለሉ እዛ ደገፍ ሽማግለን (APPG) ፣ ኤርትራ ፎካስን ተራ ነይርወን እዩ፡፡ እዚ ኩናት እዚ ብሰላም ይፈታሕ ኩናት የብቅዕ ማለት ህልቂት ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን መወዳእታ ይገበረሉ ማለት እዩ። ህግደፍ ግን ምስ ሊሂቃን ኣምሓራ ኮይኑ ኣንጻር ሰላም ይሰርሕ ኣሎ። ሳዕቤኑ ዝያዳ ህልቂት ኤሪትራውያን እዩ። ህግደፍ ግን ሂወት ኣኤሪድትራውያን ክዓጥ ዲዩ። እቲ ዘአርም ግን ኣብ ደገ ዝለዉ ደገፍቱ ዘምቑዋሞም እዩ። ንትድግፎ ስርዓት ክጋገ ከሎ ዓገብ ዘይምባል ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ሱር በተኽ ሕቶ ኣሎ። እሱ ድማ “ስም ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝሃለቑ ኤሪትራውያን ይዘርዘር። መርድእ ይነገር ። ደቅና ኣበይ ኣለዉ “ፎካስ ኤሪትራን ተሓባበርቶምን ከም ቀዳማይ ዕማም ወሲዶም ዝዝትይሉ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ናይ ህዝብና ድምጺ ብዝያዳ ንኾነሉ ሕጂ እዩ።
ናይ ግለንስ ኪነክ ናይ ዝሓለፈ ሐደ ሐደ ታሪኻዊ ንጥፈታት ኣሕጺር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን እየ። ኣነ ካብ 1973 ክሳብ 1975 ኣብ ውሽቲ ኣስመራ ምስ 5 ብጾት ዋህዮ ኮይና ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ስለላ ስራሕን ገንዘብ ካብ ሃብታማት እናኣከብና ንግንባር ኣድላየ ነገራት እናገዛእና ናብ ሱቱር ገዛ ዝተወለድኩላ ዓደይ ኣርባዕተ ኣስመራ ንወስዶ፥ ለይት ፈዳይን መጺኦም ብኣእዱግ ጺዒኖም ንድርፎ ይወስድዎ። ኣብ መጋቢት 3, 1975 ዋህዮና ኣብ መጻወድያ ኣፋኝ ምስ ወደቐት ኣነን ካለኣየይን ብዕድል ኣምሊጥና ንሜዳ ኣቲና። 3 ብጾት ግን ተቀቲሎሙና። ሓደ ወዲ ዋህዮና እቶም ክልተ ፈዳየን። እዛ እዋን እዚኣ ኣብ ኣስመራ ዘዛረበት ጸላም መዓልቲ ነይራ። ኣብ መወዳእታ 1976 ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ክሰርሕ ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣትየ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበሩ ኤሪትራውያን ተወዲቦም – ናይ ረዲኤት ስራሕ ክሰርሑ ጀሚሮም ነይሮም ምስኦም ተሓባቢረ ኣብ ግብረ ሰናይን ዲፕሎማስን ስረሓትን ክነጥፍ ኪኢለ። ማሕበር ረዲኤት በቶም ካብ ሓፋሽ ወድባት ዝተመርጹ ቦርድ ብሕጊ ተመዝጊባ ። ክዘከር ዘለዎ ኣብ ዋጻኢ ዝነብሩ ሓፍሽ ውድባት እዮም ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ኣምባሳደራት ዝነበሩ። ኣብ ጊዜ ናጽነት ግን ኣይተድልዩናን ተባሂሎም ደስኪሎም፥ ሳዕቤኑ ድማ ኤርትራ ካብ መንድግስቲ ነጻ ዝኮኑ ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ ክይህልዋ ደይመደይ ኢልካ ዝተገብረ እዩ።
ካብኣቶም ሓፋሽ ውዱባት ሓደ ብርሃነ ገብሪሂወት ሙሉእ ጊዚኡ ምሳይ ክሰርሕ ተወፍዩ ። እታ መጀመርያ ዝገበርናያ ኣድራሸታት ገበርቲ ሰናይ እናኣከብና ክንፋለጠን ጀሚርና እዚ ክንገበር ከለና ግን ቤት ጽሕፈት ኣይነበረናን። ይኹን እምበር ምስ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ክንላለ ኪኢልና።
ካብተን ዝተራኸብናየን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዏር ኦን ዎንት (War On Want) ንጉዳይ ኤሪትራ ብዝያዳ ኣቃልቦ ሂባትሉ። ብሕልፊ እታ ሓላፊት መሪ ዳያንስ (Marry Dines) ኣጋይሽ ምዃንና ተረዲኣ እግሪ ክሳብ ንተክል ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮይንና ክንሰርሕ ፈቂዳትልና። ምስ ደልደልና ግን ናህና ቤት ጽሕፈት ተኻሪና ስራሕና ብጹፉፍ ክነካይድ ኪኢልና። – ካብ ሓፍሽ ውድባት ሙሉእ ጊዚኦም ዝሰርሑ እናበርከቱ ከይዶም። ንገዛእ ርእሳ መሪ ዳይንስ – ሙልእ ጊዚኣ ክትሰርሕ ተጸንቢራትና።
መሪ ዳይንስ ብ ስራሕናን ተወፋይነትን ተመሲጣ ምስ ካልኦት ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን, ኣባላት ናይ እንግሊዝ ፓርላማ፣ ጸለውቲ ውልቀ ሰባትን ከተፋልጠና ኪኢላ። ኣባል ናይ ለበር ፓርቲ ምንባራ ምስ ብዙሓት ኣባላት ኣላሊያትና – ብገስጋሲ ስነ ሓሳብ (ideology) ንሰማማዕ ስለዝነበርና እውን ጽቡቅ ዝምድና ክንገበር ጊዜ ኣይወሰደልናን። ሽዑ ከኣ መሪ ደያንስ ምስ ግለኒስ ኪነክን ዶክተር ስቱዋርት ሆላንድ ዘፈላጠትና። ክልቲኦም ኣባል ለበር ፓርቲ እዮም። ክልቲኦም እዚኦም ንጎስጓስ ዝኸውን ብዝያዳ ኣፍልጦ ክህልዎም ንሜዳ ኣትዮም ብዛዕባ እሪትራ ነናቶም መጽሓፍ ዝጸሓፉ እዮም።
ኣብ 1978 ኣቢላ መሪ ዳይንስ ሜዳ ኣትያ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምብጻሕ ገይራ ዘድሊ ነገር መዝጊባ – ተመሊሳ። ምስ ገድልና ናይ መፋለጢ ዝዝርጋሕ ጽሑፍ (leaflets) ብሓጺሩ ብዛዕባ ናይ ማሕበር ረዲኤት ስረሓት ትገልጽ ምሳና ሓቢራ ኣዳለወት። እታ መላለይት ጽሕፍቲ ኣብ ዝተዓደምናሉ ሰሚናራት ትዕደል ነይራ። ኣብዚ ጊዜ ግለኒስ ኪኖክ ምስ መሪ ዳይንስ ኮይነን ኣብ ምሕታት ገንዘባዊ ሓገዝ ንማሕበር ረዲኢት ኮነ ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ይተሓባበራና ነይረን እየን። ኣብቲ ዝለዓለ ኣካል ናይ ለቢር ፓርቲ (National executive Committee) ኣብ 1981 ኣብ ኤራትራ መርገጺ ዝወሰድሉ ሓያል ጎስጓሳት ኣበርክቶ ጌረን። ብወግዒን እውጅን ለበር ፓርቲ ኣብቲ ኣማኻሪኦም ዝኾነ ባሲል ዳቪድሶን ዘቅረቦ ወረቀት ተመርኩሶም ፣ ዘትዮም ናይ ኤርትራ ቃልሊ ንመሰል ርእሲ ውሳኔ ንድግፍ ዝበል ጽኑዕ መርገጺ ኣብ 1981 ወሲዶም። ባዚል ዳቪድሰን ብዛዕባ ዝተፋላለያ ገድልታት ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ መጻሕቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ኤሪትራ ኣህጉራዊ ሲምፐዝየም ዝተኻይደት ኣቦ መንበር ነይሩ። እዚ ውሳኔ ማዕጾ ብዙሓት ገብረ ሰናያት ከፊቱልና እዩ። (Christian Aid, Oxfam, Caffod, Save the children etc መንግስቲ ኣውስትራሊያ ምስ ናይ እንግሊዝ ለበርፓርቲ ዝምድና ስለዝነበሮም ንሶም እውን ንማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ጨንፈር ኣውስትራሊያ ብዙሕ ሓገዝ ይገብሩ ነይሮም። ክዝከር ዝግባኦ እቲ ንማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ዝድግፍ ዝነበረ ዶክቶር ሆለዎስ ድሕሪ ናጽነት – ናይ ዓይኒ ጥገና ፋብሪካ ብነጻ ኣብ ኣስመራ ኣቋቂሙ ነይሩ።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ናይ ግለኒስ ኪነክ ኣብ ሜዳ ኣትያ ብዙሕ ቦታታት ዘይራ ተዓዚባ ። ኣዚያ ዝተገደሰትሉ ተራ ደቅንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ዓቢ ምዃኑ ኣድንቖታ ምስ ተመልሰት ገሊጻቶ። ኣሃዱ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን በጺሓ ከምኡ ኣውን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮነ ሆስፒታላት። ቀንዲ ኣተኩረኣ ንጥፈታት ደቀንስትዮ ነይሩ። እተን ኣብ ኩናት ዝተመደባ ሓጺር ስረ ወድየን ናይ ወተሃደር ጃካ ለቢስን ካላሽን ተሓንጊጠን ዝረኣየተን ተመስጦኣ ምስ ተመልሰት ተሪኻትሉ እያ። ትዕዝብታ እወን ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ። ካልእ ቦታታት ከም ናይ መድሃኒት ፋብሪካ። ኣብ መራፊት – ሱዳን- ዝርከብ ዓቢ ጋራጅ – ኣብኡ ምጥጋን ጥራሕ ዘይኮነ ቅያር ኣካላት መኻይን ዝሰርሓ መሳሪሒታት- ምህላዉ ። ኣብቲ ግዜቲ ናይ ጀርመን መርሰደስ ዝበሃላ ናይ ጽዕነት መኪና ካብ ፖርት ሱዳን ንሜዳ ኣእኻል የመላልሳ። ስረሓተን ዘንጸባርቅ ኣደታት ተባሂለን ይጽውዓ ነይረን። ኣብቲ ጊዜ ኣቲ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠጃ ሳይሞን ድሪንጊ (Simon Dring) ንሜዳ ከይዱ ዝሰኣሎ ኣብ ትሕቲም መሬት ዓሶ ሓሚሙ ክሕከም ከሎ – ገለ ኣካል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ፊስካ ሰሚዕዖም ካብ ቤት ትምሀርቲ እንዳ ጎየዩ ናብ ጎዳጉዲ ክሽረቡ ከለው ኣብ ቲቪ ተራእዩ። ጆን ስኖው (John Snow) ከም ዜና ኣብ ቲቪ ፈንይዎ። ኣጋጠሚ ኮይኑ ነቲ ፍልሚ ዝረኣዮ ፍሉጥ ናይ በንዚን ሚሊዮነር ፖል ገቲ (Paul Getti) ንጆን ስኖው ደዊሉ ተመስጥኡ ገሊጹ ነዞም ህጻናት £ 15,000 ኣወፊየሎም ኣለኹ ናበይ ክሰዶ ምስ በሎ ሓቢርዎ ናብ ማሕበር ረዲኢት ሰዲዱልና።
እዚ ዓለም ዘደነቀ ዛንታ ዘለዎ ገድሊ ኤርትራ ሓደ ሓደ ኤሪትራውያን ግን – ህዝባዊ ሐይልታት – ህዝባዊ ግንባር ናይ ሽፍታ ውደብ እዩ ይብሉ። እወ ጸሊም ጎድንታት ኣለዎ ብሕልፊ ብኢሳያስን መጫፈርቱን ተኻሒዱ እዩ። ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ ብህዝቢ እዩ እቲ ቃልሲ ገዚፍ ሓይሊ ናይ ኢትዮጵያ ተዋጊኡ ልዕላውነቱ ዘረጋገጸ ከም ኩለን ሃገራት ኣብ ኒዩ ዮርክ ዝመደበሩ ሕቡራት መንግስታት ሰንደቅ ዕላማኡ ዘምበልበለሉ እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ልዑልነት ኤሪትራ ኣብ ሓደጋ ዘለወሉ ብባንደራ ብቁዋም – ብ ኣውራጅ ብሃማኖት ምቑርቛስ ዘይኮነስ ከመይ ገርካ ተሓባቢርካ ነቲ ጨቛኒ ስርዓት ተልግሶ እዩ እት ህጹጽ ጠለብ። ጽባሕ ንግሆ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ምስ ቖመ ሕቶ ቁዋም፡ ባንደራ ወዘተ ናይቶም ወከልቲ ህዝቢ ዝውስንዎ ጉዳይ ይኸውን። ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ተራ ክህልዎ ዝኽእል ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብ እዩ። እዚ ኣብዚ ሕጂ ብሰም የኣክል ዝንቀሳቀስ ዘሎ ንኩሉን ፖለቲካዊን ሲቪላውን ሓቢረን ክሰርሕ ይሰርሕ ምህላዉ ዮሃና እብሎ። ግን ምስቲ ዝጎየ ዘሎ ጊዜ ክጎዪ ኣለዎ። እቲ መደብ ናይ 2 ዓበይቲ ጠለባት የጠቃልል። ንሱ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ብቁልጡፍ ካብ ምሉእ ኢትዮጵያ ክውጽእ ናይ ዝመቱ ዝርዝር ወጺኡ ንስድራቤቶም ክንገር። ኢሳያስን ተሓባበርቱን ብገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ (Crime againstd humanity) ኣብ ናይ ዓለም ፍርዲ ቤት ክቀርቡ።
እቲ ዘገረም ግን ሰላም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን እናተኻየደ ከሎ ህግደፍ ግን ክብትኖ ይጽዕር ኣሎ። EEPA: Europe External Programme with Africa ናይ ዕለት 04/01/2023 ዘውጻኡዎ ጸብጻቦም ከምዚ ይብል ። ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ወተሃደራት ኤሪትራ ኣብ ኦሮሚያ ከም ዝኣተዉን ካብኣቶም ዝበዝሑ ከኣ ናብ ቤን ሽንጉል ኣትዮም። ምእታውስ ኣትዮም ክወጹ ዲዮም ክ። እዚ ጊዜ እዚ ኣቢይ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ብሓይሊ ክውጻኦም ኢሉ ንፈልትማን ዝተዛረበለ ጊዜ እዩ። ኢሳያስን ደገፍቱን ግን ሂዎት ናይዚኦም ኤሪትራውያን ኣይግድሶምን እዩ።
.
ግለኒስ ኪኖክ ኣብ 1994 ኣባል ፓርላም ናይ ሕብረት ኤሮጳ እያ ነይራ። ኣብ ብራስል በልጁም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ሕብረት ኤሮጳ ተሸይማ ከምኡ እውን ሚኒስተር ናይ ኣፍሪቃ ኮይና ትቅመጥ ነይራ ። ኣብዚ ዓቢይ ስራሕ ከላ ንነጻ ኤሪትራ ምሕጋዝ ዓቢ ተኽእሎ ነይሩ። ዶክተር ስቱዋርት እውን – ሕብረት ኤሮጳ ቁጠባ ኤሪትራ ምብርባር ተራ ከም ዝህልዋ ተረዲኡ መጽናዕቲ “Twining between Industries in Italy and Eritrea”. ዝብል ምጽናዕቲ ኣካፊልዋ ነይሩ። ድክተር ስቲዋርት ሆላንድ ከም ዝብሎ መሰረት ናይ ኤሪትራ ኢንዱስትሪታት ኢጣልያዊ ስለ ዝኾነ ፡ትምህርትን ተመክሮን ሰብ ሞያ ኤሪትራውያን ናይ ጣልያን ተመኩረታት ስለዝሙርኮስ – ምስተን ኣብ ዓዲ ጣልያን ዘለዋ- ኢንዱስቱሪታት ዝምደና ምፍጣር ናይ ተክኒክ ሓገዝ ምርካብ- ካብ ኩሉ ከኣ እተን ናይ ዓዲ ጣልያን ባቡራት ኣብ ዝቕየራሉ ጊዜ ስለዝነበረ ከም ናይ ሓገዝ መንግስቲ ጣልያን ኮይነን ወይ ብሑሱር ተገዚኤን ኣብ ኤሪትራን ጎረባብቲ ሀጋራትን ከም ዝሰርሓ ምግባር ቀሊል ነይሩ። መንግስቲ ጥልያን እውን ምመወሎ። ገለ ገለ ኣብ ዓዲ ጣልያን ጊዜኤን ዝሓለፈ ንኹነታት ኤሪትራ ግን ጽቡቅ ገይረን ከገልግላ ዝኽእላ ኢንዱስትሪታት ከም ሓገዝ ወይ ብቑሩብ ገንዘብ ክግዛእ ዝከኣል እንተኮይኑ ምፍታን። ገንዘብ ከኣ ካብ ሕብረት ኤሮጳ ክሕተት ከም ዝከኣል ነይሩ እቲ መደብ።
ድሕሪ ናጽነት ዶክቶር ስተዋርት ሆላንድ ኣብ ኤሪትራ ኣትዩ ምስ ጀነራል ዑቅበ ኣብረሃ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ተዘራርቦም። ዑቅበ ኣብረሃ መርሓባ ኢሉ ተቀቢልዎ። ደብዳቤ ንሕብረት ኤሮጳ ከም ዝጸሓፍ እውን ኣረጋጊጽሉ። እቲ ደብዳቤ ኣብ ኢድ ግለኒስ እዩ ዝበጽሕ። ንሱ እውን ኣቀዲሙ ኢሪትራ ሓገዝ ከምዘድልያ ነጊርዋ ነይሩ። ስቲዋርት ሆላንድ ናይ ኣንግሊዝ ፕራይም ሚኒስተራት ዘማኽር ዝነበረ ናይ ቁጠባ ምሁር ኮይኑ ኣብ ፕሮጀክትታት ተመክሮ ዘሎዎ ውሩይ እዩ።
ደብዳቤ ኣይተጻሕፈን – ን ስቱዋርት እውን ኣይተነግሮን፡ ንሱ ተባሳጭዩ ከም ዘይደልዩዎ እውን ተረዲእዎ ነታ ፕሮግራም ሒዙ ነታ ብኻላኣይ ደረጃ ዝፈትዋ ሀገር ቪየትናም- ይህቦም ተቀቢሎሞ። መንግስቲ ቪየታንም ኣብ ግብሪ ኣውዒሎማ ንሱ ኣውን ኣማኻሪ ኮይኑ። ቭየትናም ዓቢ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝገበት ሀገር ኮይና። ኣብኡ ብሰላም ዓሪፉ። ኤርትራ ግን ኣብ ክንዲ ሃገራ ተማዕብል ጻሕታሪት ኩናት ኮይና ትርከብ። ህዝባ ካብ ጭቆናን ድኽነትን ክሃድም ንስደት ተጓየየ።
ኩናት ምስ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ከሎ ብጻዕሪ ሱናባራ መሐመድ ደመና- ናይ ሳታያ ኣውቶቡስ ኣካየዲ ዝነበሩ ካልኦት ተሐባበርትን ማሕበር ኣስራሕቲ ኤሪትራ (Federation of Eritrean Employers) ከቑሙ ኪኢሎም። ኣነ እውን ነታ ተመዲበላ ዝነበርኩ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ወኪለ ተኻፊለ። ሓደ ጊዜ ኣብ በልጁም ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤሮጳን – ወከልቲ ሀገራት ኣፍሪቃ ምስ ኤሮጳዊ ህብረት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ጉዳይ ሰሚናር ስለዝነበረ ኣነ ንባንክ ኤሪትራ ወኪለ ይኸይድ። ኣብቲ ሰሚናር ግለኒስ ኪነክ ዋና ሓላፊት ኮይና ክተሳሲ ሪኤያ ነብስይ ኣይገበረለይን ኣብቲ መድረኽ ደይበ ሰላም ተባሃሂልና። ድሕሪ ከመይ ኣለኻ – ኣለኺ “ሕጂ ኣብ ስራሕ ኣየ ዘለኹ ግን ምሳኻ ዘረባ ኣለኒ ሰሚናራት ምስ ተወደኤ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ምጻእ ምሳሕ ክዕድመካ እየ ትብለኒ” ክንደይ ክትጸንሕ ኢኻ ትብለኒ ተሰኪፋ ግዲ ኮይና ናይ ሰልስተ ለይቲ ጥራሕ እዩ ሆተል ዝኽፈለልና። ጸገም የብለይን ሰሙን ክልተ ሰሙን ክጸንሕ እየ። መሕደሪ ኣለኒ ምስ ዶክቶር ርእሶም ሀይለ (ኣለዉና ኣለዋና) ዝበሃል ተቀማጣይ በልጁም እብላ። ብድሕሪኡ ተራኺብና – ብዛዕብ ስቱዋርት ዓቢ ጌጋ ገርኩም- እቲ ንዓኹም ዝግባኣ ሓገዝ ናብ ቪየትናም ከይዱ፥ እንታይ ዲኹም ኮንኩም ትብለኒ። መንግስቲ ጣልያን እኮ ይገዝኣኩም ስለ ዝነበረ ክሕግዘኩም ድልየት ኣለዎ ንስኻትኩም ግን ኣይግደን ትብለኒ። ኣነ ብውሽጠይ ሕርር በልኩ። ወረ ኣብ 2019 27 ናይ ካቶሊክ ክሊኒካት ህግደፍ ዓጽዩ: እታ ዝተረፈት ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣብ ኣስመራ ተዕጽያ ከምኡ እውን እታ እንኮ ተክኒካል ቤት ትምህርቲ። ቀጺላ ኤርሚያስ ደበሳይ (ፓፓያ) ምእሳሩ ዝተሰመዓ ሓዘን ነጊራትኒ። ንኢሳያስ ንመንታይ ተኣሲሩ በጃኻ ፊትሓዮ ኢለ ጺሒፈሉ ግን መልሲ ወይከ? ፓፓዮ ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሙሉእ ኤሮጳ ሕላፊ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ምስ ግለኒስ ይፋለጡ ነይሮም። ድሕሪ 1981 ለበር ፓርቲ ንቃልሲ ኤሪትራ ብዕሊ ምስ ፈለጠታ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤኦም ምስቶም ካልኦት ብሶሽሊስት ሃገራት ትዕደም ነይራ ። ክልተ ጊዜ ክልተና ሓቢርና ዝኸድናሉ ጊዜ ነይሩ (once in Blackpool the second time in Britghton) ግለኒስ ኣብቲ ኣህጉራዊ ናይ ድራር ዕድመ ምስ ኣጋይሽ ካልኦት ሃገራት ኣፈሊጣትና እያ። ፓፓዮ ምቕሉል ቀልጢፉ ዝምድና ክገብር ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ግለኒስ እቲ ናይ ዝሓለፍ ብጻይነትን ሓቢርካ ምስራሕን (comradeship) ቅጅል ኢልዋ ግዲ ኮይኒ ቁሩብ ቁጥዕ ኢላ ኤሪትራውያን ደግፍትኹም ኣብዚ ልዑል ደረጃ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ከለና ክይትጥቀሙልናስ ኣይግድን ትብለኒ ናይ ስቱዋርት ነገር ኣሕሪቑዋ። እዚ እዩ እምበኣር ንሕና ኤሪትራውያን ዝበላዕናላ ጻሕሊ ሰባቢርና ዝሰንዳናያ። ንህዝቢ ዝሓሊ ምምሕዳር እንተ ዝህሉ “ኢሪትራ ዱባይ ናይ ኣፍሪቃ ክትከውን እያ ዝበል ተግባራዊ ምኾነ።
ተፈጸመ
እዚኤን ኣብ ታሕቲ መዝጊበየን ዘለኹ 4 መጸሓፍቲ ምስዛ ጽሕፍቲ ዝዛመዳ ስለዝኾና እምበር ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራስ ብዙሕ ተጻሒፉ እዩ። እቲ ታሪኽ ታሪክ ናይ ህዝቢ ኤሪትራ ኮይኑ ንሕና ተጋደልቲ ከኣ ኣካል ናይቲ ህዝቢ ኢና። እዚ ቃልሲ ሓያል ቃልሲ እዩ መትከላዊ እዪ ከምኡ ዝለዝኾነ ኣህጉራዊ ምሕዝነት (International Solidarity) ብብዝሒ ነይርዎ እዩ። ብሕልፊ ታንዛኒያዊ ኣብዱልራሕማን ባቡ- ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ነበር- ሜዳ በጺሑ ኣብ ኣፍሪካ መጋዚን ኣብ ለንደን ትሕተም ዝጸሓፉ ንወለዶን ተመራመርቲን ዝጠቅም ታሪኽ እዩ። ብዛዕባ ተቀቢሩ ዘሎ ናይቲ ህዝቢ ቃልሲ ገና ብጭልፋ ኣይተጻሕፈን። እቲ ሰውራ ናይ ህዝቢ እዩ ዋላ እውን ብኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን እቲ ሰውራ እንተ ተጨውየ። ብጀካ ናይ ሮይ ፓትማን መጽሓፍ እተን ሰለስተ ንፖለቲካውን ንዋታወን ሓገዛት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክጠቅማ ኪኢለን እየን።
- Eritrea: Images of War and Peace by Barones Glenys Kinnock, Jenny and Mtthew
- Eritrea Never Knell Down: by Stuwort Holland and James Firebrace of War On Want
- The book titled “The Long Struggle of ERITREA for independence and constructive peace Edited by Lionel Cliffe and Basil Davidson ። It is the outcome of the first international symposium on Eritrea.
- One of the speaker in the conference was Roy Pateman – his paper was Drought, Famine and Development: His book on Eritrea is titled “Eritrea: Even the stones are burning”.
Let us be honest.
a). Let us ask ourselves about ourselves.
b). Let us even be preposterous
c). Do we Eritreans REALLY, everlastingly, want independence, liberty, freedom,
happiness like other people?!?! One can’t help wondering!!!
d). Do we Eritreans REALLY everlastingly, capable of attaining independence, liberty,
freedom, happiness, to be free people like other people on planet earth?
e). Are we Eritreas really, ever lastingly, capable of attaining independence, liberty,
freedom happiness to be free people like majority people of the WORLD.
f). Let us be honest with OURSELVES by OURSELVES and LIVE a DESCENT LIFE.
g). Is that asking too much for ourselves, by our selves for own benefit and happiness!?!?!
h). After all, we went through thirty-year war for independence, liberty and happiness.
Dear Reader: YOU BE THE JUDGE. THE END
“እዚ ዓለም ዘደነቀ ዛንታ ዘለዎ ገድሊ ኤርትራ ሓደ ሓደ ኤሪትራውያን ግን – ህዝባዊ ሐይልታት – ህዝባዊ ግንባር ናይ ሽፍታ ውደብ እዩ ይብሉ። እወ ጸሊም ጎድንታት ኣለዎ ብሕልፊ ብኢሳያስን መጫፈርቱን ተኻሒዱ እዩ። ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ ብህዝቢ እዩ እቲ ቃልሲ ገዚፍ ሓይሊ ናይ ኢትዮጵያ ተዋጊኡ ልዕላውነቱ ዘረጋገጸ ከም ኩለን ሃገራት ኣብ ኒዩ ዮርክ ዝመደበሩ ሕቡራት መንግስታት ሰንደቅ ዕላማኡ ዘምበልበለሉ እዩ። ”
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ንሰዉራ ሽፍታ ምባል ፣ ብመራሕትን ካድራትን ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ተጀሚሩ። ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾት ሸፋቱ ነሮም ዝብል ኣስተምህሮ ብ1977 ብዕሊ ጠጠዉ ኢሉ። ብሱቱር ግን ንዋርሳይ’ዉን ክግለጽ ጸኒሑ። ስለዚ ሕጂ እቶም ብህግደፍ ዝተገፍዑ መንእሰያት ፣ ህዝባዊ ግንባር’ዉን ሽፍታ ነይሩ እንተ በሉ ፣ ንዖኦም ሙዉቃስ ጥራሕ ዘይኮነስ ፣ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ኢልና ታሪክ ካብ ምጥምዛዝ ክንቁጠብ ይግባእ።
እቶም ምስ ዓዋተ ንገድሊ ዝወፈሩ ፣ ምእንቲ ሃገሮም ፣ ደቆም ጠንጢኖም ዝኸዱ ኢዮም። ንሶም ይኾኑ ካልኦት ተጋደልቲ ፣ ኩሎም ደቂ ሃገር ፣ እታ እንኮ ህወቶምን ንእስነቶም ንሃገሮም ዘወፈዩ ፣ ዓብይ ክብሪ ይግቦኦም።
ክሰርቅ ንገድሊ ዝወጸ የለን።
‘ክሰርቅ ንገድሊ ዝወጸ የለን።’ W.H. I would agree when it comes to people like you and me, otherwise in retrospect, there definitely were elements who sneaked and embedded among us to do just that— STEAL AND HIJAK THE ERITREAN REVOLUTION.
The current state of the ‘nation’ and its disfranchised people glaringly proves that.
I think the writer should have stuck to the tribute of the baroness which was well documented.
Have a good day y’all.
ከመይ ቀኒኻ ኩቡር ዶቶረ
ኢሰያስን ጉጂሉኡን ፣ ምእንቲ ህዝቢ ይቃለሱ ነይሮም ክብል ይጽግመኒ። ብሰንኪ ገበናቶም ፣ ንሰዉራ ሽፍታ ምባል ግን ኣይግድን።
ኣብ ቅድሚ ኢሰያስ ፣ ሽፍትነት እቲ ዝዋሓደ ገበን ኢዩ።
ጹቡቅ ባዓላትን ፤ ሩሑሕ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።
‘ብዛዕባ ተቀቢሩ ዘሎ ናይቲ ህዝቢ ቃልሲ ገና ብጭልፋ ኣይተጻሕፈን።’ Yes indeed, the day it is scripted in its entirety, from alpha to omega without political or organizational bias… that will be the day of redemption, the Day of Reconciliation, the day the downtrodden Eritrean people will sit and relax and let a sigh of relief under the olive tree and savor the serenity of their home.
Otherwise, as long as the ghosts of tyranny, deceit and division are still lingering, the poor Eritrean people will continue to wear that confused look in their face and the young will be dispatched to fight a war in a foreign land without asking the question, why?
Let’s rid ourselves from this chronic malaise which is contributing to the degradation of our once pristine culture and then start holding other people accountable for the blatant broad daylight mass murder they are committing.