ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ;
ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡
ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!
እዚ ብሽርካ ውዲት ዓንዳሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ልቢ-ወለድ ሽልማት ኖቤሉ ኣብ ከረዴንሳ ዝሓረረቶ ውልዶ-ውልቀመላኺ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ነጸላ መንደቕ ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ዓሌት ናይ ምጽናት ውግእ ሕድሕድ፡ ህዝቢ ትግራይ ህላዊኡ ንምርግጋጽ፡ መንነቱ ንምዕቃብ ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ዘካይደሉ ዘሎ ወሳኒ ኲናት እዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዓሌት ናይ ምጽናት ውግእ፡ ኣብዚ ሰሙን `ዚ ብጋህዲ ተኣዊጁ፡ ቶኽሲ ጥይቱን ደብዳብ ነፈርቱን `ኳ እንተተሰምዐ፡ ብቑጠባ ሓኒቕካ ብጥምየት ንምምብርካኹ፡ ብጽዑቕ ፕሮፖጋንዳ ስነኣእምሮኣዊ-ኲናት ንምምራኹ፡ ብጆግራፍያዊ ብልጫታት ኣብ ከበባ ኣእቲኻ ንምሕናቑ እዞም ክልተ ገበነኛታት ኢሳይያስን ኣቢይን ዘይፈሓሱዎ ገመድ፡ ዘይፈንቀሉዎ እምኒ፡ ዘይኣለሙዎ ውዲት የልቦን።
ህዝቢ ትግራይ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ሰላሕታዊ ኲናት ክካየደሉ ጸኑሑ እዩ። እቲ ሸርሒ ክልተ ሃገራት ገጢሙ ዝጸንዐ ህዝቢ ሓደ ክልል፡ ቬንቲሺተ ህልኽ ኢሳይያስን ኣቢይን መሊኣ ክትኮስ ስለዝቐረበት ከኣ `ዩ ኣብ ልዕሊኡ ኲናት ተኣዊጁ ዘሎ።
እቲ ኲናት ናይ ሞትን ሕየትን ክብሃል ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ምረቱ ንምግላጽ ደኣምበር፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ መሬቱ ክሰዓር ከምዘይክእል ጥሉል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ከይተሓተተ ስለዝምስክሮ፡ ነዞም ኣሕዋትን መዳውብትን ህዝብታት ዘይጋየሾም ሓቂ እዩ። መኸትኡ ህዝባውን ፍትሓውን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ከቢድ ፈተነ`ዚ ክዕወት፡ ተሰዊኡ እንደገና ክውለድ፡ መንነቱ ከረጋግጽ `ዩ። ብዝኾነ ምኽንያት እዚ መጎት`ዚ ክቕየር ኣይክእልን። ዋላ ኣብ ሓደ ውግእ እንተዘይተዓዊቱ፡ እናመከተ ዝሞተ ዘሐብን ሃለዋት ታሪኹ ዕጥቂ መጻኢ ውለዶ ስለዝኸውን፡ ሕነ ሎሚ ጽባሕ ከምዝፈደ ከቶ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ናብ ከርሲ ጉዳይና ክንኣቱ፡ ወዮ ደኣ ሓደጋ ምስ ኮነ ድሕነት እንልምን ህዝቢ ኴንና `ምበር፡ ካብ ዕጫ ትግራዎት ንላዕሊ ዕድል ኤርትራውያን `ዩ በዚ ኩነታት`ዚ ኣብ ፈተነ ወዲቑ ዘሎ። ኣብዚ ትግራዎት ኣብ ውሽጢ ከበባ ሰለስተ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝውቅዑሉ ዘለዉ ጽንኩር መድረኽ መጻኢኦም ናይ ምውሳን ዕድል ኣብ ኢዶም ጨቢጦም ንሓዲኣ፡ ንሞት ወይ ንሕየት ዝምክቱሉ ዘለዉ ከቢድ መድረኽ፡ ንሕና ኤርትራውያን መጻኢ ዕድል ሃገርና ካብ ኢድና ወጻኢ ኮይኑ፡ ብውጽኢት ናይዚ ኩነታት`ዚ ከምዝውሰን፡ እዚ ሕማቕ ዕጫ`ዚ ከይኣክል፡ ወተሃደራት ናይቶም ዲል እንተረኺቦም ካብ ሑመራ ናብ ኣስመራ ክቕጽሉ ድሕር ዘይብሉ ጸላእትና፡ ደርጎኛታት ኣምሓራ ኣኸቲሎም ዝወሩ ዘለዉ ኣቢይን ኢሳይያስን ኴንና ኣንጻር ረብሓና ደው ኢልና፡ ባዕልና ዕርድና ነፍርስ ምህላውና እዩ ዘተሓሳስብ።
ብሓጺሩ፡ እዚ ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ብኸበባ ክጭፍለቕ ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ክልል ትግራይ ንስልጣን ኣቢይ ስለዘይተማእዘዘት ጥራይ ኣይኮነን። ብቐንዱ ነቲ ንሃገረ ኤርትራ ክልል ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕዱር ውዲት ኢሳይያስን ኣቢይን ዕንቅፋት ስለዝኾነት ምዃኑ ደጊሙ ክስቆረና ኣለዎ።
ምስ ኣመል ምርሳዕ ምንባር ካብ ሕልናዊ ስቓይ ዘድሕን፡ ግዝያዊ ቃንዛ ካብ ምጽዋር ንሓዋሩ ምስ ውርደት ምንባር ምርጫኹም እንተኾይኑ፡ እቲ ኢሳይያስ ብንዕቀት ህዝቢ ኤርትራ ተሺንዲሑ፡ `ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ክብል ንኣቢይ ሓንሳብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ሓንሳብ መራሒ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ `ሞ ረስዑዎ፡ ሰሙን ቅድሚ ምእዋጅ ናይዚ ኲናት ምጽናት ዓሌት፡ ኢሳይያስ፡ `ምድልዳል ዞባዊ ሰላምን ምሕዝነትን` ብዝብል ጉልባብ ኣብ ዝዘርሖ መግለጺ፡ በቲ game over ዝብል ጭርሖኡ ኣማቒሩ፡ `ሓቀኛ ባህጊ ህዝብታት ዞባና ክዕወትን ውሕስነት ክህልዎን፡ ብሓባራዊ ጻዕሪን ሜላን፡ ትርፍራፍ ውዱቕ ፖለቲካ እናቐረምና` ክንከይድ ኢና ምባሉ `ኮ፡ ንልቢ ዘለዎ፡ ነቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ምውራድ ዕዳጋ ልኡላውነት ኤርትራ ንምቕጻል ኣመና ተረቢጹ ቅድሚ ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ኲናት ከምዝኣወጀ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእየ ምሽብሻብ ንላዕሊ ናይ ኤርትራ ሸበድበድ ሰራዊትን ግፋን ምድማቑ ንገዛእ ርእሱ ምስክር እዩ። ጎሪሐ ተባሂሉለይ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ስለዘይተጻሕፈ፡ ዜንኡ ኣብ ቴቪ-ኤረ ስለዘይተሰምዐ፡ ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን ኢልካ፡ ሕጹብ ኢድ ምምሳል ዝከኣል ኣይኮነን። ደመኛ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ተሻሪኹ፡ ንጥሩፋት ኣምሓራ ሹት ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ዘሎ ገበን ምጽናት ዓሌት ኣሽንባይ ዶ ብህይወቱ ንመቓብሩ ኳ ዘሕትት ጸሊም ታሪኽ እዩ። እዚ ከቢድ ስሕታን `ዚ ኣካል ታሪኽና ክኸውን ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ እንተፍቂዱ ድማ፡ እቲ ኢሳይያስ ጸሓይ ኤርትራ ኣውሪዱ ንሃገርና ጎልቢቡዋ ዘሎ ጸላም ዘበን ዕድሚኡ ክነውሕ ምዃኑ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።
ልዕሊ ኹሉ እዚ ንትግራይ ዓውደ ኲናት ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ከበባ ኲናት መጻኢ ኤርትራ ዝውስን ናይ ክብ ወይ ግብ ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ድሮ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ትግራይ ንኣቢይ ምምእዛዝ ስለዝበየቶ ብሓይሊ ክርኩር ኣቢይ ዝኾነ ክልላዊ መንግስቲ እንተተኺሉላ ካብ እትኸፍሎ ዋጋ፡ እታ ብመሪር ቃልሲ ዝተረኽበት ሃገርና ኤርትራ ልኡላውነታ ተነቒሉ፡ ህዝብና ባርያ ሃጸይ ኢሳይያስን ልኡል ኣብይን ብምዃን ዝስከሞ ዕዳ ዝዓበየን ዝኸፍአን ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክስቆሮ ኣለዎ።
ስለዚ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ መሳርሒ ውዲት ኣቢይን ኢሳይያስ ኮይኑ ኣንጻር ልዑላውነቱ፡ ኣንጻር ክብረቱን መንነቱን ነብሰ-ቅትለት ኣብ ክንዲ ዝፍጽም፡ ነቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣደዳ ጥምየትን ድኽነትን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን፡ ኣደዳ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኣደዳ ስደትን ምብትታንን ዝገበሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብምምምካት ነዚ ፈተነን ብድሆን ናብ ዕድል ቀይሩ፡ ፈለማ ነብሱ ብምድሓን ረብሓ ሃገሩ ከረጋግጽ፡ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ምጽናት ዓሌት ንጽህናኡ ክሕሉ፡ ካብዚ ኢሳይያስ ዘዋህልለሉ ዘሎ ዕዳ ታሪኽ ክድሕን ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን`ዚ ብሰንኪ ልኡምነትና፡ ፈለማ ረብሓና፡ ቀጺልና ድማ፡ ብዕሽሽታ ሞራላውን መትከላውን መርገጺ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለና ሕውነትን ርከብን ክንከስሮ ከቶ ከነፍቅድ ኣይግባእን። ጸበባን ራህዋን ተበራረይቲ ከም ምዃኖም መጠን፡ ወዮ ደኣ ካብዚ ሙውት ህላዌና ዝኸፍእ የለን እምበር፡ እታ ጸበባ ኣመና ጸቢባ ኣብ እትመጽኣትሉ እዋን፡ ክሳድና ኣቕኒዕና ደገፍ ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ርእስና ኣድኒና ክንጸድፍ ኢና። ነቲ ቀዳድ ማህጸን ኣዲኡ ዝኾነ ሕሱም ውላድ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምምካት እንተጸገመና `ውን፡ ሓሚቕና እንተሓመቕና፡ ነቲ ጸግዒ መስተንፈሲ ክንኮኖ ዝግብኣና ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ምስ ደርጎናታት ኣምሓራ ተሻሪኽና ካብ ምውቃዕ ኢድና ክንእክብ፡ በንጻሩ ሞራላዊ ደገፍ ክንድገብረሉ ንዓና ዝሓይሽ እዋናዊ መርገጺ እዩ።
መሓወር ወረርቲ ገና መሬትና ኣትዩ በቲ ኢሳይያስ ን 50 ዓመት ኣብ ልቡ ዝዓቖሮ ዝዓበየ ውጥን ምልሓቕ ኤርትራ ገና ከይተፈተና፡ በዚ ኣብ ትግራይ ዝኲዖ ዘሎ ሓዊ፡ እቶም ን20 ዓመት ካብ በላዕተኛ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጦም ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዑቕባ ረኺቦም ዝጸንሑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታትና ብቐጥታ ክጉድኡ ምዃኖም ተገንዝቢና፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ጥራይ ኳ ንድሕነት ዜጋታትና ኣብ ጎኒ ምክልኻል ትግራይ ደው ክንብል እኹል ምኽንያት ክኾነና ይግብኦ። እቶም ካብ ምልኪ ዘምለጡ ዜጋታትና ኲናት ስዒቡዎም፡ ግዳይ ኲናት ክኾኑ፡ ካብ ስደት ናብ ስደት ከቋምቱን ክበታተኑን ከቶ ከነፍቅድ የብልናን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ደቂ ስዉኣት ተዛረብቲ ትግርኛ ብምዃኖም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝእሰሩሉ ዘለዉ ግዜ፡ ኣዴታት ስዉኣትን ኣንስቲ ስዉኣትን በዚ ውርደተኛ ስርዓት ተገዲደን ንብራርያ ስሜናዊ እዚ ዝኾኑ ጦርሰራዊት ኢትዮጵያ እንጀራን ሕሩድን ክዕንግላ ተቐሲበን ምህላወን፡ ስግንጢርነት ናይቲ ዘደንጹ ታሪኽ ንጎኒ ገዲፍካ ገዲፍካ፡ መርኣያ ናይቲ ሃጸይነት ኢሳይያስ ኣቢይን ዲል እንተረኺቡ ንመጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ውርደትን ሕስረትን ዝበዝሖ ጊላዊ ህይወት እዩ።
እዚ ኣብ መትከል ሃገራዊ ረብሓን ሰብኣውነትን ተመርኲስና ክንወስዶ ዝግባእ መርገጺ`ዚ ንኹልና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ዝምልከት እምነት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጸበብቲ ፍልልያትና ዘምለጠና ዓቢ ዕድላት ኣብዚ እዋን`ዚ ክነቕሓሉ `ለና።
እቲ ዝጠቐስናዮ ጉዳይ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ቦትኡ ኸሎ፡ በዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ጉዳይ ስደተኛታት ጥራይ እንተመጒትና፡ እቲ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ብስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ብሕልፊ ካብ መታሕት ሃገርና ብጅምላ ተሓሪዱ፡ ዓድታቱ ተቓጺሉ ንሱዳን ዝተሰደደ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝብና፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ዘይተመልሰሉ ምኽንያት ብሰንኪ ኢሳይያስ ምዃኑ፡ ሕጂ ኢሳይያስን ኣቢይን ነቲ ሕዱር እምብራጦርያዊ ኣተሓሳስባ ኣምሓራ ኣኸቲሎም ኣብዚ ዓሌታዊ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንተተዓዊቶም ከኣ፡ ምምላስ ህዝብና ካብ ስደትስ ይትረፍ፡ ኤርትራ ብቐንዳ ናብ ኢትዮጵያ ክትስደድ ምዃና ክንግንዘብ ይግባእ።
ስለዝኾነ፡ ምእንቲ ድሕነት ሃገርናን ክብረት ህዝብናን፡ ነቲ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢስይያስ ሓግሒግና ብምእላይ ሃገርና ክንፍውስ ድሕነትና ከነረጋግጽ፡ ኣብ ዞባና ውግእን ወረ ውግእን ዘይብሉ ናይ ሰላምን ምርግጋእን፡ ናይ ሕውነትን ምሕዝነትን፡ ናይ ልምዓትን ስልጣኔን ሓድሽ መድረኽ ክንከፍት እንተዄንና ምርጫና ብሓባር ተቓሊስካ ንስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ሱሩ ሓግሒግካ ህዝባዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ ።
ኢሳይያስ ዘይብላ ኤርትራ `ያ ንርእሳ ቀሲና ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እተቕስን።
ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ በቶም ገበቲ ዓመጸኛታት ተገዲዱ ኣብ ዝኣተዎ ኲናት ናይ ሞትን ሕየትን ምርብራብ ዘካይደሉ ዘሎ ጽንኩር እዋን ንጉድለታት ህውሓት ምጽብጻብ ላዛ ዘይብሉ ናይ መስቆርቆርቲ ምስምስ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካባና ንላዕሊ ዝጸብጸቦ ኣበራት ህውሓት እናሃለዎ ተጸሚሙ ብሓድነት ህላዊኡ ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ መጠን፡ ንሕና ኤርትራውያን `ውን ብኣጉል መመኽኔታ መሳርሒ እቲ ዝዓበየ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ ቀዳምነትና ምስዓር ኢሳይያስ ጌርና ብልዝብ ሕሳብና ዓጺና ዝምድናና እነሐይለሉ ግዜ ክንመርጽ የድሊ።
ሕጂ `ውን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓንቲ ጃልባ፡ ኢሳይያስ ኣብይን ከኣ ኣብ ካልእ ጃልባ `ዮም ዘንሳፍፉ ዘለዉ። መርገጺና ጃልባና ኣብ ምድሓን ወሳኒ እዩ። ኣብዚ ናይ መን ሰረረ መን ጥሓለ ናይ ክብን ግብን ህሞት፡ ደርጎኛ ኣምሓራ ኤርትራ ዘው ዘበለ ካርታ ኢትዮጵያ ሒዞም እናመረሹ፡ እዚ ጉዳይ ኢትዮጵያ `ዩ፡ ኣይምልከተናን `ዩ ኢልካ ዓይንኻ ምዕማት፡ ብደውካ ሞት እዩ!
ኤርትራውያን ንመርገጺና ብውጽኢት ኲናት፡ ብስዕረትን ዓወትን ዘይኮነ ብመትከልን ሰብኣዊ ሕልናን ሃገራዊ ረብሓናን ክንዕቅኖ፡ ምእንቲ `ዚ ነግፈረግ ከይበልና ኣብ እዋኑ ዘየማትእ መርገጺ ብምውሳድ፡ ኣንጻር`ዚ ውዲታዊ ኲናት ምጽናት ዓሌት ኢሳይያስን ኣቢይን ደው ክብል፡ ፈለማ ሰላማዊ ፍታሕ ክንጽውዕ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ደው ክንብል ታሪኻዊ ውሳኔ ዘድልዮ እዋናዊ ስጉምቲ እዩ።
ድሕሪ ነዊሕ ትዕግስቲ ሰላምን ልምዓትን እናተመነኻ ኣብ ዘይሓሰብካዮ ኲናት ዝኣተኻ፡ ዝኸበርካ ሓርበኛ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብዚ ምእንቲ መንነትካን ህላዌኻን እንተላይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ደሪብካ እተካይዶ ዘለኻ ቆራጽን መሪርን መኸተ፡ ብሕልናን ብመትከልን ኣብ ጎንኻ ደው ኢልና ከምዘለና ነረጋግጸልካ። ታሪኽ ምስ ነብሱ ተታሪኹ፡ እቲ ኣብ ሳሕል 6ይ ወራር ኣብ ምፍሻል ብሓንቲ ነጻላ መቓብርቲ ዝኾንካዮ፡ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብመስዋእቱ ዘሰነየካ ኤርትራዊ ተጋዳላይ፡ ክንዲ ደገፍን ጸግዕን፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ወራሪ ተቐይሩ፡ ምስቶም ሓቢርኩም ዝማረኽኩሞም ጸላእቲ መሬትካ ረጊጹ እንተተዋጊኡካ፡ ወራሪ ክሳብ ዝኾነ ዋላ ዜጋና ፍላይ ማህጸን ኣዴና ይኹን ክሰዓር ኣለዎ። ስዕረት ውዲት ኢሳይያስን ኣብይን፡ ዓወትካ፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ። ምድንጋጽና ምስ ወጽዓኻ፡ ደገፍና ንመኸተኻ ካብ መቓብር ሓውልትኻ ከምዘይሓጽር ነረጋግጸልካ። ህዝባዊ መኸተኻ ፍትሓዊ ስለስኾነ ግድን ክትዕወት ኢኻ፡ ኣብ መኸተኻ ጽናዕ!
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ትግራይ
ውድቀት ንውዲት ኢሳይያስን ኣቢይን
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
ኣማኑኤል ኢያሱ – 09 ሕዳር 2020
Xeba ste Amanuel hawey!
Clear stand on the side of Eritrean Sovereignty. Some don’t understand Eritrean Sovereignty is hanging by a thread of Woyane and the people of Tigray surviving the assault by Abiiy and ekey and wurdetegna Issayas
ሓውና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ፥ ሰላምን ራህዋን ንምነየሉ።
ጉዳይ ወያነ ግን ፥ ፍልይ ዝበለ እዩ።
መጀመሪያ ፥ ዉግእ ኣብ ጎረበት ሃገር እዩ ዝካየድ ዘሎ ።
ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታዉ እንዲዩ ፥ ሓደ ካብቲ ንኤሪትራ ኣብዚ ወሪዳትሉ ደረጃ ኣውዲቁዋ ዘሎ ?
ስለዚ ንሕና ፥ ምትእትታዉ ዝዕድም ፥ ዝኾነ ነገር ክንገብር የብልናን ።
ወያነ ፥ ንኣቢ ኣሕመድ ክንገጥሞ እና ፥ ከነሸንፎ እና ፥ እንዳ በሉ እዮም ፥ ኣብ ዉግእ ኣቲዮም ። ሕጂ ምስ ጸንከሮም ፥ ምእንቶኦም ደቅና ክሞቱ ኣይግባእን።
ሙሉእ ሓይሊ እትዮጵያ ኣኪቦም ተዋጊኦምና ፥ ሹዑ ኣሕዋቶም ሙኹዋንና ይፈልጡ ኣይነበሩን ?
እቲ ኣብ ዉሽጥና ናይ ሃይማኖትን ዓለትን ፍልልያት ንምብላሕ ክተባብዑዎ ዝጸነሑ ፋሺስታዊ ምንቅስቃሳት’ ከ ፥ ተረሲዑ ዲዩ ?
ዓድኹም ወሪስና ፥ ኣብኡ ንኽትነብሩ ዘግነት ክንህበኩም እና ዝተባህሉ ክፋላት ሕብረተሰብና ፥ ሕጂ ዳሓን ሓግዙዎም ድኻ ትብሎም ዘለኻ ?
ወያነ ፥ ልክዕ ከም ህግደፍ ፥ ትዕቢቶም ደረት ሰጊሩ ።
ጉዳይ እትዮጵያ ንትግራይ ጠቃሚ ኣይኮነን ፥ ንሰሚየን ጠምቱ እዮም ክብሉ ጸኒሖም። ንሰሚየን ክጎብጡ እብዳ ሓሰቡ ፥ ደቡብ ወሪሩዎም ። ሕጂ ፥ ድሮ፥ ወልቃይት ፥ ጠገዲየ ፥ ራያ ከሲሮም ። ሕጂ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህላወ ወያነ እምበር ፥ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ።
በጃኹም ፥ ጉዳይ ሃገርና ንግበር ።
You just stirred butterflies in my gut W.H. with your fact checking salvos, I don’t do politics too well because it is dirty, politicians say something today and the opposite tomorrow… if hizbi tgray is TPLF and vise versa, it is like saying HGDEF is hizbi Eritra and vice versa, because of the shifting of the alliances the devil doesn’t become a saint all of sudden. Folks, if our survival depends upon a win or loss of those who yesterday dismembered and threw us for a bait, it is not a good place to be, it is not a venue for winners, you can’t piggyback your way to freedom, no matter how you spice it or dice it, just like W.H. said, ‘bejakum guday hagerna ngber.’!!!!
For starters lets ask ourselves tonight how did we get in this scenario to think where a battle outside of our borders in a foreign country is a life and death sentence for our nation and who is thinking or remotely not thinking that way among us Eritreans? or does it matter?…..a farm grown chicken which took few months to be a hen tastes better and is healthier for you than a steroid and antibiotic fortified one which challenges you for arm wrestling in one day.
ኩቡር መምህረይ ፥ ዶቶረ
ከመይ ቀኒኻ ፡
ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ክነረካ ኣፍቅደለይ ፣
ላኦ-ትዘ ( Lao Tze) ከምዚ ይብል፣
ሓደ ገያሻይ ፥ ንእግረ መገዱ ፥ ኣብ ሓደ ዓዲ ፥ ኣብ በት-ምግቢ ይኣቱ እሞ ፥ ክልተ ኣንስቲ ይርኢ ፥
– እታ ሓንቲ ጽብቅቲ (መልከዐኛ)
– እታ ካላኣይታ ፥ መልክዕኣልቦ (ታራ)
ተገሪሙ ፥ ንሓደ ኣብኡ ዝጸነሖ ሰብ ብዛዕበአን ይሓቶ ፥
እቲ ሰብ ይብሎ ፥
– እታ መልከዐኛ ጽልእቲ እያ
– እታ መልክዕኣልቦ ፍቱውቲ እያ
ገያሻይ ተገሪሙ ፥ ስለምንታይ እሉ ይሓትት፣
– እታ መልከዐኛ ኣበረኛ ፥ ትዕቢተኛ ስለዝኾነት
– እታ መልክዕኣልቦ ፥ ባዓልቲ ትሕትና ስለዝኾነት
ወያነ ፥ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ፥
ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ፥ ህዝቢ ምስ ወደሶም ፣
ነቲ ዘዕበዮም ህዝቢ ፥ ሰብኣዊ ክብረቱ ደፊሮም (ንሰብ ከም ኣቅሓ ኣጽኑሑለይ ዶ ትብል) ፥ ባህሉ ኣባላሺዮም ፥ ጽልኢ ዘሪኦም ፡ ኩሉ እቲ ዝጸንሐ ንዒቆም ፥ ንሕብረተ-ሰብ ንቁልቁል ኣፉ ደፊኦምዎ ።
ትዕቢት ፥ ቅርሒንቲ ፥ ኩቱር ጭካነ ፥ ጽልኢ ይፈጥር።
ምትእትታዉ ወያነ ፥ ማዕረ ክንደይ ኣዕኒዩና ፥ ኣይረሳዕናን።
ንጀብሃ ንሕና እና ካብ መዳ ዘባረርናያ እሎም ፥ ክሕበኑ እዝክር ።
ብሰንኪ ምትእትታዎም ዝጠፈአ ህወት መንእሰያትና ፥ ክንዲዚ እዩም እልካ ምግማቱ ኣይካኣልን።
ብሰምኪ ጻዕቂ ውግእ ዘይተቅብሩ ረኺቦም፥ ሓመድ ኣዳም ከልብሱዎም ፍቃደኛታት ስለ ዘይነበሩ ፥ ረሳ ደቅና ክሳብ ኣዕጺምቲ ዝኾውን ኣብ ጎላጉል ተሪፉ።
ኢድ ጸናሒት ፥ እሎም ኣቦታትና ።
We have been burned too many times before Hizbey, I say ENOUGH! to that, don’t try to sugar coat the placebo and feed it to us. W.H. I am just chugging along, amlak yimesgen.
I agreed with article
ጽቡቅ ትጽሕፍ ግን መን ክኣምነካ ።
Your entire argument is predicated on making TPLF & the people of Tigray synonymous with each other.
This could not be farther from the truth. Few facts for you and your loyal readers:
1) Orchestrated the 1908s Hawzien massacre with production grade video cameras to gin up support for its failing agenda.
2) Sold food aid meant for the poor people of Tigray to finance expensive life styles of its politburo members (pre-1991 mind you).
3) Betrayed ONLF fighters and mas scared them after moving them to a camp under the guise of integration in to Ethiopian armed forces.
4) Betrayed the Eritrean people by destroying martyr’s memorial and deporting 100K Eritreans because they did not like the color of their eyes.
5) Betrayed the people of Tigray throughout the entire time they looted Ethiopia from 1991 – 2018.
The law enforcement activities by the Ethiopian armed forces is more to liberate the people of Tigray from this menace than bringing the Junta leaders to justice (dead or alive).
Correction – 1980s…
ሻዕቢያ ኣብ ውግእ ሓድ ሕድ ኤሪትራ ፥ ንወያነ ከም ዝዓደመት ፥ ክትጠቅስ ኣይደለኻን።
ንጀብሃ ኣብ ምጥፋእ ስለ ዝተሓባበሩዋ ፥ ባድመ ክርከቡ ከም ዘፍቀድኩምሎም ከ ምስ ኣየናይ ታሪኽ እዩ ክዝከር ?
ካብ ወያነ ህግደፍ ይኸፍእ ። ንስኹም ንኤሪትራ ብዘይካኹም ካልእ ሰብ ክነብረላ ዘይክእል፥ ዝፈሸለት ሃገር ገይርኩምዋ።
That is an open secret. Eritrea’s struggle for independence would have been adversely impacted if ELF was allowed to roam freely in Eritrea. ELF, not only attacked us after the Zagir agreement, it took it’s own organization in to a dark place based on religion and regionalism. Eritrea needed to get rid of this cancer & only then was EPLF able to transition from defensive strategy to offensive posture that culminated with our independence in 1991. EPLF continued to work with TPLF not because we had ideological alignment but they were a convenient means to our larger cause of defeating the dergue and give our people their much deserved independence and our country its rightful place in the league of nations. It is for this reason, our mechanized units paid heavy price to escort the criminal TPLF gangs in to Addis Ababa. When they approved our right for self determination in 1993, they had no choice because we had our gun barrels right next to their temple!
Lastly, Badme will return to its rightful owners soon. Enjoy!
“Eritrea needed to get rid of this cancer & only then was EPLF able to transition from defensive strategy to offensive posture that culminated with our independence in 1991”
Salim Negash
ዝኾነ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር ፥ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዩ እዋን ፥ ምሳኻ ዝሳማማዕ ኮይኑ ኣይመስለኒን።
ንስኻ ንውድባት ብማዕዶ እኻ ትፈልጠን ። እቲ ትብሎ ዘለኻ ናይ እሰያስ ናይ ገበን ብጾት ዝብሉዎ እዩ።
ምስ ህግደፍ ተሪፍኩም ዘለኹም ፥ ብዋጋ ረብሓ ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ኣብ ኤምባሲታት ጡጡሕ ናብራ ተሕልፉ ዘለኹም ፥ ብዘይ ሕልና ትነብሩ ሰባት እኹም።
ህዝቢ ናዓኹም ኣብ ፍርዲ ዘቅርበሉ ግዜ ሩሑቅ ኣይኮነን።
The list goes on and on and on.. it takes one to know one, now on the flip coin can you list a few facts about the atrocities, betrayals and injustices of the enterprise you work for on our people or may be you’re scared because they don’t have the PPP ( paycheck protection program)?
‘The law enforcement activities by the Ethiopian armed forces is…’ >> Salim, can you honestly tell us what your boss’s incursion is in this endeavor? a decoy? to steal a base as in baseball? or faking a punt as in American football?..
the people of tigray, the people of Eritrea, the people of Ethiopia….you have taken the ‘people’ out of the equation a long time ago, that’s why they are trekking the globe, living in squalor at home and abroad, swatting at an invading army of locust to protect their meager harvest, being thrown from a balcony like a leftover food….. leave the people alone you bloodsucker parasites, leave them alone, they have been living without you for centuries with pride and dignity tilling their land and taking care of their herd. You can stuff your Sing-a-poor up your where the sun don’t shine. it must be the can of Bull I chugged, pardon me.
Merhaba k.tewolde
Do you know of any incursion by Eritrean Defense Forces beyond their original positions? If you have concrete evidence, why not reveal it than parroting TPLF media outlets?
ሰራዊት እትዮጵያ ኣብ መሬት ኤሪትራ ኮይኑ ክዋጋእ ምፍቃድ ፥ እድ ምእታዉ እዩ ዝባሃል።
ህግደፍ፥ እቲ ኩሉ ዓለም ዝቅየደሉ ፥ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ኣህጉራዊ ሕግን ናይ ፕሮቶኮል ልምድን ፥ ዘየኽብር ጉጂለ ኮይኑ እምበር ፣ ሰራዊት እትዮጵያ ንመሬት ኤሪትራ ከም ድሕረ ግንባር ክጥቀመሉ ኣይግባእን።
ሙኻን ኩሉ ንመሸጣ እንዲዩ ቀሪቡ ዘሎ …
Ahlan Salim, I don’t have satellite imagery for concrete evidence and so do you, however in this recent political and military maneuvers by your boss, he doesn’t have to engage directly, he is a decoy in the war theatre his favorite role historically… and you don’t have to be a West Point grad to figure this out. Last but not least about your last post replying to W.H., who where you trying to pump up to your side by picking on an old wound and letting it ooze allover the dialogue box, this is a different audience 2 generations younger, you are really a carbon copy of your boss except he is shifty and elusive in his own ways until he paints himself to the corner and that time is fast approaching… INA ALLAHU KELEQ INSAN WEKELQLEHU A DEMIR LKEY YUMEYZ BIHU A SHER MNEL KEYIR…. and in our homeland today there is no KEYIR except mayhem, misery, destitution….. because of parasites like you who think a little boy selling shelto cigarretes and chewing gum in the streets of the capital to support his starving family as entrepreneurship. Salim, read the Quran, there a lot of wisdom in it, you have been reciting the HGDEF manifesto for too long.
“انا الله خلق الإنسان وخلق له الضمير لكى يميز به الشر من الخير ”
ኣግዚኣቢሔር ሰብ ፈጢሩ ፥ ከምኡ’ውን ሕልና ሃቦ ፥ ሕማቅን ጹቡቅን ንኽፈሊ ።
Quote by k.tewolde
ካድር ህግደፍ ዳኣ ፥ ሕልና ዘይብሉ ፉጡር እንዲዩ ።
ሕልና ዘይብሉ ፥ ብምስሊ ሰብ እኳ እንተ ተፈጥረ ፥ እንስሳ እዩ ዝኾውን።
የቀንየልና ዶቶረ ።
Marvelous W.H. just marvelous! you are the one who need to be thanked, I am just trying to drill into their hard skull… you know.. ventriculostomy to correct the mass shift, this way they can think and walk right, it is a daunting task. I can’t thank you enough for your priceless input.
I have agreed with your reply, weyan has to pay a price and hopefully in the coming few days will be the end of this racist group and face out from our region
ይቅረታ
እንታይ እዩ እቲ ዓላማና ?
ንኤርትራ ዓድና “ሓራ” ንኸነዉጽእ ደይኮነን፣ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መግዛእቲ ???
“እወ” እንተኾይኑ እቲ መልሱ እንታይ ድኣ እዩ እቲ ቆየቑኡ ???
ምናልባት፣ እቲ ናይ መግዛእቲ “ልምዲ” ድኣ ካይከውን >> እዝጊ የድሕነና ካብቲ መዋእል መግዛእቲ ልማድና!!!!!!!!!!
Thank you so much Amanuel for the coherent/timely message.
EDF guns should be pointed against the criminal thug in Adi Halo, who is the co-architect of the ongoing war inside Ethiopia.
Members of EDF have only one choice:
a) to rescue both themselves and the nation because their life is on line.
b) to roll their tanks/armoured vehicles/troops to Adi Halo/office of the national security, police, defence, ministry of information
security
police, defence, ministry of informationand eliminate the criminal thugs and their accomplices.
c) to eliminate commanders and highranking officers that resist this move or side with the dictator.
Higdef has built EDF to be a ruling Party militia.
Secret political cells control it from within.
They make sure that it’s continuously kept busy.
I don’t think they can revolt against the regime.
Right on haw K.Tewolde. civil discourse is possible when one side of the debate argues in good faith. Fraudelent arguments made by spinners/paid Hgdef cyber agents get knocked and soon pop up again as if it never happened. If someone says the sky is green, you prove that it is actually blue and the next day he comes back once again insisting the sky is green. That is why our attempt to be be civil gets in the way of exposing the bad faith. In any event, bad faith arguments don’t deserve civil response Hgdef blind followers/gangsters don’t try to acquire the basic political literacy, such as how government works and issues facing society as well as critical thinking to evaluate different point of view.
When you have a dictator, a dropout with a highschool diploma at the helm, it is not surprising to see his followers following his footsteps.
Last but not least, I would like to say this. The best way to foil their sinster(paid Hgdef cyber operatives) attempt is to stay focused on our timely issue.
Hi you guys, I wish TPLF wins this war at least have tigrays self determination to self rule more or less as autonomous region. Says what it desires, does and act. However, to the concern eritrean case is not honest. When eritrean independence came to realise they accepted because they have no choice. Iseyas betrayed them. Not because he is true eritrean but for his ambition to be emperor folks as his ancestors. So, we eritreans, how do you tell us to forgive and trust. If we manage alone is ok otherwise any wind from across MEREB history is a witness. End! I wish to trust but not so far.
The demise of woyane is a done deal, a blessing for us and a blessing for Ethiopians but eternal shame for those Eritreans whom woyane had bought with the tens of billions of birr it looted and plundered from Eritreans and Ehiopians.
Brother, don’t fool your self. With respect tigray people vote for Weyanie. Wishing you if you can vote but you too are condemned to vote in mars unlike…
Fidarsi è bene, non fidarsi è meglio.
Translation: to trust is good, not to trust is better.
I don’t trust Weyane and Higdef.
They went to the same Stalinist school.
This operation is not meant to hit Woyane but the movement We Eritreans were expecting to dismiss the leadership in Eritrea. Now we are in the mercy of the maphia group and foolish Isayas Afwerki. Our Defense is not willing to be involved in this war and because of this nothing is done so far. Eritrean defense is involved in the war is a lie and false propaganda.
ወያነ ፥ ድሕሪ ንመቀለ ምምላሶም’ዉን ፥ ልክዕ ከም ህግደፍ ፥ መንእሰይ ኤሪትራ ንሃገሩ ከም ዘይምለስ እዮም ክገብሩ ጸኒሖም ። ስለዚ ንሶም ስለ ዝተዳኸሙ ፥ ደንበ ፍትሒ ዝኸሰሮ ቡዙሕ ነገር የለን ።
ሕቶ ኣለኒ
ኣየናይ ግዜ እዩ ህዝቢ አሪትርያ ሓርነት ረኺቡ ዝፈልጥ???
ካብ ጣልያን >>ናብ እንግሊዝ >> ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ >> ብሰንኩ ናብ ሰላሳ ዓመት ውግእ፣ ሸለው ክትብል ከዓ ኣብ ትሕቲ ጨካን ዉልቃዊ፣ ብትውልዱ ጥራይ ኤሪትራዊ፣ ስጋብ እለተሞቱ። ዘጉሂ ታሪኽ ። ጓሂ ጥራይ ኣይኮነን፣ ዝተፈልየ ቃላት ክፍጠር ኣለዎ ። ተጋጊኻ፥ ካልኦትዉን ኣለው ዝብል ሞገተ አንተምጺእኩም ኣሜን ኢለ እቕበሎ ፡ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽ ኣብ ቅድመይ ስለዘሎ።
ብእኡ እንተታሓጉሽና >> ሓጎስ ናይ ኩልና << ሃየ ንቐጽል ኣብ ዘለናዮ ሃጠው ቀጠው ሙጉት/ጸርፊ ኣብ ኢንተርነት።
ግን አቲ ዝገርም/ዘጉሂ እቶም ሊቃውንቲ ምሁራንና ከማና ኣብቲ ዓዘቕቲ ምእታዎም እዩ። መርገም እዩ እንተበልና የኽፋኣልናዶ??? ናይ ቀደም ለባማትና ዘይፈልጥዎ ከጋጥሞም ከሎ መርገም እዩ ይብሉ ነበሩ ። ኣይፍረዶምን፣ አቲ ቅንዕነቶም ጥራይ ይኣክል። ንሕና ኢና ንዘይንፈልጦ ንፈልጦ ኢና ንብል፣ ብዘይ ሓንቲ ስክፍታ።
ከም ቀደመይ፡ ንመርበብ ኣሰና ምስጋናይ ይብጻሓኩም ብምባል እታ ክብላ ዝደለኹ ኣብዚኣ እፍጽም።
“ኤርትራ ወታሃደራዊ ካምቦ ኣምሓራን ኣቢይን ኮይና ፤፤ http://www.meskerem.net “
መን ኮን ይኸውን ፍቓድ ዝሃቦም ?!!?
ህዝቢ ኤርትራ ካይንብል፣ ወሪድዎ ህዝቢ፡ ንኽሰማምዑ እኳ ጸገም ዘለዎም !?!?!
ምስጢር ኣይኮነን፣ ደይ ኣይተ ኢሳያስ አዩ ከምኡ ዝገበሮም ::
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ፴ ዓመት ኣብ ውግእ ሓርነት፣ ድሕሪኡ ከዓ ዳርጋ ካልኣይ ፴ ዓመት ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢሳያስ አዩ ዘሎ::
እንታይ ተሪፉና ብጀካ ነንሕድሕድ ቆየቛን ምህለላን ፡ ንሱውን ኣይንተስማማዕናሉን !!!
ኤርትራ፣ ተፈታዊት ዓድና ገዲፋቶ እያ >> ንየማንን ጸጋምን>> ንላዕልን ታሕትን>> ንቕድሚትን ድሕሪትን ሸንኮለል ክትብል ሓይላ ተጸንቂቑ እዩ ።
ኣይኮነን አንተልኩም፣ ሃየ አንሆለ አቲ ጎልጎል ኣብ ቅድሜኹም ።
ኣሜን ኢንሻላህ
I don’t believe Eritreans grasp the depth of the darkness and ugliness of the history they are making now by standing with this fascist and bloodthirst little boy fellow Ahmed Abey. The people of Tigray will survive and flourish again, their ancestors gave their lives to defend old Christianity in the region yet for centuries, now the people of Tigrigna speakers are on brink of vanishing. This is the cross junction where Eritreans love for their country can be defined for generations to come. Either side a man who is determined to erase the Tigrigna speakers of of the earth or with those brothers and neighbors who defended your life, land, culture and language from fanatic Islamic expansionism.
“Tigrigna speakers of of the earth or with those brothers and neighbors who defended your life, land, culture and language from fanatic Islamic expansionism.”
Michael Tesfamariam
ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ።
ኣብ ዉሽጢ ደቂ ሓደ ሃገር ወይ ጎረባብቲ ፥ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ናይ ምብላሕ ሜላ ፥ ንወያነ ዘርብሕ ኣይኮነን።
እዚ ብዓለታዊ ልዕልነት ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኣምን ጉጂለ (ኣግኣዚያን) ፥ ሓደ ፋሺስታዊ ስነ-ሓሳብ ዝኽተል ፥ ናይ ሑሙማት ዕላማ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ናይ “ዳዒሽ” ፋሺስታዊ ጉጂለ ፥ ንተኸተልቱ ለኪሙ ክጠፍእ እዩ።
ንኤሪትራ ብሃይማኖትን ዓሌትን ምፍልላይ ሜላ ፥ ሓድሽ ኣይኮነን ። ህዝቢ ኤሪትራ ንዑኡ ሲዒሩ እዩ ናጽነቱ ከረጋግጽ ዝኻኣለ። ሕጂ’ውን ፥ ነዚ ናይ ምምቅቃል ሽርሒ ስዒሩ ንሓርነቱ ክቃልስ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ፥ ወያነን ህግደፍን ፥ ሰላማዊ ህዝቢ ለኪሞም ይኸዱ ምህላዎም እዩ።
Quote: “I don’t believe Eritreans grasp the depth of the darkness and ugliness of the history they are making ” Unquote by Michael Tesfamariam
I fully agree with that statement — for my own interpretation, reasoning, feeling etc Others may disagree with vehemently.for the mother land that does not exist. Ask Issayas Afewerki Abraha Miratch and he will explain to you, chapter and verses, with his “golden’ tongue[afewerki] !!! It is your choice in a democratic society with deep consciousness for Freedom of Expression.
The golden, admired and loveable [tefetaweet] Eritrea is “gone with the wind”, while Eritreans were very busy squabbling with useless sociological factors — and still vehemently continue to do so until the ‘body’ is buried six hundred feet deep down.
THAT IS WHAT — IT MAY BE INTERPRETED –THAT WE ERITREANS UNCONSCIOUSLY WANTED, DEEP DOWN!!!! How else can one explain the strange history of Eritrea, which is covered by continuous forces >>>Example: Italy, Britain, Ethiopia and Issayas during a continuous total time period of about one hundred and forty (140) years. When was the last time Eritrea was a LIBERATED, FREE and INDEPENDENT COUNTRY in the TRUE sense of the words??? Let our consciousness be the judge if we consider being a member of the UN as equivalent to LIBERTY, FREEDOM, INDEPENDECE. May the Good Lord, up In Heaven lend us a shade of honesty and wisdom, for the time being!!!.. THE END
Everyone must send it this message to each leaders
Message for N.Sudan and Egypt Leaders:
I am working in the Intelligence Security of Ethiopia in Addis Ababa.
I would like to to tell you the biggest secret today.
You are really too late in bed. The first liar Abiy Ahmed has created a big plot upon you before you blow out/Destroy the dam. This is your time like Trump said, do it now.
Abdel Fattah Al-Sisi is too late, what happened to him???????????!!!!!!Donald Trum already told him.
The Nile river is the lives of all Egyptians and Sudan people.
Whatever pm Abiy Ahmed says or sign it, HIS LEGITIMACY is expired. Do not believe him.
All his words are fallacy!!!
You have TO stand with Tigray and destroy the Dam now.
Note : This i not my email and name for the sake of safety